ኤርትራ፡ ሓደጋ መኪና ዘስዐቦ ሓያሎ ሞትን መጕዳእትን

ኣብ ዞባ ጋሽባርካ መስመር ባረንቱ-ኣንቶረ ብዓርቢ 24 ጥቅምቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ዓባይ መኪና ጽዕነት፡ 8 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 13 ከምዝተጐድኡን ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ጸብጻባት ይሕብሩ።

እታ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ ባረንቱ ተበጊሳ ናብ ኣንቶረ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ነዊሕ ከይከደት፡ ካብ ባረንቱ ኣስታት 12 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሻካት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ፡ ንሓላፊ መርመራ ሓደጋ ኣብ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኢሳይያስ ብርሃነ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ "መራሒ መኪና ናይታ ከቢድ ጽዕነት ዝነበራ መኪና ብሓደገኛ ኣገባብ ይመርሓ ከምዝነበረ" ኣመልኪቱ።

እንተዀነ ዝርዝር ጠንቂ ሓደጋን፡ እቶም ግዳያትን ኵነታት እቶም ዝተጐድኡ ሰባትን ዝምልከት ዛጊት ዝተነጸረ ነገር የለን።

ይዅን ግን እቶም ግዳያት እዚ ሓደጋ ተጓዓዝቲ ህዝቢ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ከምዝፍለጥ፡ ሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ድሕሪ ዝተነብረ እገዳ ምንቅስቓስ፡ እተን ብዙሕ ከባቢታት ዝሽፍና ዝነበራ ናይ ግሊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ደው ክብላ ስለዝተገብረ፡ ህዝቢ ብፍላይ ኣብቲ ትሑት ቍጽጽር ፖሊስ ትራፊክ ዝህልዎ መስመራት ብዝተፈላለያ ፍቓድን ድሕነትን መጓዓዝያ ህዝቢ ዘይብለን መካይን ጽዕነት፡ ብዘይንቡርን ዘይውሑስን ኣገባብ ከምዝመላለስ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ጸገማቶም ዘካፈሉ ወነንቲ ኣውቶቡሳት ብሕቲ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን መቀያየሪ ኣቝሑን ሓያሎ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ይዅና ሚኒባሳት ኣብ ሰንከልከል ከምዝጸንሓ ገሊጾም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

እተን ብመንግስቲ ዝወነና ኣውቶቡሳት ኩባንያ ሓራት፡ ብብቕዓተንን ዓይነተንን ኣመና ዝሓሻ ኰይነን ሰፊሕ መስመራትን ከባቢታትን ከምዝሽፍና ዝተፈልጠ'ኳ እንተዀነ፡ ድሕሪ እገዳ ኣውቶቡሳት ብሕቲ ግን ነቲ ገዚፍ ጠለባት መጓዓዝያ ህዝቢ ከዕግባኦ ከምዘይከኣላ ዝገልጽ መረረ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቃመለሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጓዓዝያን ጽርግያን ነጻጺልካ ትርእዮ ጉዳይ ከም ዘይኰነ ብምጥቃስ፡ ብቐዳምነት ብቝዕ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክንህብ እንተዄንና፡ እቲ መዓልቲ መዓልቲ እናተቦግለ ዝኸይድ ዘሎ ጽርግያታት ንቕድም ክመሓየሽ ኣለዎ፡ ብምባል ጸገማት ጽርግያ'ውን ቀሊል ዕንቅፋት ከምዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ህዝቢን ንብረትን በዘን ፍቓድን ውሕስነት ዘይብለን፡ ግቡእ ዓመታዊ መርመራ - ቦሎ - ዘይገብራ፡ ካብ ተቘጻጸርቲ ፖሊስ ትራፊክ እናተሓብኣ ዝንቀሳቐሳ ፒክኣፓትን ዝተፈላለያ መካይን ጽዕነትን፡ ብኽቡር ገንዘብ ክንቀሳቐስ ከምዝግደድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ነዚ ናይ ሕጂ ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር ሓላፊ መርመራ ሓደጋታት ዞባ ጋሽ ባርካ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣብቲ መስመር ብብዝሒ ሓደጋታት ስለዘጋጥም፡ መራሕቲ መካይን ክጥንቀቝ፣ ውሕስነት ብዘለዎ ኣገባብ ክመርሑ፣ ሕግታት ትራፊክ ከኽብሩ፣ ከምኡ'ውን ጥዕና መካይኖም ከረጋግጹን ሸለልትነት ከወግዱን ተላብዩ።