ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?

ላዕለዎት መራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ካብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት እትሒዞም ክህብዎ ዝጸንሑ መግለጺታት፡ እቲ ንኢትዮጵያ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ዘትረፈ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ 'ብመሰጋገሪ መንግስቲ' ዝተወሰነ ብምዃኑ 'ክእረም' ከምዘለዎ ዝእምት'ዩ።

ንምዃኑ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?

ኣዋጅ ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላዊነትን ኤርትራ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝርከቦም መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ፈላሚ ጸንብል ኣዋጅ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣስመራ፡ 24 ግንቦት 1993

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝርከቦም መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ፈላሚ ጸንብል ኣዋጅ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣስመራ፡ 24 ግንቦት 1993

ኤርትራ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1991 ንጎበጣ ኢትዮጵያ ብምስዓር ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነታ ከምዝተጓናጸፈት ይፍለጥ።

ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ንምርካብ ግን ብኡንብኡ ሃገራዊ ናጽነት ክእወጅ ኣይተመርጸን። ኣብ ክንድኡ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ዝተዓዘብዎ ህዝበ-ውሳነ ክግበር ማእከላይ ሽማግለ ናይቲ ውድብ ወሲኑ።

ህዝባዊ ግንባር ካብ መወዳእታ 1970ታት ኣትሒዙ ነቲ ሓርነታዊ ኲናት ብሰላም ንምዕራፍ ምስ ስርዓት ደርግ ሓያለ ምስጢራዊ ዝርርባት የካይድ ነይሩ'ዩ። ገለ ካብዚ ኣብ ኣቴንስ ግሪኽ፡ ሮማ ኢጣልያ፡ በርሊን ምብራቕ ጀርመን ይርከብዎም።

ኣብ 1980 ከኣ ንፈለማ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስነሉ 'ረፈረንደም' ክካየድ ከም እማመ ሰላም ኣቕሪቡ። እንተዀነ ብወገን ደርግ ተቐባልነት ከይረኸበ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ዝሰዓር ኲናት ቀጺሉ።

ሓይልታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንርእሰከተማ ኣስመራ ብ24 ግንበት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ሰራዊት ናይቲ ብህወሓት ዝቕለስ ኢህወደግ'ውን ንርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ28 ግንቦት ተቘጻጺሩ።

ብ29 ግንቦት ህዝባዊ ግንባር በይኑ ግዝያዊ መንግስቲ ከምዝመስረተ ከፍልጥ እንከሎ፡ ኢህወደግ ብወገኑ በቲ ካብ ፈለማ ሓምለ ዘካየዶ ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን ንብዙሓት ውድባት ዘጠቓለለ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪቱ።

ብዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ልኡኽ ዝተሳተፎ ካብ 1 ክሳብ 5 ሓምለ 1991 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ክውሰን ተሰማሚዑ።

ድሕሪ'ቲ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናዊ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ረፈረንደም ክዕዘቦ ብ13 ታሕሳስ ውግዓዊ ጠለብ ኣቕሪቡ።

ግንቦት 1993

ኢሳይያስ ብ25 ሓምለ 1991 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ቡጥሩስ ቡጥሩስ ቓሊ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ውድብ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ረፈረንደም ክሳተፍ ብወግዒ ዕድመ ኣቕሪብሉ።

እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ሚያዝያ 1992 ብዘውጽኦ ኣዋጅ ኮሚሽን ረፈረንደም ብምምስራት ንህዝበ-ውሳነ ክዳሎ ጀሚሩ። ኣብ ዝቐጸለ ነሓሰ ኸኣ ሓደ ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣስመራ ብምምጻእ ምስቲ ኮሚሽን ተላዚቡ። ብ19 ጥቅምቲ ድማ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ነቲ ረፈንደም ዝዕዘብ ሓደ ውግዓዊ ጕጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክስደድ ንሓፈሻዊ ባይቶ እማመ ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ብወገኑ ብ29 ጥቅምቲ 1992 ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ "መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን፡ ንውጽኢት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ረፈረንደም፡ ከም ሓቀኛ ምርጫ ናይቲ ዝምልከቶ ህዝቢ ክቕበሉ ቃል ምእታዎም ኣመዝጊቦም ኣለዉ" ኢሉ።

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ረፈረንደም ዝካየደሉ ዕለታት ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ቡጥሩስ ቓሊ ምድላዋት ናይቲ ረፈረንደም ብቐረባ ንምርዳእ ኣብ ፈለማ ጥሪ 1993 ናብ ኤርትራ ፈላሚ ምብጻሕ ብምክያድ ንተልእኾ ተዓዛቢ ጕጅለ ናይቲ ውድብ (UNOVER) ብወግዒ መሪቑ፣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ከኣ ፍሉይ ወኪል መዚዙ። ኣቐዲሙ'ውን ምሩጽ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝነበረሉ ብ21 ታሕሳስ 1992 ኣብ ካይሮ ምስ ኢሳይያስ ተራኺቡ ነይሩ'ዩ።

በዚ መሰረት ብተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት (UNOVER) ካብ 23 ክሳብ 25 ሚያዝያ 1993 ኣብ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ 99.8% ካብ ኣድመጽቲ 'እወ' ንናጽነት ከምዝመረጹ ኮሚሽነር ረፈረንደም ዝነበረ ዶ/ር ኣማረ ተኽለ ብወግዒ ኣፍሊጡ። እቲ ምርጫ ክልተ፤ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ንናጽነት እዩ ነይሩ።

ወኪል ዋና ጸሓፊን ሓላፊ ተዓዛቢ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራትን ዝነበረ ሊባኖሳዊ ሳሚር ሳምባር እቲ ረፈረንደም "ናጻን ርትዓዊን" ምንባሩ ብምእዋጅ በቲ ውጽኢት "ዕጉብ" ምዃኑ ኣብታ መዓልቲ ንዓለም ኣበሲሩ።

ተዓዛቢ ጕጅለ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ሕብረት ኣፍሪቃ) ብወገኑ ብ26 ሚያዝያ መስርሕ ምርጫ "ናጻን ርትዓዊን" ምንባሩ ኣዊጁ።

ውጽኢት ረፈረንድም ምስተገልጸ፡ ዋና ጸሓፊ ግዝያዊ መንግስቲ ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ27 ሚያዝያ 1993 ኣብ ዝሃቦ ውግዓዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ካብታ ዕለት ጀሚራ ናጻ ሃገር ምዃና ኣዊጁ።

"ሽሕ'ኳ ናጽነት ብ24 ግንቦት 93 ብወግዒ ክእወጅ ተወሲኑ እተንሎ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ፡ ኤርትራ ልዑልነታ ዘረጋገጸት ናጻ ሃገር'ያ" ክብል ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ሃገርነት ዝረኸበትሉ መስርሕ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝገለጾ መልእኽቲ ዮሃና፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብቲ ዞባ "ተስፋ ዘስንቕ መዋእል ዝኸፍት'ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ,UN

መግለጺ ስእሊ,ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝገለጾ መልእኽቲ ዮሃና፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብቲ ዞባ "ተስፋ ዘስንቕ መዋእል ዝኸፍት'ዩ" ኢሉ።

ብ12 ግንቦት 1993 ዋና-ጸሓፊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኤርትራ ኣባል እቲ ውድብ ክትከውን ብወግዒ ሓቲቱ።

"ንሃገረ ኤርትራ ወኪለ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ኣባል ናይቲ ማሕበረሰብ ሃገራት ዝዀነ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን አመልክት" ይብል እቲ ኢሳይያስ ናብ ቡጥሩስ ቓሊ ዘቕረቦ ጠለብ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ኣብ መበል ካልኣይ ዓመት ሓርነታ፡ ብ24 ግንቦት 1993 ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝርከቦም መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝተረኽብሉ ብወግዒ ተኣዊጁን ተጸንቢሉን።

ኣብታ መዓልቲ ጥራይ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ንኤርትራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ከምዝህባ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክገልጻ ጀሚረን።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝገለጾ መልእኽቲ ዮሃና፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብቲ ዞባ "ተስፋ ዘስንቕ መዋእል ዝኸፍት'ዩ" ኢሉ።

"ሎሚ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምልኡን ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነ መዓልቲ'ዩ። ኤርትራውያን ንልዕሊ ኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት መንፈስ ናጽነት ህያው ገይሮም ዓቂቦሞ ጸኒሖም እዮም።

"ኤርትራውያን ከም ናጻ ህዝቢ መጻኢ ሃገሮም ንምውሳን ዓቢ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። እዚ ዕላማ'ዚ ሕጂ ተዓዊቱ እዩ።

"ውጽኢት ረፈረንደም፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ናጽነት ዘረጋገጸ ጥራይ ዘይኰነ፡ ውጽኢቱ፡ ረብሓታት ናጽነትን ሰላምን፡ ሓያል ጻዕርን ቈራጽነትን፡ ንጽምኢ ዝሓሸ ህይወት፡ ዘላቒ ልምዓት፡ ከምኡ'ውን ምስትምቓር መሰረታዊ መሰላትን ናጽነታትን ክህሉ ሰፊሕ ዕድል ዝኸፍት ሓድሽ መዋእል እዩ" ኢሉ ቡጥሩስ ቓሊ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ26 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ድማ ኤርትራ ኣባል ሕቡራት ክትከውን ውሳነ 828(1993) ብምሕላፍ ንሓፈሻዊ ባይቶ እቲ ውድብ እማመ ኣቕሪቡ።

"ኤርትራ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ባይቶ ጸጥታ ንሓፈሻዊ ባይቶ እማመ ከቕርብ ወሲኑ'ሎ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብስም ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ንኤርትራ ዮሃና ከቕርብ እፈቱ" ክብል ፕረዚደንት ናይቲ ባይቶ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ብግደኡ ብ28 ግንቦት 1993 ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ንእማመ ባይቶ ጸጥታን ወግዓዊ ሕቶ ኤርትራን መሰረት ብምግባር ኤርትራ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን "ብምሉእ ድምጺ" ወሲኑ።

"ስለዚ፡ ኤርትራ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ከምዝዀነት እእውጅ" ክብል ናይቲ እዋን ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ባይቶ ዝነበረ ቡልጋሪያዊ ዲፕሎማሰኛ ስቶያን ጋነቭ ብወግዒ ከምዘፍለጠ ኣብ ሰነዳት ናይቲ ባይቶ ሰፊሩ'ሎ።

ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ ንኤርትራ ዝተወሰነ ሓድሽ መንበር ሕቡራት ሃገራት እናተቐበለ

ምንጪ ስእሊ,UN

መግለጺ ስእሊ,ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ ንኤርትራ ዝተወሰነ ሓድሽ መንበር ሕቡራት ሃገራት እናተቐበለ

ኣብታ ህሞት፡ ልኡኽ ኤርትራ ብወግዒ ነታ ሓዳስ ሃገር ዝተዳለወ መንበር ክሕዝ ብዓቢ ዓጀባ ዕድመ ተገይሩሉ። ወከልቲ ኵለን ኣህጉራት ዓለም ድማ ብስም ኣባል ሃገራት ንኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

ኣቦመንበር ልኡኽ ኤርትራ ዝነበረ ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ ከም ፈላሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዕለት ንሓፈሻዊ ባይቶ መግለጺ ሂቡ።

"ኣብዚ ንኤርትራ ታሪኻዊ ዝዀነ መዓልቲ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ንዝወሰዶ ስጕምቲን ወከልቲ ብዛዕባ ሃገረይ ዝሃብዎ ሰናይ መግለጺን ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከመስግን ኣፍቅዱለይ።

"ህዝብን መንግስቲን ሃገረ ኤርትራ፡ ኣባልነት ናይዚ ማሕበረኮም ሃገራት ዝዀነ ሕቡራት ሃገራት ብሓጐስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ" ክብል'ውን ንዓለም ኣፍሊጡ።

ድሕሪ'ቲ መግለጺ ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ኣገዳሲ ስነስርዓት ድማ ሓዳስ ባንዴራ ኤርትራ ብወግዒ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ዋና ጸሓፊ ቡጥሩስ ቡጥሩስ ቓሊ ኣብ ዝተረኽበሉ ተሰቒላ፡ ክሳብ ሎሚ ተንበልብል ኣላ።

ኤርትራ ድሮ ኣብ ወግዓዊ ጽንብል መዓልቲ ናጽነታ'ውን ኣባል ናይቲ ሽዑ 'ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) ኰይና እያ። ኣብ ሓደ እዋን ኣባልነታ'ኳ ስሒባ እንተነበረት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዲፕሎማስያዊ ውክልናኣ ኣብቲ ሕብረት ናብ ንቡር መሊሳቶ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ መዓስን ብኸመይን እያ ንኤርትራ ኣፍልጦ ሂባታ

ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ፈላሚ መደረ፡ 09/30/1993

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ፈላሚ መደረ፡ 09/30/1993

ኣዲስ ኣበባ፡ ውጽኢት ረፈረንደም ብወግዒ ምስተገልጸ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ከምእትህቦ ብወግዒ ኣዊጃ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብ29 ሚያዝያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንውጽኢት ናይቲ "ብተዓዘብቲ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለምን ናጻን ርትዓውን ምንባሩ ዝተረጋገጸ" ረፈረንደም ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ። ነቲ ረፈረንደም ክዕዘብ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ላዕለዋይ ጕጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ'ውን ናጻን ርትዓውን ምንባሩ ኣረጋጊጹ'ዩ።

"ስለዚ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ከምእትቕበልን ኣፍልጦ ከምእትህብን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ከፍልጥ ይደሊ" ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብ4 ግንቦት 1993 ዘውጽኦ መግለጺ የነጽር።

ኣብቲ ብ24 ግንቦት 1993 ዝተኻየደ ፈላሚ ጽንብል ምእዋጅ ልኡላውነት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተሳተፈ መለስ ዜናዊ ኣብ ዘስምዖ መደረ'ውን ንናጽነት ኤርትራ ኣፍልጦ ከም ዝሃብዎ ደጊሙ ብምርግጋጽ "እንቋዕ ድሌትኩም ሰመረልኩም" ክብል ንህዝቢ ኤርትራ ዮሃናኡ ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ 1993 ክልቲአን ሃገራት ንዝነበረ ደማዊ ኲናት ሰጊረን ከም ማዕረ ልኡላውያን ሃገራት ኣብ ዞባዊ፡ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን መድረኻት ብሽርክነት ክሰርሓ ተራእየን።

እንተዀነ ንናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበሉን ዝተቓወሙን ደገፍቲ ስርዓት ደርግ ዝነበሩ ይዅኑ፡ ካልኦት ወገናት ኢትዮጵያ ነይሮም'ዮም። ኢህወደግ'ውን ንኤርትራ ከምትንጸል ገይሩዋ ተባሂሉ ሓያል ተቓውሞታት ገጢምዎ ምንባሩ ይዝከር።

ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1998 ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ዝነበረ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ኲነተ-ኲናት'ውን ብወገን ኣዲስ ኣበባ ንኣፍልጦ ሃገርነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ መርገጺ ኣይተወስደን።

ሓቂ'ዩ፡ ኣዛዚ ፌደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ነቲ ዶባዊ ኲናት "ምስምስ" ብምግባር ንወደብ ዓሰብ ኣካል ኢትዮጵያ ንምግባር ሓሳብ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ይዛረብ'ዩ። እንተዀነ፡ ብፍላይ ብወገን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ወደብ ዓሰብ ልኡላዊ መሬትን ባሕሪን ኤርትራ ምዃኑ መለስ ኣብ ዝተፈለላየ እዋናት ብዘየወላውል መንገዲ ይገልጽ ምንባሩ'ውን ይዝከር።

ነቲ ኲናት ዘህድአ ኣብ መወዳእታ ኣብ ታሕሳስ 2000 ዝተፈረመ ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ብኡ መሰረት ዝቘመ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቦ "ናይ መወዳእታን ቀያድን" ብይን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካርታ ዝተሓንጸጸ ልኡላዊ ዶባት ክልቲአን ሃገራት'ውን መርኣያ ኣፍልጦ ኢትዮጵያ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 27 ዓመታት ወሳኒ ስልጣንን ጽልዋን ዝነበሮን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ቀንዲ መሓዛን መቐናቕንቲን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ህግደፍን ዝዀነ ህወሓት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣንሳሒቡ ንመቐለ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ።

ኣብ ፈለማ መጋቢት 2018 መራሒ ኢህወደግ ኰይኑ ሃንደበት በሎኽ ዝበለ ኣቢይ ኣሕመድ ንሰላም ዘለዎ ትምኒትን ቅሩብነትን ክገልጽ ጀሚሩ።

ብ5 ሰነ ናይቲ ዓመት ከኣ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ "ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ወሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ክቕበል ከምዝወሰነ" ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክረምቲ ናይቲ ዓመት ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣስመራን ጂዳን (ስዑዲ ዓረብ) "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ብምፍራም እቲ ንልዕሊ 15 ዓመት ዝተዓንቀጸ ውሳነ ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ባይታ ከምዝትግበር ኣፍሊጠን።

"ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር እዩ" ይብል ዓንቀጽ ኣርባዕተ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ "ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን"። ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ 7 ዓንቀጻት ዝሓዘ ስምምዕ ጅዳ'ውን "ክልቲአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራ-ኢትዮጵያ ክትግብራኦ እየን" ዝብል ሰፊሩ'ሎ።

ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ "ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚቴን፡ ከምኡ'ውን ከም ኣድላይነቱ ንኡሳን-ኮሚቴታትን" ክምስርታ ምዃነን'ውን ኣዊጀን ነይረን እየን። እንተዀነ ብወገን ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ "ዘጨንቕ የብልናን" ብምባል ቀዳምነት ብዘይምሃቡ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ርግጽ'ዩ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣሰሓሓቢ ዝነበረን ብውሳነ ዶብ ዝተዋህባን ቦታታት ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ክልተ ዓመት ደጊማ ክትቈጻጸሮ ክኢላ'ያ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ጠለባት "መተንፈሲ ኣፍደገ ባሕሪ" እምበር ንኤርትራ ኣካላ ንምግባር ከምዘይኰነ ሰበስልጣን ክዛረቡ ይስምዑ'ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብ3 ሓምለ 2025 ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር'ያ፡ ብግዲ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣይንደልን ኢና፤ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን መሰላ'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

እንተዀነ ሃገሩ "እስርቲ ጆግራፊ ኰይና ኣይክትነብርን እያ" ብምባል "ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ትማሊ እዩ፣ ዝተፈጠረ ጌጋ ትማሊ ሰላሳ ዓመት እዩ፡ ክንእርሞ ኢና" ብምባል ተዛሪቡ።

"ኢትዮጵያ'ውን ልኡላዊት ሃገር'ያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ ግን ሃገር ክትከውን ኣይትኽልን'ያ። እዚ'ውን ብኣኣቶም ወገን ክኽበር ኣለዎ" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እንተዀነ ብመግለጺታት ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተተባብዑ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲን ካልኦት ሰበስልጣንን፡ ንኣፍልጦ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ክሳብ ምእታው በጺሖም ኣለዉ።

ፕረደዚንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሰ ብ7 ጥቅምቲ 2025 ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር እያ። ናይ መጻኢ ዕድላ ድማ ምስ ክልቲኡ ማያት ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ።

"ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ መንገዲን ህዝቢ ማእከል ብዘይገበረን ዘየሳተፈን ኣገባብ [ካብ ቀይሕ ባሕሪ] ርሒቓ ጸኒሓ እያ" ይብል እቲ ፕረዚደንት።

ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዀነ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ጅኦግራፍያዊ ቅርበት ናብ ቀይሕ ባሕሪ መሰል ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ኣለዋ ብምባል ክምጕት ፈቲኑ ነይሩ።

ብተወሳኺ እታ ብግዜ ስርዓት ደርግ "ርእሰ ምሕደራ" ነይሩዋ ዝበላ ወደብ ዓሰብ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ኤርትራ ክትከውን እንከላ፣ ብቓላቱ "በቲ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይነበሮ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተገብረ እዩ፡" ብምባል ምስ "ፈተውትና እዮም ዝበሎም" ወገናት ይላዘብሉ ከምዘለዉ ክዛረብ ተሰሚዑ ነይሩ።

ንመግለጺታት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንዙሓት ኤርትራውያን ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዘቘጠዐን፡ ምናልባት'ውን ክንዮ ውሽጣዊ ፍልልያቶም ዝሰገረ ሃገራዊ ሓድነት ዝፈጠረን ኰይኑ'ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ብዝግበረ ብናይ 1993 ረፈረንደም ከም ዝተረጋገጸን ብምንጻር፡ እቲ ልዕሊ 99% ኤርትራውያን ንናጽነት ዘድመጽሉ ድማ ብምክትታል ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ሕጋዊ ምዃኑ ይምጕት ኣሎ።

"ረፈረንደም ብመሰረቱ በይናዊ ውሳነ ናይ ኤርትራ እዩ፤ ብመሰረት ኣህጉራዊ መትከላት ዝተኻየደ እዩ ድማ ነይሩ። ኣብ ምጽዳቕ ካብታ ኣብቲ እዋን ጐባጢት ሓይሊ ዝነበረት ኢትዮጵያ ዝምርኰስ ኣይነበረን፣ ፈጺሙ ክኸውን'ውን ኣይክእልን፡" ይብል ኣብ ፈለማ መስከረም ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ዝሃቦ ግብረመልሲ።

ሕጂ'ውን ወጥሪ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ኣብ ዝላሕልሓሉን እዋን እቲ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ 2018 ዝተኸፍተ ኤምባሲታት ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ይቕጽል ኣሎ።

ንልኡላውነት ዝተዋህበ ኣፍልጦ ክሰሓብ ይኽእል ድዩ፣ ሳዕቤናቱኸ?

ባንዴራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,UN

መግለጺ ስእሊ,ባንዴራ ኤርትራ ብወግዒ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ዋና ጸሓፊ ቡጥሩስ ቡጥሩስ ቓሊ ኣብ ዝተረኽበሉ ተሰቒላ፡ ክሳብ ሎሚ ተንበልብል ኣላ።

ናጻ ሃገር ዝብል ኣምር መብዛሕትኡ እዋን ምስ ሕሉፍ ተመኵሮ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተሓሓዝ ኰይኑ፡ ብደረጃ ሃገራት ካብቲ ገዛኢ ሓይሊ ሓራ ምዃን ዝውክል'ዩ።

ብተመሳሳሊ ልኡላውነት'ውን፡ ዋላ'ኳ ዝተፈላለዩ ጫሌዳታት ዘለዎ እንተዀነ፡ ብዓይኒ ሃገራት ወይ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ክርአ እንከሎ ብዘይ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ኣካላት ንውሽጣዊ ጉዳይካ ምውሳንን ምቍጽጻርን የጠቓልል።

ልኡላውነት ዘለወን ሃገራት፡ ብስምምዕ ንገለ ክፋል ልኡላውነተን ክሸራርፋ ይኽእላ እየን። ንኣብነት ባዕለን ዝፈረማሉ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ውዕላትን ንገለ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ኣሕሊፈን ክህባ ዝግደዳሉ እዋናት ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ ሃገራትን ውድባትን ንዘይፈረማሉ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት (International Customary Law) ከይተረፈ ክምእዘዛ ይኽእላ እየን፣ ንኣብነት ኣተሓሕዛ ምሩኻት ወይ ቍሱላት ኲናት ወይ ምጽናት ዓሌት ብዝምልከት።

እዚ ግን ነቶም ሕግታት ንምኽባር ዝጥለብ ምስግዳድ ወይ ምትእትታው እምበር ንግዝኣታዊ ሓድነት ሃገራት ዝጥሕስ ኣይኰነን።

መዝገበ ቃላት ኦክስፈርድ ዩኒቨርሲቲ ንልኡላውነት ክገልጾ እንከሎ፡ "ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ዝለዓለ ምቍጽጻር ክህልወን ኣገዳሲ ክፋል ልኡላውነት እዩ፣ ዋላ'ኳ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዘንብረለን ድሩትነት እንተሃለወ" ይብል።

ዓለምለኻዊ ሕጊታት ግን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሃገራት ጸቕጢ ይፈጥር ጥራይ ዘይኰነ፡ ክኽበር'ውን ይከላኸል እዩ።

ኣብ 1945 ዝጸደቐ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት (ዓንቀጽ 2(1) ከምዝብሎ፡ "ኵለን ኣባላት ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድናታተን ኣንጻር ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ዝዀነት ሃገር ካብ ስግኣት ካብ ምዃን ወይ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ወይ ምስ ዕላማ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘይሰማማዕ ዝዀነ ኣገባብ ክሕየባ እየን" ይብል።

ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዳብሊን ኣብ ክፍሊ ሕጊን መንግስትን ተሓጋጋዚ ዲን ዝዀነ ፕሮፌሰር ገዚም ቪሶካ ንቢቢሲ ትግርኛ ከምዝበሎ፡ "ብዓይኒ ዓለምለኻዊ ሕጊ ክርአ እንከሎ፡ ሃገራት (ስቴትስ) ንህዝበን ወኪለን ሓላፍነት ዝወስዳን ሕጋዊ ሰብነት ዘለወን ኣካላት እየን።"

ኣብ 1970 ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዘሕለፎ፡ '"መትከላት ዓለምለኻዊ ሕጊታት ዝምልከት" 'ውሳነ 2625'፡ ስፍሓተን፡ ቍጽሪ ህዝበን፡ ሃብተንን ሓይለንን ብዘየገድስ "ሃገራት ብሕጊ ማዕረ እየን" ይብል።

"ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ልኡላውነት ዘሎ ተፈጥሮኣዊ መሰላት ኣለዋ. . .ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ካልእ ሃገር [ሕጋዊ] ስብእና ከተኽብር ሓላፍነት ኣለዋ . . . ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ናይ ሃገር ዘይገሃስ እዩ" ብምባል ኵለን ሃገራት ምስ ሓድሕደን "ብሰላም ክነብራ" ሓላፍነት ከምዘለወን የነጽር።

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ፖርቱጋልን ናጻ ኣብ ዝወጻሉ ዝነበራ እዋን፡ እተን ድሮ ናጽነት ዝተጓናጸፋ ሃገራት ነቲ ሓድጊ መግዛእቲ ዝዀነ ዶባት 'እንታይ ንግበሮ' ዝብል ዓቢ ግድል'ዩ ኣብ ቅድሚአን ተገቲሩ።

ይደምሰስዶ ይወረስ? መልሲ ንምርካብ መስረትቲ ኣቦታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓሳብ ተፈላልዮም ኣብ ክልተ ጕጅለ ተመቕሉ- ካዛብላንካን ሞንሮቪያን።

ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ ዘካየድዎ ዓሚቚ ልዝባት ግን፡ ንመስመር ሞንሮቪያ ብምርዓም፡ ናጽነትን ልኡላውነትን እተን ብመግዛእታዊ ዶባት ዝቘማ ሃገራት ጸኒዑ ክቕጽል ተሰማሚዖም፤ ኣብ 1963 ድማ ዘቀራርቦም ውድብ ሓደነት ኣፍሪቃ (ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ) መስሪቶም።

ኣብቲ ብ25 ግንቦት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጸደቐ ቻርተር ናይቲ ውድብ ድማ "ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ናጽነትን" ናይተን ሃገራት ክኽበር ውዕል ኣትዮም።

"ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ዘይንፈግ ናጻ ህላወን ምኽባር" ዝብል መትከል ኣብ ዓንቀጽ 3 (3) ናይቲ ቻርተር ተጠቒሱ ይርከብ። "ኵለን ኣባል ሃገራት ልኡላዊ ማዕርነት" ከምዘለውን'ውን እቲ ዓንቀጽ ኣስፊሩ'ሎ።

ኣብቲ ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ግብጺ ዝተኻየደ ፈላሚ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ድማ፡ ነዚ ንምጽናዕ "ኵለን ሃገራት፡ ነቲ ሃገራዊ ናጽነተን ክጓናጸፋ እንከለዋ ዝነበረን ዶባት ከኽብራ" ወሲኑ።

ሕቶ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት እውን ኣብቲ ገዛእቲ ኢጣልያ ብደቡብ ምስ ሃጸይ ሚኒሊክ፡ ብምዕራብን ሰሜንን ምስ ብሪጣንያ፡ ብደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ድማ ምስ ፈረንሳ ዝተሰማምዕሉ መግዛእታዊ ዶባት ዝተመርኮሰ ምንባሩ ይፍለጥ።

ፕ/ር ቪሶካ ከምዝብሎ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራት፡ ኣፍልጦ ልኡላውነት ዝተሳሕበሉ ወይ ዝደስከለሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ "ሕጋዊ ዘይንጹርነት" ዘለዎ ተረኽቦ ምዃኑ የረድእ።

"ምስሓብ ኣፍልጦ ሃገርነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጂኦፖለቲካዊን ቍጠባዊን ምኽንያታት ዘንቀሎ ኰይኑ፡ ምስ ምኽባር ዓለምለኻዊ ሕጊን ባህልን ዝተኣሰሰር ኣይኰነን።"

"እንተዀነ፡ ሳዕቤን ምስሓብ ኣፍልጦ [ልኡላውነት] ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። ብክልተኣዊ ደረጃ፡ ምውንዛፍ ወይ ምቍራጽ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘመልክት ኰይኑ፡ ናብ ተጻባኢ ዝምድናታት ከምርሕ ይኽእል'ዩ፡" ይብል እቲ ብዛዕባ ምህናጽን ምፍራስን ሃገራት ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘካየደን ኣብ ጉዳይ ኣፍልጦ ልኡላውነት ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ መጽሓፍቲን ዓንቀጻትን ዘበርከተ ክኢላ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣፍልጦ ምስራዝ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ብምስዓብ ኣራግጽ ውድድር ሓያላት ሃገራት ክዕድም ከምዝኽእል ቪሶካ ይገልጽ።

"ስለዚ፡ ብሓፈሻ ምስሓብ ኣፍልጦ [ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገር] መሳርሒ ዘይምርግጋእን ጸረ-ዲፕሎማስን ከምዝዀነ ክርአ ይኽእል"።

በዚ መንጽር መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1993 ዝሃቦ ኣፍልጦ "ዘይቅልበስ" ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል ፕ/ር ቪሶካ።

"ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ምስራዝ መሰረት ዘይብሉ'ዩ ዝኸውን። ብሕጊ ክሳብ ዘይተነጸረ፡ መሰጋገሪ መንግስታት፡ ከምኡ'ውን ዋላ ህዝባዊ ልዝብ ዘይተገብረሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ውሳነታት ከም ናይ ሃገር ውሳነታት ተገይሮም ክውሰዱን፡ ከምኡ'ውን መብዛሕትኡ እዋን ዘይቅየሩን እዮም።

"ብዘይካ'ዚ፡ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ኣባልነት ስለዘለዋ፡ ብኢትዮጵያ ዝግበር ምስራዝ ኣፍልጦ ክልተኣዊ ጸጥታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እምበር፡ ንናይ ኤርትራ ዓለምለኻዊ ቦታን ከም ልኡላዊትን ናጻን ሃገር ዘለዋ ደረጃን ከዳኽም ኣይክእልን'ዩ" ይብል።

ዛጊት ኢትዮጵያ ሕቶታት ካብ ምልዓል ሓሊፋ ብወግዒን ብንጹርን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ከምዝሰሓበት ኣይገለጸትን።

ብመሰረቱ፡ "ኣውሓስቲ ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገር ዝተመርጹ፡ ተቐባልነትን ኣፍልጦን ዘለዎም መንግስታት ወይ ሰብመዚ" እኳ እንተዀኑ፡ ነዚ ኣብ ሃገራት ዝተመርኮሰ ዓለምለኻዊ ስርዓት ንምጽናዕ ዲፕሎማሲ ከም ቀንዲ መሳርሒ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ይውሰድ።

በዚ መንጽር ዲፕሎማሲ ኤርትራ ተዳኺሙ ከምዘሎን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ጎበጣ መሬት ዩክረይን ነታ ወራሪት ሩስያ ምድጋፉ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘሰክፍ ኵነታት ኰይኑ'ሎ። ኤርትራ ንሃገርነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ዘይምሃባ'ውን ኣቓልቦ ስሒባ'ያ።

ሓጺር ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ

ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብዕለት 11 መስከረም ብወግዒ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነቲ ንኽልቲአን ሃገራት ብፈደረሽን ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ መወዳእታ ደረጃ ምትግባር ዝኾነ ሕጊ ፈደራል ምስ ኣጽዲቐ። ስነ-ስርዓት ምጽዳቕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ መንበር ሃጸያዊ ቤተ መንግስቲ እዩ ተኻይዱ።

ምንጪ ስእሊ,UN

መግለጺ ስእሊ,ስነ-ስርዓት ምጽዳቕ ፈደረሽን ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ መንበር ሃጸያዊ ቤተ መንግስቲ እዩ ተኻይዱ። እዚ ስእሊ ሃጸይ ሃይለስላሴ (ኣብ ማእከል) ምስ ኣቶ ተድላ ባይሩ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኤርትራ የርኢ። ብጸጋም ድማ ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ።

ኣብ 1890 ግዝኣት (ኮሎኒ) ኢጣልያ ዝዀነት ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ተኸታታሊ ተመኲሮታት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓለፈት'ያ።

ኣብ 1941 መግዛእታዊ ሰራዊት ፋሺሽታዊት ኢጣልያ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኤርትራ ብሓይልታት ሃጸያዊት ብሪጣንያ ተሳዒሩ።

ካብ 1941 ክሳብ 1952 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያ ጸኒሓ። ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ዘሕለፎ ውሳነ ኸኣ ኣብ 1952 ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ተቖሪና። በዚ መሰረት ብዘይካ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ፡ ፋይናንስን ምክልኻልን ብቅዋም ዝምራሕ ባይቶ፡ ፈጻሚን ፈራዲን ኣካላት ዝነበርዎ መንግስቲ መስሪታ ርእሳ ተመሓድር ነይራ።

እንተዀነ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንውዕል ፈደረሽንን ርእሰ-ምምሕዳራዊ መንግስታን ብምፍራስን ሰማያዊት ባንዴራኣ ብምውራድን ናብ ሓንቲ ካብ ክፍለ ሃገራት ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣዊጁ። ነዚ ንምቅዋም ዝተበገሰ ዘይጎነጻዊ ምንቅስቓስ ካብ 1961 ኣትሒዙ ናብቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ብረታዊ ተጋድሎ ኣምሪሑ።