ብሑቲ ተሃሪመን ዝጠሓላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ፈጢረንኦ ዘለዋ ስግኣት

እዘን መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገማግም ኤርትራ ከቢድ ብከላ ከየስዕባ ዓቢ ስግኣት ከምዘሎ ክኢላታት ይዛረቡ።ፕረዚደንት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንተንዮ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ድሮ እታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጠሓለት ጥራይ ካብ 45 ክሳብ 80 ኪሜ ዝተዘርግሐ ብከላ ኣስ ዒባ ኣላ።

"ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ካብ ሃዋኪል ዝተባህለ ደሴት 17 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዘሎ ማያት ብከላ ተራእዩ ኣሎ።"

ገለ ኣብቲ ኵነታት ተገዳስነት ዘለዎም ትካላት ኣውሮጳ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ርክብ ክምስርቱ ከምዘይክኣሉ ሓበሬታ ከምዘለዎ'ዩ ኢንጂነር ፓውሎ ዘረድእ።

ብወገን ኣስመራ ብዛዕባ'ቲ ምጥሓል ናይተን መራኽብ ይዅን ከስዕባኦ ዝኽእላ ኣከባቢያዊ ሓደጋ ብወግዒ ዝወጸ ሓበሬታ የለን።

"ዝዀነ ይዅን ካብቲ መርከብ ልሒዂ ንውሽጢ ባሕሪ ዝኣቱ ከሚካላትን ነዳዲን ነቲ ስነህይወት ናይቲ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ደሴታትን ሓደገኛ እዩ።"

"ቀጺሉ ኣብቶም ዓሳታት'ውን፡ ነቲ ነገር ብምምጋብ ክምረዙ ዝኽእልሉን፡ ካብኡ ተገፊፉ ናብ ዕዳጋ ክኸይድ እንከሎ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን'ውን ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ፡" ይብል ኢንጂነር ፓውሎ።

ወሲኹ፡ "ብሓፈሻ እቲ ብዕድግን መሸጣን ዓሳ ዝነባበር ሕብረተሰብ፡ ካብኡ ዝግፈፍ ዓሳ ኣብ መጻኢ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ከኣ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽል ተገሚቱ ነቲ ንዕዳጋ ምግፋፍ ዓሳን መሸጣን'ውን ኣብ ሓደጋ ክእትዎ ከምዝኽእል፡" እቲ ኤርትራዊ ክኢላ ባሕሪ የጠንቅቕ።

መርከብ

ምንጪ ስእሊ,Bloomberg via Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ዕጡቓት ሑቲ ንሓያሎ መራኽብ ንግዲ ከምዘጥቅዑ ይፍለጥ (ስእሊ-ፋይል)

ኣብ መጋቢት 2024 ባንዴራ ሃገረ በሊዝ ሰቒላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ሩቢማር ዝተባህለት መርከብ ካብ ሑቲ ብዝተተኮሱ ሚሳይላት ድሕሪ ምውቃዓ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምጥሓላ ይዝከር።

እዚኣ፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ሕዳር 2023 ካብ ዝጅመር ንደሓር ዝጠሓለት ፈላመይቲ መርከብ ምዃና ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣባላታ ገዲፎማ ምስ ከዱ እያ ቀስ ብቐስ ማይ ምምላእ ጀሚራ።

እታ መርከብ 21 ቶን ድኹዒ ኣሞንየም ናይትሬት ጽዒና ዝነበረት ስለዝዀነት እቲ ድኹዒ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከባብያዊ መጠኑ ዛጊት ዘይተነጸረ ብከላ ኣስዒቡ ከምዘሎ ይንገር።

ግሪንፒስ ዝተባህለ ተሓላቒ ኣከባቢ ዝዀነት ትካል ከምዝብሎ፡ እታ መርከብ ሒዛቶ ዝነበረት ከሚካል "ኣብ ማሕድሮታት ባሕሪ ዓቢ ጉድኣት" ከስዕብ ከምዝኽል ገሊጹ ነይሩ።

ክፍሊ ስነፍልጠት ባሕሪ ዩኒቨርሲቲ ዮርዳኖስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ'ውን፡ ብርክት ዝበለ ድዅዒ 'ኣሞኒዩም ናይትሬት' መጠኑ ዝሓለፈ ኣልጌ ከምዝበቁል ብምግባር ኣብ ባሕሪ ዝርከብ ኦክስጅን ጸንቂቑ ንህይወታውያን ባሕሪ ከቢድ ሓደጋ ከምዘስዕብ ይገልጽ።

ኲናት የመን ኣብ 2015 ካብ ዝውላዕ ኣትሒዛ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና ኣብ ኣብ ከባቢ ወደብ ሑደይዳ ደው ኢላ ዝነበረት 'ኤፍኤስኦ ሴፈር' ዝተባህለት መርከብ፡ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ወገናት ኣብ 2023 ዝሓዘቶ ነዳዲ ብምግዓዝ ዝፈጠረቶ ስግኣት ከምዝተኣለየ ይዝከር።

ሑቲ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናት ብምቅዋም ነተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ዒላማታት ዝገበረ መጥቃዕትታት ብምክያድ ኣብቲ መስመር ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሮም ጸኒሖም እዮም።

እቶም ንርእሰከተማ ሰንዓ ተቘጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ግን፡ ነተን ምስ እስራኤል ዝዀነ ርክብ ዘለወንን ናብ ወደባት እስራኤል ዘቕንዓን ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ዮም ዝምጕቱ።

እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት መራኽብ ንግዲን መራኽብ ኲናት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን መሻርኽተንን'ውን ክትኩሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።