ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት "ንኸም በዓል ፋኖ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ብገንዘብን ብምውዳብን" ይሕግዙ ከምዘለዉ ይኸስስ።
ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ህወሓት ኣብቲ ኣብ ወልድያ ዝተኻየደ መጥቃዕቲን ኣብ ራያን ወልቃይትን ኣብ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብቐጥታ ከምዝተሳተፉ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ'ሎ።
ዕጡቓት ፋኖ ካብ 26 መስከረም 2025 ጀሚሮም ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ከተማ ወልድያ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ምስ ሓይልታት መንግስቲ ክዋግኡ ከምዝጸንሑን ከም ውጽኢቱ ድማ ምዕጻው ጽርግያታት ከምዘስዓበን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ግጭት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ወሎ፡ ወረዳ ጉባ ላፍቶ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳንካ ዘሎ ማእከል ጥዕና ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ከምዝተጣሕሰ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ደብዳበ ገሊጹ'ሎ።
ሚኒስተር ጊዴዎን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ "ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ከም ዝወሰደን ክገትኦ ከምዝኸኣለን እኳ እንተገለጸ፡ "ፖሊሲና ደረት ኣልቦ ኣይኮነን" ክብል ግን ኣጠንቂቑ።
"ቀንዲ መንቀሳቐሲ ናይዚ ገበናዊ ንጥፈት" ኤርትራ ምዃና ዝጠቅስ እቲ ጥርዓን፡ "ገንዘባዊ፡ ንዋታውን ፖለቲካውን ደገፍ" ብምሃብ ነቲ ግጭት ትድግፎ ምህላዋ ይኸስስ።
መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ህወሓት ዛጊት ንክሲ ኢትዮጵያ መልሲ ኣይሃቡሉን ዘለዉ።
"ኤርትራ ነዚ ትንኮያ ከም ቅድመ-መከላኸሊ መንገዲ" ትጥቀም ከምዘላን "ንኢትዮጵያ ንምድኻም ንዓመታት ዝወሰደቶ ጻዕሪ ንምሽፋን ዝዓለመ መመኽነይታ" ምዃኑን እውን እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝጸሓፎ ደብዳብ የመልክት።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ "ብሰላማዊ ኣገባብ" ክትቅጽሎ ምዃናን መንግስቲ "ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጠቅም ትካላዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር" ከም ዝደልን እውን ይእምት።
ኢትዮጵያ "ንልዝብ ድልውቲ" ምዃና ብምግላጽ ድማ፡ ዓለምለኻውያን ኣካላት ኤርትራ "ብቀጥታውን ብተዘዋዋርን ተካይዶ ተግባራት ምትእትታው" ደው ከተብሎን "ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ከተኽብር" ጸቕጢ ክገብሩ ጸዊዑ።
ዓለምለኻውያን መሻርኽቲ ኣብ ጉዳይ ወደብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላምን ምርግጋእን ዝገብርዎ "ሃናጺ ዘተን ምትሕብባርን" ክቕጽሉ'ውን ተማሕጺኑ ኣሎ።
ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብ ተሸሚማ እኳ እንተነበረት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ግን ዝምድናታት ክመሓየሹ ተራእዮም ነይሮም እዮም።
ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ምልዓላ ግን ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣሉታዊ ምላሽ ከም ዝረኸበ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኢትዮጵያ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ህወሓትን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም "ተሓባቢሮም ጥምረት ፈጢሮም" ክብል ምውቃሱ ይዝከር።
ኤርትራ ብወገና፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣጀንዳ ኲናት ደገፍ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓስ የሐይል ኣሎ ክትብል ግብረመልኢ ሂባትሉ ነይራ።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝኸስስ ደብዳቤታት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን መራሕቲ ሃገራትን ይልእኽ ኣሎ ክትብል ድማ ወቒሳ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ'ውን ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ጸጋኣብ ክበበው ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝርከብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተቖጻጺሮም ከምዘለዉን ከቢድ ጥሕሰት ይቕጽል ከምዘሎን ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶባት ተደሪታ ከምዘላ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ እያ።













