ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎ ዘለዉ ነገራት እንታይ'ዩ?

እዚ ኰይኑ ግን፡ "ዘቤታዊ ጉዳያት" ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ቃለመሕትት ኣይተተንከፈን። ሎሚ ምሽት ግን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኰረ፡ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ቃለ-መሕትት ክገብር እዩ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከምኡ'ውን ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ኤርትራዊ ካብ ኣፍ እቲ ፕረዚደንት ንህጹጽን መሰረታዊ ጠለባቱን ዝኸውን ጭቡጥ ፍታሕን ተስፋን ክዕንገል ጭትም ኢሉ ይጽበ'ሎ።

ሕጂ'ውን ሕቶታት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝተፈላለየ ጸገማት ዝሳቐ ዘሎ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ለውጥታት ክርኢ ዝብህግ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ መልሲ ይረከብ ዶ ይኸውን ወላ ተጐስዮም ይሕለፉ ይኾኑ? ኤርትራውያን እንታይ እዮም ካብቲ ንልዕሊ 30 ዓመት ዝመርሖም ፕረዚደንት ዝጽበዩ?

ክቱር ድኽነት፡ ስእነት መግቢን ሽቕለት ኣልቦነትን

ኣስመራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኮይና፡ ኩነታት መነባብሮ ህዝባ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እናንቆልቆል'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ቆልዑ ኤርትራ፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ጥራይ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ምልኣተ መግቢ ከምዝረኽቡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ብሰንኪ ደርቂ፡ ብኩራት ቀንዲ ጠወርትን ኣለይትን፡ ከምኡ'ውን ናህሪ ዋጋታት ኣብ ገጠር ዝነበር ህዝቢ ብድኽነት ይሳቐ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ'ውን እንተኾነ ካብቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሕሰም መነባብሮ ናጻ ክወጽእ ኣይክኣለን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ዘይንቡር ትርኢት ንባዕሉ ንኩነታት ነበርቲ እታ ከተማ ብንጹር ዘርኢ ምዃኑ ናብታ ሃገር በጺሖም ናብ ወጻኢ ዝተመልሱ ዜጋታት ዝሕብርዎ ዘለዉ'ዩ።

ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ቆልዑ ሒዘን ዝልምና ኣዴታት ካብ ዓይኒ በጻሕቲን ነበርቲን እታ ከተማ ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስደትን ዝተረፈ ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕድላት ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ሽቕለት ኣልቦነት እናገነነ ይኸይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ጐደናታት ደቂሶም ዝሓድሩ ቆልዑ'ውን ሓደ ካብቲ ኣሰካፊ ምስልታት ህይወት ኣስመራ'ዩ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ዝበልዕዎ መግቢ ንምምእራር ኣብ ፈቐዶ ውራያት ዝቕልቀሉ ናብ ልመና ዝወደቑ ዜጋታት እታ ሃገር'ውን ይውስኹ ምህላዎም'ዩ ዝንገር።

እታ ልዕሊ 1300 ኪሜ ዝንውሓቱ ገማግምን ዘይተበርበረ ሃብቲ ዓሳን ዝሓቖፈ ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ንናይ ባዕላ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ እንተኾነ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ዘይምኽኣላ ንብዙሓት ዜጋታትን ወጻእተኛታት ተዓዘብትን ዘደንጹ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ዘቤታዊ ተጠቃምነት ሃብቲ ዓሳ ዘጋጠመ ፍሽለት ካብ ምእማን ሓሊፉ ጭቡጥ ፖሊሲታት ይኹን ተበግሶታት ክወስድ ኣይተራእየን።

"ብሓጺር ኣዘራርባ ደማሚርና እንተርኢናዮ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት ካብቲ ኣሎ ዝበሃል ጸጋ ዓሰርተ ሚእታዊት እውን ክንምዝምዝ ኣይከኣልናን" ክብል ኣብ 2013 ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2011 እውን፡ "ሎሚ ጥምየት የለን፡ ዓሚ ጥምየት ኣይነበረን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ'ውን ጥምየት የለን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ትምየት የለን" ክብል ዝኣተዎ ተስፋ ብሰንኪ ፖሊሲ መንግስቲ፡ ደርቅን ካልእ ረቛሒታትን በኒኑ ተሪፉ ክብሃል ይክኣል።

እቲ እንኮ ንቁጠባ እታ ሃገር ዝሕኑኽ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝስደድ ገንዘብ'ዩ። እዚ'ውን ብሓደ ወገን ትሑት ሸርፊን ልዑል መጠን ክፍሊትን፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ካብ ደገ ደገፍ ዝረክብ ስለዘይኮነ ንሕሰም መነባብሮ እታ ሃገር ንበይኑ ክፈትሖ ከምዘይክኣለ ርዱእ'ዩ።

ኣብ 2021 ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብመዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (HDI) 0.492 ዘለዋ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ካብ 191 ሃገራትን ግዝኣታትን መበል 176 ሰሪዑዋ ነይሩ።

ኣብ ጎደና ዝሽቕጡ ዘለው ቆልዑት

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እናተረመሰ ዝኸይድ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና

ቅልውላው ኣገልግሎት ጥዕና'ውን ኣብታ ሃገር ዋጋ የኽፍል ከምዘሎ'ዮም ጸብጻባት ዝገልጹ።

እቲ እናንቆልቆለ ክመጽእ ዝጸንሐ ኩነታት ጥዕና ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ብምብጽሑ፡ ሓካይም "ኣቑሑት የብልናን፡ መድሃኒት የብልናን፡ ቦታ የብልናን እናበሉ ገለ ህጹጽ መጥባሕቲ ከይተረፈ ንነዊሕ ግዜ ቆጸራ ከምትሕዝ ክገብሩ" ከምዝተገደዱ ገለ በጻሕቲ ይዛረቡ።

ተስፋ ዝቖረጹ ገለ ዜጋታት ብደገፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማድ ናብ ጎረባብቲ ከይዶም ክሕከሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኲናት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሐ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝግበር ዝነበረ ሓጺርን ስሉጥን በራራ ድሕሪ ምስራዙን ኤርትራውያን ኣርሒቖም ብምጋሽ ብልዑል ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዝጽዕሩ'ውን ይንገር። እዚ ግን እቶም መውጽኢ ቪዛ ዝፍቀደሎም ጥራይ ዝረኽብዎ ዕድል'ዩ።

ዕጫ ናይቶም ከምኡ ዝበለ ዕድል ዘይብሎም ግን ኣደዳ ስቓይን ሞትን ዝኾንሉ ኩነታት ንቡር ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘሎ ህዝቢ ክቱር ስእነት ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይግለጽ። ስሉጥ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ይኹን ኣምቡላንሳት ከምዘየለን፡ ናብተን ኣብ ከተማታት ዝርከባ ዓበይቲ ሆስፒታላት ምስ በጽሑ'ውን እኹላት ሓካይም ወይ መድሃኒታት ከምዘየለ ይንገሮም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንውልቃዊ ሕክምና ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ዝግበር ጓስጓስ ንውሱናት ሰባት ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ዘላቒ መፍትሒ ክኸውን ዘይሕሰብ'ዩ

ኣብ ገለ ቦታታት'ውን ከቢድ ሕጽረት መደንዘዚ የጋጥም ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብታ ሃገር ቀንዲ ጠንቂ ሞት ዝኾኑ ሕማማት፡ ወቕዒ (ልዕሊ 87 ሚእታዊት)፡ ታሕተዋይ ስርዓተ-ምስትንፋስ (86 ሚእታዊት)፡ ሕማም ልቢን ውጽኣትን ዝርከብዎም ምዃኖም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም 2021 ይጠቅስ።

ኣብ 2013 ኤርትራ ኣብ መጠን ሞት ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ዕላማታት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ተዓዊታ ምንባራ ይዝከር። እዚ ገስጋስ እዚ ሎሚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ምህላዉ ግን ብንጹር ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኣብ ወፍሪ ክታበት ተዛማዲ ለውጢ ኣምጺኣ ተባሂላ ግን ትናኣድ እያ።

ሰንፈላል ዝተረፈ ጉዳይ ህንጸት ኣባይትን መሬትን

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ይኹና ዝማዕበላ ሃገራት ሓደ ካብቶም ሰፋሕቲ ናይ ሽቕለት ዕድላት ዝፈጥሩን ቁጠባ ሃገር ዘንቀሳቕሱን ዓውዲታት ህንጻ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ግን ህንጻ ካብ ዝግደብን፡ መሰረታውያን ቀረባት ብመቚነን ምዕዳል ካብ ዝጅመርን ዳርጋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣባይቲ ከይሰርሑ ተዓንቂጾም፡ ዝኽፈተሉ መዓልቲ ክርእዩ ኣብ ዘየቋርጽ ትጽቢት ይርከቡ። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ገዛ ወይ ንመስርሒ ቤት ዝኸውን መሬት ንምርካብ ዓሰርተታት ወይ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ክሳብ ሎሚ ዝጽበዩ ከምዘለዉ ገለ ዜጋታት ይዛረቡ።

ብኡ መጠን ክፍጠር ዝኽእል ዝነበሮ ናይ ስራሕ ዕድላት ተዓጽዩ፡ መነባብሮ ብዙሓት ተሃስዩ ይርከብ።

እቲ ዝርካቡ ክካየድ ዝጸንሐ ፕሮጀክትታት ህንጻ ብሰራዊት፡ ህግደፍን መንግስትን ዝተባሕተ'ዩ።

በዘን ኣብቲ ሃገር ዝንቀሳቐሳ ናይ መንግስትን ህግደፍን ኩባንያታት ህንጻ ክስራሕ ዝተወጠነ ፕሮጀክትታት ኣባይቲ ገሊኡ ተቛሪጹ ገለ ድማ ንዓመታት ተጓቲቱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2013 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ሃገራዊ ናይ ኣባይቲ ናይ ልምዓት መደብ" ከምዝነበረን፡ ኩለን ትካላት ህንጻ መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ፡ ማእከልን ምብራቓውን "ናይ ልምዓት ዞባታት" ተጠርኒፈን ነቲ "ስትራተጂያዊ" ዝበሎ ምህናጽ ኣባይቲ ክጅምራ ምዃነንን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈተነ "ፓይለት ፕሮጀክት" እውን ከይተዓወተ ተሪፉ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ "ልምዓታዊ መደባት ሃገር" ክሳተፉ ዝጸንሑ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ሰራዊት ዝኾኑ ወተሃደራት ብደሞዝ ድዩ ኣብ ምህናጽ ኣባይቲ ክሳተፉ ወይ ናጻ ጉልበትን ክእለትን ከበርክቱ ኣይተገልጸን።

መሊኡ ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ኣዋጅ መሬት'ውን (ምስ ጸገማቱ) ነቲ ኩነታት ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩሉ ይርከብ። ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ጤሳ መሬት ምዕዳል ከይተረፈ ደው ኢሉ ከምዘሎ'ዩ ዝንገር።

በጻሕቲ ከምዝብልዎ፡ ዝተፈሓሓረ ጽርግያታት ኣስመራን ይኹን ካልኦት ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ነዋሕቲ መስመራት ጽርግያ መርኣያ እናዓነወ ዝኸይድ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር'ውን ብዙሕ ሰብ ዘማርረሉ'ዩ።

ብዓቢኡ'ውን እቲ ዳርጋ ኣብ ወረቐት ጥራይ ተሰኒዱ ተሪፉ ዝብሃል ፖሊሲ መሬት'ውን ምስ ህንጻ ኣባይቲ፡ ጤሳን ሕርሻን ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ኣብ ግብሪ ብስሩዕ ዝውዕለሉ ኩነታት ክንጸር ጠለብ ብዙሓት ኤርትራውያን እዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ሎም ምሸት ፍታሕ ይረክብዶ ይኸውን? ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምልሾ ሕቶ'ዩ።

ዝቦኾረ ጉዳይ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ናጽነታትን መሰላትን

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

እቲ ካልእ እቲ ፕረዚደንት ፈጺሙ ከይተንከፎ ዝሓለፈ ጉዳይ ፖለቲካዊ ጽገናን ምህናጽ ደሞክራስያውያን ትካላትን'ዩ።

እዚ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ብዘይ ተሓታትነት'ዩ ነታ ዝመርሓ ዘሎ።

ካብ ፈለማ 2002 ጀሚሩ ነቲ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ዝቖመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይ ውግዓዊ ኣገባብ ኣፍሪስዎ።

እቲ ባይቶ ርእሱ ክኢሉ ብምንቅስቓስ ነቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል ክቆጻጸርን ተሓታትነት ከረጋግጽን'ኳ እንተነበሮ፡ እቲ ባዕሉ ኣቦመንበሩ ብምንባሩ ካብ ፈለማኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዝኣቱ ገይሩዎ'ዩ፡ ኣባላት ባይቶ'ውን ዝባረኹሉ ነይሩ።

ካቢነ ሚኒስተራት'ውን ዕጫ ሃገራዊ ባይቶ በጺሕዎ፡ ከም ትካል ካብ ዝጠፍእ ዓመታት ኣቚጺሩ'ሎ።

ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም "ከይትኣወጀ ሞይቱ" ኣብ 2014 ክንደፍ'ዩ ዝተባህለ ካልእ ቅዋም'ውን ቃላት ኮይኑ ሓፊፉ ተሪፉ።

"ካብቲ ዝገርም ንዝሓለፈ 33 ዓመታት ከም ግዝያዊ [መሰጋገሪ] መንግስቲ ኮይኑ'ዩ ዝመርሕ ዘሎ" ብምባል ምስ ስርዓት ደርግ ብምንጽጻር'ዩ ተንታኒ ፖለቲካ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብደራሕማን ሰይድ (ቦሓሽም) ዝገልጾ።

ተሓታትነት ኣብ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኩነታት በይኑ ከምውልቀመላኺ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት፡ ዓመት መጸ ብዘይጭበጥን ብዘይትግበርን መብጽዓታት ንህዝቢ ክጥብር ዕድል ከምዝረኸበ'ዩ ቦሓሽም ዘረድእ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ድሕሪ 34 ዓመት ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣብታ ሃገር ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክህነጽ ከፍቅድ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ካልእ'ውን፡ እቲ ርትዓዊ ፍትሒ ከረጋግጽ ዝነበሮ ፍርዳዊ ኣካል ለሚሱ፡ ኣሽሓት ሰባት ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ዝእሰሩላን ዝስወሩላን ሃገር ኮይና ትርከብ።

ኣብ 2025 ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ ኩነታት ሰባዊ መሰላት እታ ሃገር ከምዘይተመሓየሸ የመልክት። ሰበስልጣን ኤርትራ ግን ሓቅነት ከምዘይብሉ'ዮም ክምጉቱ ዝፍትኑ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስተኣስሩ ጉዳዮም ከይተራእየ ኣብ ቀይዲ ይበልዩ ከምዘለዉ ይንገር። ሓደ ካብዚኦም ድማ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶ'ዩ።

ከም ሳዕቤኑ፡ እሱራት ንምፍታሕ ብላዕ ተቐቢሎም ዝሃብተሙን ቤተሰብ ዘከላብቱን ሓላፍቲ "ድላዮም ዝገብሩላ ሃገር ኮይና" ከምዘላ'ዮም ገለ ኣባላት ስድርኦም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ዝዛረቡ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተሓለቕቲ መሰላት፡ ሰብመዚ ጸጥታ ቅትለትን ስቅያትን ዝርከብዎም ገበናት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝፈጸሙ ይኸሱ።

ዓብዱራሕማን፡ "ብዛዕባ ኣህጉራዊ ፍትሒ ብዙሕ'ዩ ዝዛረብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ግን ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕግን ፍትሕን ክትዛረብ እንተዄንካ ዘቤታዊ ናይ ፍትሒ ኩነታትካ ጥዕና ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል መግለጺን ፖሊሲን እቲ ፕረዚደንት ንሓድሕዱ ከምዘይቃዶ ይምጉት።

"እቲ ቀንዲ ንሱ ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ህዝቢ ኤርትራ'ውን ዝደልዮን ዝጽበዮን ሓደ፡ ሕቶ ናይ ፍትሒ'ዩ።

ዘይውዳእ ስደት

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

ዘይውዳእ ኣገልግሎትን ምንጋር ስውኣትን

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ,MOI/twitter

ካልእ ንመንእሰያት ኤርትራ ጠንቂ ስደትን ድኽነትን ኮይኑ ዘሎ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ኣብ 1994 ዝጀመረ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ካብቲ ዝተመደበሉ 18 ኣዋርሕ ናብ ገደብ-ኣልቦ ካብ ዝሰጋገር ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ሓሊፍዎ'ሎ።

እቲ ካብ 1998 ጀሚሩ ብሰንኪ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ከምዝተናውሐ ብሰብመዚ ዝግለጽ ዝነበረ ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ሰላም'ውን እንተኾነ ክቕየር ኣይተራእየን።

ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝረኸበ ይርከበና ብምባል ሓደገኛ ዶባት፡ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ብምስጋር ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም።

ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደን ኲናት ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ህወሓት እናተዋግኡ ህይወቶም ዝሰኣኑ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብወግዒ ንስድራቤታቶም ኣይተነግሮምን።

ደቀን፡ ወላዲአን፡ ሰብኡተን ዝሰኣና ስድራቤታት፡ ቆልዑን ኣዴታትን ድማ ወትሩ ሓዲኡ ክንገረን ብቓንዛ ተሰንየን መርድእ ይጽበያ ከምዘለዋ ይንገር። ምስ መጠን ዋሕዚ ስደት፡ ከምሰቦም ወጺኦም ክኾኑ ዝህሉ ተስፋ'ውን ንኩነታተን ዝሓላልኽ'ዩ።

እዚ ከይኣክል'ውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ መቓልሕ ኲናት ይስማዕ ብምህላዉ ተወሳኺ ህይወት ከይክፈል ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተሸቚሪሮም ኣለዉ።

ብዘይካ'ዚ እዚ ንቀንዲ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ብዘይ ኣድማዒ ፍረ ዘባኽን ዘሎ ፖሊሲ፡ ጠንቂ ድኽነት ስድራቤታትን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣዴታት ዓቢ ጸቕጢ ዝፈጥርን ኮይኑ'ሎ።

'ከም ተንታኒ ፖለቲካ ዝቐርብ መራሒ'

ፕረዚደንት ኢሰይያስ

ምንጪ ስእሊ,Eri-TV

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንፍሽለት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ብወግዒ ክእመን ጸኒሑ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ነቲ ውድቀት ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ምስካም ናብ ካልኦት ብምስግጋር ከምሰቡ ከማርር'ዩ ዝስማዕ።

ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ምሉእ ብምሉእ ብምጉሳይን ንውሱናት ብምትንካፍን ዝበዝሐ ግዚኡ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓበይቲ ዓለማዊ ጉዳያትን ንምትንታን'ዩ ዘጥፍኦ ተባሂሉ'ዩ ዝንቀፍ።

ቦሓሽም ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ሓሓንሳብ ተንታኒ ፖለቲካ ኮይኑ'ዩ ዝቐርብ ኣብ ክንዲ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝቐርብ" ይብል።

"ኣብ ምንትንታን ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ንፉዕ'ዩ ዝመስል፡ ግን ከም ሓደ ፕረዚደንት ዝጽበዮ ጉዳያት ከኣ ኣሎ" ብምባል ጠለባት ህዝቢ ክሰምዕ ከምዘለዎ ይዛረብ።