ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ መግለጺ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ዛጊት የሎን።
እንተዀነ፡ ሰበሰስልጣን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ብምባል፡ "ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ይዅን ብሓይሊ" ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከረጋግጹ ዘለዎም ድሌት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ፓርላማ ሃገሩ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይድፈር ኣርእስቲ" ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ 2030 ናብ 150 ሚልዮን ክበጽሕ ዝግመት ህዝቡ "እሱር ጅኦግራፊ" ክኸውን ከም ዘይግባእ ኣስሚርሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ነዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንጸባረቕ ዝጸንሐ ድሌታት ኢትዮጵያ መሰረት ገይሩ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ሃገራት፡ ኣብ መጋቢት እዚ ዓመት መብርሂ ዝሃበ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ እቲ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ፡ "'ብዲፕሎማሲ ይዅን ብወተሃደራዊ ሓይሊ' ኣፍደገ ባሕሪን መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ናይ ምርካብ ግጉይ ሸውሃት፡" ክግታእ ጸዊዑ ነይሩ።
በዚ ናይ ሕጂ መግለጺኣ ድማ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ፡ "ተዂታዂ ተግባራት ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከምኡ'ውን ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ከቢድ ናይ ሓደጋ ደወል፡" ምዃኑ ኣጠንቂቓ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትፍናን ብዝምልከት ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዓለም ጥርዓናት ከተቕርብ ከም ዝጸንሐት ጸብጻባት ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራ ከም ዝበለቶ፡ እቲ ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ተሰዲዱ ዘሎ መልእኽቲ፡ ንኤርትራ ብ"ተደጋጋሚ ምትዂታዂን ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብሓሶት ዝጥቅንን ዝኸስስን፡" እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ኣብ መዋስንቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ዝርከቡ ህዝቢታት፡ በቲ "ጽምዶ" ተባሂሉ ዝተሰምየ ምንቅስቓስ ክገብርዎ ዝቐነዩ ርክባትን ምኽፋት ዶባትን፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢታት ተስፋ ሰላም ሂቡ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ደገፍ መራሕቲ ኤርትራን ህወሓትን ከም ዘለዎ ዝንገር ርክባት፡ ብማእከላይ መንግስቲ ፈደራል ፖለቲካውን ሕጋውን ሕቶታት ዘልዕል ጉዳይ ኰይኑ ብዙሓት ወገናት ብስክፍታ ክርእይዎ ጸኒሖም እዮም።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ እዋን ስይመቱ ምስ መንግስቲ ፈደራል ካብ ዝፈረመሎም ሸሞንተ ነጥቢታት እቲ ሓደ፡ ነቲ ኣብ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዘይሕጋዊን ዘይስሩዕን ርክባት ዝጠቅስ ምዃኑ ኣይርሳዕን።
እቲ ጀነራል፡ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋናት፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ዘለዉ ታሕተዎት ሰብመዚ ኣብቶም ከባቢታት ምርግጋእ ንምውሓስ ዘይስሩዕ ርክባት ከም ዝግበር ብምጥቃስ፡ ውሱን ሰላማዊ ርክባት ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ከም ዘሎ'ውን ኣሚቱ ነይሩ።
እዚ ሓሙስ ኣጋ ምሸት ዝወጽአ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክምዕብል ዝጸንሐ ምትፍናን ይዓርግ ከም ዘሎ ዘርኢ'ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 34 ዓመት ጽንብል ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምንቃፉ ይዝከር።
"ንተጻብኦ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍሓስ ዘሎ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታትን'ውን ዘይፈለጠ የሎን፣ እንታይ'ዩ እቲ መደምደምታ? ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ፡" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ንዅነታት እቲ ዝነበረ ዝምድና ዝገልጽ።
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት ብምግላጽ ድማ ኣብዚ ዞባ ሃወኽቲ ስርዓታት'ውን ኣለዉ። ኵሉ ግዜ ዝርብሹ፡ ውግእ ዝሰብኩ፡ ልምዓትን ውህደትን ዘይፈልጡ፡ ግጭት ሞያ ዝመስሎም መራሕቲ ኣለዉ" ክብል ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘነጻጸረ ዝመስል መግለጺ ክህብ ተሰሚዑ።
ኣስመራ ከምዝበለቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ጥርዓናት "ግህሰት ልኡላውነቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን" ዝምልከት'ዩ።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝተወሰነ ቦታኦም ከም ዘለዉን መጽናዕቲ ከም ዘድልዮን ተዛሪቦም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ መግለጺኦም ግን ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ (ክልል ትግራይ) ከም ዘለዉ ክኸሱ ተሰሚዖም እዮም።
እንተዀነ፡ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ሰራዊታ ኣብ ልኡላዊ መሬቱ ከም ዘሎ ብምፍላጥ ንኽስታት ኣዲስ ኣበባ ክትነጽጎ ጸኒሓ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መግለጺ'ውን፡ "ኤርትራ በቲ ብዘይምዅኑይ ምድንጓይ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ዕቑድ ዝተቐበለቶ ውሳነ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጽኑዕ ቅይድቲ እያ" ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።










