ዜና ጀርመን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኡስ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

ዕለት 16/12/2017 ንኡስ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣኼባ ኣካይዱ ። ኣብቲ ዝተሰላሰለ ኣኼባ እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣባላት ተመያዪጦምሉ።

Add a comment

'ቅኒት መዝሙር ሰላም ንህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን' ኣኼብኡ ኣቃኒዑ

‘ሰለብሪቲይ ኢቨንትስ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ኣዲሳበባ ዘሳለጦ ፈላማይ ኣኼባ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያን ብቕድሚት ሳሓባይ ብድሕሪት ደፋኣይ ዘይብሉ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ድለየት ሰላም ክልቲኦም ህዝቢታት ዝተመርኮሰ’ዩ’ ይብሉ ተሳተፍቲ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ። ‘እቲ ዝምድናታት ንጹር መታን ክኾን ንሕና ኤርትራዊያን ብዛዕባ ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ክልቲኡ ህዝቢታት ንግደስ ብወለንታና ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ክንሳተፍ ፈቃደኛታት ዝኾና ሰባት ኢና’ ይብል ኣቶ ይስሃቅ ዮሴፍ ብተርኡ።

Add a comment

ሓፈሻዊ ገምጋም ኣብ ድሕረ-ባይታን፣ ቀጸልቲ መድረኻት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ !

ዝኸበርኩም  ኤርትራውያን ሃገራውያን! ኣብ ዝሓለፉ መድረኻት ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ፖለቲካዊ መጠን-ትሕዝትኦምን ኣብ ግስጋሰ ሓይልታትና ዝነበሮም ብጽሒትን፡ ንብሕታዊ ተመክሮን ኣብ ሓቃዊ ምስሊ ቃልሲ ውህሉልል ትዕዝብትታት፡ ኩነታት ቃልስናን ብድሆታቱን መጻኢ ዕድሉን፡ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መረዳእታ ከንብር ንዝተገብረለይ እንግዶት፣ ሰውራዊ ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ኣብ’ዚ ዝቐርብ ትንታነ ብዝተፈላለዩ ፓለቲከኛታትን ምሁራትን ደቂ ኤርትራ፡ ብመሰረት መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተገበሩ ኣፋዊ መደረታትን ኣሳቲፉ፡ ዕምቆት ንክህልዎ ቀሊል-ዘይኮነ ኣስተዋጽኦ ገቢሩ እዩ።

Add a comment

ብወትሃደራውያን መምርሒ ዝመሓደራ ኮለጃት ኤርትራ፣ ፍሽለት ከምዘጋጠመን ተገምጊሙ

Adi keyh

ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ብምዕጻው፣ ብወትሃደራዊ መምርሒ ዝመሓደራ ኮለጃት ዝኸፈተ መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሳራታተን እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ተገምጊሙ። ነዚ ሓበሬታ'ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ እተን ኮሌጃት፣ ዓመታዊ ካብ ሳዋ ተመዲቦም ዝመጹወን ኣሽሓት ተማሃሮ፣ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዳርጋ ፍርቆም ብስግረዶብ ናብ ስደት ይውሕዙ ብምህላዎም፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ስሩዕ መደባት ትምህርቲ ንምክያድ ተጸጊመን ከምዘለዋ ኣገንዚቦም።

Add a comment

ኣብ ውሽጢ 26 ዓመታት ክልተ ሜጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ኣፍሪዮም ኣብ ክንዲ ዝሓፍሩ ይጀሃሩ።

ብዙሓት መንግስታት ብተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ምጥቃም ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኣቑጺሮም ኣለው። ተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ካብ ብከላ ነጻ ዝኾነ፡ ካብ ንፋስ፣ ጸሓይ፡ ሃፋ ዝርከብ ኣዝዩ ምሩጽ ፍርያት’ዩ። ተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ንምጥቃም ሞያዊ ኣፍልጦ፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፣ገንዘብ ይሓትት’ዩ። ብቐንዱ ግን ባህርያዊ ውህብቶ’ዩ። ኤርትራ ተደኲናትሉ ዘላ ድማ ናይ’ዚ ባህሪያዊ ውህብቶ’ዚ ሃብታም’ዩ። ኣብ ሓደ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ኤርትራ ካብ ንፋስን ጸሓይን

Add a comment

ዝምልከቶ ኣካል ምርመራ ኣካይዱ ነጻ ምስ በለ ጥራሕ’

ሃላሊ ጉጅለ፡ ካብ ተግባራት ግብረ ሽበራ ነጻ ምዃኑ ክዛረብ ዝኽእል ኣቋውማ ወይ ኣመሰራርታ ኣህጉራዊ ትካል “ ሕቡራት ሃገራት” ተመክሮኣዊ’ዩ። እዚ ኣህጉራዊ ትካል ብወግዒ ቆይሙ ስራሑ ከሰላስል ካብ ዝጅመር 72 ዓመት ደኣ የቑጽር ‘ምበር፡ እዚ ትካል ንክምስረት
ዝደፋፍኡ ተረኽቦታት ወይ ፍጻሜታት’ሲ ኣማኢት ዓመታት ንድሕሪት ዝመልሱና ምዃኖም ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ስለዚ ከኣየ ኣመሰራርታኡ ተመኩሮኣዊ’ዩ ዘበለኒ።

Add a comment

ቅለዕ መጸዋዕታ ንፈጻሚ ሽማግሇ ኤስዯሇ

ብድሕሪ ነዊሕን ብዙሕን ሞጎት ምስ ሕልናይ ተዓሪቐ ንውሽጠይ ነጻነትን ሓርነትን ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሉ ክልተ ዓመት ኮይኑ’ዩ። ብቅለዕ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንዯሞክራስያዊ ሇውጥን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ኣባልነተይ ኣውዱቐ ነጻን ሓራን ካብ ዝኸውን ድማ እንሆ ራብዕቲ ኣቁጺሩ። ቅድሚ ኩለ ካብ ሕልናዊ ቅሳነትን ራህዋን ዝዓቢ ስሇዘይህለ፡ መቐረት ሕልናዊ ነጻነትን ሓርነትን ከስተማቕር ብምኽኣሇይ ብጣዕሚ ሕጉስ ምዃነይ ከረጋግጽ ይፈቱ።

Add a comment

መንግስቲ ህግደፍን ካልኦት ንዕኡ ዝመስሉን..................

መንግስቲ ህግደፍን ካልኦት ንዕኡ ዝመስሉን፡ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓያል ታህዲድን ዘለፋን ከም ዘካየዱ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልኡኻት ህግደፍን ካልኦት ክልተ መንግስታትን ኣብ ልዕሊ’ቲ 47 ኣባላት ሓቒፉ ዝዋሳእ ዘሎ ትካል፡ ዘቆናጽብ ዝህድድ ንጥፈታት ክግበሩ ከም ምርግጋጹ፡ ብ21 ሕዳር 2017 “ መጥቃዕትን ምፍርራሕን ኣብ ልዕሊ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ

Add a comment

ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ንምትግባር ዕላምኡ ዝሰርሕ ኮሚቴታት ምጥያሱ ኣፍሊጡ

ኣኼባ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ

ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ብዝብል ስም ዝንቀሳቐስ ኣካል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ናብ ሰላም ንምቕያር ከምዝተለዓለ ኣፍሊጡ። ‘ሰለብሪቲ ኤቨንት’ ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ኮሚቴታት ምጥያሾም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዘዳለዎ መድረኽ ገሊፁ’ሎ። ብወገን ኤርትራ ናይቲ ኮሚቴ ኣባል ኣቶ ይስሃቅ ዮሴፍ እቲ ኮሚቴ ካብ ተፅዕኖ ነፃ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው። ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ዓለም ስሩዓት ናይ ድሕነትን ናይ ሰላምን ውዳበታት ንፀገማትና ንምፍታሕ ኣይክኣሉን ይብሉ።

Add a comment

ብተግባር ኣለና ንበል እንተሃሊና፡

ህይወት ዘለዎ ፈለኽለኽ ክብል ክዛረብ

ካብ ሕማሙ ክፍወስ ብተግባር ክረባረብ

ይወናጨፍ ኣብ ባሕሪ ብሃገራዊት መርከብ

በረኻ ወጺኡ ይዘቲ ኣብ ጽላል ገረብ ብብልሓት ብቃልሲ ይስገሮ ንሩባ መረብ

Add a comment

ህዝባዊ ቃልስና ብቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማን፡ ብቑዕ ደሞክራስያዊ ኣመራርሓን’ዩ ዝዕወት፣

ህዝብታት ኤርትራ ብናይ ግዳማውያን ተበራረይቲ ገዛእቲ ስርዓታት ፖለቲካዊ ስልጣንን ቁጠባዊ ረብሓታትን ንምርግጋጽ ክብሉ፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሽጣዊ ዕቤትን፡ ብቕዓትን ተኽእሎን ድሌትን ወጻኢ ብዝኾነ ታሪኻዊ
ፍጻመ፡ ከም ጥርኑፍ ህዝብን ሃገርን ካብ ዝቖምሉ ታሪኽ ጀሚሮም፡ ደረጅኡን ንጥፈቱን ዝፈላለ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ምቅላስን መስዋእቲ ምኽፋልን፡ ሓሳ

Add a comment

ቅልዕቲ ጸዋዒት ደብዳበ ንእኩባን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዓለም

ነቐጸልታ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፍታትኩም እምባኣር፡ ሰለማዊ ሰልፊ ተገይሩ ጥራሕ ዘይኮነ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣትኪሉ ንኽስማዕ ነቲ ንሂሩ ዘሎ ጠሓሒሳ ምልዕዓል ብወገን ክንገብሮ ካብ ዘሎና።

Add a comment

ባህልን መንነትን ኤርትራ

ባህሊ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ማተሪያላውን ማሕበራውን መንፈሳውን መንነት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ ዓድን ማይቤትን ሃገርን ከይተፈጥረ ኸሎ ዝነበረን፡ ኩሉ ግዜ ድማ ንወድሰብ ከም ጽላሎቱ ኾይኑ ዘሰንዮ ዝነበረን ዘሎን ተርእዮ እዩ። ባህሊ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህሉ ዘጥፍእን ናይ ካልእ ዚልቃሕ ወይ ዚርዕም ሕብረተሰብ ግን ኣሎ። ሃገር ክንብል ከሎና፥ ካብ ቀደም ሰብ ዝነበሮ ወይ ብሓደ ምኽንያት ወይ ኣጋጣሚ ካብ ብዙሕ ሸነኻት ሰባት እተኣኻኸቡሉ፡ ብማእከላዊ መንግስቲ ዚመሓደር፡ ሓባራዊ ቁጠባዊ ምትእ

Add a comment

ስርዓት ህግደፍ ንርእሱ ከሲሩ ህዝብን ሃገርን ኣኽሲሩ።

ጉጅለ ህግደፍ ነዛ ስልጣን እትብል ቃል፡ ሓንሳብ ብርእሳ ካልእ ግዜ ከኣ ብእግራ ኣንጠልጢሉ፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ንዕኡ ዝጥዕሞ ሓደ ትርጉም እናሃበ ይሰርሓላ ኣሎ። ንስልጣን ዝህቦ ትርጉም ካብ’ቲ ጸረ-ህዝቢ ዝኾነ በይናዊ በሓቲ ኣረኣእያኡ ነቒሉ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ብተግባር ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናብ መንገዲ ውድቀት የመርሕ ኣሎ። ሎሚ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ኮነ ከም መንግስትን መንግስታዊ ፖለቲካዊ ኣመራርሓን ይዋሳእ ኣለኹ ዝብል ሓይሊ፡ ብሕጊ፣ ብኣረኣእያ ኣብ መሬት ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ኣማላኻቲ ወይ መስፈሪ ከርኢ ኣለዎ።

Add a comment

ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን ዞባ ኣውሮጳ

ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን ዞባ ኣውረጳ፣ ራባዓይ ዞባዊ ጉባኤኡ ከካይድ ኣብ ምቅርራብ ይርከብ።

Add a comment

ፖለቲካዊ ባርነት ዝወለዶ ጉልበታዊ ባርነት

ባርነት ጥንቲ ዝነበረ፡ ግን ከኣ ዝተሰግረን ታሪኽ ዝኾነን ይመስል ነይሩ። ከም ሓቂ ግን ብኣተሓሳስባን ተግባርን ዛጊት ካብኡ ዘይወጽኡ ሰባት ኣለው። ሰባት ክንሶም ብተዘዋዋሪ ንከምኦም ዝበሉ ሰባት ዝበልዑ ሰባት ኣለው። ጥንቲ ኮነ ሎሚ ድማ ምንጪ ባርነት፡ ስእነት ህዝባዊ ሓርነት’ዩ። ምጉዳል ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምጥፋእ ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነትን’ዩ። እዚ ኩሉ ከኣ ተቓሊስካ ክቕየር ዝኽእል፡ ስሰዓ ወዲ-ሰብ ዝወለዶ ሕማም’ዩ። ዘይደሞክራስያውያን፣ ንጉሳውያን፣ መለኽትን ፋሽሽታውያንን ስርዓታት ልዕና ኣብ ዝሓዙለን ሃገራት ይዓብን ይንእስን እንተዘይኮይኑ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኣድልዎ ኣሎ። ካብ ባህሪያዊ ሃገራዊ ጸጋታት ብፍልጠትካ፣ ብጉልበትካ ብማዕረ ዘይምጥቃም ኣሎ።

Add a comment

ብሓቂ ተመክሮ ንምውሳድ ቅሩብነት እንተዝህሉ፡ ካብ ቻይና ኢትዮጵያ ይቐርብ።

ካብ ድኽመቱ መታን ክእርም፡ ካብ ካልኦት ተመክሮ ክወስድ ቅሩብነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ምቑሉልነቱ ክፈልጥ ዘለዎ ድሌትን ማዕባላይነቱን የመልክት። ልምዲ ወይ ተመክሮ ክበሃል እንከሎ ግን ሓደ ገጽ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣወንታዊ ተመክሮ ኣሎ። ኣሉታዊ ተመክሮ’ውን ኣሎ። ናይ ታሪኽን ቦታን ቅርበትን ርሕቀትን፣ ናይ ቋንቋን ባህልነት ተመሳሳልነትን ድማ ነናቱ ብልጫ ኣለዎ። ሕጽረታቱ ንምእራም ኣወንታዊ ተመክሮ

Add a comment

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ

ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ጨንፈር ቁጽሪ 1) ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ብዕለት 25 ሕዳር 2017 ስሩዕ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፈልለየ ከባቢታት ዝነብሩ ኣባላት ጨንፈር ዝተሳተፍዎን፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፍን ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ኣቦ-መንበር ዞባ ኤውሮጳን ዝተረኽብሉን ጉባኤ ምንባሮም እ

Add a comment

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ገይረዮ ዝብሎ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ትርጉም ዘለዎ ኣጀንዳ ከምዘይብሉ ምንጭታት ገሊጾም።

ከም’ቲ ልሙድ ኣካይዳኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝሓደሮ ፖለቲካዊ ጭንቀት ተበጊሱ፡ ብዓቕሊ ጽበታዊ ደንበርበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ግንባራት ከፋፊሉ፡ ዕሱባት ኣዋፊሩ፡ ጎስጒሱ፡ ኣበራቢሩ መቃነይ ስልጣኑ ንምግባሩ ዝመደቦ ህዝባዊ ኣኼባ ዝሰመዮ ግዱድ ኣኼባ የካይድ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ግዳ፡ ትርጉም ዘለዎ ዛዕባ ዘይብሉ፡ ትእዛዝ ምሃብን ምቕባልን ምዃ

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መርሕነት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)

ሕጂ‘ውን ነዚ ኣዝዩ ጽንኩርን በዳህን መድርኽ ብደሞክራስያዊ ቓልሲ ክንሰግሮ ኢና!!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መርሕነት፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ (ደምሳኤ)፡ ካብ 14-21 ሕዳር 2017 ኣብ ከተማ ዓዲ-ግራት ብዓወት ተሰላሲሉ፡፡
ማእከላይ-መሪሕነት፡ ኣብ 3ይ ስሩዕ ኣኼብኡ፤ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ደምበ-ሰውራን ብሓፈሻ፡ ህልዊ ኩነታት ውድብና ደምሳኤ ድማ ብፍላይ፡ ኣመልክቱ ሰፊሕን ዓሚቕን ገምጋም ኣካይዱ፡፡ ኣገዳስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምሕላፍ ከኣ፡ ኣኼብኡ ብዓወት
ዛዚሙ፡፡

Add a comment

ን27 ዓመት መብጽዓ ሕልሚ እንታይከ ክትብሉኹም ሎሚ

ጠምዩ ከሎ ጸጊቡ.ሎም ክንድኡ ዝምሕሉ

ተሳዒሮም ከለዉ ስዒርና እናበሉ ዘታልሉ  

ናቶም ሽግር ገዲፎም ብንዳማቶም ዘዕልሉ

ቀናኣት ንህዝቦም ሕማቕ ጥራይ ዝምነይሉ

 

Add a comment

ፍልልይ ፖሎቲካዊ መንነትን ባህርያትን ንምንጽጻር ዜኣኽል

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኢህወዯግ ንልዕሊ ወርሒ ኣብ ዜወሰዯ ኣኼባኡ ኩሉ-መዲያዊ ዒሚቕ ገምጋም ክካየድ ምውርሑ ብዜተፈላለየ መራኸቢ ብዘሓን ዜተኸታተልናዮ’ዩ። እቲ ኣኼባ ኣብ ዜተወሳሰበ ተኣፋፊ መድረኽ ይሰላሰል ብምንባሩ፡ ቆላሕታ ዜተፈላለዩ ፈተውትን ጸላእትን ክስሕብ ግድነት ኮይኑ ነበረ። ከምቲ ነዲይ ናይ ልቡ ይሓልም ዜበሃል፡ ኣብ መስርሕ ናይቲ ኣኼባ፡ ብዜተፈላለዩ ውሽጣውያን ይኹን ግዲማውያን ጸላእቲ ኣብ መራኸቢ ብዘሓን ዜፍኖ

Add a comment

እንዳ ኣሉ

ሕጂ‘ኸ እንታይ ይበሉ፡ እንዳ ኣሉ

ብኣልቦ መብጻዓታት ነዊሕ ዝኾብለሉ

ኣነስ እሰግእ‘የ ኣእምሮኦም ከይከውን ዘቢሉ

ወይ‘ክኣ ኣእዛኖም ደስኪሉ

ድምጺ ውጹዕ ዘየስምዑ፡ ተማህሊሉ

ኣእትይዎም እንከሎ ዘሚሩ፡ ዓሊሉ

Add a comment

እዚ መላኺ ጉጅለ፡ ነቲ ዕጡቕ ክፍልታት ከም መልሕቑ ተጠቒሙ’ዩ ኣለኹ ዝብል ዘሎ።

ግደ ዕጡቕ ሓይሊ ወይ ሰራዊት ኣብ ሓንቲ ሃገር ብከመይ ክቐውም ከም ዘለዎ፡ እንታይ ክመስል ከም ዝግባእ፡ ደረጃ ፖለቲካዊ ንቕሓቱን ህዝባውነቱን ንባህሪያት ናይ’ቲ ዘቑሞ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ’ዩ ዝመስል። ተልእኾኡ’ውን ንውሳኔታት ናይ’ቲ ስርዓት ምሕላውን ምትግባርን’ዩ። ብርግጽ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ዝማዕበለ፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ዘፍቅዶ መሰሉን ግቡኡን ብዝተነጸረ ተቐሚጥሉ ዝተጣየሰ ወተሃደራዊ ትካል፡ ካብ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ዝደኸመ፡ ብሃገራዊ ቅዋም መሰረት ዘይተጣየሰ ሰራዊት ምልኪ ይፍለዩ። ብዘይቅዋም ተልእኾኡ ብዘይተነጸረ ተገፊፉ ዓጢቑ፡ ገፊፉ ዘዕጥቕ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ሩሕ ካብዘይብሉ እኩብ

Add a comment

ፖለቲካዊ ብስለት ኣብ ጽጉም ኩነታት’ዩ ዝምዘን፡-

ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ፖለቲካዊ ብስለት፡ ህዝባዊ ኣረኣእያ፡ ፖለቲካዊ ግርጭትን ኣፈታትሓኡን ክትዛረበሉ ክትምህረሉ ክትጽሕፈሉ ኣዝዩ ቀሊል’ዩ። ኣብ ተግባር ክትርጉሞ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድን’ዩ። ነብስኻ ምምራሕ፣ ስድራ ቤት ምእላይ፡ ህዝቢ ምምራሕ፡ ምስ ካልኦት ተሰማሚዕካን ተሰኒኻን ምንባር ብተመሳሳሊ ብተግባር ኣቲኻ ከይተውሳእካሉ፡ ከይነበረካሉ፡ ብማዕዶ ኮይንካ ክትፈርዶ ክትወራዘየሉ ኣዝዩ ፈኲስ’ዩ። ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ኣብኡ ምስ ኣተኻ ወይ ምስተጸመድካ’ዩ ክእለትካ ትዕግስትኻን ህርኩትነትና ዝልካዕ

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ፡ 3ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖ/ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ካብ 06 ክሳብ 08 ታሕሳስ 2017፡ 3ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ። ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰደግኤ፡ 3ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካየደሉ እዋን፡ ኣብ ፍሉይን ዝተሓላለኸን  ዓለማዊ፣ ዞባውን ከባብያውን ኩነታት እዩ፤ ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባናን ከባቢናን ድማ ብፍላይ፡ ርኡይ ምድኻም ዝተወደበ ምንቅስቓስ ጥሩፋት ሓይልታት ኣብ ዝተረጋገጸሉ ብሓደ ወገን፡ ብመንፈስ ተስፋ ምቑራጽ ተደፊኦም፡ ኣብ  ከተማ ሞቓዲሾን ግብጽን(ኣብ መስጊድ)፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ዝፈጸሙሉ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ከምኡ'ውን ዘበኑ ዝሓለፎ ናይ ደቂ ሰባት ንግዲ( ጊላዊ ንግዲ)፡ ኣብ ቅርዓት ሃገረ ሊብያ ክረአ ዝጀመረሉ ኣዝዩ ዘሰክፍ፡ ዓለም-ብዓለሙ ዘሕዘነ፡ ብሓደ ቃል ድምጹ ዓው ኢሉ ክኹንኖ ዝተራእየሉ ኩነታት'ውን እዩ ተኻይዱ። ኣብ ዞባ ማ/ምብራቕ፡ ምስ ኩነታት ሃገረ የመን ብዝተኣሳሰረ፡ ክልተ ኣብ ሕድሕዶም ዘይቃደዉ መንግስታት፡ ብዘካየዱዎ ዘለዉ ናይ መን ሰዓረ ኣዕናዊ ኩናት፡ መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን የመን በብእዋኑ ኣብ ሓደጋ እናተሸመመ ዝኸደሉ ዘሰክፍ ወቕቲ'ውን እዩ ተሰላሲሉ። ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ናይ ክድምንኡ ሕርጓቶ ክምእርር፡ ኣብ'ዚ ኣዕናዊ ወፍሪ'ዚ ይዋሳእ ምህላዉ ተገንዘበ፡

Add a comment

ሙሴ ዮሃንስ /ወዱ ጣባ/ ምስ ሓቂ እናተላተመ ክጋለጽ ከሎ

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ነፀረኣብ ኣስመላሽ ሕጹይ ወያናዊ ፕረሲዯንት ኤርትራ ብድሕሪ ምባሉ፡ ንነብሱ ድማ ኣብ ሰዯግኤ ብዯረጃ ሚኒስትሪ ተመዙዘ ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። እዙ ባእታ’ዙ ወትሩ ሂወቱ ምስ ስሱዕ ግዜያዊ ረብሓታትን ፖሎቲካዊ ስልጣንን ዜተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ኣእምሮ
ን዗ለዎ ሰብ ናይ ኩሉ ግዛ ሕልምታቱ’ዩ ኣግሂደ። ኣበናይ ጽፍሒ ሚኒስትሪ ተመዱቡ ከም ዜነበረ ስለ ዗ይሓበ

Add a comment

6- መንእሰያት ኣብ ከባቢ ቓሮራ ሞይቶም ተረኺቦም

 ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ሕዲር/ 2017 ኣብ ሳሕሌ ካብ ቓሮራ 10 ኪልሜተር ንወገን ማህሚመት ዗ል ሰጣሕ ጎሊጉሌ፡ ሽደሽተ (6) ተመሃሮ መንእሰያት ብጥይት ተሃሪሞም ሞይቶም ተረኺቦም። ናይ’ቲ ከባቢ ነበርቲ ህዜቢ ንዜርኣዩዎ ሬሳታት ንፖሉስ ሓቢሮም። ፖሉስ ናይ ዜሞቱ መንነቶም ከጻርዩ ኣብ ዜጀመርለ እዋን ግና፡ ስሇያ ናይ ሳሕሌ ጣሌቃ ኣትዮም ነቲ መስርሕ ምጽራይ ባዕሌና ከነካይዶ ብዜብሌ ጉሌባብ ነቲ ጉዲ

Add a comment

ሕጋዊ ስጉምቲ ጸጥታ ሱዲን ኣብ ኤርትራ ዝፈጠሮ ወጥሪ

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ኣብ ሞንጎ ጸጥታ ኤርትራን ሱዲንን ብሓፈሻ፡ ጸጥታ ውላየት (ኣውራጃ) ከሰላ ብፍላይ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ኣብ ከቢዴ ጸጥታዊ ወጥሪ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጾም ።ንጠንቅታቱን ምትእስሳሩን ንምብራህ ናይ ሱዲን ጸረ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ሸርሒ ዝጀመርዎ ሓዱሽ ወፍሪ፡ ብኣንጻሩ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንሉኡላዊ ክብሪን ሓዱሽ ሕግን ሱዲን ብምዴፋር ዝወስደዎ ዗ይሕጋዊ ተግባር ኣትኣሳሲርና ክንገልጾ ኢና። ዋላ’ዃ ልሙዴ ተግባሮም ኣንተኾነ ናይ ሎሚ ፍሉይነት ኣለዎ።

Add a comment

መጸዋዕታ ንኣህጉራዊ ንሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ባርነታዊ መሸጣ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንቀዳም ዕለት 09.12.2017 ኣብ ፍራንክፈርት

ንቀዳም ዕለት 09.12.2017 ኣብ ፍራንክፈርት ኣህጉራዊ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ባርነታዊ መሸጣ ስደተኛታትን ከምኡውን ኣብ ልዕልኦም ዝግበር ስቅያትን ተዳልዩ ኣሎ። እዞም ንመሸጣ ዝቐርቡ ኣብ መዲያ ንርኦም ዘለና ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ኣሕዋት ብፍላይ ናባና ናብ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ስለዚ በዚ ኣብ ትሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ግዜን ኣድራሻን ዝኸኣለ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

Add a comment

ዋሳ ዋሳ!!!!! ፓል ቶልክ ወረና።


2017 ሳዓትሳዓት 21:00 ፓልፓል ቶልክ ውረኒል ብሊና ማሕበር ፋሪዕፋሪዕ ቃብሎታዲ ወክት ና ህንብናዂዲ ሲ ኒ ረኤይሲ ሓበርዶ ኣኸውድ ብሊኑዂድ ክብርድ ዓደመንኩኩም። ዳሕነድ ላዃ። ፓል ቶልክ

Add a comment

ሰባር ስቕታ

ቱታ ቱታዶ ክብለልካ ወዲ ኣኽርያ ዝያዳ

ቱታዶ ክብለልካ ወዲ ዓደይ ኮርዒዳ

ብዳርባ ጨማቲ ሓናቕ ኳሌታ ከፋት በሪ ሰባር ስቕታ

 

Add a comment

እስራኤል፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ትደፋፍእ

Holot

መንግስቲ እስራኤል፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ይደፋፍእ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ መንግስቲ፣ ነቶም ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ዝደፋፍእ ዘሎ፣ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ክዕጾ ድሕሪ ምውሳኑ'ዩ።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ ብክልተ ሚኒስተራት ንዝቐረበ እዋመ፣ ብሰንበት 19 ሕዳር ሕሪ ምምይያጥ፣ "ኾልት ንስደተኛታት ምቹእ ስለዝኾነ፣ ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ ኣየተባብዖምን" ብምባል'ዩ ክዕጾ ወሲኑ።

Add a comment

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ /ወዱ ጣባ/ ምስ ሓቂ እናተላተመ ክጋለጽ ከሎ


እዙ ሕጂ ብሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ዜለለ ኣብ መድረኽ ፓልቶክ ዕሱብ ህግዯፍ ኮይኑ፡ ዒንገረር ክብል ዜሓድር ዗ሎ፡ ሓቀኛ ስሙ ኣማንኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ/ ዜበሃል ምዃኑ የረጋግጽ። ካብ ዜውለድ ኣትሒዘ ወላዱኡ መን ምዃኑን መበቆሉ ብንጹር ከም዗ይፈልጦን ኩሎም መተዒብይቱ ይምስክሩ። ቅጽል ስሙ ቴኖ ክሳብ ዜኾነ ትርጉም ናይዙ ሳጓ’ዙ ንዒኩም ምግላጽ ንቀባራይ መርድእ’ዩ። መበቆል ነፍስሄር ወ/ሮ ኣምለሰት ማለት ወላዱቱ ኣብ ትግራይ ብ዗ት ዜተባህለ ዒዱ ምዃኑ ይፍለጥ። ወ/ሮ ኣምለሰት ኣብ ሸዊት ዕድመኤን ብስራሕ ምክንያት ንኣስመራ ብድሕ

Add a comment

ኣፍሪካዊ ሕብረት ናይ መን ድዩ?

ኣህጉር ኣፍሪካ ትማሊ ኮነ ሎሚ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ክፍለ ዓለም’ያ፡፡ ብካልእ መልክዑ ድማ ኣህጉር ኣፍሪቃ ትማሊ ኮነ ሎሚ ፖለቲካውን ጸጥታውን ርግኣት ዘይብላ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ዝረሓቓ፣
ብጽምኣት ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ትማስን፣ ብኲናት ወረ ኲናትን ትሕመስ፣ ከም ናይ’ዚ ኩሉ ውጽኢት ከኣ ብድሕረትን ድኽነትን ትግለጽ ኣህጉር’ያ። እንክቕድም ጠንቂ ኲናትን ዕግርግር፣ ድሕረትን
ድኽነትን ኤውሮጳውያን ገዛእቲ’ዮም ነይሮም። እንክድሕር ከኣ ጠንቂ ኲናትን ዕግርግርን፣ ድሕረትን  ድኽነትን ኣፍሪቃውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን’ዮም።

Add a comment

ናይ ሕጂ`ኸ ብውዲት ድዩ ብጎነጽ ?

ኣብ መፋርቅ 20 ክፍለ ዘመን እስራኤል ብመንገዲ ብሪጣንያ ኣብ ፈለስጢን ክትከል እንኮላ ፤እታ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጂኦ ፖለትካዊ ቅርጻ ዘነጸረት ኤርትራ ከኣ ክትቡንቆር ወይ ክትምቀል ብባዓል ብሪጣንያ ዝእለመሉ ዝነበረ ዘመን`ዩ።

Add a comment

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ..................

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ንህይወቶም ውሕስነት ብምስኣን ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።
ካብ 2006 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ ግዝያት ብምድረ ባዳን ዘስካሕክሕ ገበናት ብዝፍጸመሉ ሲናን ሰጊሮም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ሃገረ ስራኤል ኣትዮም፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሮም፡ ሸለብ ገለብ እናበሉ ህይወቶም ክመርሑ ዝጸንሑ ኣስታት 40 ሽሕ ከም ዝኾኑ ዝተነግረሎም ስደተኛታት፡ ብመሰረት ባይቶ እስራኤል ንዓታቶም ዝምልከት ዘውጸኦ ዘይፍትሓውን ዘይሰብኣውን ውሳነ፡ ኣበይ ክ

Add a comment

ዕጫ ኤርትራውያን ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሰብኣዊ መቕዘፍቲ፡ ንህግደፍ ግን መዘናግዒ’

ኣብ ዓለምና ኣብ ጥንቲ ይኹን ሎሚ ኣንጻር ህዝብታቶም ዝተሰለውፉ መራሕቲ ኣይነበሩን ኣይተራእዩን ክበሃል ኣይከኣልን። ኣንጻር ህዝብታቶም ደው ዝበሉ መራሕቲ ነይሮምን ኣለውን’ዮም። ካብ’ዞም ጥንታውያን ሓደ ንጉስ ነገስታት ኒሮ ዝበሃል ነበረ። ንጉስ ነግስታት ኒሮ ዝፋን ዝደፍኣሉ ዘመን ኣብ ግዜ ንግስነት ሮማ ነበረ። ንጉስ ነገስታት ኒሮ ጥዑይ ኣእምሮ ዘይተዓደለ ነበረ። ንሱ ብህዝቢ ሮማን ንሳ እትገዝኦም ዝነበረት ህዝብታትን ሓደ ኣዝዩ ዝፍለጠሉ ባህሪ ነይርዎ። ዝሓለፎ ቀበጥ በጥ በሃሊ’ዩ። እቲ ቀበጥ በጥ ከኣ ጥራሕ

Add a comment

ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ኣብ ሃገር ጀርመን

ንዕለት 25-26 ሕዳር 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት (ጀርመን)   ተምሳላቶም ዓዲሞም ኣኼባ ጸዊዖም እሞ ነዚከ ሸለል ክበሃል ማለት ድዩ? ኣይመስለንን ክብል እመርጽ እሞ እክብካብ ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ይኹኑ ላዕለዎት ኣገልገልቲ ዝነበሩ ኣብ ውሻጠ ደምበ ተቓውሞ ተሰዀዕም ከም ድላዮም ዝጣልዑ ዘለዉ. . ደለይቲ ፍትሒ ኢና እናተባህለ  ንኣብ  ልዕሊ  ስድራ  ቤታትና   ዝፈጸምዎ  ገበን  ኣብ  ሃገራት  ሕጊ  እናሃለዉ  ኣብ  ሕጊብዘይምቕራብና ነቲ ብስቓይ ተኾምቲሩ ዘሎ ህዝብና ድርብ ጥልመት ነቲ ክንኋናጸፎ እንደሊ ዓወት ከኣ ኣብ ቅህመት ኣቐልቂልናዮ ስለ ዘለና . . ኩሉ ኣብ ልዕሎ ህዝቢ ኤርታራ፡ ክገሓመጥ ዝደሊ እንታይከ

 

Add a comment

መሰል እናሓተትካ መሰል ክትነፍግ ምድንዳን ቅቡል ኣይኮነን።

0መሰል ዝንፈገሉ መልከዓት ብዙሕ፡ ደረጃኡ ድማ ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣየካትዕን። ነፈግቲ መሰል ዝግለጽሎም መልከዓትን ደረጃን’ውን ከምኡ ዝተፈላለየ ክኸውን ውህቡ ነገር’ዩ። መሰል ምንፋግ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ይፈጸም ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድብ ድዩ መንግስቲ ድማ ናይ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ምልክት ኣይኮነን። ናይ ዓመጽ፡ ስሰዐ፡ ዕብለላ፡ ንዓይ ንበይነይ፡ በሓትን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ መግለጺ’ዩ። ዝግበኦ ዝተኸልከለ መሰለይ፡ ሪመይ፡ እጃመይ ዝብል፡ ከከም ኩነታቱ ዘፍቅደሉ እንተስ ብሕጋዊ መንገዲ ወይ ብፖለቲካውን ዕጥቃውን መልከዓት ተወዲቡ መሰሉ ንምኽባር ዝሓትት ዝቃለስ ከኣ ናይ ብዱልን ቅኑዕን ኣተሓሳስባ መግለጺ’ዩ። መሰሉ ብሓይሊ ብዓመጽ ዝተነፍገ ብዱል ክሳብ ዝኾነ ከኣ፡ ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ምኽንያት፡ መሰሉ ክሕለወሉ ክኽበረሉ ብሓሳብ

Add a comment

መናፍቓን! ዋላስ ጻድቃን?

ሃይማኖት ውልቃዊ ምርጫ፣ ሃገር ሓባራዊ ምርጫ እዩ። (ሃይማኖት ብውልቂ፣ ሃገር ብሓባር)። ኣብዚ ኩልና ኢና ንሰማማዕ። ስለንታይሲ ኣብ ሓንቲ ብቑዋም እትመሓደር ሃገር እተፈላለየ መንፈሳዊ እምነት ዝኽተሉን፣ ጭርሻ መንፈሳዊ እምነት ዘየምልኹን ሕብረተሰባት ስለ ዝነብሩላ። ምንምኳ ሰባት ዝደልዩዎ ስርዓተ ሃይማኖት ይእምኑ፣ ብስርዓተ እግዚኣብሄር እንተ-ተቐቢልናዮ እውን! ሰባት ከይበዳደሉን ካብ ስርዓት ከይወጹን ሕጊ ደኣ ወረደ እንበር፣ ቅድሚ ሕጊ ዶብ ሃይማኖታት ኣይወረደን።

Add a comment

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ /ወዱ ጣባ/ ምስ ሓቂ እናተሊተመ ክጋሇጽ ከሎ

ራብዒይ ክፋል፡- ክቡራት ኣንበብቲ ዕዘዜ ሰሊምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡ እቲ ሓቀኛ ስሙን ማእሇያ ዗ይብለ ታሪኻዊ ገበናቱን ሓቢኡ ንነብሱ ብሙሴ ዮውሃስ ወ/ጣባ ከሊሉ ዜጸንሐ፡ ንገሇ መተዒብይቱ ብድሕሪ ምሕታት፡ ኣማኒኤል ገ/ብርሃን /ቴኖ/ ዜበሃል ምዃኑ ከረጋግጽ ይፈቱ። ኣብ ኣ/ኣበባ፡ ኣባልነት ሰዯግኤ ክወስድ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ
ቀዲማይ ክፋል ጽሑፈይ ዜ

Add a comment

ብምርጫ ዝተኣትወ ጽምዋ፡ ህዝቢ ለኪሙ ዒቕዒቕ ይብል ኣሎ፡-

ኣፈጣጥራና ማሕበራዊ’ዩ። እንነብረላ ዘላ ምድሪ ከኣ ማሕበራዊት ምድሪ’ያ። ዓለምና ማሕበራዊ ዓለም’ዩ። ማለተይ’ሲ ዋላ ሓደ ፍጡር ናይ ገዛእ ርእሱ ደሴት የብሉን። ህይወትና መንብሮና ማሕበራዊ ዝገብሮ ከኣ፡ ህይወታውያን ፍጡራት ምስ ንዕኦም ዝመስሉ ፍጡራት ዝጫነው፣ ዝምድና ዝምስርቱ፣ ብምዃኖም’ዩ። ወዲ- ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እንስሳታት ዘቤት ኮነ ዘገዳም ህይወቶም ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ዝተነጸለ ዘይኮነስ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተኣሳሰረ ማሕበራዊ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣድገ በቕሊ ምስ ከምኦም ኣድገ በቕሊ፣ ጤለ በጊዕ ምስ

Add a comment

እቲ ጌጋ ምእንቲ ከይድገም

ታሪኻዊ ምስሊ (ስእሊ) ኤርትራ እንታይ ይመስል ነይሩ? ህግደፋዊ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ይመስል ኣሎ? ናይ መጻኢ ምስሊ ኤርትራኸ እንታይ ኪመስል እዩ? እዚኣቶም ገለ ካብቶም ሓሓሊፎም ኣብ ኣእምሮ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዚለዓሉ ሕቶታት ኢዮም ኪብሃሉ ይኽእሉ።

Add a comment

ሕጅውን ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ንምድሓን

ኩሉ ዓቕምታትና ብሓደ ኣስሚርና ብጽንዓት ንረባረብ፣ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) “ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኩሉ ዓቕምታት ተቓላሳይ ህዝብና ንምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ይቕናዕ!፡ ኣብ ኣረኣእያን ተግባርን ዝተሰረተ ዘላቒ ሓድነት ንምርግጋጽ ንቃለስ! ሓደ ዝሰመረ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገራዊ ግንባር ክረጋገጽ ንቃለስ! ትምክሕትን ጽበትን ቀንዲ ዕንቅፋት ደሞክራስን ሓድነትን እዮም”….ወዘተ ኣብ ትሕቲ ዝብሉ መሪሕ ጭርሖታት ደሚቑን ማዕሪጉን ካብ 20-24 መስከረም 2017 ብዓወትዩ ዝተጋበአ። እዚ ኣብ ታሪኻዊት ወርሒ መስከረም መሬት ብጥዑም መኣዛ ዘለዎ ዕንባባ ኣብ ዝተወቀበትሉ ኣጋጣሚ ምግብኡ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ዘበሰረትን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረት ወርሒ ምዃናውን

Add a comment

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ ‘ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ’ ተባሂሉ ክጉስጎሰሉ መደብ ኣውጺኡ።

እዚ ውሳነ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ፡ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ብሪጋደር ጀነራል ጋይም ከምኡ እውን ወዲ ህንጻ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኢዩ ተወሲኑ። ኣብቲ ናይ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ኣኼባ፡ ናይ ኣኽርያ ፍጻመ ከም ህዝባዊ ናዕቢ ኮይኑ ይረአ ምህላዉን፡ ህዝባዊ መልክዕ ሒዙ ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎን ድሕሪ ምግምጋሙ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፍጻመ ናይ እስላም ምንቅስቓስ ኢዩ ኢሉ ዝገበሮ ጎስጋስ ዕላምኡ ከምዘይወቕዐ፡  ብኣንጻሩ ነቲ ህዝቢ ዝያዳ ከምዘስመሮ ገምጊሙ።

Add a comment

ውዲታት መናውሒ ስልጣን ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቒ!

ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ታሪኽ ኤርትራ: ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ነዛ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገር     ብዘይ ቅዋምን ህዝባዊ-ምርጫን ባይቶን፡ ምስ ውሑዳት ተማእዘዝቱ ዝተፈላለዩ ውዲታት እንዳተጠቕመ ቐስ-ብቐስ ዲክታተርያዊ ስርዓት ኣማዕቢሉ፡ ሃገርና ከም ብሕታዊት ጥሪቱ እንዳ ኣማሐደረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናብ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሕሱም ናይ ራዕዲ መነባብሮ ጅሆ ሒዙዎ ይርከብ።

Add a comment

ቅሉዕ መልእኽቲ ተረኽቦ ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን በርሊን ንኻልኣይ ጊዝይኡ ዝለኣኽ ሓበረታ: 30 ሕዳር 2017

ቤተ ክርስትያን ኩሉሳዕ ካብ ኣመንቲ ኣይኮነትን ትጉዳእ። ኣብ ውሽጣ ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉ ውሑዳት ስሱዓትን ፍትሓዊ ምሕደራ ብእተሳእኖ መንግስትን ጥራይ እያ ትጉዳእ። ንሳቶም እዮም ከኣ መንግስቲ ኢድ ኣእትዩ ክርምሳ ማዕጾ ዝኸፍትሉን ባይታ ዝምድምዱሉን፣ ነቲ ስርዓት ተጸጊዖም ድማ ምእመናን ዝሕምሱን። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ተጸፍዮም ሰለይቲ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ዝዕሰቡ ካህናት ሰብ ሸጓጉጢ ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምኦም ዝበሉ ሰብ ጉንዖ እዮም ድማ መብዛሕትኦም ናብ ድያስፖራ ወጺኦም ብስም ሃይማኖት ዞባዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዘቑሙን ብኤምባሲታት ህግደፍን ማሕበረ- ኮማትን ኣድላይ ዘበለ ምትሕብባር ዝግበረሎምን። ኣብኡ ኮይኖም እዮም ድማ! ነቶም ብደገ-ደገ ዝጸንሑ ካህናት ዝዓስቡዎም። ዘቖሙወን ማሕበራት ከኣ ከም ዝዘርጉወን ዝገብሩዎም። ብኤምባስታትን ማሕበረ-ኮማት ህግደፍን ዝመሓደራ ቤተክርስትያን ካብ ፖለቲካ ነጻ እየን ምባል ከቶ! ኣይከኣልን። ነዚ ኣብ ገምጋም ዘእተወ እምበኣር ካብዙይ ንታሕቲ ምንባብ ሓደ ርኡይ ኣብነት ክኾነና እዩ።

Add a comment