ኤርትራዊ ደራሲ ዓብዱ ሰላም መሓመድ ጻዕዳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዓሪፉ

10 ጥቅምቲ 2025 – AAN Media Network -ኤርትራዊ ደራሲ ዓብዱ ሰላምመሓመድ ጻዕዳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራሒሙ። ፈላሚ ናይ crime & investigative fiction ብትግርኛ ዝኾነት “ዝሑል ኲናት” እትብል መጽሓፉ ፡ ቅልውላው ዶብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅድሚ ነዊሕ ኣቐዲማ ኣሚታ ነይራ። ድምጹ ንዘልኣለም ክቃላሕ እዩ። ረቢ ይርሓመሉ
ማሕበረሰብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ፡ ብሞት ትማሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝዓረፈ ደራሲ ዓብደልሰላም መሓመድ ጻዕዳ ሓዘኑ ይገልጽ ኣሎ። ሞት ደራሲ ዓብዱ ሰላም መሓመድ ጻዕዳ ኣብ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ፡ ብፍላይ ኣብ ቅዲ ገበንን መርማሪ ልቢ ወለድን፡ ከም ፈላሚ ድምጺ ጐሊሑ ዝረኣየሉ ዓሚቝ ባዶነት ይገድፍ።
ጽሑፍ ዓብዱ ሰላም ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ፍሉይ መንገዲ ቐሪጹ። መስተንክር ዛንታ ምዝንታው፡ ንዝርዝር ነገራት ኣቓልቦ፡ ከምኡ’ውን ብድፍረት ኣብ ገበንን ፍትሕን ምድህሳስ፡ ኣብ መንጎ ጸሓፍቲ ትግርኛ ፍሉይ ሰብ ገይርዎ። “ዝሑል ኲናት” እትብል መጽሓፉ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ብሉጽ ስራሑ ትቑጸር- ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ 1997 ተሓቲማ፡ ብ2021 ድማ ብኣሕተምቲ እምኩሉ ዳግማይ ተሓቲማ።
ኣብ ዶባዊ ስሉስ ኩርናዕ ኦምሓጀር፡ ሓምዳየትን ሑመራን - ኤርትራን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝቀራረባሉ - ዝተቐመጠት ልብ-ወለድ፡ ምስጢርን ፖለቲካን ስምዒት ደቂ-ሰባትን ብውሕሉል ኣገባብ ትሽፍን። ዓብዱሰላም በዚ መጽሓፉ ኣቢሉ፡ ነቲ ዝተሓላለኸ ህይወት ስግረ-ዶባትን ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝካየድ መጻኢ ጂኦፖለቲካ ግጭታት ዘመልክት ሕቡእ ወጥሪን ኣሚቱ ነይሩ።
ሓደ ካብ ኣድነቅቱ ጋዜጠኛ በየነ ሰመረ ብዛዕባ ስርሑ ከስተንትነሉ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፤
"ብዛዕባ ምሕላፍ ዓብዱ ሰላም ምስ ሰማዕኩ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ዘይተመልአ ክፍተት ዝገደፈ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ከም ዓብዱሰላም ብዛዕባ ገበንን መርመራን ብዕምቆት ዝጽሕፍ ሰብ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ትረኻኡ ካብ ፍጻመ ናብ ፍጻመ ብዘይዕረፍቲ ተሰጋጊሩ፡ ክሳብ መወዳእታ ገጽ ከተንብብ ይገብረካ።ደራሲ እቲ ካብ ፍጻመ ናብ ፍጻመ ዕረፍቲ ብዘይህብ ኣዘናትዋ ብኸመይ ክፍታሕ ከምዝኽእል እናተረበጽካ ክሳብ መወዳእታ ገጽ ከተንብቦ ዝገብር ጽሑፍ እዩ ኣቕሪቡ። ንገጸ ባህርያትን ንኣቀማምጣ መሬትን ብትግርኛ ጌሩ ተላህይሉ እዩ- ዓብዱሰላም።
“ድንግት፡ ሰማይ ኣብ ክልተ ከም ዝተገምዐ፡ ሽሾ ዝናም ንቚቊል ተደፍአ። ኦምሓጀርን ከባቢኣን ክጭፍጨፋ ጀመራ። ድምጺ ምድራውያን ፍጡራት ጠፍአ። ምንቅስቓሳቶም ደሃይ ኣልቦ ኮነ። ኩሉ ግዳም ጠልቀየ፡ መሬት ማይ ተኣልከት።”
ብምባል’ዩ ንኹነታት ከምዝርኣዩኻ ዝገልጾም።
ዓብዱሰላም ገና ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ከይተላዕለ ብደቀቕቲ ነገራት ካብ ዝሑል ኲናት ናብ ዉዑይ ኲናት ከም ዝዓርጉ ኣብ መጽሓፉ "ዝሑል ኲናት" ብኸምዚ ዝስዕብ ኣሚቱ ኔሩ።
“ስለዚ፡ እዚ ኣምሪሩ ዘዛርበና፡ ሎሚ ዶባዊ ርግጸት፡ ጽባሕ፡ ድሕሪ ጽባሕ፡ ድሕሪ ቊሩብ እዋን፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ኢሉ’ውን ኲናት ከምጽእ ዝኽእል ስለ ዝኾነ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ከም ዘዕለልናዮ፡ ወራር ከካይዱልናን ከየካይዱልናን፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ወይ ርብዒ ጎና ምስ ትግርይ፡ ፍርቂ ጎና ምስ ሱዳን ክትጽምበር ከይትጽምበር ኣይኮነን። ሕጂ ዘዛርበና ዘሎ፡ እዚ ጒዳይ ፖለቲከኛታትን ህዝቢን’ዩ። ኣብዚ ከም ዉልቀ-ሰባት፡ ምርጫና እንታይ ይመስል ካልእ ሕቶ’ዩ። ሕጂ ንብሎ፡ ናብ ዕግርግር ዘእተዉ፡ ዶባዊ ነገራት ይበላሾ’ሎ እዩ።” ብምባል ስግኣቱ ኣብ መጽሓፉ ኣቐዲሙ ኣተንቢሁ፡ ስማዒ ደኣ ኣይተረኽበን እምበር።
መጻሕፍቱ ነቲ ሒዞሞ ዝቐርቡ ረዘንቲ ሓሳባት፡ ብብሉጽ መንኮርኮር ኣገላልጻን ትንቢትን ገይሩ እዩ ዘዛውሮም። ሓጸርቲን ትንቢታውያንን……
“መሬት ጸልመተ። ዩኤል ሰባት ከዕርፉ’ዮም፡ ክሳዕ ወጋሕታ ወይ ክሳዕ መጨረሽታ! ሰባት ኣብ ሰማይ ኣለዉ፡ ኣብ ጸልማት ጥፈር…… ሰባት ኣብ ባሕሪ ኣለዉ፡ ኣብ ነውጺ ማዕበል! ……ሰባት ኣብ መሬት ኣለዉ፡ ኣብ ዘይንቕነቕ ቤት ማእሰርቲ! ሰባት ኣብ ነበልባል ዉግእ ኣለዉ፡ ኣልዓሊ ዘይብሎም ይወድቁ! ሰባት ኣብ ቀብሪ ኣለዉ፡ ኣብ ወራር ተባላዕቲ ፍልሖ፡ ምስ ስጋ ሰብ ዝበልዑ ተናኸስቲ ሓሳኹ! እንታይ እናተገብረ’ዩ፧ መገድና ግን ናበይ’ዩ፧ ጉዕዞና መጨረስታኡ እንታይ’ዩ፧ ኣበይ ኮን ኢና ክንራኸብ፧ ብዙሕ ብዙሕ ኣሰላሲለ… ንዶብ ክሳዕ ዝሰግር መሬት ከም ዝጸልመቶ ተገንዘበ። ንምምሕዳር……”"
ጋዜጠኛ በየነ ኣብ መወዳታ መልእኽቱ ከምዚ ይብል
ብዙሕ ከበርክት ዝነበሮ ፍቓድ ፈጣሪ ኮይኑ ተፈልዩና ኣሎ። ዘበርከቶም መጻሕፍቲ ብሉጻትን ብምዕቡል ኣገባብ እንተ ተሰሪሖም ብሉጻት ፊልም ክኾኑ ዝኽእሉ ብምዃኖም ነባሪ ሓድጊ ገዲፉልና ኣሎ። ንመላእ ፍተውቱን ን ኣፍቀርቲ መጻሕፍትን ጽንዓት እምነ።
AAN Media Network ንኹሎም ኣድንቅቱን ቤተሰቡን ጽንዓት ንምነ