ነዚ ስዒቡ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኮሚሽነር ጕዳይ ስደተኛታት ኬንያ ነቲ ንዝቐረበ ክሲ ምላሽ ክህብ ከሎ ናይ ሓቂ ሓተትቲ ዕቝባ ምምዝጋብ ክቕጽል ምዃኑ ንደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን፡ ስንክልና ዘለዎምን በሰላ ዘጋጠሞም ሰባትን ድማ ፍሉይ ቈላሕታ ክግበረሎም ምዃኑ ገሊጹ።
ምክትል ኮሚሽነር ጕዳያት ስደተኛታት መርሲ ምዋሳሩ እቶም ጕዳያት ብመሰረት እቲ ናይ ዘይምምላስ መሰረታዊ ስርዓት ( ሓንቲ ሃገር ንሓደ ሰብ ስቓይ ወይ ካልእ ከቢድ ጕድኣት ከጋጥሞ ናብ ዝኽእል ቦታ ከይትመልሶ ዝኽልክል ኣህጉራዊ ሕጊ) ይምርመር ከም ዘሎ ገሊጻ።
ወሲኻ'ውን እቲ መምርሒ ብ31 ሓምለ ካብ ዝወጸሉ እዋን ኣትሒዙ ካብ ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ 100 ሕቶ ኣመልከትቲ ዕቝባ ከም ዘጽደቐ እውን ጠቒሳ ኣላ።
ነቲ ቅድም ክብል ወጺኡ ዝጸንሐ መምርሒ ድማ ከም ናይ ረፍዩጂ ሌጋል ኔትዎርክ፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፣ ኮንሰርቲየም ስደተኛታት ኬንያ፣ ኪቱኦ ቻ ሸሪዓ ከምኡ'ውን ሳንክቹወሪ ፋውንደሽን ዝኣመሰላ ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ትካላት እቲ መምርሒ ንመሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ከም ዝግህስ ብምግላጽ ክቃወማኦ ጸኒሐን እየን።
እቶም ተማጐትቲ ከም ዝገለጽዎ፡ "እቲ መምርሒ ወይ እገዳ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ናይቶም ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ምጥሓስ እዩ" ይብሉ።
ብዘይካ'ዚ እቲ እገዳ ንዅነታቶም ብሕጋዊ መገዲ ንምምሕያሽ ዘለዎም ክእለትን ኣብ ትሕቲ ሕገ መንግስቲ ሕጊ ስደተኛታት 2021 ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ሕጊ ውሕስነት ዝወሃቦ መሰላት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ከም ዘዳኽም ይገልጽ።
ኣስዒቡ፡ ምዝገባ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ደው ንምባል ዘኽእል ሓፈሻዊ ምልክታ ምውጻእ፡ ''ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኬንያን ቀያዲ ኣህጉራዊ ሰነዳትን ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ዘይምምላስ ቀጥታውን ቀጻልን ምጥሓስ እዩ" ኢሎም።
ወይዘሮ ምዋሳሩ ግን እቲ መምርሒ ኬንያ ዝፈረመትሉ ኣህጉራዊ ውዕላትን ፕሮቶኮልን ዓለምለኻውን ዞባውን መትከላት ዝሰማማዕ ምዃኑ እያ ትገልጽ።
ይዅን'ምበር እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት እቲ መምርሒ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ብኣጉል እምነት እተዋህበን ምዃኑ ይምጕታ።
ካብ ሽዑ ንነጀው እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መንግስቲ ካብዘን ሃገራት ዝመጹ ሓተትቲ ዕቝባ ምምዝጋብ ደው ከየብሎ ዝኽልክል ትእዛዝ ኣውጺኡ ኣሎ።
ኬንያ፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ሕቶ ዕቝባኦም ዘቕርቡለንን ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝሰግሩልንን ብምዃና እቲ ተመሓላሊፉ ዝነብረ ውሳነ፡ ነዞም ስደተኛታት ኣሻቓሊ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ብኮሚሽነር ጉዳያት ስደተኛታት ምዋሳሩ ምረቼ ተፈሪሙ ዕላዊ ዝዀነ ደብዳበ፡ "ሓተትቲ ዕቝባ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንግዚኡ ከም ስደተኛታት ምምዝጋብ [ምቕባል] ጠጠው ኣቢልና ከም ዘለና ነፍልጥ፡" ዝብል እዩ ነይሩ።
ስደተኛታት ናብ ኬንያ ክውሕዙ ካብ ዘገደደ ምኽንያታት፡ እታ ንዓመታት ኣእዳዋ ዘርጊሓ ኣሽሓት ስደተኛታት ክትቅበል ዝጸንሐት ዩጋንዳ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚራ ሓደስቲ ስደተኛታት ምቕባል ደው ስለ ዘበለትን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪን ዝደረዀ ምዃኑ ይንገር።












