እዞም ባሕረኛታት ብ7 ሕዳር 2024 ምስተን ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ዝነበሩ'ዮም።
እቶም ስሪላንካውያን ሰራሕተኛታት ናይቲ ካስፒያን ቢ.ቪ ዝተባህለ ኩባንያ ኣዘርባዣን ኰይኖም፡ ምስቶም 18 ኣዘርባዣናውያን ተኣሲሮም ዝነበሩ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።
ማዕከናት ዜና ኣዘርባዣን፡ እቶም 18 ዜጋታት ናይታ ሃገር ኣብ መንጎ ክልተኦም መንግስታት ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ርክብ ተለቒቖም ናብ ዓዶም ከም ዝተመልሱ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ገሊጸን ነይረን።
እዞም ከይተፈትሑ ዝጸንሑ ባሕረኛታት፡ እቶም ሓሙሽተ ኣቐዲሞም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ዝነበሩ ኰይኖም፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሰራዊት ዘገልገለ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ኣምባሳደር ስሪላንካ ኣብ ካይሮ፡ ናብ ኤርትራ ዘእትዎ ቪዛ'ኳ ተኸሊኡ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ስለዝተፈቐደሉ ብረቡዕ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ።
እቲ ኣምባሳደር ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ረቡዕን ሓሙስን ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ኤርትራ ብምዝታይ ነቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ መንገዲ ከምዘጣጠሐ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ባሕረኛታት ትማሊ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመለስሉ ከአ ሰብ መዚ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ካልኦትን ኣብ ስሪላንካ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባንዳራናኪ ተቐቢሎሞም።
እተን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተተሓዛ ሰለስተ መራኽብ [ታግቦት] ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ዝመሓደራ እየን።
እተን መራኽብ እንታይ ጽዒነን ምንባረን ካብ መንግስቲ ኣዘርባዣን ይዅን መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ዝተሓበረ ነገር የለን።
መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተፈትሑን 18 ባሕረኛታትን ነዞም ናይ ሕጂ 6 ባሕረኛታትን ብድምር ኵሎም እቶም 24 ድኣ'ምበር እተን መራኽብ ነጻ ከምዘይፈነወን'ዩ ዝግልጽ።













