ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትፍናን ብዝምልከት ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዓለም ጥርዓናት ከተቕርብ ከምዝጸንሐት ጸብጻባት ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።
ኤርትራ ከምዝበለቶ እቲ ጥርዓናት ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ተሰዲዱ ኣሎ።
"ትሕዝቶ ናይ'ቲ መልእኽቲ፡ ንኤርትራ ብ"ተደጋጋሚ ምትዂታዂን ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" ብሓሶት ዝጥቅንን ዝኸስስን እዩ"።
"እዚ ተዂታዂ ተግባራት'ዚ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከምኡ'ውን ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ከቢድ ናይ ሓደጋ ደወል" ምዃኑ'ውን ኣስመራ ኣጠንቂቓ።
"እዚ ዘየድሊ ወጥሪ'ዚ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬትን ባሕራዊ ግዝኣትን ጐረቤት ሃገሩ ንምጉባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ'ዩ"።
እዚ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክምዕብል ዝጸንሐ ምትፍናን ይዓርግ ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ።
ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ መግለጺ ዝሃቦ ግብረመልሲ ዛጊት የለን።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክትጥቀምን ክትውንን መሰል ከምዘለዋ ምግላጾም ንኤርትራ ክቖጥዓ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣፍወርቂ ኣብ መበል 34 ዓመት ጽንብል ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምንቃፉ ይዝከር።
"ንተጻብኦ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍሓስ ዘሎ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታትን'ውን ዘይፈለጠ የሎን፣ እንታይ'ዩ እቲ መደምደምታ? ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ፡" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ገሊጽዎ።
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቡ መብርሂ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ንሃገሩ ኣፍደገ ባሕራ ክትከፍተላ ድልውቲ ከም ዘይኰነት'ውን ብምግላጽ ድማ ኣብዚ ዞባ ሃወኽቲ ስርዓታት'ውን ኣለዉ። ኵሉ ግዜ ዝርብሹ፡ ውግእ ዝሰብኩ፡ ልምዓትን ውህደትን ዘይፈልጡ፡ ግጭት ሞያ ዝመስሎም መራሕቲ ኣለዉ" ክብል ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘነጻጸረ ዝመስል መግለጺ ክህብ ተሰሚዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ምስ ትግራይ ዘዋስን ዶባት ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ክልቲኡ ህዝብታት ዝተኻየደ ርክባት ናይ ሰላም ተስፋ ወሊዑ ምቕንያ ይፍለጥ።
ሓይልታት ኤርትራ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ደው ምባሉ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ (ክልል ትግራይ) ከምዘለዉ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ክኸሱ ጸኒሖም'ዮም። እንተኾነ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ሰራዊታ ኣብ ልኡላዊ መሬቱ ከምዘሎ ብምፍላጥ ንክስታት ኣዲስ ኣበባ ክትነጽጎ ጸኒሓ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መግለጺ'ውን፡ "ኤርትራ በቲ ብዘይምኹኑይ ምድንጓይ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ዕቑድ ዝተቐበለቶ ውሳነ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጽኑዕ ቅይድቲ እያ" ኢላ።











