ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ እንታይ ይብል?

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል 'ዘ ሴንትሪ'፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ቅድሚ 7 ዓመት ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኤርትራ ሓይልታታ ዳግም ክተሐይልን "ኣብ ጎረባብታ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ክትፈጥርን" ከምዘኽኣላ ይኸስስ።

ድሕሪ ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኵነተ 'ኣይ-ኲናት ኣይ-ሰላም' ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ምኒሰተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ፈሪመን ነይረን።

ነዚ ስዒቡ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻዒኑ ዝነበረ ክልተ-ዙር እገዳ ኣጽዋር ተላዒሉ።

እቲ እገዳ፡ ብቐንዱ ብጐስጓስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተልዓለ ዝገልጽ ጸብጻብ ሴንትሪ፡ ገለ ሃገራት ስክፍታ ከምዝነበረን ኣዘኻኺሩ።

መርማሪ ጕጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ንዓመታት ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ፡ ነቲ ኣብ 2009 ዝተገብረ እገዳ ዝመርሐ - ኤርትራ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ትድግፍ እያ - ዝብል ክሲታት ደምዳሚ መርትዖ ከምዘይረኸበሉ ኣብ ጸብጻቡ ምግላጹ ይፍለጥ።

ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ብዛዕባ'ቲ ብ 'ዘሴንትሪ' ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐረበ ክስታት ብዝምልከት ብማዕከን ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ምስ ተሓተተ፡ ነቲ ጸብጻብ "ዝተፈብረኸ ተረኽ" ኢሉ ብምንጻግ፡ ተግባራት ካልኦት ናብ ኤርትራ ንምጽጋዕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ምኒስተር ወሲኹ፡ "ምኽንያት እቲ ኣብቲ ዞባ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኢትዮጵያ ወደብን ገማግም ባሕርን ክትረክብ ድሌት ከምዘለዋ ምግላጻ'ዩ" ክብል ከሲሱ።

ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓደ ተሰሊፎም ንሓይልታት ትግራይ ዝተዋግኡ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምሕዝነቶም ክልሕልሕ ዝጀመረ ድሕሪ ምፍራም ነቲ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ፕሪቶርያ እዩ።

ከምኡ ድማ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ወደብ ምርካብ፡' ናይ ህልውና ጉዳይ' ምዃኑ ብግልጺ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ወጥሪ እናምርሐ ይርከብ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢዳ ኣእትያ ንዕጡቓት ትድግፍ ኣላ ብምባል ብተደጋጋሚ ይኸሱ። እንተዀነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ነየኖት ዕጡቓት ከምትድፍ ብንጹር ኣይገለጸን።

ብተደጋጋሚ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ክልቲአን ሃገራትን ዝስምዑ ዘለዉ ወጥሪ ዝመልኦም ቃላት፡ ዳግማይ ኲናት ክለዓዕል ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ፈጢሩ ይርከብ።

ዘ ሴንትሪ፡ ብቐንዱ ንመዓላ-ኲናት ዝግበር ዋሕዚ ገንዘብ ዝከታተል ዘይመንግስታዊ ትካል ኰይኑ፡ ሕጂ'ውን ካብ ገለ ከባብታት ትግራይ - ገሊኡ ኣብ ኢድ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝርከብ፡ ዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወርቂ ሓደገኛ ከምዝዀነ ኣመልኪቱ።

ገለ ካብ ግዳያት ጃምላዊ ቅትለት -ኣክሱም

ምንጪ ስእሊ,EHRC

መግለጺ ስእሊ,ገለ ካብ ግዳያት ጃምላዊ ቅትለት -ኣክሱም

ግፍዒታት ኲናት ትግራይ

እቲ ጸብጻብ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብዝርዝር ኣስፊሩ ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ደማዊ ውግእ ንፈደራል መንግስቲ ደጊፉ ዝተሳተፈ ዀይኑ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ስቅያትን ጭውያን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወርቂ፡ ጥንታዊ ንብረትን ደቂ ሰባትን ከም ዝተፈጸመ'ውን እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ'ሎ።

መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ምውጣን እቲ ኲናት ንጡፍ ተራ ከምዝተጻወቱ፡ ግጭት ቅድሚ ምውልዑ ነቲ ኲናት ብምትላምን " ንትግራይን ህወሓትን ንምቕጻዕን ሰሪሖም" ድማ ይብል።

እቲ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ተዓዘብትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብምጥቃስ፡ 'ምጽናት ዓሌት' ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እንታይነትን ስፍሓትን ናይቲ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ዘጕልሕ እዩ።

ጸብጻብ ዘ ሴንትሪ፡ ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸሙ ይኸስስ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ክሳብ መጀመርታ 2021 ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ሰፊሕ ስርቅን ቍጠባዊ ዕንወትን ተሳቲፉ ምንባሩ ይሕብር።

እዚ ዕንወት ብኣጋጣሚ ከምዘይነበረን፡ ሃብቲ ንምውጻእን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ቍጠባዊ ጉድኣት ንምውራድን ብውጥን ዝተሰርሐ ከምዝዀነ ድማ ይኸስስ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝነበሮም ተሳትፎ ጸኒሑ ዝኣመነ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ንዝቐርቡ ክስታት ገበናት ኲናት፡ ጃምላዊ ቅትለታትን ዘመተን ይነጽግ።

ምኒስተር የማነ፡ እዚ ኣብዚ እዋን ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻብታት፡ ዝደጋገምን በተን ምወላ ትካላት ምዕራብ ዘለወን ማዕከናት ዝግበር ዳግመ-ምስራሕን ምግዋሕን ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ኤክስ ምላሽ ሂቡሉ።

እዋናዊ ኵነታት

ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት ንምድንፋዕ ምንቅስቓስታት ዝግበር ዘሎ ኰይኑ፡ሰራዊት ኤርትራ ካብቶም ድሕሪ እቲ ኲናትሒዙዎም ተባሂሉ ዝኽሰሰሎም ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝለቐቐ ግን ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን።

ሕጂ'ውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ዘስግእ ከምዝዀነ፡ዝገልጽ እቲ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕሊ ኣብ ዘይተተግበረ ውሳነ ዶባትን ኢትዮ- ኤርትራን ከምኡ'ውን ዝዕንቀፍ ዘሎ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ግቡእ መርመራ ክገብርን ውሳነ ከሕልፍን ጸዊዑ።

ከምኡ'ውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ሓዊሱ፡ ኣመሪካ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ህወሓትን ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከይምለሱ ከጠንቅቝን ተሪር መልእኽቲ ከሕልፉን ዘ ሴንትሪ ይላቦ።