ዜጋታት ወጻእ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኽቡ ዝኽልክሉ ጸረ ስደተኛታት

እዚ፡ ኣብ 2013 ኣብ ሓደ ከባቢ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ተስፋሕፊሑ ኣሎ። 'ስርሒት ዱዱላ' ዝተባህለ ጕጅለ ጸረ ስደተኛታት ነቲ ወፍሪ ግብራዊ ንምግባር ኣብ ኣውራጃታት ጋውቴንግን ክዋዙሉ-ናታልን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ተዋፊሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኣፍደገ ትካላት ጥዕና ደው ኢሉ ዘሎ ጕጅለ፡ መንነት ወረቐት ናብተን ክሊኒካት ዝመጽኡ ሰባት ብምምርማር፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዘይኰኑ ሰባት ከይኣትዉ ይኽልክል።

መጸውዒ ሽሞም 'ዱዱላ' ካብ ቋንቋ ዙሉ ዝተወስደ ቃል እዩ፤ 'ንሓደ ነገር ብሓይሊ ምእላይ' ዝብል ትርጕም ድማ ኣለዎ።

ሰበስልጣን ንገለ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ እኳ እንተኣእተው፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ መንነት ግን ደው ከብሉዎ ኣይከኣሉን።

እዚ ዳሕረዋይ ወፍሪ ኣብታ ኣስታት 200 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ድኻ ከተማ ዲፕስሉት ይካየድ ኣሎ።

ዛምብያዊት ሲሰሎክ ሞዮ ካብ 1998 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትነብር ጸኒሓ።

እታ ብኸቢድ ሕማም እትሳቐ ዘላ ዛምብያዊት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘድልያ መድሃኒት ንምርካብ ናብ ሓደ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ክሊኒክ ትኸይድ። ኣብቲ ትካል ጥዕና ምስ በጽሐት፡ ዘይተለምደ ነገር ጸኒሑዋ።

"ስርሒት ዱዱላ – ጃምላዊ ምስጓግ" ዝብል ጭርሖ ዘለዎ ማልያ ዝለበሱ ክልተ ሰባት ኣብ ኣፍደገ'ቲ ክሊኒክ ደው ኢሎም ነይሮም። ናብቲ ትካል ጥዕና ክኣትዉ ካብ ዝደልዩ ሰባት ድማ ሰነዳት ይሓቱ።

"ፓስፖርት ኣለኒ ኢለዮም። ኣይንቕበልን ኢና ኢሎምኒ። መንነት መንነት ጥራይ'ዮም ዝደልዩ፡" ትብል ፍርሓ ብፍሽኽታ ክትሓብእ እናፈተነት።

ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ግጭት ከስዕብ ይኽእል ነይሩ፤ እንተዀነ መብዛሕትኦም ሰባት ብዘይተለምደ መገዲ ህዱኣትን ነቲ ኵነታት ካብ ምግዳድ ዝተቘጠቡን'ዮም ነይሮም።

እቶም ዓማዊል፡ ኣባላት ስርሒት ዱድል ቅድሚ ሕጂ ናዕቢ ኣልዒሎም ምንባሮም ይፈልጡ እዮም። መለለዪ መንነት ደቡብ ኣፍሪቃ ከቕርብ ዘይከኣለ ሰብ ይምለስ ነይሩ።

ሞዮ፡ ቀስ ኢላ ካብ ኣፍደገ'ቲ ክሊኒክ ርሒቓ ምስ'ቲ ኣብ ወሰን ጽርግያ ዝተኣከበ ህዝቢ ተጸንበረት። እተን ቈልዑ ሓዚለን ዝመጽኣ ደቀንስትዮ ስዒቡ እንታይ ከም ዝኸውን ንምርኣይ ደው ኢለን ይጽበያ ነይረን።

ኣብ 40ታት ዕድመ እትርከብ ተንዳይ ሙስቫቫ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣለዋ።

"ሪጋ ሒዘ ደው ክብል ከለኹ፡ መለለዪ መንነት ዘለዎም ሰባት [ጥራይ] ከም ዝደልዩ ነጊሮምኒ። መለለዪ መንነት የብለይን፤ ፓስፖርት ኣለኒ። ካብ ሞዛምቢክ እየ መጺአ፡ ስለዚ መለለዪ መንነት ስለ ዘይብለይ መድሃኒተይ ክወስድ ኣይክእልን'የ፡" ትብል።

"ሃገሮም ስለ ዝዀነ ዝደለይዎ ክገብሩ ዝኽእሉ ኰይኑ ይስምዓኒ። ኣነ ክዛረብ ኣይክእልን'የ። ዝብሉኒ ክገብር ኣለኒ። ኣማራጺ የብለይን፡" ትብል።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 2.4 ሚልዮን ስደተኛታት ኣለዉ።

እዚ ቁጽሪ እዚ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ትሕቲ ኣርባዕተ ሚእታዊት ምዃኑ ኣሃዛት ይሕብሩ።

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብ ከም በዓል ሌሶቶ፣ ዙምባብዌን ሞዛምቢክን ዝኣመሰላ ንሃብታም ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰራሕተኛታት ብምቕራብ ዝፍለጣ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጽኡ እዮም።

ሓሓሊፉ ህወይት ሰባት ናብ ዝምንዕ ኵነታት ዝቕየር ጸረ ስደተኛታት ስምዒት እታ ሃገር፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ጸገም ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ስምዒት ጸረ ስደተኛታትት'ውን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ወሳኒ ጕዳይ'ዩ።

ሓይሊ ብምጥቃም ዝኽሰስ ስርሒት ዱዱላ ከም ጐስጓስ እዩ ጀሚሩ።

ሕጂ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኰይኑ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ምርጫ ከባብያዊ ምምሕዳር ክወዳደር ይጽዕር ኣሎ።

መራሒት እቲ ሰልፊ ዛንዲለ ዳቡላ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ጆሃንስበርግን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ዝርከባ ህዝባዊ ክሊኒካት ዝወሰዶ ስጕምቲ ምኽኑይ እዩ ትብል።

"ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቀዳምነት ክወሃቦም ንደሊ። ህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዘድሊ ንርዳእ ኢና፡ ዘይሕጋዊ እንተዀይንካ ግን ናብ ሰበስልጣን ኣሕሊፍና ክንህበካ ኢና፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንሳ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ድሩት ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሓት ስደተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ስለ ዝኣትዉ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዘለዎ ትምጕት።

"ህይወት ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር'ዩ፡ ነዚ ኣይንክሕዶን። ግን ንዅሉ ሰብ ነጻ ክኸውን ኣይኽእልን። ንዓለም ብምልእታ ከነቕርብ ኣይንኽእልን። ዘለና እኹል ኣይኰነን፡" ኢላ።

ሰበስልጣን ንገለ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ እኳ እንተኣእተው፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ መንነት ግን ደው ከብሉዎ ኣይከኣሉን
መግለጺ ስእሊ,ሰበስልጣን ንገለ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ እኳ እንተኣእተው፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ መንነት ግን ደው ከብሉዎ ኣይከኣሉን

ቅዋም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኵሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብ፡ ዜግነት ይኹን ናይ ኢሚግሬሽን ኵነታት ከይገደቦ፡ መሰል ክንክን ጥዕና ከም ዘለዎ ይገልጽ።

መራሒት ሰልፊ ዳዱላ ግን፡ እቲ ኣስታት 85 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ዝግልገለሉ ህዝባዊ ስርዓተ ጥዕና ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ትዛረብ።

ገለ ሰባት ኣብ እዋኑ ናብ ጥቕኦም ናብ ዘሎ ክሊኒክ እንተዘይበጺሖም መድሃኒት ከም ዝውዳእ ስለ ዝፈልጡ፡ ካብ ለይቲ ሰዓት 10 ጀሚሩ ሪጋ ይሕዙ።

ሃብቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት ኣብ ዝተዋህለለላ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምዕሩይነት ሕብረተሰብ የለን።

ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ኣዝዩ ልዑል እዩ።

ሰባት ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ጸገማት፡ ካብ ድኻታት ማሕበረሰባት ንዝመጽኡ ስደተኛታት ይወቅሱ።

ስርሒት ዱዱላ ካብ ገለ ነበርቲ ዲፕስሉት ደገፍ ረኺቡ ኣሎ።

ሓደ ካብ ደገፍቲ ናይቲ ጕጅለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሲፎ ሞሃለ፡ ወፍሪ ስርሒት ዱዱላ "እወንታዊ ለውጢ" ክብል ይገልጾ።

"ቅድሚ ሕጂ ናብ ትካል ጥዕና ክኸይድ ከለኹ፡ እቲ ሪጋ ነዊሕ'ዩ ነይሩ። ሕጂ ዘድልየኒ ረኺበ ክኸይድ ክልተ ደቓይቕ ጥራይ'ዩ ወሲዱለይ፡" ይብል።

ካልእ ነባሪት ጀኒፈር ሺንጋንጀ እውን እቶ ምተሓለቕቲ ናብ ዲፕስሉት ምምጽኦም ትድግፍ።

"ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናብቲ ክሊኒክ ክመጽኡ ከለዉ፡ ዘድልየና መድሃኒት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ወጻእተኛታት ነቲ ክሊኒክ ምጥቃም ስለ ዘቋረጹ ግን ኣፈለላይ ኣሎ፡" ትብል።

እቲ ዝገርም ግን ገለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግዳይ ናይቲ ጸረ ስደተኛታት ወፍሪ ኰይኖም እዮም።

መለለዪ መንነት ዝርኢ ዘሎ ሰብ

መለለዪ መንነት ከርእዩ ዘይክእሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን እውን ካብ ህዝባዊ ትካላት ጥዕና ተመሊሶም ኣለዉ።

10 ሚእታዊት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግቡእ መለለዪ መንነት ከም ዘይብሎም ይግመት።

ኣብ ስርሒት ዱዱላ ዝተራእየ ርኡይ ጥሕሰት ቅዋም፡ ነቶም ነዚ ዝቃወሙ ተሓለቕቲ ኣቘጢዕዎም ኣሎ።

"መን ከም ዝኣቱን ዝወጽእን ዝቈጻጸር ብመንግስቲ ዝተመዘዘ ኣካል ዘይምህላዉ ከቢድ ጸገም'ዩ፡" ትብል 'ኸልዝ ጀስቲስ ኢኒሼዬቲቭ' ኣብ ዝተባህለ ትካል ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ተበግሶ ፍትሒ ጥዕና ዝዀነት ፋጢማ ሓሰን።

"መንግስቲ ነዚ ኵነታት ቀልጢፉ እንተዘይተቘጻጺሩዎ ሕግን ስርዓትን ናይ ምትግባር ዓቕሙ ክስእን'ዩ፡" ክትብል ኣጠንቂቓ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ጆ ፋህላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መንግስቱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ክጥቀሙ ንዝፍትኑ ወጻእተኛታት ወይ ካልኦት ሰባት ዒላማ ምግባር ከም ዝቃወሞ ተዛሪቡ።

"ጥዕና ሰብኣዊ መሰል ስለ ዝዀነ ነዚ ኣገባብ ኣይንሰማማዓሉን ኢና። ኣወሃህባ ግልጋሎት ብግቡእ ክውደብ ከም ዘለዎ ንግንዘብ ኢና። [ኣወሃህባ ግልጋሎት ግን] ብሓይሊ ክምራሕ ኣይኽእልን፡" ኢሉ።

'ኢኮኖሚክ ፍሬደም ፋይተርስ'ን 'ዴሞክራቲክ አሊያንስ'ን ዝርከብዎም ሓያሎ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር ንስርሒት ዱዱላ ኰኒነንኦ ኣለዋ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ጕዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ዝገበሮ ፈተነ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጕዳያት ስለ ዘይተዓወተ እቲ ጕጅለ ጐስጓሱ ክቕጽል ዕድል ከፊትሉ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ደገ ኣፍ ህዝባዊ ትካላት ጥዕና ደው ኢሎም ተገልገልቲ ምእታው ከልኪሎም ዝተባህሉ ሓያሎ ኣባላት ስርሒት ዱዱላ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ድሕሪኡ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም ብዋሕስ ተፈቲሖም።

እቲ ናይ ፖሊስ ስጕምቲ ግን ነቲ ጉጅለ ንጥፈታቱ ካብ ምቕጻል ዝዓገቶ ኣይመስልን።

ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ፋጢማ፡ "ፖሊስን ወተሃደራትን ካብ ቀዳማይ መዓልቲ [እቲ ስጉምቲ] ንምክልኻል ኣብኡ ክህልዉ ነይርዎም ምኽንያቱ ዘይሕጋዊ ስለ ዝዀነ፡" ትብል።

ነዚ ሓያል ስጕምቲ ከም ዘድሊ ድማ ትምጕት።

ሚኒስትር ዲኤታ ዶክተር ፋህላ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ ፖሊስ "ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ናይ ምክትታልን ምላሽ ናይ ምሃብን ዓቕሚ ከም ዘይብሉ፡" ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንስርሒት ዱዱላ ብዝምልከት ጕምቲ ንምውሳድ ምምንታእ ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ጕጅለ ዝያዳ ድፍረት ዝረክብ ዘሎ ይመስል።

ሕጂ ድማ እቲ ጕጅለ ኣቓልቦኡ ናብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ይቕይር ኣሎ።

እዚ ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ዘይሕጋዊ ስደት ንምምካት ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ይገልጽ።