ንመንግስቲ ኤርትራ ባህ ዘየበለ ዝመስል መግለጺ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ: ስለምንታይ?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ዘሐጐሰ ኣይመስልን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ መራሕቲ ሃገራት ኣይተሳተፈን። ኣብቲ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ'ውን ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ እዩ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል መደረ ኣስሚዑ። እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ እታ ሃገር ዝኾነ ሚኒስተር ዑስማን ዝሃቦ መግለጺ ንኣስመራ ባህ ከምዘየበለ ጸብጻባት የመልክቱ። ዳርጋ ኩሎም ማዕከናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ንመግለጺ እቲ ሚኒስተር ሸፈነ ሂቦሞ እዮም።

እቲ ብድምጺን ብጽሑፍን ዝወጸ ጸብጻባት ኩሉ ግን ንገለ ኣገደስቲ መልእኽቲ ጎስይዎ ይርከብ።

ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ብቐጥታ ዝሓለፈን ተሰኒዱ ዝርከብን መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክለዓል እቲ ሚኒስተር ጸዊዑ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዝተነብረ "ዘይፈትሓዊ" እገዳታት'ውን ብተመሳሳሊ ክለዓል ሓቲቱ።

"ኣብ ከም ኤርትራን ኩባን ዝበላ ሃገራት ዝተነብረ ኣስገዳዲ ባይናዊ ስጉምቲታትን እገዳታትን ኩሉ ብዘይውዓል ሕደር ክለዓል ንጽውዕ"።

"እንኮላይ እቲ ኣንጻር ኩባ ዝተገብረ ን60 ዓመት ዝቐጸለ ዘይፍትሓዊ ማዕቀብን ዘይሕጋዊን ሓቅነት ዘይብሉን ዝርዝር ሃገራት ሽበራ ምምዝጋብን" ክለዓል እቲ ሚኒስተር ይሓትት።

መንግስቲ ኤርትራ: ምስ ኣመሪካ ዘለዎ ዝምድና ንምምሕያሽ ምስ ሰበስልጣን ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጽምዶ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን'ዩ መግለጺ ሚኒስተር ዑስማን ተዋሂቡ።

ዑስማን ሳልሕ

ምንጪ ስእሊ,UN

ዲፕሎማሰኛ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ዘርኣስላሰ ረድኢ ሽከር ከምዝብሎ፡ "እቲ በቲ ሚኒስተር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መግለጺ ኣጸጋሚ ዝገብሮ፡ ኢሳይያስ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝምድናኡ ከመሓይሽ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን ንኣመሪካ ከቐይማ ስለዝኽእል'ዩ"።

"እዚ ኣብ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝርአ'ዩ፡ ምኽንያቱ ብኩራት ትካላዊ ኣሰራርሓ ይኹን ትካላዊ ቅኒት ስለዘየሎ፡ እቲ መራሒን ሚኒስተራቱን ኣብ ዓለማዊን ዞባዊን መድረኻት ክብልዎ ዝኽእሉን ዘይክእሉን እንታይ ምዃኑ ምንባብ የለን" ይብል እቲ ክኢላ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት።

ብሓፈሻ መግለጺ ዑስማን ሳልሕ "ምስ ኣጠማምታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዓለማዊ ጉዳያት" ዝሳነ እዩ ዝብል እቲ ተንታኒ፡ "ስርዓት ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝገጠሞ ዶባዊ ኲናት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ ዓለምለኻዊ እገዳታት ንምዕራባውያንን ሕቡራት ሃገራት ብኣሉታዊ ዓይኒ'ዩ ዝጥምተን" ይብል።

ስለዚ ድማ ብናይ "ብዱልነት" መንፈስ ነተን ተበዲላን ዝብለን ሃገራት ክጣበቕ ከምዝስማዕ ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ፍልስጤምን ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝወሰዶ መርገጺ "ተጋራጫዊ" ምዃኑ የመልክት።

"ብሓደ ወገን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ከም ኤርትራን ኩባን ዝተነብረ እገዳታት ክለዓል ይምሕጸን፡ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ንመደረኻት ሕቡራት ሃገራት ተጠቒሙ ንስቓይ ናኣሽቱን ዘይማዕበላን ሃገራት ዘናውሕ ድምጺ ክህብ ይርአ" ይብል ዘርኣስላሰ።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኩባ ተሪር መርገጺ ከምዘለዎ'ዩ ዝፍለጥ። ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ንገለ ናይቲ እገዳታት ብምልዓል ንኩባ ካብ ዝነበረቶ ተነጽሎን እገዳን ከውጽኣ ዝኽእል ውሳነታት'ኳ ወሲዱ እንተነበረ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ ግን ናብ ዝነበሮ'ዩ መሊስዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ኣመሪካውያን በጻሕቲ ናብ ኩባ ዝገሽሉ ቅጥዕታት ከምዘትረሮ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ባይደን ንኩባ ካብ መዝገብ ሽበራ ሃገራት ክትወጽእ ዘሕለፎ ውሳነ'ውን ትራምፕ ምስተመልሰ ብኡንብኡ'ዩ ናብቲ መዝገብ መሊሱዋ።

ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ብሰንኪ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝግበር ግፍዕታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ትካላቶምን እገዳ ከምዘንበሩ ይዝከር።

ትካላት ንግዲ ህግደፍ'ውን ግዳያት እገዳ ኣመሪካ ምዃነን ይፍለጥ።

ምኒስተር ዑስማን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ማሳድ ፋረስ ቡሎስ ተራኺቡ ነይሩ'ዩ።

እቲ ርክብ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት 'ንምሕዳስ ዘኽእል መንገዲ ዝጸርግ' ምዃኑ ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ምግላጹ ይዝከር።

ቅድሚ ብ29 መስከረም ዘቕረቦ መግለጺ፡ እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር ምስ ኩባዊ መዘናኡ ብሩኖ ፓሪላ ብምርኻብ ተዘራሪቡ ነይሩ። "ንመትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ንምኽባር ጥቡቕ ምውህሃድ" ክገብሩ'ውን ተሰማሚዖም ነይሮም።

መደረ ኤርትራ ንጉዳይ ፍልስጤምን እስራኤልን ከይጠቐሰ ምሕላፉ'ውን ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መበል 79 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ "ንሕቶ [ህዝቢ] ፍልስጤም ንምድራትን ካብ መሬቶም ንምግዓዝን ሓደገኛ ኲናት ተኸፊቱ'ዩ" ክብል ሚኒስተር ዑስማን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ነሓሰ 2011ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "መንግስቲ ኤርትራ ንፍታሕ-ክልተ-ሃገራት ኣይድግፎን'ዩ፡ ውሁብ ኩነት ዝብል ሓሳብ'ውን ኣይቅበሎን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት ዝተኻየደ መበል 66 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ ድማ ሃገረ ፍልስጤም ከምዝድግፍ ተዛሪቡ።

"ኤርትራ፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ፍልስጤም፡ ከምኡ'ውን ምምስራት ናጻን ልኡላዊትን ሃገረ [ፍልስጤም] ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓ ደገፍ ደጊማ ተረጋግጽ" ኢሉ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሓፈሻዊ ኣኼባ እቲ ውድብ፡ ሃገረ-ፍልስጤም ኣፍልጦ ሓያለ ሃገራት ዝረኸበሉ ብምንባሩ'ዩ ዝያዳ ዝዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝርከብአን ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃበን ንሕቶ ፍልስጤማውያን ዓቢ ድፊት ፈጢሩ ይርከብ።

ዛጊት 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብአን 150 ሃገራት ዓለም ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ።

ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኤርትራን ካሜሩን ጥራይ እየን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ ድሉዋት ዘይኮና።

ዝምድና ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ምኒስተር ዑስማን፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ይኹን ኣብ መንጎ ሃገሩን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ብንጹር ዘይምጥቃሱ'ውን ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝነበረ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኤርትራ'ውን ንኣብነት ኣብዚ ናይ ትማሊ መደረኡ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሰምዖ እንከለኹ፡ ደስ ዘየብል እዩ።

"ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ኲናት ከይጠቐሰ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትገብሮ ዘላ ታህዲድ ከይጠቐሰ ብዛዕባ'ዚ ቅሬታኡ ከይገለጸ... ፤ ምኽንያቱ ዝምድና ሃገራት ኣብዚ ዘሎ ኣህጉራዊ ስርዓት ኣብ ምፍላጥ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራት ዝተመርኰሰ እዩ . . . ነዚ ንምቅላዕ ዕድል ነይርዎ። ነዚ ከይተጠቕመ ምሕላፉ ብሓቂ ዝባኸነ ዕድል ኰይኑ ይስምዓኒ" ክብል ይነቅፍ።

ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ክራኸብ'ውን ዕድል ዝረኸበ ሚኒስተር ዑስማን፡ ብዛዕባ "ሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ" ተዘራሪቡ ምንባሩ'ውን ሓበሬታ እቲ ውድብ ይጠቅስ።

ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት ዝተዛረበ ሚኒስተር ዑስማን "ተልእኾ ደቂሰባት ኣብዚ ሓድሽ ክፍለ-ዘመን ኣይተዓወተን" ብምባል "ሕላገት ናይዚ ዘሎ ቅርጺ ምሕደራ ዓለም ዕብለላ፡ ዝምታ፡ ዓሎቚን ጭቆናን" ብምዃኑ "ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት" ክህሉ ኣለዎ ኢሉ።

"ኣብ ስልጣን ዘለዉ ስርዓታት [ኣፍሪቃ] ዝተለቅሕዎ ብብዝሒ ገንዘብ እናባኸኑ፡ ዕዳ ተጻዒኖም እንከለዉ፡ ምስሊ ገስጋስ ከርእዩ ይፍትኑ"።

እቶም ብስም ዘይጠቐሶም ስርዓታት "ብብልሽውና ዝተቛማጥዑን ንሓይልታት ወጻኢ ዘገልግሉን" ምዃኖም ብምውቃስ ድማ ሃገራቶም "በሰንኪ ምትፍናንን ዘየቋርጽ ቅልውላዋትን ዘይምርግጋእ፡ ኣጋጢሙወን ከምዘሎ ተዛሪቡ።

"ቁጽሪ ህዝበን ብቕልጡፍ ይዓብን፡ ብድሆታትን ሓደጋታትን" የንጸላልወን ከምዘሎ'ውን እቲ ኤርትራዊ ሚኒስተር የመልክት።