ብኹረት ሲቪላዊ ትብዓት (civil courage)

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ደቂ ሰባት ኣበየ ዝነብርሉ ክፍልታት ዓለም ብደረጃ ከባቢኦም ነናቶም ፍሉይነት ደረጃ ሕብረተ-ሰብኣዊ  ምዕባለ ኣለዎም። ገለ ብኣማእታት ዓመታት ዝቐደመ ምዕባለ ክህልዎም እንከሎ ካልኦት ከኣ ብማዕሪኡ ንድሕሪት ተሪፎም ንርኢ። መኽንያት ናይዚ ፍልልያትዚ ብደቂቕ ክዛረበሉ ዘኽእል ኣፍልጦ የብለይንን። ምናልባት ኩነታት ኣየር ዓለምና ዓቢ ግደ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ምስዚ ደረጃ ፍልልያት ሕብረተ-ሰብኣዊ ምዕባሌታት ጥቡቕ ዝምድና ይሃልዋ ኣይሃልዎ ፣ ብዘየገድስ፡ ኣብ ማሕበራዊ ልምድን ባህልን ኣነባብራ ዝተፈላለዩ ሃገራት፡ ከባቢታት ዓለምና ነናቶም ሕላገት ኣለዎም።

Add a comment

ጉዳይ እስራኤል ፍልስጤም ብሕግን ብልቦናን ‘ምበር ብጉልበት ኣይፍታሕን

ምስ መሬት ዝተኣሳሰረ ሕቶ ይግበኣኒ፡ ብሰላም ብዘተ ብሕጊ ደኣምበር፡ ብዝሒ ህዝቢ ስለዘለካ፣ ዝተራቐቐ ኣ ጽዋር  ኲናት ስለ ትውንን፣ ሃብታም ስለ ዝኾነካ፣ ኣጆኻ ዝብሉ ኣያታት ስለዘለውኻ፡ ብሓይሊ ናይ መወዳእታ መዕለቢክትገብረሉ እንተፈቲንካ፡ ንዓኻ ደኣ ምበር ነቲ በዓል ነገርካ ስለዘየዕግቦ፡ ቅድም ዘይነበረ ካልእ መዘዝ ክወልድእንተዘይኮይኑ ዘምጸኦ ኣወንታዊ ፋይዳ የለን። ሕቶ መሬት ብቐጥታ ምስ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ቁጠባ፣ መንነትናይ ህዝብታት ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ፡ ብሓላፍነታዊ ኣጠማምታ፡ ነጻን ክልተኣዊ ክፉት ዘተን ኣቢሉ ዝብጻሕ ሓባራዊስምምዕ፡ በዚ እንተዘይሰሊጡ ከኣ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ብዝሰማምዕሉ ኣድልዎ ዘይብሉ ርትዓዊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲብዝወሃብ ብይን’ዩ ናይ መወዳእታን ኣሳርን ፍታሕ ዝረክብ።

Add a comment

ርሑስ በዓል ፋሲጋ 2018

ንመላእ ኣህዚብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ንኩሎም ኣመንቲ ክርስትና ዴማ ብፍላይ ርሑስ በዓል ፋሲጋ 2018 ዜብል ክቡር መልእኽተይ የመሓላልፍ። በዙ ኣጋጣሚ’ዙ ዴማ በዓል ፋሲጋ ንኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ዗ለዎ ረዙን መንፈሳዊ ትርጉምን ክብርን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመላእ ኣህዚብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በዓል ሰላም፡ ራህዋ፡ ፍቕሪ፡ ሕውነትን ምዴግጋፍን ክኸውን

Add a comment

መላኺ ስርዓት ኣብ ማይክርስ ኮፕ

ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ 24 ሰዓታትኣብ’ቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና   ዓመተ 2018  ኣብ ከተማ ኪጋሊ ሩዋንዳ ዝተቓነዐ ናይ ናይሃገራት ምብራቕ ውድድር ብቺክሌታ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ታሪኽ ሰሪሖም። እቲ ታሪኽ ዝያዳ
ተደናቒ ዝገብሮ ድማ ብክልቲ ኡ ጾታ ዝተሓፍሰ ዓወት ምዃኑ’ዩ። ኤርትራውያን ብዙሕ ወርቅን ሜዳሊያብሩርን ክሽለሙ ተዓዚብና።

Add a comment

዗ይሕጋዊ ንግዴን ብልሽውናን ህግዯፍ ይቐላዕ

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ - ስዯግኤ፡ ከም ወትሩ ዯቒቕ መጽናዕቲ ኣካይድም፡ ዗ይሕጋዊ ንግዴን ብልሽውናን ህግዯፍ ይቐላዕ” ብዜብል ኣርእስቲ ንትካላት ህግዯፍ ዜምልከት ሰፊሕ ዜርዜራዊ ኣርእስቲ ብመርትዖ ኣሰንዮም ኣቕሪቦም ኣለዉ። ስለዙ 1ይ, 2ይ, ክፋል ---- ወ዗ተ እናበልና ንሰነዲቶም መሰረት ገይርና ብተኸታተሊ ከነቓልዖ ኢና።

Add a comment

መንግስቲ ሪፓብሊክ ሱዳን ዕሉላት ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም ብጥርጠራ ሒዝዎም ዝጸንሐ 27 ኤርትራውያን ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክነጥፉ ተረኺቦም ኢሉ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም ዝነበረ፡ የውሃንስ ዘሚካኤል (ዓዲ ከሎም)፡ ጎይታኦም ኣብራሃን ሓደ ንግዝይኡ ስሙ ዘይተፈልጠ ግን ኣብ ፖርት ሱዳን ሓላፊ ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ምንባሩ ዝተሓበረን ዕሉላት ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም 27 ኤርትራውያን ብ15 መጋቢት 2018 ካብ ሃገሩ ናብ ኤርትራ ከም ዘባረሮም እሙናት ምንጭታት ድምጺ

Add a comment

ዮርሳሌም፣ እስራኤል ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተመቶ ውዕል ምጥያስ ስደተኛታት ከተሐድስ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

eri demo

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ዮርሳሌም፣ ቀ/ሚ ቤንያሚን ናታንያሁ፣ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተሞ ውዕል ምጥያስ ስደተኛታት ከሐድስ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ብሮቡዕ 4 ሚያዝያ ኣብ ቀጽሪ መንበሪ ቤት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ሓደ መዓልቲ'ውን ከየቑጸረ ዝተቛረጸ ስምምዕ ምጥያስ ስደተኛታት ክሕደስ ኣብ ርእሲ ምጽውዑ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ቅኑዕ ከምዘይኮነ'ውን ዝኹንን'ዩ።

Add a comment

ፖለቲካዊ ስድነት

ካብ ልዕልና ህዝብን ሕግን ዝሃደመ ንተግባራት ግዳማዊ መግዛእቲ ከምዘለዎ ዝደገመ ኣብ ነበርና ዝነብር በረኣእያ ዝሓመመ ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን ንዝኣመኖ ዝጠለመ

Add a comment

ስዊዘርላንድ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ኤርትራውያን ክትሰጉግ ከምእትኽእል ትገልጽ

swiss

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተነጽጉ ኣስታት 3200 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክሰጎም ከምዝኽእል SRF ዝተባህለት ሬድዮ እታ ሃገር ሓቢራ። እታ ሬድዮ ብሮብዕ 4 ሚያዝያ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝጸንሖ ፖሊሲ ብምቕያር፣ ነቶም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ንዝተነጽጉ፣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ክስርዞ ጀሚሩ ምህላዉ ኣፍሊጣ።

ተመሳሳሊ ጉዳይ ናይ ዘለዎም 3200 ኤርትራውያን የጻሪ ከምዘሎ ዝሓበሩ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ናይነፍሲ ወከፍ ጉዳዩ ብንጽል ከምዝርአ ጠቒሱ።

Add a comment

ኣብ ሱዳን ሓዲሽ ጸጥታዊ ኣወዳድባ ህግደፍ ይቐላዕ

ምንጭታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ - ስደግኤ፡ ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ሓዲሽ መልክዕ ኣወዳድባ ከምዝገበሩ ኣረጋጊጾም። ከም ቐደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ይበሃል ኢሎም ይገልጹዎ። 05/ January/ 2018 ጀሚሩ ዶብ ሱዳን ብወግዒ ከምዝተዓጽወ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ምስ ግዜ ዝተራእዩ
ሓደስቲ ምዕባሌ ተዛሚዱ፡ ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ከም ቐደሞም ሰባት ክጨውዩ፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮንትሮባንዳን ብጸሊም ዕዳጋ ሸርፊ (ሓዋላ) ምስግጋርን ምሻጥን ኣጽዋር ደሚርካ፡ ንኹሉ ዘይሕጋዊ

Add a comment

ግፋ ከም ስልታዊ መሐለዊ ስልጣን ሓደ ሰብ

ሓደ ንሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ንህዝቢ ካብ ኣፍልጦኡን ዕግበቱን ወጻኢ ኣገዲዱ ከ ስረሖ ኣይግባእን። ብፍላይ ከኣ ኣብ መዳይ ፖለቲካ። ሕጋዊ ደገፈይታን ኣብ ህዝቢ እምነት ዘለዎንመንግስቲ፡  ንህዝቢ ሃገራዊ ቅዋም ዝህቦ ስልጣን መሰረት ገይሩ፡ ሕጋዊ ኣገባብ ተኸቲሉ፡ ጭቡጥ መረዳእታኣ ቕሪቡን ኣዕጊቡን’ዩ ናብ ልምዓት ይኹን ናብ ኲናት ከንቀሳቕሶ ዘለዎ። ንዜጋታት ብሽፋን ሃገራዊ ነጻነትድዩ ልኡላውነት ብሃንደበት ብሓይሊ ገፊፍካ ኣብ ዘይፈልጥዎን ዘይኣምንሉን ስራሓት ከተዋፍሮ፡ በቲ ሓደንዕቀት ህዝቢ’ዩ፡ በቲ ካልእ ከኣ ገበን’ዩ።

Add a comment

ኤርትራ: ቁጽሪ ሕሙማት ቲቢ ከምዝነከየ ተገሊጹ

ኣብ ኤርተራ ቁጽሪ ሕሙማት ሳንቡእ(ቲቢ)ከምዝጎደለ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊት ሕማም ቲቢን ደዌን ሲስተር ሂወት ንጉሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ።ካብ`ቶም ናብ ሕክምና ክመጽኡ ትጽቢት ዝተገብረሎም ሰባት: እቶም 33ሚእታዊት ከምዘይመጽኡ ዝሓበረት ሲስተር ሂወት፡ ነዞም ብዝተፈላለየ ምኽ ንያት ናብ ትካላት ጥዕና ክመጽኡ ዘይከኣሉ ሰባት ናብ`ቲ ቦትኦም ብምኻድ መርመራን ምክትታልን ክግበረሎም መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ ገሊጻ።

 

Add a comment

ቃልስና ንስለ ተቓውሞ ኣይኮነን። ነማዕድዎ ንጹር ዕላማ ኣለና

ኣብ ኤርትራ ምስ መንግስታዊ ምሕደራ ዝተኣሳሰሩ እልፊ ኣእላፍ ጸገማትን መሰናኽላትን ኣለው። ሓደ ካብ’ዞም ዓበይቲ ጸገማትን መሰናኽላትን ግበታ ስልጣን’ዩ። ንሕስያ ዘይፈልጥ ግበታ ስልጣን። ግበታ ስልጣን ብቐጥታ ንከም ልኡላውነትን ሰላምን ዝትንክፍ ዘበላሹ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ። ግበታ ዘብለኒ ዘሎ ‘ምበኣር፡ ጉዳይ ልምዓትን ዕቤትን ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-ሰብ ተጠቕሊሉ ምህላው’ዩ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ንሕስያ ኣልቦ ውልቀ-ሰብ ኣብ

Add a comment

ኤርትራ፣ ህቡብ ጋዜጠኛ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝርከቦም ክልተ ኣባላት ሚ/ዜና ተኣሲሮም

MOI

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፣ ኣዳላዊ ዓምዲ ገጻት ህይወት፣ ዓብደልቃድር ኣሕመድ ዝርከቦም ክልተ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ስነ ጽሑፍን ግጥምን ካብ ዝነጥፉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ዓብደልቃድር ኣሕመድ፣ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብ ኣኽርያ፣ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ (እንዳ እስታዝ በሽር)፣ ኣባል ኮሚተ ወለዲ ስለ ዝነበረ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ጽልዋ ኔርዎ ክኸውን ይኽእል ብዝብል ጥርጣረ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

Add a comment

መግለጺ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ 5ይ ዓመት መስዋእቲ ሓርበኛ መራሒና ዶር. በየነ ኪዳነ !!

መራሒናን ብጻይናን ሓርበኛ ዶር. በየነ ኪዳነ፡  ካብ ዝስዋእ ድሮ 5 ዓመት ኮይኑ። ስዉእ ዶር. በየነ ብዕለት 05 ሚያዝያ 2013 ተሰዊኡ፡ ዕለት 16 ሚያዝያ 2013 ድማ ብብጾቱን ፈተውቱን ከምኡ’ውን ብኣማእት ዝቝጸሩ ሃገራውያንን ተዓጂቡ ብዓቢ ስነ ስርዓትን ፣ ኣብ ከተማ ከለን - ሃገረ ጀርመን፣ ዝተፈነወላ ዕለት ኢያ።

Add a comment

መግለጺ ንዝኽሪ ሐርበኛ መምህር ኢብራሂም መሓመድ

መምህር ኢብራሂም መሓመድ  ብዝሓደሮ ሕማም ንገለ እዋን ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 26-03-2018 ኣብቲ ክእለየሉ ዝጸንሓ ሕክምና ዓሪፉ። ዘይተጸበናዮ መስዋእቲናይክቡር መምህር ኢብራሂም መሓመድአብዝሰማዕናሉእዋንአዝዩመሪር ሐዘንተሰሚዑና።

Add a comment

ኮሎኔል ሓረጎት ንጓል 22- ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ኣሲሩዋ

ምንጭታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ብሓደ ወገን ኮሎኔል ሓርጎት ፍርዙን (ወዲ ፍርዙን) ኣብ ልዕሊ ንጽህቲ ጓል 22 ዓመት፡ ብሓይሊ ኣነዋሪ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ፡ ብሕክምናዊ መርመራ ክብረ ንጽህናኣ ከምዝተደፍረት ፖሊስ ብመርትዖ ኣረጋጊጾም። ብኣንጻሩ ድማ ጀነራል ፊሊጶስን ኮሎነል ሓረጎትን ነቲ ገበን
ንምሽፋን ዕጡቓት ሰዲዶም፡ ንዝተዓመጸት ጓልን ንምዕባያ ሓዋን ኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከምዘይፍለጥ ካልእ ተወሳኺ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ይፍጽሙ ከምዘለዉ ክልተ ድራማ ክሰርሑ ተራእዮ። ስለዚ

Add a comment

ሱዳን፣ ኤርትራ ንዘቕረበቶ ክሲ ነጺጋ

Omar Bashir

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ቀጠር ብምትሕብባር ሽርሕታት ይኣልም ኣሎ ዝብል ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝቐረበ ወቐሳ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቀዳም 24 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ሱዳን ምስ ተቓወምቲ ኤርትራ እትግብሮ ምትሕብባር ከምዘየለ ብምምልካት፣ መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራቡ ከምዘገረሞ ኣፍሊጡ።

Add a comment

ጭርሖ ምድሓን ህዝብን ሃገርን” ዝዕወት፣ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብምድልዳል ዝግበር ቃልሲ እዩ፣

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ዝብል ጭርሖ ዝለዓል፡ እዞም ክልተ ኣካላት /ህዝብን ሃገርን/ እዚኣቶም ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት፡ ማለት ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ዝረሓቖ ንህልውነኦምን ቀጻልነቶምን ዝፈታተን ኣስጋኢ ኩነታት ምንባር ኣብ ዝርከብሉ፡ ናይ መጻኢ ዕድሎም ድማ ናብ ኣዝዩ ተኣፋፍን ኣሰካፍን ኩነታት ኣብ ዘቕናዓሉን ሃዋህው ኣብ ዝርከብሉ ኩነታት ንምድሓኖም ዝለዓል

Add a comment

ዜና ጀርመን

ግን ባ ር ሃ ገ ራዊ ድሕነ ት ኤር ትራ ጉጅለ ዶዝል ድሮፍን ከባ ቢኣ ን ኣ ብ ዛ ሓለ ፈ ዕ ለ ት 25/3/2018 ፈላ ሚዓመታዊ ኣ ኬባ ጉጅለ 2018 ከ ምዝተካ የ ደ ተገ ሊጹ ኣ ብ ዝተካ የ ደ ሰ ፊሕ ኣ ኬባ ኩነ ታት ሃ ገ ር ና ብሓፈሻ ኣ ተሃ ላ ል ዋ ውድቡን ደን በ ተቃውሞን ብፍላ ይ ኣ ኬበ ኛ ኣ ገ ደስ ቲ እ ዮም ዝበ ል ዎም መደባ ት ብቀደም ተከተል ሰ ሪ ዖ ም ብህ ዱእ መን ፈስ ኣ ኬብኦ ምከ ምዝጀመሩ ሓቢሮም።

Add a comment

ለውጢ ብደረጃ ሃገራዊ መሪሕነት፡ መርገም ዘይኮነ ዓቢ ምርቓ’

ዘ ኢትዮጵያን ሄራልድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃ/ማርያም ደሳለኝ፡ ብሰናይ ፍቓዶም ስልጣኖም ክለቁ ምዃኖም ኣብ ዝሓበርሉ ግዜ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮነ መንግስታት ኣፍሪቃ ከይገረሞም ኣይተረፈን። ሓደ ካብ’ቲ ኣግራሞት ዝፈጥር ሃንደበትነት ናይ’ቲ ውሳነ’ዩ። ካልኣይ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃንደበትነት ውሳነ ኣብ ውሽጥን ወጻእ እዛ ሃገር ክ

Add a comment

ሕዱር ሕማም ፍሽኵልና-ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ከባቢ 1910 ኤርትራውያን ብገዛእቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ናብ ሊብያ ምስ ከዱ፡ ወትሃደራዊ ግቡኦም ፈጺሞምን፡ ባጤራ (ማርያ ተረዛ) ሒዞምን፡ ናብ ዓዳቶም ይምለሱ ነይሮም። ግንከ ጌና እግሮም ከይኣተወ ነቶም ደቂዓዶም ብንዕቀት የባጭውሎምን የሽካዕልሉሎምን ነይሮም። በዚ እተላዕለ፡ ኣብ ሃገርና ነቲ ናይ ሓውኻ ምንዓቕን፡ ነቲ ምስ ጣልያን ፈሽኰልኰል ምባልን ባህርያት ዓገብ ዚብሉ ገለ ደርፍታትን

Add a comment

ንጽጉማት ዝውዕል ገንዘባዊ ደገፍ ንምትእኽኻብ ኣብ ኣሜሪካ ዕዶት ዝገብር ዘሎ ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ፡ ብህዝቢ ጽቡቕ ኣቀባብላ ይግበረሉ ኣሎ።

ብሰንኪ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ፡ ማሕበራዊ ህይወቶም ተናጊዑ፡ ገለ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ዝተሰዱ፡ ገለ ካብ ማይ ቤቶም ብምፍንቓፍል፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝወደቑ ኤርትራውያን ደገፍ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2018 ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዕዶት ዝገብር ዘሎ ኣባል ቦርድ ማሕበር ረድአትን ምዕባለን ኤርትራ ኣቶ

Add a comment

ኣብ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ጸላእን ፈታውን ብደርባዊ ኣሰላልፋ ዘየንብብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ካብ ዝሃንጾ ዘፍርሶ ይዓቢ።

ብግዳማዊ ሓይሊ ተወሪርካ፡ ንመሬታዊ ነጻነትካን፡ ምኽባር መሰረታዊ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰልካን ኣንጻር’ቲ ወራሪ ሓይሊ ካብ ተካይዶ ቃልሲ፡ ኣንጻር መላኺ ድዩ ፋሽሽታዊ ዘቤታዊ ጸላእቲ እትገብሮ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ናይ ምምላስ ቃልሲ ከም ዝኸብድ፡ ዝኸፈል መስዋእቲ ከም ዝበዝሕ፡ ዕለተ ዓወት’ውን ከም ዝነውሕ ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ክምህሩ ከተምብሁ ጸኒሖም ኣለው። ስለምንታይ ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝኸብድ? እቲ ካብ ግዳም ዝመጽእ ወራሪ ሓይሊ፡ ንኽወርር ዝደፋፍኦ መሰረታዊ ደ

Add a comment

ህዝባዊ ፖለቲካዊ ሸቶ ንምሃራም፡ ቅንዕናን ተወፋይነትን ቅድሚ ኩሉ

ሰባት ከም ሰብኣውያን ፍጡራት ብህይወት ንምንባር ዘድልዮም መሰረታዊ ጠለባት ክረኽቡ ዝሕግዞም፡ ብዙሕ ረቛሒታት ክምልሱ ከም ዘለዎም ዘካትዕ ኣይኮነን። ካብ’ቶም ብህይወት ንምንባር ናይ ግድን ክምለሱ ዘለዎም ቀንዲ ረቛሒታት፡ ጠለብ መግቢ፣ ክንዳንን መጽለልን’ዮም። ሕቶ መግቢ፡ ክዳንን መጽለልን ንምርካብ ኣብ ናይ ጥንቲ ሰባት ከቢድ ጸገም ኣይነበረን። ዕለታዊ መግቢ ብዙሕ ስራሕን ጥበብን ብዘይሓትት ካብ ፍረ

Add a comment

ቴል ኣቪቭ፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት፣ ኣንጻር ምስጓግ ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Israel Demo 24

ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ እስራኤላውያንን ሓተቲ ዑቕባን፣ ኣንጻር እቲ መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ናይ ምስጓግ ፖሊስ ንምቅዋም፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ብቀዳም 24 መጋቢት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ፣ ኪካር ራቢን ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ቅድሚ ሒጂ ዝተበገሰ ምስጓግ ስድተኛታት ደው ክብል ዝጽውዕ'ዩ።

Add a comment

ካብ ምዕራይ፡ ምፍራስ ዝምረጸሉ ኩነታት (to reform or to abolish)

ሓደ እዋን ኣብ ኤውሮጳ ተለቪዥነይ ምስራሕ ኣብያስ ርእይቶን ምኽርን ንምርካብ ናብቶም ተለቪዥን ዘዐርዩ ጠቢባን ከይደ። እታ ኣብቲ ድኳን ዝጸንሓትኒ ኣስተናጋዲት፡ ሓዳስ ተለቪዥን ዘይትዕድግ ብምባል እያ ርእይቶኣ ዝሃበትኒ። እቲ ዘቕረበቶ ምኽንያት ድማ፡ ነታ ተለቪዥን ንምዕራይ ዚኽፈል ገንዘብ፡ ክልተ ዕጽፊ ዋጋ ናይ ሓንቲ ሓዳስ ተለቪዥን እዩ ዚብል ዘስደምም ሓበሬታ ነበረ። ሓዳስ ንኽዕድግ ድማ ምኽራ ለጊሳትለይ። ምኽራ ተቐቢለ ሓዳስ ተለቪዥን ዓዲገ። ነታ ኣረጊት ኣበይ ከም ዝድርብያ ግን ሓርቢቱኒ እዩ ቐንዩ። ለካ ንምጕሓፍ ድማ ጸገም ኣሎዎዩ። ነተን ኣብ ቤት-ኣጋይሽኻ ከቢረ

Add a comment

ብ ሓልዮት ሽማግለ ፓለቲካዊ ውድባት ኣብ ሽወደን ዚተወደበ ህዝባዊ ሰሚናር

ጽልዋ ዞባዊ ጆኦፓለቲካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣቕረብቲ ዶር እድሪስ ኣቡበከር ምስ ኣምባ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

Add a comment

ዜናን ምጥምዛዝ ዜናን

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ሳምንታት ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝመደበሩ ፈረንሳ 24 ሰዓታት” ዝተባህለ ኣህጉራዊ ተደማጽነት ዘለዎ ትካል ዜና፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዝነበሮ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ። ኣብ’ዚ እዋን ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኣፍሪቃ ብድኽነትን ስደትን ዜጋታተን ኣብ ኣዝዩ ዘባህርር ኩነታት ዝርከባ 5 ሃገራት ኣለልዩ ኣሎ። እዘን ሃገራት ኒጀር፣ ማሊ፣ ማውሪታኒያ፣ ጫድ፣ ኤርትራ ምዃነን፣ ህዝብታት እዘን ሃገራት ብደረጃ ቴክኖሎጂካዊ ምዕባሌታቶም ጥራሕ ኣይኮኑን ተበዲሎም ዘለው፡ እንታይ ደኣ፡

Add a comment

ካድር ህግደፍ እምነቱ ኣብ ኣያኡ፡ ፖለቲካዊ ስድነት ማዕበያኡ

ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ማዕበያ ወይ ኣተሃናንጻ ኣብ ህይወት ደቂ-ሰባት ልዑል ቦታ ኣለዎ። ንገዛእ ርእሶም ብኣወንታዊ ስነ-ምግባር ዝተሃንጹ፡ ሰብ ምዃኖም ብልክዕ ዝፈልጡ፡ ንካልኦት ሰባት ድማ ሰባት ብምዃኖም ጥራሕ ግቡእ ክብርን ቦታን ዝህቡ ወለዲ፡ ዘዕበይዎ ቆልዓ ናይ ወለዱ ኣወንታዊ መንገዲ ክኽተል ባህሪያዊ’ዩ ዝኸውን። ብኣንጻሩ ወለዱ ንገዛእ ርእሶም ስርዓት ዘይብሎም፡ ካብ ሕብረተ-ሰብ ፍጮ ዝወጽኡ፡ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ምዃኖም ዘንጊዖም መን ከማና ዝብሉ፡ ንኻልኦት ዝኸምኦም ሰባት ዝንዕቁ ዘናሽው ወለዲ ዘዕበይዎ ድማ

Add a comment

ምሕዝነታዊ ናይ ደገፍ መግለጺ፡ ብምኽንያት ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር።

ኢትዮጵያ ኣብ'ቶም ዝሓለፉ ከባቢ 25 ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ ሕገ-መንግስታዊ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ብኣመራርሓ ኢህወደግ፡ ብጎደና፡ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ንቕድሚት ክትምርሽ ምጽናሓ ዓለም ብዓለሙ ዝመስከሮ ሓቂ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት መራሕቲ ኢህወደግ ብዝተራእዩ ዓበይቲ ድኽመታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት፡ በብእዋኑ ዘይምርግጋእን ግጭትን እናተስፋሕፈሐ፡ ኣብ ሂወት፣ ጥሪትን ንብረትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘሕዝን ዕንወት ክጋጥም ተራእዩ እዩ። እዚ ተርእዮ'ዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ብሰላምን ቅሳነትን ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ይኹን፡ ብሰንኪ ጨካን ምሕደራ መንግስቲ ህግደፍ፡ በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ እናተሰደዱ፡ ከም እምንቲ መዕቆቢቶም ክወስዱዋ ዝጸንሑ ኣማኢት ኣሽሓት ስዱዳት ወገናትና፡ ስግኣቶም ካብ እዋን ናብ እዋን እናበረኸ ክመጽእ ጸኒሑ ነይሩ።

 

Add a comment

ኢትዮጵያ ብሽርሒ ባንክታት ዓለም ትሳቐ

ኣብ ዓለምና ድሕሪ ባንክ ምምስራቶም ዝኾነ ኲናትን ኩደታን ዕግርግርን ሃገራት ብድሕሪት ባንክታት ከም ዘለዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። (ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ነዚ ዝብሎ ዝድግፉ ጸሓፍትን መጽሓፍትን ክቅርበልኩም ኣይትጸበዩኒ። እቲ ጉዳይ ዓይንና ከፊትና ምስ ንርኢ ኣብ ቅድሚ ገዛና ዘሎ ሓቂ’ዩ። ንነብሮን ንበልዖን ንሞቶን ንስደዶን ሂወትና ምስክር’ያ።)  ድሕሪ ሙዉዳቕ ሓደ ወገን ከኣ ነታ ዝወደቐት ሃገር ዳግማይ ንምህናጻ ሓፍ ዘይብል ዕዳ ልቓሕ ሂቦም ኣብ ትሕቲ እግሮም የእትዉዋ። ዝኾነ ካብ’ዚ ናቶም ትራፖላ ክወጽእ ዝፈተነ ሞት’ያ ትበጽሖ። ብኲደታ ወይ ብኲናት ወይ ብህዝባዊ ዕግርግር ብዝኾነ ሚኽንያት ክጠፍእ ኣለዎ። ሓደ ናይ ወጻኢ ሚንስተር እንግሊዝ ‘’ባንኪ ተንኮል ይጠንሱ ወንጄል ዪወልዱ’’ ይብሎም። ዓለምና ሎሚ ብስዉር ዘማሓድርዋ ባንክታት’ዮም። ብኸመይ ይኣትዉን ብኸመይ መኽሰቦም ይሕልዉን ግደፉ ኣፍሪቓ ሃገራትን ህዝብን ባዕሎም እቶም ዝሰልጠኑ ሃገራት እኳ ነዚ ናይ ባንክታት ሽርሒ ክርድእዎ ዓቕምታት ዘይብሎም ኮይኖም ኣለዉ። ክፈልጡ ምስ ዝጅምሩ ከኣ ሞት ወይ ከኣ ዱብ ዝበለ ብኲናት ይሕምሶዎም’።

Add a comment

ብምኽንያት መበል 23 ዓመት ልደት፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ(ዲምሓኩኤ) ብሰደግኤ ዝተዳለወ ናይ ምሕዝነት መግለጺ።

 

ብቐዳምነት፡ እንቋዕ ናብ መበል 23 ዓመት ልደት ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ(ዲምሓኩኤ) ኣብጻሓኩም ብምባል፡ ንውጹዕ ህዝቢ ብሄረ ኩናማ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንመሪሕነት፣ ካድራትን መሰረታትን ዲምሓኩኤ ድማ ብፍላይ: መልእኽትና ክነመሓላልፍ እንከሎና  ክብሪ ይስማዓና፡፡

Add a comment

ዯገፋ ንመሰመር ተሐድሶ ስዱግኤ 0314-18 ዘባ ኢተትየጰያ

ንሕና ኤርትራውያን አብ ባህልና ምርኩሰ ብምግባር ግሰጋሴ ምዕባለና በወፍሪ ገዛእቲ ተጠምዚዙ ጉዕዞ ምዕባሌና ተቆጽዩ ንተዯራራቢ መግዛእቲ እንዯመከትና ንኹሎም ገዛእቲ ሰፍ ዘየብል መሰዋእቲ ከፊልና ነጻነት እኳ እንተምጻና ናይ ህዝቢ ሐዯራ ጠሊሞም ካባ ዱምክራሰን ፍትሕን ተኸዱኖም አብ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት ባርነትን ምብትታንን አብ ንሓድሕደ ከም ዘይተአማመን ስነ እምራዊ ኲናት ፈጢሩ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ማክያቨላዊ ምከፍፋል መመላእታ ስርሑውን ሃሱሳት ናብ ዯለይቲ ለውጥን ሓፋሸ ህዝብን ክጻወት ጸኒሑን አሎን እዚ ኻአ ገለ ብጉርሒ ገለ ብ

Add a comment

ናይ ዮሃና መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ብምኽንያት መበል 23 ዓመት ምስረታ ዲምሓኩኤ

ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ሃገርና ብብዙሕነት ትልለ ሃገር ኢያ፡፡ እዚ ኩለንተናዊ ኤርትራዊ ብዙሕነት ከኣ ሓደ ካብ'ቲ ተፎጥራዊ ትዕድልቲ ኤርትራ ኢዩ። ዘይቅየር ዘይልወጥ ተፎጥራዊ ዉህብቶና ስለዝኾነ፡ ክንቅበሎን፡ ከነኽብሮን፡ነፍሲ ወከፍ ሕብረተስብ  ገዛእ ርእሱ መሲሉ ኣብ ዙርያ ዓባይ ኤርትራ ብሰላም ክነብር፡ መሰሉ ምዃኑ ተቐቢልና፡ ኣብ'ቲ ዝፈላልየና ዘይኮነስ ኣብ'ቲ ሓደ ዝገብረና ተሳኒናን ተጸዋዊርናን ክነብር እቲ ካልእ ምርጫ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ። እዚ ኤርትራዊ ብዙሕነት ተቀቢልና፡ ኣብ ዙርያ ብዙሕነትና ሓድነታ ዘዉሓሰት፡ ሃገር ክንሃንጽ እቲ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ህዝባዊ ዕዮ ገዛና ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ሰለም ከየበልና ክንሰርሓሉ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ።

Add a comment

ፖለቲካዊ ድሕረት፡ መሰረት ፖለቲካዊ ነብሰ ቕትለት፡

ብዛዕባ ምሳኻ ዘሎ ይኹን ካባኻ ፍንትት ኢሉ ዝነብር ሰብ ወይ ህዝቢ፡ ኣብ ዘራኽቡኻ ጉዳያት ዝስመዐካ ነገር ክትብል፡ ክትበሃል፡ ክትበሃሃል ነውሪ ኣይኮነን። ንጽቡቕ ስራሕ ከተመጉስ ከተተባብዕ፡ ጌጋ ኮይኑ ንዝረኣየካ ይሓይሽ ትብሎ ምኽሪ ከተካፍል፡ ካልእ ድጉል ኣጀንዳ ዘለዎ እንተዘይኮይኑ፡ ብእሩም ኣገባብ ክትነቅፍ ሕማቕ ኣይኮነን። ካብ ልሳንካ ዝወጽእ ተጠንቀቕ ንዓኻ ብዝበሃለካ ግን ኣይትገደስ” ከም ዝበሃል፡ ብዛዕባ

Add a comment

እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ንዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራዝ መደብ ሰሪዛቶ

Natanyahu

መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራዝ መደብ ደው ከምዘበለቶ ሎሚ ሰኑይ 2 ሚያዝያ ኣፍሊጣ።

እስራኤል፣ ነቲ ኣቐዲማ ክትሰርሓሉ መዲባ ዝጸንሐት ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራ መደብ ደው ከምዘበለቶ ትገልጽ ዘላ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምጥቃሱ ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣረጋጊጹ

Add a comment

ህግደፋዊ ዓፈና ኣብ መደብ ሽንግርዋ ብግልጺ ተነጸባሪቑ፡-

ቀዳም 17 መጋቢት 2018 ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ እስቲፋኖስ (ዘማች)፡ መሓመድን ባርናባስን ኣብ ዝመርሕዎ ዝነበሩ መደብ ሽንግርዋ ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ፡ ህግደፋዊ ዓፈና፡ ኣብ ልዕሊ ሞያን ሞያተኛታትን ተጽዕኖ ክገብር ተራእዩ።

Add a comment

ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ዓቢ ተጋዳላይ ዱንጉስ ኣረይ

ገዲም ተጋዳላይ ኣቦና ዱንጉስ ኣረይ ብቀዳም ዕለት 31.03.2018፡ ኣብ ከባቢ 100 ዓመት ዕድሜኡ  ኣብ ከተማ መጎሎ (ኤርትራ) ካብ’ዛ ዓለም  ብሞት ተፈሊዩና።

   ገዲም ተጋዳላይ ዱንጉስ ኣረይ ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት ታሪኻውያን ተቓለስቲ ኤርትራ ከም ዝኾነን፣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡  ብትብዓትን ብጅግንነትን ዝተቓለሰን ዘቃለሰን ሓርበኛ ኢዩ።

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ 2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ማእከላይ-ሽማግለ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ ካብ 06  ክሳብ 10 መጋቢት 2018  2ይ-ስሩዕ ኣኼብኡ፡  ኣካይዱ። 2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ ውድብና፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ተሰላሲሉ፡፡ ብሓደ ወገን፡ ኣብ  ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያውን መዳይ፡ በብእዋኑ መልክዓቶም ዝፈላለዩን ብቕልጡፍ ዝቀያየሩን ተኣፈፍቲ ተርእዮታት ኣብ ዝንጸባረቑሉ እዋን እዩ፤ ንሃገራዊ መዳይና ምስ እንርኢ ድማ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘውርዶ ገደብ ኣልቦ ጭቆናን ኣደራዕን ሳዕቤናቱን ብሓደ ወገን፡ ኣብ ዞባ ማ/ምብራቕን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ተኣፋፊ ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋእ ድማ፡ በቲ ካልእ ወገን መዝሚዙ፡

Add a comment

ጽንብል መበል 23 ዓመት ልደት ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ኣመልኪቱ ብውድብ ዝተዋህበ መግለጺ

ሓደ ብሄር ምስ ዝጭቆን እዩ ደቁ ዝግብር፡፡ ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝገልጹ ምልክታትውን ይውንን፡ ነዞም ምልክታት እዚኦም ብቃልሱ ህያው ንክገብሮም ድማ ጸኒዑ ይቃለስ፡፡ ኣብዘን 23 ዓመታት ሓርነታዊን ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ንብሄረ ኩናማ ዝገልጽ ባንዴራ ኣለና፡፡ በዚ ባንዴራ እዚ ድማ ንሕበን፡፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ንምልከት እቲ ቃልሲ ዘጽደቅናዮ ባንዴራ ዘይከፈልናዮ መስዋእቲ፣ ዓቅሚ፣ ቁጠባ የልቦን፡፡ ማንም ኣባል ብሄረ ኩናማ ንክብሪ ባንዴራ  ዘይከፈሎ መስዋእቲ የልቦን፡፡ ክሳብ ኣብ ፎርቶ ተንበልብል ብክብሪ ክንሕልዋን ክንዕቅባ ኢና፡፡

Add a comment

ናይ ዯገፍ መልእኽቲ ንተሓድሶ መስመር ስዯግኤ

ህዝቢ ኤርትራ ዘድሕኖ ሓይሉ ክጽበ እናተሳሕገ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ሇውጢ ሓይልታቱ ተ ጸፍ ዮምክሕም ሱን፡ ሕንፍሽፍሽ ከእትውለ ዝተሊእኩ ዕለሊት ወይጦታት፣ ንስጉምቲ ቃልሱ ዝበታትኑ ኣካሊትክጽልጸለ ከምዘሇዎም ሓፋሽ ተቓሊሳይ ህዝብና ዝጽበዮ ዝነበረ ኢዩ። እዚ ከኣ ተስፋ ናይ ህዝብና ዘዕቢ፡ንናይ ሇውጢ ሓይልታት ዘራጉድ፡ ንጉዕዞ ሇውጢ ዘቀሊጥፍ ሓያል ኣብነት ስጉምቲ ምዃኑ ኢዩ።

Add a comment

ኤርትራ፣ ንጥዕና ሓደገኛ ዝኾነ 250 ኩንታል ኮሚደረ ተጓሒፉ

Eri

ኣብ ኤርትራ፣ ንዕዳጋ ቀሪቡ ዝጸንሐ ብጸረ ባልዕ ዝተበከለ ኣስታት 250 ኩንታል ኮሚደረ ከምዝተጓሕፈ ንሚኒስትሪ ሕርሻ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

እቲ ብዝተነጽገሉ ጸረ ባልዕ፣ ኣብ ጥዕና ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ዝተገልጸ፣ ኣብ ከባቢ ዞባ ማእከል ንዕዳጋ ቀሪቡ ዝነበረ ኮሚደረ፣ ብሰሉስ 27 መጋቢት ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

Add a comment

ናይ ዯገፍ መልእኽቲ ንተሓድሶ መስመር ስዯግኤ

ብቐዳምነት ሰሊምታ ነቲ ጭቁንን፡ ውጹዕን ህዝብና ይኹን። ቀጺልና ንሕና ናይ ዞባ ሰ.ኣሜሪካን፡ ካናዳን ኣካልን ኣምሳልን ውሊድካ ዝኾንና፣ ነቲ ወሪደካ ዘሎ ጭቆናን፡ ግፍዕን፡ ማእሰርትን፡ ማሕረድን፡ መቕዘፍትን ኣብ ውሽጢ ዯምናን፡ ስጋናን፡ ዓጽምናን ሰሪጹ ስቓይካ ስቓይና ምዃኑ ፈሉጥና፣ ካብ ብርክኻ ስሇዝተወሇድና ነዚ ወሪደካ ዘሎ ሽግር ንምቅሊል ብዓቕምና ዝፈቕዶ ከነበርክት ኢልና ኒሕ ሒዙና ንውድብ ስዯግኤ መስሪትና

Add a comment

ሓጺር ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጸላኢ

 

ንጸላኢኻ ብኹልንተናኡ ምፍላጥን ምግምጋምን፡ ጸኒሑ ኣብ ምብዳሁን ምምካቱን ኪጠቕመካ ይኽእል። ዘይትፈልጦ ምስ እትኸውን ግን፡ ብግቡእ ክትምክቶ ስለ ዘይትኽእል፡ ሓደጋ ከስዕበልካ ይኽእል። ምስ ዘይትፈልጦ ወይ ኣጸቢቕካ ዘይገምገምካዮ ጸላኢ ምቅላስ ማለት፡ ከምቲ ሓንቲ ዕውርቲ ኣንጭዋ ምስ ሓንቲ ነግራም ድሙ ክትገጥም ከላ ማለት እዩ። ፈንጠርጠር ኣንጭዋ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ስለ ዚድምደም፡

Add a comment