መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ
ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት...
Latest releases
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ተዘራርብ ዘላ መጽሓፍ ‘ኮኾብ ሰሜን’ ትሕዝቶኣ እንታይ እዩ፤ ዶር. ፍጹም ከ መን እዩ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራውያን መዛረቢ ኣርእስቲ ፈጢራ ተርአ ዘላ መጽሓፍ፡ ኣብ 2022 ብመምህር መኮነን ተስፋይ ዝተጻሕፈት ዛንታ ህይወት ሓደ ዶር. ፍጹም ገብረስላሰ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጋዳላይ እትጸዊ ዓባይ መጽሓፍ እያ።
መዓስከር ኣለምዋጭ -- ኤርትራዊ ስደተኛ ብዕጡቓት ተቐቲሉ
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ዕጡቓት ናብቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦምብሉ ዘለዉ ብምምጻእ፡ ንሓደ ካብቶም ተዓቈብቲ ናብ በረኻ ወሲዶም ከም ዝቐተሉ፡ መቕርቡ ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ሓሙስ ካብቲ መዓስከር በቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስደተኛ፡ ብቐዳም’ዩ ኣብ በረኻ ተቐቲሉ ተረኺቡ።


























