ሰላም ደለይቲ ሰናይ ደቂ ኤርትራ

ሰላም ደለይቲ ሰናይ ደቂ ኤርትራ

ደቂ ኤረይ ከስዔ ኣደ ጉራ ምራ

ስዩም ዘብሎም ዶ ሰኣኑ ጭፍራ,

ኣቲ ለተሪና እዛ ቆልዓ ንበይና

ድሕሪ ነጻነት ቤት ትምህርቲ ሲኢና

ኤርትራ ዓዲ ጀጋኑ ኣልቦ ሕጊ ኮይና,

Add a comment

ዜና ጀርመን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኡስ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

ዕለት 16/12/2017 ንኡስ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣኼባ ኣካይዱ ። ኣብቲ ዝተሰላሰለ ኣኼባ እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣባላት ተመያዪጦምሉ።

Add a comment

ብህግደፍ ዝተዳለወ ፌስታ ናዕብን ህውከትን ፈጢሩ፡

ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዛንዳም (Zaandam) ኣብ ዝተባህለ ከተማ ብህግደፍ ኣዋሃሃድነት ኣብዚ ሰሙንዚ ዝተዳለወ ፌስታ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ዕግርግርን ረበሻን ከምዘስዓበ፡ እቲ ጉዳይ ንፖሊሳት እታ ሃገር አሸጋሪ ኮይኑ ሄሊኮብተራት ከምዝተሳተፍኦን ኣብታ ሃገር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዘሎን፡ ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ፓርላማ ሆላንድ እቲ ናይ ሃገረ ኤርትራ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ክዕጾ ወሲኑን ከመይ ይትግበር ጥራይ ተሪፉ ከምዘሎን ይሕበር ኣሎ፡፡ በዚ ዓቕሊ ጽበት ዝተደናገጸ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ልሙድ ባህርያቱ ተበጊሱ ውልቀ-ሰባት ይኣስርን

Add a comment

ሓፈሻዊ ገምጋም ኣብ ድሕረ-ባይታን፣ ቀጸልቲ መድረኻት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ !

ዝኸበርኩም  ኤርትራውያን ሃገራውያን! ኣብ ዝሓለፉ መድረኻት ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ፖለቲካዊ መጠን-ትሕዝትኦምን ኣብ ግስጋሰ ሓይልታትና ዝነበሮም ብጽሒትን፡ ንብሕታዊ ተመክሮን ኣብ ሓቃዊ ምስሊ ቃልሲ ውህሉልል ትዕዝብትታት፡ ኩነታት ቃልስናን ብድሆታቱን መጻኢ ዕድሉን፡ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መረዳእታ ከንብር ንዝተገብረለይ እንግዶት፣ ሰውራዊ ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ኣብ’ዚ ዝቐርብ ትንታነ ብዝተፈላለዩ ፓለቲከኛታትን ምሁራትን ደቂ ኤርትራ፡ ብመሰረት መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተገበሩ ኣፋዊ መደረታትን ኣሳቲፉ፡ ዕምቆት ንክህልዎ ቀሊል-ዘይኮነ ኣስተዋጽኦ ገቢሩ እዩ።

Add a comment

ህግደፍ ብባህሪኡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ክሃንጽ ኮነ፡ መሬት ከልምዕ ኣይክእልን።

ከም’ቲ ንውልቀ ሰብ፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ጎኑ ክትመዝን እንከለኻ፡ ከምዚ ኣመል ኣለዎ፡ ከምዚ’ዩ ጠባዩ ወይ ባህሪኡ ኢልካ ትገልጾ፡ ንሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ መንግስቲ’ውን ከም ናይ ሰባት ምትእኽኻብ መጠን፡ ከይተጋነነ ልክዕ ዝኾነ ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ወይ ባህሪኡ ዝገልጽ ሚዛን ሂብካ፡ ካብኡ ክትረኽቦ ትኽእልን ዘይትኽእልን ተረዲእካ፡

Add a comment

ኣብ ውሽጢ 26 ዓመታት ክልተ ሜጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ኣፍሪዮም ኣብ ክንዲ ዝሓፍሩ ይጀሃሩ።

ብዙሓት መንግስታት ብተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ምጥቃም ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኣቑጺሮም ኣለው። ተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ካብ ብከላ ነጻ ዝኾነ፡ ካብ ንፋስ፣ ጸሓይ፡ ሃፋ ዝርከብ ኣዝዩ ምሩጽ ፍርያት’ዩ። ተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ንምጥቃም ሞያዊ ኣፍልጦ፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፣ገንዘብ ይሓትት’ዩ። ብቐንዱ ግን ባህርያዊ ውህብቶ’ዩ። ኤርትራ ተደኲናትሉ ዘላ ድማ ናይ’ዚ ባህሪያዊ ውህብቶ’ዚ ሃብታም’ዩ። ኣብ ሓደ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ኤርትራ ካብ ንፋስን ጸሓይን

Add a comment

ዓንኬል ጭቆናን ሓርነትን

ኩሉ ፍጻመታት ብሓሳባት እዩ ዚጅመር፡ መበገሲ ሓሳባት ድማ ወድሰብ እዩ። ሓሳባት ድማ ካብ ኣእምሮ ይፍልፍል። እቲ ኣእምሮ ግን ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይኮነን ሓሳባት ዘመንጩ፡ ገለ ነገራት ኪነኽኦ ኣለዎ። ብርቱዕ ምትንካፍ፡ ብርቱዕ ሓሳባት ይፈጥር።

Add a comment

ቅለዕ መጸዋዕታ ንፈጻሚ ሽማግሇ ኤስዯሇ

ብድሕሪ ነዊሕን ብዙሕን ሞጎት ምስ ሕልናይ ተዓሪቐ ንውሽጠይ ነጻነትን ሓርነትን ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሉ ክልተ ዓመት ኮይኑ’ዩ። ብቅለዕ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንዯሞክራስያዊ ሇውጥን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ኣባልነተይ ኣውዱቐ ነጻን ሓራን ካብ ዝኸውን ድማ እንሆ ራብዕቲ ኣቁጺሩ። ቅድሚ ኩለ ካብ ሕልናዊ ቅሳነትን ራህዋን ዝዓቢ ስሇዘይህለ፡ መቐረት ሕልናዊ ነጻነትን ሓርነትን ከስተማቕር ብምኽኣሇይ ብጣዕሚ ሕጉስ ምዃነይ ከረጋግጽ ይፈቱ።

Add a comment

ብጉዳይ ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራን ዝተዓሸጋ ትካላት ልዕሊ ሓደ ሽሕ በጺሐን

asmaraaa

ብጉዳይ ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራን ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ በብእዋኑ ዝተዓሸጋ ናይ ብሕቲ ትካላት ልዕሊ ሓደ ሽሕ በጺሐን። ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ፈለማ ኣብ ኣስመራ ኣስታት 300 ትካላት ተዓሽገን እኳ እንተነበራ፣ ድሕሪኡ ድማ ልዕሊ 78 ካልኦት ከምዝተወሰኻ ኣፍሊጦም። እቲ ናይ ምዕሻግ ስጉምቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ'ውን ብሰፊሑ ከምዝቐጸለ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እተን ትካላት ብዛዕባ'ቲ ዝኣከብኦ ናቕፋ መብርሂ ክህባን ጉዳየን ከጻርያን ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ግዜ ተዋሂቡወን ከምዘሎ ጠቒሶም።

Add a comment

ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ንምትግባር ዕላምኡ ዝሰርሕ ኮሚቴታት ምጥያሱ ኣፍሊጡ

ኣኼባ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ

ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ብዝብል ስም ዝንቀሳቐስ ኣካል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ናብ ሰላም ንምቕያር ከምዝተለዓለ ኣፍሊጡ። ‘ሰለብሪቲ ኤቨንት’ ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ኮሚቴታት ምጥያሾም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዘዳለዎ መድረኽ ገሊፁ’ሎ። ብወገን ኤርትራ ናይቲ ኮሚቴ ኣባል ኣቶ ይስሃቅ ዮሴፍ እቲ ኮሚቴ ካብ ተፅዕኖ ነፃ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው። ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ዓለም ስሩዓት ናይ ድሕነትን ናይ ሰላምን ውዳበታት ንፀገማትና ንምፍታሕ ኣይክኣሉን ይብሉ።

Add a comment

ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን መንግስቲ ንምህጋረን ጸቕጥታት ይቕጽል

asmaraaa

ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታውያን ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን ንምህጋረን መንግስቲ ጸቕጥታት ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ድሕሪ'ቲ ተማሃሮን ወለድን ዲያእ ኣል እስላምያ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ተቓውሞ፣ እታ ቤት ትምህርቲ ካብ ምዕጻው ክትድሕን እኳ እንተኸኣለት፣ መንግስቲ ንምህጋራ ገና ዝተፈላለየ መስርሕ ይኽተል ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

Add a comment

ህዝባዊ ቃልስና ብቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማን፡ ብቑዕ ደሞክራስያዊ ኣመራርሓን’ዩ ዝዕወት፣

ህዝብታት ኤርትራ ብናይ ግዳማውያን ተበራረይቲ ገዛእቲ ስርዓታት ፖለቲካዊ ስልጣንን ቁጠባዊ ረብሓታትን ንምርግጋጽ ክብሉ፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ዕቤትን፡ ብቕዓትን ተኽእሎን ድሌትን ወጻኢ ብዝኾነ ታሪኻዊ
ፍጻመ፡ ከም ጥርኑፍ ህዝብን ሃገርን ካብ ዝቖምሉ ታሪኽ ጀሚሮም፡ ደረጅኡን ንጥፈቱን ዝፈላለ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ምቅላስን መስዋእቲ ምኽፋልን፡ ሓሳ

Add a comment

ናይ ሃገር በዓል ቤት ህዝቢ፡ ረኻቢ መከራ ህዝቢ፡ ፈታሒ ጸገም ህዝቢ’ዩ።

ናይ ኩሉ ሃገራዊ ሓይሊ ምንጪ ህዝቢ’ዩ። ግዳማዊ ድዩ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸገም እንክፍጠር፡ ነገራት ኣብ ምቕላስ፡ ኣብ ምእላይ፡ ኣብ ምምሕዳር፡ ካብኡ ሓሊፉ ጉልበት ወይ ሓይሊ ዝሓትት ምስ ዝኸውን ከኣ፡ ብሓይሊ ንምግጣም፡ ሰብኣዊ፣ ገንዘባዊ ኮነ ነገራዊ ዓቕሚ ዝርከብ ካብ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ስነ-ፍልጠት ዕውታት ዝኾኑ ምሁራት፣ ኣብ ወተሃደራዊ ሓርበኛታት ዝኾኑ ዜጋታት፣ ኣብ ሃይማኖት ንዜጋታት ብስነ ምግባር ዝሃንጹ ኣቦታት፣ ካብ ካልእ ዘይኮነ ካብ ህዝቢ’ዮም

Add a comment

ባህልን መንነትን ኤርትራ

ባህሊ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ማተሪያላውን ማሕበራውን መንፈሳውን መንነት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ ዓድን ማይቤትን ሃገርን ከይተፈጥረ ኸሎ ዝነበረን፡ ኩሉ ግዜ ድማ ንወድሰብ ከም ጽላሎቱ ኾይኑ ዘሰንዮ ዝነበረን ዘሎን ተርእዮ እዩ። ባህሊ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህሉ ዘጥፍእን ናይ ካልእ ዚልቃሕ ወይ ዚርዕም ሕብረተሰብ ግን ኣሎ። ሃገር ክንብል ከሎና፥ ካብ ቀደም ሰብ ዝነበሮ ወይ ብሓደ ምኽንያት ወይ ኣጋጣሚ ካብ ብዙሕ ሸነኻት ሰባት እተኣኻኸቡሉ፡ ብማእከላዊ መንግስቲ ዚመሓደር፡ ሓባራዊ ቁጠባዊ ምትእ

Add a comment

ኣደ መንበር ህግደፋዊት ሃማደኤ ዝተመጠወላ ስልጣን ንምዕቃብ ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ሓቂ ወጻኢ ሓሶት ትዘርእ ከም ዘላ ተገሊጹ

ተኽኣ ተ/ሚካኤል ዝተባህለት ኣደ-መንበር ስማዊት ህግደፋዊት ማሕበር ሃማደኤ፡ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ብተዘዋዋሪ ካብ ኢሳያስ ንመጋበርያነት ንዝተዋህባ ስልጣን ንምዕቃብን፡ ተፈታውነት ንምርካብን ነተን በቲ ስርዓት ድከተን ዝበልዓ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሳላ መንግስቲ ብቑጠባውን ማሕበራውን መዳያት ርኡይ ለውጢ የምዝግባ ኣለዋ ክትብል ዘስመዓቶ መደረ: ድሕሪ ኣኼባ ደፋር ልእኽቲ ብስምና እንጀራኣ ከተብስል፡ ብዛዕባና ኣብ ክንዲ ንነግራ ክትነግረና ዝብል መዛረቢ ኮይና ከም ዘላ ምንጭታት

Add a comment

ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን ዞባ ኣውሮጳ

ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን ዞባ ኣውረጳ፣ ራባዓይ ዞባዊ ጉባኤኡ ከካይድ ኣብ ምቅርራብ ይርከብ።

Add a comment

ዓንኬል ጭቆናን ሓርነትን

ኩሉ ፍጻመታት ብሓሳባት እዩ ዚጅመር፡ መበገሲ ሓሳባት ድማ ወድሰብ እዩ። ሓሳባት ድማ ካብ ኣእምሮ ይፍልፍል። እቲ ኣእምሮ ግን ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይኮነን ሓሳባት ዘመንጩ፡ ገለ ነገራት ኪነኽኦ ኣለዎ። ብርቱዕ ምትንካፍ፡ ብርቱዕ ሓሳባት ይፈጥር።

Add a comment

ብሓቂ ተመክሮ ንምውሳድ ቅሩብነት እንተዝህሉ፡ ካብ ቻይና ኢትዮጵያ ይቐርብ።

ካብ ድኽመቱ መታን ክእርም፡ ካብ ካልኦት ተመክሮ ክወስድ ቅሩብነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ምቑሉልነቱ ክፈልጥ ዘለዎ ድሌትን ማዕባላይነቱን የመልክት። ልምዲ ወይ ተመክሮ ክበሃል እንከሎ ግን ሓደ ገጽ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣወንታዊ ተመክሮ ኣሎ። ኣሉታዊ ተመክሮ’ውን ኣሎ። ናይ ታሪኽን ቦታን ቅርበትን ርሕቀትን፣ ናይ ቋንቋን ባህልነት ተመሳሳልነትን ድማ ነናቱ ብልጫ ኣለዎ። ሕጽረታቱ ንምእራም ኣወንታዊ ተመክሮ

Add a comment

ርሑስ በዓል ልደትን ሐዲሽን ይግበረልና ኣሜን

 

በዚ ኣጋጣሚ ድሕሪ ቲ ነዊሕ ሐርጎጽጎጻት ካብ ስራሕ ቦዂርና ምጽናሕና፡ ናብ ስራሕ ተሳጋጊርናስ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ሃገር ሆላንድ ምዕዋትና እንቋዕ ኣብቃዓና ንብል፡፡

Add a comment

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ገይረዮ ዝብሎ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ትርጉም ዘለዎ ኣጀንዳ ከምዘይብሉ ምንጭታት ገሊጾም።

ከም’ቲ ልሙድ ኣካይዳኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝሓደሮ ፖለቲካዊ ጭንቀት ተበጊሱ፡ ብዓቕሊ ጽበታዊ ደንበርበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ግንባራት ከፋፊሉ፡ ዕሱባት ኣዋፊሩ፡ ጎስጒሱ፡ ኣበራቢሩ መቃነይ ስልጣኑ ንምግባሩ ዝመደቦ ህዝባዊ ኣኼባ ዝሰመዮ ግዱድ ኣኼባ የካይድ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ግዳ፡ ትርጉም ዘለዎ ዛዕባ ዘይብሉ፡ ትእዛዝ ምሃብን ምቕባልን ምዃ

Add a comment

ነገራት እናጠናነግካ ቃልሲ ምኽርዛዝ፡ ብቐሊል ዘይሓዊ ናይ ታሪኽ በሰላ’

ብሕብረ- ብሄር፣ ሕብረ ሃይማኖት፣ ሕብረ ባህላዊ ብዙሕነት ኣብ ዝቖመት ሃገር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብረት ናይ ዜጋታት ብመደብ ዝረግጽ፡ ዝጭፍልቕ፡ ሃብትን ጥሪትን ዝዘምት፡ ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት ዘራኽስ፡ ፍጹም መላኺ ጉጅለ ልዕልነት ኣብ ዝሓዘሉ ፈታኒ መድረኽ፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ስለዝኾንካ፡ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ትቃለስ ስለዘለኻ፡ ናይ ግድን ከም ማይን ጸባን ተወሃሂድካ ሓደ ክትከውን ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ’ቲ ብቓልሲ ክለግስ’ሞ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ቤት ፍርድን ቀሪቡ ምስ ዝፈጸሞ ገበን ዝመጣጠን ውሳነ ክረክብ ዝድለ

Add a comment

ን27 ዓመት መብጽዓ ሕልሚ እንታይከ ክትብሉኹም ሎሚ

ጠምዩ ከሎ ጸጊቡ.ሎም ክንድኡ ዝምሕሉ

ተሳዒሮም ከለዉ ስዒርና እናበሉ ዘታልሉ  

ናቶም ሽግር ገዲፎም ብንዳማቶም ዘዕልሉ

ቀናኣት ንህዝቦም ሕማቕ ጥራይ ዝምነይሉ

 

Add a comment

ኤርትራ፡ ኣብ እትቕየር ዘላ ዓለም

ብዛዕባ ኤርትራ ዚሓስብን ብዛዕባ ኩነታታ ዚግደስን ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ክትዕን ትንተናን፡ ሓበሬታ ካብ ምሃብን ካብ ምውሳድን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። ብዛዕባ ኤርትራ ክንደይ ተዘሪቡ፡ ተተንቲኑ፡ ተጻሒፉ፡ ክንደይ ፈላጣት ሓሳባት ወፍዮም፡ ክንደይ ደናቑር ድማ ሓሳባት ጸዪቖምን መሪዞምን። ረዘንትን መስተውዓልትን ተቓወምቲ፡ ምስ ዓዋናትን ተድግታትን ዕሱባት ተኻቲዖም። ምስቲ ንጸሊም ጻዕዳ እዩ ኢሉ ዚማጎት ሰብ ምክታዕ ፍረ የብሉን። ነቲ ንሓቂ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእሱ ኪከላኸል ዚፍትን ሰብ ከተረድእ ምፍታን ግዜን ጉልበትን ምብኻን

Add a comment

ፍልልይ ፖሎቲካዊ መንነትን ባህርያትን ንምንጽጻር ዜኣኽል

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኢህወዯግ ንልዕሊ ወርሒ ኣብ ዜወሰዯ ኣኼባኡ ኩሉ-መዲያዊ ዒሚቕ ገምጋም ክካየድ ምውርሑ ብዜተፈላለየ መራኸቢ ብዘሓን ዜተኸታተልናዮ’ዩ። እቲ ኣኼባ ኣብ ዜተወሳሰበ ተኣፋፊ መድረኽ ይሰላሰል ብምንባሩ፡ ቆላሕታ ዜተፈላለዩ ፈተውትን ጸላእትን ክስሕብ ግድነት ኮይኑ ነበረ። ከምቲ ነዲይ ናይ ልቡ ይሓልም ዜበሃል፡ ኣብ መስርሕ ናይቲ ኣኼባ፡ ብዜተፈላለዩ ውሽጣውያን ይኹን ግዲማውያን ጸላእቲ ኣብ መራኸቢ ብዘሓን ዜፍኖ

Add a comment

ባይቶ ነዘርላንድስ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዕጾ ጻውዒት ኣቕሪቡ

doutch f_minኣብ ነዘርላንድስ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክዕጾ፣ ታሕተዋይ ባይቶ’ታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቡ። ባይቶ ነዘርላንድስ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፣ ብረቡዕ 20 ታሕሳስ ድሕሪ ዘካየዶ ዋዕላ’ዩ። ኣብቲ ዕለት’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ክልተ ሚእታዊት ብጭብጥታት ዝተሰነየ ዘተ ኣካዪዱ።

Add a comment

እዚ መላኺ ጉጅለ፡ ነቲ ዕጡቕ ክፍልታት ከም መልሕቑ ተጠቒሙ’ዩ ኣለኹ ዝብል ዘሎ።

ግደ ዕጡቕ ሓይሊ ወይ ሰራዊት ኣብ ሓንቲ ሃገር ብከመይ ክቐውም ከም ዘለዎ፡ እንታይ ክመስል ከም ዝግባእ፡ ደረጃ ፖለቲካዊ ንቕሓቱን ህዝባውነቱን ንባህሪያት ናይ’ቲ ዘቑሞ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ’ዩ ዝመስል። ተልእኾኡ’ውን ንውሳኔታት ናይ’ቲ ስርዓት ምሕላውን ምትግባርን’ዩ። ብርግጽ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ዝማዕበለ፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ዘፍቅዶ መሰሉን ግቡኡን ብዝተነጸረ ተቐሚጥሉ ዝተጣየሰ ወተሃደራዊ ትካል፡ ካብ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ዝደኸመ፡ ብሃገራዊ ቅዋም መሰረት ዘይተጣየሰ ሰራዊት ምልኪ ይፍለዩ። ብዘይቅዋም ተልእኾኡ ብዘይተነጸረ ተገፊፉ ዓጢቑ፡ ገፊፉ ዘዕጥቕ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ሩሕ ካብዘይብሉ እኩብ

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ፡ 3ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖ/ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ካብ 06 ክሳብ 08 ታሕሳስ 2017፡ 3ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ። ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡ 3ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካየደሉ እዋን፡ ኣብ ፍሉይን ዝተሓላለኸን  ዓለማዊ፣ ዞባውን ከባብያውን ኩነታት እዩ፤ ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባናን ከባቢናን ድማ ብፍላይ፡ ርኡይ ምድኻም ዝተወደበ ምንቅስቓስ ጥሩፋት ሓይልታት ኣብ ዝተረጋገጸሉ ብሓደ ወገን፡ ብመንፈስ ተስፋ ምቑራጽ ተደፊኦም፡ ኣብ  ከተማ ሞቓዲሾን ግብጽን(ኣብ መስጊድ)፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ዝፈጸሙሉ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ከምኡ'ውን ዘበኑ ዝሓለፎ ናይ ደቂ ሰባት ንግዲ( ጊላዊ ንግዲ)፡ ኣብ ቅርዓት ሃገረ ሊብያ ክረአ ዝጀመረሉ ኣዝዩ ዘሰክፍ፡ ዓለም-ብዓለሙ ዘሕዘነ፡ ብሓደ ቃል ድምጹ ዓው ኢሉ ክኹንኖ ዝተራእየሉ ኩነታት'ውን እዩ ተኻይዱ። ኣብ ዞባ ማ/ምብራቕ፡ ምስ ኩነታት ሃገረ የመን ብዝተኣሳሰረ፡ ክልተ ኣብ ሕድሕዶም ዘይቃደዉ መንግስታት፡ ብዘካየዱዎ ዘለዉ ናይ መን ሰዓረ ኣዕናዊ ኩናት፡ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን የመን በብእዋኑ ኣብ ሓደጋ እናተሸመመ ዝኸደሉ ዘሰክፍ ወቕቲ'ውን እዩ ተሰላሲሉ። ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ናይ ክድምንኡ ሕርጓቶ ክምእርር፡ ኣብ'ዚ ኣዕናዊ ወፍሪ'ዚ ይዋሳእ ምህላዉ ተገንዘበ፡

Add a comment

ህግደፍ፡ ስርዓት ዘይብሉ ስርዓት’ዩ።

ህዝቢ ዝመርሑ መንግስታት ብባህሪኦም ደሞክራስያውያን ዲዮም ኣይኮኑን፡ ህዝባዊ ወገንነት ዝስመዖም ድዮም ዘይስመዖም ዝብል መፈላለዪ ረቛሒታት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንባህሪኦም ዘንጸባርቕ፡ መንግስቲ ዘብሎም፡ ብስርዓት ዘጸወዖም መርሆታት፣ ሕጋጋት፣ ፖሊሲታትን ናይ ተግባር መደባትን ግን ኣለዎም’ዩ። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባህሪ ዘለዎም እንተኾይኖም፡ ዝምርሕሉ ቅዋም፣ ዝኽተልዎ ስትራተጂ፡ ፖሊሲን መደባትን ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ምዃ

Add a comment

6- መንእሰያት ኣብ ከባቢ ቓሮራ ሞይቶም ተረኺቦም

 ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ሕዲር/ 2017 ኣብ ሳሕሌ ካብ ቓሮራ 10 ኪልሜተር ንወገን ማህሚመት ዗ል ሰጣሕ ጎሊጉሌ፡ ሽደሽተ (6) ተመሃሮ መንእሰያት ብጥይት ተሃሪሞም ሞይቶም ተረኺቦም። ናይ’ቲ ከባቢ ነበርቲ ህዜቢ ንዜርኣዩዎ ሬሳታት ንፖሉስ ሓቢሮም። ፖሉስ ናይ ዜሞቱ መንነቶም ከጻርዩ ኣብ ዜጀመርለ እዋን ግና፡ ስሇያ ናይ ሳሕሌ ጣሌቃ ኣትዮም ነቲ መስርሕ ምጽራይ ባዕሌና ከነካይዶ ብዜብሌ ጉሌባብ ነቲ ጉዲ

Add a comment

ሰላም ደቂ ኤረይ ደቂ ባሕሪ ነጋሲ

ንነጻት ንሐርነት ዝጀመርናዮ ቃልሲ

ናጤባ ወዲቑና ሕድ ሕድ ደም መፋሰሲ,

ኣስላም ክስታን ክንበልዕ ክንሰቲ

ብስሚላህ በስምኣም ንብል ኣመንቲ

ንሕና ስለ ዝኾና መታርፍቲ,

ብስኒት ነፍርሶ ንጉጅለ ፋሺሽቲ

Add a comment

መጸዋዕታ ንኣህጉራዊ ንሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ባርነታዊ መሸጣ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንቀዳም ዕለት 09.12.2017 ኣብ ፍራንክፈርት

ንቀዳም ዕለት 09.12.2017 ኣብ ፍራንክፈርት ኣህጉራዊ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ባርነታዊ መሸጣ ስደተኛታትን ከምኡውን ኣብ ልዕልኦም ዝግበር ስቅያትን ተዳልዩ ኣሎ። እዞም ንመሸጣ ዝቐርቡ ኣብ መዲያ ንርኦም ዘለና ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ኣሕዋት ብፍላይ ናባና ናብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ስለዚ በዚ ኣብ ትሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ግዜን ኣድራሻን ዝኸኣለ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

Add a comment

ብጻይ ካሕሳይ የሕደጎ ኤርትራዊ ኣባ መጋቢ

ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም  ዝኾነ  ሕያው ፍጥረት  ተፈጢሩ ንዘልዓልም  ዝነብር የለን። ከመይ እቲ መንፈሳዊ  በትሪ  ቅልጽም  ካብ ሓመድ ናብ ሓመድ ዝብል ኣምር ስለዘሎ። ስለዚ ከኣ መዋእል  ዕድመና  ይንዋሕ ይሕጸር፡ ይጻጽዕ ይጸንክር፡ ንጥመ ንጽማእ፡ ንድከ ንጽገብ ንሃብትም፡ ንደንቊር  ንመሃር ንበልጽግ፡ ብዘየገድስ  ዜርና ዜርና ካብ ሞት ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እሞ ደቂ ሰባት እዚ እንዳፈለጥናን እንዳተረዳእናን ድኣ ነዛ ዘይትጠቅም መዋእል ዕድመና ስለምንታይ ኢና ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ባእሲ፡ ኣብ ክንዲ ምትሕግጋዝ ዓመጽን ጭቆናን ግፍዕን ኣነዘውትረላ።

Add a comment

ሰባር ስቕታ

ቱታ ቱታዶ ክብለልካ ወዲ ኣኽርያ ዝያዳ

ቱታዶ ክብለልካ ወዲ ዓደይ ኮርዒዳ

ብዳርባ ጨማቲ ሓናቕ ኳሌታ ከፋት በሪ ሰባር ስቕታ

 

Add a comment

ምፍራስ ኣባይትን ምእሳር ነጋዶን፡

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ብቤት ጽሕፈት ኢሰያስ ኣዕናዊ ትእዚዜ ከምዜተዋህበ ሰለኹ ዜተረኽበ ሓበሬታ ከም዗ሎ ኣረጋጊጾም። ብዕሇት 08/ ታሕሳስ/ 2017 ብኢሰያስ ዜተዋህበ ኣዕናዊ ትእዚዜ፡ ኣብ ዝባ ማእከልን ዝባ ዯቡብን ዜርከቡ ንልዕሉ ሸውዓተ ሚእትን ሓሙሳን ( 750 +) ኣባይቲ ንምፍራስ ምስ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ የጠቓልል። እቲ ኣዕናዊ ትእዚዜ ንሚኒስትሪ ምክልኻልን ማእከሊይ ቤት ጽሕፈት ፖሉስ ኤርትራን፡ ንክፍሉ ምምሕዲር

Add a comment

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ /ወዱ ጣባ/ ምስ ሓቂ እናተላተመ ክጋለጽ ከሎ


እዙ ሕጂ ብሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ዜለለ ኣብ መድረኽ ፓልቶክ ዕሱብ ህግዯፍ ኮይኑ፡ ዒንገረር ክብል ዜሓድር ዗ሎ፡ ሓቀኛ ስሙ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ/ ዜበሃል ምዃኑ የረጋግጽ። ካብ ዜውለድ ኣትሒዘ ወላዱኡ መን ምዃኑን መበቆሉ ብንጹር ከም዗ይፈልጦን ኩሎም መተዒብይቱ ይምስክሩ። ቅጽል ስሙ ቴኖ ክሳብ ዜኾነ ትርጉም ናይዙ ሳጓ’ዙ ንዒኩም ምግላጽ ንቀባራይ መርድእ’ዩ። መበቆል ነፍስሄር ወ/ሮ ኣምለሰት ማለት ወላዱቱ ኣብ ትግራይ ብ዗ት ዜተባህለ ዒዱ ምዃኑ ይፍለጥ። ወ/ሮ ኣምለሰት ኣብ ሸዊት ዕድመኤን ብስራሕ ምክንያት ንኣስመራ ብድሕ

Add a comment

ኤርትራ ምድረ ገነት’ዶ ምድረ ሲኦል?

እዚ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ንኽንድ’ዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ይጽናሕ ደኣምበር፡ ነቲ ነዊሕ ዕድመ ስልጣኑስ ንጉጅላዊ ረብሓኡ እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝቢ ዝጠቅም እዚ ዝበሃል ቁም- ነገር ኣይሰርሓሉን።

Add a comment

ናይ ሕጂ`ኸ ብውዲት ድዩ ብጎነጽ ?

ኣብ መፋርቅ 20 ክፍለ ዘመን እስራኤል ብመንገዲ ብሪጣንያ ኣብ ፈለስጢን ክትከል እንኮላ ፤እታ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጂኦ ፖለትካዊ ቅርጻ ዘነጸረት ኤርትራ ከኣ ክትቡንቆር ወይ ክትምቀል ብባዓል ብሪጣንያ ዝእለመሉ ዝነበረ ዘመን`ዩ።

Add a comment

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ)

ካብ 10 ክሳብ 16 ታሕሳስ 2017 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ካልኣይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ) ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2016 ክካየድ ተመዲቡ ምድላዋት ጉባኤ ምስተጻፈፈ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት ንሓደ ዓመት ክሰጋገር ከም ዝተገደደ፡ ሕጂ ግን ብዝተታሕዘሉ ግዜ መሰረት ካብ 10-16 ታሕሳስ 2017 ከም ዝተሰላሰለን ብ17 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣፍሊጡ። ካልኣይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ) ብዓለም ደረጃ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢና ኣሉታዊ ጽልዋታት ከሕድሩ ዝኽእሉ ምዕባሌታት ኣብ ዝተኸስትሉ ከም ዝተኻየደ ዝገለጸ እቲ ደምዳሚ መግለጺ፡ ብፍላይ እቲ መራሒ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምሉ

Add a comment

ዕጫ ኤርትራውያን ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሰብኣዊ መቕዘፍቲ፡ ንህግደፍ ግን መዘናግዒ’

ኣብ ዓለምና ኣብ ጥንቲ ይኹን ሎሚ ኣንጻር ህዝብታቶም ዝተሰለውፉ መራሕቲ ኣይነበሩን ኣይተራእዩን ክበሃል ኣይከኣልን። ኣንጻር ህዝብታቶም ደው ዝበሉ መራሕቲ ነይሮምን ኣለውን’ዮም። ካብ’ዞም ጥንታውያን ሓደ ንጉስ ነገስታት ኒሮ ዝበሃል ነበረ። ንጉስ ነግስታት ኒሮ ዝፋን ዝደፍኣሉ ዘመን ኣብ ግዜ ንግስነት ሮማ ነበረ። ንጉስ ነገስታት ኒሮ ጥዑይ ኣእምሮ ዘይተዓደለ ነበረ። ንሱ ብህዝቢ ሮማን ንሳ እትገዝኦም ዝነበረት ህዝብታትን ሓደ ኣዝዩ ዝፍለጠሉ ባህሪ ነይርዎ። ዝሓለፎ ቀበጥ በጥ በሃሊ’ዩ። እቲ ቀበጥ በጥ ከኣ ጥራሕ

Add a comment

ንውዲት ንእከይ ተግባሮም ንኹሉ

ን,ንሕና ንሕና ዝብሉ በሊዖም ኣሉ

ኤርትራዊያን መዓስ ኢና ንነቕሐሉ

ኤርትራዊያን ብወርቂ ኣልማዝ ዘይትመኑ

ኣብ ከተማታት ኣኽራናት ሂወቶም ዝመነኑ

ጅግንነቶም መዛረቢ ዕረ መልሐሶም ኮይኑ,

Add a comment

መሰል እናሓተትካ መሰል ክትነፍግ ምድንዳን ቅቡል ኣይኮነን።

0መሰል ዝንፈገሉ መልከዓት ብዙሕ፡ ደረጃኡ ድማ ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣየካትዕን። ነፈግቲ መሰል ዝግለጽሎም መልከዓትን ደረጃን’ውን ከምኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ውህቡ ነገር’ዩ። መሰል ምንፋግ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ይፈጸም ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድብ ድዩ መንግስቲ ድማ ናይ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ምልክት ኣይኮነን። ናይ ዓመጽ፡ ስሰዐ፡ ዕብለላ፡ ንዓይ ንበይነይ፡ በሓትን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ መግለጺ’ዩ። ዝግበኦ ዝተኸልከለ መሰለይ፡ ሪመይ፡ እጃመይ ዝብል፡ ከከም ኩነታቱ ዘፍቅደሉ እንተስ ብሕጋዊ መንገዲ ወይ ብፖለቲካውን ዕጥቃውን መልከዓት ተወዲቡ መሰሉ ንምኽባር ዝሓትት ዝቃለስ ከኣ ናይ ብዱልን ቅኑዕን ኣተሓሳስባ መግለጺ’ዩ። መሰሉ ብሓይሊ ብዓመጽ ዝተነፍገ ብዱል ክሳብ ዝኾነ ከኣ፡ ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ምኽንያት፡ መሰሉ ክሕለወሉ ክኽበረሉ ብሓሳብ

Add a comment

ኤርትራ፣ ወነንቲ ንግዳዊ ትካላት ብዝተወሰነሎም ግምታዊ ግብሪ የማርሩ

Shops in Asmara

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ንግዳዊ ትካላት ዝወሰኖ ግምታዊ ግብሪ፣ ወነንቲ የማርሩ ከምዘለው ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ትካላት ንግዲ ጀሚርዎ ዘሎ ጽኑዕ ምቁጽጻር፣ ንልዕሊ 300 ዓበይቲ ትካላት ብጉዳይ ዋንነት ናቕፋን ናይ ወጻኢ ባጤራታትን ክዕሽገን እንከሎ፣ ነተን ማእከልቶን ንኣሽቱን ከኣ ምስ ኣታዊታተን ዘይመጣጠን ግብሪ'ዩ ሰሊዑለን ዘሎ።

Add a comment

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ /ወዱ ጣባ/ ምስ ሓቂ እናተሊተመ ክጋሇጽ ከሎ

ራብዒይ ክፋል፡- ክቡራት ኣንበብቲ ዕዘዜ ሰሊምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡ እቲ ሓቀኛ ስሙን ማእሇያ ዗ይብለ ታሪኻዊ ገበናቱን ሓቢኡ ንነብሱ ብሙሴ ዮውሃስ ወ/ጣባ ከሊሉ ዜጸንሐ፡ ንገሇ መተዒብይቱ ብድሕሪ ምሕታት፡ ኣማኒኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ/ ዜበሃል ምዃኑ ከረጋግጽ ይፈቱ። ኣብ ኣ/ኣበባ፡ ኣባልነት ሰዯግኤ ክወስድ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ
ቀዲማይ ክፋል ጽሑፈይ ዜ

Add a comment

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)

 

ደምዳሚ ኣዋጅ ካልኣይ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር 2016 ጉባኤ ውድብና ክሰላሰል ተወጢኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እንተዀነ ግን ኩሎም ንጉባኤ ዘድልዩ ነገራት ድሕሪ ምስንዳእ፣ ካብ ዓቕምናን ቊጽጽርናን ወጻኢ ብዝዀነ ኲነታት እቲ
ጉባኤ ክሳለጥ ስለ ዘይተኻእለ ንዓመት ከም ዝመሓላለፍ ተገብረ። እነሆ ድማ ከምታ ቈጸራና ኣብ’ቲ ዝተኣመመሉ እዋን ካብ ዕለት 10-12-2017 ክሳብ 16-12-2017 ጉባኤ ውድብና ከነሰላስል በቒዕና ኣለና። ግሃድኤ-ሕድሪ ጉባኤኡ ኣብ ዘሰላስለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ባይታ ዘለዉ ሓቅታት ብሕጽር ዝበለ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይቐርብ።

Add a comment

እቲ ጌጋ ምእንቲ ከይድገም

ታሪኻዊ ምስሊ (ስእሊ) ኤርትራ እንታይ ይመስል ነይሩ? ህግደፋዊ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ይመስል ኣሎ? ናይ መጻኢ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ኪመስል እዩ? እዚኣቶም ገለ ካብቶም ሓሓሊፎም ኣብ ኣእምሮ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዚለዓሉ ሕቶታት ኢዮም ኪብሃሉ ይኽእሉ።

Add a comment

ደረጃታት ንቕሓትን መንነትን

መንነት፡ ቀስ እናበለ ዚጥረ እምበር ምሳኻ ዚፍጠር ንቕሓት ኣይኮነን። እዚ ድማ ምስቲ ሕብረተሰብኣውን ባህላውን ቁጠባውን ኣከባቢኻ ብምውሳእን ብተግባርን ብግብረመልስን ይከናወን። ንሃገር ብዚምልከትውን፡ ሓንቲ ሃገር ንመንነታ ቀስ እናበለት ደኣምበር ብሓደ ግዜ ኣይተጥርዮን እያ። ሓንቲ ሃገር መብዛሕትኡ ግዜ ብእተፈላለየ ባህልን እተፈላለየ ታሪኻውን ፖለቲካውን ማሕበረሰብኣውን ድሕረባይታ ዘለዎም ብሄራት

Add a comment

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ ‘ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ’ ተባሂሉ ክጉስጎሰሉ መደብ ኣውጺኡ።

እዚ ውሳነ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ፡ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ብሪጋደር ጀነራል ጋይም ከምኡ እውን ወዲ ህንጻ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኢዩ ተወሲኑ። ኣብቲ ናይ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ኣኼባ፡ ናይ ኣኽርያ ፍጻመ ከም ህዝባዊ ናዕቢ ኮይኑ ይረአ ምህላዉን፡ ህዝባዊ መልክዕ ሒዙ ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎን ድሕሪ ምግምጋሙ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፍጻመ ናይ እስላም ምንቅስቓስ ኢዩ ኢሉ ዝገበሮ ጎስጋስ ዕላምኡ ከምዘይወቕዐ፡  ብኣንጻሩ ነቲ ህዝቢ ዝያዳ ከምዘስመሮ ገምጊሙ።

Add a comment

ንመሰልካን ክብረትካን ደው ዘይምባል፡-

ኣብ ደቂ ሰባት ብድኽመት ብስንፍና ዝገለጽ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ብሕጽረት ኣፍልጦ፡ ጉልበት ድዩ ገንዘብ ክትገብሮ ዘይትኽእል፡ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ጉዳይ ዘይኮነስ፡ ክትብል እናኻኣልካ ዘይምባል፡ ክትገብር እናኸኣልካ ዘይምግባር ቀንዲ መግለጺ ድኽመትን ስንፍናን’ዩ። ብፍላይ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዝሰረቱ፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ማሕበራዊ መዳያት ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ተሳትፎኻ ብኣድማዕነት ዘይምርግጋጽ፡ ካልኦት ክውድኡልካ ክውስኑ

Add a comment

ቅሉዕ መልእኽቲ ተረኽቦ ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን በርሊን ንኻልኣይ ጊዝይኡ ዝለኣኽ ሓበረታ: 30 ሕዳር 2017

ቤተ ክርስትያን ኩሉሳዕ ካብ ኣመንቲ ኣይኮነትን ትጉዳእ። ኣብ ውሽጣ ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ውሑዳት ስሱዓትን ፍትሓዊ ምሕደራ ብእተሳእኖ መንግስትን ጥራይ እያ ትጉዳእ። ንሳቶም እዮም ከኣ መንግስቲ ኢድ ኣእትዩ ክርምሳ ማዕጾ ዝኸፍትሉን ባይታ ዝምድምዱሉን፣ ነቲ ስርዓት ተጸጊዖም ድማ ምእመናን ዝሕምሱን። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ተጸፍዮም ሰለይቲ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ዝዕሰቡ ካህናት ሰብ ሸጓጉጢ ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምኦም ዝበሉ ሰብ ጉንዖ እዮም ድማ መብዛሕትኦም ናብ ድያስፖራ ወጺኦም ብስም ሃይማኖት ዞባዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዘቑሙን ብኤምባሲታት ህግደፍን ማሕበረ- ኮማትን ኣድላይ ዘበለ ምትሕብባር ዝግበረሎምን። ኣብኡ ኮይኖም እዮም ድማ! ነቶም ብደገ-ደገ ዝጸንሑ ካህናት ዝዓስቡዎም። ዘቖሙወን ማሕበራት ከኣ ከም ዝዘርጉወን ዝገብሩዎም። ብኤምባስታትን ማሕበረ-ኮማት ህግደፍን ዝመሓደራ ቤተክርስትያን ካብ ፖለቲካ ነጻ እየን ምባል ከቶ! ኣይከኣልን። ነዚ ኣብ ገምጋም ዘእተወ እምበኣር ካብዙይ ንታሕቲ ምንባብ ሓደ ርኡይ ኣብነት ክኾነና እዩ።

Add a comment