ዓመት መጽአ ኣብ ዕለታት ማእሰርቶም ብዛዕባኦም ብዙሕ ስለ ዝተባህለ እዚ ጽሑፍ ኣብተን ንልዕሊ 21 ዓመታት ብዘይ ኣቦ ከሕለልዋ ዝተፈርዳ ስድራቤታቶም ከተኵር እዩ።
ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ፓስተር ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ፓስተር ኪዳነ ወልዱ፡ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ፡ ከምኡ'ውን ከም ሓኪም መደንዘዚ ዝሰርሕ ዝነበረ ፓስተር ሚልዮን ገብረስላሰን ንኽልተ ዕቑድ ካብ ስጋውን መንፈሳውን ኣቦኣዊ ሓላፍነቶም ብዘይድላዮም ተመንጢሎም።
ማእሰርቶም ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ኣይነበረን። ገለ ካብ ጐደናታት ኣስመራ ተጨውዮም፣ ገለ ካብ ስርሖም ገለ ድማ ወጋሕታ ገና ካብ ድቃሶም ከይተበራበሩ፡ ኣባላት ጸጥታ "ሕቶታት ኣለና ክትምለሱ ኢኹም" ብምባል ምስ ወሰድዎም ክሳዕ ሎሚ ድርኵኺት ቤቶም ከይረገጹ፡ ዝወለድዎም ደቆም ከይረኣዩ ዓመታት ሓሊፉ።
ሓንቲ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስድራ ግዳያት ነታ ወላዲኣ ዝተወሰደላ ንግሆ ከተዘንቱ እንከላ፡ "እቲ ክወስድዎ ከለዉ ንግሆ ስለ ዝነበረ ደቂስና ኢና ነይርና፣ ንማማ ዋላ ሓንቲ ኣየድልዮን'ዩ ሓቲትና ክንመልሶ ኢና ኢሎም ንባባ ወሲዶሞ።
"ሽዑ ማማ ኣተንሲኣ ንባባ ከም ዝወሰድዎ ነጊራትና። እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ሎሚዶ ጽባሕ ይሰድዎም እናበልና ተጸቢና።
"ድሕሪኡ ግን ናብ ወንጀል መርመራ ምስ ኣስገርዎም ዝዀነ ሰብ ዘይእሰሮ ንቡር ቤት ማእሰርቲ ብዘይምዃኑ በቃ ክነውሕ ከም ዝኽእል ገሚትና፡" ትብል።
"መጀመርታ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ፣ ጸኒሑ ድማ በቃ መዓልታት እናተዓዝረ ሳልሳይ ራብዓይ ሓሙሻይ... እናበለ ዓመታት ክቝጸር ጀሚሩ... ሽዑ በቃ ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ ካብ ምድራዊ ነገር ተስፋ ትቘርጽ'' ብምባል እታ ኣብቲ እዋን ተምሃሪት መባእታ ዝነበረት ውላድ ተዘንቱ።
ጽልዋ ኣቦ ኣብ ሓደ ስድራ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኣብተን ስድራቤታት ዝተፈጥረ ሃጓፍ ግሁድ እዩ።
"ባባ ኣሽንኳይዶ ንዓመታት ተኣሲሩ ዋላ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኑ ብስራሕ ንሳልስቲ ክገይሽ እንከሎ`ውን ምስ ሓወይ ኣዝዩ ጥቡቕ ቅርበት ስለ ዝነበሮ፡ ብናፍቘት ዳርጋ ይሓምም እዩ ነይሩ። ምስ ተኣስረ ድማ ዝይዳ ኵልና ኣዝዩ ተጐዲኡ። ኣደይ'ውን ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ ብምባል ዝያዳ ትጥንቀቐሉን ትከናኸኖን ነይራ፡" ብምባል ንልዕሊ 21 ዓመታት ወላዲኣ ብህይወት ሃልዩ ክንሱ ኣብ ድሕሪ መቝሕ ተሓይሩ ስድራቤቱን ውሉድን ካብ ምርኣይ ከይተረፈ ተኸልኪሉ ምንባር ንዘለዎ ንኽብደቱ ተብርህ።
ጓሉ ነቲ፡ "ንመንእሰያት ቃል ኣምላኽ ብምስባኽን ንዝዓሞቐ ርድኢት እምነቶም ብዝርድእዎ ምምሃሩን፡" ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ሃና ተኽልኣብ'ውን 'ሕጂኸ ኣይኣክልንዶ?" ዝብል ሕቶ ሓዘል ጽሑፍ ኣካፊላ ነይራ፤
"ኣቦይ ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ተሓይሩ ኣሎ። 19/11/2004 እታ ንመወዳእታ ግዜ ቅድሚ ንስራሕ ኢሉ ምውጽኡ ዝረኣኹዎ ዕለት'ያ ነይራ። ካብታ ዕለት ጀሚርና ድማ ቃላት ከም ዝሰአንና ንውሽጢ ክንነብዕ ጸኒሕና ኣለና፡'' ኢላ ኣብ ኤክስ ብምጽሓፍ፡ ሃና ንምረት እቲ ምፍልላይ "ብዘይ ኣቦ ምዕባይ ኣቐንዛዊ እዩ፣ ኵሉ እቲ ብዛዕባኡ እንፈልጦ ንሱ ኣብ ዘይብሉ እዩ፣ ከምኡ ክኸውን ግን ኣይነበሮን።
"ብዘይቅድመ-ዅነት ከም ዘፍቅረኒ እፈልጥ'የ፣ ኣምሳያኡ ብግደይ ድማ ክቃለስሉ እየ፣ አፍቅረካ እየ ባባ፡'' ብምባል ትዛዝም፤እዚ ኣብ 2019 እዩ ዝነበረ።
ምንጪ ስእሊ,SM
መንግስቲ ኤርትራ ዋላ'ኳ ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይዅኑ ንምፍታሕ እዞም ኣቦታት ዝጠልቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰለማዊ ሰልፊታት ተኻይዱ ጻውዒታት'ኳ እንተ ቀረበሉ፡ ነዞም ብዘይ ኣቦ ክዓብዩ ዝተፈርዱ ገለ እግሪ ተኽሊ እንከለዉ ዝገደፍዎም ህጻውንቲ ዝርሕርሕ ግን ኣይተረኽበን።
ሃና ንእሽቶ ሓፍታ'ውን፡ "ማማ! ባባ ስለምንታይ ገዛ ዘይመጽእ፣ ኣይፈትወናን ድዩ?" እናበለት ንወላዲታ ትሓታ ምንባራ ትጠቅስ።
ግን ስቓዮም ስለ ዘየኽተመስ 20 ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ እውን ዝሓለፈ ዓመት'ውን ምስ ድምጺ ሰማእታት ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት፡ እቲ ድሕሪ ወላዲኣ ዝሓለፋኦ መግደራ እንታይ ከም ዝመስል ኣዕሊላ ነይራ።
እዞም ውሉዳት ናይዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣቦታት፡ ብዘይ ኣቦ ምዕባዮም ክሳዕ ክንደይ ቃንዛ ከም ዝፈጥረሎምን ንምግላጹ ዓቕሚ ከም ዝሓጽሮምን እዮም ንቢቢሲ ዝገልጹ።
እዘን መጻምድተን ዝተኣስርወን ኣደታት'ውን ዋላ'ኳ ምስ ናፍቘተንን ጓሂአንን ከንዲ ኣቦን ኣደን ኰይነን ከዕብያ እንተ ተገደዳ፡ ዳርጋ ኵሎም ደቀን ኣሰር ኣቦታቶም ሒዞም ኣብ ዝተፈላልዩ መድረኻት ህይወት ዕዉታት ክዀኑ ክሳዕ ሞት ተወፍየን ዘዕብያ ጀጋኑ ምዃነን ዝተፈላለዩ ምስቲ ስድራቤት ቅርበት ዘለዎም ሰባት ይምስክሩ።
ናይዚ ኣብነት ኣብ መወክሲ ሆስፒታል መንደፈራ እትሰርሕ ዶክተር ሰላም ኪዳነ እያ።
ዶክተር ሰላም ጓሉ ነቲ ተጨውዩ ከም ዝተወስደ ዝንገረሉ ፓስተር ኪዳነ ወልዱ እያ። ዶክተር ሰላም ከም በዓል ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝርከብዎም ውሩያት ጸሓፍቲ ዝነኣድዎ በዅሪ መጽሓፍ ሶንግስ ኦፍ ላይፍ (Songs of Life) ዝብል ብእንግሊዝኛ ዝጸሓፈቶ ናይ ግጥሚ መጽሓፍ ድሕሪ ምሕታማ፡ ኣብ ኤሪ-ፕረስ ኣብነታዊት መንእሰይ ጸሓፊት ብምዃን ቃለመሕትት ገይራ ነይራ።
"እቲ ዝዓበየ ስድራይ ወይ ኣቦይ ዝሃቡኒ ውህብቶ ፍቕሪ ትምህርቲ፡ መጻሓፍትን ምንብብን እዩ። ናይ ብሓቂ ብሉጽ ኴንካ ክትርከብ ክትጽዕር፡ ክትሃርፍን ናይ መትከል ሰብ ክትከውንን ኣሎካ ዝብል ሓሳብ ኣብ ውሽጠይ ኣስሪጽዎ እዩ። ኣብ ህይወት ንዝመጽአ ጸገማት ክብድሆን ኣብ ድላየይ ክበጽሕን እዚ ርእሰ ተኣማንነት ክህልወንን ገይሩ እዩ፣ ስለዚ ኣቦይ ናተይ ጅግና እዩ፡" ብምባል ነቲ ንጽልዋ ኣቦኣ ተብርህ።
ይዅን እምበር እዞም ብብዙሕ መንገዲታት ጽልዋን መሰረትን ዝገበሩ ኣቦታት ነቲ መሰረት ዘንጸፍሉ ዓወታት ደቆም ርእዮም ክሕበኑ ግን ኣይከኣሉን።
"እቲ ዘይምህላዉ ይስምዓካ እዩ። ኣብ ዕለታዊ ህይወት ዝጐድለካ ብዙሕ እዩ ግን በቃ ትገብሮ የሎን። ሰብ ስለ ዝዀንካ ግን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ነቲ ኣብቲ ምስ ስድቤት ኴንካ ሓጐስካን ዓወትካን ክትጽንብል እትደልየሉ እዋን ግን በቃ ኵሉ ናፍቘትካ፡ ስምዒትካን እቲ ዝጐድለካን ገንፊሉ ስለ ዝወጽእ ኵሉ ስድራቤት ይትንከፍ እዩ።ተማሂርካ ክትምረቕ እንከለኻ ኣቦኻ ዘይምርኣዩ የብክየካ፣ግን ኣብዚ ዝሓለፈ 21 ዓመታት ብዓቢዩ እግዚኣብሄር ኣቦ ኰይኑና ርኢናዮ ኢና። ናይ እግዚኣብሄር ቃል ድማ የጸናንዓካ እዩ፡" ብምባል ንኽብደቱን ዝሓልፍዎ ዘለዉን ሓንቲ ካብ ውሉድ እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ተብርህ።
እዚ ምፍልላይ ግን፡ ንገለ ስድራቤታት ናይ ዘልኣለም ምፍልላይ እውን ኣኸቲሉለን እዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ክኢላ ስነመለኮትን ሓላፊ ትምህርትታት ሰንበትን ዝነበረ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ ንሱ ኣብ ማሕዩር እንከሎ ብዓልቲ ኪዳኑ ክብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።
ምንጪ ስእሊ,SM
እዚ ሕማቕ ተረኽቦ ነቲ ኵሉ ምስ ሓለፈ ክጸውይሉ ብተስፋ ዝህንጠይሉ ዝነበሩ መድረኽ ድማ ቀቲልዎ።
ኣብ ዘላታስ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል ድማ ሓደ ካብቶም እቲ ብህይወቱ እንከሎ ብዘይ ኣቦ ክዓቢ ዝተፈርደ ኣልኣዛር ዝተባህለ ውላዶም ዓመታት ማእሰርቲ ወላዲኡ ዝወለዶ ሕማም ሞት ወላዲቱ ምስ ኣሕደጎ፡ ኣብቲ ህሞት ኣብ ገጻት ፈይስቡክ፡ "ንብሉጽ ስም ዘሰክመካ ጾር' ብምባል ቃንዛኡ ኣስፊሩ።
"እዚ ሕጂ ክጽሕፎ ዝሓስብ ዘለኹ ምስክርነት ኣብ ከምዚ ዘለናዩ ናይ ሓዘን ሃዋህው ተጐቢአ ክጽሕፎ ፈጺመ ሓሲበዮን ብኣእምሮይ ሓሊፉንን ኣይፈልጥን እዩ። ሓሳበይ ዝነበረ ኣብ ካልእ መድረኽ ህይወት ተራኺብና፡ ናይ ሓጐስ ሽታ ዘለዎ ናይ ንእዶ ጽሕፍቶ፡ ናይ ምጐሳ ብህሎ፡ ናይ ኣድንቖት ክብሪ ክኸውን ብዙሕ ድሌትን ሃረርታን ጥራይ ዘይኰነ ብዙሕ እምነት እዩ ዝነበረኒ።
"እንጽበዮ ዓቢይ ናይ ሓጐስ መድረኽ፡ ዋጋ ናይ ብዙሕ ዝተደቖስናዮ፡ ብምርጫ ወላዲና ዝሓለፍናዮ መስገደል ዓስቡ ዓዚዙ ስብሒ ዘንጠብጥብ ሓጐስን ደስታን ካሕሳን ክወልደልና ዝሓለፍናዩ ዓሰርተታት ዓመታት እንከሓሰሉ መድረኽ ብእምነት እናተጸበና ከሎና፡ ክንገብሮ ዝሓሰብናዩ ደበስ ሓዘንኪ፡ ደበስ ጻዕርኪ ከይተበጽሐ ብኻልእ ሕማቕ መድረኽ ብናይ ድጕዓ ቓላት ከንብሮ ከለኹ፡ ከመይ ብጻዕሪ ሞት ተጐቢአ ኣንፈት ጠፊኡኒ፣ እቲ ሕጊ ተፈጥሮን ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦን ሓይሉ ስዒሩ ኣማእዚዙኒ እዩ'ሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ ብብዙሕ ምረት ክገብሮ ተገዲደ ኣለኹ፣ በዚ ድማ አልቅስ ኣለኹ፡" ብምባል ኣስተንፊሱ።
ኣብ ውሽጢ'ዚ 21 ዓመታት እዞም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ኣቦታት፡ ንገሊኦም ሰብ ኪዳኖም፡ ንገለ ወለዶም፡ መቕርቦምን ቤተሰቦምን ክመቱዎም ከለዉ ንቡር ሓዘን ክሓዝኑ እኳ ኣይተፈቕዶምን።
እዚ ድጕዓ'ዚ ብኽያት ኵሎም እቶም ብስጋ ዝወለድዎም ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኵሎም እቶም ብመንፈስ ዝወለድዎምን ንምፍታሖምን ካሕሳኦምን ሃረር ዝብሉ ዘለዉ እዩ።
ዛጊት እዞም መንፈሳውያን መራሕቲ ብዘይ ክሲ ኣብ ቀይዲ ልዕሊ 21 ዓመታት ኣቝጺሮም ኣለዉ።












