"ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር እያ። ናይ መጻኢ ዕድላ ድማ ምስ ክልቲኡ ማያት ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ።
"ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ መንገዲን ህዝቢ ማእከል ብዘይገበረን ዘየሳተፈን ኣገባብ [ካብ ባሕሪ] ርሒቓ ጸኒሓ እያ።"
ብመግለጺ ናይቲ ፕረዚደንት ዝተቘጥዐ ምኒስተር የማነ፡ ነቲ "ክልተ ማያት" ዝብል ሓሳብ "ስግንጢርን ንኣእምሮ ግር ዘብልን እዩ፡" ክብል መሊስሉ።
ዋላ'ኳ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣንን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝግብኣ ክዛረቡ እንተ ጸንሑ፡ እቲ ንልኡላዊ ዋንነት ወደባት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ መግለጺ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ጉዳይ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ዘብጽሕ'ዩ ዝመስል።
ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1991 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጐባጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሳዒሩ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኢትዮጵያ ወደብ-ኣልቦ ኰይና'ያ ተሪፋ።
ኤርትራ፡ ብተዓዛብነት ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘካየደቶ ዳርጋ ምሉእ ህዝቢ እታ ሃገር ንናጽነት ዘድመጸሉ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ብምክያድ፡ ብ24 ግንቦት 1993 ልኡላውነታ ብወግዒ ምስ ኣወጀት ኢትዮጵያ ብኡንብኡ'ያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂባታ።
ክሳብ ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1998 ዝውላዕ ከኣ ኢትዮጵያ ንዓሰብ ከም "ናጻ ወደብ" ክትጥቀመሉ ኣብ መንጎ ብህዝባዊ ግንባር ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ብህወሓት ዝቕለስ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢህወደግን ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ።
ዲፕሎማስያዊ ዓቕምታት ኤርትራ ከም ዝተዳኸመ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነቲ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዝሃበቶ ልኡላዊ ወደባትን ገማግምን ባሕሪ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ዘዕርግ ከይኰነ ኣይተርፍን።
ፕረዚደንት ታየ፡ "ኢትዮጵያ ናብዞም ማያት ንኽትምለስን ናይ ፍትሓዊ ልምዓት ተጠቃሚት ንኽትከውንን መንግስቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡" ብምባል፡ "ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ማሕበረሰብ ዓለም ዝዛረበሉ ዛዕባን ሓሳብን ክኸውን ክኢሉ ኣሎ፡" ኢሉ።
"ብቐጻሊ'ውን፡ ኣብ ዞባና ናይ ሓባር ናይ ልምዓት ተጠቃምነት ዘሎ ድሌት ኣብ ግምት ዘእተወ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ንምሕያል ዲፕሎማስያውን ሰላማውን ጻዕርታት ክግበሩ እዮም፡" ይብል እቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብወገኑ፡ ብሰሉስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ መግለጺ ናይቲ ፕረዚደንት፡ "ትርጕም ኣልቦ/መስሓቕ ተባሂሉ ምተሓልፈ ነይሩ፣ እንተዀነ፡ ኣብዚ ብዘየቋርጽ ክስተታትን ዘስዕቦ ስቅያትን ዝተሓመሰ ዞባ ዘየድልን ክውገድ ዝኽእልን ተወሳኺ ክግጭት ንምስዋርን ምውላዕን ተኽእሎ ዘለዎ እዩ፡" ክብል ገሊጽዎ።
ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ፡ "ታኼላ" ግጭት ንምፍጣር ይሰርሕ ከም ዘሎ'ውን እቲ ኤርትራዊ ብዓል ስልጣን ከሲሱ'ሎ።
"ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ሓይልታት ጐበጣን ምግባትን፡ ናይ ካልኦት ዘይንጸል መሰላት፡ ሃገራዊ ሃብትን ጸጋታትን ግዳያት ዝዀና ሃገራት ምምናይን ምምንዛዕን፡ ምኽኑይ ንምግባር ኵሉ ሳዕ ናይ ሸጠፍ ፈውሲ ክስንዑ'ዮም ዝርኣዩ፡" ይብል እቲ ካብ ኣስመራ ዝተዋህበ ምላሽ።
ፕረዚደንት ታየ ኣብ መግለጺኡ፡ "መንግስቲ ፍትሓውን ዘተኣማምንን ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሃገራት ናይቲ ዞባ ብዲፕሎማስያውን ሰላማውን መንገዲ ክሰርሕ'ዩ፡" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝነበረ ተሪር ዝመስል ዝነበረ ዝምድና ተበቲኹ ኣብ መንጎኦም ምትፍናን ሰፊኑ ይርከብ።
ኣብ ርእሰከተማታት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዘሎ ኤምባሲታት ክልቲአን ሃገራት ብዝተሓተ ደረጃ ዝሰርሕ ምዃኑ ይግለጽ።
ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራ ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊኣ ኲናት ክትውልዕ ትሓስብ ከም ዘላ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ከም ዘቕረበት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ ኣለዋ።
ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባለ ማዕከን ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊድዮን ጢሞቲዎስ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብምጽሓፍ'ዩ ነቲ ክሲ ኣቕሪቡ ዘሎ። ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣዲስ ኣበባ ተመሳሳሊ ጥርዓን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣቕሪባ ምንባራ ይዝከር።
ኣቢይን ኢሳያስን ተላፊኖም ኣንጻር ህወሓት ዘካየድዎ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ኣብ መንጎኦም እቶም መራሕቲ ዝነበረ ጥቡቕ ዝምድና ብቐጻሊ ክልሕልሕ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት ምስ ኤርትራ ዝጸንሖ ግጭት ንምፍታሕ ኣብ "ጽምዶ" ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ኣቢይ፡ "ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ ቅርጺ-ምድሪ ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተ ሃልዩ፡ ብደው ዝሞተ'ዩ፡" ብምባል፡ ሃገሩ እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ከም ዘይትተረፍን ኣፍደገ ባሕሪ መሊሳ ከም እትረክብን ተሓንዩ ነይሩ።













