እታ መኪና ኮሚደረ ጽዒና ካብ መሮኮ ናብ እንግሊዝ ትኸይድ ስለ ዝነበረት፡ ነዊሕ ዝተጓዕዘ መራሒ መኪና ደኺሙ ኣብ ዝደቀሰሉ፡ እቶም ኤርትራውያን ብድሕሪት ማዕጾ ከፊቶም ከም ዝኣተዉ እየን ማዕከናት ዜና ዝገልጻ ዘለዋ።
እቶም ኣብ ውሽጢ ፍርጅ ዝተዓጽዉ ሰባት እቲ ዛሕሊ ኣዝዩ እኳ እንተ በርትዖም፡ ተዓጽዮም ስለ ዝነበሩ ግን ክገብሩዎ ዝኽእሉ ኣይነበሮምን።
ሓደ ምንጪ ንዘ-ሳን ከም ዝሓበሮ፡ "ሓደ ኣብ መዕረፊ-ቦታ ዝነበረ መራሒ መኪና፡ ብውሽጢ እቲ ፍርጅ ኰይኖም ናይ ዝሃርሙዎ ዝነበሩ ድምጺ ሰሚዑ፡" ኢሉ።
"ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ተስፋ ቈሪጾም ይውጭጩን የእውዩን ነይሮም። እቲ ድምጺ ግን ተዓቢሱ ነይሩ።"
ህጹጽ ረድኤት ዝህቡ ሓካይምን ምስ 10 ፖሊስ ብሓባር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብቲ ቦታ በጽሑ'ሞ፡ ኵሎም ኣብታ መኪና ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ሆስፒታል ተወስዱ።
ኣርባዕተ ሰባት፡ ኣብ ኣካላቶም ኣዝዩ ውሑድ ሙቐት (ሃይፖተርሚያ) ስለ ዝነበሮምን ካልእ ጥዕናዊ ኵነታቶም ተራእዩን ብቕልጡፍ ናብ ክፍልታት ህጹጽ ረድኤት ኣራስን ሴንት ኦመርን ተወሲዶም።
ድሒሩ፡ እቶም ዓበይቲ ንመርመራ ናብ ፖሊስ ክቐርቡ ከለዉ፡ እቶም ትሕቲ ዕድመ ድማ ኣብ ትሕቲ ክንክን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምኡ'ውን ንትሕቲ ዕድመ ሓገዝ ዝገብር ግብረ-ሰናይ ይርከቡ።
ሓላፊ ስታፍ ፕረፈክተር ፓስ-ደ-ካሌ ክርስቲያን ቬደላጎ፡ "እቲ ኣብ ኣካሎም ዘሎ ትሑት ደረጃ ሙቐት፡ ንሓያሎ ሰዓታት ኣብቲ ፍርጅ ከም ዝጸንሑ ዝሕብር እዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት ዝወጽአ ጸብጻብ 'ሆም ኦፊስ' ከም ዘመልክቶ፡ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ቀዳሞት ከም ዝተሰርዑ ይሕብር።
ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2025፡ ካብ'ቶም ዝኣተዉ 6,420 እቶም 1,291 (20%) ኤርትራውያን ምዃኖም የረድእ።
ኣብ ርብዒ ዓመት ኣብ ዝግበር ገምጋም፡ ኤርትራ ቅድሚት ክትስራዕ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ብዝሒ ኤርትራውያን ናብ ዓባይ ብሪጣናያ ዝኣትዉ፡ ካብቲ ኣብ ወርሓት ጥቅምቲ ክሳዕ ታሕሳስ ናይ 2024 ዝነበረ ብ13% በጺሑ። ካብ ወርሓት ሓምለ ክሳዕ መስከረም ድማ 8 % ወሲኹ።
ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2024፡ ኣፍጋናውያን ብብዝሖም ኣብ ቅድሚት ይስርዑ ነይሮም።
ኣብ 2025 ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዛጊት 13,573 ኰይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ37% ዝለዓለ እዩ።
'ሆም ኦፊስ' (ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት) ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኤርትራውያን 20%፡ ኣፍጋናውያን 13%፡ ሱዳናውያን 12%፡ ቬትናማውያን 8% ከምኡ'ውን ኢራናውያን 8% ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ።
ምንጪ ስእሊ,PA Media
ኣብ 2019 ሸሞንተ ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 39 ቬትናማውያን ኣብ ግረይት - ኤሰክስ ኣብ ውሽጢ ፍርጅ ናይ ጽዕነት መኪና መይቶም ተረኺቦም። እታ መኪና ካብ በልጁም ናብ ፐርፍሊት ኤሰክስ ትኸይድ ዝነበረት እያ።
ነዚ ስዒቡ፡ 11 ተኸሰስቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክፍረዱ እንከለዉ፡ ካልኦት 19 ድማ ኣብ ቤልጁም ተኣሲሮም።
ኣብ 2000 እውን፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ሆላንድ ናይ ጽዕነት መኪና 58 ቻይናውያን ስደተኛታት ኣብ ዶቨር ሞይቶም ተረኺቦም። እታ መኪና ካብ ቤልጁም ነቒላ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊራ ትጓዓዝ ነይራ።
እቲ መራሒ መኪና፡ ብቕትለት ሰባትን ኣብ ዝተወደበ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኢዱ ብምእታውን ን14 ዓመታት ክእሰር ክፍረድ እንከሎ፡ ኣብ ምስግጋር ናይዞም ሰባት ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ትሽዓተ ቻይናውያን ድማ ኣብ ሆላንድ ተኣሲሮም።
ብመትረብ እንግሊዝ ኣቢልካ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምስጋር፡ ዝበዝሕ ግዜ ንኣሽቱ ጀላቡ ዝጥቀሙ እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢእካ ክትጸሉቕ ምፍታን ገና ኣይተረፈን።
ኣብ 2018 ብመትረብ እንግሊዝ ብዛዕባ ዝሓልፉ ሓበሬታ ምሓዝ ካብ ዝጅመር፡ 94% በዚ መንገዲ'ዚ ሓሊፎም ዕቝባ ሓቲቶም ኣለዉ። እዚ ማለት ካብ 154,354 ሰባት 145,834 ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም።
ካብቶም ዕቝባ ዝሓተቱ 145,834፡ እቶም 59% (86,646) ብዘቕረቡዎ ሕቶ መሰረት ውሳነ ተዋሂቡዎም። እቶም 39% (56,605) ሕቶኦም ቅቡል ኰይኑ።













