ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን "ኲናት ንምእዋጅ" ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ዝብል ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ነጺጎም። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር ኢትዮጵያ "ኣብ ውግእ ተዋፊሮም" ኣለዉ ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ምኽሳሱ ይዝከር። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብ2 ጥቕምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት እናነጸረ መጺኡ፡" ክብል እዩ ከሲሱ።
እቲ ምኒስትሪ ዘቕረቦ ክሲ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ ሰሜን ወሎ ወልድያ ንምቍጽጻር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኢድ ከም ዝነበሮም እውን ዘመልክት እዩ።
ነዚ ስዒቡ ህወሓት ብ8 ጥቅምቲ 2025 ከም ግብረ-መልሲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ "ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ናይ ሓሶትን ፖለቲካዊ ዝንባለን ዘለዎ ክስታት፡" ከም ዘቕረበ ጠቒሱ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ "ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ክስታት መንግስቲ ፌደራል ነቲ ብተደጋጋሚ ዝጥሕሶ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ትዅረት ከይወሃቦ ዘዘናግዕ'ዩ፡" ኢሉ። "ናይ ሓሶት ክስታት ብምቕራብ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ይጽዕር ኣሎ፡" እውን ኢሉ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል እውን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፎ መልእኽቲ፡ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ "ድፍረትን ዝመልኦን ኣዝዩ ዘደናግርን እዩ። 'ጭጉራፍስ'ያ ባዕላ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ' ከም ማለት እዩ፡" ክብል ነቒፉ።
ብተወሳኺ፡ "ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ብልጽግና ብተደጋጋሚ 'እንተ ተኻኢሉ ብሕጋዊ መንገዲ እንተ ዘይኰይኑ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ምውሓስ' ክብል ክጭርሕ ጸኒሑ'ዩ፡" ኢሉ።
"እዚ መሬታዊ ግዝኣት ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ፡ ብዘይግቡእን መሰረት ዘይብሉን ምፍርራሕ ዝተሰነየ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ "መሰረት ኣልቦ" ምዃኑ ዝገለጸ ህወሓት፡ "ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ህዝቢ ንህዝቢ ምትእስሳር ሰላምን ዞባዊ ዕርቅን ንምርግጋጽ ዝዓለመ'ኳ እንተዀነ፡ እቶም መሰረት ዘይብሎም ክስታት ግን ኣብቲ ዞባ ካልእ ኲናት ከለዓዕሉ ተኽእሎ ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ "መሰረት ኣልቦ" ምዃኑ ዝገለጸ ህወሓት፡ "ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ህዝቢ ንህዝቢ ምትእስሳር ሰላምን ዞባዊ ዕርቅን ንምርግጋጽ ዝዓለመ'ኳ እንተዀነ፡ እቶም መሰረት ዘይብሎም ክስታት ግን ኣብቲ ዞባ ካልእ ኲናት ከለዓዕሉ ተኽእሎ ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እውን ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተለኣኸ ደብዳበ፡ "ንህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ዓለምን ዘደናግርን ዝነዓቐን፡" ክብል እዩ ነጺግዎ።
ኤርትራ፡ "ናብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ተጐቲታ ኣይትዕደምን፡" ብምባል፡ "እቶም ዝምልከቶም ወገናት በዚ ስጕምቲ ስክፍታ ከይሓድሮም፡" ኣተሓሳሲቡ።
ህወሓት ብመሰረት እቲ ደማዊ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ግዴታታቱ ኣኽቢሩ ከም ዝቐጸለን መንግስቲ ፈደራል ግን ተመዛበልቲ ምምላስን ተሓታትነት ምርግጋጽን ዝርከብዎም ግዴታታቱ ክፍጽም ከም ዘይከኣለ ኣመልኪቱ።
"ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመዛበልቲ ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ይርከቡ። መጽለሊ፡ መግብን ሕክምናዊ ክንክንን ኣይረኽቡን። ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይኰኑ ሓይልታት'ዩ ዝርከብ፡" ክብል ህወሓት ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ሓቢሩ።
"እዞም ብኣብዝሓ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝድገፉ ሓይልታት፡ መሬት ትግራይ ተቘጻጺሮም ይርከቡ። እዚ ዝግበር ዘሎ ደሞግራፊያዊ ኣቃውማ ትግራይ ንምቕያር እዩ። ትካላት መንግስቲ ፈደራል፡ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ እዩ ዝብል ሞጐተ ብዕሊ ብምድጋፍ ስምምዕ ፕሪቶርያ ይጥሕሱ ኣለዉ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተነጸሉ ወተሃደራት፡ "ምስልጣንን ምዕጣቕን ይቕጽል ኣሎ፡" ክብል እውን ከሲሱ ኣሎ።
እዚ ድማ፡ "ሓድሽ ግጭት ከስዕብ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኤርትራን ህወሓትን "ንኸም ብዓል ፋኖ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ብገንዘብ፡ ብምውዳብን፡" ይሕግዙ ከም ዘለዉ ዝኸስስ እዩ።
ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሰራዊትን ህወሓት ኣብቲ ኣብ ወልድያ ዝተኻየደ መጥቃዕትን ኣብ ራያን ወልቃይትን ኣብ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብቐጥታ ከም ዝተሳተፉ እቲ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝለኣኸ ደብዳበ ይኸስስ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብወገኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ብምጥቃስ፡ "ንዅናት ወይ መሬት ጐረባብትና ንምምንዛዕ ድሌት የብልናን። ይዅን እምበር፡ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ መጥቃዕቲ እንተ በጺሑና ሃገርና ከመይ ከም እንከላኸል ንፈልጥ ኢና፡" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብዛዕባ ዝገዝኦም ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዝ ሚሳይላት፡ ታንክታት ወዘተ ይዛረብ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እውን መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽሙ ይዛረቡ። እዚ ልዕሊ ሕልና'ዩ። ታሪኽ ዘይፈልጡ ጥራይ እዮም ዝሰምዕዎ፡" ኢሉ።
"መልስና፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ትርጕም ኣልቦ ኲናት ኣይትጕተትዎ እዩ። ሓቀኛ ጸገምኩም ፍትሑ። ዓዲ ወዓሉ!" ብምባል ንመደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠቒሱ።
ህወሓት እውን ብወገኑ ኣብ ደብዳበኡ፡ "ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ስምምዓት ፕሪቶርያ ዳግመ መርመራ ከካይድ ሓቲትናዮ ኣለና፡" ብምባል፡ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት እንቶንዮ ጉተረዝ ንፖለቲካዊ ዘተ ክድግፍ ጸዊዑ።
"ፖለቲካዊ ዘተ፡ እቶም ፈረምቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሓድሕዶም ዘለዎም እምነት ዝመልስን ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ'ውን ዘረጋግጽን'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ምልዓላ ግን ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣሉታዊ ምላሽ ከም ዝረኸበ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፡ ኤርትራ ምስ ህወሓትን ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም፡ "ተሓባቢሮም ጥምረት ፈጢሩን" ክብል ምውቃሱ ተገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ብወገና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣጀንዳ ኲናት ደገፍ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጐስጓስ የሐይል ኣሎ ክትብል ከሲሳ።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝኸስስ ደብዳቤታት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን መራሕቲ ሃገራትን ይልእኽ ኣሎ ክትብል ድማ ወቒሳ።
ኣብ ሓምለ'ውን ወኪል ኢትዮጵያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ጸጋኣብ ክበበው ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ተቘጻጺሮም ከም ዘለዉን ከቢድ ጥሕሰት ይቕጽል ከም ዘሎን ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶባት ተደሪታ ከም ዘላ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ እያ።













