ዕዉት ህዝባዊ ሰሚናር ƒምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ƒብ ፍራንŒፉርት

ብጋጣሚ መበል 56 ዓመት ዝŒረ-ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራን መÅል 16 ዝŒረ-ዓመት ቀይዲ ላዕለዎት ሰብ-መዚ-ነÅር መንግስትን ግንባርን፣
ƒብ …ተማ ፍራንŒፈርት፡ ብሰንÅት 10 መስ…ረም 2017፡ ህዝባዊ ሰሚናር ብምግባር፡ ዓሚቝ ናይ ዘተ መደብ ተ‹ይዱ።

Add a comment

ጭፍራ ህግደፍ ዶብ ክሰግሩ ንዝርኣዮም ነርብዓን-ትሽዓተን (49) ኣቕሽቲ ክቐትል ተዂሲ ከፊቱ

ትማሊ ብባሕቲ መስከረም ዝተጀመረ ሰውራ ኣብ ዓወት በጺሑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ሃገሩ ነጻነት የስተማቕር ኣሎ ብዘስምዕ ቃና ናይ ይምሰሉ ተዋስኦ ክገብር ከም ዝወዓለ ትዕዝብቲ ተወሲዱ ኣሎ። ይኹን እምበር “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ-እሙ” ክምዝበሃል መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ግን ህዝቢ ፋሕ ከም ዝብል እንዳገበሩ፣ ዓቕሎም ጸቢብዎም ሃገር ክንገድፈልኩም እምበኣር ኢሎም ሂወቶም ንኸድሕኑ ክወጽኡ ንዝፍትኑ ብሚእቲታት ዘይኰነስ ብኣሽሓት

Add a comment

34 ሰባት ካብ ታዕሊም “ኮር መናዕ” ኣምሊጦም

ታዕሊም ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤረትራ ከም዗ረጋገጹዎ፡ 34 – ሰባት ካብቲ ኣዜዩ ክፉእ ዜኾነ ወትሃዯራዊ ታዕሊም ናይ “ኮር መናዕ” ከም዗ምለጡ ኣረጋጊጾም። ኣቀማምጣ ቦታ፡ መዯበር ታዕሊም ኮር መናዕ ኣብ ሞንጎ ኣቑዯትን ባረንቱን ዜርከብ ንሩባ ካዕላይ ስግር ኢልካ ንየማን ብዯቡባዊ ምዕራብ ዜርከብ ቦታ’ዩ። ኮር መናዕ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ብእዙ ስርሒት ዝባ 2 ዜጽዋዕ ዜነበረ ናይ ረንጀር

Add a comment

ርሑስ ዒድ ኣል ኣድሓ ይግበረልና !!

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባራክ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ንኹሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ዓለምን፣ እንቋዕ ናብኡ ኣብጻሕኩም ብምባል፣ ርሑስ ዒድ ክገብረልና ልባዊ ምንዮትና ክንገልጽ ደስ ይብለና። ዝመጽእ በዓላትና ከኣ፣ ምልኪ ለጊሱ ስላምን ራህዋን ቅሳነተን ዝሰፈኖ ስርዓት ተኺልና፣ ኣብታ ንመዋእል ዝተቓለስናላ ሃገርና ምስ‘ቲ እንፈትዎ ህዝብና ኮይና ከነብዕላ ተስፋና ወሰን

Add a comment

በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ባሕቲ መስከረም ኣኽቢሮም

ቀዳም 9 መስከረም 2017 በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ መበል 56 ባሕቲ መስከረም ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ኣብዒሎም። ኣኼባ ድሕሪ ዝኽሪ ሰማእታት ሓው ምስጉን ሓጎስ ኣቦ መንበር ቦርድ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ታሪኽን ህያውነትን ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽና ብምሃብ ጀሚሩ።

Add a comment

መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ሎሚዕለት01 መስከረም2017 ነቲብተጋድሎሓርነትኤርትራብመሪሕነትስዉእጅግናሓምድኢድሪስዓወተዝተጀመረ  መብረታዊተጋድሎህዝቢኤርትራመበል56 ዓመቱብምዝካርከብዕልይርከብ

Add a comment

“በጺሕካ ክሳብ ትምለስ”

ብሰንኪ ዝብላዕን ዝስተን፤ ብ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ናይ ምፍ`ራይ ተግባርን፤ ኣብ ሓደ ዞና ከሪሞም ኣብ ካልእ ዞና ዝሓግዩ (ዝመላለሱ)፤ክሳብ ክፍለ-ዓለም ዝስግሩ ኣዕዋፍ ከምኡ`ውን እንስሳታት ኣለዉ።ደቂ ሰብ`ውን  ሓንሳእ ብነዚ ዝመስል  ሓንሳእ ከኣ ጭካነን ገበንን ብዝጾረ ጠንቅታት  ነዚ ተግባር ይፍጽምዎ`ዮም።

Add a comment

ዕጡቕ ኣሃዱታት ሰራዊት ሕድሪ ባሕቲ መስከረም 2017 ኣኽቢሩ ውዒሉ

ካብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ-ሕድሪ ዝተረኸበ ሓበረታ ከም ዘብርሆ፣ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ኣብ ጽዑቕ ዝዀነ ወተሃደራዊ ስልጠናታትን ታዕሊምን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ትምህርትን ምንቕቓሕን ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ምንጋጋ ገባቲ ስርዓት መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ንምድሓን ኣብ ዝግበር ጥምጥም ርኡይ ተርኡ ንምብርካት ዝዓለመ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ከኣ ፍትሓዊ ቃልሲ

Add a comment

ምዉት ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ

ሰውራ ኤርትራ ብሉጻት ዜጋታቱ ብሂወት ገቢሩ፣ ንባዕዳዊ ገዛኢ ስርዓት ደርግ ኢትዮጵ ኣብ ምጅማር መወዳእታ ሰሙን ወርሓ ግንቦት 1991 ካብ መላእ መሬቱ ኣውጺእዎ እዩ፡፡ ኣብ እቲ እዋን ንኣሰዓዕራ ስርዓት ደርግን፡ ንተሳታፍነት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ መኣዝን ኣበርክቶ ቃልስን ግርም ጌሩ ብዝትንትን ናይ ዓወት ብስራታት፡ ተዘይምሉ፡ ተገጢሙሉ፡ ተነቢብሉ፡ ተደቢልሉን ተዓሊልሉን እዩ፡፡ ከምቲ ጽንጽዋይ ናይ ወፋሮ ዕንጨይቲ ብዝመሳሰል ክኣትዋ ቀራናት ክወፍራ ጋዕማማት ዝብሃል፡
ደርጎኛታት ስርዓት ደርጊ ድማ መዓት ገዳይ-ገዳይን ጨርባሕ-ባሕ ሓጺነ-መጺንን እናኣበሉ ከውሒ ዘዳሩን እሕመየ-እሕማዛን ከምዘየስምዑ፡ ኣብ መወዳእትኡ ዝድገፍሉ በትሪ እኳ ከይሓዙ ገሊኦም መሓዉሮም እንዳጎሰሱ ገሊኦም ከኣ ብጉንብሕ-ጉንብሕ ዓድና ገዲፎምልና፡፡ እዚ ክኣ ሳላ ሙሉእ ተሳታፍነት ህዝብን ሳላ እቶም ንልዕሊ ርብዒ ዘበን ርሕቕ እባ በለለይ ጠበቕ እንዳበሉ ኣብ ፈቐዶ ፍርንቂዓትን ጎዳጉዲ ኣራዊትን ከይተረፈ እንዳተመሳሰሉ መስተንክራዊ ጂግንነት በጃ ንናጽነት ዝዓዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ደቁን እዩ፡፡ ገባሮ ሃገርና ድማ፣ ነታ ራህዋ፡ ሰላም፡ ርግኣት፡ ከተምጽኣሎም ከም እትኽእል ተጠራጢሮማ ዘይፈልጡ ሰውርኦም፣ ማይን ማጨባን፡ ቆሎን ግዓትን፡ መገድን ጽላልን፡ ባዓትን መዕቀልን እንተዘይኮንዋ ኣይኮነን ፊት-ንፊቱ ገጢምካ ንዓርሞሽሻዊ ሰራዊት ደርጊ ክሰዓር፡ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከሩ ቁሊሕ ምባልውን ዛጊት ኣይምተኻእለን፡

 

Add a comment

መልእኽቲ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያ ንድሕነት ሃገር ብኣጋጣሚ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና

ቅድሚ 56 ዓመታት፡ ልክዕ ከምዚ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክናገፍ፡ ወናኒ ክብረቱን ርስቱን፡ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ዝዉስነሉ መሰል ከውሕስ ድሕሪቲ ን20 ዓመታት ዘካየዶ ሰላማዊ ዲምክራስያዊ ቃልሲ፡ ብዓሎቕን ዓመጽን ሓያላት ሃገራት፡ ነቲ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንምሉእ ናጽነት
ብምጉዕጻጽ፤ ብዘይ ምርጭኡ ኣብ ትሕቲ ባዕዲ ክቆረን ዕዉር ፍርዲ ስለዝተዋህቦ ብረት ከልዕል ተገዲዱ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቄናን ፍርዲ ብምቅዋም፡ ናጽነትት ወይ ሞት ብምባል ነቲ ጫፍ ብልሒ መግለጺ ሰለማዊ ቃልሲ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦ ኣዳል

Add a comment

መርሆ

ብባህርን ምስልን ንክልተ፡ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ኩነት ዝጣመሩ ተርእዮታት ብማዕረ ዝውክል፡ ማንታ ትርጉም ዘለዎ ኣምር ወይ ቃል’ዩ፡፡ ካብ ድቅድቕ ጸላም፣ ካብ ዓሚቕ ባዓቲ ወይ’ውን ካብ መሪር መግዛእታዊ ኣርዑት ሓራ ንምውጻእ ዘገልግል፡ መዋጽኦ ወይ’ውን ባብ ራህዋ ክህሉ ግድን’ዩ፡፡ እዚ ባብ’ዚ ካብ ጭንቅን ሕሰምን ዘናግፍ መስተርሆ ናይ'ቲ ኣደራዕ ብምዃኑ፡ እቲ ባብ መርሆ’ዩ፡፡ ናብ’ቲ ክትበጽሖ እትብህጎ መስተርሆ-ባብ፣ ጫፍ ዓወት ንምብጻሕ፡ ንጊዚያዊ ግድላት ካብ እምኒ-ዓረ ብዝተረረ ጽንዓት፣ ውፉይነትን ቅሩብነትን ምብልሓት ዝሓትት’ዩ፡፡ ምንጪ ናይ’ዚ ተኣምራታዊ ሓይሊ፡ ብንጹር ራእይን እስትራቴጂን ዝግራሕ ቅኑዕ መስመር ምዕታር ድማ የድሊ፡፡ እዚ ቅኑዕ መስመር’ዚ መንገዲ ዓወት’ዩ፡፡ ነዚ መንገዲ ዓወት ዝቕልስ ከኣ መርሆ’ዩ፡፡

Add a comment

ብምኽንያት መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደ.ግ.ሓ.ኤ)፡

ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ክብሮምን ሃገራዊ መንነቶምን ከረጋግጹ ክብሉ፡ ንከባቢ 20 ዓመታት ዝኣክል ዘካየድዎ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ዘይተዓወተሉ ግዜ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሮም ብሕታዊ መማረጺ፡ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ነጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ከረጋግጹን ሓርነቶም ንክጭብጡን ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲዚ ፍትሓዊ ዕላማ ክውን ክገብሩ ብሓደ መስከረም 1961 ሽግ ምጅማር ብረታዊ ቃልሶም ዝወልዑ ጀጋኑ ህዝብታት እዮም። ይኹንዳምበር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምብጋሱ፡ ዝተጸንዐ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስትራተጅን መሪሕ ውድብን ብምውናን ናብ ቃልሲ ክብገስ ስለ ዘይካኣለ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሱ መሰረታዊ ፍልልያት ኣብ ዘይብሉ ግጭት /ኲናት ሕድሕድ/

Add a comment

ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመለሰቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ይእሰሩ ምህላዎም ተገሊጹ

Kassala

መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመልሶም ዘሎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣቃሊዖም። ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ እቶም ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝርከቡ ዘለዎ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ብመንገዲ ከሰላ ኣቢሎም ናብ ተሰነይ ድሕሪ ምእታዎም፣ ብቀጥታ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ፣ ናብ ዝርከብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ምእሰርቲ ብምግዓዝ መርመራ ከምዝካየደሎም ኣረጋጊጾም።

ድሕሪ ናይ ዝተፈላለየ እዋናት ማእሰርቲ፣ ዝፈጸምዎ ሃገር ራሕሪሕካ ናይ ምህዳም ገበን ኣብ ዝናቦም ከምዘሎ ዝገልጽ ፎርም ብምምላእ፣ እቶም ሃገራዊ ኣልግግሎት ኣይፈጸምናን ዝበሉ፣ ናብ መደበር ታዕሊም ክልኣኹ እንከለዉ፣ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባሮም ዝሓበሩ ከኣ ናብ ተሃድሶ ኣሃዱታቶም ይሰጋገሩ ኣለው።

Add a comment

ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ዝምርሑ ሰባት፡ ዝበሃልዎ ኣይሰምዑ ዝደለይዎ ኣየስምዑ

ባህሪ ደቂ-ሰባት ብዙሕ ዝዓይነቱ’ዩ። ገለ ቅኑዓትን ለባማትን እናሃለወ ሓሳቦም ክገልጹ ኣይክእሉን። ገለ ብክፋእ ዝመልኡን ነብሶም ከመሓድሩ ዘይኽእሉ ክንሶም ብመልሓሶም መሲሎም ዝነብሩ ኣለው። ገለ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ኣረኣእያ ኣለዎም። ገለ ጸረ-ፍትሕን ደሞክራስን ኣረኣእያ ዝውንኑ። ገሊኦም ንነገራት ጠንቁ፡ ሳዕቤኑን ኣፈጻጽማኡን እናመዘኑ ብርግኣት መንገዲ ዓወት ሒዞም ይጎዓዙ። ገለ ድማ ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት ከየመዛዘኑ ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ እናተመርሑ ድሌቶም ንምዕዋት ሃነፍነፍ ክብሉ ይረኣዩ …ወዘተ። ጽማቑ ትሕዝቶ ናይ’ዞም ዝተገልጹን ዘይተገልጹን ባህሪያት ወዲ-ሰብ ዝንጸባረቐሎም ረቛሒታት ብሃናጺ ወይ ኣፍራሲ ብኣወንታ ወይ

Add a comment

ርሑስ በዓል ቅዱስ የውሃንስ ይግበረልና !!

ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ የውሃንስ፣ ንኹላትኩም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ትቃለሱ ዘለኹም ኤርትውያን ሓርበኛታትን ስድራቤትኩምን፣ ከምኡ‘ውን ንመላእ ህዝብናን፣  ምስ ኩሎም ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዓለምን፣ እንቋዕ ናብ`ዚ ክቡር በዓል‘ዚ ኣብጻሓና ብምባል፣ ርሑስ በዓል ክገብሮን፣ ኣብ ሃገርና ድማ ዘመነ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ንክሰፍንን፣ ዝመጽእ ዘሎ በዓላትና ከኣ ምልኪ ለጊሱ ፍትሕን ዲሞክራስን ነጊሱ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከነብዕሎ፣ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ልባዊ ምንዮቱ ከመሓላልፍ የመሓላልፍ።

Add a comment

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ይጠሓስ ስለ ዘሎ ነዚ ተጻሪ ጉጅለ መዚዙ ክልእኽ’ዩ

ጉጅለ ህግደፍ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ንዘንበረሉ እገዳ ይጥሕስ ስለዘሎ፡ ባይቶ ነዚ ተጻሪ ኣካል መዚዙ ክልእኽ ምዃኑ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ብ24 ነሓሰ 2017 ( 18 ነሓሰ 2009) ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።

Add a comment

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ 2017

ብቀዳምነት ንመላእ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ክርስትና፡ ንኩሎም’ቶም ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምውጋድ ሓቀኛ  ደሞክራሲ፡ ምዕሩይ ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዘውሕስ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ኣብ ዘይሕለል ቃልሲ ዝርከቡ ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ብስም ምውሓስ ልዕላውነት ጅሆ ተታሒዞም ንመወዳእታ ዘይብሉ ሕሱም መነባብሮን ማሕበራዊ ምዝንባልን ዝተፈረዱ ውጹዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ዝብል ሰናይ መልእኽተይ የመሓላልፍ።

Add a comment

ዒድ ሙባረክ

ብምኽኒያት  ዒድ  ኣል  ኣድሓ  ሙባረክ 2017   ዓ.ም  እንኳዕ  ኣብጽሓኩም  ኣብጻሓና  ኩሉ  ዓም ወኣንቱም  ብኼይር  ድሕሪ ምባል

Add a comment

ብኣ ቢሎ ብኻ ምወሰዶ ንማንኪስ እዚኳ ክውሕ ዶ

ካብዞም ብዙሕ ዓመታት ዓንገረር ዝበለና  ትማል ዝመጹ መንእሰያት ይሕሹና  ተለዓል መንእሰይ::

Add a comment

ቅዋም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

መጽሄት( ሰውራ) ነቲ ካብ ዓመት ንላEሊ ብረታዊ ተጋድሎ ቅድሚ ምጅማሩ ብ1960 ኣብ ካይሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክትምስረት ከላ ዝተጻሕፈ ቅዋም ብቀሊልን ብሩህን ዝኾነ ኣገባብን ገለጻን
ንመንቀሊታትን ኣገባብን Eላማታትን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን ፡ ከምU Eውን ቀይድታትን ውድባዊ ቅርጻን ፡ መብዛሕትU ግዜ ከምቲ ኣብዚ Eዋንዚ ምሁራት ሰውራውያን ክEለቶም ንምርኣይ
ካብ ዝኽተሉዎ ናይ ቃላት ምግናንን ህውተታን ምትሕልላኽን ብዝረሓቀ ኣገባብ ዝተጻሕፈ ሰነድ

Add a comment

ሚዛን ድሌትን ክውንነትን ይተሓሎ፣

ፖለቲካዊ ምልኪ ካብ ግዳም ይምጻእ ካብ ውሽጢ ብዘየገድስ ብህዝቢ ቅቡል ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ምልኪ ሰብኣዊ ክብረት ዝዳፈር፡ ደሞክራስያዊ መሰላት ዝነፍግ፡ ኣብ ሃገርካ ተማሂርካ ተመራሚርካ ብኽንድ ዝዓቕምኻ ብዘፍረኻዮ እናተጠቐምካ ብሰላም ህይወትካ ከይትመርሕ፡ ብዓመጽ ገዲቡ ዘድኪ፣ ዘደንቁር፣ ዘልምስ፣ ኣብ ክንዲ ጎይታ ነብስኻ ኣገልጋሊ ዓመጽቲ ክትከውን ዝገብር ብምዃኑ፡ ካብ ዝመጽአ ይምጻእ መለሳ የብሉን፣ብቃልሲ ክውገድ ዘለዎዩ። ወዲ-ሰብ ህያብ ተፈጥሮዩ፣ ክቡርዩ። ከድምዕ ኣብ ትሕቲ ሕጊ፡ ኮይኑ ፍርዲ ክረክብ ብሂወት ክነብር ዳምበር ብዓመጽ ሂወቱ ክስእን ኣይግባእን። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ

Add a comment

ግርጋ ላዅ አርባ ያኸኒትሪ 1961 ብርፍ እንሽኽ ለመለምሪ ታና፣ ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊኒዂ/ሆደር ሽፍሽፋ 2017

ግርጋላዅአርባ ያኸኒትሪ 1961 ይናክልዲይናሻንዲ፡ላካበናእንገት ለመለምሲተርሲነሪ፡ ካብሪዲታሪኽሻኽረሪንርአክነድ፡ናይ ቢሪኹዲከዋኹዲር መታንፍዳ ደኮውሲ አልብድኑ፡ ለመለምየውዳ ምርወት ሊኲስረሪ፡ ቀሽቀሸውስኻ ዋዕዊዕድረሪ፡ ደንቢራ ከብተውስኻ ለሀክድረሪ፡ ግንጅውስኻ ቐስቐስሮ ጒድረሪ፡ ናድካ አወይሲኻ ደከውድ ፊነስ ኒክማኒል ገእሲኖ፡ መታዊ ሁመቱዉድ: ‘’ጊሚላ ሽኽሰና’’ ደንቢራ ወንተር ጊኒን፡ ኒሰና  ኮዶ ይና ገለድሊ ተብኒል፡ ለወትሰግረሪዲ፡ በለልሰግረሪዲ ታሪኽ በሀር ሻኽረሪ ግርጋእምንድሪግን።

Add a comment

ብሃንደበት ሞይቱ ዝብል ዜናዊ መርድእ ብምድግጋሙ ኣብ ዜጋታት ስኽፍታ ይፈጥር ኣሎ

ኣብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ስልጣን ዝጸንሑ ሰባት፡ ሓሚሞም ከም ዝነበሩ ኮነ ዘጋጠሞም ጭቡጥ ምኽንያት ከይተገልጸ፡ ኣቶ እከለ ወይ ኮሌኔል እከለ ዝተባህለ ካብ ክሳብ ብተወፋይነት ዝሰርሐ ገዲም ተጋዳላይ ብሃንደበት ተሰዊኡ ዝብል ዝደጋገም ዜናዊ መርድእ ብማዕከናት ዜና ህግደፍ ዝሰምዑ ዜጋታት፡ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ሻቕሎት ከም ዝሓደሮም ገሊጾም።

Add a comment

ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ዝተዳለወ መግለጺ።

ሎሚ መዓልቲ፡  ዕጥቃዊ ተጋድሎና ዝጀመርናሉ፡ መበል 56 ዓመት ነኽብር ኣሎና። እዛ ዕለት'ዚኣ ዓባይ ናይ ዝኽሪ ዕለት እያ፤ ንዓና ንኤርትራውያን ድማ፡ ምስ መንነትና ዝተኣሳሰር ፍሉይን ኣገዳስን ታሪኻዊ ዝኽሪ ዘለዋ እያ።

 

Add a comment

ኣንታ! ወዮም ሰባት ናብ ሰቦም እንተ እቶም ኣዛብእ እንከ ናብ ገረቦም እምበር ተዓዚሮም።

ከም ዝዝከር ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣቶ መስፍን ሓጎስ መስራትን ኣባል መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (E.P.D.P) ዝነበረ፡ ካብቲ ባዕሉ ዝመስረቶ ሰልፊ ከም ዝተሰጎገ ኣብ ቲቪ ሰነድ ዝተባህለ መራኸቢ ብዙሃን ብቪድዮ: ብድምጺ ክኣ ኣብ ራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ቀሪቡ ኣስፊሑ ክገልጾዩ ዝተሰምዐ። ብቐደሙውን ኣብ ታሪኽ ምምስራት እዚ ሰልፊዚ ምስ እንምለስ፡ ኣቶ መስፍን ሓጎስ መሪሕዎ ዝመጸ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ (E.D.P)” ምስቲ ብኣቶ ወልደሱስ ዓማር ዝምራሕ ዝነበረ ሰውራዊ ባይቶ ድሓር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (E.P.P) ተባሂሉ ዝፍለጥን ከምኡውን ምስ ብኣምባሳደር ኣድሓኖም ገ/ማርያም ዝምራሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (E.P.M) ድሕሪ ምትሕንፋጹ ኣይ ሰሙን ኣይ

Add a comment

ዓረፋት

እቶም ንጻዊዒት ነቢ ኢብራሂም / ኣብራሃም(ዓ.ሰ)ንምቅባል ጥዕናን ርኽበትን ሰላምን ተዓዲሎም፤ነቢ ኢብራሂምን ስድርኡን ዝረገጽዎ ቦታ እናረገጹ፤ ዝፈጽምዎ ተግባራት እናፈጸሙ ዳርጋ ሓደ ሰሙን ዝገብሩ ሙእሚንን/ምእመናን፤  ሎሚ ኣብ መበል 9ይ መዓልቲ ወርሒ ዙልሕጃ ፤ ኣስታት 2.5ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓደ  13 ኪሎ ሜተር ትርቢዒት ዝስፍሓቱ መሬት ሃብታም ድኻ፤ ሰበ ስልጣን ተራ ሰባት፤ዘግነት መንነት ንምልላይ ብዘጸግም ተርእዮ ነቲ ቅድሚ 1400 ዓመት ኣቢሉ ነቢ መሓመድ (ዓ.ሰ.ወሰላም) ኣብዚ ቦታ`ዚ ኮይኖም  “ኣቦኹም ሓደ`ዩ (ኣደም)ብዘርእኹም ይኹን ብሕብርኹም ክትበላለጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ እቲ ብሉጽ እቲ ሰናይ ዝሰርሕ ጥራሕ`ዩ”  ዝብል ዘስምዕዎ መደረ ብዝሰማማዕ መልክዕ፤ ንምልክታት ፍልልይ ኣወጊዶም ከም ሓደ ሰብ ንሰዓታት ደው ኢሎም ዝውዕልሉ መዓልቲ`ዩ።

Add a comment

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ክጻረይ ዘውጸኦ መምርሒ ዕንቅፋት የጋጥሞ

cham_commመንግስቲ ኤርትራ፣ ወነንቲ ኣባይትን ትካላትን ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት (ሊብረቶ ወይ ሊቸንሳ) ከጻርዩ ንዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፣ ብሰንኪ ኣብያ ምኽፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤታት መሰናኽል ይገጥሞ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ መንግስቲ ዘውጽኦ መምርሒ፣ ኣብቲ ናይ ዋንነት ምስክር ወረቀት ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ወረስቲ ሕጂ ዘለውዎ ቦታን ክሕብሩ'ዩ ዝጠልብ።

Add a comment

ርሑስ ዒድ ኣልኣድሓ 2017 ርሑስ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2017

ባሕቲ መስከረም 2017 ካብቲ ካልእ ፍልይቲ ዝገብራ እንተሃልዩ፡ መንፈሳዊ ዒድ ኣልኣድሓን ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተጋጣጠመላ ድርብ ታሪኻዊት ዕለትን በዓልን ክትኸውን ብምብቕዓ’ዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ብስቕታ ምሕላፍ ፍጹም ሓላፍነትኻ ምዝንጋዕ ምዃኑ ስለ ዝኣምን’የ ገለ ወስ ከብል ብርዐይ ኣልዒለ ክጽሕፍ ዝተደፋፋእኩ። 

Add a comment

መቓሕ ደሞክራሲ ካብ ሃገረ ኬኒያ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሃገረ ኬኒያ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኣፍሪቃዊ ምርጫ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ምርጫን ኣብኡ ዝፈሰሰ ደምን ብምትእስሳር ብዙሓት ወገናት ብስኽፍታ ክከታተልዎ ጸኒሖም። ዕለተ ምርጫ ኣኺሉ ኬኒያውያንን ኣህጉራውያን ተዓዘብትን ከምኡን ኬኒያውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት መራኸቢ ብዙሓንን መስርሕ ምርጫ ክከታተሉ፡ ተኸታቲሎም ክጽብጽቡ፡ ክምስክሩን ክስንዱን ኮሚሽን ምርጫ ቦርድ ሃገረ ከኒያ ብዝሃቦ ፍቓድ መሰረት ተዋፊሮም ምክትታል ጀሚሮም። መስርሕ ምርጫ ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ ምስ በጽሐ ጀሚሮም ከኣ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ዝተራእየ ቴክኒካዊ

Add a comment

ፍርያት ህግደፍ

ኣብ ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክትከውን ጎይታ ኣንፈት ፖለቲካ’ኻ ንጹርነት ዘይብሉ ቤላበሎ ሕሜታ ፈተውራሪ ስሱዓት ናይ ምኩሓት ዋልታ ዘየቋርጽ እህህታ ዘሪእካሉ ባይታ ነቲ ሓቂ ክትክሕዶ ክትከድኖ ኮቦርታ ናትካ ነገር ኣድጊስ ካብ’ታ ሙማታ እታ ምጉታታ።

Add a comment

ኣማኢት ናይ ፖለቲካ እሱራት ዜሳቐይሉ፡ ዗ስካሕክሕ ቤት ማእሰርቲ ማይ ተመናይ።

MAAY TEMENAY PRISON COMPLEX

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ስዯግኤ፡ ኣብ ኣስመራ ዜርከብ ቤት ማእሰርቲ ማይተመናይ፡ 34- ዯቒ ኣንስትዮ ዜርከብኦ ኣማኢት ዛጋታትና ብፖለቲካዊ ምኽንያት ብ዗ይ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዱ ተኣሲሮም ይርከቡ። ስለዙ ብሓያል ጻዕርን ተወፋይነትን፡ ብዉሕሉል ኣገባብ ዗ቕረቡዎ ዯቒቕ መጽናዕታዊ ሰነዴ ብመርትዖ ተሰንዩ ቐሪቡ ስለ዗ሎ ማዕረ ኣፍልጦ ክህልወና፡ ወይ ና

Add a comment

ዓበይቲ ክንሶም ናይ ዓቢ ዘይገብሩ እንታይ ይበሃሉ?

ኣብ ግዜ ቁልዕነት ትዛረቦን ትሰርሖን ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ኣየኽፍእን። ምስ ደረጃ ዕድመን ብስለት ኣእምሮን ብምንጽጻር ስለ ዝልካዕ በቲ ሕብረተ-ሰብ ዝወሃብ ገምጋም ቅቡልን ናብ ኣወንታ ዝዘንበለን’ዩ። ቆልዓ ኮይንካ ኣቕሓ እንተሰቢርካ፣ ሰብ እንተተጻሪፍካ፣ እንተተባኢስካ፣ ጥራሕ ናብስኻ እንተኸድካ ….ወዘተ ነውሪ ከምኡ ኣይግበርን፣ ድሕሪ ሕጂ ንዓቢ እንተተዳፊርካ፡ ንሰብ እንተተጻሪፍካ፡ እንተተባኢስካ፡ ብዘይክዳን ደገ እንተወጺእካ፡ ዘይንብረትካ እንተልዒልካ ኣሲረ ክገርፈካ’የ ገዛ ኣያትወካን’የ፡ ከምዚ ኣይገዝእል

Add a comment

ድንቡልሽ ድንቡልሻ

ዋላ ኣይርድኣን ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ሕጽኖት

ዕድሚኣ ተገሪሱ ከሎ ብዘይ ጣቋ ብዘይ ንህዮት

ሓይላ ደንዲኑ ከሎ ሩባ ከይተሳገረት

ብርካ ሓንሒኑ ከሎ ኩጀት ከይደየበት

ዓጽማ ቆንቃኑ ከሎ ናብ ስራሕ ከይጎየየት

ኣነነታ ተሪፉ ከየማሓደረቶ ብሕድገት፡፡

Add a comment

30 ነሓሰ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ እሱራት ብደረጃ ዓለም ይዝከር

Eritrean Prisoners

30 ነሓሰ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም እሱራት ብደረጃ ዓለም ይዝከር። ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ በቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከብን ሃገራት፣ 10ታት ጋዜጠኛታት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ መስከረም 2001 ብጅምላ ዝተኣስሩ፣ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Add a comment

ተረዲኡና ዶ? ኣይተረድኣናን ወይ ክንርዳእ ኣይደለናን?

ሕቶ ??? ንኩሉ ህዝብን ተንቀሳቐስቲ ደለይቲ ፍትሕን 26 ዓመት ዉሑድ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነ ንሓልዮት ህዝቢ ይኹን ሃገር ዝተገብረ ነገር የለን እሞ ካብ ግንቦት 24 ናይ 1991 ዓወት ህዝባዊ ሰራዊትክሳዕ ሕጂ ክንደይ ህዝቢ ሃሊቑ ተጨፍሊቑ ክንደይከ ብስዉር ተሓኒቑ ክንደይ ማህጸናትከ ተጨማለቑ ምስ እንብል ምሁራን ቁጠባ ዓለም ኣኪብካ ቁጽሩ ንኽትፈልጥ ዘጸግም እዩ፡ ከመይሲ? እቲ ኩነታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኽእብ ሰዓት ኣብ ሰዓት እናወሰኸ እምበር ኣይቀነሰን ብኸምዚ ዝርኤይ ዘሎ ኸኣ ክውስኽ እምበር ክቕንስ ኣይክእልን ክሳዕ ዝውስኽ ዘይርከብ።    

Add a comment

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሲራቶም ዝጸንሐት ክልተ ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ

Asmara airport

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሲራቶም ዝጸንሐት ክልተ ኤርትራውያን ናብመንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ። መንነት ናይቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝተረከቡ ክልተ ኤርትራውያን ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይካለ፣ ብሰንኪ ክኽተልዎ ዝጸንሑ ሃይማት ክርስትና ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣስሩ ክኾኑ ይኽእሉ'ፕም ዝብል ግምታት ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

 

Add a comment

ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ሊብያ ዝሓዘቶም 40 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ መሊሳ

sudan deport

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዝዎም 40 ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ከምዝጠረዝዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። እቶም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዶብ ሱዳንን ሊብያን ዝተታሕዙ 40 ኤርትራውያን፣ ኣብ ካርቱም፣ ከባቢ ዓረቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ'ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ተረኪቦም ዘለዉ።

ፖሊስ ሱዳን ንገሊኦም ክሳብ 5 ሽሕ ፓውንድ እታ ሃገር ዝግመት ገንዘብ ከም መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ድሕሪ ምግዳድ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘረከብዎም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቅስ።

Add a comment

ኣማኢት ሓሇፍቲ ካብ ሃገር ከይወጹ ብሚስጥር ተኣጊድም።

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ - ስዯግኤ፡ ዗ቕረቡዎ መጽናዕታዊ ሰነዴ ብመርትዖ ተሰንዩ ቐሪቡ ኣል። ኢሰያስ ንኢሚግረሽን ዗መሓሊሇፎ ሚስጥራዊ ትእዚዜ “ናይ መገሻ እገዲ” Travel Bans ዗ቓሌዕ ንልሚ 1ይ ክፋለ ነቕርበሌኩም ኣሇና። ቕዲሕ ናይቲ ሚስጥራዊ ትእዚዜ እገዲን ዜርዜራቱን ዴማ
ንሓሙሽተ (5) ሓሇፍቲ ጥራይ ከምዜተዋህበ ተረጋጊጹ ኣል። ስርዓት ንምቕሊዕ ግዴነት ስሇዜኾነ፡ ነቶም ከይፈሇጥኩም ዜተኣገዴኩም ዴማ ሃንዯበታዊ መርዴእ

 

Add a comment

ህግደፍ ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ..............

ህግደፍ ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብተራ ሓተታ ክገልጾ ምፍታኑ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለትን ህዝቢ ኤርትራን ዘለዎ ትሑት ግምት ዘርኢ ምዃኑ ተፈሊጡ። ባሕቲ መስከረም 1961 መበገሲት ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ኣብ ምድሪ ኤርትራ ዝተኻየደ ኩለንታዊ ቃልሲ፡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን መስዋእትን ዝተሓፍሰ ዓወትን ብምዃና፡ ካብ’ቶም ብድምቀት ክኽበሩ፡ ብዝተፈላለዩ
መልከዓት ሰኒድካ ናብ ተካኢ ወለዶ ክሰጋገሩ ዘለዎም ታሪኻውያን ሃገራውያን በዓላትን’ያ ዝበሉ ንከመይነት ኣበዓዕላ ባሕቲ መስከረም ኣመልኪትና ዘዘራረብናዮም ኤርትራውያን ህግደፍ ኣብ ክንዲ ብወግዒ መንግስታዊ መግለጺ ነዛ ዕለት

Add a comment

ብሞትን ስቅያትን ሰባት ዘይምግዳስ ዝኸፍአ ጸረ- ሰብኣውነት’ዩ፡

ተመራመርቲ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ንሰብኣዊ ፍጡር ምስ እንስሳዮም ዝምድብዎ። ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ ፍሉይ ናይ ምሕሳብ፡ ተማሂሩ ተመራሚሩ ንልግሲ ተፈጥሮ ናብ ድሌቱን ጠቕሙን ናይ ምልዋጥ ልዑል ተኽሎ ስለ ዘለው ግን፡ ካብ’ቶም ካልኦት ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ሰማይን ባሕርን ዝርከቡ በብዓይነቶም እንስሳታት፡ ዝተፈልየን ዝተኸብረን ይገብሮ።

Add a comment

ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ መግብታት ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ሕማማት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ

Street Market Eritrea

ኣብ ኤርትራ ፈቐድኡ ተዘርጊሑ ዘሎ ብቕዓቱን ጥዕናኡን ዘይተረጋገጸ መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን ጠንቂ ዝተፈላለየ ሕማማት ይኸውን ምህላዉ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑደት ዘካየድ ዘሎ በዓል ሞያ ሕክምና ንሬድዮ ኤረና ኣመልኪቱ። እቲ ስሙ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ፣ በዓል ሞያ ሕክምና፣ ከም ጸባ፣ ማርማላታ፣ ጽሙቛን ብሽኮትታትን ዝኣመሰሉ መግብታት ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ከም ኣለርጂን ካልእን ዝኣመሰለ ርኡይ ጥዕናዊ ጸገማት ይፈጥር ምህላዉ ሓቢሩ።

Add a comment

ካብ ቀደሙ ጽኑዕ ፖለቲካዊ መሰረት ዘይጸንሖ.................

ካብ ቀደሙ ጽኑዕ ፖለቲካዊ መሰረት ዘይጸንሖ ዕርክነት መንግስቲ ሱዳንን ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከብ ይግለጽ ኣሎ። ካብ ቀደሙ ኣብ ህዝቢ ንህዝቢ ረብሓታት ዝተሰረተ ወግዓዊ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘይኮነ፡ መንግስቲ ሱዳን ጠባሪ ጉጅለ ህግደፍ ተጠባሪ ኮይኑ ክኸይድ ዝጸንሐ ዕርክነት፡ መንግስቲ ሱዳን ንዘይሕጋዊ ኮትሮ ባንዳዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሕ ተዓጊሱ፡ መጠበሪ ሂቡ ከም’ቲ ዝደለዮ ክኸደሉ ስለ ዘይከኣለ፡ ተጻዋርነቱ ይውዳእ ከም ዘሎ ዘመላኽቱ ነገራ

Add a comment

ካብ ሰሚናር ባይቶ እንታይ ንጽበ

 ባይቶና ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ዯውታ ኣትዩ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ዜሓለፈ 8 ኣዋርሕ ግን ኣብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ብኹሎም ወገናት ዜተወስዯ ጻዕርታት ፍረ ረኺቡ ኣብ ድሮ እቲ ቀዳማይ ዜተመዯበ ዕማም ማለት ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ንምክያድ ኣብ ምድላዋት ኣቲና ኣለና።

Add a comment

ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ መዘና ዘይብሎም ኣደራዓት

ሓበረታ ካብ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ _ ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ናብ ቅኑዕ መገዲ ዘመልክት ስራሕ የልቦን። ጽሓይ ዝሃረሞን ኩሉ ዝፈልጦን ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ መሪሕነት ጭፍራ ህግደፍ ንኤርትራ ናብ ገደል ይመርሓ ከም ዘበሎ ብሩህ ዝዀነ ጉዳይ እዩ።

Add a comment

ብምኽንያት መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደ.ግ.ሓ.ኤ)፡

ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ክብሮምን ሃገራዊ መንነቶምን ከረጋግጹ ክብሉ፡ ንከባቢ 20 ዓመታት ዝኣክል ዘካየድዎ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ዘይተዓወተሉ ግዜ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሮም ብሕታዊ መማረጺ፡ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ነጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ከረጋግጹን ሓርነቶም ንክጭብጡን ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ’ዚ ፍትሓዊ ዕላማ ክውን ክገብሩ ብሓደ መስከረም 1961 ሽግ ምጅማር ብረታዊ ቃልሶም ዝወልዑ ጀጋኑ ህዝብታት እዮም። ይኹን’ዳምበር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምብጋሱ፡ ዝተጸንዐ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ እስትራተጅን መሪሕ ውድብን ብምውናን ናብ ቃልሲ ክብገስ ስለ ዘይካኣለ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሱ መሰረታዊ ፍልልያት ኣብ ዘይብሉ ግጭት /ኲናት ሕድሕድ/ እናተኣትወ ከበድቲ ዕንቅፋታትን ጸገማትን እናኣጋጠሙ ብዙሕ ሰብኣዊ ሂወት ተኸፊሉን ናይ ቃልሲ ግዜ ክባኽን ኮይኑ እዩ።

Add a comment

ሃገራዊ ሓድነት ኣይኮነን ኣብ ሕብረ ብሄራዊት ሃገር፡ ኣብ ብሄራዊት ሃገርን’ውን ብሓይሊ ኣይረጋገጽን

ሃገር መጸውዕን መለለይን ፍሉይ ካርታ ናይ ዘለዎ መሬታዊ ኣቀማምጣ ወይ ግኡዝ መሬት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ናይ’ቶም ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ህዝብታት መለለዪ መንነትን መጸውዕን’ዩ። ስለዚ ከኣ ብዛዕባ ሃገራዊ ነጻነት፡ ልኡላውነት ክዝረብ፣ ውጥን ክውጽእ፣ ምምሕዳራዊ ቅርጻ ክዝርጋሕ፣ ኣብ ዜጋታት ሃገራዊ ፍቕሪ ንምስራጽ ብኹሉ መሳርሒ ተጠቒምካ ጎስጓስ ክግበር እንከሎ ንሰብ ማእከል ዝገበረ ክኸውን ከም ዘለዎ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ’ዩ። ሓቀኛ ህንጸት ሃገራዊ ሓድነት፡ ብሄራዊ ወይ መበቆላዊ መንነት፣ ታሪኻዊ መንነት፣ ቋንቋዊ መንነት፣ ባህላዊ መንነት፣ ሃይማኖታዊ መንነት፣ፖለቲካዊ ወይ ናይ ኣረኣእያ መንነት፣ ቦታዊ መንነት፣ ሓባራዊ ፍትሓዊ ተጠቃምነት፣ ናይ ነበርቲ ህዝብታት ምሉእ ኣፍልጦ ዝህብ፣ ዘኽብር፣ ነዚ ድማ በረኣእያን ብሕግን ተቐቢሉ ዝትግብር ፖለቲካዊ ምሕደራ ክህሉ ከም ዘለዎ’ዮም ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ- ፍልጠት ዝሕብሩ። ዘስተምህሩ።

Add a comment