ስደት፡ እቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ጽዑቕን ቀዛፊን መስመር

ወዲ 35 ዓመት መሓመድ ዓብደላሂ መሓመድ፡ ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድመኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ብጃልባ ዝገበሮ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጕዕዞ ምንባሩ ይዝክር።

ከምቶም ካልኦት ብዙሓት ስደተኛታት፡ ዝሓሸ ዕድላት ንምርካብ እዩ ካብ ዓዱ ሶማልያ ክወጽእ ዝወሰነ።

"ምብራቓዊ መስመር" ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝግበር ጕዕዞ ዝወስድ መገዲ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጽዑቓት መስመራት ስደት ሓደ'ዩ፣ እንተዀነ ብዙሕ ኣቓልቦ ዓለም ኣይረኸበን።

ከምቲ መሓመድ ዘጋጠሞ ሓደ ካብቶም ሓደገኛታት፣ ህይወት ኣማኢት ስደተኛታት ዝቐዘፈ መስመራት ስደት እውን እዩ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ገምገም ባሕሪ የመን፡150 ዝዀኑ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ጥሒላ ልዕሊ 68 ካብኣቶም ሞይቶም፣ ልዕሊ 70 ድማ ዛጊት ደሃዮም ጠፊኡ፣ 12 ካብኣቶም ጥራይ ብህይወት ተሪፎም ኣለዉ።

እዚ መስመር፡ ዋላ'ኳ ሓደጋታት እንተሃለውዎ፡ ዓመታዊ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ብቐጻሊ ይጓዓዝዎ።

መሓመድ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ተመሳሳሊ ጕዕዞ እንክዝክር፡ "ን30 ደቓይቕ ምስ ተጕዓዝና፡ እታ ጃልባ ክትናወጽ ጀሚራ። እቶም የመናውያን ኣሰጋገርቲ ብዓረብኛ ክዛረቡ ጀሚሮም፤ ሰባት ካብታ ጃልባ ክድርብዩ ድማ ይዛረቡ ነይሮም፣ ንሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ከኣ ካብታ ጃልባ ብሓይሊ ናብ ባሕሪ ደርብዮምዎም፡"።

ማእከል ምሕዋስ ስደተኛታት (MMC) ኣብ ዓመት ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ካብ ኣፍሪቃ ናብ የመን ከም ዝኣትዉን ብብዝሒ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ኰይኖም ውሑዳት ካብ ሶማልያን ጅቡትን ምዃኖም ይግምት።

ኣብታ መሓመድ ተሳፊሩላ ዝነበረት ጃልባ 47 ኢትዮጵያውያን፡ ሓሙሽተ ሶማላውያንን ክልተ የመናውያን ኣሰጋገርቲን ነይሮም።

"ኣዝዩ ዘጨንቕ ጕዕዞ እዩ ነይሩ። ማይ ናብታ ጃልባ ይውሕዝ ነይሩ። ኣእዳውና ተጠቒምና ነቲ ማይ ከነውጽኦ ንፍትን ነይርና። ኣብቲ ዝሓሰብናዮ ከም እንበጽሕ ግን ኣይንፈልጥን ነይርና፡" ይብል።

ካብ 2014 ጀሚራ የመን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ ስለ ዘላ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ናብታ ልዑል ጠለብ ጕልበት ስደተኛታት ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ ክገሹ ይመርጹ።

ምኽንያት መሰደዲኦም፡ ብዓቢኡ ቍጠባዊ ክኸውን እንከሎ፡ ብሰንኪ ግጭት፡ ዓመጽን ስደትን ካብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮምያን ዝስደዱ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

ጕዕዞ ብጅቡቲ ዶ ብሶማልያ?

እቲ ንወሽመጥ ዓደን ዝሰግር ሓደገኛ መገዲ ክልተ ቀንዲ ኣንፈታት ኣለዎ።

ስደተኛታት ብእግሪ ብጅቡቲ ኦቦክ ካብ ዝተባህለት ከተማ ተበጊሶም ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ላሂጅ ይበጽሑ።

ወይ ድማ ካብ ቦሳሶ ሶማልያ ተበጊሶም ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ የመን ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ሻብዋ ይኣትው።

መሓመድ ብኽልቲኡ መስመራት ተጓዒዙ እዩ።

ካብ ጅቡቲ ናብ ላሂጅ ዝገበሮ ጕዕዞ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ እዩ። ኣብ 2014 ናብ ሶማልያ ምስ ተመልሰ ብቦሳሶ ኣቢሉ ናብ የመን ተመሊሱ።

"ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ብጅቡቲ ዝተበገስኩሉ ጕዕዞ ስለ ዝነበረ ኣይፈራሕኩን፣ ግን ኣዝዩ ዝነውሐ'ዩ ነይሩ። ናብ የመን ንምብጻሕ 24 ሰዓታት ወሲዱልና፡" ይብል።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣይኦኤም፡ ጅቡቲ ናብ የመን ቀዳመይቲ መተሓላለፊት ሃገር እያ።

ኣብ 2023 ናብታ ሃገር ዝኣተዉ 106 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ነይሮም።

ኣብ መተሓላለፊ መገዲታት ጅቡቲ ምብጻሕ በዳሂን ሰሙናት ክወስድ ዝኽእልን እዩ።

ምብራቓዊ መስመር
መግለጺ ስእሊ,ምብራቓዊ መስመር

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ኦቦክ ንምብጻሕ ኣስታት 800፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ንዝመጽኡ ድማ ኣስታት 400 ኪሎ ሜትር ጕዕዞ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ገንዘብ ዝረኸቡ መጓዓዝያ ክረኽቡ እንከለው፡ ብዙሓት ግን ኣብ ብርቱዕ ሙቐትን በረኻን ነዊሕ ብእግሮም ክጕዓዙ ይግደዱ።

ኣብ እዋን ሓጋይ ሙቐት ክሳብ 50 ዲግሪ ሴልሽየስ ክበጽሕ ይኽእል። ኣብ ገማግም ባሕሪ ምስ በጽሑ፡ ንሓደ ሰብ ድማ ወሽመጥ ዓደን ንምስጋር ብውሑድ 300 ዶላር ንኣስገርቲ ከፊሎም ንወሽመጥ ዓደን ይሰግሩ።

ሓላፊት ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ኤምኤምሲ ኣይላ ቦንፊልዮ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንግዲ ኰይኑ ከም ዘሎ ትዛረብ።

"300 ዶላር በቶም ኣብ ዓመት በዚ መገዲ ዝሓልፉ ዘለው ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት እንተ ኣባዚሕናዮ፡ ብዛዕባ 30 ሚልዮን ዶላር ቍጠባ ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብ የመን ስሩዕ መንግስቲ ዘይምህላው፡ እዞም መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንኽስስኑ ምቹእ ሃዋህው'ዩ ፈጢሩ፡" ትብል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት 1400 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝሞቱ ኣይኦኤም ይገልጽ።

ኣይላ ግን እቲ ቍጽሪ ካብዚ ዝዛይድ ክኸዉን ከም ዝኽእል ትኣምን።

እዚ ምብራቓዊ መስመር ተባሂሉ ዝጽዋዕ መገዲ፡ ኣብታ ኣህጉር እቲ ሓደገኛ ብምዃኑ፡ ዝዀነ ዓይነት ዘይተፈቕደ ምሕላፍ ባሕሪ ነዞም ጕዕዞታት ንምፍጻም ሕማቕ ኵነታት ዘለወን ጀላቡ ዘጠቓልል ክኸዉን ከም ዝገብሮ ትዛረብ።

እቲ ናብ የመን ዝግበር ጕዕዞ ጥራይ ኣይኰነን እዚ መገዲ ሓደገኛ ዝገብሮ።

ብዙሓት ንግህሰትን ምዝመዛን ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ፡ ሓለውቲ ዶባትን ዕጡቓትን ይዀኑ'ዮም።

ኣይላ ቦንፊልዮ፡ ስደተኛታት ኣብ እዋን ጕዕዞን ምስግጋርን፡ ንግህሰትን ምዝመዛን ከም ዝቃልዑ ትረዛብ።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን350 ስደተኛታት ቃለመሕትት ብምግባር መጽናዕቲ ገይርና፤ ዳርጋ ኵሎም ድማ በቶም ኣስገርቲ ዝተታለሉ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖም ገሊጾም። መብዛሕትኦም ነቶም ኣስገርቲ ከም ገበነኛታት ከም ዝርእዩዎምን ብርክት ዝበሉ ግህሰታት ከም ዝበጽሖምን ገሊጾም፤ እዚ ድማ ኣካላዊ ዓመጽ፡ ስርቂ፡ ምትላልንን ምዝማትን ዘጠቓለለ'ዩ፡" ኢላ።

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እውን ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ቦታ ምስ በጽሑ ኣብ ሓደጋ ምዝመዛ ከም ዘለዉ ትዛረብ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘጋጥም'ዩ። መጀመርያ ግን ኣብታ ብግጭት ዝተኸበበት የመን ሓያሎ መከራ ክሓልፉ ይግደዱ።

"እቲ ኲናት ንጕዕዞና ዝያዳ ሓደገኛ ገይርዎ፡" ይብል መሓመድ።

ካብ የመን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ን11 መዓልታት ዝወሰደ ጕዕዞ እግሪ ከም ዝገበረ ይዝክር። ውሑድ መግብን ማይን ጥራይ ከም ዝነበረ'ውን ይጠቅስ።

"ሓንቲ ምሳና ትኸይድ ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ መገዲ ብጥሜትን ሕጽረት ማይን ሞይታ፡" ይብል።

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ የመን

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ የመን

ስዑዲ ዓረብ እውን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትዓግት ተደጋጋሚ ፈተነ ገይራ እያ።

ኣብ 2023 ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓለዋ ዶባት፡ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ክሰግሩ ዝፈተኑ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ከም ዝቐተሉ ይሕብር።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ድማ ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ይርከቡ።

ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 750,000 ኢትዮጵያውያን ከም ዘለዉ ይግምት፣ ብዙሓት ኣብ ናይ ገዛ ስራሕን ህንጸትን ከም ዝዋፈሩ ድማ የመልክት።

ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝተታሕዙ ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓዶም ይምለሱ።

መሓመድ፡ ኣብታ ሃገር ንሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2021 ተጠሪዙ።

ናብ ሞቓድሾ ምስ ተመልሰ፡ ስድራኡን ሓሙሽተ ደቁን ንምድጋፍ ዓረቢያ እናዘወረ ይሰርሕ ኣሎ።

ናብ ሶማልያ ምምላስ ኣጸጋሚ እኳ እንተነበረ፡ ሰባት ንሱ ዝገበሮ ከይገብሩን ናብ ስደት ብምኻድ ኣብ ሓደጋ ከይወድቁን ይመክር።

"ኵሉ ሰብ ኣብ ሃገሩ እምነት ክህልዎን ትዕግስቲ ጥራይ ክገብርን ኣለዎ ምበልኩ። ከምዚ ዓይነት ጕዕዞ ምግባር ጽቡቕ ኣይኰነን፡" ኢሉ።