ተመክሮ ህግደፍ ተመክሮ ዓመጽን ክሕደትን’ዩ

ዝቐደመ  ትውልዲ  ንዳሕረዋይ  ትውልዲ፡  ታሪኹ፣  ባህሉ፣  ቋንቋኡ፣  ናይ  ምሕደራ  ጥበቡ፣  ሓርበኝነቱ፣  ጽንዓቱን ተወፋይነቱን ከፍልጦ፡ ክምህሮ፡ ዝነበረ ዘሎን ዝቕጽልን መስርሕ ምስግጋር ሕብረተ-ሰብ’ዩ። እንተኾነ ኣውራሲ እንታይ ኣውሪሱ  ቅድሚ  ምሕታት፡  እንታይ  ዓይነት  ባህሪ፡  ባህልን  ተግባርን  ኔርዎን  ኣለዎን  ምፍላጥ  ኣገዳሲ’ዩ።

Add a comment

ሰብኣዊ ድሕነት ስደተኛታት ኤርትራ ብዘየገድስ ንዓዶም ክምለሱ ተወሲኑ እዩ

ኣብ ወርሒ የካቲት ካብ 15-17 / 2016 ዓ.ም.ፈ. ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ ብዛዕባ ምዕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ዝብል ዘተ ተኻይዱ ከም ዝነበረ ምዝኽኻር ኣገዳሲ ይመስለና።

Add a comment

ህግደፍ ልቦና ክገብር ምጽዋዕ፡ ካብ ዘይተበትከ ዕትብቲ ወይስ ካብ ዘይበሰለ ፖለቲካዊ ንቕሓት

ብመሰረተ  ሓሳቡ  ኣብ  መንጎ  ክልተ  ኣካላት  ዘይምቅዳው  ኣብ  ዝተፈጥረሉ፡  ጉዳይኩም  ብሰላም  ብዕርቂ ኣደቅስዎ  ዝብል  ምኽሪ  ምልጋስ  ቅቡል’ዩ።  እዚ  ከም’ዚ  ዝበለ  ምኽሪ  ተሰማዕነት  ክረክብ  ዘይክረክብ  ዝውስን ግን፡  እቲ  ባእሲ  ዝተፈጥረሉ  ምኽንያት፣  ጠለብን  ባህርን  ናይ  ብኡሳት፣  ዝኾነ  ግርጭት  በዳልን  ተበዳልን ክህልዎ  ናይ  ግድን  ስለዝኾነ፡  ኣብ  መስርሕ  በዳሊ  ኣብ  ልዕሊ  ተበዳሊ  ዘብጸሖ  ጉድኣት፣  እቲ  ጽልኢ  ሒዝዎ ዘሎ  ኣንፈትን  በጺሕዎ  ዘሎ  ደረጃን  ኣብ  ጸብጻብ  ምእታው  የድሊ። 

Add a comment

ባይቶ? ናይ መን? ብመን ዝተመረቐ ባይቶ?

ቅልዕቲ ንጹር መልሲ እተሓትት መልእኽቲ ምስ ዝብኢ እናተዋጋእና?...  ውኻርያ ከይተዘንግዓና ንጠንቀቅ ዝበሎ ቻይናዊማኦ-ተሶንግ ምስ እዛ ዘመሓላልፋ ዘለኹ መልእኽቲ ክዝክራ ዘደረኸኒ፡ ኩነታትና ብዓለመለኻዊ ኣፍልጦ ኣብ ዝተጨማለቐ ሕስመት ከምዘሎ ንማንም ኩዉል ኣይኮነን እሞ፡ ናብዚ ዘብጽሓናኸ እንታይ ኢልና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንመራመረሉ ግቡእን ቅጡዕን መልሲ ክንህበሉ ናይ ግድን እዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ሞይቱ ኢዩ...  ቀብሩ ዝጽበ ሙዃኑ ኸኣ ዝዝንግዖ ወይ ዝጠራጠር ኣሎ ክብል ኣይደፍርን፡

Add a comment

ጨንፈር ስካንድናቭያን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ስሩዕ ዓመታዊ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ኣካይዶም

ጨንፈር  ስካንድናቭያን  ደሞክራስያዊ  ግንባር  ሓድነት  ኤርትራ  (ደ.ግ.ሓ.ኤ.)  ደቆም  ታሪኽን  ባህልን  ሃገሮም ክፈልጡ  ንምትብባዕ፡  ከምኡ’ውን  ኣንጻር  መላኺ  ስርዓት  ንደሞክራስያዊ  ለውጢ  ኣብ  ዝሰላሰል  ዘሎ  ቃልሲ፡ ከም  መተኣኻኸቢ  መላለይን  መዝለልን  ማእከል  ኮይኑ  ከገልግል  ዘበገስዎ፡  ዓመታዊ  ናይ  ሓጋይ  መዘናግዒ መደብ (ግሪል) ብ2 ሓምለ 2016 ከም ዘካየዱ ደንጒዩ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Add a comment

ዝብኢ ዓድና …….. !

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ: ጉዳይ መቅርቦን ጓንነትን ንፍትሒ ይኹን በደል ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ዝምልከቶም ጉዳይ ከምዘይኮነ ንዝኾነ ባህሪያዊ ሰብ ርዱእ`ዩ።

Add a comment

ባንዴራ ( ሰንደቕ ዕላማ )

ቃልስና  ካብ  ሓደ  ጓል  መገዲ  ወጺኡ  ኣብ  ካልእ  ሃንደባታዊን  ዘይሓሰበሉን  ጓል  መገዲ  ምእታው  ኣመሉ  ኮይኑ፡  ዓመጽን ጭቆናን  ናይ  ስርዓት  ህግደፍ  ቆጭቖጭ  ኣቢልዎ  ንዕኡ  ዝብድህ  ድሓን  ዝኾነ  ስጉምትታት  ንኽወስድ  ድሉው  ኣለኹ  ክብል ተስተብህለሉ  ዝነበርካ  ዓቕሚ  ሰብ፡  ብሃንደበታዊ  ንፋስ  ተረኽቦ  ልዕሊ  ዓቐን  ክንኖ  ክትሪኦ  ዘተሓሳስብ  እዩ፡፡  ንኣብነት  እኳ ኣብ እዚ ቅንያት ሓደ መንእሰይ ነዛ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ከም ባንደራ ወይ ሰንደቕ ዕላማ ናይ ኤርትራ ትልለ ዘላ ካብ ዘምጽአ ኣምጺኡ  ብዝኾነ  ኣቃጺሉዋ  ድኣ፣  ነገር  ሓቂ  ንሱ  ዝኸዶ’ውን  ጓል  መገዲ  ኢዩ፡  ማለት  ጉዳይ  ባንደራ  እውን  ምስምምላስ ሙሉእ  ሰብኣዊ  ክብሪ  ኣብ  ኤርትራ  ዝርአ  ብምዃኑ  ኣብ  ጽባሕ  ካብ  ስልጣን  ምእላይ  ንስርዓት  ህግደፍ ብዛዕባ  ሕጋዊት ባንዴራ  ምዝርራብ  ድዩ  ምስቓል  ወይ  ውን  ምውራድ  ንህዝቢ  ኤርትራ  ክንገድፈሉ  ግድን  ብምዃኑ፡  ነዛ  መሰል  እዚኣ  ከም ነኽብረሉ  ካብ  ሕጂ  ቃል  ክንኣትወሉ’ሞ  ህዝቢ  ከኣ  ኣብ  ዕድመ  እዘን  ባንደራታት  እዚኣተን  ህዝቢ  ኣይተሰማምዐን  እሞ  ዋላ ጻዕዳ ዝምድራ ትሕሸና ኢሉ ክመርጽ ከም ዝኽእልን ንመሰሉ ኣሜን ኢልና ክንቅበል ምዃና ድልዉነትና ከነርኢ ድኣ እምበር ስሚዒት ሕድ-ሕድና ብዝጎትት ባዕላዊ ስጉምቲ ምውሳድ ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢ ……. …… እዩ ከብል ዝኽእል፡፡

Add a comment

ስደተኛታት፡ ኣብ ሊብያ ዘሕልፍዎ ዘለው ህይወት ዘባህርር’ዩ።

ኣህጉራዊ  ትካል  “ኣምነስቲ  ኢንተርናሽናል”  ከም  ዘረጋገጾ  ብደርዘናት  ዝቑጸሩ  ኤርትራውያን  ሓተቲ  ዕቑባ፡ ኣብ  ኢድ  ጨካናት  ኣሰጋገርቲ  ወዲቖም፡  ይሳቐዩ  ኣለው።  እቲ  ስቅያት  ዓይኒ  የብለይ  ስኒ  የብለይ  መግረፍቲ፡ ጾታዊ  ዓመጽ፡  ክጸምኡ  ክጠምዩ  ምግባር፡  ካብ’ዚ  ንላዕሊ  ከኣ  ክሳብ  ምቕታል  ዝበጽሕ’ዩ።  ንኣብነት  ኣብ  ሓደ ኣጋጣሚ  እዞም  ዘይሕጋውያን  ኣሰጋገርቲ፡  ንሓደ  ስንኩል  ኤርትራዊ  ስደተኛ  ካብ  ዝሳፈረላ  ዝነበረ  ፒክ  ኣብ ዝዓይነታ  መኪና  ብሓይሊ  ጎቲቶም  ናብ  መሬት  ደርቢየሞ።  ኣብኡ  ድማ  ረዳኢ  ስኢኑ  ተሳቕዩ  ሞይቱ።  እዚ ኩሉ ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበረ ሰብ እናተዓዘቦም ዝገበርዎ’ዩ።

Add a comment

ንኡስ ጨንፈር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ ኖርወይ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

ንኡስ ጨንፈር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ ኖርወይ ብዕለት 20 08 2016 ህዝባዊ ኣኼባ አካይዱ። ዕላማ ናይ እዚ ህዝባዊ ኣኼባ እቲ ጨንፈር ግሃድኤ - ሕድሪ ምስ ፍትሓውያን ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ በርገን ንምልላይ ኮይኑ፡ ካብ ሰዓት 5፡00 ክሳብ ሰዓት 8፡00 ንሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ኣገዳሲ ኣኼብ ምንባሩ ካብቲ ቦታ ዝተላእከልና ንጹር ሓበሬታ የነጽር።

Add a comment

ኣህጉራዊ ትካል ኣምነስት ኢንተርናሽናል፡ ንኩነታት ስደተኛታት ዝምልከት መጽናዕታዊ ዋዕላ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ከካየድ መዲቡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ጨንፈር  ኣህጉራዊ  ተጣባቂ  ሰብኣዊ  መሰት  ኣምነስቲ  ኢንተርናሽናል  ኣብ  ኢጣልያ፡  ካብ  3-10  መስከረም 2016  ኣብ  ዘሎ  መዓልታት  ኣብ  ከመይነት  ስደተኛታት  ኣመልኪቱ፡  ኣብ’ቲ  ገና  ንቡር  ስነ-ስርዓት  ቀብሪ ዘየረኸበ  ናይ  ኤርትራውያን  ሬሳታት  ተኾሚርሉ  ዘሎ  ደሴት  ላምፐዱዛ  ዳህሳሳዊ  መጽናዕቲ  ከካይድ  መዲቡ ከም ዘሎ፡ ኣስካ ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ከተማ ሮማ ሓቢሩ።

Add a comment

ባይቶ? ናይ መን? ብመን ዝተመረቐ ባይቶ?

ቅልዕቲ ንጹር መልሲ እተሓትት መልእኽቲ ንዝብኢ እናተዋጋእና?...  ውኻርያ ከይተዘንግዓና ንጠንቀቕ መበገስ መንቀሊየይ ብምጥቃም፡ ኣብ ዝሓለፈት ክፋል መዕጸዊ ድሃይ ዋናታት ኣመሪካ መሬት ረድ ኢንድያንስ ኣበይ ኣለዉ? ከመይ ኮነ ፍጻሜኦም ሕቶ ኣቐሚጠ ምስንባተይ እዝክር እሞ ቅድሚ ኣብ ቀጻሊ መግለጺየይ ምእታው ነታ ሕቶ ክሓታ ዘገደደኒ ምኽንያት ከምቲ ናታቶም ንዓና ንኤርትራውያን እውን ከረኻኽበልና ዝኽእል ኸይከውን ስለ ዝተሰከፍኩ እየ። ዘሎናዮ ህሞት ከኣ ናብኡ ገጹ የድህብ ስለ ዘሎ ንኽንጥንቀቕ ኢለ እየ።

Add a comment

ሓምሻይ ክፋል

ሓድሽ ዓመት 1968 ተጀምሩ ። ሰራዊት ሓርነት ከምቲ ልሙድ ኣንጻር ጸላኢ ምክልኻልን መጥቃዕትታቱ ምውርዋርን ቀጸሎ ። ቁጽሩ እንዳበዘሔ ከደ ፣ ስሪሒታቱ ድማ እንዳማዕበለ ስሌ ዝኸደ ኡሙን ደጀን ዝኾኖ ሓድሽ መሬት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ከእቱ ጀመረ ። ጸላኢ   መጥቃዕታት ሰራዊት ሓርነት ናብ ዓበይቲ መደበራትን ከተማታት ገጹ ከይየመሪሕ ፍርሒ ጀመሮ ። ገለ ካብቲ ስሪሒታት ድማ ዝስዕብ እዩ ፦

Add a comment

እታ ንስለ ክብራ ሓፋሽ ዝወደቑላ

ንእሽቶይ ዓዲ መቐነይ ነይትስእን ከምዝብሉዎ፤ ሰብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መቐነይ ረኺብና ቀኒና ብሰንኪ ሓንቲ ባንዴራ ብሓደ ኤርትራዊ ምቅጻላ ምኽንያት። እቶም ንዙረት ወይ ዕብዳን ዓዲ ምስ ከዱ’ሞ፤ ኣሸበሸብ ወያኔ ኣብ ከባቢ ጾሮና ወይ ከባቢ ባድመ መጥቃዕቲ ጀሚራ እንድሕር ሰሚዖም ናይ መምለሲ ኣየር ቲኬቶም ኣተዓራርዮም ካብ ኤርትራ ክህድሙ ከም ፍሊት ዝተነፍሓሉ ሃመማ መውጽኢ ቀዳዳት ሃሰው ዝብሉ አምሰሉታት ባንዴራና ተቓጺላ ኢሎም ንብዓት ሓርገጽ ምንባዖም ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም እዚ ደምበ ተቓውሞ ንሰለ ማሕበራዊ ፍትሕን ንልዕልና ሕግን ደው ኢለ ኣለኹ ዝብል ካብ ሓደ ጽውጽዋይ ናብ ካልእ ሓሸውየ ክነጥር ጊዜ ይዓርቦ ምህላው እዩ።

Add a comment

ብዉፉያት ዯባይ ኣሃደታትና ዕዉት መጥቓዕቲ ተኻይደ።

ዉፍያት ዯባይ ኣሃደታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ከም ወትሩ ብዕለት 08/08/ 2016 ዕዉት ወትሃዯራዊ መጥቓዕቲ ኣካይዶም፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ስርዓት ኤርትራ ከቢድ  ዕንወት ኣውሪዶም።

Add a comment

ዕንባባ ወርሒ ነሓሰ ግሃድኤ-ሕድሪ ሆለት፡ አብ ኤላት

ደቂ ሰባት ኣብ መነባብሮ ሂወቶም ዝጎደሎም ንኽምልኡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ግድነት ኢዩ፡፡ በዚ መሰረት ንሕና ኤርትራውያን ብስርዓት ህግደፍ ዝወርደና ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዓመጽ ብፖለቲካዊ ዓይነ-ሕልና ብምጥማት ዘዝዓቕምና ንምግባር ዝተበገስና ዉሑዳት ኣይኮናን፡፡ ውዳቤታትና ድማ ብሰለማዊ ምንቅስቓስ፡ ብቢሄራዊ ውዳበ፡ ብሃይማኖታዊ ጥርናፈ፡ ብሃገራዊ ህዝባዊ ወጽዓ ብምስትንታንን ብካልእ መዳይን በብዘለናዮ ዓገብ ምባል ኣይገደፍናን ኣይክንገድፍን’ውን፡፡

Add a comment

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ክጥቀመሉ ዘለዎ እዋናዊ ኩነታትን

እንኮ-ሰባዊ  ስርዓት  ህግደፍ፡  ብፖለቲካዊ፣  ቁጠባዊ፣  ዲፕሎማስያዊ፣  ወተሃደራዊ  ጸጥታዊ  መዳያት  ኣብ ድኹም ኩነታት ወዲቑ ይርከብ። ኣብ’ቲ ንግሩሃት ዘደናግረሉን ኣለኹ ኣይሞትኩን ዘተንፍሰሉ ቀንዲ ትንፋሱ ዝኾነ  ትካል  ዜናን ፕሮፖጋንዳን’ውን    ሰማዕን  ተኸታታልን  ስኢኑ  ይምህምን  ኣሎ፡፡  ደላዪ  ሰላም  ማሕበረ-ሰብ ዓለም  ኣብ  ልዕሊ  ዜናታትን  ህዝብታት  ኤርትራ  ንዝፈጸም  ዘሎ  መሰረታዊ  ጥሕሰት  ሰብኣዊ  መሰል  ብወግዒ ኣቓልቦ  ሂቡ፡  ፈጸምቲ  ገበን  ኣብ  ቤት  ፍርዲ  ቀሪቦም  ዝሕተተሉ  መስርሕ  ጀሚሩ  ኣሎ።

Add a comment

ሓቀኛ ደሞክራሲ፡ ሓቀኛ ዳኛ።

ኣድላይነት  ደሞክራስን  ደሞክራስያዊ  ትካላዊ  ኣሰራርሓን  ኣብ  ኣተረጓጉማኡ  እንተዘይኮይኑ፡  ኣብ  ኩሉ’ዩ  ዝጸሓፈሉ ዝዝረበሉ።  ንጉሳውያን፣  መለኽቲ  ኮነ  ፋሽሽታውያን  ስርዓታት  ኩሉ  ህይወታዊ  ምንቅስቓስ  ብሓይሊ  ንምቁጽጻር
ዘኽእሎም  ሕግታት  ኣውጺኦም፡  ፍጹም  ብዝበልኩኻ  ግበር   ጸረ-ደሞክራስያዊ  ስርዓት  ተኺሎም  እናመሓደሩ  ብቋንቋ ደሞክራሲ  ክዛረቡ  ይስምዑ።  ደሞክራስያዊ  እምነት  ከምዘለዎም፡  ዝኽተልዎ  ስርዓት  ደሞክራስያዊ  ከም  ዝኾነ፡  ንህዝቢ
ብደሞክራስያዊ  ኣገባብ  ከም  ዘመሓድርዎ፡  ንኹሉ  ዝተቖጻጸርዎ  መራኸቢታት  ተጠቒሞም  ክሰብኩ  ምስማዕ  ሓድሽ ኣይኮነን።  እዚ  ኣድላይነት  ደሞክራስን  ደሞክራስያዊ  ትካላዊ  ምሕደራን  ክስግር  ዘይከኣል  ምሩጽ  ኣገባብ  ምሕደራ
ምዃኑ ዘረጋግጽ’ዩ።

Add a comment

ኣብ ናይ ሳንድየጎ ዝተኻየደ ኣኼባን ክትዕን ዝቐረባ ሓሳባትን ብኣሕጽሮት

ማሕበረኮም/ኮምዩኒቲኤርትራ፡ብዙሓት ትካላት ማሕበረኮም ኤርትራ፣ስድተኛታትኣብ ክንዲጥዕንኦምን፡ጉዳይኢሚግረሽንን፣ትምህርትን፣ስራሕን፣ህዝበን ዘተኮረዝኸውን፣ኣብ ናይ ጣዕሳ ፎርም መምልእን፣ 2% ቀረጽ መመዝመዝን፣ ንኣሽቱ ህግደፍ ምምልማልን፣ ስለላ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ምክያድን ኮይኑ’ሎ ።

Add a comment

ገፋዒ ስርዓት ውጥንን ናይ ትግባረ ሰሌዳን ናይ ምትላም ዕድል ኣለዎ ።

ቀጽሪ ተቓውሞ ከኣ ናይ ምምካቱን ምፍሻልን ሓላፍነት ኣለዎ። ስርዓተ  መንግስቲ  ወይ  ናይ  ኣመራርሓ  ሜላ  ኣብ  ሃገራት  ዝተፈላለየ  ክኸውን  ይኽእል።  ነቲ  ስርዓተ  መንግስቲ  ወይ  ናይ ኣመራርሓ  ጥበብ፣  ባይቶኣዊ፣  ምልካዊ  ወይ  ስርዓተ  መንግስቲ  ውሑዳን  ኦሊጋርኪ  ብዝብል  ዝጽውዕሉ  ኣጋጣሚታት ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።

Add a comment

ራብዓይ ክፋል

ብዛዕባ ኩነታት ናይዚ ወታሃደራዊ ክፍሊ ክገልጽ ከሎ ፣ ሓፈሻኡ ኩሉ ከበሳ ዘጠቃለለ     ኣውራጃታት ኣከለጉዛይን ሰራየን ሓማሴንን ምብራቃዊ  ገማግም ባሕሪ ኣከለጉዛይ ፣  ምዃኑ ገሊጹ ። ሓይሊ ጸላኢ ጦር ሰራዊት ኮነ ካልእ ወታሃደራዊ ሓይሊታቱ  ፖሊስ ፣ ኮማንዶስ ፣ ከተማ ኣስመራ ሓዊስካ ቀንዲ መደበራት ጸላኢ ዝርከቦ ክፍሊ እዩ ። ብተወሳኺ ጸላኢ ኣብ ፈቀዶ ዓድታት ንህዝቢ ( ባንዳ ) ዝዓደሎ ብረት ይርከብ ። ምስ ጀብሃ ንምግጣም ካብ ዝተፈላለየ መሰረታዊ መደበራቱ ይብገስ ነሩ ። ስሌዚ ከምቲ ዝተገልጸ ምስ ጸላኢ ቅልጡፍ ተኸታታሊ ወይ ድማ ዳርጋ ማዓልታዊ ዝኾነ ግጥሚያታት ክካየድ ባህሪያዊ እዩ ክባሃል ይካኣል ።

Add a comment

ኣኼባ ጨናፍር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ  ጽጉማን ኣብ  ዓመት ሓደ ግዜ ክካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባ ሎሚውን ካብ ኩለን ጨናፍር ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተስተፍዎ ሰሚናር ብዕለት 15 ነሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ኣካይዱ።

Add a comment

ግሃድኤ - ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን ብ6 ነሓሰ 2016 ጨንፈራዊ ኣኼባኦም ኣሰላሲሎም።

ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን ብ6 ነሓሰ 2016 ጨንፈራዊ ኣኼባኦም ኣሰላሲሎም። ኣባላት ጨንፈር ንዝቐረበሎም ኩነታት ውድብን ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋሞም ነቲ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣወንታዊ መፍትሒ ምዃኑ ተቐቢሎሞ። ከምኡውን ብጻይ በርሀ ተኽልዝጊ ወኪል አሰናዳኢ ጉባኤ ኣብ ኤውሮጳ ሒዝዎ ዝቐረበጸብጻብ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ንጉባኤ ዝምልከት ጨንፈር ጀርመን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ክሰርሑ ምዃኖም ብዕግበት ተቐቢሎሞ።

Add a comment

ኣብ ትሕቲ ምልኪ ሓደ ሰብ እናነበሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ቅዋም ንዝነብሩ ህዝብታት ዝንዕቁ በሃማት

ብኸመይ ትነባበር ትመሓደር ኣለኻ? ናበይ ትኸይድ ኣለኻ? ኣበዩ መዕረፊኻ? ሕልሚኻ ከተዐውት እንታይ’ዩ ጭቡጥ  ዓቕምኻ  ኣመዛዚንካ  ልክዕካ  ዘይምፍላጥ  ከቢድ  ፖለቲካዊ  ዕዳ’ዩ።  ኣብ  ሓደ  ህዝቢ  ወይ  ህዝብታት፡
ፖለቲካዊ  ዕዳ  ክመጽእ  ዝገብሩን  ዘሳስዩን  ብርግጽ  ውሑዳት  ጠቕመ  ፈሊጣውያን’ዮም።  ጾር  ናይ’ቲ  ዕዳ  ግን ብቐንዱ  ኣብ’ቶም  ውሑዳት  ተበለጽቲ  ዘይኮነ  ኣብ  እንግድዓ  ብዙሓት’ዩ  ዝዓርፍ።  ስለዚ  ብዙሓት  ተሰከምቲ ፖለቲካዊ  ዕዳ  ከይኮኑ  ገዛእ  ርእሶም  ካብ  ስምዒት  ገሪሖም፡  መን  ቅኑዕ  መን’ከ  ዘይቅኑዕ  ክግምግሙ፡  ብኸመይ መሰሎም የኽብሩ፡ ነገራዊ ረብሓታት የረጋግጹ ከመዛዝኑ ይግባእ።

Add a comment

ምልክታ

ውፉያት ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዕዉት መጥቃዕቲ ኣካይዶም ፣ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሰቡን ፡ ንብረቱን ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡሉ ኣሎ።

Add a comment

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ .................

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ስምዒታት ከም ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ይሰርሓሉ ምህላው ተፈሊጡ።

Add a comment

ንኡስ ጨንፈር ግሃድኤ-ሕድሪ ሆላንድ ኣኺብኡ ዛዚሙ

ንኡስ ጨንፈር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ሆላንድ ብዕለት 07. 08. 2016 ኣብ ከተማ ሮተርዳም ኣኼብኡ ከምዘካየደ ካብቲ ከተማ ዝተላእከልና ርጡብ ሓበሬታ የነጽር። ንኡስ ጨንፈር ሆላንድ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሆላንድ ዝነብሩ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ነበርቲ አባላት ውድብን ሓደስትን ዝተኻፈልዎ ሰፊሕ ኣኼባ ምንባሩ ውሃብ ቃል ወሲኹ ይሕብር።

Add a comment

ጉዳም የኔታ ኣይተ ገብረኪዳን ደስታ

ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዩቱብ ብሓደ ፈታዊ ዝተሓበረኒ ቃለመጠየቕ ንበሎ ድሓን ኮነ ኢልካ ዝትረኽ ኣምሲልካ መልእኽቲ ትግራይ-ትግርኝ.. ዘይተበራበረ ሕልሚ ምስመዔይ ሽሕ እኳ ንዝሓልም ተበራበር እምበር ኣይትሕለም ክትብሎ መሰል ሕልሙ ኽትክልክሎ ካብ ብሕጻነይ ዝተማሃርክዎ ዓገብ ስለ ዝኾነ ኣይትሕለም ኣይበሎ እምበር፡ ትሕዝቶ መልእኽቱ ኮንቱ ከምዝኾነ ክነግሮን እቲ ኮንትነቱ ከዘኻኽሮን ኣነ እውን መሰል ስለ ዘሎኒ እየ ነዛ መልሲ ዝጽሕፍ ዘለኹ እሞ ንፍርዲ ራኢ ለባማት ኤረክባ።

ቅድሚ ኣብ ኣርእስተ ገለጻይ ምእታው ግን ኣብቲ መንነቱ ዝሕብር መልእኽቱ መምህር ተባሂሉ ስለ ዝጽዋዕ.. ተጋሩ ኣዕሩኸይ ከምዝነገሩኒ.. መምህር ዝጽዋዕ ፊደል ቆጺሩ ንምምህርና ዝበቐዔ ዘይኮነ... ቀዳሲ ዛቑናይ ኣገልጋሊ ቀሺ እዩ መምህር ዝበሃል ብባህለ ልምድና ስለ ዝበሉኒ.. እቲ ናይ እንዳዓለቡኡ ኣጸዋውዓ ክምንዝዖ ኣተዓባብያይ ስለ ዘይፈቕደለይ መልእኽተይ እምበኣር... መምህር ገረኪዳን ደስታ ኢለ ኤመሐላልፈሉ።

Add a comment

ጸላኢ ብሓሳብ ተሳዒሩ’ዩ። ዝተርፍ ዕማም ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ’ዩ።

ዝዓበየ  መምዘኒ  ናይ  ደቂ-ሰባት፡  ግዝፊ  ኣካላት፣  ቁመት፣  መልክዕ፣  ሃብቲ፣  ትውልዳዊ  መበቆል፣  ጉልበትን ናይ  ጎልበት  መሳለጥያን  ኣይኮነን።  እንታይ  ደኣ  ሓሳብ’ዩ።  እቲ  ሓሳብ  ቅኑዕን  ዘይቅኑዕን  ወይ  ምዕብሉን
ድሕሩን  ተባሂሉ  ክምደብ  ይከኣል።  ንይምሰል  ዘይኮነ  ንሓቀኛ  ሰላም፣  ሓቀኛ  ደሞክራሲ፣  ሓቀኛ  ማሕበራዊ ፍትሒ፣  ሓቀኛ  ማዕርነታዊ  ደሞክራስያዊ  ሓድነት፣  ሓቀኛ  ልምዓት፣  ሓቀኛ  ሓባራዊ  ተጠቃምነት…ወዘተ
ዝቕበልን  ኣብ  ግብሪ  ንምትርጓሙ  ዝሰርሕን  ሓሳብ  ቅኑዕ፤  ብኣንጻር’ዚ  ኣብ  ነጻነት፣  ሃገርነት፣  ልኡላውነት፣ ሓድነት  ተሓቢኡ፡  ንመሰረታዊ  ክብረት  ሰብኣዊ  መሰላትን፡  ዜግነታዊ  ሓርነታዊ  ደሞክራስያዊ  መሰላትን
ዝዕፍን፣  ዝሃድን  ዝቐትል  ሓሳብ  ከኣ  ዘይቅኑዕ’ዩ።

Add a comment

ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ኤርትራዊ ብልሒ፡ ውሳኔን ትብዓትን የድሊ ኣሎ።

ፖለቲካዊ፡  ቁጠባዊ  ኮነ  ማሕበራዊ  ኩነታት  ኤርትራ  ካብ  ግዜ  ናብ  ግዜ  እናተበላሸወ፡  ሓድነት  ህዝብታትን  ሃገራዊ ስምዒታትን  ድማ  ብኣሉታ  እናተጸልወ  ይኸይድ  ከም  ዘሎ  ኣብ  ባይታ  ዘሎ  ሓቂ  ዝምስክሮ’ዩ።  ህግደፍን  መሰሉትን
ጠንቂ  ናይ’ቲ  ኩሉ  ሕሰማትን  ኣደራዕን  ንሳቶም  ክንሶም፡  ፍጥር  ጥቅር  ኣቢሎም  ንግዝያዊ  ፕሮፖጋንዳዊ  ሃልኪ  ክብሉ ብዛዕባ  ህልዊ  ጽንዓት፡  ዕቤትን  ሓድነት  ህዝብታት  ኤርትራ  ብዙሕ  ክብሉ  ይስምዑ።  ኣብ  ተግባር  መጺእካ  ግን፡
ማሕበራዊ  ኣቃውሞ  ህዝብታት  ኤርትራን  ዝረአ  ዘሎ  ናህሪ  ምንቁልቋልን  ብኣንጻር’ቲ  ዝበሃል’ዩ።  ኣብ  ከም’ዚ  ኩነታት ነገራት  እናረኣኻን  እናሰማዕካን  ከም  ዘይጉዳይካን  ከምዘይምልከተካን  ብስቕታ  ክትሓልፎ  ምፍታን  ግን  ሓላፍነታዊ
ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ዘዋጽእ’ውን ኣይኮነን።

Add a comment

ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ዘይጽወር ብዝበልዎ ክብሪ መነባብሮ፡ ስርቅን ዓመጽን ይሳቐየ ኣለው።

ስእነት  ሰላም  ማሕበራዊ  ፍትሕን  ዝወለዶ  ክብሪ  መነባብሮ  ሃገር  ከደን  ጸገም  ካብ  ዝኸውን  ዓመታት  ዘቑጸረ  ምዃኑ ጽፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ’ታ ጻዕቂ ሰብ ዘለዋ፡ ብተነጻጻሪ ዝሓሸ ማሕበራዊ ቀረባትን ሸቐጣትን ከም እረክብ ዝንገራላ መነሃሪያ   ቢሮክራስያዊ  መሓውር  መላኺ  መንግስታዊ  ጉጅለ  ዝኾነት  ከተማ  ኣስመራ  ተፈጢሩ  ዘሎ  ጸገም  ግን፡ ዘይጽወር ናብ ደረጃ ስርዓት ኣልቦነት ዝምዕብል ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

Add a comment

ናብ ተወርዋሪ ኣሃዱ ተመዲብኩም ኣለኹ ዝተባህሉ ተማሃሮ፡ ንሶም በብዝረኸብዎ ዕድል ይሃዱሙ ስድራ ቤቶም ድማ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብቐስመን  ናብ  ወተሃደራዊ  መዓስከር  ሳዋ  ዝወረዱ  ተማሃሮ  መበል  29  ዙርያ፡  ብመደብ  ዝበዝሑ  ናብ  ኮለጅ ዘእቱ  ነጥቢ  ከይረኽቡ  ብምውሳን፡  ብቐጥታ  ተዋርዋሪ  ናብ  ዝበሃል  ካልእ  ገጽ  ናይ’ቲ  ተኲስካ  ቅተል  ዕማም
ዘለዎ  ኣሃዱ  ተመዲብኩም  ኣለኹም  ዝብል  መምርሒ  ምስተዋህቦም፡  በብዝጥዕሞም  ሃዲሞም ይጥፍኡ፡  ሃለዋት ደቆም  ዝሰኣኑ  ወለዲ  ድማ  ኣብ  ከቢድ  ሻቕሎት  ወዲቖም  ከም  ዝርከቡን  ምንጭታት  ድምጺ  ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሱዳን ኣፍሊጦም።

Add a comment

ነብስኻ ሕተት !!

ኣብዚ ዘሎናዮ ናይ ቃልሲ መድረኽ፣ ሰባት ነዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዘናኣእሱ ዘቆናጽቡ፣ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ንዘለዋ ውድባት ክውንጅሉ ይስምዑ ኢዮም። ብድኽመት ናይ ውድባት እውን ብዙሕ ይዛረቡ፣ ንነብሶም ግን ኣነ ኣበይ ኣሎኹ፣ ኣብ ዘሎ ቃልሲ እንታይ ኣበርክቶ ገይረ ኢሎም ኣይሓቱን። ስለ ዝኾነ'ዩ መጀመርያ ነብስኻ ሕተት ዝብል ኣርእስቲ ናይ ጽሑፈይ ኮይኑ ዘሎ። ብርግጽ ኣብቲ ዝሰላሰል ዘሎ ሃገራዊ ጉዳይ ንኻልኦት ቅድሚ ምኽሳስ፣ ኣነኸ እንታይ ገይረ ወይ ድማ እንታይ ይገብር ኣሎኹ ኢልካ ንነብስኻ ምሕታት ልቦና ኢዩ።  

 ኣብ ኤርትራ ሰላም ንምንጋስ ድማ ተወዲቦም ንዝቃለሱ ኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮነን ዝምልከት፣ ግደ ወይ ድማ ሓላፍነት ናይ ኩልና ኤርትራውያን ኢዩ። ነተን ብዓቕመን ንዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ድማ ክንሕግዝን፣ ኣብተን ውድባት ተሰሪዕና ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ርኡይ ዝኾነ ግደ ክንጻወትን'ዩ ዝግበኣና።

Add a comment

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2016 ጥራሕ 25 ሽሕ ስደተኛታት ባሕሪ ኣቋሪጾም ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ኣትዮም ተባሂሉ።

ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 25 ሽሕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ንከቢድ ሓደጋ ባሕሪ ሰጊሮም ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ከም ዝተኣው፡  ንሓለዋ ዶባት ኤውሮጳያዊ ሕብረት “ፍሮንቴክስ” ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብ12 ነሓሰ 2016 ካብ ከተማ ሮማ ጸብጺቡ።

እቶም ስደተኛታት ኣዴታት፣ ህጻነት፣ ነፍሰ ጾራት፣ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸገማት ዝነበሮም ዝርከብዎም ብምዃኖም ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ ዝበለ እቲ ዜና፡ ሕጂ’ውን እቲ ሓደጋ ዘይፍለዮ መስመር ሱዳን ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ኤውሮጳ ካብ ፍልሰት ስደተኛታት ኣየቋረጸን ኢሉ።

Add a comment

መንእሰያትና ኣሰር ጉድለታትና ተኸቲሎም ከይጓዓዙ፡ ንምሕጋዞም ኣወንታዊ ተራና ንጻወት!

መንእሰይ ካብ ተረካቢ ህዝብን ሃገርን ምዃን ሓሊፉ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ምዃኑ፡ ናይ ሕብረተ-ሰብ ሕግታትን ታሪኽን ዘረጋገጾ ኣድማሳዊ ሓቂ እዩ። ይኹን’ምበር ሓደ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ልዑል ተራ እናተጻወተ፡ ህዝብን ሃገርን ብብቕዓት ተረኪቡ ክመርሕ ንክበቅዕ፡ በቲ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ኣብ ገግዚኡ ዝውደቡ መንግስታት፡ ፍሉይ ቆላሕታን ሓገዝን እናተገብረሉ፡ ብኩሉ-መዳይ ተዀስኲሱ ክዓቢ የድሊ።

Add a comment

ግርጉራት አዛበእ

አዛበእ ዓድና እምብዛ ገርጊሮም

ወግሐ ጸብሐ ዝⷅሩ ሕብሮም

ሓሶት ክዛረቡ ምንም ዘየሕፍሮም

ግርጉራት አዛበእ እከይ ግብሮም

Add a comment

ጠቕላላ ጽማቚ ምጥራዝ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን

80 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 120 ስደተኛታት 22 ሰዓታት ካብ ካርቱም ድሕሪ ምጒዓዞም ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዕለት 23/07/2016 ተታሒዞም ናብ ካርቱም ድሕሪ ምምላሶም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኦምዱርማን ተዳጒኖም ከምዘለዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ

Add a comment

ኣብ ከሰላ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ህይወት ሓያሎ ሰባት ወሲዱ

kesela floodምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልዕ፣ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከምዝቐተለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ሩባ ጋሽ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምውሓዙ ዝፈጠሮ ዕልቕልዕ ዝተሃርመ ከባቢታት ከሰላ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኣባይቲ እውን ከምዘዕነወ ተፈሊጡ።

Add a comment

ሳልሳይ ክፋል

ራብዓይቲ ክፍሊ ጉዕዞኣ ብወገናት ከረን ብመሬት መንሳዕ ክኾውን ስሌ ዝወሰነት ኣብ ከባቢ ምሕላብ ፣ቁሩሕ ዝተባህለ ቦታ ብዕለት 15/9/1965 ጹዕጹዕ ውግእ ኣካይዳ ። ንጸላኢ ዘርዓዱ ጥይት ምስ ተወደኦም ብሶንኪ ንጸላኢ ዝገጠሙ ንዘለዓለም ዘይርሳዕ ትምህርቲ ዝሃቡዎ 21 ስዉኣት ከም ምኽትል መራሕ ራብዓይቲ ክፍሊ ዓብደላ ባረን ተጋዳላይ ጃብር ዖካን ተሰዊኦም ። ካብ ጸላኢ ካብ 80 ዘይውሕዱ ተቀቲሎም ። ጉዕዞኦም ድማ ተጎናድቡ ይኹን እምበር  ድሒሩ ካልእ ግዜ ናብ ክፍሎም ክበጽሑ ክኢሎም ።

Add a comment

ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ከተማ ኡስተርሱንድ ሃገረ ሽወደን።

ኣህጉራውን ዞናውን ብፍላይ ድማ ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ሂይወትን ኣብ ግምት ዘእተወ እዋናውን ኣገዳስን ህዝባዊ ኣኼባ ብወኪል ግሃድኤ - ሕድሪ ዞባ ኤውሮጳ ክካየድ ምኳኑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር።

Add a comment

ታሪኻዊ ፈስቲቫል ካስል ካብ 16-18 መስከረም !!

           ኣንታ ሓወይ ናበይ ኢኻ?  

ወይለይ ኣይሰማዕካ ድኻ !

ኣይሰማኩን እንታይ ሓዲሽ'ሎ? 

ኣብ ከተማ ካስል ዓቢ ውዓሎ ኣሎ!! 

ዋእ ኣንታ እንታይ ኢኻ ትብል፣  

እወ ኣብኡ የራኽበና ኣብ ከተማ ካስል !

Add a comment

ካልኣይ ክፋል

 ሓምድ ቀጽሉ ፣ ካብ ወገናት ባጽዕ ንባርካ ተመሊሰ ካብኡ ከሰላ ኣቲየ ምስ ስዉእ ሳቤ ተራኽቤ ዳግም ንሜዳ ተመሊሰ ኣብተን ኣሃዱታት ተጸምበርኩ ። እዚ ድማ ብ1964 እዩ ነሩ ይብል ። መን እዩ እቲ ምስ ስዉእ ጣህር ሳልም ኮይኑ ዝላኣኸካ ዑስማን ኣደም ንዝብል ሕቶ ክምልሽ ከሎ ፡ ዑስማን ኣደም ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ ምስ ብጻዩ ስዉእ ዓሊ ኣሕመድ  ካብ መደበር ፖሊስ ናይ እንጅሓይ ( ባርካ ) ኣብ መጀመርታታት ናይ ቃልሲ ብሬት ተሰክሞም ኣብ ሰውራ ዝተጸምበሩ ተጋደልቲ እዮም ። ዑስማን  ኣደም  ቅድሚ ምምስራት ወታሃደራዊ ክፍልታት ምስ ጸላኢ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ኣብ ደምበላስ ዕለት 8/2/1964 ተሰዊኡ ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ምስኡ  ከምኡ ፖሊስ ዝነበረ ዑስማን ሻግን ፡ መጀመሪያ ስዉእ ካብቶም ወታሃደራዊ ኮርስ ኣብ ሱሪያ ዝወሰድና ዓብዱልዋሃብ ፉቱዊን ተሰዊኦም ። ዓሊ ኣሕመድ ድማ ኣብ ቃጠታይ ( ሞንጎ ምስያምን ዓድ ኩኩይን ዘሎ ሩባ ) ምስ ጸላኢ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ብዕለት 20/4/1964 ተሰዊኡ ።ኣብዛ ዕለት ከምኦም ኣባል ፖሊስ ዝነበረ ካብ ምጽዋዕ ብ1963 ምስ ብጻዩ ስዉእ ሙሓመድ ስዒድ ሻምሲ ምስ ብረቶም ንኣባላት ፖሊስን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣካላትን መሪሑ ዝወጸ ዑመር ናስር ሹም ተሰዊኡ ይብል ።

Add a comment

‘ንቁም በብህላወነ!’ ክሳብ መዓስ?

ዝኸበርኩምን ዘፍቅረኩምን  ህዝበይብጠቕላላ፡ብፍላይከኣኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ መስገደል ስርዓት ኢሰያስ ዘለኹም ህዝበይ፡ ኣብ ወጻኢ እትነብሩ ዝኸበርኩምደለይቲፍትሒኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን ኤርትራውያን፡ሕውነታዊ ሰላምታይይብጻሕኩም።እወ፡ ህዝበይ እንተበልኩኹምሲ ባሕሪ ከብደይ ብፍስሃ ይመልእ ኣሎ።

Add a comment

ጨካን ኣተሓሕዛ እሱራት ኣብ ዓሰብ

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተሓድሶ ዓሰብ ዝርከቡ እሱራት ብሰንኪ ጨካንን ሰብኣዊ ርህራሄ ዝጐደሎ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣደዳ ሞትን ዝተፈላለየ ሕማማትን ኮይኖም ኣብ ኣዚዩ መሪር ስቓይ ተሳጢሖም ይርከቡ። እዞም እሱራት እዚኣቶም ምኽንያት መእሰሪኦም ዝተፈላለየ’ኳ እንተኾነ ነተሓሕዘኦም ብዝምልከት ግን ንኽትሰምዖ ዘደንጹ ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል መበል 21 ክፍለ-ዘመን ከጋጥም ይኽእል ኢዩ ኢልካ ዘይትጽበዮ ኣብ ልዕሊ ተቓሊሶም ሃገር ዘውሓሱ ዜጋትትና ይወርድ ምህላዉ ተገንዚብና ኩሉ ብመሰል ደቂ-ሰባት ዝግደስ ዘበለ ነዛ ንሞት ተዳሪጋ ዘላ ህይወቶም ንምድሓን ዝከኣለና ክንገብር ንጥለብ።

Add a comment

መንገዲ ናብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ!!

ኣብ ትሕቲ “መንገዲ ናብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ” እዞም ዝስዕቡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ብሓባር ዘዳልውዎ ሰፊሕ በዓል (ፈስቲቫል)፦

Add a comment

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ

ርክብ ምስ ተጋዳላይ ሓሚድ ሳልሕ ምኽትል መራሕ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ሰልፈኛታቱን፣  ኣብቲ ሕጂ ዝነብረሉ ዘሎ መደበር ስደተኛ`ታት ሱዳን ፣ ምስኡ ኣብ ዝተገብረ ርኽክባት ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰውራ ምስላፉን ፍሉይ ተሞክሮ ሳልሰይቲ ክፍሊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን የዘንቱ ።

Add a comment

23 እሱራት ምስ 3 ሓለውቶም ካብ ቤት-ማእስርቲ መዕጥር ኣምሊጦም

ኣብ ሓለዋ እሱራት ተመዲቦም ከገልግሉ ዝጸንሑ 3 ወትሃደራት ን23 ሰባት ካብ ቤት-ማእሰርቲ መዕጥር ነጻ ኣውጺኦም ብለይቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣብጺሖሞም ኣለዉ። እዚ ዕዉት ስርሒት’ዚ ዝተፈጸመሉ ዕለት ድማ,7/3/2016 ዓ.ም.ፈ. ኢዩ ነይሩ። ቤት-ማእሰርቲ መዕጥር ብዘይካ ዝምልከቶም ኣካላት፣ ካብ ካልእ ቦታ ንምብጻሕ ይኹን ብኡ ንምሕላፍውን ዘይፍቀድ ሕቡእ ቦታ እዩ።

Add a comment