መንግስቲ ኤርትራ ንመራሕቲ 'ብልጽግና' ዝሃቦ ግብረመልሲ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ዘካየደ ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሞም ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ፡ ነቶም ዝኸሰሶም "ሓይልታት" ብስም ኣይጠቐሶምን ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክግበር ዝጸንሐ ዳርባ ቃላት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘመልክት ምዃኑ ይግመት።

ክልቲአን ሃገራት ኣንጻር ሓድሕደን ዝቖሙ ተቓወምቲ ብምድጋፍ ካብቲ ኣብ 2018 ዝኣወጅኦ 'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን' ናብ ዳግማይ ምትፍናን ተመሊሰን ኣለዋ።

ብወገን መራሒ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጺታትን ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ 'ናይ ልኡላውነት ጉዳይ' ኮይኑ ምቕራቡ ናብ ሓድሽ ግጭትን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ከየምርሕ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

"ናትና ኣይንህብን፥ ዘይናትና ኣይንደልን" ንዝብል ናይ ቅድሚ ርብዒ ክፍለዘመን መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘዘኻኸረ እቲ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ብምዕባለ ጎረቤታ ከምዘይትቐንእ'ዩ ዝምጉት።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ሒዞም ከምዘለዉ ሰብመዚ ኣዲስ ኣበባ ክኸሱ ምጽንሖም ይዝከር።

ኤርትራ ግን ሰራዊታ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ናብ ልኡላዊ መሬቱ ከምዝሰሓበ ብምምጓት ነቲ ክስታት ክትነጽጎ'ያ ጸኒሓ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሃገራዊ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ኣብ ምፍርራሕን ዕድጊ ኣጽዋርን ከም እተጸመደት ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተፈጥረ ምግልባጥ ዝምድናታት፡ ህወሓት ምስ ኤርትራ ርክብ ምግባሩ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ጥርጣረ'ዩ ዝርአ።

መራሒ ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ "ንሕና ምስ ኵሎም ጐረባብትና ሰላም ኢና ንደሊ፣ ዶባትና ዶብ ሰላም ክዀኑ እዩ ባህግና። ይዅን'ምበር እቲ ርክብ ልኡላዊ መሬት ትግራይ ብዘኽብር ክኸውን ኣለዎ" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

"ናይ ትግራይ ምስ ኤርትራ ምርኻብ ንዂናት መወልዒ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን፤ 'እታ ኣብኣ ዘላ ርክብ' እናተባህለት ብዅሉ ዋላ ብዲፕሎማት ይመጸና እዩ፤ ተራኺቦም ዝጨፍጨፉና 'ጄኖሳይድ' ዝፈጸሙልና ንሳቶም፤ ንሕና ግን ሰላም ኢና ንብል ዘለና፤ እቲ ካልእ ጉዳይ ከኣ ብስርዓት ይረአ፤ ሽርሒ የብላ፡ ተንኰል የብላ"።

"ዓፋር ምስ ናይ ኤርትራ ዓፋር ምስ ናይ ጅቡቲ እንተ ተራኺቦም ኲናት ምድላይ ማለት ድዩ?" ክብል ዶ/ር ደብረጽዮን ይምጕት።

"ኤርትራ፡ ቅልጡፍን ዘላቕን ዕብየት ሃራዊ ቁጠባ ከተርኢ ውሕስነት ዝህብ ዓቢ ባህርያዊ ትዕድልቲን ጸጋታትን፡ ከምኡ'ውን ዓያዪ ህዝብን ሃብቲ ሰብን ኣለዋ" ይብል እቲ ኤርትራዊ ብዓል ስልጣን።

እንተኾነ እቲ "ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ" እታ ሃገር የንቆልቁል ምህላዉን፡ ቁጽሪ ብኽቱር ድኽነት ግዳም-ሓደር ዝኾኑ ዘለዉ ዜጋታት ይውስኽ ምህላዉን'ዩ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተኣሚኑ ነይሩ።

"ኣብ ጽርግያታት ተደርብዮም ዝሓድሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ ኣብ ነንበይኑ ጸገማት ዝነብሩ ዘለዉ በተኽን ጽጉማትን ዝበሃሉ ዓመት ዓመት ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ቃል ብቓል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ።

ዝተፈላለዩ ትሕተ-ቀርጺታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት የንቆልቁል ከምዘሎ'ውን ኣብቲ ኣ ብመወዳእታ ወርሒ ሓምለ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለመሕትት ኣነጺሩዎ'ሎ።