ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ብሕጊ ረቲዑ

ጠበቓኡ እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ዝገብሮ መርትዖታት ንኽእክብ ግዜ ከምዘድልዮ፡ ከምኡ ከኣ ግዳይ ዘመናዊ ጊላነት ክኸውን ስለዝኽእል ናብ ፈረንሳ ንምምላሱ ታህዋኽ ከምዘየድሊ'ዩ ተማጒቱ።

እዚ ሓሳብ'ዚ ካልኦት ስደተኛታት'ውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ተጠቒሞም ኣብ

ኣኽበርቲ ሕጊ 'ሆም ኦፊስ' ኣብ ፈረንሳ ኰይኑ ዕቝባ ክሓትት ይኽእል ነይሩ'ዩ ክብሉ እንከለዉ፤ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ምምላሱ ምድንጓያት እንተተገይሩ እቶም ኣብዚ ሰሙን ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ተሓሲቦም ዘለዉ ስደተኛታት'ውን ተመሳሳሊ ምጕት ከምጽኡ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም።

እዚ እንተዀይኑ ከኣ ካልኦት ብጃልባ ገይሮም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽመጽኡ ዘተባብዕ ምዃኑ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ነቲ ግዳይ ዘመናዊ ጊላነት ክኸውን ይኽእል ዝብል ነጥቢ ክነጽጎ እንከሎ፡ ትማሊ ኣብ ዝጽሓፍዎ ደብዳበ ከኣ ጉዳዩ ብውክልና ክከታተሎ ከምዝኽእል ገሊጾም። እንተዀነ ጉዳዩ ኣብ ፈረንሳ ኰይኑ ይከታተሎ ዝብል ሓሳብ'ውን ኣየቐመጡን።

ነቲ ናብ ፈረንሳ እንተተመሊሱ ነዳይን ግዳም ሓደርን ክኸውን'ዩ ዝብል ጥርዓን እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝነጸገ ጁስቲስ ሸልዶን፡ እዚ ዘሎ ምጕት ግን ዋላ ንግዚኡ ይዅኹን ናብ ፈረንሳ ከይምለስ ይሕግዞ'ዩ ኢሉ።

ዓዲ እንግሊዝ ከይተርፉ ሕጋዊ ክትዕ ኣለዓዒሉ ይርከባ።

"ኣብዚ ምስ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተታሓሒዙ ዓቢ ነገር'ዩ ዝልዓል ዘሎ፣ ኣብዚ ከኣ እቲ ሆም ኦፊስ እኹል ምጽራያት ገይሩ ድዩ ኣይገበረን ምፍላይ የድሊ፡ እዚ ሰብ ካብ ፈረንሳ ናብዚ ይዅን ካብ ካልእ ናብ ፈረንሳ ብዘይ ድሌቱ ወይ ብድፍኢት ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ሰጊሩ እንተዀይኑ ዋላ ንሓጺር ግዜ ይዅን ኣብዚ ኰይኑ ክካታዕ ኣለዎ" ይብል።

ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ጠበቓ እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝመጽእ 14 መዓልታት ኵሉ መርትዖታት ሒዙ ክቐርብ ብድሕሪኡ ጉዳዩ መዓልቦ ክግበረሉ ቈጸራ ሂቡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ እቲ ቀዳማይ መስርሕ ምምላስ ናብ ፈረንሳ ብቕጽበት ክካየድ ከምዘድልዮ ኣብሪሁ።

ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ዝዀነት ከሚ ባደኖች ምስ ማዕከን ዜና ኤልቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት "ብመሰረቱ ንሃገርና ዓዲ ስደተኛታት ኢና ንገበራ ዘለና፣ ዋላ እቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ቅሩብ ሓጐስ ዝጐደሎም ሰባት ናብዛ ሃገር'ዮም ክመጽኡ" ኢላ።

ሓላፊት ጽገናዊ ሰልፊ ኒገል ፈራነግ ብወገና፡ እዚ 'ዋን ኢን ዋን ኣውት' ዝብል ፖሊሲ ቍጽሪ ስደተኛታት ዘነኪ ፖሊሲ ከምዘይኰነ'ያ ትማጐት።

እቲ ብሕጋዊ ምኽንያታት ስሙ ክግለጽ ዘይተደለየ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣውሮጳ ኢሉ ተበጊሱ ኣብ ምያዝያ 2025'ዩ ናብ ዓዲ ጣልያን ኣትዩ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ከኣ ናብ ፈረንሳ ኣትዩ ብቀይሕ መስቀል ዝርከቦም ትካላት ግብረ ሰናይ ሓገዛት ተገይሩሉ።

ኣደኡ 1400 ዶላር ከፊላትሉ ከኣ ካብ ፈረንሳ ተበጊሱ ንመትረብ ዓዲ እንግሊዝ ኣቋሪጹ ብጃልባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዘኣተወ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ሰነዳት የረድኡ።

ካብ 2021 ክሳብ 2025 ናብ ዓዲ እንገሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዘርኢ ስእሊ

ኣብዛ ገና ክትዛዘም ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተሪፍዋ ዘሎ ዓመት 2025 ጥራይ ልዕሊ 30 ሽሕ ስደተኛታት ብጃልባ ንመትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተዉ ሰነዳት ይሕብሩ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ሰነዳት ክተሓዝ ካብ ዝጅመር፡ ኣብ ትሽዓት ኣዋርሕ ክንድዚ ብዝሖም ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ እዚ ንፈለማ ኰይኑ፡ እዚ ቍጽሪ ዝበዝሐ ተባሂሉ ተሰኒዱ ኣሎ።

'ዋን ኢን ዋን ኣውት' ዝብለ መደብ ቀዳማይ ምኒስተር ኪር ስታርመርን ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮንን ኣብ ሓምለ ዝተፈራረምሉ ስምምዕ'ዩ።

ብመሰረት እቲ ውዕል ፈረንሳ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተጓዕዙ ስደተኛታት ናብ ሃገራ ክምለሱ'ያ ተሰማሚዓ።

ሓደ ሰብ ናብ ፈረንሳ እንተተመሊሱ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ሓደ ካብቶም ነቲ መትረብ ከየቋረጹ ኣብታ ሃገር ዝኣተዉ ሕቶ ዕቝባኦም ክትቅበሎ'ዩ እቲ ስምምዕ።

ክሳብ ሕጂ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ናብ ፈረንሳ ዝተመሰለ ሰብ የለን፤ እቲ ቀዳማይ ምምላስ ናብ ፈረንሳ ካብ ሰሉስ 16 መስከረም ክጅምር'ዩ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

ትማሊ ምሸት'ውን ንገለ ካብቶም ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ዝተበየነሎም ስደተኛታት ንግሆ ሰዓት ትሽዓት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሄትሮ ብኣየር ፍራንስ ናብ ፓሪስ ክኸዱ ምዃኖም ተነጊርዎም።

ይዅን እምበር፡ ድሒሩ ገለ ካብቶም ተጓዓዝቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ተወሳኺ ውክልናታት ስለዝቐረበ፡ ምብጋሶም ክናዋሕ ምዃኑ ከምዝተነግሮም ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ወሃቢ ቃል ክፍሊ ውሽታዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ናብ ቤት ፍርዲ እናኣተወ እንከሎ ካብ ጋዜጠኛታት "እዚ መደብ ተሰናኺሉ ድዩ?" ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ "ኣይፋሉን" ዝብል መልሲ ሂቡ።

ኣስዒቡ፡ "መንግስቲ ኣብ ሕጋዊ መሰረት ናይዚ ፈተነ ምሉእ ምትእምማን ኣለዎ፤ ምስ ውሽጣውን ኣህጉራውን ሕጊ ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ስጕምትታት ወሲድና ኣለና፤ ከም ዝዀነ ፖሊሲ፡ ንዝዀነ ዘጋጥም ሕጋዊ ምጽራይ መልሲ ክንህብ ድሉዋት ኢና" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዓዲ እንግሊዝ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝፈተነቶ መስርሕ ብከም ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዝኣመሰላ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተቓውሞ ስለዘጋጠሞ ክሳብ ሕጂ ተግባራዊ ክኸውን ኣይከኣለን ዘሎ።

ዓቃባውያን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝገብርዎ ዋዕላ ኣብ ልዕሊ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ዘለዎም መርገጺ ከነጽሩ'ዮም። ነቲ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ፈረንሳ ናይ ምምላስ መደብ'ውን ከቋርጽዎ ተኽእሎ ኣሎ።