ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ርክባት ትግራይን ኤርትራን እንታይ'ዩ ኢሉ?

ምስ ኤርትራ ዘሎ ጉዳይ፡ 'ኣብ ዘዳውቡና ከባብታት መሬትና ሓራ ክኸውን ንመንግስቲ ፈደራል ሓቲትና ዛጊድ ተፈጻምነት ኣይረኸበን፡" ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ እቲ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዝምልከት ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እቲ ዘዘራርብ ዘሎ ርክባ ብዝምልከት ካብ ህወሓት ዕላዊ ርእይቶ ክወሃብ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

እቲ ርክባት፡ ጽምዶ ብዝብል ብህወሓትን ብመንግስቲ ኤርትራን ከም ዝድገፉ ዝግለጹ ማሕበራዊ ኣነቓቓሕትን ሚድያታትን ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዋስንቲ ከባቢታት ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጽኡ ማሕበረሰባት ዝተሳተፍሉ ጽምብላት ይግበሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳታት ዛና፡ ከተማ ሽረ፡ ጽምብላ፡ ሸራሮ፡ ላዕላይን ታሕታይን ከምኡ እውን ማእከል ኣድያቦን ሰየምቲ ኣድያቦን ብወገን ኤርትራ ካብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምበቆ ዝርከባ ዓዲታት ዝመጽኡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ዝተሳተፉሉ ጽንብል ከም ዝነበረ ተቓሊሑ ነይሩ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብቲ መግለጺኡ፡ 'ባህጊ ውድብና ህዝቢ ትግራይ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ይዅን እምበር ምስ ጐረባብትና ክንጓነጽ ኮነ ተባሂሉ ይስራሕ ኣሎ፡" ብምባል ከሲሱ።

"'ሰላም ኢና ንደሊ' እትብል ሱቕ ኢላ ዘረባ ጥራይ ክትከውን የብላን፤ ተመዛቢሉ ዝነብር ህዝቢ ናብ ቦትኡ ክምለስ እዩ ተገይሩ፤ ዝተወሰነ ቦታታት ኣለዋ ዝተረፋ፡ ግን ተመሊሱ፤ መንግስቲ ፈደራል ክሰርሖ ዝነበረ እዩ፤ እምቢ ዝበለና።"

እዚ መንግስቲ ፈደራል ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ ዝተሓሰሞ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ 'ህዝብና እንዶ ይመለስ፡ [ሰራዊት] ኤርትራ ካብ መሬትና ኣውጽአዮም' ኢሎም ከም ዝለመኑ ተዛሪቡ።

"ከምቲ ናይ [ዕጡቓት] ኣምሓራ ኵሉ፡ ባዕሉ ዘምጽኦም እዮም፡ ባዕሉ የውጽኣዮም፤ ግን ኣብዩ ተሓሲሙ። 'ኣብ መሬቶም እዮም ዘለዉ' ዝብል ምላሽ እዩ ሂቡና። ኣብ መሬቶም ከም ዘይኰኑ ንሕና ንፈልጥ ኣለና፤ እቲ ህዝብና ባዕሉ ይፈልጥ እዩ።"

እቲ ኣቦ መንበር፡ "ውሳነ ኣልጀርስ እውን'ኮ ብዘተ እዩ ዝግበር፡" ክብል ተዛሪቡ።

"ናይ ትግራይ ምስ ኤርትራ ምርኻብ ንዂናት መወልዒ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን፤ እታ ኣብኣ ዘላ ርክብ እናተባህለት ብዅሉ ዋላ ብዲፕሎማት ይመጸና እዩ፤ ተራኺቦም ዝጨፍጨፉና 'ጄኖሳይድ' ዝፈጸሙልና ንሳቶም፤ ንሕና ግን ሰላም ኢና ንብል ዘለና፤ እቲ ካልእ ጉዳይ ከኣ ብስርዓት ይረአ፤ ሽርሒ የብላ፡ ተንኰል የብላ።

"ዓፋር ምስ ናይ ኤርትራ ዓፋር ምስ ናይ ጅቡቲ እንተ ተራኺቦም ኲናት ምድላይ ማለት ድዩ?" ክብል ዶ/ር ደብረጽዮን ይምጕት።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ተሰሊፉ ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፈ ኰይኑ፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝበዝሑ ከባቢታት ትግራይ ሰራዊቱ ከም ዘውጽአ ይዝከር።

እንተዀነ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት [ኣብ ሰሜን ምዕራብን ሰሜን ምብራቕ ትግራይን] ቦታታት ሒዙ ከም ዘሎ ይኽሰስ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝተወሰነሉ ከባብታት ወጻኢ ዝሓዞም ቦታታት ከም ዘየሎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ፓርላማ ነዚ ኣመልኪቱ ርእይቶ ዝሃበ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝተወሰነሎም ከባቢታት ብዝዘለለ፡ ካልእ ዝተቘጻጸሩዎ ግዝኣት እንተ'ሎ ዘጻሪ ኮሚቴ ከም ዘጣየሱ ገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ኣጣይሱዎ ዝተባህለ ኮሚቴ እንታይነቱ ከም ዘይፍለጥን ናብቲ ከባቢ ከይዱ ምጽራይ ከም ዘይገበረን መራሕቲ ትግራይን ህወሓትን ይገልጹ።

ጽምዶ

እንተዀነ፡ ኣብዚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወጥሪ ኣትየናሉ ዘለዋ አዋን፡ ኣባል ኮሚቲ ጉዳያት ወጻኢ ፓርላማ ዝዀነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ኤርትራ ገለ ግዝኣት ኢትዮጵያ ተቘጻጺሮም ከም ዘለዉን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙን ከሲሱ ነይሩ።

ንሱ፡ 'ኣዮኖት ከባብታት እዮም ሒዞም ዝርከቡ?' ብዝብል፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዝርዝር መብርሂ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።

"ዝሓዙዎም ከባብታት ባዕላቶም ይፈልጡዎ፡" ዝብል ሓጺር ምላሽ እዩ ሂቡ።

መንግሰቲ ፈደራል፡ ውዕል ፕሪቶርያ ከይፍጸምን ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ከይምለሱን ህወሓት መተሐጃ ከም ዝገበሮም ክኸስስ ይስማዕ።

ዶብረጽዮን ብወገኑ፡ "ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይምፍጻም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ስግኣት ህልውና ክቕጽል ይግበር ኣሎ፡" ክብል ከሲሱ'ሎ።

መሪሕነት ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ተረግሪጉ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብዕጥቂ ብዝተደገፈ ኣገባብ፡ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ኣልዩ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ስልጣን ክመጽእ ወሳኒ ተራ ከም ዝተጻወተ ይግለጽ።