ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መራሒ ግብጺ ብዛዕባ እንታይ ዘትዮም?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣ'ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት እዩ ናብ ግብጺ ኣቕኒዑ።

እቲ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝተሰነየ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ጽንብል መመረቕታ ዓቢይ ሙዝየም እታ ሃገር ክሳተፍ እዩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፍወርቂን ፕረዝደንት ግብጺ ኣ'ሲስን ኣብ ቤተ- መንግስቲ ተራኺቦም ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየዱ ሓበሬታ መንግስቲ ግብጺ የመልክት።

እቶም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ክልትኣዊን ዞባዊን ዛዕባታት ዘትዮም ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ሶማልያን ክገብሩዎ ዝጸንሑ ምትሕግጋዝ ብሰፊሑ ክቕጽሉ እዮም።

ኣብ ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እውን ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

ብዘይካ እዚ፡ ግብጺ ንለኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምዕቃብ ከምእትሕግዝ ቃል ኣትያ ኣላ።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ኣብዚ እዋን ጽቡቕ ዝምድና ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብደረጃ መራሕቲ ይዅን ምኒስተራት ጽዑቕ ርክባት ክካየድ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከምዘካየደ፡ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ ብወገኑ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝተረኽበሉ ስሉሳዊ ኪዳን መስሪቶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከምዘካየደ፡ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ ብወገኑ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝተረኽበሉ ስሉሳዊ ኪዳን መስሪቶም ምንባሮም ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ,Eritrean Information Ministry

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዓሰብ ዝተላዕለ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንዋንነት እታ ወደብ ኣመልኪቱ ዝተፈላለየ ምኽንያትን ምጕትን ኣብ ዝጽሕትረሉ ዘሎ እዋን እዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዑደት ንግብጺ ዘቕንዕ ዘሎ።

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን እታ "ታሪኻዊት ጸላኢተይ" እትብላ ግብጺን እውን ብሰንኪ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዝተፈጥረ ፍልልይ ዛጊት ብዘተ ክፍታሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ብፍላይ ደሕሪ ምዝዛም እቲ ግድብ እቲ ኣብ መንጐአን ዝጸንሐ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቍርቍስ ገና ዓሚቝ እዩ ዘሎ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ድማ ብተደጋጋሚ ንግብጺ ብሽርሕን ተጻባኢ መርገጽን፡ ብፍላይ ዕጡቓት ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ክኸሱ እዮም ዝስምዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ናብ ግብጺ ብዝቐንዐ ዝመስል ቃና፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ባሕሪ ንዘትረፉዋ ዝበሎም ብስም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ወጻኢ ክወቅስ ተሰሚዑ እዩ።

"እቶም ን60፡ 70 ዓመታት ሰሪሖም መሬት ተኸቢብና ክንተርፍ ዝገበሩና ጸላእቲ ስርሖም ቀጺሎም ኣለዉ፡" ድሕሪ ምባል "እቶም ቀንዲ ወነንቲ ናይቲ ንኢትዮጵያ ብመሬት ናይ ምዕጻው ኣጀንዳ እቶም ታሪኻዊ ጸላእቲ እዮም፡" ክብል ተሰሚዑ።

እዚ ከምዚሉ እናሃለወ፡ እቲ ሰፊሕ ደገፍ ግብጽን ኤርትራን ከምዘለዎ ዝንገር ሰራዊት ሱዳን ካብታ ኣገዳሲት ምዕራብ ሱዳናዊት ከተማ ኤልፋሸር ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተደፊኡ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኵነታት ሱዳን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።