ወየ ወየ ወልደኣብ ዓርከይ ዓሪፍካ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ነቢዔ፣ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ፈስቲቫል ካስል ምስ ተራኺብና፣ናይ ግዜ ንእስነትና ናይ ማይ ፓውዛን ኣርባዕተ ኣስመራ ዘኪርና ብዙሕ ኣዕሊልና፣ነጻነት ብሐርነት ስለ ዘይተዛዘመ ንግዝኣተ ሕጊ ክንዝቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዋዕላ ኣቃቂ ዝካኣለና ገርና፣ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ከይተሐለለ ክሳብ ዕረፍቱ ዝተቃለሰ ሐርበኛ ኤርትራዊ።
ወየ ኣታ ወልደኣብ ዓርከይ እንታይ ተረኸበ
ፍረ ቃልስኻ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ከይረኸበ
ሕማምካ ከይሰማዕኩስ ዓሪፍካ ዝብል ኣንቢበ፣
ኣብዛ ዕለት ንቡዙሐት ዕሸላት ዝቐዘፈት ኣብ ላፐዱሳ
ወደባይ ፍሰሐጽዮን ነቒልካ ዶ ናብቲ ናይ ኩሉና ገዛ
ሐርበኛ ወልደኣብ ደላይ ፍትሒ ዓሪፍካ ዶ
መጸዋዕታ መጺኡካ ኣምላኽ ካብ ፈቐዶ
ንመተዓቢተይ ወየ ወየ ክብለሉ ብማዕዶ፣
ኣብ ዉዑይን ዙሑልን ዘይሰልከየ
ንሐርበኛ መተዓቢተይ ክብል ወየ
ብሰላም ዕረፍ ወልደኣብ ዓርከየ፣
ሐርበኛ ጸረ ምልኪ ኣንጊሁ ዝነቕሔ
ልሳን ዉጹዓት ኮይኑ ብዓውታ ዘቃለሔ
ምስ ብጾቱ ንሰላማዊ ሰልፍታት ዝመርሔ፣
ተስፋማርያም ወልደኣብ ጋሻ ይመጸካሎ
ታሪኽ እንበር ኣብ ዓለም ዝነብር መን ኣሎ
እቲ የዋህ ኣምላኽና ኣብ ዝፋኑ ይቀበሎ
ብሰላም ዕረፉ ኣብ ሃገር ኖርወይ ኦስሎ፣
ንወደቦይ ፍሰሐጽዮን ክንዲ ሐመድ ድበኻ
በዛ ግጥመይ ወየ ወየ እንዳበልኩ ክፋነወካ
ጽንዓትን ጠልን ግደፈሎም ንስድራቤትኻ፣
ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንስድራቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም ጽንዓት ይሃበና ኣሜን ኣሜን፣ካብ ተኸፋሊ ሐዘንኩም በርሀ ዑቅባዝጊካብ ሃገር ጀርመን።












