ፈልሲ ስነጥበባዊ ድምጺ ኣብርሃም ንሞት ስዒሩ ኣብ ልብን ቀልብን ኣስተማቐርቱ ተዘሪኡ፡ ዓዂኹ፡ ጐቢዙ፡ ፈርዩንን ሰሲኑን ይነብር።
ሙዚቃዊ ስርሓቱ ኪኖ ኤርትራን ትግራይን ዶባት ተሳጊሩ እዩ። ኣብርሃም ዓመት መጽአ በዛ ዕለት እንክዝከር ብሓዘን ኣይኰነን - ብሓበን እምበር።
ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ጸቒጡ ዝሰርሕ ድምጻዊ ግርማይ ዓንዶም፡ ኣብርሃም ንሕላይ፡ "ካብ ንሙዚቃ ሓሊፉ ናብ ስነጽሑፍ ዘሰጋገረ እዩ፡" ይብል።
"ሓንቲ ግጥሙ መጽሓፍ ዝኣክል ስራሕ እያ። ንኣብነት፡ 'ከም ንደልዮ ድዩ ዝኸውን: ከም ዝዀነልና እምበሪ' ኣብ እትብል ምስታ ኣብኡ ዘላ ጓል ዝገብሮ ዝርርብ፡ ሕብረተሰብ ወይ ወለዶታት ክጸሉ ዝኽእል እዩ፡" ክብል የብርህ።
"ዕደለኛታት ኴንና ብሕጂ ቋንቋ ትግርኛ ዘጽንዕ ዩኒቨርሲቲ እንተ ተመስሪቱ፡ ከም ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ክቐርብ ዝኽእል እዩ። እቶም ናብ ስነጽሑፋዊ ዕምቈት ዝኸዱ ግጥምታቱ ኣብ ዜማታት ከተእትዎም ካብኡ ዝኸብድ የሎን። እሞ ድማ ቀልጢፉ ተታሒዙ ኣብ ካልኣይ ማይቤት ምስኡ ሓቢርካ ክትዝይም ዝገብር እዩ። እዚ ንኣብርሃም ጂንየስ ዝገብሮ እዩ።"
ድምጻውን ሙዚቀኛን ትኩእ ወልዱ: ኣብ ብዙሕ መድረኻት ናይ ኣብርሃም ከም ዝደርፍ ይገልጽ'ሞ፡ "ንኣብርሃም ገጣሚ ትብሎ ጥራሕ ኣይኰነን - ሓሳቢ እዩ ነይሩ። ንማሕበረሰቡን ቋንቋኡን ዝሓስብ ረዚን ስነጥበበኛ፡" ይብሎ።
ትኩእ እቲ ካብ ብዓል ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ፡ ትካቦ ወልደማርያም፡ ዑስማን ዓብደርሒም፡ ሃይለገብሩ፡ ተኽለ ተስፋዝግን ብዙሓት ካልኦትን ብዝተፈላለየ ቅዲታት ዝጻወቱዎ ዝነበሩ ዘመናዊ ሙዚቃ፡ ድሒሩ ዳርጋ ተበቲኹ ጓይላ ኣብ ዝዓብለለሉ እዋን፡ ኣብርሃም ዝተፈላለየ ህርመታት፡ እሞ ድማ ብቐሊል መንገዲ ሒዙ ብምምጻእ ንዘመናዊ ደርፊ ትግርኛ ዳግማይ ህይወት ከም ዝዘርኣሉ የብርህ።
"ትግርኛ ብሬገ፡ ብትዊስት፡ ብጃዝ፡ ኣር-ኤን-ቢን ካልኦትን ምስ መበቈላዊ ላዛኡ ኣወሃሂዱ ብዝደለኻዮ ህርመታት ክጽወት ከም ዝኽእል ኣርእዩ እዩ።"
ንኣብርሃም "ናይ መጀመርታ" ኢሉ ዝገልጸሉ ኵርናዕ ክትንትን ከሎ ድማ፡ "ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ኵሉ ተፈታዊ ደርፍታት ክሰርሕ ዝኽእል?" ኢሉ ይሓትት - ትኩእ።
"ካብ ደርፍታት ኣብርሃም ንሓደ መሪጽካ ነቲ ካልእ ትገድፎ የሎን። ኵሉ ኣብ ዕለታዊ ህይወትካ ከከም ኵነታቱ ምሳኻ ሓቢሩ ዝጓዓዝ እዩ፣ ኵሉ ደርፉ ተፈታዋይ ዝዀነ ደራፊ ንመጀመርታ ግዜ ዝርኣኹ ንኣብርሃም እዩ፡" ይብል።
ትኩእ ኣብታ ብዙሓት ስነጥበበኛታት ዘፍረየት ዕዳጋ ዓርቢ - ኣስመራ ዝዓበየ ኰይኑ፡ "ትግራይ ምልባማ" እትብል ብፍሉይ ህርመት እትጽወት ሓዊስካ ፍሉያት ስርሓት ኣብ ምብርካት ዝርከብ ድምጻዊ እዩ።
ብቘልዓኡ ተሰዲዱ፡ ቋንቋኡን ባህሉን ዘየጥፍአ ኣብርሃም
ኣብርሃም ብ30 ጥሪ 1966 እዩ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ፈሪሱ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጐበጣ ምስ ኣተወት ብዝተላዕለ ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብርሃም ምስ ስድራኡ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክቕመጥ ተገደደ። ኣብ 12 ዓመቱ ድማ ምስ ጕጅለ ባህሊ 'ቀያሕቲ ዕምባባ ህዝባዊ ግንበር' ተጸንበረ። ካብ 1979 ኣትሒዙ ድማ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ሙዚቃ ክደርስ ጀመረ።
ካብ ሱዳን ናብ ኢጣልያ ምስ ሰገረ ክራር መሊኹ ኣፍልጦኡ ኣብ ሙዚቃ እናኣዕበየ ቀጸለ።
እዚ ብንእሱ ዝተሰደ ቈልዓ ግን ቋንቋኡ ምስ ወግዑን ስውያኡን ኣየጥፍአን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኣእትዩ ፍሉይ መቐረት ፈጠረሉ።
ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቱ'ውን ጸብለል ዝበለ እዩ ነይሩ።
ኣብ ኢጣልያ ብኤለክትሮኒክስ ክምረቕ እንከሎ፡ ኣብ 2004 ከኣ ኣብ ኣመሪካ ብምሕደራ ሓበሬታ (IT) ብልዑል ማዕረግ ተመሪቑ።
ኣልበማት ኣብርሃም፤ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ሰማይ
ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣልበም ድሕሪ ምዝርግሑ ናብ ሰማዒኡ ቀሪቡ ሙዚቃዊ ምርኢት ናይ ምክያድ ባህሊ ነይሩዎ - ከም ዝበዝሑ ዓበይቲ ደረፍቲ ዓለም።
ኣብ 2006 ኣብ ሳዋ ንዝነበሩ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ምርኢት ኣብ ዘካየደሉ፡ እቲ ኣብኡ ዝረኸቦ ግብረመልሲ እሳተ-ጐመራዊ ዝዀነ ድፍኢት ሂቡዎ እዩ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ።
ቅድሚ ሽዑ ኣብ ምርኢት ሙዚቃ ኤርትራውያን ተራእዩ ዘይፈልጥ ክስተት`ውን ኣጓኒፉ - ኣብቲ ምርኢት ገሊአን ሃለዋተን ኣጥፊአን ናብ ሆስፒታል ክውሰዳ ተራእየን፣ ኣብርሃም ንጽባሒቱ ናብቲ ሕክምና ብምኻድ በጽሐን።
"ተስፋ እዩ ስንቀይ፡ ተስፋ እዩ ሓይለይ፤
ደጋጊመ ይጽዕር ክሳብ ዝዀነለይ ፤
ይጥዓም ይሕሰም፤ ፍሽኽታ ኣመለይ፡" ብሓባር ኣንጐርጒሮም።
"ንስኽን ሓላለይ፡" ይብለን - ይብሎም ኢዱ እናኣመልከተ።
"ንስኻ ሓላለይ፡" ይብሉኦ - ይብሉዎ ኣማኢት ኣእዳው ናብኡ እናተመልከተ።
ሽዑ ሓቢሮም፡ "ኣሰይ ተዓዲለ! ኣሰይ ተዓዲለ!" ሓባራዊ ድምጺ የቃልሑ።
"ቈጽሊ ጋባ" ዘርእስታ ብ1991 ዝዘርግሓ ኣልበሙ ቨርጂን ሪከርድስ ዝተባህሉ ትካል እዮም ኣፍርዮማን ኣብ ኤውሮጳ ዘርጊሖማን።
ብኤርትራዊ ስነጥበበኛ ዝተሰርሐት፡ ብዓለምለኻዊ ትካል ዝፈረየት ቀዳመይቲ ስራሕ ምዃና ድማ ይንገረላ።
ፍሉጥ ሙዚቀኛን ኣቀናባርን የማነ ኪዳን ኣብ ህንዲ ዝነበሮ ትምህርቲ ወዲኡ ብ1990 ናብ ኢጣልያ ምስ ከደ እዩ ምስ ኣብርሃም ተላልዩ። ኣብርሃምን ብጾቱን ኣብ ስትድዮ ንነዊሕ ሰዓታት እናተለማመዱን እናተደጋገፉን ነታ ካሴት ኣብ መፈጸምታ ከም ዘብጽሑዋ ይዝክር።
ኣብ መላእ ኢጣልያ - ኣብ ንኣሽቱ ከተማታት ከይተረፈ - ድማ ዑደት ብምክያድ ንሰማዕቱ ብኣካል ክረኽቦም ክኢሉ።
ኣብ ኤርትራ ዘፍለጠቶ ግን እታ ኣብ 1994 ዝዘርግሓ "ተስፋ'ዩ ስንቀይ" እትብል ኣልበሙ እያ። እዛ ናስትሮ ኣብ ነፍስወከፍ ገዛ ኣትያ፣ ካብተን ክሪ ዝቕርቅራ ዝነበራ ፓናሶኒክ ቴፓት ኣይትወጽእን ነይራ፣ ተቐርቂሩ ዝተበንጠሰ ድማ ብኣዝማልቶ እናተላገበ ተሰሚዑ።
"ዝፈረሰ ህድሞ፡ ዳግማይ ብወፈራ ኣብ ዝትከል ዓንዲ
ካብ ባህጊ ወጺእካስ፡ መሪር'ዩ ቋሕ ኢልካ ምጥማቱ ጋህዲ
ብብቕዓት ብመሰል፡ ብኽእለት ብሕጊ፡ ዝስራሕ ብሜላ
ኮብኲብካ ብዓቕሊ፡ ካብ ዝናኸስ ንህቢ እኳ ዝርከብ ወለላ
ፈልስኺ እንከሎ ኣብ ደመይ
ንዓለም ንእሽቶይ ሃገረይ
ንዓይ ግን ንስኺ ኢኺ ዓለመይ፡" ክብል ነታ "ናይ መብጽዓ ደሴት" ዝበላ ኤርትራ "ናይ ድኽነት ባህሪ" ሰጊራ ብጻዕርን ልዒሉ ብዝገለጾ መንገዲን "ብልጽግቲ ኤርትራ፡" ብሓበን ይስእል።
ኣብርሃም ብካሴቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምስ ሰማዕቱ ብኣካል ምርኻብ ዝያዳ ባህታ ዝፈጥረሉን ከይገበሮ ዘይበዅሮን እዩ ነይሩ። ኣብ 1995 ናብ ኤርትራ ብምምጻእ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምርኢት ኣቕሪቡ።
እታ "ምስጢር ፍቕሪ" ዝሰመያ ኣልበሙ ብጥሪ 1998 ክትዝርጋሕ ምዃና ምስ ተሰምዐ ብርቱዕ ትጽቢት እዩ ነይሩ። ዕለተ ምዝርግሓ ብዝኣኸለ ኣብ ኤርትራ ዝዝርግሓ ዝነበረ ቤት ሙዚቃ ኦሎምፒክስ ብሰባት እዩ ኣዕለቕሊቑ። ሕልና፡ ንዒ፡ ሸዊት ስገም፡ ምስጢር ፍቕሪ፡ ኤረና፡ ፍቕሪ'ዩ መንገደይ፡ ትምኒተይ፡ እምኒ ዓረን ካልኦትን ኣብታ ኣልበም ዝርከባ ደርፍታት እየን።
"መን ይፈልጠለይ ናይ ምዓሙቕ ልበይ
መን ይሰምዓለይ መጸዋዕታ ልበይ፣
ደቀቕቲ ሕቶታት ናይ ናብራና
ኣይንፈትሖን ግን ንዘራረበሉ ነይርና
መልሲ ምስኣን ንቡር ወሲደዮ
ሰማዒ ምስኣን ምቕባል ስኢነዮ፡" እናበለ ንብዙሕ ግድላትን ስምዒታትን ህይወት ባህለት ብዝመልኦን ስእላዊ ቋንቋን ንልቢ ሰማዕቲ ገዚኡ።
ሓደ ምስ ፈታሕካ ካልእ ዝስዕብ ሕቶታት ናብራ መጓዕዝቲ ህይወትና እዮም። ዋላ ኣይፈትሑ ግን ምዝርራብ፡ ምልዛብ፡ ምትንፋስ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብዓሚቝ መንገዲ ይገልጽ። መልሲ ምስኣን ተሪፉስ ሰማዒ ክትስእን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ በቲ ተዘዝታ ዝፈጥር ዜማ ኣሰንዩ ይሕድም። ገና ሕቶታትና ኣይተመለሱን፣ ቃንዛታት ድማ ሰማዒ ኣይረኸቡን።
ኣብርሃም ግን ከም'ዞም ቈዘምቲ ዓይነት ደረፍቲ ኣይኰነን፣ ወትሩ እዩ ጽባሕ ዝርኣዮ፣ ወትሩ እዩ ንባና ተስፋ ዘማዕዱ።
"ናይ ሎሚ ጸይረ፡ ቈላሕታይ ንዝመጽእ ኣቕኒዐ
ተጸሚመ ክምርሽ፡ ሽግ ናይ ተስፋ ወሊዐ፣
እወ ብዙሕ ተስፋ ኣለኒ፡ ዋላ ዓይነይ እናነብዐ
ኣብዛ ዓለም ብጽንዓት፡ ክትልም መጻእየይ
. . . ተስፋ'ያ ስንቀይ፡
ተስፋ'ያ ስንቀይ ሓቦ ቀለበይ፡" ብምባል፡ "ኣሽንኳይ ሎሚ ግዳ ሰላም ሰፊኑ ዘሎ / ቀደም እኳ ሓሊፉ ናብራ ሓሲሙ ከሎ፡" እናበለ ኣብ ኣሽሓት ልብታት ተስፋ ዘሪኡ።
ሽዑ'ውን ብዘይካ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝገብሮ ዝነበረ ናብ ኤርትራ ብምምጻእ ምርኢታት ኣቕሪቡ።
ነቶም ተስፋ ጽባሕ ዝነበሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ድማ ንበይኖም ምርኢት ሰሪዑሎም፣ "ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ኢሎሞ - ኣብርሃም ኣፉ-ወርቂ፡" ክብሉ ኣብ መድረኽ ወዲሰሞ።
"እንተ ካብ ሰብ እንተ ካብ ተፈጥሮ
ዝመጽአ ሽግር ገጢምና ክንሰግሮ፣
ኣሎ ዘይጸገበ ድራር ዕለት
ብዙሕ እዩ ትርጕሙ ምንባር ማለት፣
እንካብ ሕሰም ዘምጽኦ ሽበራ
እንካብ ጸይቂ ትወልዶ መከራ
ናጻ መታን ክትከውን ኤርትራ
ለበዋ ተቐቢልና ሓደራ፡" ክብል ስነጥበባዊ ድምጹ ኣስሚዑዎም፣ ንሶም'ውን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይሰሓቱዎን።
"ዓምብቡ፡ ሰስኑ'ሞ ተማሂርኩም ሃገር ኣሰልጥኑ፤ ኢሎም እቲ ቐደም ክምሕጸኑ፡" ክብል ፍልጠት ዓጢቖም ሽሕን ዋልታን ክዀኑ ተመንዩሎም።
የማነ ኪዳን፡ ኣብርሃም ካብ ኣብ ስነጥበብ ንላዕሊ፡ ዓቕሙን ተፈላጥነቱን ኣብ ምዕባይ ንዝነበሮ ጻዕርን ሓርኰትኮትን፡ "ንዝሓዛ ስራሕ ንምዕዋት ፈጺሙ ኣይድቅስን እዩ። ፍርያቱ ንምልላይ ከም ኣብርሃም ንፉዕ ፕሮሞተር ኣይነበረን፡" ብምባል ኣድናቘቱ ይገልጾ።
ምንጪ ስእሊ,TES
ኣብ 2000 ንብዙሓት ደርፍታቱ ኣመሓዪሹ "ሓደራ" እትብል ብምዝርጋሕ፡ ኣብ 2006 ድማ "ሰማይ" እትብል ኣልበም ብምዝርጋሕ እዩ ተቐልቂሉ።
እታ፡ "ናይ መብጽዓ ደሴት" ኢሉ ዝደረፈላ ኤርትራ፡ ኣብ 2006 ብዙሓት መንእሰያታ ካብታ ሃገር ይስደድ ነይሮም። ሽዑ'ውን ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት "ሰማይ" ዘርእስታ ኣልበም ሒዙ መጺኡ።
"ነፍስወከፍ ጸጋ ከይትባኽን
ዘዝበርሀት ሽምዓ ከይትቕህም
ዘዝበቈለት ቈጽሊ ከይትቕምርር
ዘዝነቐለት ክእለት ከይትዳኸም
ንላዘብዶ ኣለና ንመኻኸር?
ንሰምርዶ ኣለና ንተሓናገር?" እዋናዊ ሕቶ ኣቕሪቡ።
ድኽነት ዝፈጠር ኣተሓሳስባና ስለ ዘይሃብተመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ትግርኛ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ዝጽወት ተሓምበለ ምስ ሕመረት ሕላዩ ብምውሳብ፡ "ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንዝለል ንህይወት ክንገብራ ድምቕቲ ተሓምበለ፡" ክብል ኣድሚቑ መኽተያ ይገብረሉ።
ኣብርሃም ንዝተፈላለየ መሽጐራጕር ህይወት ፈትሹ ተስፋ ሂቡ እዩ፣ መቐረት ፈጢሩ እዩ።
ግርማይ ሓድግታት ኣብርሃም ነዞም ዘለዉ ድምጻውያን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ "ምሉእ ቤተመዘክር እዩ ገዲፉልና ከይዱ። ንዝዀነ ኤርትራዊ ናይ መን ትሰምዕ እንተ ኢልካዮ መኽፈቲ ኣፉ ኣብርሃም ኣፈወርቅን የማነ ባርያን እዩ ዝብለካ። ነዚኦም ከም መበገሲ ገይርና እንተ ንሰርሕ ሎሚ ሙዚቃና ኣብ ካልእ ምበጽሐ። ንሕና ግን ክሳዕ ሕጂ ነቲ ቤተመዘክር ማዕጾኡ ይዅን መስኰቱ ኣይከፈትናዮን፡" ይብል።
ትኩእ ወልዱ ብወገኑ፡ "ንሰማዕቲ ዘለዎ ክብሪ፡ ንማሕበረሰብ ዘለዎ ክብሪ፡ ንሞያኡ ዘለዎ ክብሪ፡ ዝገብሮ ጻዕሪ ንዓና ዓቢይ ትምህርቲ እዩ፡" ክብል ይንእዶ።
ኣብርሃም ልክዕ ከምዛ ዕለት ኣብ 40 ዓመቱ ዜና ሕልፈቱ ምስ ተነግረ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘቃልሕ ሓያል ስቕታ እዩ ሓዲጉ።
ኣብ ኤርትራን ድያስፖራን ኣስተማቐርቲ ስነጥበብ ተኣኪቦም ዓመት መጽአ በዛ መዓልቲ ንዕዮታቱ ይጽንብልዎ እዮም። ኣብ ትግራይ'ውን ፊደል ሰራዊት ዝተባህሉ ጕጅለ ዘዳልውዎ ንዝኽሩ ዝግበር ምስትምቓር ስነጥበብ ከየባተኹ ንነዊሕ ዓመታት ኣካዪዶም እዮም።
"ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ፡ እንተ ኣብ እምነት እንተ ኣብ ዕላማ
ፍልጠት ዘይትሓትት፡ ኣብ ስምዒት መግቢ ናይ ፈለማ
ቋንቋ ቦታ ዘርኢ፡ ዕድመ ዘይጽግማ
ዝኣምና ሃይማኖትሲ፡ ፍቕሪ እያ ሽማ።"












