ኣብይ ኣሕመድ፡ 'ሓይሊ ባሕሪ ዘቘምና ኣብ ብርጭቆ ንኽንሕምብስ ድዩ ደኣ ነይሩ?!'

ስኽን ኢልካ ብዝረግአን ሰላማዊ መንገድን ምኻድ ኣድላዪ እዩ ብምባል፡እንተተዘራረብናሉ፡ ንኽንስእኖ ዝወሰደልና ግዜ ንኽንረኽቦ ክወስደና እዩ ኢለ ኣይሓስብን ኢሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ይዅን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፈልጦ እደሊ ብምባል ድማ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ሓደ-ሓደ ኣመተታት ከልዕል ተሰሚዑ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ቀዳማይ ነጥቢ፡ "ፈለማ እቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ ውሳነ መን ወሲንዎ?" ዝብል ሕቶ ብምልዓል፡ "ካቢነ እዩ ዝኸውን ብምባል ሰነዳት ካቢነ ገላቢጥና - ስኢንና፤ ቤት ምኽሪ እዩ ዝኸውን ኢልና እንተደለና'ውን ቤት ምኽሪ'ውን ነቲ ውሳነ ኣይፈልጦን እዩ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብህዝበ ውሳነ ይርኣዮ ከይበሃል ድማ ንሕና'ውን ኔርና ኢና፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይወሰኖ፡ ወከልቲ ህዝቢ ዘይረኣይዎ እንተወሓደ እንተወሓደ ፈጻሚ ካቢነ ዘይረኣዮ ውሳነ መን ወሰኖ?!" ኢሉ ብምሕታት፡ሃገራዊ ትካላት ዘይተሳተፍዎ ምዃኑ፡ ሃጓፍ ሕጋውነት ከምዘሎ ከረድእ ፈቲኑ።

ድሕሪ ምሉእ ስዕረት ስርዓት ደርግ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን፡ ስልጣን ዝተቘጻጸረ ኢህወደግ ኣብ ሓምለ 1991 ዘካየዶ ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን ንብዙሓት ውድባት ዘጠቓለለ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪቱ።

ብዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ልኡኽ ዝተሳተፎ ካብ 1 ክሳብ 5 ሓምለ 1991 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን፡ ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ክውሰን ከምዝተሰማምዐ ይንገር።

 ፕረዚደንት ኢሰይያስን ኣቢይን ኣብ ዓሰብ

ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel

መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ኢሰይያስን ኣቢይን ኣብ ዓሰብ

'ኣብ ዓሰብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪብናሉ'

ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝቘመ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ከተግብር ምዃኑ ብወግዒ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ንመግዛእታዊ ውዕላት ዶብ ምሉእ ኣፍልጦ ብምሃብ ውሳነ ዝሃበ ኮምሽን ዶብ፡ ዓሰብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ምዃኑ ዘረጋገጸ ውሳነ ከምዝሃበ እውን ይፍለጥ።

ምስዚ ኣተኣሳሲሩ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር "ዝግባኣና ምሕታት፤ ከም ነውሪ ጌርካ ናይ ምርኣይ፡ ዝንቡዕ ትረኻ" ምህላዉ እዩ ብምባል ከም ካልኣይ ጸገም ጠቒሱ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ: ኣብ ጽባሕ ምምላስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት፡ተዘሪቡሎም ነይሩ ዝበሎም ሓደ-ሓደ ነጥቢታት ኣልዒሉ።

"ፈለማ ኣነ ናብ ኣስመራ ተጓዒዘ፡ ብድሕሪኡ'ውን ፕረዚደንት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክመጽኡ እንከለዉ ቀደማይ ዝገበርናዮ መድረኽ ኣብ ሚለንየም ኣዳራሽ እዩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝነበረሉ፡ ብቐጥታ ፈነወ ተለቪዥን ዝተመሓላላፈ፡ ፈለማ ዝተላዕለ ጉዳይ- ዓሰብ ዝብል እዩ ነይሩ፡" ብምባል እቲ ሕቶ ሕጂ ዘልዕሎ ዘሎ ሓድሽ ዛዕባ ዘይምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

"ኤርትራ ኣብ ዝተመላለስኩሉ ድማ፡ ዓሰብ ክኸይድ እደሊ እየ ኢለ ምስ ክቡር ፕረዚደንት ዓሰብ ከይደ ነይረ፤ ኣብ ዓሰብ ደንደስ ባሕሪ ደው ኢልና ዝተዘራረብናሉ ብዛዕባ ወደብ እዩ።"

ቀጺሉ ድማ፡ "ኣብቲ 'መደመር' ዝብል መጽሓፈይ'ውን ብግልጺ ጉዳይ ጆኦፖለቲካ ኣስፊረ፡ ጉዳይ ዓሰብ ኣእትየ፤ ንሰበስልጣን ኤርትራ ብመልክዕ ህያብ ልኢኸሎም እየ፤ ምስጢር እኮ ኣይኰነን ይፈልጥዎ እዮም" ክብል ዘርዚሩ።

"ራብዓይ ነጥቢ ድማ፡ ኵሉ ዝፈልጦ ናይ ሎሚ 5-6 ዓመት ሓይሊ ባሕሪ ኣቝምና ኢና፤ እሞ እዚ ደኣ ኣብዚ ብርጭቆ ክንሕምብሰሉ ዲና?!" ኢሉ ዕላማ እቲ ዝተመስረተ ሓይሊ ባሕሪ ኣሚቱ።

ምስ መንግስቲ ኤርትራ ነዊሕ ዝኸደ ዝርርብ ከምዝተገብረ ዘመልከተ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሰማሚዕና፡ ካብዚ ናብ ዓሰብ ዝኸይድ ጽርግያ ጸጊንና ኢና፤ ክኽፈት እዩ ኢልና ጸጊንና ነይርና። ድሕሪ ምጽጋንና 'ሽግር ኣለና፡ እቲ ወደብ ተዳኺሙ እዩ ኢሎምና፡" ኢሉ።

"ከምቲ ብዙሓት ዝመስሎም፡ እቲ ቅሩቍስ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጥረ ኣይኰነን - ስለዘይንዛረበሉ እዩ"።

ዘረባኡ ብምቕጻል፡ "እቲ ወደብ ሽግር ኣለዎ ስለዝበሉ፡ ካብ ሓንቲ ፈታዊት ሃገር፡ ጀነሬተርን ክሬንን ለሚንና ብሓገዝ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱ ገይርና፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ክበጽሕ እንከሎ መንግስቲ ኤርትራ ኣይደልን እየ ኢሉ መሊስዎ፤ ሽዑ እዩ ተረዲኡኒ፡ 'ለካ እዚ ነገር ተስፋ የብሉን 'ምበኣር' ኢለ" ብምባል ኣዘኻኺሩ።

" ... ናብ ኤርትራ'ውን - ልክዕ ከም ሱዳን ልክዕ ከም ጅቡቲ- 'ብናትና ወጻኢታት ጸዓት ኤሌክትሪክ ክንህበኩም፣ ጀነሬተር ኣይትጠቐሙ' እንተበልናዮም፡ 'ጽንሑ ክንሓስበሉ' እዮም ኢሎምና፡" ብምባል ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ድሉውነት ከምዘይነበረ እዩ ዝገልጽ።

ብዛዕባ'ዚ ዝበሃል ዘሎ ዝርርባት ኰነ ስምምዕ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተሰምዐ ነገር የለን፡ ብወገን ኤርትራ'ውን ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ ኣብቲ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን ኣስፊሑ ዝተዛረቦሉ እዋን፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከምዘሎ ነጊረኩም እየ፤ ዓሰብ ኬድና ዝረኣናዮ ግን ገዛ ኣሎ ግን ሰብ የለን፤ 'እዚ ከተማ መሊስና ህይወት ንዝርኣሉ፤ ስራሕ ምፍጣር እዩ ህይወት ዘምጽኣሉ' ኢልና በብግዚኡ ተዘራሪብና ኢና፤ ኵሉ ዝኸደ ልኡኽ'ውን ተዘራሪቡሉ እዩ"- ኢሉ።

"ብወገን ኤርትራ ግን ብግልጺ ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት ነዚ ጉዳይ ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት ኣይነበሩን። ንሱ ተሪፉ ድማ እቲ ዝኸፈትናዮም ኣፍደገታት ዶብ ብኡ ንብኡ ተዓጽዮም፡" ብምባል እቲ ቀዳማይ ምኒስተር እቶም ዶባት ዝተዓጽዉ'ኮ ሕጂ ዘይኰነስ "ምስኻትኩም ሽግር ከምዘሎ ከይሰማዕኩም እንከለኹም እዩ፡" ብምባል ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ብግንባር ትግራይ፡ እቶም ኣብ 2018 ብዓብይ ጽምብል ዝተኸፍቱ ዶባት ክልቲአን ሃገራት፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዝተዓጽዉ ዀይኖም፡ ኣብቲ እዋን፡ እዚ ስጕምቲ ብዝምልከት፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝተውሃበ መብርሂ ኣይነበረን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡

ምንጪ ስእሊ,Eri-TV

ኣብይ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣመልኪቱ፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት፡ ንኣመሪካ፡ ንቻይና፡ ንሩስያ፡ ንኣውሮጳ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ፡ በብውልቂ ኣፍሊጡዎም ከምዘሎ ተዛሪቡ።

"ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ዘይተርፍ ስለዝዀነ፤ ቀዳምነት እንህቦ ግን ሰላምን ዘተን ስለዝዀነ፡ 'በጃኻትኩም ሸምግሉና'ሞ፡ ፍታሕ ኣምጽኡልና'፡ ኢልና ሓቲትና ኢና፡" ኢሉ።

በዚ ዘይከውን እንተዀይኑ ግን እቲ ጉዳይ ነዊሕ ዝኸይድ ኣይመስለንን፡ ብምባል፡ "ሚልዮን ፐርሰንት ርግጸኛ እየ፡ ሓደ ደለየ ኣይደለየ ኢትዮጵያ ተዓጽያ ኣይትነብርን እያ፡" ክብል ተሓንዩ።

ብብዝሒ ህዝቢ'ውን ኢትዮጵያ ዓመታዊ ዕብየት ተርኢ ከምዘላ ዘመልከተ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ኢትዮጵያ ዓመታዊ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ትውስኽ፤ ዓመታዊ ክንዲ ኤርትራ እያ ትዓቢ ዘላ" ብምባል፡ ብበዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣባጭዩ።

ንሱ ወሲኹ፡ እዚ ጉዳይ ዕልባት እንተረኺቡ፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ "ብሰላም ብሓባር ክትዓቢ" ተገዳስነት ከምዘለዋ ተዛሪቡ።

"ምስ ዝዀነ ኣካል፡ ንምውጋእ ድሌት የብልናን" ዝበለ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፤ "ኲናት እንተተወሊዑ ግን፡ ውጽኢቱ ንጹር'ዩ። ብድሕሪ'ዚ ኣውያት ኣይሰርሕን'ዩ። ሕጂ ዘይምጅማር'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

'ዝምድናና፡ ፕሪቶርያ እዩ ቀሊዑዎ'

ዝምድና ምስ ኤርትራ ብኸመይ እዩ ግዳም ወጺኡ ኢሉ ብምሕታት ድማ፡ እቲ ጉዳይ ዘግሃደ ጉዳይ ፕሪቶሪያ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

"ኣብ ጉዳይ ምልዓይ ይዅን ኣብ ጉዳይ ወደብ - ሎሚ ጽባሕ ይኸውን እዩ - ኢልና ንልምንን ንመሳሰልን ኔርና፤ ፕሪቶሪያ ክንፈራረም እንከለና ግን፡ 'ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ንምንታይ ደው ይብል?፡ ቲፒኤልኤፍ ይዅን ትግራይ ተጠቓሊሎም ከይጠፍኡ ኣብዚ ዞባ ሰላም የለን'፡..." ኢሎም" ብምባል ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዘይተቐባልነት ከምዝነበረ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ጉዳይ ቅድሚ ሕጂ መግለጺ ዝሀበሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ውዕል [ፕሪቶሪያ] "ንህወሓት ንምድሓን ብድፍኢት ኣመሪካ ዝተገበረ እዩ" ክብል ኣብ ለካቲት 2023 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ኣብቲ ጉዳይ ዘይዕግበቱ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ቀዋሚ ሰምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ፡ ብኣመሪካ ዝተወጠነ "ናይ ምኹላፍ ታክቲክ እየ ዝብሎ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ውዕል ፕሪቶርያ፡ ነቲ መንግስታት ኤርትራ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓደ ወገን፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ብኻልእ ወገን ኰይኖም ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማውን፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝሃለቐሉን ኲናት ጠጠው ዘበለ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ናይ ሎሚ ውዕሎኡ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ መልእኽቲ ዘሕለፈ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ጥይት ካብ ምቅብባል ተቘጠቡ፡ ሃገር ኵኑ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ጥይት ምቅብባል ጽቡቕ ኣይኰነን፤ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክተርፍ፤ ዘይሕጋዊ ንግዲ ክተርፍ፡ ፎርጅድ - ዝተተምየነ - ብር ክተርፍ፡ ኣብ ኣመሪካ ኮፍ ኢልኩም ትገብርዎ ንግዲ ጸሊም ዕዳጋ እንተዝተርፍ፤ ከም ጐረባብቲ እንተንተሓላለ፡ ከም ቅድሚ ሕጂ ኣስመራ ክከይድ ድሌት ኣለኒ፡" ክብል ጸዊዑ።

ኣብዚ ንኤርትራ ዝኸሰሰሉ ጉዳያት ቅድሚ ሕጂ ዝተሰምዐን ዝርዝራትን'ኳ እንተዘየሎ፡ ኤርትራ ንዝተፈላለዩ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ሓይልታት ኢትዮጵያ ከም እትሕግዝ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ብምዃን፡ ንዕጡቓት ኣምሓራ ሓገዝ ይገብሩ ኣለዉ፡ ዝብል ክሲ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ፤ መንግሰቲ ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጕዎ።