ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣፍሪቃ ንፈለማ ኣብ እተአንግዶ ሻምፒዮን ደረጃኦም ይዕቅቡ ዶ?

ኣብቲ ሰንበት ኣብ ስታድዮም ቢከይ አሬና ዝጅመር ናይ ደቀንስትዮ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ከኣ፡ እታ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ፈላመይቲ ብጫ ማልያ ክትለብስ ዝኸኣለት ሞሪሽያዊት ኪም ለ ኮርት፡ ኣብ ኣህጉራ ደሚቓ ክትወጽእ ትጽቢት ኣሎ።

ንሳ ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት "ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ሞሪሽየስ ለቢሰ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም ክሳተፍ'የ ኢለ ሓሊመዮ'ውን ኣይፈልጥን'የ" ኢላ።

ኣስዒባ "እቲ ውድድር ካባይ ይዓቢ፡ እዚ ሓንቲ ንእሽተይ ሃገር [ርዋንዳ] ኣብቲ ዓቢ ውድድር ታሪኽ ትጽሕፈሉ'ዩ።"

ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 28 መስከረም ዝካየድ ውድድር ኣብ ክልቲኡ ጾታ በብክሊ ዕድመ ብሓፈሻ 13 ውድድራት'ዩ ክህሉ።

ርዋንዳ ኣብ 2021 ነዚ ውድድር ከተአንግድ ምስ ተሓረየት፡ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ውድድር ክሳተፋ ክፉት ዕድመ'ዩ ቀሪብለን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ክልቲኡ ጾታ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣስታት 150 ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኮንቲነንታል፡ ፕሮኮንቲነንታልን ዎርልድ ቱር ጋንታታን ይጻወቱ ኣለዉ።

ኤርትራ ከኣ ብነጥብን ኣብ ላዕለዎት ጋንታታት ብዘለዉዋ ተጻወትትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሪሽየስን ሞሮኮን ከኣ ብቕድም ተኸተል ይስዕባኣ።

እንተዀነ ኣብታ 'ሃገረ ኣእላፍ እምባታት' እናተብሃለት እትጽዋዕ ሃገረ ርዋንዳ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ውድድር ቦታ ንኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ዝጥዕም ከምዘይከውን ብኣጋኡ ተገሚቱ ኣሎ።

ንቢንያም ግርማይ ዘይምችእ ውድድር

ቢንያም ኣብ ኣውሮጳን ካልእን ኣብ ዘካይዶ ውድደራት ንደገፍቱ ብዓወታት ከሰራስሮም ጸኒሑ’ዩ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ቢንያም ኣብ ኣውሮጳን ካልእን ኣብ ዘካይዶ ውድደራት ንደገፍቱ ብዓወታት ከሰራስሮም ጸኒሑ'ዩ

ኣብታ 1500 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ እትርከብ ኪጋሊ እቲ ዝያዳ ንብራኸ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎ'ዩ ነታ ብቀስተ ደበና ዝወቐበት ማልያ ክውንና።

ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ 267.5 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ውድድር ብድምር 5500 ሜትሮ ብራኽ ክሓዅሩ'ዮም።

እዚ ኣብ ርዋንዳ ዝእንገድ ሻምፕዮና ዓለም ተጻወትቲ ብድምር ክሓዅርዎ ተሰሪዑሎም ዘሎ ብራኸ [5500 ሜትሮ] ሻምፕዮና ዓለም ኣብ 1921 ካብ ዝጅምር ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ'ዩ።

እቲ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ 'ንጉስ ኣፍሪቃ' ዝተሰመየን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ሓያል ዝዀነን ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ቅርጺ መሬት ንዕኡ ዝሰማማዕ ከምዘይኰነ'ዩ ዝገልጽ።

ቢንያም ግርማይ "ሃገራዊት ጋንታይ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፈ ነታ ጋንታ ሓገዘይ ከበርክት ደልያትኒ ኣላ፣ ኣነ ከኣ ነዚ ክገብር ሕጕስ'የ። ኣብቲ ውድድር እንታይ ክገብር ይኽእል ከኣ ክንርእዮ ኢና፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ "ክንደይ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ነቲ ውድድር ክውድእዎ ይኽእሉ ርግጸኛ ኣይኰንኩን ግን ከኣ ኣብ ኣህጉርካ ወይ ኣብ ሃገርካ ዓቢ ውድድር ክካየድ ምርኣይ ግን ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር'ዩ" ኢሉ።

ቢንያም፡ "እዚ ነቶም ንኣሽቱ ወለዶ ጽቡቕ ክኸውን'የ ዝኣምን፡ ብፍላይ ከኣ ንህዝቢ ርዋንዳ ምኽንያቱ ንዕቤት ብሽክለታ ዘተባብዑ ህዝቢ'ዮም።"

ኣፍሪቃውያን ኣብ ኢሊት ዓወት ክረኽቡ እንተዀይኖም ካብ ቢንያም ግርማይ'ዮም ክጽበይዎ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ብብንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ናሆም ዘርኣይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን'ያ ክትውከል ።

እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ውድድር ብምስታፍን ዓወታት ብምምጻእን ካብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ኤርትራውያን ንሓድሕዶም እናተሓጋገዙ ዋላ ሓደ'ውን ይዅን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ እንተኣትዮም ንኣፍሪቃ ዓቢ ሓበን'ዩ።

እቶም ካልኦት ምስዛ ሃገራዊት ጋንታ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ሰለስተ ተቐዳደምቲ፡ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ክብ ካብ ዝብል ካብ ዝተኻየዱ ሸውዓት ውድድራት ብድምር ነቲ ኣርባዕተ ብጫ ማልያታት ዝተዓወትሉ'ዮም።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020ን 2022ን፡ ከምኡ ከኣ ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብ 2023 ተዓወትቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ዝነበሩ'ዮም።

ኣብቲ ንደቀንስትዮ ተሰሪዑ ዘሎ 164 ኪሎሜርን 3350 ሜትሮ ምሕኳር ዘለዎን ውድድር ሞሪሽያዊት ኪም ለ ኮርት ነቲ ኣብ 2025 ኣብ ቱር ዲ ፍራንስን ካልኦት ውድድራትን ዘርኣየቶ ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው ሓንቲ ካብተን ክዕወታ ትጽቢት ዝግበረለን ሕጹያት እትስራዕ'ያ።

ኣብ 2024 ብገፊሕ ፍልልይ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክትከውን ዝኸኣለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣሽሊ ሞልማን'ውን ነቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዘመዝገበቶ ዓወት ናብ ሻምፕዮና ዓለም ክብ ከተብሎ ክትረባረብ'ያ።

እታ ንህዝቢ ዓለም 'ሙራካዛ ኔዛ' ትብል ዘላ ንእሽተይ ሃገር

ዙር ርዋንዳ ካብ 20089 ጀሚሩ ብዘይ ምብታኽ ዓመት ዝካየድ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ እንኮ ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎ ዓቢ ውድድር'ዩ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ዙር ርዋንዳ ካብ 20089 ጀሚሩ ብዘይ ምብታኽ ዓመት ዝካየድ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ እንኮ ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎ ዓቢ ውድድር'ዩ

ርዋንዳውያን ካብ ዝልለይሉ ሓደ ንጋሻ ዘለዎም ኣቀባብላ'ዩ።

ጋሻ ምዃንካ እንተፈሊጦም ብቋንቋ ኪንያርዋንዳ "ሙራካዛ ኔዛ" ይብሉኻ፤ እንቋዕ ብድሓን መጻእካ ማለት'ዩ።

ዩሲኣይ ንርዋንዳ ኣአንጋዲት ሻምፕዮና ዓለም 2025 ክትከውን ካብ ዝሓረየሉ ሓደ ምኽንያት፡ እታ ሃገር ንስፖርት ዘለዋ ፍቕሪ'ዩ።

ኣቲ ዓመታዊ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዙር ርዋንዳ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተዓዘብቲ ኣለዉዎ፤ ኣብዚ ሻምፕዮና ዓለም ከኣ ብዕጽፍታት ክዛይድ ትጽቢት ኣሎ።

ኪም ለ ኮርት "ብዛዕባ እቲ ውድድር ክሓስብ እንከለኹ ኣፈይ'ዩ ማይ ዝመልእ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዘሎ ተዓዛቢ ዘደንቅ'ዩ፡ እዚ ግን ዝተፈለየ'ዩ ክኸውን ምኽንያቱ ንዓና ኣብ ኣህጉርና'ዩ ዝካየድ ዘሎ" ትብል።

"ኣብ ውድድር ትደክምን ረሸሽ ይብልካ'ዩ፤ እቲ ተዓዛቢ ከተባብዓካ እንከሎ ግን ካልእ ሓይሊ ኢኻ ትድልብ" ትውስኽ ኪም።

እቲ ርዋንዳ ኢዳ ትሕውሰሉ'ያ ዝበሃል ኣብ መዳውብታ ሃገረ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ ብዙሓት እቲ ውድድር ኣብ ርዋንዳ ከይካድ ስክፍታኦም ጥርዓኖምን ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

ፕረዚደንት ዩሲኣይ ደቪድ ላፖርተ እቲ ዝዓበየ ውድድር ኣብ ኣፍሪቃ ክእንገድ ካብ ነዊሕ መደቡ ከምዝነበረ ብምግላጽ ኣብ ውሳነኡ ጸኒዑስ እንሆ ጸወታ ክጅመር ትሕቲ 48 ሰዓታት ጥራይ ተሪፍዎ።

ንንኣሽቱ ወለዶ ማዕጾ ዘርሑ ዕድል

ኣፍሪቃ ነዚ ውድድር እዚ ምእንጋዳ ንቕድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ፉሕታ ዝፈጥር ናይ ጽቡቕ ተስፋ መባዅዕቲ'ዩ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ንኣሽቱ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ምምልማል ዝሰርሕ 'ቲም ኣፍሪካን ራይዚን' ዝተሰመየ ተበግሶ ዝዀነ ኪምበሊ ኮትስ ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት "ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዕቝድ ንዕብየት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክሰርሑ ዝጸንሑ ዓቢ ሓበን'ዩ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "እዚ ውድድር ኣብ መላእ እዛ ኣህጉር ዝርከባ ፈደረሽናት ንነዊሕ ወጢነን ብዘይምብታኽ ምትብባዕ ክፈጥራ ዝድርኽ'ዩ ንዓና ከኣ ንሱ'ዩ ተስፋና" ኢሉ።

ንብዙሓት ንኣሽቱ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብዚ ውድድር እዚ ምስታፎም ጥራይ ዝፈጥረሎም ፍናን ዓቢ'ዩ።

እተን ንኤርትራ ተኸቲለን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሓሙሽተ ሃገራትን እተን ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ዓስራይ ዝርከባ ሃገራትን [በኒን፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ ናምብያን ኡጋንዳን] እዚ ውድድር ብዓለም ዘለወን ደረጃ ከርእየንን ኣብ ምምዕባል ስፖርት ክገብራኦ ዘለወን ዕዮ ገዛ ዘስንቐን ውድድር'ዩ ክኸውን።

ኢትጵያዊት ጽገ ካሕሳይ ኪሮስ ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ደረጃ ጁንየር ክትወዳደር'ያ።

ጓል 18 ዓመት ጽገ፡ ብዩሲኣይ ንፍሉይ ስልጠና ምስ ተመረጸነት ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቱር ዲ ላቫንየር ነተን ካብኣ ብኽልተ-ሰለስተ ዓመት ዝዓብያ ተቐዳደምቲ ክትቅድመን ተራእያ'ያ፡ በዚ ከኣ ኣብ ርዋንዳ ተጠማቲት ክትከውን ገይርዋ ኣሎ።

ኣቲ ኣብ ርዋንዳ ዝካየድ ሻምፕዮና ዓለም ነቶም ተቐዳደምቲ ንገሊኦም ብዓወት ከሰራስሮም'ዩ ንገሊኦም ከኣ ከጕህዮም'ዩ እንተዀነ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ዝእንገድ ዘሎ ውድድር ይሳተፉ ስለዘለዉ ኣብቲ ሓድሽ ታሪኽ ኣሰሮም ገዲፎም'ዮም ናብ ዓዶም ክምለሱ።

ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ

  • 2024 - ታደይ ፖጋቻ [ስሎቬንያ]
  • 2023 - ማትዮ ቫንንደርፖል [ሆላንድ]
  • 2022 - ሬምኮ ኤቨነፖል [ቤልጂም]
  • 2021 - ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ]
  • 2020 - ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ]
  • 2019 - ማድስ ፔደርሰን [ድንማርክ]
  • 2018 - ኣለሳንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ]
  • 2017 - ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
  • 2016 - ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
  • 2015 - ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]