ጉዒዳ እቲ ወርሓዊ ዝወሃባ መሻርፍ ስርናይ ድንጕዩ ብምምጽኡ ኣብ ቤታ ዝብላዕ ኣይነበራን።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት ኣሰካፊ'ኳ እንተዀነ፡ ዝነበራ ስርናይ ሰንኪታ ደቃ ንምዕንጋል፡ ከተጥሕን ኢላ ወጺኣ።
እንተዀነ ካብ ዝፈርሓቶ ኣይሓለፈን፣ኣጥሒና ኣብ ምምላሳ ኣብ ኣፍደገ መዓሰከር እንክትበጽሕ በዚ መጺኣ ዘይበለታ ጥይት ብሕቘኣ ኣትያ ብኣፍልባ በሲዓ ምስ ወጸት ንቕጽበት ሃለዋታ ኣጥፊኣ።
ብኣምቡላስ ናብ ማዶት ሆስፒታል ምስ ተወስደት ድማ ብመጥባሕቲ ነታ ጥይት ኣውጺኦምላ።
ይዅን እምበር እቲ መጥባሕቲ ብዘይ መደንዘዚ ከምዝተኻየደን ጭልፍላፍ ስኩጆ ተረፍ ብምህላዉን ኣብ ከቢድ ቃንዛ ከምዘላ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"እቲ ማህረምቲ ጥይት ብዝባነይ ኣትዩ ብልዕሊ ጡበይ እዩ ወጺኡ። ጡበይ በናጂሩኒ፣ ስኩጆታት'ውን ተሪፉ ኣብ ውሽጢ። እቲ መጥባሕቲ ብዘይ መደንዘዚ ዓጨጭ እናበለ ኡይ እናበልኩ እዮም ጌሮምለይ፣ ከቢድ ቃንዛ ድማ ጌሩለይ - ግን ብሂወት ምትራፈይ ናይ መን ኰይኑ፡" ትብል።
ወይዘሮ ጉዒዳ ቅድሚ 10 ዓመት'ያ ካብ ኤርትራ - ማይምነ ናብ ትግራይ ሰጊራ። ኣብ ትግራይ መዓስከር ማይዓይኒ ድማ ትነብር ነይራ።
ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ግን እታ ስድራ፡ ከም ብዙሓት ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብዚ ብተደጋጋሚ ጭውያን ቅትለትን ዝርኣየሉ፣ ንኽትነብሮ'ውን ኣዝዩ ዘይምቹእ ምዃኑ ብሰፊሑ ዝተገልጸ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዳባት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ናብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ግዒዛ።
ጉዒዳ፡ ድሕሪ'ቲ ብሰንኪ ናብራ ዓቕሊ ኣጽቢቡ ዝጠፍአ በዓል ቤታ ሓላፍነት ስድራ ኣብ ዝባና ወደቐ።
"በዓል ቤተይ ናይ ጥዐና ጸገም ምስ ገበረ ብተደጋጋሚ መጥባሕቲ ገይሩ፣ ስራሕ'ውን ኣይነበሮን፡ ሳሕቲ ናይ ጉልበት ስራሕ እንተረኸበ'ውን ክጉልጕል ክዅዕት ዘይከእል ምስ ኮነ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ናብዚኣ እየ ከይበለኒ ሃጽ ኢሉ ወጺኡ፡" ትብል።
እታ ኣደ ነቲ ዝተሃርመትሉ ኣጋጣሚ ክተዘንቱ እንከላ፡ "ምስቲ ዘሎ ኵነታት ወተሃደራት ይረኣኣዩ ነይሮም፣ ባጃጅ እውን ከይንቀሳቐሳ ተኽልኪሉ ነሩ፤ግን ቈልዑ ጠምዮምኒ 10 ኪሎ ዝዀና ከጥሕን ኢለ ወጺአ። ሻቡ ሓንቲ ጥይት ስሒታትኒ፡ ነቲ ምሳይ ዝነበረ 'ጠፋእና!' ኢለዮ ሰንቢደ ግን ክንሃድም ኣይንኸእልን ኢና። በቃ ኡይ ጥራይ ኢለ። መዓልተይ ግዲ ኰይና ድማ ወተሃደራት ደድሕሬና ይጎዩ ብምንባሮም ንዕኦም ዝበልዎ እዩ ዝመስለኒ ተኲሶም ሃሪሞምኒ፡" ብምባል ነቲ ኵነታት ተረድእ።
እታ ንደቃ ክትብል ብማእከል ሓዊ ዝሓለፈት ኣደ፡ ኣብ "እንዳ ኣርሲሲ" ኣብ ዝበሃል መቝንን ካብ ዝወስዱሉ ኣፍደገ'ቲ መዓስከር እያ ተሃሪማ።
እቲ ዝወሃባ መቝንን ስርናይ ሓደ ሓደ እዋን ክሳብ ክልተ ኣዋርሕ ስለዝድንጒ፡ እኽሊ ወዲኣ ምስ ደቃ ከምእትጠሚ ትገልጽ።

"ሓኪም ጡብኪ ተሃሪማ ስለዝዀነት፡ ኣሊና ን7 መዓልቲ ክትሽፈን ኣለዋ ኢሎም ሸፊኖምለይ፣ ንዝመጸእ ዘሎ ሰሙን ከፊቶም ክረእይዋ ቈጸራ ሂዎምኒ፡" ኢላ ዘላቶ ጥዕናዊ ኵነታት ትገልጽ።
ጉዒዳ ብሂወት ምትራፋ ንኣምላኽ እኳ እንተመስገነት፡ ነቲ ንምንቅስቓስ ዝግድብ ጸጥታዊ ኵነታት ሰጊርካ ሕክምናዊ ክትትል ምግባር ግን ካልእ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኑ እያ ዘለዋ ስግኣት ትነግር።
ብዘይካ'ዚ፡ ብኣምቡላንስ ከፊላ እንተኸደት'ውን ምምላስ "ብሓላፍነትኩም ኢኹም ትምለሱ፡" ከም ዝብልዎም ብምግላጽ፡ ኣብ ምምላሶም ብዕጡቃት ተዓጊቶም ገንዘብ ከይሕተቱ ወይ ድራር ጥይት ከይኰኑ ብምስጋእ ንሕክምናኣ ክትከታትል ከቢድ ስግኣት ከምዘለዋ ተረድእ።
እዞም ግዳይ መጭወይትን መቕተልትን ዝዀኑ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ቦታ ንስደትኛ ውሑስ ዘይምዃኑ ብተደጋጋሚ'ኳ እንተ ጠርዑ፡ ኣውያቶም ሰማዒ ከም ዝሰኣነ እዮም ብዙሓት ኣብቲ መዓስከር ዝነብሩ ንድሕነቶም ስሞም ክጥቀስ ዝሰግኡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገልጹ።
ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስደተኛ ብወገኑ፡ ኣለምዋጭ ስደተኛ ክነብረሉ ዝኸእል ኣይኰነን ብምባል፡ "ሓደ ሃገር ወይ ከባቢ ንገዛእ ርእሱ ሰላምን ጸጥታን ምስ ዝህልዎ እዩ ንስደተኛ ከዕቍብን ውሑስ ክኸውንን ዝኸእል። ኣብዚ ቦታ ግን ኣሽንዃይዶ ንዓና ንባዕሎም'ውን ኣብ ኣሸጋሪ ናይ ጸጥታ ኵነታት እዮም ዘለዉ፡" ብምባል ደም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ "ይዛሪ ኣሎ፡" ይብል።
እዚ ግን ክሳብ መዓስ?
እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስደተኛ፡ "በቃ ወዲእና ኢና፣ እዞም ኣብዚ ተሪፍና ዘለና ክንቅተል ኢና እምበር ብህይወት ዝወጽእ የብልናን ኢልና ተስፋ ቈሪጽና ኢና፡" ብምባል እቲ እንኮ ፍታሕ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ይምሕጸን።
ካልእ ስሙ ዝዓቀበ ኤርትራዊ ስደተኛ'ውን፡ "ኣብ ዳባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሕልፉዎ ዘለዉ መከራ ናይ ክፉእ ክፉእ እዩ፡" ይብል።
"ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ግፍዒታት መዓልቦ ክግበረሉ፣ ብሰላማዊ ሰልፍን ካልእ መንገድታትን ንዝምልከቶም ኣካላት ንምሕታት ተደጋጋሚ ፈተነ ተኻይዱ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ግን ዝተገብረ ነገር የሎን።ንሓደ ዕቝባ ዝሓተተ ስደተኛ ምቕታል፡ ምዝማት ዘሕዝንን ኢሰብኣውን ክነሱ፡ ዓለም ዝባና ዝሃበትና ምኽንያት እንታይ እዩ?" ይሓትት።
"ክንደይ ኣካሉ ዝጐደለ፡ ዝሰንከለን ዓቕሉ ኣጽቢቡ ናብ ፈቐዶ ሊብያ ሃጽ ዝበለን እውን ኣሎ፡" ብምባል ከም ዝተሓለሉ የረድእ።
ንስክላ ካብ ሞት ዝተረፈት ጉዒዳ ብወገና፡ "ሂወትና ኣብ ሓደጋ ኣሎ" ትብል።
ኣብቲ መዓስከር ቈልዑን ደቀስትዮን ዝርከብዎም ኣስታት 15 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ'ኳ እንተሎ፡ ብዕጡቓት ብዝፍጸም ጭውያ፡ መቕተልቲን ዝምታን፡ ህይወቶምን ንብረቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝርከብ'ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘሎ ግጭታት ኣብ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ብዙሕ ክሳራታት ክስዕብ ምጽንሑ ይሕበር።
ብፍላይ ድማ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዕጡቓት ዝግበር መጭወይትን መቕተልትን ዛጊት መግትኢ ከም ዘይተረኽቦ ስደተኛታት ይሕብሩ።
ዝምልከቶ ኣካል ውሕስነትን ሓለዋን ንስደተኛታት ክህብ ድማ ዝተፈላለዩ ጻውዒታት ክቐርብ ምጽንሑ ዝዝከር'ዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነታት ኣይሰመረን።












