ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ህሉው ኵነታት ህግደፍ፡ ወሰንቲ ኣካላቱን መራሕቱን ኣበይ ኣበሉ?
ገዛኢ ውድብ ህግደፍ ንልዕሊ 30 ዓመት ጉባኤ ከም ዘየካየደ ይፍለጥ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዳግም-ምውዳብ ንምግባርን ተካእቲ መራሕቲ ንምፍጣርን ጉባኤ ክገብር ይዳሎ ከም ዘሎ ይግለጽ'ኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ወረ ዝሓልፍ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ክንፊ መንእሰያት (YPFDJ) ጥራይ'ዩ ሓውሲ ስሩዕ ጉባኤታት ብምክያድ ሓደስቲ መራሕቲ ክመርጽ ዝርአ።
እቶም ብመሰረት ኣብ ጉባኤ ናቕፋ 1994 ዝጸደቐ ቅዋም ዝቘሙ ክልተ ወሰንቲ ኣካላቱ (ፈጻሚ ኣካልን ማእከላይ ሽማግለን) ኣብዚ እዋን'ዚ ሃለዋት ኣለዎም ክበሃል ኣይከኣልን። ካብቶም ኣባላት መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ዝነበሩ 75 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ፡ እቲ ግንባር ኣስታት 20 ኣብ ማእሰርቲ ዝተሰወሩ፡ 16 ብህይወት ዘየለዉ፡ 6 ኣብ ስደት፡ ልዕሊ 5 ድማ ደስኪሎም ከም ዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም 15 ኣባላት ፈጻሚ ኣካል'ውን ብተመሳሳሊ ግዳይ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ምድስካልን ዝዀኑ እዮም።
እቶም በቲ ጸሓፊ እቲ ግንባር ዝነበረ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ ዝምርሑ ሓሙሽተ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት የማነ ገብርኣብ፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ሓጐስ ገብረሂወት፡ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ዓብደላ ጃብርን ሓላፊ ስነዳን ምርምርን ዘምህረት ዮሃንስን እዮም ነይሮም።
ኣቶ ኣልኣሚን ኣብ ሕዳር 2021 ድሕሪ ምዕራፉ ዛጊት ንቦታኡ ዝትክእ ሓላፊ ኣይተመደበን። ኣብ መወዳእታ 2022 ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕ ንቦታ ናይቲ ምስ ፈተነ ዕልዋ 2013 ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ተሰዊሩ ዝርከብ ዓብደላ ጃብር ብምትካእ ይቕጽል ኣሎ።
ክሳዕ 2002 ኣብ ዝነበረ እዋን "ብተዛማዲ" እቶም ከም ወከልቲ ፈጻሚ ኣካል ኰይኖም ንቤትጽሕፈት ህግደፍ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት፡ "ይጥቀም ኣይጥቀም" ጸብጻባትን ገምጋማትን የቕርቡ ምንባሮም ክሳዕ 1994 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ እቲ ውድብ ዝነበረ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ዓብደላ ኣደም የመልክት።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዞባታት ዘሎ ጨናፍር ህግደፍ ዝመርሑ ካድረታት ኣብ ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎም'ዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ ግን ዓብደላ፡ "እቲ ቀንዲ ኣካል እንተ ዘየሎ ጨናፍር ከመይ ኢሉ ይህሉ፣ ጉንዲ ዘይብሉ ገረብ ጨንፈር ክህልዎ ኣይክእልን'ዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ሞይቱ'ዩ፡" ብምባል'ዩ መሰረት ዘይብሉ ህላወ ምዃኑ ዝምጕት። "ካብ መን ይወስዱ መምርሒ፡ መን ብዝሃቦም ማንዴት [መዝነት] ይንቀሳቐሱ?"
"ኣብዚ እዋን'ዚ ክንዛረብ እንተዄንና ግን፡ ብመሰረቱ እቲ ውድብ የሎን፣ ብዘይካ እቲ ህግደፍ ዝብል ስም ብተግባር የሎን። ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰልፊ ኣሎ ንኽትብሎ እኮ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ ክልተ ወርሒ ፈጻሚ ሽማግለ ትእከብ'ሞ መግለጺ ተውጽእ።
"ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ድዩ ገለ ድማ እቲ ባይቶ ይእከብ'ሞ፡ ጸብጻብ ይቐርበሉ - ይካታዕ፡ መግለጺ ከኣ የውጽእ። ጸቡቕ ይዅን ኣይዅን፡ ፍተዎ ኣይትፍተዎ ግን ህግደፍ ወይ ፓርቲ ዝበሃል ከም ዘሎ ትፈልጥ ማለት'ዩ።"
"ኣብ ዘለናዮ እዋን፡ መን'ዮም እቶም 75 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እንድሕር ኢልካኒ፡ ምናልባት 15 ክጠቅስ እኽእል። ነዊሕ ዓመታት ኰይኑ፡ ጠፊኦም ተሪሲዖም እዮም።"

ብዛዕባ ህዝባዊ ግንባር ዓሚቚ ኣፍልጦ ዘለዎ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን ጸሓፊን ዳን ኮነል ብወገኑ፡ ንዓመታት ኣካላቱ ዝለመሰ፡ ካብ ውሽጢ ዝፈረሰ፡ ስሙ ጥራይ ሒዙዝተረፈ ውድብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ተሓታቲ ናይዚ ኢሳይያስ ምዃኑ ይምጕት።
"ቆፎ ናይቲ ዝነበረ ጥራይ ኮይኑ'ዩ ተሪፉ ዘሎ። ኢሳይያስ ስለዝተቖጻጸሮ ንስሙ ክበቅዕ ፈጺሙ ኣይክኣለን።
"ቀንዲ ኣካላቱ ንዓመታት ኣይሰርሐን፡ ጎባኤ ከካይድ ነይርዎ፡ ኣይገበረን፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት መራሕቲ ደጊሙ ኣይመረጸን። ብዘይካ ዊንታ ናይቲ ፕረዚደንት ዝቖመሉ ነገር የብሉን፡ ስለዚ ንስሙ ክበቅዕ ኣክኣለን"።
ነቶም ብማእሰርቲ፡ ብሞት፡ ብምድስካል ከምኡ'ውን ዕድመ ዝደፍኡ ዘለዉ መራሕቲ ናይ ምትካእ ውጥን ዘይምህላዉ'ውን እቲ ውድብ ከም ዘብቀዐ ይገልጽ።
ኣብ ፈለማ 2014 ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ብሓቂ ድኽመታት ኣለዉ፣ ጸገማት ኣለዉ፣ ብዙሓት ሽግራት'ውን ኣለዉ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብዚ ሃገር ብዘይ ናይ ህዝባዊ ግንባር ፖለቲካ፡ ካልእ ፖለቲካ ኣሎ ዝብል ሰብ ኣሎ እንድሕር ኰይኑ፡ ካልእ ዓለም ክደሊ ይኽእል'ዩ። ከምኡ ክኸውን እንድሕር ኰይኑ ከኣ እቲ ግንባር ተመኵሮኡ ክግምግም ክኽእል ኣለዎ። ብናይ ቀደም ዝና፡ ብናይ ቀደም ኣሰራርሓ፡ ብናይ ቀደም ዓይነት ኣከያይዳ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ።
"ዝዀነ ናይ ቍጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት፡ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝካየዱ ንጥፈታት ናይቲ ግንባር ምሕያል እንተ ዘይሃልዩ፡ ዝዀነ ስራሕ ክስራሕ ኣይከኣልን። ናይቲ ግንባር ኣሰራርሓ፡ ኣወዳድባን ኣበርክቶን ከይሓየለ ዝሕሰብ ካልእ ነገር የሎን፡" ይብል እቲ ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ብህይወት ዘለዉ ካልኦት መራሕቱን ኣባላቱን ጥራይ ዝምልስዎ'ዩ ክኸውን።
ካብ ኣስመራ ናብ ናቕፋ፡ ጕዕዞ ምንቍልቋል
ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1991 ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ንሰራዊት ኢትዮጵያ ስዒሮም ንኤርትራ ሓራ ድሕሪ ምግባሮም፡ እቲ ውድብ ከም "ግዝያዊ መንግስቲ" ነታ ገና ልኡላውነታ ዘይኣወጀት ሓዳስ ሃገር ከመሓድራ ጀሚሩ።
ኣብተን ዝቐጸላ ሰለስተ ዓመታት እቲ ውድብ "ኣንፈት ኣጥፊኡ" ከምኡ'ውን "መሪሕነት መሽሚሹ" ዝብል ዘረባታት ካብ ከባቢ መራሒ ሃገርን ውድብን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተሰምዐ ብዙሓት መራሕቲ ይምስክሩ።
ብሓደ ወገን እቲ ውድብ ሃገርን ህዝብን ናይ ምምሕዳር ከቢድ ሓላፍነት ምስካሙን ምድስካል እቲ ሕመረት ውሳነታት ምንባሩ ዝግለጽ ሰልፊን ጠንቂ ናይቲ ምጥፋእ ኣንፈት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ'ዩ።
ኣብ ሚያዝያ 1993 ኣብ ዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ "እወ ንናጽነት" ኢሉ ልኡላውነት ንምእዋጅ ኣብ ምሽብሻብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብ20 ግንቦት ተጋደልቲ ናይቲ ውድብ ኣድማ ብምውዳብ ኣብ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቦም ኣገደስቲ ትካላት ብምዕጻው ንውሳነታት ኢሳይያስ ብምቅዋም ጠለባቶም ክቕበል ምግዳዶም መርኣያ ኵነታት እቲ ውድብ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ንፈለማ እዋን ቅሉዕን ሃንደበታውን ተቓውሞ ዘጋጠሞ ኢሳይያስ፡ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ክርዳእ ከም ዝጀመረ'ዮም ሓያለ ላዕለዎት መራሕቲ ነበር ዝምጕቱ።
ልኡላውነት ኤርትራ ብ24 ግንቦት 1993 ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ዝነበራ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኢሳይያስን ደገፍቱን ስልጣኖም ንምሕያል ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም።
ኣምባሳደር ዓብደላ ከም ዝብሎ፡ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ክካየድ ከም ዘለዎ ዝደፍእ ሃንደበታዊ ውሳነ ተወሲዱ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ "ኢሳይያስ ነቲ ሰልፊ ካብ ፍሪጅ ኣውጽእዎ፡" ይብል።
ቀንዲ ዕላማ ነቶም ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዝነበሮም ገዳይም መራሕቲ ብምእላይ ንዕኡ ብዝምእዘዙ ሓደስቲ ንምትካእ'ዩ ነይሩ ይብል እቲ ኣባል ሰልፊን ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባርን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊን ውድብን ዝነበረ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ኣብቲ 'ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ፡ ዛንታ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን' ዝብል መጽሓፉ ከም ዘስፈሮ፡ "እቲ ጥማዕ ስነሓሳብ ማኦ ዘለዎ ማርክሳዊ-ለኒናዊ ትንተና" ዝኽተል ዝነበረ ሰልፊ፡ ንነዊሕ ዓመታት ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1993 ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ባሊነኪ ዝተባህለ ቦታ "ሓፈሻዊ ምስጢራዊ ኣኼባ" ከም ዘካየደ ይጠቅስ።
በዚ መሰረት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ለካቲት 1994 ናብታ ከም ትእምርቲ ዓወት ዝወስዳ ከተማ ናቕፋ ብምምላስ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ጉባኤኡ ኣካይዱ።
እቲ ውድብ ከም ሰፊሕ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ መጠን ሓርነትን ናጽነትን ኣረጋጊጹ "ተልእኾኡ ፈጺሙ" ስለ ዝተባህለ መጻኢኡ እንታይ'ዩ ክኸውን? ብዙሕነት ሰልፍታት ኣብ ዘፍቅድ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዘለዎ ድዩ ክቕጽል ወይ ናብ ሰልፊ ክቕየር? ንዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት ጉባኤ ናቕፋ ንጹር ፍታሕ ከይገበረ'ዩ ሓሊፉ።
እንተዀነ፡ ኣብቲ ጉባኤ ከም ናይ መጻኢት ኤርትራ ፎኖተ-ካርታ ዘገልግል ሃገራዊ ቻርተር ብምጽዳቕ፡ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዝምስረት ምብሳሩን ድሮ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ይጅመር ስለ ዝነበረን ፖለቲካዊ መጻኢ እታ ሃገር ንሱ ከብርሆ ምዃኑ ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ ነይሩ።
''ኣብ ኤርትራ ግዝኣት ሕጊ (Rule of Law) ዘስፍን፡ ንሓድነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝድርኽ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፡ ከምኡ'ውን መሰረታዊ ናይ ፖለቲካዊ ምውዳብን ርእይቶ ምግላጽን መሰላት ዘኽበር፡ ደሞክራስያውን ብዙሓውን ኣሳታፍን (Pluralist & Participatory) ምዃን ምርግጋጽ።" ይብል እቲ ዘይተፈጸመ መብጽዓ እቲ ቻርተር።
ብዘይካ'ዚ፡ "ቍጠባ ኤርትራ ብመንግስታውን ግላውን ክፋላት ዝቘመ ሕውስዋስ ቍጠባ፡ ናይ ትእዛዝ ቍጠባ (Command Economy) ዘይኰነ ከኣ ናይ ዕዳጋ ቍጠባ ክኸውን ኣለዎ፡" ይብል። በዚ መሰረት'ውን 'ማክሮ-ፖሊሲ' ቍጠባ ነዲፉ ነይሩ'ዩ።
ዶባዊ ኲናት ኤርትራን-ኢትዮጵያን (1998-2000) ብስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ብመሪሕነት ኢሳይያስ ዘይተሓጐሱ ኣባላት ካቢነን ሃገራዊ ባይቶን ዝነበሩ ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ ስሩዕ ኣኼባታት ፈጻሚ ኣካልን ባይቶን እቲ ውድብ፡ ከምኡ'ውን ሃገራዊ ባይቶ ክካየድ ክጽውዑ ጀሚሮም።
እቶም ኣብ መወዳእታ ናብ 15 ጥራይ ዝጸረዩ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ህግደፍ ኣብ ክረምቲ 2000 ዘካየድዎ ኣኼባታት ዝተናውሐ ጉባኤ ክካየድ'ውን ጠሊቦም'ዮም፤ ኣቦመንበር ህግደፍ ዝዀነ ኢሳይያስ ግን ኣይተቐበሎን።
እቲ ብ18 መስከረም 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ 11 ካብ ኣባላት ጕጅለ-15፡ ንዝነበረ ተስፋ ዘቕሃመ ስጕምቲ እቲ ውድብ እናኣንቈልቈለን እናፈረሰን ይኸይድ ምንባሩ መርኣያ እዩ ነይሩ።
ፖለቲካዊ ጥዕና ገዛኢ ሰልፊ ምስ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ጥዕና ሃገርን ሕብረተሰብን ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎ ስለ ዝዀነ ድማ ኤርትራ ግዳይ ውሽጣዊ ቅልውላው ካብ ምዃን ከም ዘይደሓነት'ዮም ዳን ኮነልን ዓብደላን ዘረድኡ።
ዳን ኮነል ከም ዝብሎ፡ ድሕሪ ጉባኤ ናቕፋ ዝተረፉ መራሕቲ ህግደፍ፡ "ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ደሞክራሲን ፍትሕን፡" ከም ዝመረጹ ዝገልጹ እኳ እንተዀኑ፡ ብዘይተሓታትነትን ምሉእ ተሳተፍነት ዝረጋገጽ ኣይኰነን። ኣባላት እቲ ግንባር ዝዀኑ ሰብመዚ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስፋን፡ ዜጋታት ናጻ ትምህርትን ሕክምናን ዝበሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብማዕረ ንምብጻሕ ከም ዝሰርሑ'ዮም ዝምጕቱ።

ካብ ገደም ናብ ባሊነኪ፡ ዛንታ ናይቲ ምስጢራዊ ሰልፊ
ፖለቲካዊ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ብዘይ እቲ ሓቚፍዎ ዝተጓዕዘ ብዙሓት ተጋደልቲ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ምስጢራዊ ሰልፊ ብወድዓውነት ክንገር ኣይክእልን'ዩ።
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይዅን እቲ ዝወረሶ ህግደፍ፡ ንታሪኽ እቲ "ምስጢራዊ ሰልፊ" ኣብ ወግዓዊ ሰነዳቱ ኣይጠቕሶን'ዩ ወይ ብዕሊ ኣይዛረበሉን'ዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ 2012 ዝተሓትመ 'ታሪኽ ኤርትራ፣ ካብ ጥንቲ ክሳብ ናጽነት' ዝብል መጽሓፍ ህግደፍ ንታሪኽ እቲ ማንታ ውድብ ጐስይዎ ይርከብ።
ሓያለ ላዕለዎት መራሕቲ፡ ካድረታትን ኣባላትን እቲ ሰልፊ ዝነበሩ ውልቀሰባት ግን ብዛዕባ'ቲ ሰልፊን ተመኵሮታቶምን ኣብ መጻሕፍትን ቃለመሕትታትን ሰፊሕ መግለጺታትን ሓበሬታን ሂቦም ኣለዉ።
ሃይለ ወልደንስአ (ድሩዕ) ምስ ዳን ኮነል ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ብቚሊ ናይቲ ሰልፊ ንሱ፡ ኢሳይያስን ኣብ 1973 ብህዝባዊ ግንባር ዝተቐትለ ሙሴ ተስፋሚካኤልን ኣብ ከባቢ 1966 ብምስጢር ዝጀመርዎ ምዃኑ'ዩ ዝእምት። ማሕሙድ ሸሪፎ ግን ንመግለጺ ድሩዕ ከም ዘቅበሎ ኣብቲ ዳን ኮነል ዘውጽኦ መጽሓፍ ተጠቒሱ'ሎ።
ሓደ ካብ መስረትቲ ኣባላት እቲ ሰልፊ ዝዀነ ነፍሲሄር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ብወገኑ ፈለማ ከም "ሰውራዊ ዋህዮ ('ኣልቡእራ ኣሰውሪያ') ኣብ ደቡብ ደንካልያ ኣብ ዝርከብ ስዱሓ-ኤላ (ሰለስተ ዒላታት) ዝተባህለ ቦታ ዝተፈጥረ ድቂ ምዃኑ'ዩ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ዘሎ።
ንኣፈጣጥርኡ ዝምልከት ዘሎ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ብዘየገድስ፡ እቲ ሰልፊ ብ4 ሚያዝያ 1971 ኣብ ገደም ዝተባህለ ቦታ ብወግዒ ከም ዝተወለደ ይፍለጥ።
ባዱሪ ኣብቲ "ኤርትራ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ" ዝብል መጽሓፉ፡ ናብቲ ፈላሚ ኣኼባ "ብለይቲ ተጸዋዊዕና [ኬድና]፡" ይብል።
"ቀዳማይ ናይ ኣኼባ ግዜ ብ04 ሚያዝያ 1971 ናይ ንግሆ ተኸፊቱ። ናይ መኽፈቲ ቃል ኣቡበከር [መሓመድ ሓሰን] ኣስመዓና። ቀንዲ ኣብቲ ኣኼባ ክንዝትየለንን ከነጽድቐንን ዝተዳለዋ ዛዕባታት ሓደ ብሓደ ጠቐሰልና። ኵሉ ተሳታፋይ ብዘይ ወሰኽን ምትዕርራይን ተሰማምዓሉ።"
ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ መስረትቲ ኣባላት፡ ኣቡበከር መሓመድ ሓሰን፡ መሓመድ ዓሊ ዑመሩ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ መስፍን ሓጐስ፡ ኢብራሂም ዓሊ ዓፋ፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ መዓሾ እምባየ፡ ኣሕመድ መሓመድ ሂላል፡ ኣሕመድ ሳልሕ ኣልቀይሲን ኣሕመድ ጣህር ባዱሪን ምንባሮም'ውን ኣብ መጽሓፉ ይጠቅስ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ኣኼባ መራሕቲ ናይቲ ካብ ብዙሓት ተጋደልቲ ዝተሓብአ ሰልፊ ብምምራጽ'ዩ ተዛዚሙ። እቲ 'ፈራንስ ፋኖን' ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ኣቡበከር መሓመድ ሓሰን፡ ኢሳይያስን ሮሞዳንን መሪሕነት ናይቲ 'ሰውራዊ' ሰልፊ ተረኪቦም። ብፍላይ ኢሳይያስን ሮሞዳንን ብሓባር ኣብ ዴሳዊት ቻይና ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ዝረኸቡ ብምዃኖም ናይ ሓባር ድሕረባይታ ነይርዎም'ዩ።
ኣብ 1976 ፈላሚ ጉባኤ ብምክያድ ድማ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ብምስጢር ክቈጻጸሮን ክመርሖን ጀሚሩ።
ኣብቲ ምራራ (ሰሜናዊ ባሕሪ) ዝተኻየደ ኣገዳሲ ጉባኤ ሰልፊ፡ 9 ዝኣባላቱ ማእከላይ ሽማግለ መሪጹ። ካብኦም ድማ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዋና ጸሓፊ፡ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ድማ ምክትሉ ኰይኖም ተመሪጾም። እቲ ሓደ ካብ ቀዳሞት ሃንደስቲ ሰልፊ ዝዀነ ኣቡበከር ግን ኣቐዲሙ ተሰዊኡ'ዩ።
ኣብቲ ኣብ 1986 ዝተኻየደ ሕቡእ ጉባኤ፡ ስም ናይቲ ሰልፊ ካብ 'ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ' ናብ 'ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኤርትራ' ተቐዪሩ። ቍጽሪ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ከኣ ከም ቀደሙ ብ9 ቀጺሉ፣ ኵሎም ድማ ኣባላት 'ፖሊት ቢሮ' ግንባር ኰይኖም ቀጺሎም። እቲ ለውጢ፡ ነቲ ዝዳኸም ዝነበረ ብሕብረት ሶቭየት ነበር ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ደንበ ዘንጸባርቕ ምንባሩ'ዮም ብዙሓት ዝገልጹ።
ምክትል ዋና ጸሓፊ ሰልፊ ተሰሪዙ፡ ወሳኒ ስልጣን እቲ ሰልፊን ውድብን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣትዩ።
እቲ ሕቡእ ሰልፊ ኣብ ምስጣም መሪሕነቱን ሓድነት እቲ ውድብን ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ'ኳ ዝግለጽ እንተዀነ፡ ብኣንጻሩ ንብዙሓት ተጋደልቲ ግዳይ ዝገበረን ኢሳይያስን ቀንዲ ደገፍቱን ከም ጸጥታዊ መሓውር ዝጥቀምሉ ዝነበሩን'ዩ ተባሂሉ'ዩ ዝንቀፍ።
ዳን ኮነል ከም ዝብሎ፡ ኣባላት ሰልፊ "ኣብነታውያን" ክዀኑ ይምልመሉ'ኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ኣባላት ዘይነበሩ'ውን ተመሳሳሊ፡ "ጅግንነት ይፍጽሙ ነይሮም'ዮም፡ ብዓይነይ ኣብ ውግእ ባጽዕ [1977] ዝተዓዘብክዎ'ዩ።"
ኣባል እታ ምስጢራዊ ሰልፊን ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊትን ዝነበረ ኣምባሳደር ዓብደላ ብወገኑ፡ ዝበዝሑ ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣት ኣባላት ሰልፊ ዘይነበሩ ምዃኖም የመልክት።
ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ሓርነታ ድሕሪ ምጕንጻፋ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝመስረተ ህዝባዊ ግንባር ሕቶታት፡ ምጥርጣራትን ምፍሕፋሓትን ምስ ተፈጥረ፡ ጉዳይ ሰልፊ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክግበረሉ ነይሩዎ።
መብዛሕትኦም ተጋዳልቲ እቲ ኣዝዮም ዝኣምኑዎ ውድቦም ከምዚ ዝበለ ዓቢ ምስጢር ኣብ ከርሱ ሓቚፉ ምንባሩ ድሕሪ ናጽነት'ውን ደንጕዩ እዩ ተጋሂድሎም- ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ህ.ግ ብወግዒ ሃለዋቱን ሕልፈቱን ኣብ ሓደ እዋን ምስ ተነግረ።

ካብ በይሩት ናብ ግህትብ፡ ፈላሚ ጕዕዞ ምቛም ህዝባዊ ግንባር
ድሕሪ'ቲ ኣብ 1969 ዘጋጠመ ምፍንጫል ተ.ሓ.ኤ፡ ሰለስተ ብኸባቢን ሃይማኖትን ዝተፈላለያ ቀንዲ ጕጅለታት ተመስሪተን። ሎሚ ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር መሓመድ ዓሊ ዑመሩ፡ ኣብ 2023 ዝዓረፈ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ከምኡ'ውን መሓመድ ዑመር ዓብደላ (ኣቡ ጥያራ) ነተን ምትእኽኻባት ዝመርሑ ዝነበሩ'ዮም።
ዋላ'ኳ ኣብ ከም ብዓል ቻይና ዝበላ ዴሳውያንን ማሕበርነታውያንን ሃገራት ብምኻድ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስልጠና ዝወሰዱ ኣባላት ዝነበርወን ጕጅለታት እንተ ነበራ፡ ኣብ ፈለማ ቀልጢፈን ካብ ሃይማኖታውን ከባቢያውን ኣተሓሳስባታት ክወጻ ኣይከኣላን።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ንገለ ዓመታት ዝምድናታተን ምጥርጣራት፡ ምስሕሓባትን ምትፍናናትን ዝገዝኦ'ዩ ነይሩ። ቀንዲ መራሕተን ዝወሰድዎ ተበግሶታትን ዘካየድዎ ፈተነታት'ውን ከምቲ ዝድለን ቀልጢፉን ናብ ፍረ ኣይበጽሐን።
እቲ ኣብ ጎቦታት ገደም፡ ጐላጕል ዓድ-ሹማን ሩባታት ተኽሊን ዘይተፈትሐ ተሪር ቍጻር ግን ኣብ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ጸባብ ክሽነ'ዩ ተዘርዚሩ።
በቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተኸስተ ምግምማዕን ሕንፍሽፍሽን ዝተሻቐለ ገዲም ዲፕሎማስያዊ መራሒ ቃልሲ ኤርትራ ሳልሕ ሳበ ንመራሕቲ ናይቶም ዝተፈናጨሉ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ከቀራርብ ተበግሶታት ክወስድ ጀሚሩ ነበረ።
ኣብ ፈለማ 1972፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ መስፍን ሓጐስ፡ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ዝርከብዎም መራሕቲ ፍንጫላት፡ ሳበ ብዝገበረሎም ዕድመ ናብ ሃገረ ሊባኖስ ኣተዉ።
እዞም ንሓድሕዶም ዝተፈላለየ ኣስማት ጸለመ ተጠቂሞም ክካሰሱን ክጠራጠሩን ዝጸንሑ መንእሰያት ተቓለስቲ፡ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ንዝነበሮም ጽልኢ ከህድኡ ዕድል ረኺቦም።
ውዑይ መረቕን ምቁር ሻሂን ናይታ ኣብ ርእሰከተማ በይሩት ዝተዋህበቶም ክሽነ ፍቕሮም ፉሕፉሕ ከም ዘበለቶ፡ መስፍን ሓጐስ ኣብታ 'An African Revolution Reclaimed: A Memoir of Eritrean Freedom Fighter Mesfin Hagos' እትብል መጽሓፉ ኣስፊሩ'ሎ።
"መሳርሕቲ ሳበ፡ ኣብ ሓደ ምሉእ ኣቝሑት ዝነበሮ ናይ ክራይ ኣፓርታማ ከነዕርፍ ኣዳልዮምልና ጸኒሖም። ኣነን ኢሳይያስን ብኣጋጣሚ ኣብቲ ሮሞዳንን ዓሊ ሰይድን ዝነበርዎ ህንጻ ኣቲና፡ መግብና ኣብ ሓደ ክሸነ ሰሪሕና ብሓባር ንበልዕ። ነቲ [ኣብ ሜዳ] ዝተደራበናዮ ክስታት ረሲዕና፡ ከም ሰባት ብሓንሳብ ግዜ ከነሕልፍ ጀሚርና፡" ይብል መስፍን።
"ኣብኡ ኣብ በይሩት ፖለቲካዊ ሓድነት ክንፈጥር ከም ዘለና ተሰማሚዕና። ብዘይ ዝዀነ ጻዕሪ ክልተና ብናይ ዕርቂ መንፈስ ተታሒዝና 'ኣብ ኵርባ ዘሎ ንፋስ ይሰዶ! ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይሰዶ!" ክብል ነቲ ታሪኽ ይትርኽ። እዚ ፍጻመ'ዚ ኣብ ወግዓዊ ሰነዳት ታሪኽ ህግደፍ'ውን ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብ ጥቅምቲ 1972፡ እቶም መራሕቲ ናብ ሜዳ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሶም፡ ኣብ ግህትብ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝርከብ ቦታ ንፈለማ እዋን ናይ ሓባር መሪሕነት (ኣመሓዳሪት ሽማግለ) መሪጾም። ኣብ መወዳእታ ናይ 1973 ድማ ነቲ 'ዑበል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሳልሳይ ፍንጫል ጀብሃ ዘጠቓለለ ምሉእ ስምረት ብምግባር፡ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ ተባሂሎም ክጽውዑ ጀሚሮም።

ካብ ፋሕ ናብ እሮታ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ጉባኤታትን ውጽኢቱን
ደሕሪ'ቲ ኣብ ሰሜናዊ ሳሕል ምስ ተ.ሓ.ኤ ዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድ እናሐየለን እናሰጠመን ዝኸደ 'ህዝባዊ ሓይልታት' ኣብ መወዳእታ ኣብ ጥሪ 1977 መስራቲ ጉባኤ ኣካየደ።
ኣብቲ ኣብ ፋሕ (ሳሕል)፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ ገረብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ስሙ ብወግዒ ናብ 'ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ' (ህግሓኤ) ቀይርዎ።
እቲ ፈላሚ ጉባኤ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ብምምራጽን፡ ቅዋም ውድብን ሃገራዊ መርሓን ብምጽዳቕን'ዩ ተዛዚሙ። ኣብቲ ጉባኤ 43 (37 ቀወምቲን 6 ቅያርን) ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ፡ ካብኦም ድማ 13 ኣባላት ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት (ፖሊት ቢሮ) ተመሪጾም። ካብ ውሽጢ እቲ ፖሊት ቢሮ ድማ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ዋና-ጸሓፊ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ምክትሉ ክዀኑ ተሓርዮም።
ሮሞዳን፡ ኢሳይያስ፡ ኢብራሂም ዓፋ፡ ዓሊ ሰይድ፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ መስፍን ሓጐስ፡ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ዕቝበ ኣብርሃ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር፡ መሓመድ ስዒድ ባረህ፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣባላት ፖሊትቢሮ ኰይኖም ዝተመርጹ'ዮም።
ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ፡ ህዝባዊ ግንባር ጸጋማዊ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ዝኽተል ምዃኑ ዘነጽር ማርክሳዊ ቅኒት ዘለዎ 'ሃገራዊ ደሞክራስያዊ መርሓ' ጸዲቑ።
እቲ "ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ሃገር" ናይ ምምስራት ዕላማ ዝሓዘለ ፕሮግራም፡ "ጸረ-መስፍናውነትን ጸረ-ኢምፐሪያሊዝምን" ዝዀኑ ወከልቲ ህዝቢ ዘቝምዎ "ህዝባዊ [ሃገራዊ] ባይቶ" ከም ዝምስርት'ዩ ዝጠቅስ። ናጽነታት ሃይማኖት፡ እምነትን፡ ምግላጽ ሓሳብ፡ ፕረስ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድን ምእካብን ከም ዝሕሎ'ውን ይመባጻዕ።
ንቝጠባ ብዝምልከት፡ "ኣብ ነብስኻ ምኽኣል ዝተመርኰሰ ናጻን ምእኩልን ሃገራዊ ቍጠባ ምህናጽ" ዝብል መትከል ዝኽተል፡ "መሬት ካብ ኢምፐሪያሊስት፡ ጽዮናውያንን ኤርትራውያን ኮራዅርን ብምምንዛዕ ንኣገልግሎት ሓፋሽ ከም ዝውዕል" ከም ዝገብርን ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት፡ ባንኪታት፡ ኩባንያታት፡ ትካላት መድሕን፡ ወደባት፡ ኣገልግሎታት ህዝባዊ መጓዓዝያን ክህገር ምዃኑ ኣዊጁ።
እቲ ጽኑዕ ወተሃደራዊን ፖለቲካውን ዲስፕሊን ዝኽተል ሰልፊን ውድብ፡ ኣብተን ቀዳሞት 10 ዓመታቱ ክሳዕ ሎሚ በሰላ ዝገደፈ ውሽጣዊ ቍርቍስ ኣሕሊፉ'ዩ - ብፍላይ እቲ ብምርሻን ናይቶም ብምንቅስቓስ 'መንካዕ' ዝፍለጡ ፍሉጣት ከምኡ'ውን ድሕሪኦም ዝተቐትሉ 'የሚን' ተባሂሎም ዝፍለጡ መራሕቲ።
ኣብ 1987 "ሓድነታዊ" ተባሂሉ ዝፍለጥ 'ሳግም' (ሰውራዊ ባይቶ ማእከላይ መሪሕነት) ተባሂሎም ዝፍለጡ ካልእ ፍንጫል ጀብሃ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተጸንበርሉ ካልኣይ ጉባኤ ተኻይዱ።
ኣብቲ ካብ ጸጋም ናብ የማን 180 ዲግሪ ኣንፈቱ ብምቕያር ናብ ውጹእ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ዝተሰጋገረሉ ጉባኤ ዝጸደቐ ቀንዲ ለውጥታት፡ ብዙሕነት ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ኣብ ቍጠባ ብሕታዊ ትካላት ክህለዋ፡ ናይ ወጻኢ ርእሰማል ወፍሪ ምፍቃድ ዝብሉ ይርከብዎም። እዚ ድማ ንምድኻም ናይቲ ብሕብረት ሶቭየት ዝምራሕ ዝነበረ ማሕበርነታዊ ደምበ ዘንጸባርቕ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ክልቲኡ ጉባኤታት ዓይነቱ ብዘየገድስ ድሕሪ ናጽነት ሃገራዊ ባይቶ ከም ዝህሉ'ዩ ተወሲኑ። "ብደሞክራስያዊ መንገዲ ካብ ዝተመርሐ ናጻ ናይ ህዝቢ ወኪል ምርጫ ህዝባዊ ባይቶ ምቛም፡ እዚ ህዝባዊ ባይቶ'ዚ ቅዋም ይሕንጽጽ፡ ሕጊታት ይሕግግ፡ ኣብ እተፈላለየ ሜዳታት ሜላታት ይሕንጽጽ፡ ሓድሽ ውዕላት የጽድቕ፡ ህዝባዊ ህዝባዊ ፈጻምን ፍርዳውን ኣካላት ይመርጽ፡" ብምባል ድማ ልዕልና-ሕጊ ከም ዝህሉ ተመባጺዑ።
"ናይ ርእይቶ፡ ናይ ጋዜጣን ጽሑፍን፡ ናይ ኣኼባ፡ ናይ እምነትን ናይ ሰላማዊ ሰልፍን ደሞክራስያዊ መሰላትን ምሕላዉ፣ ሃገራውያን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት" ምፍቃድ ዝብል'ውን ሰፊሩ ይርከብ።
እቲ ንቕርጺ ኣካላት ናይቲ ውድብ ዝቐየረ ጉባኤ ስልጣን ዋና ጸሓፊ ዘሐየለ ምንባሩ'ውን ይግለጽ'ዩ። እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ቦታ ምክትል ዋና ጸሓፊ ከም ዘልግስ ተወሲኑ። በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብቲ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ኰይኑ ዝተመርጸ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይምክትል ቀጺሉ።
ቍጽሪ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ናብ 71 ክውስኽ እንከሎ፡ ካብኡ ዝምረጹ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ካብ 13 ናብ 9 ወረዶም። መስፍን ሓጐስ፡ ብርሃነ ገብረእዝግኣብሄርን መሓመድ ስዒድ ባረህን ግዳያት ናይቲ ለውጢ ኰይኖም፡ ኢብራሂም ዓፋ ግን ቅድሚ'ቲ ጉባኤ ኣብ 1986 ተሰዊኡ ነይሩ።
ዳን ኮነል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ጉባኤ ኢሳይያስ ውልቃዊ ስልጣኑ ንምድልዳል ቀዳማይ ፖለቲካዊ "ዕልዋ" ዝፈጸመሉ'ዩ።













