ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ንማያት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ሞካን ዙቑርን ተቘጻጺሩ
ሑቲ የመን፡ ንማያዊ ዶባት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ስትራተጅያዊ ወደባዊት ከተማ ሞካን ደሴት ዙቑርን፡ ካብቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መንዚዖም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉዋ ወተሃደራውያን ምንጭታትን መሰኻኽር ዓይንን ሓቢሮም። እዚ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ንኸተማ ሞካ...
Latest releases
ሕማም ዓሶ: ኣውራ ቀታሊ ሕማም ኣብ ኤርትራን ኣፍሪቃን ኮይኑ ይቕጽል
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ ኤርትራ ሕማም ዓሶ ሓደ ካብ ቀንዲ ሓደገኛ ሕማማትን ቀታልን እዩ::
ካብ ኦክስፎርድ ናብ በሲግዲራ፡ ናእዳ ዘትረፈ ምህዞ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት
ኣእምሮኣ፡ ኣእዛና፡ ኣጻብዕታን ኣእጋራን ወትሩ ኣብ ንጡፍ ስራሕን ምንቅስቓስን ምስተጸምዱ’ዮም።
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ። እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝጽንበል ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ‘ውን ብማዕረ ክሳተፋን ዘዘኻኽር‘ዩ። ብዘይካ‘ዚ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ዘስገድደን ከም ምኽንሻብን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝኣመሰለ ጎዳኢ ልምድታትን ካልእ ዘቤታዊ ጎነጽ፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ይዝረበሉ።...
‘ብኤርትራ ዝተታሕዘ ከባቢታት ትግራይ ኣጻሪና፣ መፍትሒ ንምንዳይ ብዕምቖት ንሰርሕ ኣለና’ ሚ/ምክልኻል ኢትዮጵያ
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ብኤርትራ ዝተታሕዘ ከባቢታት ትግራይ ብምጽራይ፣ መፍትሒ ክርከበሉ ብዕምቆት ይስርሓሉ ከምዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊጹ።























