ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ብዛዕባ ህወሓትን ኤርትራን እንታይ ኢሉ?

ንሱ፡ ብፕረዚደንትንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ካልኣይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብህወሓት ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዓብለል- ሓቋፋይ ከምዘይኰነ፡ መንግስታውን ፀጥታውን ስራሕቲ በዂሩ ከምዘሎ፡ ኣብቲ ክልል ምርግጋዕን ሰላምን ጠፊኡ፡ ከምዘሎን ብምኽሳስ እዩ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ዝጠለበ።

"ጀነራል ታደሰ ካብተን ክፍፅመን እየ ኢሉ ዝፈረመን ሸሞንት ነጥብታት፡ ሓንቲ'ውን ኣይተግበርን"።

ብህወሓት ተመዚዙ ብቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ሹመት ዝፀደቐሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ፀጥታ እቲ ክልል ከረጋግፅ ዶባት ክሕሉን፣ ካብ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌዴራል ወፃኢ ዝግበሩ ርክባት ወፃኢ ጠጠው ክበልን ዝብሉ ዝርከቡዎም ሸሞንተ ነጥብታት ምፍራሙ ይዝከር።

እዚ ፊርማ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብመትከላት ውዕል ፕሪቶርያ፡እቲ ዝጣየስ ግዝያዊ መንግስቲ ሓቛፋይ ክኸውን ዝብል እዩ።

"እቲ ቀንድ ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ከጣይስ ዝብል ጥሒሱ ነቲ ካቢነ ብህወሓት መሊኡዎም እዩ ዘሎ፤ ብሓደ ፓርቲ ዝዕብለል መንግስቲ ናብ ግጭት እዩ ዝመርሕ፤ እዚ ድማ ኣንፃር መንፈስን መትከላትን ውዕል ፕሪቶርያ እዩ" ኢሉ፡ ፃድቃን።

ህወሓት ግን፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ነቲ 'ታሪኻውን ህዝባውን' ዝብሎ ውድቡ ንምፍራስ፡ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኰይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረን፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ዕሽሽ ከምዝበሎን ይኸስስ።

ፃድቃን ግን፡ "ሎሚ፡ ሒደት ሰባት ጥራይ ዝብልዎ እናተዳገጋመ ዝስመዐሉን ድምፂ ህዝቢ ዝተዓፈነሉን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ" ዝበለ ዀይኑ፡ ብፍላይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ 'ፅምዶ' ብዝብል፡ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ኲናት፡ ሓደገኛን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥፍኣት ዝወስድን ከምዝዀነ ወቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ ዝተወደቡ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተኸምበት ዝግለፅ ዀይኑ፡ ምስ ኤርትራ ዝተጀመሩ ህዝባዊ ርክባት ክጥናኸር ኣለዎ፡ ዝብል ውሳነ ይርከቦ። እቲ 'ደምዳሚ ውሳነ' ብዝብል ዝወፀአ ሰፊሕ መግለፂ፡እቲ ህዝባዊ ርክባት ምስ ካልኦት ጐረባብቲ ህዝብታት'ውን ክቕፅል ይፅውዕ።

ጀነራል ፃድቃን፡ እዚ ውሳነ ቀዲሙ ዝተዳለወ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተኣከበ ህዝቢ ዘስመዖ ድምፂ ዝፃረር ከምዝዀነን፡ እቶም ኣብ መቐለ ዝተኣከቡ ድማ እሙናት ካድረታት ህወሓት ከምዝዀኑን ተዛሪቡ።

ህወሓት በቲ ዝሓሰብዎ ፍጥነት እናኸደሎም ከምዘይኰነ ዝዛረብ ጀነራል፡ ፃድቃን፡ ምስ ኤርትራ ኰይንካ ናብ ኲናት ንምእታው ዝግበር ምሽብሻብ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ከምዝገጠሞ እዩ ዝዛረብ።

"ጠበንጃ ስለዝተሓንገጡ ጥራይ፡ ዕልዋ መንግስቲ ገይሮም ደፊኦምና፤ ካብኡ ግን ክልተ ነገር ግልፂ ኰይኖም ወፂኦም ኣለዉ፤ ቀዳማይ ነገር ህዝቢ ትግራይ ኲናት ኣይደልን፤ እቲ ህዝቢ ብግልፂ፡ 'ድሕሪ ሕዚ ኲናት ዝበሃል ኣይንደልን፡ ደቅና ከፊልና ወዲእና ኢና ' እዩ ኢሉዎም"።

ህወሓት ቅድሚ ኣዋርሕ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝሰኣነ ዀይኑ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቕርበት ይሰርሕ ከምዘሎ ይንገር። እቲ ሕጋዊ ሰብነቱ ምስራዙ ብቐጥወታ ኰነ ኢልካ ውዕል ፕሪቶርያ ንምፍራስ ዝዓለመ ምዃኑ ንማእከላይ መንግስቲ ይኸስስ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ወልድያ [ሰሜን ወሎ] ኣከባቢ፡ ምስ ኤርትራን፡ ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ግጭት ተሳቲፉ ብዝብል ካብ መንግስቲ ፌዴራል ተኸሲሱ ኣሎ፤ ህወሓት ነቲ ክስታት ነፂጉዎ።

ኣብቲ ትማሊ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝተሰደ ምላሽ-ደብዳበ፡ህወሓት ብገለ ጉዳይ ተመሊሱ ንመንግስቲ ፌዴራል ከሲሱ ኣሎ።

ዛጊድ ዕጡቓት ካብ ምዕራብ ትግራይ ዘይምውፀኦም፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ህዝቢ ኣሰፋፍራ ለውጢ [Demographic change] ንምግባር ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎን፡ ኣብ ክልል ዓፋርን ካልኦት ከባብታትን፡ ኣንፃር ክልል ትግራይ ሚሊሻ የሰልጥን ከምዘሎን ገሊፁ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ምትፍናን ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ኩነታት ብምዃኑ፡ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ጀነራል ፃድቃን ካልእ እንታይ ኢሉ?

ቅድም ክብል፡ ንፈፃሚ ኣካል ዝቆፃፀር ሓላፍነት ዝህልዎ፡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት'ውን ዝሳተፍሉ፡ 'ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ' ኣብ ምጥያስ ከምዝነበረ ይዝከር።

እዚታት ተሓዲጉ፡ ሓደ ፓርቲ ጥራይ ገባርን ሓዳግን ዝኰነሉ ኩነታት ከምዝተፈጥረ ጀነራል ፃድቃን ይኸስስ።

ብመሰረት ኮርን ልዕሊ ኮርን ብዝብል፡ ኣዘዝትን ሰራዊትን ኮሚሳራትን ዘሕለፉዎ ውሳነ፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተገብረ ለውጢ ምምሕዳር ስዒቡ እዩ፡ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተጣየሰ።

እቲ ብዶብረፅዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ፍንጫል ህወሓት፡ ነቲ ዕጡቓት ዘፍረሱዎ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ "ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተለጢፉ፡ ንረብሓታት ትግራይ ኣሀጊሩ" ብዝብል፡ ብጥልምተን ክሕደትን ክኸስስ ፀኒሑ እዩ።

ፃድቃን ግን ከምዚ ይብል፡ " እዚ ነቲ መንእሰይ ኣወንታዊ መንገዲ ዝፈጥር እዩ ነይሩ፤ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት፡ ተኣኪቡ ዝውስነሉ፤ ፀጥትኡ ሰላሙን ባዕሉ ዝዝትየሉ ኩነታት ኢና ክንፈጥር ፈቲንና፤ እዚ ድማ ካብቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ቅልውላው፡ 70/80 ሚኢታዊ ዝፈትሕ እዩ ዝብል እምነት ነይሩና"።

ሕዚ ግን ይብል፡ "ኣብ ትግራይ ኲናትን ሰላምን ዝኣክል ዓብዪ ነገር፡ ብኽልተ ሰለስተ ሰባት ዝውሰነሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ፤ፈትለወርቅ፣ ጌታቸው ኣሰፋ ወይድማ ደብረፅዮን እዮም ዝውስኑ ዘለዉ፤ ሕዚ ትግራይ ኣብ ኣፍደገ ኲናት እያ ዘላ"።

ብዚ ምኽንያት ኣብቲ ክልል መንግስታዊ ስራሕቲ ዘካይድ ኣካል ከምዘየለን፡ ሸፋቱ ዘመሓድሩሉን፡ ቤትፍርዲ ዝወሰኖ ብዕጡቓት ዝግልበጠሉን፡ ሓይልታት ፀጥታ ንመንግስቲ ዘይኰነስ፡ ንሓደ ውድብ ሓሽከር ዝቘሙሉን ሓደገኛ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ይኸስስ።

ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ንሱ ባዕሉ'ውን ዝነበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ህዝቢ ብነፃነት ዝንቀሳቐሰሉን ብናፅነት ዝዛረበሉን፡ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዝነበረ ጀነራል ፃድቃን ይዛረብ። እንተዀነ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ኣየረጋገፁን፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣይመሰሉን ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ንባዕሉ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላላዩ ከባብታት ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን፡ ልዑል ናይ ለውጢ ድሌት ከምዘሎን፡ ብዘበናት ብህወሓት ዝተማረረን ዝተዓፈነን ህዝቢ ከምዝዀነ ተዓዚብና ይብል።

ሕዚ'ውን፡ ጀነራል ታደሰ ዝተውሃቦ ዕድል ኣብ ዘይመዓሉ ከምዘውዐሎ ብምኽሳስ፡ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ተሳሒቡ፡ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ ይሓትት ኣሎ።

ነዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ዝሓሸ መገድን፡ ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንምድላው፡ ብዙሓት ብሄራዊ ውድባት ዝርከብሉ 'ምንቅስቓስ ንለውጢ ትግራይ' ብዝብል ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።