ኤምባሲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ክፍትሑ ንዝጽውዕ ጥርዓን ኣይቅበልን ኢሉ

እቲ ንኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝተኻየደ መደብ፡ ሽርክነት ሃይማኖታዊ ሓርነት ንፍትሒ ብዝተባህለ ትካል ዝተመርሐ ኰይኑ፡ 21 ዊልበርፎርስ፡ 'ሰት ማይ ፒፕል ፍሪ'፡ ዓለምለኻዊ ሓርነት ክርስትና ከምኡ'ውን 'ወፍሪ እዮቤልዩ' ዝተባህሉ ጕጅለታት ተሳቲፎሞ።

እተን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝርከባ ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ክርስትና'ውን፡ ጸሎትን ሰለማዊ ሰልፍታትን ብምክያድ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ተግባራት ዓመጽ ዘኪረንኦ ውዒለን።

እዞም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ሽዱሽተ ኣብ 2004፡ ሓደ ድማ ኣብ 2005 ካብ ዝእሰሩ ንደሓር ክሳዕ ሕጂ ናብ ቤትፍርዲ ኣይቀረቡን።

ኮምሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣመሪካ (USCIRF)፡ እቶም እሱራት ኣብቲ "ኣረሜናዊ" ኢሉ ዝገለጾ ቤት ማእሰርቲ "ወንጀን መርመራ" ከም ዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ መደብ፡ ኣብ ዱባንት ሰርክል ፋውንቴን ተኣኻኺቦም ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ብእግሮም ድሕሪ ምጕዓዝ፡ ጸሎትን ዝተፈላለየ መደረታትን ኣስሚዖም።ብድሕሪኡ ኤላ ኤልዊን ካብ ዓለምለኻዊ ሓርነት ክርስትና ነቲ ብጕጅለ ተጣበቕቲ መሰል ሃይማኖትን ውልቀሰባትን ዝተፈረመ ጥርዓን ንኤምባሲ ኤርትራ ከተረክብ ኣብ ዝፈተነትሉ ከም ዘይተቐበሉዋ ዘ-ክርስትያን ፖስት ሓቢሩ።

እቲ ደብዳበ፡ ነቶም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እዚ ተግባር'ዚ ኣንጻር ቅዋም ኤርትራ 1997፡ ቻርተር ኣፍሪቃ (መሰላት ውልቀሰብን ህዝብታትን)፡ ከምኡ'ውን ኣህጉራዊ ውዕል ስቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብቲ መደብ ቃላ ዘስምዐት ዳይረክተር ህዝባዊ ርክባት 21 ዊልበርፎርስ ሉ ኣን ሳባቲየር፡ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ጥርዓን ደብዳበ ብኣካል እኳ እንተ ዘይተቐበሉዎም፡ ብኢ-መይል ክለኣኸሎም ምዃኑ ሓቢራ።

እቲ መደብ ምሉእ ብምሉእ ብዓለምለኻውያን ትካላት ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ'ቲ መደብ ድሕሪ ምንባቦም ክልተ ኤርትራውያን ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም።

ኣብ ኣመሪካ ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ዝተቐመጠ ኣቶ ኣርኣያ ደበሳይ ንዘ-ክርስትያን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ሃገር "ብዘይ ቅዋም ብሓይሊ" ይመርሓ ከም ዘሎ ጽገና ክግበር ኣብ ዝጽውዕ ደበዳበ ጕጀለ-13 ክታሙ ስለ ዘንበረ ናብ ዓዱ ክኣቱ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።

"ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ናጽነት የሎን። ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝስደዱ ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እዚ ንቕዋም ዝጻረር ጌጋ እዩ። ክኸውን ድማ የብሉን፡" ኢሉ።

ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ሃይለ ተስፋይ፡ ናብ ዓዱ እንተ ከይዱ እንታይ ሳዕቤን ከም ዝመጽኦ ስለ ዝፈልጥ፡ "ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡" ይብል።

"ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ይዅን ናይ እምነት ናጽነት የሎን። ንዅሉ መንግስቲ እዩ ዝቈጻጸሮ። ኣብ ኵለን ሃይማኖታዊ ትካላት ድማ ምትእትታዉ መንግስቲ ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣሳእል ናይቶም ሸውዓተ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ከምኡ'ውን "ንሸውዓተኦም ፍትሓዮም" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተራት ተራእዩ።

ሸውዕተ ሰባት ኣሳእል ናይቶም ኣብ ኤርትራ ንዕሊ 20 ዓመታት ዝተኣስሩ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ሒዞም ኣብ ኣብ ሓደ ልሙዕ ጐደና ይርኣዩ።

ምንጪ ስእሊ,christianpost

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ዋሽንግተን ካብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ

ዌንዲ ራይት ካብ ዓለምለካዊ ናጽነት ክርስትና ከም ዝገለጸቶ፡ ንወንጌላዊት ቤተክርስትያን ሬማ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዝመርሕን ከም ሓኪም መደንዘዚ ዝሰርሕ ዝነበረ ፓስተር ሚልዮን ገብረስላሰ፡ ኣብ ሰነ 2004 ተኣሲሩ፡ ንልዕሊ 21 ዓመታት ብዘይ ክሲ ኣብ ቀይዲ ይርከብ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መምህርን ኣቦ-መንበር ናይታ ንኣስታት 150 ኣብያተ ክርስትያን ሓቚፋ ዝነበረት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ዝነበረ ዶክተር ክፍሉ ገብረመስቀል ካብ ገዛኡ ተወሲዱ ድሕሪ ምእሳሩ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ መፍትሕ ቤተክርስትያን ወሲዶም ንብዓልቲ-ቤቱ ከም ዘፈራርሑዋ ገሊጻ።

ንሃይማኖታዊ ምስዳድ ዝከታተል ትካል 'ኦፐን ዶርስ' ብምጥቃስ፡ ዶ/ር ክፍሉ ማእሰርቲ ብዘስዓበሉ ልዑል ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን ይሳቐ ምንባሩ ኣብ 2021 ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ገሊጻ።

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ክኢላ ስነመለኮትን ሓላፊ ትምህርትታት ሰንበትን ዝነበረ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ "ቃል እግዚኣብሔር ብቛንቋኡ ብምምሃሩ፡" ኣብ ሕዳር 2004 ተኣሲሩ።

ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ "ንመንእሰያት ቃል ኣምላኽ ብምስባኽን ንዝዓሞቘ ርድኢት እምነቶም ብዝርድኡዎ ምምሃሩን፡" ኣብ 2004 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ብተመሳሳሊ ዕለትን ምኽንያትን፡ ኣብ ሆስፒታል ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ እቲ እንኮ 'ሳይካትሪስት' ዝነበረ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ተኣሲሩ።

ኣቦ-መንበር ምሉእ ወንጌል ቤተክርስትያን ዝነበረ ፓስተር ሃይለ ናይዝጊ ኣብ ግንቦት 2004 ድሕሪ ምእሳሩ፡ ክሳዕ እዚ እዋን ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ይርከብ።

ፓስተር ኪዳነ ወልዱ ብ18 መጋቢት 2005 ካብ ጐደናታት ኣስመራ ተጨውዩ ከም ዝተወስደ እዩ ዝግለጽ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ስድራቤቱ ክርኢ እኳ ዕድል ኣይረኸበን።

ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዝርከብ ተጣባቒ ጕጅለ ካታቲስሞስ ግሎባል ኣባሉ ዝዀነት ፌይዝ ማክዶነል፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2005 ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ብስም እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ተቓውሞ ከም ዘካየደት ተዛሪባ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ስድራቤት እሱራት ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝግበረሎም ተገሊጹ።

እቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝእሰሩ ዜጋታት፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ሰባት ብምምልኦም ኣብ ኮንተይነራት ከም ዝእሰሩ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘማሪት ሄለን ብርሃነ ኣብ 2019 ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተራኸበትሉ ን32 ኣዋርሕ ኣብ ኮንተይነር ከም ዝተኣስረት ገሊጻትሉ ነይራ።

ሄለን፡ እምነታ ከም ዝኸሓደትን ኣብ ዝዀነ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ከም ዘይትሳተፈን ክትፍርም ንዝቐረበላ ሕቶ ከም ዝነጸገት ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወከልቲ ጕጅለ ተጣበቕቲ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ግዱሳት ሰባትን ብ21 ነሓሰ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ - ለንደን ተረኺቦም ተመሳሳሊ ንጥፈታት ኣካዪዶም።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም እሱራት ክፍትሑን መሰል እምነት ክሕሎን ዝጽውዕ ደብዳበ ናብቲ ኤምባሲ ከም ዘረከቡ ገሊጾም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈ ዋና ኣካያዲ ስራሕ CSW ስኮት ቦወር ኣካል'ቲ መደብ ብምዃኑ ዝተሰምዖ ሓበን ብምግላጽ፡ "[ነቶም እሱራት] ኣይረሳዕናዮምን፤ ክሳዕ ካብ መቝሕ ተፈቲሖም ናብ ዘፍቅሩዎም ስድራቤቶም ዝጽንበሩ ከኣ ክንቅጽል ኢና፡" ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣመንቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ምእሳርን ምስዳድን ክሳዕ ሕጂ ይቕጽሎ ከም ዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ንዳይረክተር ማእከል ሕፍዚ ቍርኣን ጊንዳዕ ሸኽ ኣደም ሻዕባን ከም ዝተኣስረን ይግለጽ።

ካብ ጽባሕ ናጽነት - ካብ ፈለማ 1990ታት - ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ በብእዋኑ ሓያለ መሻይኽን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይፍለጥ ምኽንያታት ብብዝሒ ተኣሲሮምን ሃለዋቶም ጠፊኡን እዩ።

ኣብ ዕለታት 21 ከምኡ'ውን 22 ነሓሰ፡ ኣብ በልጁም፡ ብራዚል፡ ኢጣልያ፡ ፊንላንድ፡ ሆላንድ፡ ኒውዚላንድ፡ ናይጀርያ፡ ስዊዘርላንድን ኣመሪካን ተኸታታሊ ናይ ጸሎትን ተቓውሞን መደባት ከም ዝተዳለወን እቶም 7 ኤርትራውያን መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ክፍትሑ ጻውዒት ከም ዝቐረበን መርበብ ሓበሬታ csw ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ ዝርዝር 'ኦፐን ዶርስ ዎርልድ ዎች' ናይ 2025 ዝኸፍአ ክርስትያናዊ ምስዳድ ካብ ዝካየደለን ሃገራት ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።