ስለምንታይ እዩ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ?

ከም ዝፍለጥ፡ ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ 90ታትን ከም ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ደሃር ድማ ከም ፕረዚደንት ሃገር ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሰፋሕትን ዓበይቲን ሕቶታት ኣብ ክፉት ይምልስ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ሽሕ'ኳ እቲ ሕቶታት ተመሪጹ ተራእዩ ዝቐርብ እንተነበረ፡ ነቲ ተስፋ ተነቢርዎ ዝነበረ ህንጸት ፖለቲካዊ ባህሊ እታ ሃገር ዓቢን ኣገዳሲን መሰረት ከምዝነበረ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝዝክርዎ እዩ።

ደሓር ግን እቲ መድረኻት እናጸበበ፡ ሓበሬታ ኣብቲ ፕረዚደንት ዝህቦ መግለጺታት ጥራይ ትጽቢት ምግባር ከምዝዀነ ይዛረቡ።

እዚ ትጽቢት'ዚ ግን፡ ክንዮ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ከምኡ'ውን ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት፡ ፖለቲከኛታት ጐረባብቲ ሃገራትን ብማዕረኡ ኣቓልቦ ሂቦም ክከታተልዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኤርትራ ምስ ጐረቤታ ኢትዮጵያ ኣብ ውጡር ሃዋሁ ኣብ ዘላትሉን ጂኦፖለቲካዊ ኵነታት ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉን እቲ ትጽቢት ዝያዳ ይዓቢ።

ብዙሓት እውን፡ እቲ ዝህቦ መግለጺታትን ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽታትን ካብ ውሽጣዊ ጉዳያት ንላዕሊ ናብቲ ናይ ደገ ጉዳያት ዘነጻጸረ ምዃኑ ክገልጽዎ ይስማዕ።

እዚ ጽዑቕ ትዅረት'ዚ ግን ውጽኢት ኢሳይያስ ከም ከም መራሒ ሃገር፡ ከምኡ ድማ - ንጽቡቕ ይዅን ንኽፉእ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብዘለዎ ጽልዋ - ዝሃነጾ ፖለቲካዊ ቍመና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ብዓሚቝን ኣመና ምእኩልን ትካላዊ ምቍጽጻርን ሓበሬታን፡ ምድኻም ህዝባዊ ጽላት፡ ምድኻም ካልኦት መሓውራት መንግስቲ - ፈጻሚን ሓጋጊን ኣካላት - ካልእን ዝመንቀሊኡ ምዃኑ ተንተንቲ ካብ ነዊሕ ክገልጽዎ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ማለት ኣብ ኤርትራ ምሉእ ስልጣን እታ ሃገር ኣብቲ ፕረዚደንት ጥራይ ዝተሓጽረ ብምዃኑ፡ ኣብ ሃገራዊን ዞባውን ጉዳያት እቲ እንኮ ምንጪ ሓበሬታ፡ ትንተናን ኣንፈትን ንሱ ጥራይ ክኸውን ከምዝገበሮ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ነቲ ሓሓሊፉ ዝህቦ ወግዓዊ መደረታትን ቃለመጠይቓትን ኣገዳሲ ዛዕባ ክኸውን ከምዘኽኣሎ ይፍለጥ።

ምእኩል ምሕደራን ምብሓት ሓበሬታን

ኣብዚ መዳይ'ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ዓቐን ምእኩል ስልጣን ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ። እቶም ቀንዲ መሓውራት መንግስትነት ባይቶ፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል፡ ወይ ስልጣን ዘለዎ ካቢነ ምኒስትሪታት ኣብ ኤርትራ ዳርጋ የለን።

እቲ ንነዊሕ እዋን ቃል ዝተኣተወሉ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣይተተግብረን፣ ምርጫ ተኻይዱ ኣይፈልጥን።

እዚ ባዶነት'ዚ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚነትን ፖሊሲ ወጻኢን፡ ክሳብ ቍጠባዊን ልምዓታዊን ስትራተጅን ሲቪላዊ ምምሕዳርን ዳርጋ ኣብ ኵሉ ጽላታት እታ ሃገር ውልቃዊ ቍጽጽር ክብሕት ኣኽኢልዎ።

ነዚ፡ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ መራሒ ጥራይ ዘይኮነስ መንግስቲ ባዕሉ እዩ፡" ኢሎም ዝገልጽዎ'ውን ኣለዉ።

እዚ ምትሕውዋስ ውልቀሰብን መንግስትን ድማ ትርጕም ዘለዎ ሓባራዊ ውሳነ ንኽውሰድ ዕድል ዝኸልእ ምዃኑ ሳይንሰኛታት ፖለቲካ ዝገልጽዎ እዩ።

ኣዋጃት ፖሊሲታት፡ ዓለምለኻዊ ስምምዓት፡ ዝምድናታት፡ ኵሉ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እቲ ፕረዚደንት ብዝመረጾ እዋንን ኣገባብን ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዝበዝሕ እቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዝግበር ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ካልእን ውሳነታት ዳርጋ ግሉጽነት ብዘይብሉ መገዲ እዩ ዝካየድ።

እዚ ክውንነት እዚ ድማ፡ "ነቲ ኵነታት ንምርዳእ ብቐጥታ ካብ ፕረዚደንታ ክስማዕ ኣለዎ፡" ናብ ዝብል መረዳእታ ክመርሕ ጸኒሑ።

ብዘይካ'ዚ እተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ማዕከናት ዜና ብመንግስቲ ዝውነናን ጽኑዕ ቍጽጽር ዝግበረለን እየን። ናጻ ጋዜጣታትን ሜድያን ድሕሪ'ቲ ኣብ 2001 ዝተወስደ ስጕምቲ ተዓጽየን፤ ሓያሎ ጋዜጠኛታተንን ኣካየድተንን ድማ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጕኖም ይርከቡ። እተን ዝተረፋ ከም ኤሪ-ቲቪ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብቐንዱ ነቲ መንግስታዊ ትረኻታት ጥራይ እየን ዘንጸባርቓ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽኑዕ ቍጽጽር ሓበሬታ ድማ፡ ህዝቢ ነቲ ብኣፍ እዘን ማዕከናት ዜና ዝወሃቦ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ዝከታተል።

ተበጻሕነት፡ ዓቕሚን ዝርግሐን ኣገልግሎት ኢንተርነት'ውን ዳርጋ ስለዘየለ፡ እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ኣማራጺ ሓበሬታታት ዝረኽበሉ መንገዲ ኣመና ትሑት እዩ። ኣብ ከምዚ ድማ እቲ ፕረዚደንት ዝገብሮ ቃለመጠይቓት - መብዛሕትኡ ግዜ ነዊሕ፡ ብናቱ ኣረኣእያን ቀዳምነታትን ንዓለም፡ ነቲ ዞባን ነታ ሃገርን ህዝባን - ዝትንትነሉ ኣጋጣሚታት ዓቢይ ቦታ ይሕዝ።

ድኻም መሓውራት መንግስቲ

ካልእ ምኽንያት ናይቲ ኣብ መግለጺታትን ናይቲ ኣብ ኢሳይያስ ዝተዋህለለ ተገዳስነት፡ ምድኻም ናይተን መሓውራት መንግስቲ ወይ ድማ ካቢነ ምኒስተራት እዩ። እቲ ድሕሪ 2018 ተኣኪቡ ዘይፈልጥ ካቢነ፡ መብዛሕትኦም ምኒስተራቱ ዳርጋ ዘይፍለጡን ኣብ ገሊኡ ድማ ዘይተተክኡን ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ብፍላይ ኣብ ፈለማ 90ታት ኣንፈት ሂቡ ዝነበረ ቀጥታዊ ህዝባዊ ሰሚናራት ምኒስትሪታት ሕጂ የለን። እቲ ኣብ 2010-11 ሓንሳእ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሲምፖዝዩም ምኒስትሪታትን ትካላትን፡ ዕማማትን መደባትን እተን ትካላት ንምፍላጥን ንምብህሃልን ዕድል ከፊቱ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ድሒሩ ግን ነትን ምኒስትሪታት ዝምልከት ፖሊሲታት፡ መምርሒታት፡ ኣንፈታትን ጸብጻብ ዕማማተን - ዘሳለጣኦን ዝፈሸላኦንን ብድሆታተንን መጻኢ መደባተንን - ብግልጺ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪቦም ምኒስተራት መግለጺ ክህቡ፡ ኣብ ክፉት ህዝባዊ ዘተ ስትራተጂኦም ከብርሁን ዳርጋ ተራእዮም ኣይፈልጡን።

ብሓፈጻኡ ምኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ፡ ብቐጥታ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ክህቡ ዘይልሙድ እናዀነ ከምዝመጽአ እዩ ዝፍለጥ።

ሃገራዊ ባይቶ እውን ድሕሪ 2002፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ለሚሱ እዩ ዘሎ። እቲ ክዛተየሉን ክካትዓሉን ዝግባእ ዝነበረ ጉዳይ ባጀት፡ ፖሊሲ ልምዓት፡ ጸጥታን ምክልኻልን፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ወዘተ በዂሩ እዩ።

ካብዚ ወጻኢ ግን ምሕደራ ኤርትራ ብዓቢኡ ብውሽጣዊ ውድባዊ ኣገባባትን ብዘይወግዓዊ ፕረዚደንታዊ መሓወራትን ከም ዝካየድ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ትካላዊ ዘይንጹርነት ትካላዊ ምድኻምን ዓሚቝ ሓበሬታዊ ሃጓፍ ከምዝፈጥር ክርአ ይከኣል። ንጡፍ ጽምዶ ምኒስተራት ወይ ባይቶኣዊ ክትዕ ኣብ ዘይብሉ፡ ዜጋታት ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ካብቲ ፕረዚደንት ጥራይ ክጽበዩ ድማ ግድን ይዀኖም።

ኣብ ዝዛረበሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ክምለሱ ዝደልይዎ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ምምሕዳራዊን ካልእን ጉዳያት ዝንጸባረቐሉን ፍታሕ ዝርከበሉን ዶ ይኸውን ካብ ዝብል ዓቢይ ትጽቢት ሃንቀው ይብልዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኢሳይያስ ናብ ሩስያን ቻይናን ክቐረብ ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ,AFP via Getty Images

ትጽቢታት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘይከም ብዙሓት ንህዝቦም ስሩዕ ሓበሬታ፡ እዋናዊ መግለጺታት፡ ጋዜጣዊ ዋዕላታት ወይ መደረታት ዝህቡ ዓይነት ኣይኰነን።

እቶም ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ ዝገብሮም ቃለመጠይቓት፡ ኣብ ርእሲኡ ኣብ ከም በዓል ናጽነት ዝኣመሰሉ ንወሰንቲ ፍጻመታት ወይ ንዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ምላሽ ዝህበሎም ኣጋጣሚታት ጥራይ ስለዝዀኑ፡ "ክዛረብ እዩ" ክበሃል እንከሎ ዜጋታት ወትሩ ኣብ ግምታትን ትጽቢትን እዮም ዝኣትዉ።

እቲ ፕረዚደንትን ስርዓቱን፡ እቲ ዝገብርዎ ዝኸድዎ፡ ዝሓስብዎን ኣብ ቅድሚት ዝረኣዮምን ነገራት ብውሕዱ ካብ ገዛእ ህዝቡ ከይተረፈ ዕጹው ስለዝዀነ ነቲ ትጽቢታት ዓቢ ይኸውን።

መብዛሕትኡ ግዜ መግለጺታቱ ኣመና ነዋሕቲ፡ ንስነሓሳባውን ስምዒታውን ኣንፈት ፖሊሲኡ ዘመላኽቱ፡ ዝያዳ ኣብ ሰፊሕ ስርዓተ ዓለምን ትካላት ዓለምን ዘነጻጸሩ ነቐፌታታት፡ ትንተና ዞባዊ ፖለቲካ ዝኣመሰሉ ስለዝዀኑ እቲ ዝበዝሕ ሓፋሽ ህዝቢ ትጽቢታቱ ከምዘይምለሰሉ እዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ ዜጋታት፡ ተንተንቲ ፖለቲካን ወሃብቲ ርእይቶን እውን፡ ንኣመታት ለውጢ፡ ኣቃውማን ኣሰላልፋን ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ጕዳያት ንምፍታሽ ኣብ መግለጺታቱ ይምርኰሱ።

ፖለቲካዊ ህይወት ሃገር ኣብ ውልቀ መራሒ ተሓጺሩ፡ ሓበሬታዊ ሞኖፖሊ ምስ ዝህሉ እዚ ዝተገልጸ ሃዋሁ እዩ ዝፈጥር።

ኵሉ ዓይነት ሓበሬታታት ርክብ ካብ ብዙሓት ምንጭታት ወይ ትካላት ዘይኰነስ ካብ ሓደ ምንጪ ጥራይ ዝውሕዝ ኣብ ዝዀነሉ እምበኣር፡ ቃለ መሕትት ፕረዚደንት ከም ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ሃገራዊ መግለጺታት ክውሰድ ግድን እዩ።

ድምጺ ኵሉ ትካላት ሃገር፡ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ወይ ተዋሳእቲ ሲቪላዊ ማሕበራት ዘይምህላዎም፡ ህዝቢ ኣብ ፕረዚደንታዊ መግለጺ ጽግዕተኛ ክኸውን የገድዶ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ህዝቢ እቶም ክምለሱሉ ዝጽበዮ ዓበይቲ ሕቶታት፡ ቍጠባዊ ሕውየት፡ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ሓቛፊ መንግስቲ፡ ምግታእ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት፡ ናጽነት ምንቅስቓስን ዕድላት ስራሕን ካልእን ክምለሱሉ ትጽቢት ይገብር።