ብዘይካ'ዚ ሰራዊት ሱዳን ካብ ሩስያ ነፈርቲ ውግእ ዝርከቦ ወተሃደራዊ ቀረብ ከምዝረኸበ ይግለጽ። ሰበስልጣን ሱዳን ካብ 2024 ጀሚሮም ናብ ሞስኮ ብዙሕ ግዜ ብምብጻሕ ኣብ ምዕማቝ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኣብ ዝምልከት ከምዝተዛተዩ ይፍለጥ።

ሩስያ ነቲ ሰራዊት ንምድጋፍ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ምስቲ ሞስኮ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምውሓስ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ካብ 2017 ጀሚራ ክትከታተሎ ዝጸንሐት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ነሓሰ 2024፡ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ያሲር ኣል-ዓጣ፡ እቲ ሰራዊት ነቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ብኣምሳያ ወተሃደራዊ ደገፍ ሞስኮ ምዃኑ ተኣሚኑ እዩ። ኣብ ለካቲት 2025 ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓሊ ዩሱፍ ድማ፡ ሱዳን ነቲ ሩስያ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ዘቕረበቶ ሕቶ "ዝሰማማዕ ስምምዕ ከምዝፈረመት" ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኢራን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምውሓስ'ውን ትጽዕር ምዃና ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ዘመልክቱ ኰይኖም፡ ሱዳንን ኢራንን ግን ነዚ ኣበሃህላ ይነጽግኦ።

ብኻልእ ወገን ቱርኪ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምቍራጽ ዘተ ክግበር ብተደጋጋሚ'ኳ እንተጸውዐት፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ነተን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካርቱም ንዝረኸበቶ ዓወት ወሰንቲ ዝዀና ቲቢ2 ዝዓይነተን ድሮናት ቱርኪ ከምዝተጠቕመ ይግለጽ እዩ።

ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለዋ ሃገራት ድማ ኤርትራ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ንዝረኸቦ መኽሰባት ኢድ ከምዘለዋ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ነቶም ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዘለዉ ጕጅለታት ሱዳን ኣብ ምዕላም ተሳትፎ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

ኣስመራ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ዝበለቶ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ገለ ዕጡቓት ጕጅለታት ሱዳን ግን ካብ ኤርትራ ኣጽዋር ከምዝተቐበሉ ከይተረፈ ተኣሚኖም ኣለዉ።

ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስ ሰራዊቱ

ምንጪ ስእሊ,AFP via Getty Images

እቲ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ዝሓለፈ ሚያዝያ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ፡ ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ እዩ።

ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ኤርትራ ንዝገበረትሎም ደገፍ ከመስግኑ ተሰሚዖም ነይሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ መሓመድ ኣ'ጃኩሚ ኣብቲ ንጋዜጣ ኣ'ሱዳኒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብቲ ንግዝኣታት ሰሜናውን ሩባ ኒልን ዝሓቘፈ ሰሜናዊ ዞባ ንዝመጹ 50 ሽሕ ተቓለስቲ ምዕቡል ወተሃደራዊ ስልጠና ክህቦም'ዩ" ይብል።

ኣ'ጃኩሚ ወሲኹ፡ ዕላማ ናይቲ ስልጠና "ንሰሜናዊ ዞባ ካብ ዝዀነ ሓደጋ ንምክልኻልን ኰይኑ እቲ ስልጠና በብእብረ ክፍጸም ምዃኑን" ገሊጹ።

እዚ ብመሓመድ ኣ'ጃኩሚ ዝምራሕ ጕጅለ ሰሜናዊ ሓይሊ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ ሱዳን ዝርከቡ ሓያሎ ዕጡቓት ጕጅለታት ኰይኑ፡ ኣብ 2020 ኣብ ጁባ፡ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ስምምዕ ምክፍፋል ስልጣንን ሰላምን ዝፈረሙ ኰይኑ፤ መብዛሕትኦም እዞም ጕጅለታት ድማ ሕጂ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ይዋግኡ ኣለዉ።

ዋላ'ኳ ብወግዒ ዝግለጽ እንተዘይኰነ፡ ኤርትራ ካብ ምዕራብን ምብራቕን ሱዳን ዝመጹ ሓያሎ ዕጡቓት ጕጅለታት ከም ዘሰልጠነት ይንገር።

እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ሞትን ምፍንቓልን ሲቪላት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ምትእትታው ዝተፈላለያ ሃገራት ንፍታሕ እቲ ኵነታት ከምዝሓላለዀ ተንተንቲ ይገልጹ።