ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዝበልዎ ሓድሽ መግለጺ

እቲ ኣዛዚ፡ "ኢትዮጵያ ሰለስተ ነገራት እያ ትደሊ ዘላ፣ ሰላም፡ ምዕባለን ኣፍደገ ባሕሪን። ኢትዮጵያ ብመሬት ክትዕጾ ዝግብኣ ኣይኰነን፣ ህዝብና ሕጂ 130 ሚልዮን በጺሑ'ሎ፤ ኣብ ዝመጽእ 25 ዓመታት ድማ 200 ሚልዮን ክበጽሕ እዩ። ስለዚ ከመይ ኢሉ እዩ ረብሓ 2 ሚልዮን ካብ ናይዞም 200 ሚልዮን ዝበልጽ?" ኢሉ ይሓትት።

"It is unfair [ርትዓዊ ኣይኰነን]" ክብል ዝቐጸለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ምስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዘይሳነ፡ ኢ-መጐታዊ'ውን እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ደቂስና ምንባርና ኣመና ዘሕዝን እዩ፤ ሕጂ ግን ተበራቢርና ኣለና። ሰላም፡ ምዕባለን ኣፍደገ ባሕሪን ከነረጋግጽ ኢና፡" ክብል ተሓንዩ።

እዚ ይበሃል እምበር እቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዘኽእል ሕጊ ኣየናይ ዓንቀጽ ምዃኑ ኣይጥቀስን፤ ካብ ሓባራዊ ስምምዕ ተጠቃምነት ሓሊፉ ነዚ ዘራትዕ ሕጊ ከምዘየለ'ውን ምሁራት ኣህጉራዊ ሕጊን ዓለምለኻዊ ዝምድናታትን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1993 መተሓላለፍን ኣገልግሎት ወደባትን ስምምዕ ፈሪመን ምንባረን ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ቢቢሲ ሰፊሕ ቃለመሕትት ዘካየደ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ነዚ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣንን ማዕከናት ዜናን ኢትዮጵያ ዝቐርብ ምጕት ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ መሊሱ ነይሩ፤

"እቲ ዝበሃል 'ክንድዚ ኪሎ ሜትራ ካብ ባሕሪ እንተ ርሒቕካ መሰል ኣለካ፡' ዝበሃል ሓሶት እዩ። ኣበየናይ ሕጊ ኣሎ እዚ? ካበይ መጺኡ? ናይ ፈጠራ ትረኻ እዩ፤ ከምኡ ዝብል ሕጊ የለን ኣብ ዓለም። ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ህላወኣዊ ግድነት እዩ ዝበሃል፣ ኢትዮጵያ ብዘይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምሉእ ህይወታ ጸኒሓ እያ። ስለዚ፡ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ግድነት ኣይኰነን - ብዘይፍደገ ባሕሪ ንዝነውሐ እዋን ዕድመኣ ጸኒሓ እያ፡" ይብል።

ምስ ብዝሒ ህዝቢ ተኣሳሲሩ ንዝቐርብ ምጕት'ውን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፡ "ብዝሒ ህዝቢ፡ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን መሰል ዝህባ ኣይኰነን። ብዅሉ ዅሉ እቲ ዝፍብርኽዎ ዘለዉ ታሪኻዊ ይዅን ሕጋዊ መሰረት የብሉን፡" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ንኽትረክብ እትገብሮ ዘላ ድፍኢት ምስ ኤርትራ ኣብ ምትህልላኽ ኣእትዩ፡ ነተን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ድርኵኺት ሓድሽ ዙር ኲናት መሪሕወን ኣሎ።

ብርሃኑ ጁላ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ባሕሪ ንዘትረፉዋ ዝበሎም ብስም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ወጻኢ ብምውቃስ እውን ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበሩ ሰበስልጣንን፡ ኤርትራ ምስ ወደባት ክትንጸል ምፍቃዶም "ኣደናጊሮም እዮም" ክብል ወቒሱ።

"እቶም ን60፡ 70 ዓመታት ሰሪሖም መሬት ተኸቢብና ክንተርፍ ዝገበሩና ጸላእቲ ስርሖም ቀጺሎም ኣለዉ። ንሕና [ሰበስልጣን መንግስቲ] ጌጋ ፈጺምና [ምስቲ ኤርትራ ክትንጸል ከላ ኣብ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ] ተሓባቢርና ክንከውን ንኽእል ኢና፤ እንተዀነ እቶም ቀንዲ ወነንቲ ናይቲ ንኢትዮጵያ ብመሬት ናይ ምዕጻው ኣጀንዳ እቶም ታሪኻዊ ጸላእቲ እዮም፡" ክብል ተሰሚዑ።

እንተዀነ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1991 ንጐበጣ ኢትዮጵያ ብምስዓር ናጽነታ ከምዝተጓናጸፈት ዝፍለጥ እዩ። ኣብ 1993 ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ድማ ልኡልነታ ዘረጋገጸት ናጻ ሃገር ኰይና ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ተጸንቢራ።

ብርሃኑ፡ ኣቐዲሙ ንኤርትራን ግብጽን "ታሪኻዊ ጸላእቲ ኢትዮጵያ" ክብል ገሊጽወን ነይሩ።

እቲ ኣዛዚ ሰራዊት እቲ ጠለባት ሃገሩ ብኸመይ መገዲ ከረጋግጽ ምዃኑ'ኳ ብግልጺ እንተዘይጠቐሰ፡ "ሓይልታት ምክልኻልና ከነሐይል፡ ምዕባለና ከነቀላጥፍን ኣፍደገ ባሕሪ ከነውሕስን ኢና" ክብል ግን ተሰሚዑ።

ብኻልእ ወገን ሓላፊ'ቲ ሓድሽ ዝተመስረተ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ "ህላወኣዊ" ምዃኑ ብምጥንቃቕ፣ ሓንቲ ስማ ዘይተጠቐሳ ሃገረ ገማግም ባሕሪ ብመትከል እንካን ሃባን ክትተሓባበር ኣተሓሳሲቡ።

"ሕጋዊ፡ ታሪኻውን ፖለቲካውን ምኽንያታት ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ጉዳይ ባሕሪ ንዓና ንኢትዮጵያውያን ህላወኣዊ ጉዳይ ኰይኑ'ሎ። ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ፣ ካብቲ 60 ኪ.ሜ ዘይርሕቕ ኣፍደገ ባሕሪ ኣርሒቕካ ክሳብ ሞት ዘስዕብ ዓፊንካ ከተንብሮ፡ ሳዕቤኑ ንመላእ እቲ ዞባ ጽቡቕ ኣይክኸውንን'ዩ።"

"ኣብዚ ኣጋጣሚ እምበኣር ነቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ኣሕዋትና [ንኤርትራውያን ክኸውን ይግመት]፡ ካብ ድርቅና ዝመልኦ ውሳነታት ክቝጠቡን፡ ተፈጥሮ ዝሃበና ብመትከል ሂብካ ምቕባል ክንካፈል ምግንዛብ ግቡእ'ዩ" ክብል ደጊሙ ገሊጹ።