ጃስፐር ፍሊፕሰን ሎሚ ብዝመዝገቦ ዓወት ብጫን ቀጠልያን ማልያ ክሕዘን ክኢሉ ኣሎ።
ኤርትራ ብዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ቢንያም ግርማይን ካብተን ኣብ ዙር ፈረንሳ ዘለዋ ኣርባዕተ ማልያታት ንሰለስተ ጥዒማተን።
ኣብ 2015 ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ብዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ቀጠልያ ማልያ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወትን ብቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኸኣ ጻዕዳ ማልያ ብቢንያም ግርማይ።
ሓንቲ ብጫ ማልያ ትተርፋ። ንዓኣ ከኣ ሎሚ ቢንያም ግርማይ ብናይ ቋሕ ሰም ግዜ'ዩ ከሲርዋ።
ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ኣብ መበል 87.5 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ናይ ሞንጎ ቅጽነታዊ ውድድር፡ ኣባል ሊድል ትሬክ ጆናታን ሚላን ቀዳማይ ብምውጻእ 20 ነጥቢ ረኺቡ፡ ኣባል ጋንታ ኰፊደስ ብርያን ኮኳርድ ካልኣይ ብምውጻእ 17 ነጥቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕውት ቀጠልያ ማልያ ዝነበረ ቢንያም ግርማይ ከኣ ሳልሳይ ብምውጻእ 15 ነጥቢ ረኺቡ።
ዓቢ ቀንዲ መተሃላልኽቲ ቢንያም ዝነበረን ሎሚ ቀደማይ ዝወጸአን ጃስፐር ፈሊፕሰን ከኣ ራብዓይ ብምውጻእ 13 ነጥቢ ኣዋህሊሉ።
ቱር ዲ ፍራንስ ብሰሓብነቱን ብሰዓብቱን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ኰይኑ፡ 21 መድረኻት ዘለዎ ግራንድ ቱር'ዩ።
ሎሚ 5 ሓምለ ጀሚሩ ከኣ 27 ሓምለ ክዛዘም'ዩ።
ኣብዚ 21 መዓልታት ተቐዳደምቲ ብድምር 3338.8 ኪሎ ሜተር'ዮም ክዝውሩ።
ኤርትራን ኣፍሪቃ ብቢንያም ግርማይ ጥራይ እየን ተወኪለን ዘለዋ።
ዘይከምዝሓለፉ መኽፈቲ ቱር ዲ ፈራንስ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቀዳመይቲ መድረኽ ጸወታ ከተማ ሊለ ኣብ ጎልጎል ጀሚራ ኣብ ጎልጎል'ያ ተወዲኣ።
ከምቲ ዝተገመተቶ ከኣ ብቅበታዊ ውድድር'ያ ተዛዚማ።
እቲ ሎሚ ቀዳማይ ዝወጽአ ጃስፐር ፍሊፕሰን ጽባሕ ብጫ ማልያ ተኸዲኑ'ዩ ናብ ውድድር ክኣቱ።
ጸወታ ካብ መጀመርታ'ዩ ብናህሪ ጀሚሩ፡ ዝተፈላለየ ናይ ምሙላቕ ፈተነታት ከኣ ይካየድ ነይሩ።
እታ ኣድማዒት ክትከውን ዝኸኣለት ግን ጸወታ ክዛዘም 16 ኪሎሚተር ምስ ተረፎ 35 ተቐዳደምቲ ሒዛ ዝሃደመት ጉጅለ'ያ።
ኣብታ ጉጅለ ከም ቢንያም ግርማይ፡ ጃስፐር ፍሊፕስንን ካልኦትን ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ክኢላታት ስለዝነበሩ፡ ነቶም ምስኦም ዝነበሩ ከም ታደይ ፖካቻን ጆናስ ቪንገጋርድን ናይ ምዕዋት ዕድል ከምዘይህብዎም ብሩህ ኰነ።
ጃስፐር ፈሊፕሰን ብቫንደርፑልን ካልኦት ሰለስተ ደቂ ጋንትኡን ተመሪሑ ከኣ ብዘተኣማምን ቅጽበታዊ ውድድር ንቢንያም ረቲዑ ቀዳማይ ወጺኡ።
እቲ ካብ ጋንታኡ ናይ 'ሊድኣውት' ሓገዝ ዘይረኸበ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ምውጽኡ ከኣ ካብቶም ብቀጥታ ነቲ ጸወታ ዘመሓላልፈእዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ናእዳ ረኺቡ።
ሶረን ካብ ኡኖስ ራብዓይ፡ ኣንቶኒ ቱርጊስ ራብዓይ ማትዮ ትረንቲኖ ከኣ ሻዱሻይ ወጺኦም።
በዛ ናይ ሎሚ ቀዳማይቲ መድረኽ፡ ጃስፐር ፍሊፕሰን 63 ነጥቢ፡ ቢንያም ግርማይ 45 ነጥቢ ኣዋህሊሎም ኣብ ቀጠልያ ማልያን ኣብ ብጫ ማልያን ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ኣለዉ።












