ኣፍደገ ባሕሪ / ኣፍደገ ሓዊ

ብሓጺሩ !ብኣዚዩ ዝሓጸረ ገለጻ ፡ኤርትራ ከም ኩለን ዓጽመስጋዊ ቋንቋዊ . . . ዝምድነኤን
ኣብ ግምት ከይኣተወ ብመግዛዕቲ ብካራ ተተርቲረን ቅርጸን ዝሓዛ ሃገራት`ያ ፤
ኤርትራ ከም ኩለን ብዓመጽ ብካራ ተተርቲረን ቅርጸን ዝሓዛ`ሞ ብኣህጉራውን ኣፍሪቃውን
ውዑላት ዶባተን ክረግእ ዝተገብረ ሃገራት ኣብ ርእሲ ምዃና፤ ን30 ዓመት ነቲ ብሃጽያውያንን
ጽዮናውያን ዝተገብረ ጸሬ ናጽነታ ውዲት ንምምካን ፡ በቶም መግዛዕቲ ብኻራ ተርቲሩ ኣብ
ሓደ ዘስፈሮም ህዝቢ ዝተኻየደ መሪር ቃልስን መስዋእትን ዝተጠርየ ንጂኦ ፖለትካኣ ዘጽንዕ
ናይ ሓባር መንፈስን ሃገራዊ ንቅሓትን ኣለዋ።እዚኣ`ያ ኤርትራ ! ኪኖ`ዚ ዘሎ ዓጀውጀው
ዓጀውጀው`ዩ። ትማሊ ይኹን ሎሚ ።
ገዛእቲ ሃገራት ቀጥታዊ መግዛእቲ ኣኽቲሙ ፡ ቁርጽራጽ ሃገራት ገዲፈን ክኸዳ እንኮለዋ ፡ ኣፍደገ
ባሕሪ ዝረከባ ኣለዋ ዝተቆለፋ ኣለዋ ፤ ሩባ ዝረኸባ ነዳዲ ዝሰኣና፤ ቡን ዘይብለን ወርቂ ዝሓፍሳ
. . . ንዓዳሊ ርገም`ዩ ነገሩ !
ዓደልቲ ሓንሳእ ካብ ሕጊ ጸወታ ወጺኦም ፡ ንባሕሪ ዝተዓደለት ሃገር መንዚዖም ንባሕሪ
ዘይተዓደለት ሃገር ኣረክቦማ (ኤርትርያ ንኢትዮጵያ)፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ደም ምፍሳስ
ወዮ ጉዳይ ኣብ ንቡር ተመልሰ ።
እቲ ን30 ዓመት ዝፈሰሰ ደም ብዝሰዓበ 30 ዓመት ተተኪኡ ግዲ ኾይኑ ! ወይ ውን እቶም
ናይ ትማሊ ካብ ሕጊ ወጽኦም ዝተጻወቱ ፡ ምስ`ዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለምና ፋሉልነት ኩሉ ነገር
ይከኣል`ዩ ብምባል ዝሓሰብዎ ነገር ኣሎ ግዲ ኾይኑ ጸለለል ይብሃል ኣሎ ?!
ኢትዮጵያውያን ጸለለል ምባል ደው ኣቢልኩም ዘየጣዕስ ንረብሓ ክልትኡ ህዝቢ ዘርብሕ
መንገዲ ክትሕዙ ፤ ናይ ሃጽየታት ጽውጽዋይ ዛንታ ንዮ`ልኩም ፡ ንኣመስራእታ ሃገራት ኣፍሪቃ
ብደንቢ ተረድእኩም ፡ ባሕሪ ኤርትራ ይኹን ጂፑቲ ባሕሪ ሶማል ይኹን ሱዳን በብኣቅጣጭኡ
ክትጥቀሙ ዘለኩም ዕድል ብናይ ሓባር ጠቅምን እንካን ሃባን ክረጋገጽ ዘጸግም ኣይኮነን።
ደሓር ከኣ ነቲ ብድኽነት ዝሳቀ ዝነበረን ዘሎን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ብሰኣን ባሕሪ ዝጠሚ ዘሎ
ጌርካ ከተረድኦ ምፍታን ገበን`ዩ ፡ ኣብ ካልእ ከይከድና እታ ቅድሚ 30 ዓመት ብሕድሕድ
ውግእ ዝተሃስየት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ርዋንዳ ርኡይ ኤኮነምያዊ ምዕባሌ እናረኣየት ናብራ
ህዝባ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ተማሓይሽ ኣላ ። እቲ ሕቶ ሕቶ ባሕሪ ኣይኮነን ሕቶ ናይ ፍትሓዊ
ኣማሓድራ ሕቶ`ዩ።ርእስኻ እናሰሓየካ እግርኻ ኣይሕከኽን`ዩ ።
ካብ ስሰዔን ፡ ጽውጽዋይን ፡ ድንቁርናን ፍንትት ኢልካ ንፍትሒ ተቀኒትካ ኣርሒቅካ ብምርኣይ፡
ክሳብ ንኣፍሪቃ ከም ሓደ ኣካል ገርካ ንህዝቢ ኣፍሪቃ ተጠቃሚ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታቱ ዝገብር
እማመ ምውናን ኣገዳሲ`ዩ። ነቲ ቀደም ከም ኣቃሓ እናተሸጠ ፡ ደሓር ከኣ ተፈጥሮኣዊ ሃብቱ
እናተዘርፈ ኣብ ድኽነትን ሕማምን ድንቁርናን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኣፍሪቃ ካብ`ዚ ሕማቅ ሃለዋቱ
ዘላቅቁ ካብ መሽጎራጉር ጸቢብ ጠቅምን ኣተሓሳስባን ናይ ዝረሓቁ መራሕቲ ምህላው ጉዳይ
ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣፍሪቃ ረቢ`ኹንኪ !
AAHafiz