ኤርትራ፡ ምኒስተር የማነ ብ 'ሕማም ምስፍሕፋሕ' ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኰኒኑ

እቲ ኣብ ዓሰብ ዘሎ ህዝቢ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣመና ጽዑቕ ህዝቢ እንክነጻጸር ኣመና ስሑው ምዃኑ ብምቕማጥ፡ ነቲ፡ "እንተስ ብዝርርብ እንተስ ብወተሃደራዊ ወራር" ነታ ወደብ ንምጕባጥ ዝስማዕ ዘሎ ትሕልንቲ ኢመጐታዊ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብቲ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሃገሩ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከምዘሎ ነጊረኩም እየ፤ ዓሰብ ኬድና ዝረኣናዮ ግን ገዛ ኣሎ ግን ሰብ የለን፤ 'እዚ ከተማ መሊስና ህይወት ንዝርኣሉ፤ ስራሕ ምፍጣር እዩ ህይወት ዘምጽኣሉ' ኢልና በብግዚኡ ተዘራሪብና ኢና፤ ኵሉ ዝኸደ ልኡኽ'ውን ተዘራሪቡሉ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ግን ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን ሓያለ ነጥብታት ኣልዒሉ እዩ።

ወደብ ዓሰብ

ንምጽጋን ጽርግያታት፡ መገዲ ዓሰብ፡ ንምብርባር ዝተረኽበ ሓገዝ ክረይንን ጀነሬተርን፣ ተኽእሎታት ምርካብ ጸዓት ኤሌክትሪክ ካብ ኢትዮጵያ፡ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ምዕጻው ዶባትን፡ ምብላሻ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘግሃደ ጉዳይ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ካልእን ኣልዒሉ ንመንግስቲ ኤርትራ ክወቅስ ተሰሚዑ እዩ።

ኣቢይ፡ "እቲ ወደብ ሽግር ኣለዎ ስለዝበሉ፡ ካብ ሓንቲ ናይ ሓባር ፈታዊት ሃገር፡ ጀነሬተርን ክሬንን ለሚንና ብሓገዝ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱ ገይርና፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ክበጽሕ እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ኣይደልን እየ ኢሉ መሊስዎ፤ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ፡ 'ለካ እዚ ነገር ተስፋ የብሉን 'ምበኣር' ኢለ" ኢሉ።

ኣብ ርእሲኡ፡ " ... ናብ ኤርትራ'ውን - ልክዕ ከም ሱዳን ልክዕ ከም ጅቡቲ- 'ብናትና ወጻኢታት ጸዓት ኤሌክትሪክ ክንህበኩም፣ ጀነሬተር ኣይትጠቐሙ' እንተበልናዮም፡ 'ጽንሑ ክንሓስበሉ' እዮም ኢሎምና፡" ብምባል ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ድሉውነት ከምዘይነበረ ወቒሱ።

ብዘይካኡ፡ ምስ ምቅብባል ጥይት፣ ምስግጋር ትምዩን ገንዘብ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንብረትን ሰባትን፡ ጉዳይ ጸሊም ዕዳጋን ካልእን ብምልዓል ኤርትራ ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብዞም ጉዳያት ግን ዝዀነ ምላሽ ኣይሃበን።