ገና ኣብ ዕድመ ኵትትና ካብ ዓዱ ተሰዲዱ ክነሱ፡ ኣብ ዘሰክፍ ጐደና ንእስነት ዘይኰነስ ኣብቲ ዘዕብዮን ዝጠቕሞን ጐደና ከተኵርን ነቲ ዝሃቦ ሕብረተሰብ ሞሳ ክመልስን ብምምራጽ፡ ናብ ጐደና ዓወት ዘቀላቕሎ መሳልል ክፈጥረሉ እዩ ተጋዲሉ።
"ብዙሕ ኣብ ዓቢይ ደረጃ በጺሐ እኳ እንተ ዘይበልኩ፡ ኣብ ህይወተይ ዝጠቐመኒ ግን ብዝተኻእለኒ መጠን ምኽንያታዊ ኰይነ ክኸይድ እየ ዝፍትን፡" ይብል።
ምንጪ ስእሊ,Wedeb
ኣይሓመቐን፣ ንብድሆታት ስደት ናብ ዕድላት ብምቕያር ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲታት ተማሂሩ።
"ናይ ትምህርቲ ወረቓቕተይ ምሳይ ብዘይምንባሩ ናብ ዓስራይ ክፍሊ ንድሕሪት ተመሊሰ ክምሃር ተገዲደ። ብዘይካ'ዚ ጀርመንኛ ክምሃርን ናብ ዩኒቨርስቲ ዘእትወኒ ነጥቢ ንምርካብን ንነዊሕ ዓመታት ናይ ትምህርቲ ቃልሲ ገይረ። ድሕር'ዚ ብዓውዲ ታሪኽ፡ ፖለቲካን፡ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ተማሂረ፡" ብምባል እቲ ጕዕዞ ቀሊል ከም ዘይነበረ የብርህ።
ከምዚ እናበለ ድማ ንሓደስቲ ስደተኛታት እናተርጐመን እናተሓጋገዘን ዝጀመሮ፡ ድሒሩ ሞያዊ ፍልጠት ስለ ዝወሰኸሉ፡ 12 ዓመታት ኣብ ዙርያ ስደተኛታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቶም ከምኡ ብዝተፈላለየ መስርሕ ህይወት ሓሊፎም ኣብታ ዕቝባ ዝሃበቶ ሃገረ ጀርመን ናይ ምንባር መሰል ዝረኸቡ ስደተኛታትን ወጻእተኛታት መሰሎም ንኸይንፈጉ ድምጺ ንምዃንን ውሳነታቶም ንምቕላስን ኣብቲ ነፍሲወከፍ 5 ዓመት ዝካየድ መረጻ ባይቶ ስደተኛታት ጀርመን 'ተስፋ ንመሰል' ብምባል ተወዳዲሩ።
ቤትምኽሪ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ጀርመን እንታይ እዩ?
ብዘለዋ ደሞክራሲ እትልለ ጀርመን፡ ህዝባ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ዝመርሕዎን ዘማሓድርዎን ብሓርነት ንምምራጽ ዘኸእሎ ኣብ ሰለስተአን ባይቶታት ጀርመን፡ ባይቶ ክፍለ ሃገርን ባይቶ ከተማታትን ኣሎ።
ልክዕ ከምኡ ድማ ባይቶ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ሓደ ኣካል ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ባይቶ ኰይኑ፡ ነዚ ማሕበረሰብ'ዚ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ጀርመን ክጽንበርን ድምጺ ክህልዎን ተባሂሉ ዝተዳለወ እንኮ ተሳትፎኦም ዘርጋግጽሉ መድረኽ እዩ።
"እዚ ኣብ ህይወት ስደተኛታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ፡ ጀርመናውያን ነቲ ተራ ናይ ስደተኛ ህይወት ስለ ዘይሓልፍዎ፡ ዘይጥምትዎ ኵርናዓት ህይወት ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ባይቶ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ግን ድምጹ ንኽስማዕን ተሳትፎኡ ንምርግጋጽን ዓቢይ ባይታ እዩ ዘርሕወሉ። ብሓፈሻ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ወጻእተኛታት ንኸይጓነዩ ተራኡ ዝጻወት ኣካል እዩ፡" ክብል የብርህ።
ብመሰረት እቲ ቈንስል፡ ኵሎም ልዕሊ 16 ዝዕድመኦም ክመርጹ ይኸእሉ። እታ ወደብ ዝነብረላ ከተማ ከለን ድማ ልዕሊ 300,000 ዓለምለኻዊ ድሕረባይታ ዘለዎም ነበርቲ ዝሓቘፈት ዓባይ ከተማ ምስ ምዃና፡ ንኣገዳስነት እቲ መረጻ ዕዙዝ ይገብሮ።
ጸገማት ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን እንታይ ይመስል?
ኣብ ጀርመን ዘሎ ሕግታት ይዅን መሳርዓት ንዜጋታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ምስ ምዃኑ፡ ነቲ ብደገ ዝመጽአ ስደተኛን ወጻእተኛን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኰነን።
እቶም ደቀባት ኣገልግሎት ኣብ ዝሓትሉ እዋን ህጹጽን ስሉጥን ኣግልግሎት ክረኽቡ እንከለዉ፡ እቶም ወጻእተኛታት ግን ኣሹንኳይዶ ስሉጥ ኣገልግሎት ክረኽቡ ሕቶኦም ክስማዕ'ውን ነዊሕን ኣሰልካይን ግዜ ዝወስድ ብምዃኑ፡ ንወደብ ናብ ባይቶ ክወዳደርን ኣካልቲ መፍትሒ ክኸውንን ዝደረኾ እዩ ነይሩ።
"ንዓይ ኣብዚ ውድድር ክኣቱ ዝቐሰበኒ እዚ እዩ። ምኽንያቱ፡ ጀርመን እቲ ካብ ዜጋታታ እትረኽቦ ዘበለ ካባና እውን ክትረኽቦ ትኽእል እያ - ንሰርሕ፡ ቀረጽ ንኸፍልን እጃምና ነብርክትን ክሳብ ዝሃለና። ስለምታይ ከምቶም ጀርመናውያን ስሉጥን ተመሳሳልን ኣገልግሎት ይንፈገና ካብ ዝብል እየ ኣትየዮ፡" ብምባል ሕልሙ ኵሉም ወጻእተኛታትን ስደተኛታት ማዕረ ናይ ተጠቃምነት ዕድል ንኽረኽቡ እዩ።
ኣብ ጀርመን ዝተሰደዱ ኤርትራውያንከ?
ብዙሓት ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ዘማርርሉ ጉዳይ፡ ዕቝባ ኣብ ዝሓትሉ ግዜ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዝሕተትዎ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከም ምጥርናፍ ስድራቤት ዝኣመሰለ መስርሕ ኢምግረይሽን ኣዝዩ ነዊሕ ዝወስድ ካብ ምዃኑ ዝተላዓለ፡ ብዙሕ መረረታት ይስማዕ እዩ።
ይዅን'ምበር ፖለቲካዊ ዕቝባ እናሓተቱ ክነሶም፡ መብዛሕትኦም ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተመሪሮም ዝወጽኡ ምስ ምዃኖምን ናብ ኤምባሲ እንድሕር ከይዶም ናይ ጣዕሳ ሰነድ ክመልኡ ዘገድድ ብምዃኑን ኣዝዩ ዓቢይ ጸገም ከም ዝፈጥረሎም ይዛረቡ።
ወደብ'ውን ከም ስደተኛ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ከይዱ ዝረኽቦ ኣገልግሎትን ሓደ ጀርመናዊ ዝረኽቦን በበይኑ ብምዃኑ፡ ወረቐትካ ንኽትረክብ፡ ረኺብካ'ውን ንኸተሐድስ፡ ብሓፈሻ መሰልካ ንኽትሓትት ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ የረደእ።
በቲ ጸገም ኵሎም ዜጋታት ናይ ዝተፈላልያ ሃገራት፡ ብተመሳሳሊ ከም ዝሽገሩ ብምጥቃስ ድማ ፍትሓዊ ኣይኰነን ይብል።
"እዚ ርታዓዊ ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ተወላዲ እታ ሃገር ምዃኑ ካብ ኤምባሲ ጥራይ ኣይኰነን ከረጋግጽ ዝኸእል፣ ዝተፈላልየ መንገድታት ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ወረቐት ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝድንጒ፡ ጽልዋኡ ኣብ ህይወት ስደተኛታት ስድራቤት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡" ክብል የብርህ።
"ከም ኤርትራውያን ናይ ኤርትራዊ ጸገማት ጥራይ ስለ እንሰምዕ እምበር፡ ካብቲ ንኤርትራዊ ዝወስደሉ ግዜ ንላዕሊ ግዜ ዝወስዳን ንህዝበን ዝብዝብዛን ኤምባሲታት ኣለዋ፣ ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ መሰልና ክነሱ ንምንታይ ኣገልግሎት ንሕረም ኣለና ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ካብ ኤምባሲ ጥራይ ከተረጋግጽከ ግቡእ ድዩ ዝብል ግን ኣብ መላእ ጀርመን ኣካታዒ እዩ ዘሎ።
"ምኽንያቱ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግን ዝያዳ ጽልዋ ናይቶም የማናውያን ፖለቲካውያን ውድባት ምስ ምህላዉ፡ ዝያዳ እናተሓላለኸ ከም ዝኸደ ብምርዳእ ብኻልእ መንገዲ ንምትክኡ ይሰርሑ ኣለዉ፡" ክብል ገሊጹ።
ኣብዚ መረጻ መነመን ተወዳዲሮም?
እዚ ፖለቲካዊ መረጻ ብምዃኑ ብቐንዱ እተን ንፖለቲካ ጀርመን ዝቕልሳ ከም ብዓል ሶሻል ደሞክራት፡ ጸጋማውያንን ካልኦትን ብመንገዲ ወከልተን ክሳተፋ እንከለዋ፡ ገለ ብደረጃ ማሕበራት፡ ውሑዳት ድማ ከም ወደብ ብውልቖም ተወዳዲሮም።
"ጉዳይ ስደተኛታት ከም መሳርሒ ጐስጓስ ፖለቲካውያን ውድባት ክኸውን የብሉን ዝብል እምነት'ዩ ዘለኒ። ስለዚ፡ መሰል'ውን ስለ ዝዀነ፡ ብውልቀይ ንወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ወኪለ ክወዳደር መሪጸ፡" ብምባል ሕብረ-ብሄራዊ ክበሃል ዝኽእል መረጻ ምንባሩ የብርህ።
ወደብ ስደተኛ ኰይኑ ምምጽኡ ንኽወዳደር ድርኺት ከም ዝገበረሉ ይጠቅስ።
"ስደተኛ ኰይነ ምምጽአይ ከምኡ'ውን ኣብዚ 16 ዓመታት ኣብ ጀርመን ዘለኒ ትዕዝብትን ተመኵሮን፡ ብዙሕ ክዕረ ዘለዎ ነገራት ኣሎ ኢለ ስለ ዝሓስብ እየ ኣብቲ ንምልዋጡ ዓቢይ ባይታ ክኸውን ዝኸእል መረጻ ክሳተፍ መዲበ።
"ብዓቢዩ ድማ የማናውያን ሰልፍታት ኣብ ኤውሮጳ የስፋሕፍሓ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ከምዚ ናትና ዓይነት ተሳትፎ ነቲ ማሕበረሰብ ኣፍረይቲ ምዃናን ንጀርመን ይዅን ኣብተን እንርከበለን ካልኦት ሃገራት እነበርክት ምዃንናን ምልክት ብምሃብ ኢና ሚዛናዊ ክንገብሮ እንኽእል፡" ይብል።
መረጻን ውጽኢቱን
"ኣብቲ መረጻ ልዕሊ ትጽቢተይ ድምጺ እየ ረኺበ። እዚ ድማ ዋላ'ኳ እንተ ዘይተመረጽኩ - ከም ዓወት እየ ዝቘጽሮ፡" ብምባል ኣብቲ ሰንበት ብኣካልን ብማንዛን ዝተኻየደ ምርጫ ብመንገዲ ወኪላ ዝተወዳደረት ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ሰልፊታት እታ ሃገር ከም ዝተዓወተት ሓቢሩ።
ወደብ ነዚ ከም ተመኵሮ ብምውሳድ፡ እቶም ነቲ ጸገም ዝሓለፍናዮ እንተ ዘይተቓሊስና ክኽቕየር ኣይከእልን እዩ ብምባል፡ እቶም ምድማጽ እንኸእል ብድምጺ፡ እቶም ኣብ ከምኡ መድረኻት ንምስታፍ ዓቕሚ ዘሎና ድማ ነቲ ደሞክራስያዊ ባይታ ክንጥቀመሉ ይላቦ።
ወደብ ብፍላይ ድማ ነቲ ምስ ምንዋሕ መስርሕ ኢምግረይሽን ተተሓሒዙ ዝለዓል ዘይዕጉብነት ህይወት ጀርመን፡ ምምራር መፍትሒ ክኸውን ከም ዘይከእል ብምጥቃስ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ኣብቲ ነቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዓቢይ ተራ ክጻወት ዝኽእል መድረኻት ምስታፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ጀርመን ይዅን ኣብ ኵሉ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኻት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ክሳተፉ ብምትብባዕ፡ ነበርቲ ጀርመን ነቲ ኣብ 16 ኣውራጃታት ጀርመን ዝካየድ ናይ መረጻ ዕድል ክጥቀምሉን ናይ ደሞክራሲ ህይወት ክነብሩዎን ተላብዩ።













