ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል-ኢስላምያን ምጉባጥ ኣካየድታ ብጅምላ ይእሰሩ ኣለዉ ።

ገባቲ ስርዓት ህግዯፍ መቐጸልታ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ኣኽሪያ ንዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዱያእ ኣል-ኢስላምያ ንምጉባጥ ሽማግለታት ወለድን መምህራንን እታ ቤት ትምህርቲ ብጅምላ ይኣስርም ህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም

Add a comment

ናብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ)፡

ብቐዳምነት ኣብ መኽፈቲ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኹም ተረኺብና መልእኽትና ከነመሓላልፍ ንዝተገብረልና ዕድመን ዝተዋሃበና ዕድልን ብልቢ ነመስግን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤኹም ንህልዊ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ህዝብታትና፡ ሃገርናን ደምበ ተቓውሞናን ብግቡእ ገምጊሙ፡ ንዘጋጥምዎም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣሰከፍቲ ሓደጋታትን ጸገማትን ንምውጋድ ዘኽእሉ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ሓንጺጹ ብዓወትን ስኒትን ክዛዘም ትምኒትና ንገልጽ።

Add a comment

ዓሳክር ደቂ ዳሞ! ገበንኩምከ? መን ይሰከሞ?

ጅግንነት ኤርትራውያን መሕኮር ኮረሻኹም እዚ ብጥልመትኩም ዝተላዕጠጠ ጸገም ከኣ መለመኒኹም መደለብ ረብሓኹም ፋብሪካ   ጌርኩምዎ ተጣራዕቲ ጸገምናን ናይ ድሕነት ባይታናን ንኽትመስሉ ኣብ ደሞክራሲያውያን ሃገራት መሰል ደቂ ሰብ ተዋፊርኩም ንኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሕሱም ግህሰት ደቂ ሰብ ክንቃለሶ፡ ንእቲ ተፈላልዩ ዘሎ ራኢታት ደምበ ተቃውሞ ኣብ ሓደ መስርዕ ክንሓዋውሶ ኢልኩም ተዋፊርኩሙሉ ዘለኹም፡ እቲ ተበዲሉ ተጠሊሙ ዘሎ ስድራቤታት ኤርትራ. . .  ባዕልኹም ረገጽትና ኣርገጽትና ሕጂኸ? ንስኹም ከተድሕኑዎ? ኢሉ ኣባኹም እምነት ከምዘይብሉ ምርዳእ ድዩ ኣብዩኩም?

Add a comment

ሃገረ ጀርመን

ዝኸበርኩምን/ ዝኸበርክንን  ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ትርከቡ/ባ ኤሪትራውያን ኣሕዋትንኣሓትንደቂብሄረጀበርቲ። ብመጀመርታ እቲ ምውቕ ዝኾነ ጀበርታዊ ሰላምታና ካብ መዓልቲ ጀበርቲ ይብጻሕኩም። ከም ዝሓለፋ ኩለን ዓመታት ሕጅውን ብተኸታታሊ ን መበል ሻሙናይ  ግዜመዓልቲ ጀበርቲ ከምዝሓለፈዓመታትብዘደንቕኣገባብንምክያድመደብናእናኣሰላሰልናምዃና ሓጎስ እንዳተሰማዓናነበሽረኩም።

Add a comment

ምስጋና ንተኻፈልቲ ሓዘና ሞት ወድና ዱታ ዘርአማርያም ተወልደመድህን

ውላድናንሓውናንዱታዘርእማርያም፣ብዕለትታሕሳስ 12, 1979ኣብሩባዓሌትባርካሜዳ ኤርትራ ተወሊዱ፣ብሃንደበታዊ ሕማም ምኽንያት፣ መስከረም 16, 2017ካብ እነፍቅሮ ቤተሰቡን ኣሕዋቱን ካብዛ ኣህላኺት ዓለም ብሃንደበታዊ ሞት ተፈልዩና። ድሕሪ ሞቱ ኣብኣሜሪካኣብ ቀብሩ ሓመድድበዘላበስኩሙናን፣ከምኡውንኣብ ዓዲ መቐርካንኡስዞባ ሰረጀቓ መጺኹም ካልኣይቀብሪዘቃበርኩምናን፣ ካብ ርሑቅን ቀረባን መጺእኩም ብኣካልኣብ ሓዘንና ንዝተሳተፍኩምኮነ፣ ካብፈቐዶኩርንዓት ዓለምን፣ካብውሽጥን ወጻኢሀገርንብቴለፎንይኹንብኻልእ ማሕበራዊ መርበባት ንድርብመሪርሓዘንናዘጸናናዕኩምናን፣ ኣዕሩኽን፣ ብጾትን፣ ፈተውትን፣ቤተሰብን፣ኩልኹም ሕሰምኣይትርከቡ፣ክብረትይሃበልናኣናበልና ዕዙዝልባዊምስጋናና ድሕሪ ምቕራብ፣ ካብዚዕለትዚጀሚርናሓዘናከምዝዓጸናብኽብሪንሕብር።

Add a comment

ተበሢበር ሏንእሯይ ሓኯልቲ ስኰእካ ከይህሯይ

ጠላም ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቅ. . . ንካብ ዘበነ ብረኣዊ ቃልሲ ናጽነት ኣትሒዘ ተሓንጊርዎ ዝመጸ መደብ እነሆ ንምእዋጁ ይቀራረብ ከምዘሎ ብዝገበሮ ቃለ መጠየቕ ኩሉ ዝሰምዖ ሓቂ እዩ. . . ምስ ጎረባብትኻ ተሰማሚዕካ ምንባር ጥራሕ እዩ ክምዕበል ዝከኣል፡ መበሊኡ በብሓደ ሰብ ወሓደ ከም ዝበሃል፡ ካብ ኣብ ሜዳ ኣትሒዘ ዝመልመሎ ቶንኮላት ንጹሃት እናኣቕሃምካ. . . ኮራኩር እናመልመልካ ዝሓለፈ ዓመታት ጅግንነት ኤርትራውያን ዘይደክምን ዘይመክን ኮይኑ ንኹሉ ተጻዊሩ
ሽግ ናጽነት ክውልዕ ክኢሉ እምበር ብጠላምን ጃጃውን ኢሳያስ

Add a comment

ሰራዊት ምልኪ ዋልታ ሃገር ኣይኮነን ክኸውን ድማ ኣይክእልን

ብባዕዳዊ መግዛእቲ ድዩ ብዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ዝተጋህሰ፣ ልኡላዊ ስልጣኑ ዝተመንዘዐ፣ ቁጠባዊ ረብሓ ከይረክብ ዝተነፍገ ህዝቢ፡ መሰሉ ከረጋግጽ ክቃለስ ናይ ግድን’ዩ። እቲ ቃልሲ ሰላማውን ፖለቲካውን ክኸውን ይኽእል። ናይ ከተማ ዓመጽ ክኸውን ይኽእል። ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ክኸውን ይኽእል። እዚ ዓይነትን ደረጃን ናይ’ቲ ግርጭት፡ ኣብ’ቲ ግርጭት ዝዋስኡ ሓይልታትን ንቕሓት ህዝብን

Add a comment

መርድእ

ብጻይ ሓደራ ተስፋይ ብ 29.04.1951 ዓ.ም.ፈ  ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ  ሞሰዳ/ እንዳዝማቲ ዑቕቢት፡ እንካብ ክቡራት ወለድቱ  ኣቶ ተስፋይ  ዘርኡን  ወ/ሮ ኣማረሽ  ኣበዶምን  ተወልደ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ  ከኣ ኣብ ዓዲ-ዃላን  ከተማ  መንደፈራን  ተማሂሩ ቀጺሉ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ብፍላይ ናይ ናብራ ዕብየት ሞያ ኣጽኒዑ ብምውዳእ ኣብ ሥራሕ ዓለም ተዋፈረ። ኣብ መጨረስታ  1974ዓ.ም.ፈ  ከኣ ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምእታው ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ሕዝቢ ኤርትራ  ንኽቃለስ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰለፈ። ኣብ ሕብረተ ሰብኣዊ ቤት ጽሕፈት ኣባል ምምሕዳር ናብራ ዕብየት ተመዲቡ ከኣ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት  ዝኣክል  ተቓሊሱ  ንብጾቱ  ዘቃለሰ  ምሁርን  ተባዕን መራሒ ነበረ። ሓደራ ተስፋይ ! ካብ ብዙሕ ገልጠምጠምን ኲናትን ዓውደ ውግኣትን ክሳዕ ናይ መጨርስታ`ውን  ብ1978 ዓ.ም.ፈ ካብ ወራር ኢትዮጵያ ብኡሞሓጀር - ጎልጅ  ኣብ ጎድኒ መስዋእቲ ኣብርሃም ተኽለ  ዝወዓለ ንኣሰር ዝወጸ  ምዑት ጅግና ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ።

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

ካብ ዕለት 8-14 ጥቅምቲ 2017 ዝተኻየደ 5ይ ስሩዕ ማእከላይ ሽማግለ ውድብና ኤስደለ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና - ኣብ ውሽጥን ወጻእን፤ ንኩነታት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፤ ንኩነታት ደንበ-ተቓውሞናን ንጭቡጥ ኩነታት ውድብናን ኣመልኪቱ ዓሚቕ ገምጋም ኣካይዱ። ኣብ ዝቕጽል 6 ወርሒ ዝፍጸሙ ናይ ስራሕ ውጥናት ሰሪዑን ኣፈጻጽሞኦም ኣነጺሩን ከኣ ኣኼባኡ ዛዚሙ።  5ይ ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ፡- ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም፡- ብኣራዊታዊ ኣገዛዝኣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሕነታዊ ብሄራዊ ህዝብታትና፡ ናይ ሰብ ክብሮም ተቐንጢጡ፣ ሓሲሩን ተዋሪዱን፡ ካብ ህልዋት ንታሕቲ ኮይኖም፡ ዘስካሕክሕ ሂወት የሕልፉ ምህላዎም ገምጊሙ፡፡

Add a comment

ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን

እዛ ‘ወደይ ሓደራኻ ንጣልያን ከይትአምን’ ዘርእስታ ሓጻር ዓንቀጽ ካብታ ብተስፋሚካኤል ትኩእ ‘ሃገሬ የህይወቴ ጥሪ’ እትብል መዘከርታ መጽሓፍ ቆንጢረ ዘቕርባ ዘለኹ ኢያ። እታ  መጽሓፍ ብዛዕባ ጣልያን አብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቶ መግዛእታዊ ፖሊቲካ አቃሊዐ  ብመጠኑ ድማ ናይታ ወሳኒት ዝነበረት ውግእ ሓላይ ቀዳማይ ምንጪ ኮይና ዝረኸብክዋ ብምዃና ካብ አምሓርኛ ተርጒመ ንአንበብቲ ከቕርባ እንከለኹ ምስናይ ሓበኑ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ አብ ልዕሊ ጣልያን ዝተፈነወ ሀንደበታዊ መጥቃዕቲ ብሄራዊ መልክዕ ዝሓዘ ናይ መጀመርያ መወዳእታን ፈተነ ምዃኑ ስለ ዝአምን ኢየ።

Add a comment

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ንኤርትራውያን ገያሾ ግቡኦም ይኽልክል ምህላዉ ይውቀስ

Egypt air

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ካብ ኤርትራ ንዝብገሱ ኤርትራውያን ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ግቡኣቶም ይግህስ ምህላዉ ግዳያት እቲ መንገዲ ኣየር ዝኾኑ ወገናት ወቒሶም። እቲ መንገዲ ኣየር፣ ናብ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ንዝገሹ ኤርትራውያን፣ ኣብ ካይሮ ትራንዚት ኣብ ዝገብርሉ፣ ብዘይዝኾነ ናይ ገያሾ ግቡእ ክሳብ ሳልስቲ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝውዕሉን ከምዝሓድሩን ይገብር ምህላዉ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ኣመልኪቶም።

Add a comment

ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዘይካየዳ ኤርትራ፣ ዜጋታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ምርጫ ኣምሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ከባቢታት ክሳተፉ ይግደዱ

Election

ሃገራዊ ምርጫ ከምዘየካየድ ብወግዒ ዘረጋገጸ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዜጋታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ምርጫ ኣምሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ከባቢታት ክሳተፉ ኣገዲዱ።እቲ ኣብ ዞባ ማእከል፣ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተኻየ ምርጫ፣ ነበርቲ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት፣ ኣብቲ ምርጫ እንተዘይተሳቲፎም ናይ ኩፖንን ካልእ ምምሕዳራዊ ኣግልግሎታትን ክእገዱ ምዃኖም'ዩ ተሓቢርዎም።

ሓደ ዜጋ ኣብ ናይ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ፣ ወከልቲ ክመርጽ ወይ'ውን ተመራጺ ኮይኑ ክቐርብ መሰል ደኣ'ምበር ግዴታ ዘይኮነ ክነሱ፣ እሞ ድማ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ምርጫታት ንህዝቢ ክሳተፉ ከገድድ ኣብ ኤርትራ እዚ ንመጀመርያ እዋን ኣይኮነን።

Add a comment

ናይ ሓዘን መግለጺ ብምኽንያት ሞት ሓጂ ስዒድ ዓብድልሃዲ

ሓጂ ስዒድ ዓብድልሃዲ ማሓመድ ሼኽ ኑር ብዝሓደሮም ሕማም ምኽንያት  ኣብ ከተማ ዩተበሪ ሃገረ ሽወደን ተራሒሞም  ምስ ሰማዕና ኣዝዩ ሓዘን ተሰሚዑና።  ሓጂ ስዒድ ውፉይ ሃገራዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሮም፡ ኣብ ማሕበራውን ግብረሰናያውን ተግባራት ንጡፍ ከም ዝነበሩን፡  ገና ኣዝዩ ብሉጽ ዝኾነ ስራሓት እንዳሰርሑ ካብዛ ዓለም ከም ዝተኾልፉን  ይንገረሎም።   ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተኸስተ ቅልውላው ፍታሕ ንምርካብ ሕልነኦም  ገዲድዎም ሓደ ካብቶም ሽማግለ ዕርቂ ኾይኖም ንልዕሊ ትሽዓተ ወርሒ  ዝተዋስኡ ወላዲ ከም ዝነበረሩ  ብጾቶም ኣባላት ሽማግለ ዕርቂ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

Add a comment

ህዝቢ ብቕልጽምካ ምምራሕ፡ መንቀሊኡ ፍርሓት

ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 26 ዓመታት ጥራሕ ነቶም ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ከይጸብጸብና፡ ንኢሳያስ/ህግደፍ ብዙሓት ካብ ባህሪኡ ዝመንጨው ተቓውሞታት’ዮም ገጢመሞ። ኩሎም እቶም ናይ ተቓውሞ ብደሆታት ከኣ ቅቡላት’ዮም። እዚ ናይ ኣደባይይ ምስጢር ብከም’ዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል። ኣብ 1993 ሓፈሻዊ ተቓውሞ ተጋደልቲ፣ ኣብ 1994 ማሕበራዊ ሕቶ ዝመንቀሊ ካብ ውጉኣት ሓርነት ዝተበገሰ ተቓውሞ፣ ምስ ሃገረ ሱዳን፣ ሃገረ የመን፣ ሃገረ ጅቡቲ፣ ሃገረ ኢትዮጵያ፣ ኣብ 2001 ኣብ ማይቤቱ ዝተፈጥረ ጽገናዊ ለውጢ ዝጠልብ ተቓውሞ፣ እንደገና ምስ ሃገረ ጅቡቲ፣ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2013 ጅግና ወዲ ዓሊ

Add a comment

“ተመሳሲልካ ምንባር”

ተመሳሲልካ ምንባር ማለት መንነትካ / ኩለንትናኻ ሓኺኽካ፤ከምቲ ኻለኦት ክትኮኖ ዝደልዩኻ ኮንካ ወይ ንኻለኦት መሲልካ ምንባር ማለት`ዩ።ተመሳሲልካ ምንባር ከም ተርእዮናይ ሰብ-ሓለፋን፤ ናይ ዓይኒ ዓይኖም እናራኣዩ ዝነብሩ ርጉጻት ዜጋታትን ህላወ ዘረጋግጽተርእዮ ስለ ዝኾነ ሓደ ካብ ምልክታት ቁሱል ማሕበራዊ ዝምድና `ዩ።

Add a comment

ኣብ ሊብያ ዕጡቓት ሰብ ብረት ኣብ ሕድሕዶም ብዝፈጠርዎ ግጭትን.........

ኣብ ሊብያ ዕጡቓት ሰብ ብረት ኣብ ሕድሕዶም ብዝፈጠርዎ ግጭትን ዝማዕበለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ግዳይ ከም ዝኾኑ ተገሊጹ። መዓልታዊ ስራሖምን ምንጪ ኣታዊኦምን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝገበሩ፡ መንግስቲ ዘይቆጻጸሮም ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝተወደቡ ዕጡቓት ሊቢያውያን ኣብ ሕድሕዶም ብዝፈጠርዎ ናይ ተኹሲ ምልውዋት ኣብ ትሕቲኦም ዝነበሩ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ተሰናቢዶም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ከም ዝኾኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቃልሓ ቀኒየን ኣለዋ። ጠንቂ ባእሲ ናይ’ቶም ዕጡቓት በቶም ብጀሆ ዝሓዝዎም መሳኪን ስደተኛታት ዝተበገሰ ከም ዝኾነ፡ ምኽንያት ናተይ’ዮም ናተይ’ባ ብዝብል ከም ዝጀመረ፡ ዕጡቓት ገበኛታት ሊቢያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ በበይኑ መዳጎኒታት ሒዞም፡ ገንዘብ ከም ዘኽፍሉ፡ ሰባት ከም ዝሸጡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝዕምጹ ዝገለጻ እተን ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ምህላዎምን ኣረጋጊጸን።

Add a comment

ንጭርሖኡ ዘይመስል ተግባር፡

ኣብ ዘመነ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ብሓቂ ብንጹር ንህዝብን ሃገርን ዘቐድም ኣጠማምታ ነይርዎ ኢሉ ደፊሩ ዝዛረብ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ’ዚ ነዊሕን መሪርን መድረኽ ታጋድሎ ግን፡ ሻዕብያ ሓደ መለለዪ ዝኾኖ ጭርሖ ከም ዝነበሮ ይፍለጥ። ጭርሖ ዓወት ንሓፋሽ” እዚ ጭርሖ’ዚ ንክትሰምዖ ምቑር ገላጺ ፖለቲካዊ መልእኽእቲ ድማ ዝሓቖፈ ይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ተግባር መጺእካስ ዝፈየዶ ኣይነበረን። ዛጊት’ውን የለን። ፖለቲካ ኣብ ወረቐት ብዝሰኣል ጭርሖ ወይ ደስ እንክብለካ ኣብ መድረኻት ወጺእካ ብተስመዖ መደበረ ዘይኮነ፡ ብወሳኒ መልክዑ ብባህሪ ወነንቱ’ዩ ዝዕቀንን ዝግዛእን፡፡

Add a comment

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ወግሐ ጸብሐ ግፋ መፍትሒ ኣይኮነን

ኣብ ስነ-ኣእምሮ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ጂኦግራፊ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ከበባ ካብ ዝኣቱ ነዊሕ ግዜ በሊዑ’ዩ። ገለ ዓመታት ኣይኮነን ዓሰርተታት ዓመታት’ዩ ገይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምእዋጅ ነጻነት ሃገር ዝረኽቦ ነገር እንተሃለዎ፡ ካብ ነጻነት ዝምንጩ ክብርታት ዘይኮነስ፡ ታህዲድ፡ ጸርፍን በትርን’ዩ። መላኺ ስርዓት ኮነ ኢሉ ተስፋታት ህዝቢ ዝቐትል ዘጸልምት ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲታት ክትልም ክእውጅ ብተግባር ክትርጉም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ’ዩ ዝነብር ዘሎ። ፖሊሲታትን ኣዋጃትን ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ዕለታዊ ህይወቱ ብሰላም ብርግኣት ንኸይመርሕ ዝጻብኡ ዝዕንቅፉ ዘበሳብሱ’ዮም። ጨፍላቒ ጉጅለ

Add a comment

ህዝቢ ነበርቲ ዓድታት ከባቢ ኣስመራ ምስ መሬትን ኣባይትን ብዝተኣሳሰረ ይከላበት ኣሎ።

ነባሪ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናይ ዝርከባ ዓድታት ዝኾነ ህዝቢ፡ እቲ ስርዓት ብዘውጸኦ ሕጊ መሰረት፡ ኣብ ኢዱ ዝጸንሐ መሬትን ብጤሳ ገዛ ተሰሪሕሉ ዝነብረሉ ዘሎ ኣባይትን፡ ካብ ኣፍልጦ መንግስትን ብዘይሕጋዊ ኣገባብን ዝተታሕዘን ዝተሃንጸን’ዩ ብዝብል ግልቡጥ መጎት፡ ንገሊኦም ክንድ’ዚ ሽሕ ገንዘብ ትኸፍሉ ክብሎም እንከሎ ንገሊኦም ድማ ብሓይሊ ብምህጋር የከላብቶም ከም ዘሎ እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን

Add a comment

ሕብረትን ተግባርን ዝጠልብ ኣገዳሲ መድረኻዊ ፖለቲካዊ ውሳኔታት

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ክዝቲ ዝቐነየ ውድባዊ ሰሚናር፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኩሉ ዓቕሚታት ተቓላሳይ ህዝብና ደመኛ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ይቕናዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ካብ 20 ክሳብ 24 መስከረም 2017 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣካይዱ። ውድባዊ ሰሚናር ሓያልን ድኹምን ጎኒታት ውድብ ዳህሲሱ፡ ኣባላት ውድብ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ተሃዋሲ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ካብ ኣፍልጦን ንቕሓት ዝምንጩ ድልዱል ኣረኣእያ ዓጢቖም ብጽንዓት ክምክቱ ዘኽእሎም ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተረኽበሉ ነይሩ።

Add a comment

ህጹጽ ዜና ካብ ኣስመራ

ቤት ትምህርቲ ብርሃን ኣስላም ወይካ`ኣ መድረሰት ዲያእ እስላሚያ (ብተለምዶ ፡አንዳ ኡስታዝ በሺር) ብኣረሜናውን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ትህገር ኣላ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ነታ ብገንዘብ ህዝቢ ዝተሰርሐት ንብረት ናይ ህዝቢ ዝኾነት ኣብ ኣኽርያ፡ ከተማ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ድያእ እስላሚያ ብተለምዶ እንዳ ኡስታዝ በሺር ተባሂላ  ትጽዋዕ ንኽትህገር ኣብ ዝሓለፈ

Add a comment

الحزب الفدرالي الديمقراطي الإرتري

بادئ ذي بدء، إننا في الحزب الفدرالي الديمقراطي الإرتري ظللنا، وسنظل، متمسكين بالمضي قدما في نهجنا السياسي الذي يؤسس للعمل المشترك والتفاعل الإيجابي والتنسيق بين مختلف القوى السياسية والمدنية للمعارضة الإرترية، ظللنا وسنظل  أيضا، نحجم عن التطرق إلى  قضايا خلافية داخل معسكر المعارضة الإرترية،  لقناعتنا الراسخة بأن الخلافات البينية بين قوى المعارضة الإرترية يجب أن توضع في سياقها الطبيعي بطرحها فوق منضدة الحلول عبر الحوار الهادئ والشفاف وضمن إطار الغرف المغلقة، لأن الخروج بهذه الخلافات إلى الفضاء السياسي المفتوح  ينطوي على أضرار كبيرة ويؤثر سلبا على الروح المعنوية للقاعدة الجماهيرية المناضلة ضد النظام القمعي بشكل عام، وذلك بصرف النظر عن طبيعة هذه الخلافات سطحية كانت أم متجذرة

Add a comment

ኣቦ ወንበር ሸፋቱ መይቱ

ገጅፍ ብስራት ንውጹዕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ መራሒ ሸፋቱ ኢሰያስ ኣፈወርቂ  በቆጻጽራ ጀርመን ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ሆስፒታይ ጀርመን ዓሪፉ ኣሎ።

Add a comment

ጨንፈር ጅዳ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዕዉት ኣኼባ (ተንዊር) ኣካይዱ

ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2017 ወከልቲ ውድባትን ኣባላት ባይቶን ዓበይቲ ዓድን ህዝቢ ጅዳን ኣባላት ማእከላይ መሪሕነትን ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጅዳን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ናይ ሰሚናር ተንዊር ተኻይዱ ፡ ቅድሚ ኣኼባ ምጅማር ናይ ሓባር ምሳሕ ድሕሪ ምግባዝ፡ መኽፍቲ ኣኼባ ብቁርኣነል ከሪም ተኸፊቱ፡ ቀጺሉ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ጅዳ ንተሳተፍቲ እንኵዕ ዳሓን መጻእኩም ብምባል፡ እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ህዝቢ ጅዳ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብምርኻብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ደምበ ተቃዎምን ኩነታት ሰልፍና ብሓበር

Add a comment

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ (መ.ሃ.ዘ.) ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር (ዋ.መ.ም.)

መዝከርምርድዳእ ሓባራዊሃገራዊራእይን፡ውሁድተግባርን: ምስግጋር  ዴሞክራሲ ኣብ ኤርትራ 22 ጥቅምቲ 2017 እዚመዝከርምርድዳእውጺኢትናይ’ቲ ኣብ ዋዕላመቐይሮኣዊምትሕብባርኣብመንጎ ፖለቲካውያንንበርጌሳውያንንተቓወምቲውድባት: ካብ 20 ጥቅምቲክሳብ 22: 2017ዝተኻየደዘተንዝተበጸሐምርድዳእንዩ::

 

Add a comment

ኣብዙ ህሞት’ዙ ዜምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ገጹ?

ኣዕናዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዜብገስን ኩለ-መዲያዊ ዜምድናታትን ረብሓታትን ክሌቲኡ ሃገራት ካብ ዜቋረጽን 20 ዒመታት ክመሌእ ገሇ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ምህሊዉ ካብ ማንም ስውር ጉዲይ ኣይኮነን። እዙ ኣዕናዊ ግጭት’ዙ ካብ ዜብገስ ኣትሒዘ ክሳብ’ዙ ዕሇት’ዙ በጀካ’ቲ ኣብ ሌዕሉ ሂወት ክሌቲኡ ኣህዚብ ዗ብጽሖ ከቢድ ቁስሌታትን ጉድኣታትን ብቀሉሌ ዗ይግመት ፖልቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡

Add a comment

ሰልፊ ፊደረላዊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

 ፖሎቲካዊ ወረቀት ኣብ ራብዓይ ጉባኤ ምንቅስቃስ ፊደረላው ዲሞክራሳውን ኤርትራ ዝወጸት፡ እቲ ምንቅስቃስ ከኣ ናብ ተቃዋሚ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ክትቅይር ከላ ( ሰልፊ ፊደረላዊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ዝብል ስም ከም ተወሃቦ) እዚ ከኣ ካብ ዕለት 15 ክሳብ 17 ግንቦት 2017 እዩ።

Add a comment

መግለጺ ብስም ኣራሚት ሽማግለ ዝወጸ ኣዋጅ

ብዕለት 14-10-2017 ኣብ መርበብ ሓበሬታ (ተጎሩባ) ብስም ኣራሚት ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝብል ዝወጸ ኣዋጅ ኣንቢብና።  ብመጀመሪያ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሑት ደረጃ ወሪድና መልሲ ክንህብ ድልየትና እኳ እንተዘይነበረ፡ ንገለ ለዋሃት ፈተውትና ከደናግር ስለ ዝኽእል ግን፡  እዚ ኣዋጅ’ዚ ካባና ካብ ኣራሚት ሽማግለ ከምዘይወጸን ብቀረባ ይኹን ብርሑቅ ከምዘይምልከተናን ክንሕብር ናይ ግድን ይኸውን።

Add a comment

ሓጺር ታሪኽ ሂወት መርሑም ሓጅ ሲዒድ 1949 - 2017

ሓጅ ሲዒድ ካብ ኣቡኡ ዓብደልሃዲ ማሓመድ ሸኽ ኑር ከምኡ’ውን ካብ ወላዲቱ ወ/ሮ ሓሊማ ሲዒድ ሽደ ኣብ ከተማ ከረን ብ 1949 ተወለደ። ኣብ ጊዜ ቁልዑነቱ ኣብ ከረን ቁርኣን ቐሪኡ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ድማ ኣብ ጃሊያ መባእታዊ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢስላሚያ ተማሃረ። ናብ ከረን ብምምላስ ኣብ ናይ ኣኩኡ ሓጂ ዓብዳይ ሓጂ ሑሴን ትካል ንግዲ ኣልያዲ ስራሕን ታሓዚ ገንዘብን ብምኳን ብእምነት ንነዊሕ ዓመታት ኣገልገለ። ብምቅጻል ኣብ 1977 ናብ ሱዳን ተሰደደ ከምኡ’ውን 1978 ናብ ሱዑዱያ ስደቱ ቀጸለ። ኣብ ሱዑዲያ ኣብ ሓደ ዓቢ ንግዳዊ ትካል ከም ታሓዚ ገንዘብ ብሙዃን ክሳብ 1987 ብታኣማንነት ኣገልገለ። ሓጅ ሲዒድ ብዝሓደሮ ናይ ናጻነት ስሚዒት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤሪትሪያ ከም ሓፋሽ ውድብ ኮይኑ ንናጻነት ሃገሩ ዘገልገለ ውፉይ ነበረ።

Add a comment

አዋጅ ኣራሚት ሽማግለ

መራሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዘካየዶ ናይ አስታት ዓመትን መንፈቐን  መጽነዕትን አብ ልዕሊ አባላት መሪሕነት ሰልፊ ዝተኻየደ ጎዎስጎስ

 

Add a comment

ኣብ ልዕሊ ትካል ዕደና ኔቭሰን ክሲ ናይ ዝመስረቱ ብዝሒ ኤርትራውያን 57 በጺሑ

Bisha

ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን ክሲ ናይ ዝመስረቱ ኤርትራውያን ብዝሒ 57 ከምዝበጽሐ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ገሊጾም። እቲ ክሲ ኣብ 2014 ብሰለስተ ኤርትራውያን ጥራይ እኳ እንተተመስረተ፣ ድሒሩ ግና፣ ኣብቲ ብኩባንያ ኔቭሰንን መንግስቲ ኤርትራን ዝውነን ፕሮጀክት ዕደና ቢሻ፣ ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግልት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተዋፊርና ኢና እናበሉ ዝብሉ 10ታት ኤርራውያን ክጽንበርዎ ተራእዮም።

Add a comment

ጽምኣት ደም ድዩስ ዕብዳን? ዘብዘብ፡ ጸሊም ታሪኽ ንምድጋም

ቅልዕቲ ደብዳበ ንኣከብትን ተኣከብትን መድረኽ ዓለምን ደቂ ዓለምን ካብ ዝፍጠሩ ኣትሒዝካ ምስ ትመራመር ባህርያት ደቂ ሰብን ሕልመ ረብሓታቶምን ደሚርካ ደማሚርካ ስለ ዘይውዳእ፡ መዕለቢ ክትረኽበሉ እንተዀንካ ኣብ ሕሉፍ ብሂላት ክትውከስ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ኣነ እውን ክውከስ።  

 

Add a comment

መጋበርያ ሓደ ሰብ፡ ዓለቕቲ ሕብረተ-ሰብ፡

ጥዕና ዘለዎ፡ ነጻ ህላወ ዘለዎ ሰብ ኣብ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ’ዩ ዝተኣማመን። ኣብ ሓቅን ፍትሕን ድማ’ዩ ዝምርኮስ። ዓቕሙ ክንዲ ዘፍቀደሉ ከኣ ንረብሓን መሰልን ህዝቢ ይሰርሕ። ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን ሰብ ብኣንጻሩ፡ ካብ ሓቅን ፍትሕን ይሃድም። ንልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣትሒቱ ይርኢ። ድሕነት ቀጻልነቱ ኣብ ውልቀ ሰባት ይተኣማመን። ንገዛእ ርእሱ ክዓግብ ዘይኮነ ነቶም ዘምልኾም ውልቀ ሰባት ከዕግብ፡ ኣብ ዓመጽ፣ ሓሶት፣ ምድንጋር፣ ገበን ይዋፈር። ለባም መስተውዓሊ ክመስል’ውን ይፍትን። ብተግባር ግን፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ፡ ኣብ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ኣብ ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመርን ሓቅን

Add a comment

“ዋና ዘይብሉ ነገር ጥፉእ ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ”

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ማዕበላት ተኸሲቶም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ቅድሚ ማሪያ ተባሂሉ ዝተሰምየ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለን ንብረት ዘውደመን ማዕበል ነይሩ። ንሱ ድማ ሃርቪ (Harvey) ተባሂሉ ዝተሰምየ ብፍላይ ኣብ ኣከባቢ ሁስተን ተክሳስ
(Houston- Texas) ናይ ሰብ ህልቀትን መሬት ብማይ ኣጥለቕሊቑ ናይ ንብረት ብርሰትን ከም ዘውረደ ኣብ ናይ ዓለም ናይ ዜና ማዕከናት ሃጊጉ ዝውረ ዝነበረ እዩ። ዋናታቱ ከኣ ንማዕበል

Add a comment

ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡን ማሕበራዊ መሰረቱን ኣነጺሩ ዘይቃለስ

ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዘድመዖ ዘፍርሶ ከም ዝዓቢ ተገሊጹ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰን እናተሓላለኸን ናይ ዝመጽእ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብቕረባ ዝከታተሉ ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ምሁራት ፖለቲካዊ ሳይንስ፡ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ማለት ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ጉዳይ’ዩ፡ ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ተወዲቡ ዝቃለስ ውድብ ድማ፡ ናይ ግድን ንሱ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ማሕበራዊ መሰረቱን ንፈታውን ጸላእን

Add a comment

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ብዋሕዲ መሻርፍን ብልሽውና ኣዘዝትን የማርሩ

eritrean soldieres

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ኣባላት ሰራዊት ክኹብሉሉን ናብ ስደት ክውሕዙን ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ግኑን ተርእዮ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ከኣ ብዝበኣሰ፣ ብልሽው ምሕደራን ዋሕዲ መሻርፍን ኣውራ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሮም።

እቶም ምንጭታት ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ ኣቐዲሙ ክርአ ዝጸንሐ ዋሕዲ መሻርፍ፣ ብኢሱ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ብፍላይ እቶም ቅድሚ ናብ ምዱብ ሰራዊት ምውዝዖም ኣብ ማእቶት ምህናጽ ዲጋታት ዝወረዱ ዙርያታት 29ን 30ን ብኸቢድ ከምዝተጸልዉ ኣረዲኦም።

Add a comment

ደምዳሚ ኣዋጅ ሳልሳይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተሳጣሓሉ ውሽጣዊ ቅልውላውን፡ ካብ ልሉያት ሓርበኛታት ሃገራውያን መራሕቱ ኣብ ተቀራራቢ ጊዜያት ብርክት ዝበሉ ብመስዋእቲ ብምፍላዮምን፡ ንገልኣቶም ጉዕዞ ሃገራዊ ተጋድሎ ውድብናከም ዝኾልፍ መሲልዎም ነበረ። እንተኾነ ግና፡ ብሳላ ጽኑዕ ተጋድሎ መላእ ኣባላቱ፡ መድረኽ ቅልውላው ብትብዓት ሰጊሩ፣ ውሽጣዊ ሓድነቱ ከረጋግጽን፡ እቶም ሃገራውያን መራሕቱ ዝሓደጉዎ ባዶነት ብምምላእን፡ ከም ብሓዲሽ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ብክልተ እግሩ ደው ክብል ክኢሉ’ዩ። ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝብህጎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ኣብ   ተቓውሞ  ደምበ ኣገዳስነት ግደ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዘየማትእ ተረጋጊጹ’ዩ።

Add a comment

ሊብያ፣ ሚሊሻ ንሓድሕዶም ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ሓያሎ ስደተኛታት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ተገሊጹ

libya_hostagesኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ሚሊሻታት ሊብያ ንሓድሕዶም ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ይግለጽ ኣሎ። እቶም ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ መዝርዓታት ስብራታ ዳጕኖሞም ዝርከቡ ሚሊሻታት ኣብ ንሓድሕዶም ድሕሪ ዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ እቶም ስደተኛታት ነብሶም ንምድሓን ክሃድሙ እኳ እንተፈተኑ፣ ዝበዝሑ ግና ብኻልኦት ኣባላት ሚሊሻ ከም ምሩዃት ጅሆ ተታሖዝም ከምዝተወስዱ ተሓቢሩ።

Add a comment

ብስም ናይ ዕርቂ ሽማግለ ናብ ህዝቢ ጀበርትን ህዝቢ ኤርትራን ዝወጸ ደምዳሚ ኣዋጅ

ብስም ናይ ዕርቂ ሽማግለ ናብ ህዝቢ ጀበርትን ህዝቢ ኤርትራን ዝተዘርረሐ ደምዳሚ ኣዋጅ ትሕዝትኡ ምስኣንበብና ከም ኣባላት ናይታ ሽማግለ ንዓና ወኪሉን ተዘርጊሑ ስለዘሎ ይትንክፈናን ይምልከተናን ስለዝኾነ እሞ ከኣ ብስም ኩላትና ኣባላት ሽማግለ ወጺኡ ብምህላዉ ብሸለልትነት ኸንሓልፎ ፍጹም ሕልናና ዘየፍቅዶን ናይ ትሽዓተ ወርሒ ታሪኽ ሽማግልና ምብ

Add a comment

ብኣምልኾን ፍርሕን ዝተቐርቀሩ ሰባት

ናቱ ፍሉይ መለለዪ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሉ ሰብ ብውሽጡ ቅሳነት የብሉን። ብደገ’ውን ኣይሕፈርን ኣይኽበርን። ካብ’ዚ ዝብገስ ብውሽጡ ባዕሉ ዝፈልጦ ስቓይ ከም ዘለዎ እናሃለወ፡ ብግዳም ሰባት እዚ ከም’ዚ’ዩ ባህሪኡ ተግባሩ እናበሉ ብኣሉታ ይጠቛቖምሉ። ይንዕቅዎ። ይጸልእዎን ይንጽልዎን። ሰብኣይ ክልተ ኒዮው ነጀው ክብል ሞተ” ዝብል ምስላ ኣቦው ዝያዳ ገላጺ ይመስለኒ። መርገጽ ኣልቦ ከከም ኩነታቱ ህይወቱ ዝመርሕ ሰብ እምነት ተነቢርሉ ንብዙሓት ወይ ዓዲ ወኪሉ ክለኣኽ ኣይኽእልን። ንሱ’ውን ከምኡ ክገብር ርእሰ ምትእምማን የብሉን። ባዕሉ ሰብኣዊ ክብረቱ ንካልኦት ሰባት ኣሕሊፉ ዝሃበ ዘዋረደ ስለ ዝኾነ፡ ዝተባህሎ ክፍጽም ደኣምበር ኣፉ መሊኡ እዚ ቅኑዕ፡ እዚ ቅኑዕ ኣ

Add a comment

15 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ መዓስከር ስዱዳት ትግራይ ከምዘእተዎም IOM ገሊጹ

መብዛሕተኦም ስደተኛታት መናእሰይ እዮም

15 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት፣ ካብ ባሕቲ መጋቢት 2017 ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝተኸፈታ መዕቆቢታት ከምዘግዐዘ’ ዓለም ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ‘ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕ/ሃን ተሓባቢሩ ነቶም ካብ ኤርትራ ዝሰገሩ ሓደሽቲ ስደተኛታት፣ ድሕሪ ሕክምናዊ መርመራ ምልጋስ ካብ እንዳባጉና ናብ ኣርባዕተ መዓስከራት ከምዘእተዎም’ ሓቢሩ።

‘ኣብ’ዚ እዋን’ዚ IOM (ዓለም-ለኸ ማሕበር ስደተኛታት) መዓልታዊ ሚእቲ ሰባት ይቕበልን፣ ሎም ዘበን እቲ ኣዝዩ ዝጻዓቐ ዋሕዚ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎን’ ሓላፊ ማሕበር ስደተኛታት ጨንፈር ሽረ ቓጣብ ኸሊድ ገሊጹ።

ብመሰረት ወግዓዊ ሪፖርታት ‘ዓሚ 21,215 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ኣለው። ሎም ዘበን ድማ ክሳብ’ዚ ዘለናሉ ወርሒ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለው።

መብዛሕተኦም ስደተኛታት መናእሰይ’ዮም። ብዓለም ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ካብ ሞንጎ ዝጋዓዙ እቶም 46 ሚእታዊ ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት’ዮም።

ናብ ኢትዮጵያ ንምስጋር ንመዓልታት ብእግሮም ከምዝተጓዓዙ’ውን ይዛረቡ።

Add a comment

መራሒ ህግደፍ ብ7 ጥቕምቲ 2017 ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ .................

መራሒ ህግደፍ ብ7 ጥቕምቲ 2017 ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ካብ ኣለኹ ዝብል ድሃይ ምግባር ዝሓልፍ ቁም-ነገራዊ መልእኽቲ ከምዘይነበሮ ተገሊጹ መራሒ ጃንዳ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዘይከም’ቲ ቀደም ዝግበረሉ ዝነበረ ምውዕዋዕ፡
ብሓውሲ ሃንደበት ብ7 ጥቅምቲ 2017 ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ኣብ መስኮት ተሌቭዥን ቀሪቡ ዝገበሮ ቃለ- መጠይቕ፡ ደሊኻ ቁም-ነገር ዘይትረኽበሉ፡ ዝተሓተቶ ገዲፉ ዘይተሓተቶ ክምልስ ሃለውለው ክብል ከምዘምሰየ፡ ዕላማ ናይ’ቲ መደብ ግን ሃለዋት ኣጥፊኡ ስለ ዝጸንሐ ኣለኹ ኣይጠፋእኩን ዝብል መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝዓለመ’ዩ ዝመስል ይብሉ ነቲ ቃለ-ማሕተት ዝተኸታተሉ ኤርትራውያን።

Add a comment

ናይ ሓዘን መግለጺ

እንተዀነ ግን ሃገርና ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንብምሉእ ልቡ ዝተቓለሰላን ዝሰንከለላን ዝደኸመላን ክትከውን ገና ኣይበቕዐትን ዘላ። ትረፍዶ ከም ኪሮስ ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ንሃገሮም ክኣትዉ፣ ብኣንጻሩ ብሚእትታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራው
 

Add a comment

ተሓላቒ ሕጊ ትካላት አይየፍርስን

ኩሉ ሰብ ከምዝፈጦ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ፖለቲካዊ ሃለዋት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝለዓለ መግለጺ ናይቲ ሕማቕ ገጽ ተቓውሞ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ መስርሕ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ። ከምውጽኢቱ ድማ አብ መንጐ ካድራት ክልተ ሸነኻት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መን’ዩ ተሓታቲ ናይዚ ተፈጥሩ ዘሎ ሽግር ዝብል ሕቶ ከምቲ øዓወት ኩሉ ኣቦኣ ውድቀት ግን ድቓላ ø ዝበሃል ምስላ ኣቦው ኣካራኻሪ ኮይኑ’ሎ። ፈጻሚት ኣካል ሰልፊ ብጀካ ኣብቲ ገለ ጽቡቑ ወይ ኣወንታ ተባሂሉ ዝምዘን ሸነኻት እንተዘይኮይኑ ኣብቲ ጉድለት ወይ ሕጽረት ተባህሉ ዝንበብ ታሪኽን ተሞክሮን ውድብ ኣይነበርናን ይብሉ ኣለዉ።

Add a comment

መሰል ውሑዳት

ሕቶኣለኒብብሄርብህዝቢ
ውዓልሕደርዘየብልዘየጸቢ
እዛረብየለኹንብሃውሪብወዝቢ
ክላዘብ‘የደልየምስንእሽቶዓቢ
ምስዅሉዜጋብዓልቀልቢ

Add a comment

ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስን ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ሰነ-ኣእምሮን

ዕላማ ናይዚ ሓተታዚ ኣብዚ እዋንዚ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ሰለምንታይ ኢዩ ካብዚ ዘለዎ ምንጽጻግን ኣብ ሓድሕድ ምንእኣሰን ክወጽእ ዘይከኣለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 15 ዓመታት ቃልስና ኣብ በቦታኡ ዝጓነፈና ዘሎ ንምብራህ ኢዩ፡፤

Add a comment

ከታሪ መንግስቲ ብዛዕባ ነውርታት ክትራን እንክምህር፡

ልክዕካ ዘይምፍላጥ ሓደ ንደቂ ሰባት ኣብ ገደል ዘእቱ፡ ብቐሊል መድሓኒት ዘይርከቦ ክፉእ ሕማም ኣእምሮ ምዃኑ፡ ምሁራት፣ ሰብ ተመክሮን ለባማትን ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ክዛረብሉ ክምህርሉ ጸኒሖም ኣለው። ልክዕካ ዘይምፍላጥ፡ ብፍላይ ክኒዮ ውልቀ-ሰባት፡ ጉጅለ፣ ማሕበር፣ ፖለቲካዊ ውድብ፣ ሃገር ኣብ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ዝረአ ምስ ዝኸውን ሓደጋኡ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ከም ናይ ቀረባ ኣብነት፡ ፈጣርን መራሕን ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ውድቡ ህግደፍን ኣምለኽቱን ክነዝሕዎ ዝጸንሑ መን ከማና ዝብል ባዶ ነፍሕታት፡ ብደም ንጹሃት ዘይረዊ ሽውሃት ኲናት፡ ካብ ስዕረቱ ዘይመሃር

Add a comment