ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ደኣምበር ቁጠባዊ ኣይኮነን

ድሕሪ  ካልኣይ  ኲናት  ዓለም  ንመጀመርያ  ግዜ  ብዝሒ  ፍልሰት  ስደተኛታት  ናብ  ዝመዕበላ  ሃገራት  ምዕራብ ብሓፈሻ፡  ብቀንዱ  ከኣ  ናብ  ኤውሮጳ፡  ዜጋታት  ናይ’ተን  ብግብረ-ሽበራውያን  ሓይልታት  ዝሕመሳን ብመለኽቲ ስርዓታት ዝግዘኣ ዘለዋ ሃገራት  ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ዜጋታት ናይ’ዘን ብከም’ዚ ሰላመን  ዝተዘርገ ሃገራት ብዘይተጸንዐ ኣገባብ ካብ መረበቶም እናተፈናቐሉ፡ ከቢድ ናይ ባሕሪ፣ ምድረበዳ፣ ነጋዶ ሰብን፡ ግብረ-ሽበራውያን ሓይልታት ሓደጋታት መሰናኽላት እናሰገሩ፡ ዕድል ዘይገበሩ ድማ  ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም  እናሳኣኑ ብቐጻልን ብኣሽሓትን ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ሰጊሮም ፖሎቲካዊ  ዕቑባ ክሓቱ  ጸኒሖምን ኣለዉን’ዮም፡፡

Add a comment

ሕዝባዊ ኣኼባ ንምስረታ ማሕበር ፍትሒ ንሰላም (Justice for Peace) - ኣብ ለንደን

ብዕለት 03 የካቲት 2016 (03/04/20160)፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝውሕሰሉን ነባሪ ሰላም ዝሰፍነሉን፡ ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ሓቢራ ንምቅላስ ዕላማኣ ዝገበረት፡ ማሕበር ፍትሒ ንሰላም (Justice forPeace) ክትምስረት ስለዝኮነት፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ፡ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም። ምሉእ ኣድራሻ፡-

ዕለት፤---> ሰንበት 3 ሚያዝያ 2016 (03/04/2016)፤      ካብ ሰዓት፡ 4፡30 ድ.ቀ. - ክሳብ 7፡30 ድ.ቀ.

ቦታ፡ ---> ኣብራር ሃውስ / Abrar House, 45 Crawford Place, London  W1H 4LP      

Add a comment

ካብ መሳርዕ ህግደፍ ካብ መኪና ዘሊሎም ከምልጡ ፈቲኖም ዝተባህሉ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት፡ ካብ ሓለውቶም ብዝተተኮሰሎም ኣድራጋ ጠያይቲ ከም ዝቖሰሉ ተገሊጹ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ስርዓት ወያነ ክሃርመኒ ይዳሎ ‘ሎ ዝብል ጎስጓስ ኣብ ዘየካደሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ብግፋ ተወሲዶም ታዕሊም ወዲእኩም ተባሂሎም ካብ ከባቢ ኣቑርደት ብመንገዲ ኣስመራ  ናብ ከባቢ ዓሰብ ብመካይን ይጎዓዙ ካብ ዝነበሩ ግዱዳት ወተሃደራት፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ካብ መካይን ዘሊሎም ከምልጡ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ካብ ሓለውቶም ብዝተተኮሰሎም ኣድራጋ ጠያይቲ፡ መንነቶም፡ ቁጽሮምን ደረጃ ማህረምቶምን ንግዝየኡ ብልክዕ ዘይተነጸረ፡ ብከቢድን ፈኲስን ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከቡ ኣብ መርበብ መስከረም ኔት ዝረኸብናዮ ጽሑፍ ሓቢሩ።

Add a comment

ዘመነ መንግስትነት ህግደፍ፡ ዘመነ ውርደት፡ ስደትን መቕዘፍትን’ዩ።

ነገረ  ህግደፍ  ኩሉ  ስጊንጥር’ዩ።  ከይዕረ  ደርባዊ  ፖለቲካዊ  ባህሪኡ  ከምኡ  ኮይኑ፡  ካብ  ሕሉፍ  ጉድለታቱ ኣይመሃርን።  ብዛዕባ  ካልኦት  ኣልዒሉ  ክወራዘ  ደኣምበር፡  ንህዝቢ  ብሓፈሻ  ነቶም  ናተይ  ዝብሎም  ኣባላቱ  ከኣ ብፍላይ  ዘሳተፈ  ነጻን  ደሞክራስያውን  መድረኽ  ከፊቱ  ውሽጡ  ክፍትሽ፡  ክግምግም፡  ኣብ  ኣረኣእያኡን ኣሰራርሓኡን  ዓይነታዊ  ለውጢ  ክገብር፡  ኣብ  ህዝቢ  ብንቕሓትን  እምነትን  ክሕቆፍ  ዝተዓደለ  ስርዓት ኣይኮነን።

Add a comment

ዝተመኽነየ ይመኽነ ልኡላውነት መሬት ኤርትራ ክሳብ ምሻጥ ዘብጸሐ ናይ ስልጣን ዕውረትን ዕብዳንን ‘ምበር ካልእ ኣይኮነን።

ካብ ደቡባዊ ሸነኽ ቱርኪ ማለት ካብ’ቲ  ንዒራቕ፣ ኢራን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታን ዘራኽብ ቦታታት መበገሲኡ ዝገበረ፡ ከምኡ’ውን  ብመትረብ “ሻጥ ኤል ዓረብ” ንቐጠር ሕቡራት ዒማራት ዓረብ ወሲኹ ብመጻብቦ ሖርሙጽ፡ ክሳብ ዖማን  ዝምጠጥ፡ ብባሕሪ ዓረብ ተዃሊሉ ንጎቦ ጓርደፋይ ሕቖኡ ሂቡ፡ ብመጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ጌሩ ንኤርትራ፣ የመን፣ ስዑዲያ ሓቚፉ፡ ኣንፈት ሰሜን ናብ መትረብ ስወጽ ድሕሪ ምምርሑ ከኣ፡ ናብ ደቡባዊ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝዝርጋሕ’ሞ፡ እስራኤል፡ ሊባኖስን ሶርያን ዝጥርንፍ ሓደ ኣዝዩ ሰፊሕን ስትራተጂካውን ቦታ ኣሎ። እዚ ዞባ ኣብ ካርታ ክትዕዘቦ እንከለኻ ቅርጹ ንፍርቂ ወርሒ ስለ ዝመስል ዞባ ፍርቂ ወርሒ ተባሂሉ’ዩ ዝልለ።  እዚ ሰፊሕ ስትራተጂካዊ ዞባ ብምኽንያት ማሕበረ-ፖለቲካዊ ተነቃፍነቱ፡ ዞባ ቀጻሊ ዘይምርግጋእ ብዝብል’ውን ይግለጽ’ዩ። እዚ ዞባ ብከም’ዚ ዝበለ መጸዊዑ ካብ ዝፍለጥ እንተወሓደ 40 ዓመት ኣለዎ።

Add a comment

ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ቅትለትን ተወሳኺ ዝርዝራቱን::

ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ኣብ ቅድሚ ብዙሕ ህዝቢ ብዕለት 03/ ሚያዝያ/ 2016 ካብ መካይን ዘሊሎም ከምልጡ ምስፈተኑ፣ ብጨካን ኣገባብ ብተመልከተለይ  ኣብ ልዕሊ ንጹሃት መንእሰያት ዜጋታትና ብጥይት ሃሪሞም ዝፈጸሙዎ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊ ሕልና ስለዝኾነ ሕጋውነት ዝጠሓሰ ተግባር እዩ። ከም ሳዕቤኑ ገለ ተቐቲሎም፣ ገለ ከምዝቖሰሉ ገለ’ውን ካብ ማኪና ናብ ጽርግያ ክዘሉ ምስፈተኑ መጉዳእትን ሓደጋን ከምዘጋጠሞም ገሊጽና ነይርና።

Add a comment

ነዚ ናይ መላኺ ዕርዲ ምስ ስገርናዮ፡ ንኹልና ዝሓሸ ማሕበረ- ፖለቲካዊ ህይወት ክህልወና’ዩ።

ንሕና ውጹዓት ኤርትራውያን ንዕሙት ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ብጋህዲ ክንቃውም ካብ እንጅምር ቀሊል ግዜ ኣየቑጸርናን። ብዓቐን’ውን ኣይ ወሓድናን። እንተኾነ ግን ነዚ ቅጥፈት ዝመለለይኡ ስርዓት ዛጊት ክንዕወተሉ ኣይከኣልናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ገስጋስ ቃልስና’ውን  ከም’ቲ ክኾኖ ዝግባእ ቅድሚት ኣይሰጎመን። ስለ ዝኾነ ከኣ ህዝቢ ካብ ምሉእ ምሕረት’ዚ ጨፍላቒ ስርዓት ኣይተገላገለን። ብዘይ ቃል ዓለም እዚ ተቓላሳይ ህዝቢ፡ ከም ህዝቢ ኢደ እግሩ ተመቚሑ፡ ልሳኑ ድማ ተዓቢሱ ይነብር ኣሎ። ዜጋታት ብዘይ ጭበጥ ምኽንያታት ሓደ ድሕሪ’ቲ ሓደ  ካብ ጎደናታት፡ ኣብያተ-ዕዮን መንበሪ ኣባይቶምን እናተኣርዩ  ይእሰሩ፡ ይስወሩ ፡ ገለ ድማ ይርሸኑ ኣለው። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ኣረሜናዊ ተግባር ስራሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ዘሎ ስርዓት፡ ክንዲ ዝኾነ ብዛዕባ ልምዓትን ዕቤትን እንተመደረ እንተወጨጨ፡ ኣንጊሁ ክህሉ ዘይነበሮ ናይ በጋሚዶ ስርዓት’ዩ ኢልካ ካብ ምሕላፍ ወጻኢ፡ ክትደናገጸሉ ወይ ክትደናገረሉ ዘተባብዕ ባይታ የለን።

Add a comment

ሪፓርታጅ መዓልቲ ጀበርቲ 2016

ዓመት መጸት፡ ብዙሓት ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ሙንቸንግላትባኽ (ጀርመን) ተራኺቦም ንዘሕልፉወን መዓልታት ብህንጡይነት ኢዮም ዝጽበዩ፡፡ ተራኺቦም ጉዳያቶም ዝመኻኸሩሉን ኣዝዮም ኣገድስቲ ኣርእስታት ብምልዓል`ውን ዝዝትዩሉን ወርቃዊ ኣጋጣሚ መራኸቢት ቦታ ብምዃን ዘይሕከኽ ታሪኻዊ ጦብላሕታ ትገድፍ ኣላ፡፡ እዚ ዓመት-ዓመት ዝውደብ ኣጋጣሚ፡ መርኣያ ናይ መንነትካን ክብርታት ሕ/ሰብካን ንምዕቃብ ዝግበር ሓያል ኤርትራዊ ተበጉሶ ኢዩ፡፡ መንነት ሓያል ኢዩ፡፡ ጉዱሳት ደቂ ብሄረ-ጀበርቲ ብዛዕባ ዲናውን ባህላውን ክብርታቶም፣ ብሄራውን ሃገራውን መንነታቶም፣ ከምኡ`ውን ማሕበራውን ፓለትካዊን ሕቶታት ንምዝታይ ኣብ ሙንችንግላትባኽ ዝገብርዎ ርክብ ብኣወዳድብኡን ትሕዝትኡን ንምዕባዩ ብሓያል ኒሕ ተበጊሶም ኣለው፡፡

Add a comment

ኣብ ከናዳ ዝርከቡ ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪ ሓዱሽ ስርርዕ ይገብሩ

ኣባላት ግንባር ሃገራዊ  ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ነበርቲ ከናዳ፡ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ ዝብል መሪሕ ስነ-ሓሳብ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ሓዱሽ ስርርዕ ጌሮም፡፡ እዞም ኣብ ከናዳ ዝርከቡ ተቓለስቲ እቲ ሓዱሽ ስርርዕ ዘድለዮም ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ፡ ንዝሓለፍዎ ኣካይዳ ስርርዕ ብጉቡእ ድሕሪ ምምዛን እሞ ነቲ ዝነበረ ተኸቲሎም ነዚ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ክጭበጥ ዘለዎ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ክዓትርዎ ከምዘይክእሉ ብምግምጋሞም ምዃኖም ኣነጺሮም፡፡

Add a comment

ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ኣንታ መዓር ኣፉ

ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ኣንታ መዓር ኣፉ ኢ…ና እንዲዮም ንጀና ሓሊፉ

ቅድሚ67 ዓመት

ከምዛ   ሎሚ  ማዓልቲ

ዕለት     29/03/1949

ቅንእን   ምሽባርን  ኣሕዲሮምጸላእቱ

እንጀራእንተበልዑብምሕጻርመዓልቱ

ውርዊሮም     ሃደሙ       ብድሕሪቱ

መሕደርሺሕኣይሙትሺሕይሙቱ

ምእንቲነጽነትናከፊሉሂወቱ

Add a comment

03 ማዝያ /2016/ ኣረመንነት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣስመራ

ኣብ  ዝሓለፈ  ሰለስተ  ኣዋርሕ  ካብ  መላእ  ኩርናዕ  ኤርትራ  ተገፊፎም  ኣብ  ጋሽ-ባርካ  ክዕለሙ  ከም  ዝጸንሑ እሞ  መደብ  ናይ  ኣስገዳድ  እዋን  ዕስክርነኦም  ኣብ  ዓሰብ  ስለ  ዝኾነ  ማዝያ  03 / 2016  ብ  18  በጠሓት (ክፉታት  ናይ  ንብረት  ዓበይቲ  መካይን)  ተጻዒኖም    ዝግዕዙ  ዝነበሩ  ልዕሊ  4200  ዜጋታትና  ዕራርቦ  ኣብ ኣስመራ  ምስ  በጽሑ፡  እቲ  ጉዑዞ  ኣብ  ትሕቲ  ጽኑዕ  ሓለዋ  እኳ  እንተ  ነበረ፡  ብፍላይ  ኣብ  ኣስመራ  ከባቢ ማይ  ኣባሻውል  ምስበጽሑ  ግን  ካብ  እተን  መካይን  ዘዘሊሎም  ዝስወሩ  መንእሰያት  እንዳበርከቱ ብምምጽኦም፡  ብኡ  ንቡኡ  ከኣ  ብተመልከተለይ  ተኹሲ  ስለ  ተኸፍተሎም  6  መንእሰያት  ሻድሸይቶም  ጓል ብዓረር  ህግደፍ  ተቐዚፎም  ምህላዎም  ምንጭታትና  ካብ  ኣስመራ  ይሕብሩ  ኣለዉ፡፡

Add a comment

ካብ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ድሒነን ኣብ ኢድ ወተሃደራት ህግደፍ...........

ካብ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ድሒነን ኣብ ኢድ ወተሃደራት ህግደፍ ዝወድቃ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ክንዮ ማእሰርቲ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ከም ዝበጽሐን ተፈሊጡ።  ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ብዘሎ ኣረሜናዊ ምሕደራ ዝጠንቁ፡ ካብ’ቲ ስርዓት ሃዲመን ናብ ስደት ዘምረሓ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ዶባት ካብ ፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ንስክላ ብህይወት ተሪፈን ኣብ ኢድ ወተሃደራት ህግደፍ ኣብ ዝወድቃሉ ግዜ፡ ክንዮቲ ቀረብ ማይን መግብን ዘይብሉ ሕሱም ቤት ማእሰርቲ፡ ንወተሃደራት መግቢ ከብስላ ከም ዝግደዳ ኣስማተን ክግለጽ ዘይደላያ ግዳያት ሓቢረን።

Add a comment

ኣብ ኣስመራ ካብ ማኪና ዘሊሎም ከምልጡ ዝፈተኑ ዜጋታትና ዛጊት 6- ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ምንጭታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ከምዝሓበሩዎ፣ ተገፊፎም ኣብ ዝተፈላላየ ቦታትት ናይ ጋሽ ባርካ ክዕለሙ ዝጸንሑ ዜጋታትና ንዓሰብ ተመዲቦም ብ-18 መካይን ይንቐሳቐሱ ነይሮም። ሓንቲ ካብኤን ናይ ጋራጅ ተንቐሳቐሲት መኪና
ነይራ። Mobile Garage

Add a comment

ህላወ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን እዝን ከምዝን’ዩ ጠቕሙ።

ወዲ-ሰብ ፍጹም ኣይኮነን። ገለ ብስስዐ ዝዓወረ ፈታዊ ነፍሱ’ዩ። ገለ ሓቢሩን ዝተረኽበ ታኻፊሉን ክነብር ደስ ዝብሎ’ዩ። ገለ ድማ ሓሶትን ምድንጋር መሰረታዊ መለለይኡ ዝገበረ’ዩ። እቲ ካልእ ከኣ  ብንቕሓት ንሓሶትን ምድንጋርን ዝጽየን’ዩ። እዚ ካብ ባህርያት ደቂ ሰባት ዝፍልፍል ኮይኑ፡ ይውሓድ ይብዛሕ ከኣ ኣብ ባይታ ብተግባር ዝንጸባረቕ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ባህርን ተግባርን ድማ ብዘይካ ኣብ ከም በዓል ጃንዳ ህግደፍ ዝበሉ ፍጹም ካብ ሕግን ህዝብን ዝፈለሉ ውሑዳት መለኽቲ ስርዓታት፡ ኣብ መብዛሕቲኦም ብሕጊ ዝደየቡን ብሕጊ ዝሰርሑን ስርዓታት፡ ይውዓል ይሕደር ‘ምበር፡ ቀይድን ተሓታትነትን ኣለዎ። ኣድላይነትን ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ከኣ ኣብዚ’ዩ ኮለል ኢሉ ዝረኣየካ።

Add a comment

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ

ብዕለት 26 /03/2016 ነዛ አወንታዊት አርእስቲ ጠቒሰ መልእከተይ አመሓላሊፍፈ ምንባረይ ዘኪረ እቶም ዘንበብኩሙዋን እቲ ጹሑፍሐዘል ርእይቶኩም ክትህቡሉ ተጸባይ ኮይነ ፤ሕጂ እውን ደጊመ ነታ ጽሕፍቲ ብዓቐመይ ዝፈቕዶ ራኢ ክገልጻ መቐጸልታ ኤመሐላልፈልኩም ስለ ዘለኩ ነታ ክጽሕፋ ዝደረከኒ ርእስ ዓንቀጽ ነጥብታት ቅድሚ አብ መቐጸልታ ጹሑፍ ምእታወይ ክጠቅስ አፍቅዱልይ ፤፤

Add a comment

ዝግ ጥራይ በሊ ህዝበይ.............

ዝግ ጥራይ በሊ ህዝበይ  ተ.ሓ.ኤ ኮሎም ጀብሃ ነበር ብሓንሳብ ኮይኖም ነዚ ሙዕት ሰራዊት ሓርነት ብዶቦዶብ ዘሎ ኣብ ጎኑ ኼና ዕጥቁን ሽንቁን ክንኮኖ ጥርናፊና ኢና ሓየለ ይኸድ ኣሎ። ንሓገዝ ሰራዊ  ተ.ሓ.ኤ  ንልግሶ ናይ ግድን አዩ ንስርዓት ሽፍታ ከነልግሶ

Add a comment

ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ባር ትብለጽ፣ ካብ መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዝተኸፍተ ተዅሱ ሓይሎ መንእሰያት ቆሲሎም

Run Army

ተገፊፎም ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ከባቢ ዓሰብ እናምርሑ እንከለዉ፣ ካብ መካይን እናዘለሉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብዝተኸፍተ ተዅሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ሓያሎ መንእሰያት ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ 15 ዝኾና መካይን ተጻዒኖም ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ካብ ዝርከብ መደበር ታዕሊም ዝተበግሱ መንእሰያት፣ ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ዓሰብ እናምርሑ’ዮም፣ ትማሊ ሰንበት 03 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ባር ትብለጽ እናዘለሉ ክሃድሙ ፈቲኖም።

Add a comment

ርሑስ በዓል ፋሲካ

ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ንኤርትራውያን ክርስትያን ድማ ብፍላይ፡ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈታሓልኩም፡ ብምባል ርሑስ ብዓል ፋሲካ ክኾነልና ንምነ። ዝመጽእ ዘሎ ብዓላትና ከኣ ኤርትራ ሃገርና ምልኪ ለጊሱ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዝነግሰሉን ዓለምና ድማ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈነሉ ክነብዕሎ ተስፋ ንገብር።

ርሑስ በዓል ፋሲካ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

 

27. መጋቢት 2016

 

 

Add a comment

ግሃድኤ–ሕድሪ ጨንፈር እስራኤል

ኣባላት  ግንባር  ሃገራዊ  ድሕነት  ኤርትራ-ሕድሪ  ወርሓዊ  ኣኼባ  ይካየድ፣  ሓዳስ  መሪሕነት  ዓመታዊ  ኣጀንዳኣ ኣጻፊፋ  ናብ  ኣባላት  ትቐርብ።  ግንባር  ሃገራዊ  ድሕነት  ኤርትራ–ሕድሪ  ዞባ  እስራኤል  ወርሓዊ  ኣኼባ  ኣካይዱ፣
እቲ  ድሕሪ  ዞባዊ  ጉባኤ  ንፈለማ  እዋን  ዝካይድ  ዘሎ  ርክብ  ብኣላይነት  እታ  ኣብ  ጉባኤ  ዝተመርጸት  ሓዳስ መሪሕነት  እዩ  ተኻይዱ፣  ኣቦ–ወንበር  ግሃድኤ–ሕድሪ  ዞባ  እስራኤል  መንእሰይ  ፍሻለ  ገብረእግዝኣብሄር  ኣብመኽፈቲ  እቲ  ብዕለት 01/04/2016  ኣብ  ሰዓታት  ድሕሪ  ቀትሪ  ዝተኻየደ  ርክብ  ኣብ  ዘስመዖ  ቃል  ብሩኽ ናይ ኣገልግሎት ወቕቲ ክኾነሎም ብስም ኣመራርሓ ድሕሪ ምምናይ ንእተሰከምዎ ህዝባዊ ሓላፍነት ብዓወትን ጽፈትን  ንኽዋጽኡ  ንቕሓትን  ተወፋይነትን  ከቢድ  ጻዕርን  ከምዝጽበዮም  ብምእማን  ብቐንዱ  ግን

Add a comment

ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ ኣንታ መዓር ኣፉ ኢ…ና እንዲዮም ንጀና ሓሊፉ

ኣብፍቅሪሃገሩዝርከብሂወቱ

ናይ  ርሑቕከረባዝርእያኣዕንቱ

ቅድሚ    67   ዓመትኢዩሓቢሩ

ነዚሎሚተጓኒፉናዘሎኣስፊሑነጊሩ

ምእንቲ     ነጽነትና   ሂወቱ     ኸፊሉ

 

Add a comment

ወሽመጥ ባሕሪ ፋርስ መመሊሱ ንሓደጋ ኣብ ዝሳጠሓሉ ዘሎ እዋን፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓገዝ ካብ ምዕራባዊ ገምጋም ቀይሕ ባሕሪ ትጽበ።

መስመራት ወሽመጥ ባሕሪ ፋርስን ቀይሕ ባሕርን ዝጸዓቐ ንግዳዊ ምንቅስ ዝካየደሎም መስመራት ዓለምና’ዮም።  ስለዚ ነዞም ስትራተጂካውያን መስመራት ጸጥታዊ ስግኣት ብርኡይ የንጸላልዎም ኣሎ። ስዑዲ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ኲናት የመን ምሉእ ብምሉእ ጥሒላ ምህላዋ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ጀነራል ኣሕመድ ኣሲሪ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ማለት ብ26 መጋቢት 2016 ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ብግልጺ ኣረጋጊጹ ‘ዩ። ንሱ ነዚ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ፡ ስዑዲያ ንበይና ዘይኮነ ምስ ካልኦት መሓዙታ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ ተካይዶ ዘላ  ክብል’ውን ብግልጺ ተዛሪቡ። እቶም ዝህረሙ ዘለው ሓይልታት ሚሊሻታት ሑትዚ’ዮም ድማ ኢሉ።

Add a comment

ባርዕ ማእከላይ ምስራቕን፡ ሳዕቤናት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡

ካልእ! 4ይ ክፋል ጉዳይ ሶርያን ክልተ ተጻራሪ ሓይሊ ዓለምናን (ኤመሪካ-ሩስያ) ዘስተበሃለ ሓንፈጽ ንባብ ክኸውን እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚውን ኢድ ምትእትታው ስዑድያ ኸጠርን ተሓባበርተንን እንተኾናውን ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ኣለዋኦ። ኣብዚ ጉዳይ ሶርያን ዒራቕን ፈላሊኻ ምርኣዩ ኣይከኣልን። እንተኾነ እዚ ጽሑፍ ናብ ሶርያ ዘዕዝዘሉ ምኽንያት ኢድ ኣእታውነት ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ሶርያ ስለ ዝዛይድ እዩ።

 

Add a comment

ጉልሻ ብምቅይያር ጸብሒ ኣይምቅርን

ወዲ-ሰብ  ኩሉ  ግዜ  ኣብ  መስርሕ  ለውጢ’ዩ  ዝነብር።  ኩሉ  መስርሕ  ለውጢ  ግን  ኣወንታዊ’ዩ  ማለት ኣይኮነን።  ዝውስኖ  ድማ  ባዕሉ  ወዲ-ሰብ’ዩ።  ናብ  ፖለቲካዊ  ኩነታትና  ምስ  እንምለስ  ንረኽቦ  ሓቂ’ውን
ንሱ’ዩ።  ብፍላይ  ገለ  ንደሞክራስያዊ  ለውጢ  ንቃለስ  ኣለና  ዝብሉ  ፖለቲካዊ  ውድባት፡  ብሓሳብን  ብተግባርን ተኸባቢሮምን  ተወሃሂዶምን  ኣብ  ክንዲ  ምስራሕ፡  ካብኡ  ውጽእ  ብዝበለ  መንገዲ  ክኸዱ  እንክትርኢ፡  ካን
ኮይኑና  መድሓኒት  ከም  ዝተግብረልና  ኣብ  ዕኒይኒይ  ክነብር  ትብል።  ኣብ  መስርሕ  ተጋድሎና  ተኣማሚንካን ተደጋጊፍካ  ኣብ  ዝተሰርሓሉ  ኣጋጣሚታት  ኣወንታዊ  ውጽኢት  ክምዝገብ  ተራእዩ’ዩ።  ሓባራዊ  ኣተሓሳስባ
ኣብ  ዝበኾረሉ  ኣብ  ጸቢብ  ሕሳባት  ጥሒልካ  ሓደ  ነቲ  ካልእ  ንምጽላም  ኣብ  ዝውፈረሉ  ዝርከብ  ውጽኢት ኣሉታዊ ምዃኑ’ውን ክንዕዘብ ጸኒሕና።

Add a comment

ድሕነት !!! ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ

ድሕሪ መሪር ሕልፎት ብጉልባብ ናጽነት ዝተኣታተወ ጹዑቕ ሽፍትነት ሎሚ ስድራቤታት ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ቅብጸት በጺሑ ንብረቱ ጸንቂቑ ዛሕዚሑ ንዘዝተወልዱ ኣከላቱ ኣበይን ብኸመይን ሃጽ ኢሎም ይጠፉኡ ፡መጻኢ ሂወቶም ይሰርዑ ዝዓለመ ኣሎ ወይ እንተኣላ …ኣይ ኤርትራውያን… ብጸገም ህዝቢ ኤርትራ ረብሓውያን ጥራሕ እዮም ክባሃሉ ዝክእሉ ።

  

Add a comment

ብትውልዲ ወይ መበቆል ዓዲ ምዝራብ ..............

ብትውልዲ ወይ መበቆል ዓዲ ምዝራብ ብትሕቲ ሃገራዊ ስምዒት ንሰባት ከሲሱ ክሳብ ህይወት ዘስእን ገበናዊ ተግባራት ዝፍጽም ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዘለው ወተሃደራት ካብ መበቆል ዓድኹም መረጋገጺ እንተዘየምጻእኩም ብዝብል የሽግሮም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

Add a comment

ብዶብን ባድመን፡ ብወያነን ኣሜሪካን ምድንጋር፡ ብጉስጥን እገዳን መኺኑ፡ ሜላ ቀይሩ ብስውኣት ፖለቲካዊ ንግዲ ጀሚሩ

 ውሱናት ወሰንቲ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ምስ ህዝቢ ተራኽቦም ዝነበረት ዕትብቲ ኣብ 1993 መሊኣ ካብ እተብቅዕ፡ ክምርሕሉ ዝጸንሑ ሜላ፡ ግሉጽነትን ሕጋውነትን ዘይብሉ ውጹእ ምድንጋር’ዩ። እቲ ምድንጋር  ብሃገራዊ ነጻነት፡ ሕሉፍ ሓርበኝነትን ስውኣትን እናደጋገመ ዝሰብኽ፡ ናይ’ቲ መሪሕነታዊ ጉጅለ  ገንዘባውን ነገራውን ሃብቲ ዘኻዕብት፣ልጣ ስልድልን ዘደ ድማ ፡ ህዝቢን ቅዘድኪ ዘምበርክኽ ዕማምን ኣንፈትን ሒዙ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑን ዝቕጽል ዘሎን። ብሓደ ሰብ ዝስራሕን ዝፍንጣሕን ኳና ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ሕግን ተሓታትነትን ፈሊሉ፡ ናይ ምድንጋር ፖለቲካዊ ስትራተጂካዊ ኣንፈት ክኽተል ዝመረጸሉ መንቀሊ ምኽንያት፡ ልዕሊ ኩሉድሚ ኩሉን ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ኣይፈልጥን፣ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ኣይመዝንን፣ ናይ ትማልን ሎሚን ኣይነጻጽርን፣ ከም ሰብ ዘይኮነ ከም ተንቀሳቓሲ ማሽን ብዝደለኻዮ ኣንፈት ዝምራሕ’ዩ ዝብል ብትምክሕቲ ዝዓወረ ዝንቡዕ መሰረታዊ ፖለቲካዊ እምነት ስለዘለዎ’ዩ።

Add a comment

ናይ ቁኑዕ ምሕዝነትን ሓደነትን መበገሲ መሰረት ዝኸውን እምነታትካ እዩ።

ኣብ ኣነ ዝቕመጠሉ ዘለኹ ሃገረ ሱዳን ምስ ዝተፋላለዩ ኣባላት ውድባት ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቕስቃስትና ክንራኸብ  እንከሎና፡ ኣብ ሕቶ ሓድነት ኣትኩርና ኣብ እንዛራረበሉ ጊዜ ናይ ሓደ ብሄራዊ ውድብን ሕብረ-ብሄራዊ ውድብን ሰራዊት ተሓናፊጾም (ሓድነት) ጌሮም ‘ዮም ክቃለሱ ዝህልዎም ዝብልን ኣይፋሉን ተመሓዝዮም (ስሙር ሃገራዊ ግንባር) ገይሮም ጥራሕ’ዮም ክቃለሱ ዝኽእሉ እምበር ክተሓናፈጹስ ትኽክል ኣይኮነን ብዝብል ፍልልይ የጋጥመና።

Add a comment

በይ ኤርያ ጨንፈር ሃገራዊ ባይቶ

 

ኣባላት ተሓጋገዝቲ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዞባ ምዕራብ አብ ኣመሪካ በይ ኤርያ ጨንፈር ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ  ኣኼባ ኣካይዳ ኣብዚ ኣኼባ ዘካየደቶ ዝሰርሓቶ ስራሕ ነብሳ መቂላ ንምዕራብ ዞቦ ኣመርካ ነዚ ካላኣይ ሃገራዊ ባይቶ  ሰብ ከይተርፈና ኢላ ናይ ስራሕ ተሓታትነት ክህሉ ምእንቲ ንዞባ ምዕራብ ከምቲ ዝበጻሕናዮ  ዝድለ ኣብ ኩሉ ምዕራብ ዞባ ኣመሪካ ኣባላት ባይቶ መንጸፍ ናይ ስርርዕ ስለ ዘየካየዱ ነዚ ባይቶ ሓስዮሞ ትራሕ ዘይኮኑስ ሕሳቦም ኣምሪሖም ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ  ለውጢ  ኣብ ነገር ሸሚሞ ንባይቶ ስርሑ ከይሰርሕ ኣብ ደውታ ክም ዘእተውዎ መዝና።

Add a comment

መጸዋዕታ ንኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ

ንኹሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ  ክቡር ህዝብና ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ” ንህዝናን ሃገርናን ካብዚ  ሕማቕ ድነ ዘንጸላልወሉ ዘሎ ሓደጋታት ንምድሓን ንቕዳም April 2-2016 ስዓት 1፡00 PMህዝባዊ ኣኼባ ስለዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ  ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታዚ ብሓገራዊ ሓላፍነት  ንኽሳተፍ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።

Add a comment

ውድብ ደምሓኩኤ መበል ዕስራን ሓደን ዓመቱ

ህዝቢኤርትራ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዓገብ ምባል ዝጀመረሉ፡ ካብ በረኻ ኣትዩ ክነሱ ንበረኸኛ ባህሪኡ ከንጸባርቕ ካብ ዝጀመረ ግዜ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ፡፡ ነዚ ንምርግጋጽ ናይ ግዜ ሰውራ ከይጠመትና ካብ ጽባሕ መሬታዊ ናጽነት ኤርትራ ንድሓር ምስ እንዕዘብ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ምዕዛብ ኣኻልን ህያው ምስክርን ኢዩ፡፡

Add a comment

"መንነት ሽበራ !!!"

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ - ቅድሚ ዝኣገረ ኩሉ ንሽበራ ሃይማኖታዊ መንነት ምልባስ፤ድንቁርና እንተዘይኮይኑ ዕብዳን`ዩ፤እቲ ኣዚዩ ርጉጽ ግና ህላዌ ናይ`ቶም ንመራኸቢ ብዙሃን ተቆጻጺሮም ዘደንቆሩን ዘጸለልሉን ዘለዉ ገበቲ`ዩ ።

Add a comment

ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ - ስ. ደ. ግ. ኤ ናብ ኢትዮጵያ፣ ዕላምኡን ውጽኢቱን።

ላዕለዋይ ልኡኽ ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስ. ደ. ግ. ኤ.) ዝግባእ ቅድመ ምድላዋት ገይሩ፣ ካብ ዕለት 05 - 25/ መጋቢት/ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ፈጺሙ። ላዕለዋይ ልኡኽ ግንባርና ብኣቦ ወንበር ኣቶ ተስፋሚካኤል ነጋሽ ተመሪሑ፣ ወትሃደራዊ ሓላፊ ብሪጋዴር ጀነራል ተኸስተ ሃይለን ካልኦት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ዝርከቡዎም፣ ብድምር ሸውዓተ (7) ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ እያ ዑደት ፈጺማ።

Add a comment

ህዝብና ኣብ ደንካልያን ደሴት ዳህላክን ኣብ ሕሱም ኩነታት ይርከብ !!

Image result for eritrea map

ጉጅለ ህግደፍ ንራሻይዳ ካብ ቦትኦም የዘናብል !! ዓሰብ፡ ህዝብና ኣብ ደንካልያን ደሴት ዳህላክን ብሰንኪ ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ዝስተ ጽሩይ ማይን ይሳቐ ምህላዉ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ህዝብና ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብምግፋፍ ዓሰን ብንግድን ዝነብር ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ ብሰንኪ ዘይርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ካብ’ዚ ህያው ስርሑ ቦኺሩ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ጉዳይ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ተረጋጊጹ።

Add a comment

ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ብዝፈጠሮ ጽልዋ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ትሕቲ 20 ናቕፋ ይሽረፍ ኣሎ

Nakfa

ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ብዝፈጠር ጸቕጢ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ትሕቲ 20 ናቕፋ ይሽረፍ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ተራእዩ ዘሎ ሕግታት ዕዳጋ ዘይተኸተለ ምንቑልቋል መጠን ሸርፊ፣ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ዝፈጠሮ ምስ ምዃኑ ንመጻእ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ የጠንቕቑ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ምቁልቋል መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ መጠን ሸርፊ'ዩ ኣውሪድዎ ዘሎ።

ይኹን'ምበር፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ናቕፋ፣ ብመንግስቲ ተታሒዙ፣ ዝንቀሳቐስ ባጤራ ካብ ምውሓዱ ንላዕሊ ዝፈጠሮ ጽልዋ ብምዃኑ፣ ኣብ ዕዳጋታት ነውጺ ክፈጥር ይረአ ኣሎ።

ብፍላይ ንመገሻን ካልእን ብዝሒ ዘለዎ ባጤራ ናቕፋ ዘድልዮም ኤርትራውያን፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ነፋሪት ትኬት ንምግዛእ ይጽግሙ ምስ ምህላዎም፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ትኬት ተዓዲጉ ክስደደሎም ይሓቱ ከምዘለዉ'ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

Add a comment

እቲ ኣቦ ዘለዎስ ኣቦ ንዘይብሉ ከብኪ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቲ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ገዛእ ህዝቡን ልዕሊ ኹሉ ክኣ ኣብ’ቲ ዞባ ምስ ዝተፈላለዩ ኣሸበርቲ ጉጅለታት እናተማሓዘወ ክገብሮ ዝጸንሐ ካብ ዓለማዊ ሕጊ ዝወጸ ጽዩፍ ናይ ሽበራ ተግባራት ንዓ ግደፍ እናተባህለ ንዓመታት ክወሃቦ ዝጸንሐ ምኽርን ለበዋን ክሕሰም ከም ዘይጸንሐ፣

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ - ሕድሪ

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ካብ  መጋቢት26 / 2016  ኣብሰዓታትድሕሪቀትሪጀሚሩ ኣጀንዳታቱሰሪዑ፡ ስሩዕኣኼቡኡከሰላስል ቀንዩ፡፡ እቲ ክካየድ ዝቐነየኣኼባፈጻሚኣካልኣብ ኣጀንዳታቱ ተመርኲሱ ንሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ገምጋማት፡ ደቂቕ ሓበሬታ ብምልውዋጥ፡ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈታቱ ብምቕባልን ምዝታይን፡ ናይ መጻኢ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ስርሑ ብምስራዕ፡ ነናብ ዝተዋህቦ ዕማሙ ንምግስጋስ ወጢኑ፡ ኣኼብኡ  ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ መጋቢት 30 /2016ዛዚሙ፡፡

Add a comment

ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ

 ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም  ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶን ፡ በቲ ዝሓለፈ  ኣኬባ ስምምዕ መሰረት ነዚ ጊዚያዊ ሽማግለ ብቆዋሚት ሽማግለ ምትካእ: ብሕግን ሕጋውነት ክንምራሕ ስለዘለና ሕጊ ዝተነድፈ ጽሑፍ ስለዘለና ክንዘራረበሉ  ከምኡ'ውን ክነጽድቆ፡ ብዓይነቱ ፍሉይን ፡ ተጽዕኖ ዘይብሉ ቅሉዕን ነጻን ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ንዕድም ኣለና። ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ፡ ኣሰቃቒ ኩነታት ዘሕመመና ብዙሓት ከምዘለና ንፈልጥ፡ እንተኾነ ግን ካብ በብዘለናዮ ፋሕ ኢልና ንቃለስ ፡ ምስ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ብሓባር ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ሃገርና ክንዛራረብን ፡ሽግርና  ክንፈትሕን ፡ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።  ክንተኣማመን ንዛተ!

Add a comment

ዘይፈለጠ ክፈልጦ

ኣብ ሓደ መዋእል፡

 ሓንቲ ሃገር ነበረት- ኣሲሪያ

ከም’ዛ ናይ ሎሚ ኤሪትሪያ

ግን ከኣ ብሰንኪ ሕሱም ምልኪ

ካብ ካርታ ዓለም ነበረት ኮይና ተሪፋ ኣሲሪያ።

Add a comment

ንውዲታት ህግደፍ ብንቕሓትን ብሕራነን ነበርዕኖ

ዝኽበርኩም “ኣሕዋተይን ኣሓተይን”  ዓመተ 2016፡ ዓመተ ውሁድ ቃልስን ዓወትን ክትኮነልና እናተመነኹ፡ ነዚ ብህግደፍ ኣንጻር መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ፌርማ ናይ ምትእክኻብ ፍሹል መደብ ንኣገጣጥማኡ ዝምልከት ዘለኒ ርእይቶ ገለ ክብል።  ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ኣብ’ዚ ነዊሕ ናይ ርብዒ ዘመን ጨፍላቒ ኣገዛዝኣኡ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝፈጸሞ ማሕበራዊ ጥሕሰት፡ ብሞራል ኮነ ብሕጊ ዘይጽወር ከቢድ ገበን ’ዩ። እዚ ጉዳይ መጀመርያ ክመጽእ ዘይነበሮ፡ ምስ ገበሮ ከኣ ብኣጋ ክእርሞ ዝነበሮ ጥሕሰት’ዩ። እንተኾነ ብዛይካ ድሌቱን መቓልሑን ናይ ካልእ ክሰምዕ  ድልዊ ስለዘይኮነ፡ንዝወሃቦ ምኽርን ምሕጽንታን ኣይተጠቕመሉን።

Add a comment

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 800 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገማ ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ብመስመር ሱዳን ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቕካ ናብ  ምድሪ ኤውሮጳ ንምእታው፡ ኣብ ዓመት 2015 ምስናይ ኩሉ ሓደገታቱ፡ ገለ ዕድለኛታት ይስግሩ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2016 ግን ዝዕድለይ ኢልካ ንምፍታን’ውን ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ከም ዝበጽሐን ኣስታት 800 ሽሕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ኮይኖም ኣብ ከቢድ መዋጥር ከም ዝርከቡን ተፈሊጡ።

Add a comment

መንግስቲ ህግደፍ............

መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ከተሰከፈ ኣሉታ ክበሉ ዝጸንሐ፡ ህላወ ምሩኻት ኲናት ጅቡቲ፡ ካብ’ቶም ምሩኻት ኣርባዕተ ሰባት ለቒቑ።

Add a comment

ካብ መበቆል ዓድታት ናይ መረጋገጺ ወረቀት ከምጽኡ ዘይክኣሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንነት ወረቐት ንምሓዝ ይጽገሙ

zeggg

ካብ መበቆል ዓድታት እንዳቦን እንዳደን ናይ መረጋገጺ ወረቀት ከምጽኡ ዘይክኣሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት መንነት ወረቐት ንምውጻእ ከቢድ ጸገም ገጢምዎ ምህላዉ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ኣሚኖም፣ ኤርትራ እትጠልቦ ግቡኣት ክሳብ መስዋእቲ ንምፍጻም ምሒሎም፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ዝርከቡ መንእሰያት፣ ካብ መበቖል ዓድታት እናዳቦን እንዳ ኣደን መረጋገጺ ከምጽኡ እንተዘይክኢሎም፣ እቲ ብክፍሊ ኢምግሬሽን ዝወሃብ ናይ ኤርትራ መንነት ወረቐት ክዕደሎም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ሓያሎ መንእሰያት ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

Add a comment

ደምዳሚ መለጺ ስሩዕ ኣኼባታት መሪሕነት ኤስደለ

ካብ ዕለት 6-11 መጋቢት 2016- 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለኡ ካብ ዕለት 15 18 መጋቢት 2016 ድማ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ።

Add a comment

ቃልስና ቃልሲ ወለዶታት እዩ

ስምረት  ምንቅስቓስ  ኤርትራውያን  ንድሕነት  ሃገር  ብግስ  ክብል  ኣትሒዙ  ካብ  ዘልዓሎም  ጭርሖታት  ሓደ  “ቃልስና  ቃልሲ ወለዶታት”  እዩ  ዝብል  እዩ።  እወ!  እቲ  ቅድም  ክብል  ዝተጀመረ  ቃልሲ  ንነጻነት  ፡  ቃልሲ  ንሓርነት  ፡  ቃልሲ  ንፍትሕን ደሞክራሲን  ከምቲ  ዝድለ  ኣብቲ  ናይ  መወዳእታ  ዕላማኡ  ስለዘይበጸሐ  ንዕኡ  ኣብ  መዕለቢኡ  ንምብጻሕ  ከይተሓለለ  ይሰርሕ ኣሎ።  እቲ  ከም  መበገሲ  ዝወሰዶ  ዕላማታት  ባዕሉ  ዘመንጨዎ  ዘይኮነስ  እቶም  ቅድም ክብል  ዝሓለፉ  ኣቦታትናን  ኣባሓጎታትናን ዘበገስዎ  ምዃኑ  ብምእማንን፡  ነቲ  መወዳድርቲ  ዘይርከቦ  መስዋእቶም’ውን  ዝለዓለ  ኣኽብሮት  ብምሃብን;  ከም  ውርሻ  ተቀቢሉ ንምዕዋቱን  እዩ።

Add a comment