ሓባራዊ ኣኼባ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ውድባት ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)

ንዝበዝሕ ዓቕምታት ደንበ-ተቓውሞ ኤርትራ (ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣገደስቲ ወልቀ-ሰባትን) ዝሓቖፈ ሃገራዊ ጽላልና (ኤሃባደለ)፡ ሕዳር 2011 ምምስራቱ ዝፍለጥ'ዩ፡፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዞኡ ብሰንኪ ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታት፡ ናብ ደውታ ኣትዩ ምንባሩ'ውን፡ ካብ'ቲ ደላይ ፍትሒ ተቓላሳይ ህዝብና ዝተኸወለ ኣይኮነን፡

Add a comment

ዶባት ኤርትራ ክረምቲ ምድሪ ህግደፍ ብዝብህጎ መልክዕ ብደም ይጭቁ፡

ኣብ ምፍሳስ ደም ዝዕቆብን ንህዝቡ ዘይሓልን ስርዓት ከም ህግደፍ ዝበለስ ይህሉʼዶኾን? ህግደፍ ጸረ-ሰላምን ፍትሕን ህዝብና ምዃኑ፡ ጸረ-ሰብኣዊ ክብርን ሰናይ ጉርብትናን ምዃኑ፡ ጸረ-ቅርጥው ፖለቲካዊ ኣተሓሕዛን ምዕባለን ምዃኑ፡ ልዕሌና ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ኣካል ፍጹም የለን፡፡ናይ ህግደፍ እከይ ተግባራቱ ንምምስኻር ይኹን ሓቂʼዶ ሓሶት ኢልካ ምውርራድ ዘየድልዮን፡ ካብ ቅሉዕ ምዃኑ ዝተላዕለ ሓቅነቱ ከተጻሪ ብዙሕ ላዕሊ-ታሕቲ ዘይሓትት ከም ጽሓይ ቀትሪ ቀደድ ኢሉ ዝርአ ብምዃኑን፡ ንጻሕታሪ ባህርያቱ ኣብ ግምት ብምእታው ዝኽሽሑ ክፉኣት ተግባራቱ ስኑዳት እዮም፡፡

Add a comment

መልእኽቲ ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ኣብ ሰሚናር 22 ሓምሇ 2017

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ሕግን ስነ ስርዓት ባህሊውን ማሕበራውን ክብርታት ጠፊኡ፣ ልዕልና ናይ ኣብ ስልጣን ተኾይጦም ግዝያዊ ሕጽኖቶም ዘስተማቕሩ ዘሇዉ ውሑዲት ሰብ ረብሓ ነጊሱ ኣሎ። ነዚ ብግዜ ክነመኽንየለ ዴማ ከቶ ኣይግብኣን። እቲ ሽግር ጉዴሇት ፖሇቲካዊ ንቕሓትን ብቐንደ ዴማ ስጡምን ቀጻሉ ውሕስነት ዘሇዎ ዱሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ዝሰነቐ ሃገራዊ ናይ ሱርበተኻዊ ሇውጢ ወኒ ክንፈጥር ዘይምኽኣልናን’ዩ። “ሓባእ ቁስለ ሓባእ ፈውሱ” ከም ዝበሃል ሽግራትና ኣብ ምልሊይ ዓይንና ንሓሲ እንተኾይንና መፍትሒታቶም ክሽፍቱና ግዴን’ዩ። ከም እምነትና ኩለ

Add a comment

ግርም’ባ ከተምስል ጓይላን ዳንኬራን ምውዳብ

ወዲ-ሰብ ተማሂሩ ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ሰሪሑ እንተፍርዩን ተጠቃሚ ፍርያቱ እንተኾይኑን፡ ወይ እንተዝኾነለይ ዝብሎ ብዝኾነ ኣጋጣሚ እንተተሳኺዕሉ፡ ወለዲ ኣበባ ውላዶም እንክሪኡ፡ ደቂ ደቆም እንክስዕሙ፣ ከም ህዝቢ ድማ ኣብ ትሕቲ ግዳማዊ ድዩ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተጨፍሊቑ ተረጊጹ ጸኒሑ፡ ብቃልሱን መስዋእቱን ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ምስ ዝዕወት፡ ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ተቓሊሱ ብ1991 ብዓወት ዝተጸንበለ፡ ድሙቕ ሓባራዊ ሃገራዊ ዓወት ምስ ዘመዝግ ክሕጎስ፡ ክፍሳህ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ ሓጎሱን

Add a comment

ንሕሉፍ ታሪኽ ምኽባር ናብ መጻኢ ወሎዶ ምስግጋር

ሓሙሻይ ዓመታዊ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ዳግመ ርክብገዳይም ተጋደልቲተ.ሓ.ኤ.ነቲ ሰፊሕን ክቡርን ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ዘይፍለ ኣካል ሓርነታዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቐቢሩ ከይተርፍ፡ ከይርሳዕ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንምእካቡን ንምስናዱንካብ 2012 ዝጀመረ ተበግሶ ለብዘበን ዓመት`ውን ካብ 30 ሰነ- 2 ሓምለ 2017 ኣብ ደንቨር- ኮሎራዶ ተኻይዱ።

Add a comment

ኤርትራዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ፣ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ካብ ስርሑ ከምዝተሰጎገ ገሊጹ

tekle ghebrelulተኽለ ገብረልኡል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ፣ ፈደረሽን እታ ርእሰ ምምሕዳር ብዓሌታዊ ኣድልዎ ካብ ስርሑ ከምዝሰጎጎ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ተኽለ ገብረልኡል ንሃገራዊት ጋንታ ግሪንላንድ ንኣርባዕተ ዓመታት ዘሰልጠነ ክኸውን እንከሎ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ግዳይ ዓሌታዊ ጸርፍታት ክኸውን ከምዝጸንሐ'ዩ ዘመልክት።

Add a comment

ፖለቲካዊ ርእይቶ ኮይንካ ብምርካብ ‘ምበር፡ መሲልካ ብምቕራብ ኣይውከልን

 ፖለቲካዊ ርእይቶ ከም’ቲ ብድሌት ቀይሕ ወይ ጸሊም፡ ሓጺር ወይ ነዊሕ፡ ጓል ወይ ወዲ ንምዃን ዘይከኣል፡ ካብ ደርባዊ ባህርን ህዝባዊ ውግንና ወጻኢ ከም ቃሕታኻ መሪጸ ኣለኹ ኢልካ ትኽደኖ ተራ ነገር ኣይኮነን። ናብ ኣየናይ መስመር፡ ጸገማዊ ወይስ የማናዊ፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ ወይስ ፍጹም ምልካዊ ፋሽሽታዊ ኣረኣእያ ትውግን ዝድርኽ ሰናይ ፍቓድ ዘይኮነ መሰረታዊ ባህ

Add a comment

ንጥፈታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ _ ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ኣብ ኣውስትራልያ

 

መቐጸልታ ናይ’ዚ ህዝባዊ ምልዕዓል’ዚ ኣብ ከተማ ሞልቦርን (ኣውስትራልያ) ኣከያዲት ሽማግለ ጨንፈር ግሃድኤ-ሕድሪ ብመሪሕነት ኣቦ-መንበር ናይ ዞባ ኣውስትራልያ ስራሓታ ብንጥፈት ከተሰላስል መታን መደብ ናይ ስራሓት ከም ዘውጽአት ካብ’ቲ ቦታ ዝመጽኣና ዜና ሓቢሩ ኣሎ።

Add a comment

ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተጸወዐ ሰሚናር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተቓኒዑ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ጠንቁ፡ ሳዕቤኑን መፍትሒኡን ንምዝርራብ ዘዳለዎ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ሰልፊ፡ ኣመራርሓን ካድራትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ውልቀ ግዱሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ22 ሓምለ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ብምውቕ ናይ ህንካን ሃባን ኣገባብ ከምዝተሰላሰለ ብኣካል ዝተሳተፉ ምንጭታት ድምጺ

Add a comment

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ኣዊጃቶ ዘላ ሕግታት ንኤርትራዉያን ኣብ ወጥሪ የእቱ

Saudi deportation Center

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት እተጽንዖ ዘላ ሕግታት ንኤርትራዉያን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣቅዲቕዎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ብዘይካ'ቲ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ- ኢቓማ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ክወጹ ሰሪዓቶ ዘላ መደብ፣ እቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም'ውን ካብዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣትሒዙ ነፍሲ ወከፍ ወጻእተኛ ኣብ ወርሒ ሓ ሚእቶ ሪያል ስዑዲ ክኸፍል ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ ኣላ።

Add a comment

ተጋ/ስብሓት ነጋ ምስ ጋዜጣ ወይን ካብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ዝተወስደ

ዝኽበርኩም ሰማዕቲ/ኣንበብቲ፡ ነዚ ቃለ-መጠይቕ ብመጽር ረዚን ፖለቲካዊ ትሕዝቶኡን መልእኽቱን ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ኣብ ምስፋሕ ሓጋዚ’ዩ ካብ ዝብል ተበጊስና፡ ንገለ ክፋሉ ነቃልሕ ከም ዘለና ኣቐዲምና ንሕብር።

Add a comment

ህግደፋዊ ዲፕሎማሲ ከም ቃሕታኻ’ዩ።

ዲፕሎማሲ ከም ኣተሓሳስባን ዕለታዊ ንጥፈትን ካብ 16 ክ/ዘመን ጀሚሩ ደረጃ ብደረጃ ቅርጺ እናሓዘ ከም ዝመጸ ታሪኽ ይሕብር። ዲፕሎማሲ ጠቕሙ ውልቀዊ ኮነ ሃገራዊ ሌላን ረብሓን ምርግጋጽ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ጨናፍራት ዝሓቖፈ ምዃኑ ምርዳእ ጽቡቕ’ዩ። ዲፕሎማሲ ብዙሕ ዝዓይነቱ’ዩ። ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ባህላዊ …ወዘተ ዝምድናታት ንምጥቃስ ይከኣል። ዲፕሎማሲ ሓደ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራት ሰላም ንምስፋን ዘገልግል ሰላማዊ መሳርሒ’ዩ። ብሱል መፈትሒ ግርጭት እውን’ዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ክራኸብ እንከሎ፡ ዝኾነ መንግስቲ ምስ ካልእ መንግስቲ ዝምድና ክገብር

Add a comment

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ምፍሕፋሕ ከየጋድድ ይስጋእ

Asmara 2ነሓሰ ኣትሒዙ ክትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብዝበኣሰ ከየጋድዶ ተሰጊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦል ሓድሽ መምርሒ፣ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብዓቐን ስፍሓትን ዝርከበሉ ከባቢታትን ዝምርኮስ ኮይኑ፣ 20 ትርብዒት ሜትሮ ንእትግመት ተራ መንበሪ ገዛ እቲ ዝኸበረ መጠን ክራይ 600 ናቕፋ'ዩ።

ተኻረይቲ፣ ኣብ ርእሲ'ቲ ተሰሊዑሎም ዘሎ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ከም ካንሸሎ ንዝኣመሰለ ብሓባር ዝጥቀምሉ ክፉት መሬት ፣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ብሕሳብ 50 ሳንቲም ክኸፍሉ'ዩ ተሰሪዕሎም ዘሎ።

Add a comment

ምኽፋት መዓስከር ወጻእተኛታትን ምጭርራም መሬትን ንሕቶ ልኡላውነት ብቐጥታ ይጥሕስን የዳኽምን

መሬት ኤርትራ ንመዓስከር ሓይልታት ወጻኢ ጋሻ ኣይኮነትን። ቅድሚ መግዛእቲ ጣሊያን ቱርክን ግብጽን ኣብ ኤርትራ መደበራት ከም ዝነበረት ታሪኽ የዘንቱ። ነገራዊ ቅርስታት’ውን ይምስክር’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬታዊ ግዝኣት ኤርትራ ናይ ቱርኪ ዑናታትን ቅርስታት ኣሎ። ከምኡ’ውን ናይ ግብጺ ዑናታትን ቅርሲታትን ኣሎ። ኣብ ምጽዋዕ፣ ማይ ጆግሮ፡ ጉራዕ ..ወዘተ። መብዛሕቲኡ ኤርትራዊ ግን ንመግዛእቲ ጣልያንን ፋሽሽታዊ ተግባሩን’ዩ ከም

Add a comment

ንቀጠር ብምጥላም ምስ ኣሜርካ ዝርከብ ዕርቂ የልቦን !!

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ኩሉ’ቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ሰነ-ሓሳብ፡ ብውጽኢቱ ድማ ዝተፈላለየ ግህሰታት ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ግፍዕታትን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ኣትሪሮም ዝቓወሙ ወይ’ውን ዝኹንኑ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። እዚ ብኣውንታ ክግለጽ ዝኽእል ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ብዝምልከት ግን፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ዝምድናታት ዝደናገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን።

Add a comment

ንኣድማዒ ስራሕ፡ ቅኑዕ ተበግሶን ግብራዊ ንጥፈትን

ኣበይ ብዘየገድስ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውድታት ስራሕ ኣድማዒ ወይ ውጽኢታዊ ክኸውን ከም ዝደሊ ዘተሓታት ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ኣብ ዝኣተኻዮ ስራሕ ውጽኢታዊ ወይ ኣድማዒ ክትከውን ብጸሎት፣ ብምህለላ፣ ብሰናይ ድሌትን ምንዮትን ዝሳኻዕ ኣይኮነን። ሰናይ ድሌትን ሚኒዮትን ጽቡቕ’ዩ። ጸሎትን ምህልላውን’ውን ሃይማኖትና ዝእዝዞ በብእምነትና ክንፍጽሞ ዘለና መንፈሳዊ ግዴታ ምዃኑ ኣየከራኸርን። ግን ኣበይ ኮይንካ እንታይ እናገበርካ ኢኻ ጽቡቕ ትደልን ሰሰናዩ ትምነን? እንታይ ወጢንካ እንታይ እናገበርካ ኢኻ ፈጣሪ ሓግዘኒ ኣዐውተኒ ኢልካ ትልምኖ፡ ተጸሉትን ትምህለልን? ትወፍረሉ ዓይነት ስራሕ ነጺርካ፡ ናይ ስራሕ ውጥን ስኢልካ፡ ናይ ተግባር መደባት’ውን ኣውጽኢካ ኣብ ስራሕ እናተዋሳእካ እንተደኣ

Add a comment

ጸረ ህዝቢ ደርባዊ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ ብኤርትራ ክጽዋዕ የብሉን?

ኣንቱም ሰባት እዚ ምስኪን ህዝቢ፡ ኣይብኢዱ ኣይብኣፉ፡ ኣይበልዐ ኣይሰተየ፡ ንገዛእ ርእሱ ተጨፍሊቑ እናነበረ ኤርትራ ከም’ዚ በለት ገበረት እናተባህለ ይሕመ፣ይኽሰስ፡ ይውቀስ ኣሎ። ሃገረ ኤርትራ’ኮ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ‘ምበር ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነትን። ብርግጽ ሃገረ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ ትመሓደር የላን። ዜጋታት ኤርትራ ከም ሰባት ኮነ ብእኩብ ከም ህዝብታት ነብሶም ባዕሎም የመሓድሩ የለውን ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ። ከም ንብረትነቱ ናይ መላኺ ኢሳያስ ዝኾነ

Add a comment

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፡ መንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያንን..................

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፡ መንግስቲ እስራኤል ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ኣታዊኦም 20% ኣብ ዘይንቀሳቐስ ሕሳብ ባንክ ከቐምጡ ንዘውጽኡ ኣገዳዲ ሕጊ ኣመልኪቱ ተዘራሪቡ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተፈላለየ ሃገራት ዝገብሮ ተጽዕኖ ብምቕጻል፡ ብፍላይ ኤርትራውያንን ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብ ኣታዊኦም 20% ኣብ ዘይንቀሳቐስ ሕሳብ ባንክ ከቐምጡ ዘገድድ ሕጊ ብምውጻኡ ብብዙሓት ወገናት ክኹነን ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ፡

Add a comment

ተግባር’ዩ ምስክር።

ሰብ እንተለዎ ብቕዓት ቁም-ነገር

ብኣፍ ብጃህራ ዘይኮነ ብተግባር’ዩ ዝስፈር

ኣምስሉ ከይከውን ከይህልዎ ኣበር

ብህዝቢ’ዩ ዝምዘን ተግባር’ዩ ምስክር።

Add a comment

ቃለ-መጠይቕ ብዛዕባ ምፍታሕ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ

ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስኣብ መንጎ ሲኖዶስን ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ብገዳማውያንን ሊቃውንትን ብዝተኻየደ ናይ ዕርቂ ሽምግልና፡ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ`ቲ ንልዕሊ 10 ዓመት ተሓይረምሉ ወይ "ኣብ ሱባኤ ዝነበርሉ" ክፍሊ ከምዝወጹ ዝገለጹልና ክልተ ካብ ሽማግለታት ኣብ`ዚ መደብ ኣቕሪብና ምንባርና ይፍለጥ። ንሎሚ ብዛዕባ`ቲ ዝተባህለ ሓበሬታ ዝተፈለየ ርእይቶ ዘለዎም ጋሻ ኣቕሪብና`ለና። ዋና-ጸሓፊ ሰበኻ ሰሜን ኣሜሪካ ምዃኖም ዝገለጹልና ሊቀ-ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ፡ እቲ ዝተባህለ ምፍታሕ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እኹል ከምዘይኮነ ይገልጹ

Add a comment

ኤርትራዊት መንእሰይ: ስደተኛታት ንምሕጋዝ ካብ ኣሜሪካ ናብ መዓስከር ሰደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ትጉዓዝ

ሳብሪና ኣማን ጀሚል ትበሃል። ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዳ ኣብ ቐጠር ዝዓበየት ኮይና ድሒራ’ውን ናብ ኣሜሪካ መጺኣ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ጆርጅሜሰን ዩኒቨርሲቲ ብኮሚኒኬሽን ተመሪቓ። ቀጺላ ኣብ ዓለምለኸ ባንክ ኣብ ትሰርሕሉ ዝነብረ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ድኽነት ንምጉዳል ዝዓለመ ፕሮጀክትታት እቲ ትካል ሰሪሓ’ያ።

Add a comment

ኣብ ህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ኣይኽእልን’ዩ?

ኣብ ጉዕዞ 26 ናይ ነጻነት ዓመታት ብሰንኪ በሓቲ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ክበጽሕ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓና ነቶም ዋናታቱ ንዓለም ምሉእ’ውን ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዘይተተንከፈ ባእታ፡ ስድራ ቤት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ፍጹም የልቦን።

Add a comment

26 ሊዕሇዎት ኣዘዜቲ ሰራዊት ናይ ወጻኢ ሕክምና ከይገብሩ ተኣጊድም

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ኤርትራ ከምዘረጋገጹዎ፡ ኢሰያስ ንዕስራን ሽደሽተን (26) ሊዕሇዎትን ማእከልትን ኣዘዜቲ ሰራዊት ኣስማቶም ረቑሑ ናይ ወጻኢ ሕክምና ከይገብሩ ኣጊደዎም፡ ካብ ኢሚግረሽ ከኣ መውጽኢ ቪሳ Exit Visa ከይወሃቦም ንሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ምክሌኻሌን ዘጠቓሌሌ ጥብቒ ትእዚዜ
ኣምሓሊሉፉ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም ምንጭታትና። ይኹን’ምበር እቲ ዜተዋህበ ጥብቒ ትእዚዜ ኣብቶም ሰሇስተ ትካሊት ጥራይ ተሓጺሩ ስሇ዗ይተረፈ፡ እቲ ሓበሬታ ዴሮ ሶሉኹ እቲ ሚስጥር ንጎዯና ምስተ዗ርግሔ ዴማ፡

Add a comment

ዯምዲሚ መግሇጺ 3ይ ሱሩዕ ኣኬባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

ብሓሙስ ዕሇት 24 ሓምሇ 2017 ዜጀመረ ሳልሳይ ሱሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ቀዲም 29 ሓምሇ 2017 ብዓወት ተዚዙሙ።

Add a comment

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ቪዛ ዝሕደሰሉ ቦታ ትዓጹ

israel

መንግስቲ እስራኤል፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ዝገብሮ ዘሎ ዝተፈላለየ ጸቕጥታት፣ ኣብ ባር ሸባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት መሐደሲ ቪዛ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ከምዝዓጸዎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እዚ መንግስቲ እስራኤል ወሲድዎ ዘሎ ምዕጻው ቤት ጽሕፈት መሐደሲ ቪዛ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፣ ነቲ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ዝጸንሐ ሪጋ፣ ጻዕቂ ሰብን ጽቕጥቅጥን ብዝበኣሰ ዘጋድድ'ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቤናይ ብራክን ኤላትን ክልተ መሐደሲ ነቑጣታት ጥራይ ከምዘለዋ ገሊጾም።

Add a comment

ስምን ተግባርን ኣይተሳነየን ሰልፊ ደሞክራሲ

ሰባት ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሑሞ ፡ እቲ ዝሰርሑዎ ስራሕ ከኣ ካልእ ጽቡቕ ውጽኢት የመዝግብ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ጽቡቕ ስራሕ ጽቡቕ ሓድሽ ፍረ ይድመሮ፡ ቡኡ መጠን ከኣ ጽቡቕ ኩነታት ይኽሰት፡ ነኒሕድሕዱ ዝደጋገፍ ዓወታትካ ዘቃላጥፍ ደያቢ ውጺኢታት ካኣ ተመዝግብ። እዚ ግን ነገራት ካብ ስበቶም ከይወጹ፡ መንገዶም ሓሊዮም እንተድአ ከይዶም ኢዩ። ይንዋሕ ይሕጸር፡ ኩነታት እናተመሓየሸ፡ ኣወንታዊ ተሞክሮን መሪሕነታው ጥበብን እናደለብካ ትኸይድ።

Add a comment

ርእሰ-ዓንቀጽ ዘመን

12 ሓምለ መዓልቲ ጭፍጨፋ ኣካለ ስንኩላን ማይሓባር፡ ፋሽስታዊ ዝብኢ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣንጊሁ ዝነቀወላ ዕለት’ያ!

Add a comment

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ

 ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን፡ ቀዳመይቲ ቀዳም ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ ንኹሉ ተጋዳላይን ህዝቢን ኤርትራ ዘስመረት፡ ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻሜ ዝተራእየላ ሰሙን ብምንባራ፡ ብግዝያውነት ከም “መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ” ጌርና ኣብ ስደት ክንዝክራ ኣሎና ዝብል ተበግሶ ምውሳድና ዝዝከር ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ዓሚ (2016) እታ ፈላሚት “መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ” ዘኪርናያ ውዒልና። ኣብ ሓጺር እዋን ሰፊሕ ህዝባዊ ተቀባልነትን ደገፍን ረኺባ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ንካልኣይ

Add a comment

ጉጉይ ኣቅጣጫ

ቀደም፡ ነቲ ብ ተክሳስ ዝፍለጥ ዝነበረ “ ፊልሚ ጓሶት“ cowboy መን ቀዲሙ ረኣየ  ዓቢ ጉዳይ`ዩ ነይሩ፤ ……….  “ ሲናማ ኢምፔሮ “ነቶም ናኣሽቱ  ዘይሕለም ኮይኑ፤ እቶም ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ”ሲነማ ዳንተ“  ዝረኣዩዋ ግና  ነቶም ድሕሪ ሰሙን ኣብ ሲነማ ” ኮረቻ ሮሳ“ ንኽርእዩ ዋ ዝጽበዩ ዘለዉ ይሕክዩሎም/ ይገልጽሎም።................ ገለ ካብቶም ሰማዕቲ ነታ ፊልሚ ብዓይኒ ሕልነኦም ዳሕሲሶም ነተን 75 ሳንቲም  ኣብ ካልእ ማዓላ ኣውዒሎም  ከም ኣብ ኮረቻ ሮሳ ዝወዓሉ ኮይኖም ዝሕክዩ  ነይሮም። ኣብ ዘዘለውዎ ደሓን ይሃሊዉ።

Add a comment

ቅለዕ መድረኻዊ ጻውዒት ንኹልም ዯሇይቲ ፍትሒ

ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ - ስዯግኤ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ምስ ዓቢ ኣኽብሮት ንኹልም ዯሇይቲ ፍትሒ ዜጋታትና ብሓፈሽኡ ጻውዒትና ከነቕርብ ከሇና ዕግበት ይስማዓና። ቅለዕ ጻውዒትና ንኩልም ፖሇቲካውያን ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን። ንመጽናዕታዊ ትካሊትን ምሁራትን። ንዓበይቲ ዓድን ናይ ክሌቲኡ ሃይማኖት ዓበይቲ መራሕትን። ንኹልም ናይ ሚድያ ኣካሊትን ማሕበራዊ ጉጅሇ ሕብረተ ሰብና ዝኾኑ ኣገዯስቲ ማሕበራት ከም ዯቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን። ኣብ ኩለ ጥርናፈ ዘየሇዉ Silent Majority

Add a comment

ሰዲህኤ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ኣካይዱ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብቀዳም ዕለት 15 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

Add a comment

ግዜ ከፊኡምበር ዚኦምዶ ጥለሙ

ጳጳሳትን ኣቕሽሽትን ህግደፍ

መንደፍ ትሰድኩም መንደፍ

 ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

 ምርዩይ ጳጳስ ጀነራል ሉቋስ

 ዓቢ ብዕራይ ኣድራጋ ዝኹልስ

 ስልጣን ክወርስ ዝበል ሃርገፍገፍ

  ሕፍር ከይበለ መልሓሱ ዝዓጽፍ  

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኬባ መሰጋገሪ መሪሕነት ግሃድኤ-ሕድሪ

ማእከላይ መሰጋገሪ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ዕለት 14 / ሓምለ / 2017 መበል ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብኣዝዩ ስጡም፡ ግሉጽ፡ ሕድ-ሕዱ ተኣማሚኑ ጉዕዞ ቃልሲ የማእዝን ምህላዉ ብዘንጻባርቕ መልክዕ ኣሰላሲሉ፡፡

Add a comment

ብልቢ ከይወሰንካ ቃልሲ

ንዝኾነ ውልቃዊ ጉዳይ ይኹን ሓባራዊ ሃገራዊ ዛዕባ፡ ብኣፍልጦ ብልባዊ ውሳነን ወነን እንተደኣ ዘይኣቲኻዮ፡ ዘዕግብ ፍረ ክትረኽበሉ ከምዘይትኽእል ርዱእ ነገር’ዩ። ብሓቂ ኣወንታዊ ውጽኢት ክትሓፍሰሉ ትብህጎ ወይ ትደልዮ ዓይነት ስራሕ ‘ምበኣር ፈሊጥካ፡ ወሲንካ፡ ብወነ ክትኣትዎ ኣለካ። ብፍላይ ከም ህዝባዊ ሓበራዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዝበለ ዓቢ ወይ ረዚን ዛዕባ፡ ብቐጥታ ምስ ህይወት ደቂ-ሰባት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ

Add a comment

ዕደና ወርቂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ደቂ ሰባትን ኣካባብን ዘስዕቦ ዘሎ ጸገማት !!

ጉጅለህግደፍካብጽባሕናጽነትኣትሒዙኣብህዝብናዘውርዶዘሎበደልንግፍዕን፣እዚኢልካክጽብጸብኣሸጋሪኢዩ።ሎሚብዛዕባዕደናወርቅንሳዕቤናቱንኣብኤርትራኣልዒልና፣ካብውሽጢኤርትራብዝርከቡ ውፉያትተቓለስቲ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተላእከልና ብስእሊ ዝተሰነየጽጹይሓበሬታከነቕርብንፈቱ።

Add a comment

ተጋ/ስብሓት ነጋ ምስ ጋዜጣ ወይን ካብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ዝተወስደ

ኣብ መንግስቲ ሻዕብያ ከም ሃገር እናተኸተልናዮ ዝመጻእና ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዝድለ ውጽኢት ከምዘየምጸአ ብዙሓት ሰባት ዝዛረብሉ’ዩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስ’ቲ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ይገብሮ ኣሎ ዝበሃል ብምትእስሳር ቀጻሊ ዕዳ ህዝቢ ትግራይ’ዩ ይበሃል፡ ኣብ’ዚ እንታይ ርእ

Add a comment

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ግዛኣተይ ብወተሃደራት ኤርትራ ተወሪሩ ክብል ንዘቕረቦ ክሲ ከጻሪ ንዝመዘዞ ኣካል፡ መንግስቲ ህግደፍ ኣይቅበልን ክብል ከም ዝነጸጎ ተፈሊጢ።

ኣብ’ቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ወተሃደራት ብምስፋር፡ መስርሕ ሽምግልና ሒዛ ዝነበረት ሃገረ ቀጠር፡ ወተሃደራታ ኣውጺኣ መስርሕ ሽምግልና ምስ ኣቋረጸቶ፡ መንግስቲ ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ንልኡላዊ ግዝኣት ጅቡቲ ወሪሩ ከም ዝሓዘ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ተወሪረ ክሲ ከም ዘቕረበ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ክሲ መሰረት ገይሩ ኣብ’ቲ ብዕለት 5-6 ሰነ 2017 ዘካየዶ መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፡ ምስ ክልቲኣቶም መንግስታት ዝዘራረብ፡ ነቲ ቦታ ድማ ብኣካል ዝዕዘብ ልኡኽ ክሰድድ ብዘመሓላለፎ ው

Add a comment

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ 3ይ ሱሩዕ ኣኼባኡ ሎሚ 24 ሓምለ ብወግዒ ከፊትዎ

3ይ ሱሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ፡ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ኣብ ዝተረኽብሉ ሎሚ ዕለት 24 ሓምለ 2017 ዓ.ም ብኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ብወግዒ ተኸፊቱ ። ኣብቲ ስነ ስርዓት መክፈት ንዝቕጽል መዓልታት ንክዝትዩሎም ዝተቐረቡ ኣጀንዳታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ፡ ኣጠቃላሊ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ዕለታዊ ዘሕልፎም ዘሎ ከበድቲ ተጽዕኖታት ምልክን ቁጠባውን ማሕበራውን ጸቅጥታትን፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናመረረ ይኸይድ ምህላውን፡ ኣስካሕካሕን ጅምላዊ ህልቂትን ፈታኒ ተረኽቦታትን ዋሕዚ ምስዳድ መንእሰያትን ቀጻሊ ተጻብኦን መሰናኽላትን ግበታዊ ስርዓት ህግደፍን፡ ከምኡ’ውን ንተስፋ ኣልቦነት ጭካነን ኣዕናዊ ፖለቲካዊ መስርሓትን ተዋላዋልን ኣደናጋርን መርገጺታትን፡ ጸረ ሰላምን ምሕብሓብን

Add a comment

23- ኤሱዙ(isuzu) ናይ ሓለፍቲ መካይን ተኣጊዯን፡ 5- መራሕቲ መካይን ተኣሲሮም።

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዗ካየደዎ መጽናዕቲ፡ ንክልተ በበይኑ ፍጻሜታት ግና ናይ ሓባር ረብሓን ምትእስሳርን ዗ለዎ፡ ኮነ ኢልካ ብልሽውና ንምዕባይ ክስርሓሉ ጸኒሑ። ንክልቲኡ ፍጻሜታት ዗ቃልዕ ብክልተ ሓረጋት ተገሊጹ ነናቱ ኣስማት ተዋሂቡዎ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ

Add a comment

ሰሙን ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ካብ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ጀሚሩ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵን ናይ ማእከላይ ብረት ምምልላስን ሓሓሊፉʼውን ናይ ከቢድ ብረት ድምጺ ዝስምዖ ኩነታት ወተሃደራዊ ሓበሬታታት ክዘሩቕ ( ብጽንጽንታ ) ክስማዕ ምጽንሑ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር እዩ፡፡

Add a comment

ሓሊፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ............

ሓሊፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሃገረ ጀርመን ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ ህለው ኩነታት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ፡ ስደተኛታትን ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሱራት ፖሇቲካ፡ ሃይሇ ወልደ ትንሳኤ ቢትወደድን ኣስቴርን ጉዳይ ተዘራሪቡ

Add a comment

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘየውረዶ ኣደራዕ የለን

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ማእለያ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ዝብኢ ከም ዝኣተወን ኣጣል ካብ ማሙቕ ገዝኡ ኰነ ተባሂሉ ከም ዝስደድ ይግበር ኣሎ። ሃገሩ ገዲፉ ክወጽእ ከሎ ድማ ብቐሊሉ ክሳገር ኣይክእልን እዩ። ብዙሕ ኣደራዕ ክሳብ መቕተልቲ ከይተረፈ እዩ ዘጓንፎ ዘሎ። ሓደ ካብ’ቶም ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ
መንጎ ጭፍራ ህግደፍን ኢትዮጵያን ዝፍጠሩ ናይ ብረት ረጽምታት ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መንቀሊታት መንእሰያትና ሃገሮም ገዲፎም ክወጽኡ ከለዉ ህግደፍ ብተመልከተለይ ክትኲሰሎም ከሎ1፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ

Add a comment

ጭፍራ ህግደፍ ሕማሙ ተላዒልዎ ንኣመንቲ ገለ ሃይማኖታት ኤርትራውያን ዜጋታት ይኣስርን ይስውርን ኣሎ

ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ኣህጉራዊ ሰነዳት ሰፊሮም ክኽበሩ ዓለም ምሉእ ዝቃለሰሎም መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝመረጽካዮ እምነት ምኽባር እዩ። ደቂ-ሰባት ብዘይፍርሓት ምዩቚ ከይበሉ ሃይማኖታዊ እምነቶም ክኽበረሎም ይግባእ። ጭፍራ ህግደፍ ፖለቲካዊ ድዩ ወላ ሃይማኖታዊ ሓዘል ሓሳቡ ክገልጽ ዝኽእል ሰብ ኣብ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ኣካል ከም ዘየሎ ዓለም ምሉእ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ብቀዳምነት ዝርእዮ ናእዳን ናይ ኣድናቖት መዝሙርን ዝገብር ጥራሕ እዩ ከም ናቱ ገይሩ ዝወስዶን ዝርእዮን። ብዝተረፈ ከምኡ ዘይገበረ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ጭፍራ ህግደፍ እዚ ዘይገብር እንተዀይኑ መን እዩ ብዘየገድስ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ብዝዀነ ይኹን ኣገባብ ክምብርከኽ እንተኣበየ ከኣ ክሳብ’ውን
ክጠፍእ እ

Add a comment