ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሉ ሰብ፡ ክድግፍ ኮነ ክቃወም ሞራላዊ ብቕዓት’የብሉን።

ሰባት  ብዛዕባ ፖለቲካዊ እምነትን መንነትን ብዙሕ መግለጺታት ክህቡ ይስምዑ’ዮም።  እንተኾነ ከም’ቲ “ካብ ጉዪይ  መዓል  ክሳድ  መሓዝ”  ዝበሃል፡  እቲ  ሰባት  በብዝመስሎም  ዝህብዎ  መግለጺታት  ኣሳሪ  ወይ  ጭቡጥ ኣዕጋቢ  መልሲ  ክረክብ  ኣለዎ።  ብወገነይ  ጭቡጥ  መልሲ  ናይ’ዚ፡  ናይ  ብሓቂ  ወጽዓኡን  ወጻዕቱን  ዘለለየ፡ ወገናውነቱ’ውን  ዝፈለየ፡  ፖለቲካውን  ማሕበረ-ቁጠባውን  ለውጢ  ንምምጻእ  በዓል  ብሩህ  ራእይ  ምዃን  የድሊ ዝብል  እምነት  ኣለኒ፡፡ 

Add a comment

ባይቶ? ናይ መን? ብመን ዝተመረቐ ባይቶ?

ጥንታዊት ስእሊ ከተማ ከረን ርእሰ ከተማ ኤርትራ መሰረታዊ ስም ኣውራጃ መሬት በጎስ... ድሓር ሰንሒት ዝተጸወዔ መሬት ብሌን ርእሰ ከተማ ህንጻ ኤርትራ ዘጸወዔት ከተማ ከረን እያ። ታሪኽ ኣመሳርታ ህዝብን ሃገራዊ መሬትን ኤርትራ መዝገቡ ምስ ዝቕላዕ ከኣ.. ንእቲ ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ዘይታሪኽ መንነትና ዝዝንተው ከንቱ ከም ዝኾነ ክርዳእ ይከኣል።

Add a comment

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት................

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ ድሕሪ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ንገለ ጽጉማት ነገራዊ ሓገዛት ከም ዝገበረት ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ከም መቀጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ጽጉማት  ስደተኛታት  ብዝዓቕማ  ክትህቦ  ዝጸንሐን  ዓይነታውን  ገንዘባውን  ሓገዛት፡  ብ10  መስከረም  2016  ዓዲ ሓርሽ  ኣብ  ዝተባህለ  መዓስከር  ንዝርከቡ  ስደተኛታት  ኣገዳሲ  ኣስተምህሮ  ድሕሪ  ምሃብ፡  ኣብ’ቲ  ቦታ  ንዝርከቡ ደጋፊ  ዘይብሎም  ጽጉማት፡  ዝተፈላለየ  ዓይነታዊ  ሓገዛት  ከምዝገበረት  ብኢሜይል  ኣድራሻና  ዝመጽአና ሓበሬታ ተፈሊጡ።

Add a comment

ኢትዮጵያስ መንግስትን ሕግን ኣሎዋ። ንሕናኸ?

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብመራኸቢ ብዙሓን ውሑድን ብዙሕን ክዝረብ ከምዝቐነየ ኩልና ዝተኸታተልናዮ ጉዳይ ኢዩ። በብዕለቱ ንዘጋጥም ዝነበረ ፍጻሜታት ካብ ምትሕልላፍ  ክሳዕ ንባህርያት ናይቲ ሓፈሻዊ ተርእዮ ኣብ ምትንታን በብዓይነቱ መግለጺታት ክቐርብውን ተዓዚብና። ብፍላይ ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣለና ዝብሉ ዝተፈላለየ ጥሙሕ ዘለዎም ካብታ ሃገር ወጻኢ ዘለዉ ሸነኻት ነቲ ነገር በብዝመሰሎም ክትንትኑዎ ተስተውዒሎም’ዮም።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ኴንካ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብንጹር ንኽትፈልጦ ስለዘሸግር ዝተወሰነ ትዕግስትን ምስትውዓልን ዝሓትት’ዩ ኔሩ። ከምኡ ክኸውን ዘግበሮ ሓደ ምኽንያት ድማ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕጋዊ ሕቶታት ንዕኦም ብዝጥዕም መርዛም ቃላት ጠምዚዞም እናኣቕረቡ ናብ ውልቃዊ ረብሕኦም ከውዕሉዎ ዝሃረፉ ውሽጣውያንን ግዳማውንን ጸላእቲ ጽዑቕ ጸረ ኢትዮጵያ ፕሮፓጋንዳ ይነዝሑ ስለዝነበሩ ኢዩ። ገለ ካብቶም ኣብ ግዳም ዝነብሩ ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን እሞ ከኣ ዝተፈላለየ ናይ ጨለነት ፖለቲካዊ ናይ ንግዲ ኣኼባታት ኣካይዶም ጅብኦም ብዶላር  ዘሕብጡሉ ኣጋጣሚ ረኺቦምዮም። እቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉሓላሉ ከኣ ኢዮም መሻርኽቲ ናይቲ ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ ሙዃኖም ብትዕቢት ክጃሃሩ ዝስምዑ ዘለዉ።

Add a comment

"ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ እንኮ ሃገር ኤርትራ'ያ፣" ፈረንሳዊ ምሁር ስነ ፖለቲካን ፍልስፍናን

Naufrage

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ እንኮ ሃገር'ያ ክብል ፈረንሳዊ ምሁር ስነ ፖለቲካን ፍልስፍናን ዶክተር ዣን ባፕቲስ ገለጹ።nእቲ፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዘዳለወን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከኣ ዝተፋለየ ኣህጉራዊ ዋዕላታት ዝወደበን ፈረንሳዊ ምሁር፣ Eryhtree: Un naufrage totalitaire (ኤርትራ፣ ዝጠሓለት መርከብ ውልቀ መላኺ) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዋ መጽሓፍ'ዩ ነዚ ገሊጹ። ንሱ ኣብ መቕድም ናይቲ መጽሓፍ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ብምጥቃስ ኣብ ዓለም ከኣ ሰሜን ኮርያ፣ ቻይና፣ ቬትናም፣ ላኦስን ኩባን ጥራይ ምዃነን ኣዘኻኺሩ።

Add a comment

ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ወተሃደራዊ..................

ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ወተሃደራዊ ታዕሊም ከውስዱ ኣብ ምድላው ካብ ዝነበሩ የመናውያን ብፈጠርቲ ራዕዲ ከም ዝተጠቕዑ ተገሊጹ።

Add a comment

ህዝባዊ ራእይ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ሰባት ይሓቁፍ፡

ከም’ቲ  ኩሉ  ዘብለጭልጭ  ወርቂ  ዘይኮነ፡  ኩሉ  ኣንጻር  ምልካዊ  ድዩ  ፋሽሽታዊ  ስርዓት፡  መሰረታዊ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ  ስርዓት  ንምምጻእ  ይቃለስ  ኣለኹ  ዝብል  ፖለቲካዊ  ውድብ፡  ሓቀኛ  ህዝባዊ  ደሞክራስያዊ  ባህሪ ዝተላበሰ  ከምዘይኮነ፡  ምሁራት  ፖለቲካዊ  ስነ-ፍልጠት  ብኣብነት  እናደገፉ  ይምህሩ።  ሓሳቦም  ምስ  ተግባሮም ምጥዕዓም  ስኢኑ  እናተላተመ  ንቕድሚት  ምስጓም  ከሊእዎም፡  ኣብ  ናይ  ታሪኽ  ጎሓፍ  ወዲቖም  ነበረ  ዝኾኑ ፖለቲካዊ  ውድባት’ውን  ውሑዳት  ኣይኮኑን።  ብኣንጻሩ  ቅኑዕ  ህዝባዊ  ራእይ  ዝወነኑ፡  ሓሳብ  ብተግባር ተርጒሞም  ዝተበገስሉ  ዕላማ  ኣብ  ሸቶኡ  ዘብጽሑ  ኣብነታውያን  ፖለቲካዊ  ውድባት  ምህላዎም’ውን  እቶም ናይ  ፖለቲካ  ተመራመርቲ  ይሕብሩ።

Add a comment

ዯባይ ኣሃደታትና ኣብ መዕጥር ዕዉት ወትሃዯራዊ ስርሒት ኣካይደ።

ብዉፉያት ዯባይ ኣሃደታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ኣብ መዕጥር ዕዉትወትሃዯራዊ ስርሒት ብምክያድ፡ ሓላፊ ምርመራ ቤት ማእሰርቲ ምስ ብጾቱ ብከቢድቖሲሎም እታ ዝጥቐሙላ ዝነበሩ ወትሃዯራዊ ማኪና ቶዮታ ፒክ ኣፕ ተቓጺላ።
መዕጥር ኣብሰሜናዊ ሳሕል ዝርከብ ሓውሲ ምድረ በዳ ስለዝኾነ፡ ህሮሩማ ጸሓይን ብርቱዕ ሙቐትንዘለዎ ኣዝዩ ንጹል ቦታ እዩ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ዝርከብ ሚስጥራዊ ቤት ማእሰርቲ፡ ብቤትጽሕፈት ፕረሲዯንትን ብፍሉያት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን  ጥራይ ይ
መሓዯር።
ንዝርዝራቱ ኣብ ቀጻሊ።
ክፍሊ ዜናን ባህልን፣ ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ www.erifront.com 

Add a comment

ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ብሽክለታ ኣብ ኣሜሪካ ከም ዝተሰወረት ተገሊጹ

ካብ  2-5  መስከረም  2016  ኣብ  ኣሜሪካ  በርሊንግተን  ኣብ  ዝተኻየደ  ቅድድም  ብሽክለታ  ማለት  ግሪን ማውንተይን  ኤርትራ  ወኪላ  ንምስታፍ  ዝኸደት  ስፖርተኛ  ብምጥፋኣ፡  ፖሊስ  እታ  ከተማ  ስእሊ  ናይ’ታ ስፖርተኛ ዘርጊሑ ይደልያ ከም ዘሎ ረድዮ ኤረና ብ8 መስከረም 2016 ሓቢራ።

Add a comment

እዝጊ ይምሓርካ ዘይበሃል ሕማም!

 “ሸውዓተ ዓመተይ ምስ’ዛ ቋሕማም፡ እዝጊ ይምሓርካ ዘይበሃል ሕማም!” ዝበሎ ኣዝማሪ፡ ንከምዚ ሎሚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ሕዱር ሕማም ይመሳሰል። ሕማቕ ዘመንሲ፡ በዓል ጋዕሳ ኣለዋ። ኣንቱምሰባት! ጽንሕ ኢልና’ኸ እንታይ ኢና’ኾን ክንርኢን ክንሰምዕን?  እዚሎሚኣብዲያስፖራብዘለዉኣዝዮምውሑዳትተቓለስቲመሰልመንእሰያትዝካየድዘሎኣዕናዊተግባራትዘየዛርብኣይኮነን።ንስርዓት ኢሳይያስ፡ ክዳን ህግደፍ ለቢሶም ካብ ዝሰርሑሉ ዘለዉ፡ እንተስ ብፍላጥ፣ እንተስ ብዘይ ፍላጥ፡ እቶም ናይ ተቓወምቲ ማልያ ተኸዲኖም ዝሰርሑሉ ዘለዉ የኽስብዎ። ምኽንያቱ ፖለቲካ ህግደፍ ን25 ዓመታት ከም ብዕሪር ተሓይኹ ስለዝኣረገ፡ ሎሚ ብስም ህግደፍ ልመናን ትኳቦን ኣብቂዑ ኢዩ።

Add a comment

ኣገዳሲ ሓቤረታ ንደለይቲ ፍትሒ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ  ጨንፈር ስዊዘርላንድ ንዕለት 01/10/2016 ብላዕልዋይ ኣመራርሓ ዞና ኤውሮፓ ግሃድኤ - ሕድሪ ዝምራሕ ህሉው ኩነታት ውድብን ሰራዊትን ዝምልከት ሰፊሕ መብሪሂ ክህቡ ስለዝኮኑ፡  ኣብዚ ኩፉት ህዝባዊ ሰሚናር እዚ ኩሉ ጉዱስ ደላይ ፍትሒ ንኽሳተፎ ብክብሪ ንዕድም::
ዝጅምረሉ ሰዓት: 13:00 ድ/ቀ
ንገብረሉ ኣድራሻ ኣብ: ሉዘርን
Hinter Listrig 1
6020 Emmenbrucke
ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ቁጽሪ ተለፎን ምውካስ ይካኣል:-ኪዳነ 0041765035270
ተከስተ 0041765935119
ባህልቢ 0041786841328
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
12 / መስከረም / 2016

Add a comment

ቃል ሓዘን

ብጻይና ገዲም ተቓላሳይ እስማዒል ሱለማን ኣሕመዲን ኣብ መበል 62 ዕድሚኡ ብዕለት 29 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ኑርንበርግ  ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ብጻይ እስማዒል ኣሕመዲን ለዋህ፡ መትከላዊ፡ ውፉይ፡ ዝተዋህቦ ዕማም
ብግሉጽነት ኣብ መዕለቢኡ ዘብጽሕን፡ ናይ እንካን ሃባን ተውህቦ ዝነበሮ አዝዩ ፍቱውን ክቡርን ዝነበረ ብጻይ እዩ። አብ ኩሉ ንጥፈታት ውድብ ብሓፈሻ አብቲ ደሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰያት አብ ሃገረ ጀርመን ዝነበሮ ልሉይ ዓስተዋጽኦ
ብፈተውቱን ብጾቱን ንዘለ ኣለም ክዝከር ዝነብር ክቡር ብጻይ እዩ።

Add a comment

ፈስቲቫል ካስል ሎሚ ' ውን ከም ወትሩ መናሃርያ ደለይቲ ለውጢ እምበር፣ ሜዳ ቀተልቲ ብን፣ መጋለቢ ኣፍራስ ጃንዳ ህግደፍን ኣይኸውንን!!

እዚ ኣቲናዮ ዘሎና እዋን ወይ ድማ መድረኽ፣ መድረኽ ተቓላላዕ ኢዩ፣ ኣብ ዘለዋ ናይ ብዙሃን መራኸቢ ዝበሃልን ዝስማዕን ዘሎ ቁም ነገር ሓዘል ዕላልን፣ ንታሪኽ ዝምልከት ገለጻታትን፣ ሓበሬታትን ብዙሕ ኢዩ። እዚ ብሓቂ ጽቡቕ ዕድል ኢዩ፣ ሓሳባት እንተ ዛርዩ፣ ሓበሬታት እንተበዚሑ መፍትሒ ናይ ሽግርና እውን ክርከብ ይከኣል ኢዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ።

Add a comment

ናይ ሓዘን ተኻፈልቲ

ብሞት ሓውና እስማኤል ኣሕመዲን ሱለማን። ምስ ሰማዕና ብዙሕ ጋሂ ተሰሚዑ ና ። ሞት ንነፍስወከፍና ዘይተርፍ እካ እንተኾነ ። ምሕማሙ እውን ሰለ ዘይሰማዕና ሃንደበት ስለ ዝኾነና ኣዚና ኢና ሓዚንና። እንበኣርከስ ንሓውና እስማኤል ኣሕመዲን ሱለማን መንግስተ ሰማይ የዋርሶ። ንስድራቤቱን መቅርቡን ፈተውቱን ብጸቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ሚካኤል ኣጎስቲኖ ፍረወይኒ ባይረ

Add a comment

ጋዜጣዊ መግለጺ!!

ስልፊ ጉባኤ ኤርትራ(ስትራተጂ ዓዲ) ንAባላቱ ይኹን ንሰልፉ ድሕር ከይበለ ከምዝከላኸል ንደለይቲ ፍትሒ የፍልጥ። ብመንገዲ ፓልቶክ AብልEሊ Aባል ሰልፊ ጉባኤ ኤሪትራ(ስትራተጂ ዓዲ) ወሪዶም ዘለዉ ክስታት ከበድቲ Iዮም። ከምU ስለዝኮነ፡  ምንጭታት  ናይቶም  ክስታትን፡  ነቶም  ተሰንዚሮም  ዘለዉ  ክስታትን ከጽንE ስልፍና ሓላፍነት ኣለዎ። ከምU ስለዝኾነ ድማ ብውሽጣዊ Aገባብ ሰልፍናን መስመራት ሰልፍናን ሓቅነትን ዘይሓቅነትን ናይዞም ክስታት መጽናEቲ ክንገብር
Iና። ውጽIት መጽናEትና ንደለይቲ ፍትሒ ከነፍልጥ Iና። ክሳብ ሽU ግን ብትEግስቲ ተጸበዩና።

Add a comment

በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምክንያት መበል 55 ዓመት ሐደ-መስከረም ምጅማር ብረታዊ

 ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላልዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክገዝእዎ’ኻ እንተጸንሑ ንመግዛእቶም ኣሜን ኡሉ ተቀቢሉዎ ኣይፈልጥ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሕንብርቶም ኾይኑ ዝተፈላለየ ናይ ተቃውሞ ቃልሲ ከካ ካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ምረት መግዛእቶም እናከፈኤ ምስ መጸ ብዝርዳኦም ቃንቃ ቃልሲ እንቢታኡ

Add a comment

ካብ ተሃድሶ ቦናፓርቲዝም ናብ ተሃደሶ ፀቢብነት፤ ወድዓውነት ዶ ወይስ መኣዝን ምስሓት?

ውድባት  ብፍላይ  ከኣ  ገዛእቲ  ውድባት  ኣብ  ምዕባለ  ፓለቲካዊ  ጉዕዝኦም  ፈተንቲ መድረኻት  ክገጥምዎም  ከለው  ውሱን  ወይከኣ  ሙሉእ  ምትዕርራያት  ክገብሩ  ግድን  እዩ፡፡ ሙሉእ  ምትዕርራይ  (ተሃድሶ)  ወይ  ውን  ውሱን  መጠነኛ  ለውጢ  ክሳለጥ  ዝውስን  ከኣ  እቲ ዘጋጥም  ነቲ  ፓርቲ  ንቕድሚት  ከይኸይድ  ዝሓንቕ  ማሕለኻ  ይኸውን፡፡  ምናልባት  ኣብ ቀፃሊ  ምርመራን  ፈተነ  ጥዕናን  ዝርከቡ  ውድባት  ነገራት  ኣቐዲሞም  ምስ  ዝሪኡ፤  መስርሕ ፓለቲካ  ዝመርሕዎ  ፖለቲካል  ቁጠባ  ኣዝዩ  ፈታኒ  ዝኾነ  ሳዕቤን  ከይፈጠረሎም  ፀገማቶም ሰለዘማእዝኑ  በበግዚኡ  ተመለላእቲ  ለውጥታት  እንዳምፅኡ  ይቕፅሉ፡፡  ብኻልእ  ገፅ  ከኣ በበግዚኡ  ዝፍጠሩ  ፀገማት  ከይተፈትሑ  ብምትራፎም  ምንቁልቃል  ኣንሳዕሪሩ  ንህልውና
ውድብን  ዝመርሕዎ  ሕ/ሰብን  ፈታኒ  ምስ  ዝኸውን  ናይ  ግድን  ናብ  ተሃደሶ  ክኣትዉ ይግደዱ፡፡

Add a comment

ዕድመ ተሳታፍነት ናብ ህዝባዊ ሰሚናር ደንቨር ኮሎራዶ

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ- EUDC) õሕማምና ቀሊዕና ፈውሲ ነናዲብሓድሽ ናይ ቃልሲ ወኒ ህግደፍ ነንዲ!"ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ደንቨር- ኮሎራዶ ኣብ እነካይዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ዘተ መድረኽ ንኽትሳተፉ ብኣኽብሮት ንዕድመኩም፡፡  እዚ ዓውደ ዘተ ንቐዳም ዕለት 01 ጥቅምቲ- 2016 ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዕላማ ናይዚ ዓውደ ዘተˆዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ቓልስና ንምፍታሽ፡ ሕጽረታትና ንምምልላይን፡ ንዕኡ ዝበቅዕ መፍትሒ ንምቕማጥን እዩ፡፡

Add a comment

ኣፈታትሓ ግርጭት መሰረትን መሪሕነትን ኣይመርጽን።

ዓለምና ብመሰረቱ መድረኽ ቃልሲ ስለዝኾነት ንፍሉይን ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝጠልብን ዕላማ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ዕለታዊ ናብራኻ መሊኽካ ንኽትነብርውን እንተኾነ ዓቕምኻ ብዝፈቕዶ መጠን ዘዋጻኣካ መገዲ መሪጽካ ኢኻ ንናይ ሂወት ብድሆታት
ክትሰግሮ  እትጽዕር።  ውልቃዊ  ወይከኣ  ስድራቤታዊ  ሓላፍነት  ስለዘለካ  የዐውተኒ  ብዝበልካዮ  መገዲ  ትጓየ።  ጸገማት እንተኣጓነፈካ ከኣ ኣማራጺታት ተናዲ። ሓላፊ ስድራቤት እንተዄንካ ኩሉ ግዜ ምስ ስድራኻ እናተማኸርካ ትሰርሕ። ኣድላዪ
ምስዝኸውን ድማ ንትኣምኖም ካልኦት ተወኪስካን፡ ካብ ተሞኩሮኦም ተማሂርካን ዝሰማማዓካ ኣማራጺ እናወሰድካ መጻኢኻ ተማዓራሪ።  ሂወት  ከምኡ  እናበለት  ትቕጽል።  ብሓጺሩ  ናብራኻ  ህልውናኻ  ስለዝኾነ  ኣይከኣልኩን  ኢልካ  ተቋርጾ  ጉዳይ
ኣይኮነን። ኣሚንካ ዝተሰለፍካሉ ዕላማ ንምዕዋትውን ብመንጽርዚ ዝርኤ ተወፋይነት ዝጠልብ ኢዩ።

Add a comment

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ብምሕሳም መግቢ ዝጀመረ ሕቶኦም ናብ ኣብ ቃልዕ ምሕዳር ተሰጋጊሩ!!!

ኣብ ሆለት ዝተባህለ ቦታ መሬት እስራኤል ብዘይገበን ተዳጉኖም ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ትማሊ ባሕቲ ምስከረም 2016 ብሰሪ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ክግበረሎም ዘለዎ ናይ ቦታ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ብምጥላቦም ን4 መንእሰያት ካብኣታቶም መላዓዓልቲ ብዝብል ክሲ፡ ንገለ ካብ ተቖጻጸርቶም ዝኾኑ እስራኤላውያን ብህግደፋዊ ሽርሒ ብምድላል ፖሊስ እስራኤል ካብ ብጾቶም ፈልዮም ከምዝወሰድዎም ካብ እቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ፡፡ እቶም ስደተኛታት ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ትሕቲ ክፉት ቤትማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ተዘሪዖም ዝርከቡ ኤርትራውን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፡ ኣብ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ዕራርቦ ጀሚሮም ኣብ ሩሱን ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝርከቡ ካብ እቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ንጹር ሓበሬተ የብርህ፡፡

Add a comment

ሽላ ጥልመት

ኣደራዕ ባርነት ምልኪ ናይ ባዕዳውያን
ኣብ ገዛእ መሬትና ኣብ ዘንጠጠየሉ እዋን
መታን ከጥዕምና
ምታን ክርህወና   
ምረት ገድሊ ከምዉሁብ ወሲድካ
ገንሽል ፍትሓውነት በረኻ ሰፊርካ
ዘምጻእካዮ ሰላም ዝኣወጅካዮ ናጽነት
ሽላ መንጢሉና ሽላ ጥልመት ክሕደት፡፡

Add a comment

ተስፋ ዝቖረጸ ስነ-ኣእምሮ ሓቢርና ንጥፋእ ይምነ

መግለጺ  ቅኑዕ  ኣስተሓሳስባ፡  ፖለቲካውን  ማሕበራውን  ብስለት  ልክዕካ  ምፍላጥ’ዩ።  ልክዕካ  ዘይምፍላጥ  ብዙሕ ንህይወት  ኣብ  ሓደጋ  ዘውድቕ  ሕማማት  ተሰኪምካ  ምጉዓዝን’ዩ።  ልክዑ  ዘይፈልጥ  ፍትሓውን  ዝዕወት ሕልምታትን የብሉን። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሚዛናዊ ርእይቶ ክሕዝ ኢልካ’ውን ትጽበዮ ኣይኮነን።

Add a comment

ሰናይ ክራማት እንዳ ኣሕለፈ ድርቂ ሓጋይ ዝጽበዮ ሕዝቢ

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣጥሚኻ ግዛእ ዝመትከሉ ዓንዳሪ ኣካይድኡ ግሁድ ብምግባር፡ ነዚ ዝቕጽል ዘሎ ጽቡቕ ክራማት ፍረ ንኽርከቦ  ንሓረስቶት  ሃገርና  ኣብ  ክንዲ  ምትብባዕ  እሞ  ብኡ  ኣቢሉ  ብበረኸት  ሕርሻ  ንህዝብና  ዘረጋግእ  እቶት  ዝኽዕብትን
ብኡ  መንጽር  ድማ  ዕዳጋታት  ሃገርና  ኣብ  ምርግጋእ  ተርኡ  ዝጻወትን፡  ብምኽንያት  ካብ  ኣባል  ስድራቤት  ሓረስቶት  ሃገርና ስግረ-ዶብ ከይድኩም ዝብል  ጸቓጢ ምሕደርኡ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገጠራት ሃገርና ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ምቕዳሮምን
ምሕዳሮምን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

Add a comment

መበል 55 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ...............

መበል 55 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ከነብዕል እነከለና፡ ህዝባዊ ቃልስና ከመይ ጀሚሩ ከመይከ ተጓዒዙ እንታይ ውጽኢ’ከ ኣምጺኡ ተመክሮ ክንወስደሉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

Add a comment

ኣዯ ብዙሓት ብሄራት ዝኾነት ሃገርና ብሓዯ ብሄር ይኹን ብሓዯ ሃይማኖት ኣይትዕብለልን

ሃገርና  ኤርትራ  ኣዯ  ብዙሓት  ብሄራትን  ሃይማኖታትን  ሃገር  እያ።  ኣብ  ታሪኽ  ናይ  ሃገራውነት  ይኹን ኣብ  ታሪኽ  ቅድመ  ሃገርነት  ከኣ  ኩሎም  ሃይማኖታትን  ብሄራትን  ብሓባር  ኮይኖም  ጸረ  ናይ  ሓባር ባዕዳውያን  ጸላእቲ  ዯኣ  ክቃለሱ  ጸኒሖም  እምበር  እቲ  ሓዯ  ተኻላኻልን  ተሓላቕን  ሃገር  እቲ  ካልእ  ከኣ ከም ካልኣዊ ዜጋ ተቆጺሩ እቲ ካልእ ብዝመጠወሉን ብዝዓቀነሉን ክኸይድ ዝጸንሓሉ ኩነታት የለን።

Add a comment

ባይቶ? ናይ መን? ብመን ዝተመረቐ ባይቶ?

ንዝብኢ እናተዋጋእና...  ውኻርያ ከይተዘንግዓና ንጠንቀቕ ብሂል ብምቕጻል እምበኣር.. ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ኢትዮጵያን ዓንገልቱ ገበትትን ንምሕካኽ ኤርትራውነት ዘይተጣበብዎ ኣይነበረን፡ ሓደ ካብቲ ሰላሕታን ስዉርን ውዲታት ከኣ ንኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ኣጻሚድካ ምውላድን ምፍራይን እዩ ነይሩ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ መጀመርያ ሙቛም ባይቶ ኤርትራ ዘተኣታተዎም ሰሱዓት ምስ እቶም ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝተዋለዱን ዝተወሃሃዱን ደማሚሩ ንዓወቱ ከም ጭብጥቲ ይግበራን ይሕለማን ድኣ እምበር ኣብቲ ምብጋስ ወፍሩ ዘይተጸበዮ ርትዒ ተረቲዑ።

 

Add a comment

እዝጊ ይምሓርካ ዘይበሃል ሕማም!

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ክረክብ እንተኾይኑ ድማ፡ እዚ ስርዓት እዚ ካብ ሰራውሩ ክብርቆቕ ኣለዎ።  ከምቲ ወሓለ ሰበይቲ፣ ‘ኣይቡቕለይ ኣይግለተይ’ ትብሎ፤ እዚ ስርዓት እዚ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራን ንሰውራ ኤርትራን፤ ኣይቡቕሉ ኣይግለቱ ኢዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ስርዓት እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ትግርኛ ዚዛረብ ጓና ኢዩ። ከምዚ ገርካ ፈላሊኻ ዘይምርኣይ፡ ንደምበ ተቓውሞ ናብ ግብ ዝበለ ጸልማት መንገዲ ሸሚሙዎ ይርከብ ኣሎ። ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፍልም 60ታት፡ 70ታት፡ 80ታትን ተስዓታትን  ክሳብ ሎሚን ነናቱ ፋይላት ኣለዎ።

Add a comment

ጻሓፍቲ ኣይትረብርቡ

ጻሓፍቲ ኣይትረብርቡ

ተዛረብቲ'ውንተዛረቡ

እቲ ሓሳብ እንተ ተረኺቡ

ህዝቢ ካኣ እንተ ኣቃሊቡ

ክውስኽ ኢዩ ጠጥበቡ

ንምድሓን ንዝፈትዎ ህዝቡ   

Add a comment

መሰረት ሽግሩ ዝፈለጠ ህዝቢ ንምፍትሑ ይቐለሉ

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብቐዳምነት ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ፡ ብምቕጻል ዘለናዮ እዋን ንኤርትራውያን እቲ ዝተረረን ኣብ መዋል'ውን ተራእዩ ዘይፈልጥን ኢዩ፡ እዚ ብሃገራዊ ደረጃ ኣብ መላእ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ሽግር ስለ ዝነውሐ ካኣ ነቲ ውጽኢት ወይ መወዳእታ ናይ'ቲ ብረታዊ ቃልስና ክንምርምሮን ክንማራመረሉን የድሊ ኣሎ፡ ህዝብና ብረታዊ ቃልሲ ክጅምር ከሎ ነጻ ሃገር ሃሊዩና ኣብ ባዕልና እንውንና ሃገር ብሰላምን ቅሳነትን ክንነብር ካብ ዝብል ኢዩ ኩሉ ከፊሉ ነጻ ሃገር ጌሩ፡ ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ዝተኸፍሎ ናጽነት ከምቲ ንደልዮ ከይኮነ ስለ ዝተረፈን ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ካኣ ኣብ ውረድ ደይብ ስለ ዝርከብን፡ መታን ጌጋ ክንደጋግም ከይንነብር፡ ነቲ ጉዕዞ ቃልስና ምልስ ኢልና ካብ መሰረቱ ምርኣዩ የድሊ ኣሎ፡

Add a comment

ኣብ ገዛ ፓልቶክ (paltalk) እንታ'ዩ ዝበሃል ዘሎ

እንቶ'ቲ  ጸርፍሞ  ዝገደፍና  የብልናን  እተን  ኣሓ  ግን  ከይደን  ኢየን  በለ  ከብቱ  ዝተዘምተ  ጓሳ።   ሽፍታ ኣዳህሊሉ ክዘምት ንቡር ኢዩ። ንመዋእል ዘዋህለልካዮን ዘጥሬኻዮን ክዘምተካ ዝነብር እንድሕሪ ኮይኑ ግን ኲኖ መረረን ጸርፍን ክትከይድ ከምዘይትኽእል የዐርዩ ስለዝፈለጠካ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

Add a comment

ርሑስ ድርብ በዓላት ይግበረልና

ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ የውሃንስን (11.09.2016) ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣልሙባረክን (12.09.2016)፣ ንኹላትኩም ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ትቃለሱ ዘለኹም ኤርትውያን ሓርበኛታትን ስድራቤትኩምን፣ ከምኡ‘ውን ንመላእ ህዝብናን፣  ምስ ኩሎም ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ኣብ ዓለም፣ እንቋዕ ናብ`ዚ ክቡር ድርብ በዓላት‘ዚ ኣብጻሓና ብምባል፣ ርሑስ በዓላት ክገብሮን፣ ኣብ ሃገርና ድማ ዘመነ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ንክሰፍንን፣ ዝመጽእ ዘሎ በዓላትና ምልኪ ለጊሱ ፍትሕን ዲሞክራስን ነጊሱ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከነብዕሎም፣ ብስመይን ብስም መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ  ልባዊ ምንዮተይ ከመሓላልፍ ደስ ይብለኒ።

Add a comment

ብምኽንያት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ፤

ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ባብ ፍሉይ ምዕራፍ ታሪኽ’ያ፡፡ ነጻን ሉኣላውን ፖለቲካዊ ውሳኔ ህዝብታት ኤርትራ ንምውሓስ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተኻየደ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ኣወንታዊ ምላሽ ተነፊጉ፤ ሃገርና ኣብ ትሕቲ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ብፌዴረሽን ክትቁረን ተፈሪዳ፤ ኣብኡ ጥራሕ ደው ኣይበለን፤ ውዑል ፈደረሽን'ውን እናፈረሰ ከደ። ነዚ ኢ-ፍትሓዊ ውሳነ’ዚ ንምዕጻፍ፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ካብ መድረኽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ናብ በሊሕ ጎነጻዊ ቃልሲ ክሰጋገር ግድነታዊ ኩነት ፈጠረ፡፡ ስለዝኾነ ድማ፡ ባሕቲ መስከረም 1961 ንባህጊ ህዝብታትና ዝገሃሰ ውሳነ ንምዕጻፍ፡ ኣብ ታሪኽ ሰውራና ሓድሽ ምዕራፍ ዘግሃደት፡ ብትእምርቲ ቃልስን ጽንዓትን እትምሰል ቦኳር ዕለት’ያ፡፡

 

Add a comment

ኣብ በርሊን ዝተኻየደ „ዘተ“ ብጉዳይ ኤርትራ

መኽፈቲ ኣኼባ ብኣደ መንበር ማሕበር (Deutsche Afrika Stiftung e. V. ) ወይዘሮ ኡሺ ኣይድ ሰላምታ ንኣጋይሽ፡ ኣቶ ጊዮርጊስ ተስፋሚካኤል፡ ኣቶ ዖስማን ሳልሕ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ሰላምታ ንተሳተፍቲ መድረኽ ዘተን፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ብሓፈሽኡን ወይዘሮ  ኡሺ  ኣይድ  1998–2005  ሓላፊት  ጉዳያት  ኣፍሪቃ  ኮይና  ጉዳይ  ኤርትራ  ትውክል  ስለ  ዝነበረት፡  ናይዚ  ግዜ  እዚን ቅድሚኡ ዝነበረ ዝምድናታትን ብምዝካር ስምዒታ ገሊጻ  ነቲ ኣኼባ ከፊታቶ።

Add a comment

ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ከተማ ኡስተርሱንድ ሃገረ ሽወደን ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ።

ብዕለት27/08/2016 ካብሰዓት12:00 ክሳብ ሰዓት 16:00 ኣብኡስተርሱንድእትበሃልከተማካብስቶክሆልም  ኣስታት  520 ኪ’ሜተርሪሒቓእትርከብከተማኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናርከምዝተኻየደ  ካብ’ቲቦታዝበጽሓናሓበሬታ የነጽር። እቲ ህዝባዊ  ሰሚናር፡ ሃገራዊጉዳያትኣልዒሉ ካብ ዝዘተየሎም አርእስትታት፡ ሃለዋትውድብግሃዳኤ-ሕድሪብፍላይ፡ምንቕስቓሳትደንበተቓውሞድማብሓፈሻዘሎህሉውኵነታትብዝርዝርምግላጹ ካብቲ ኦታ ዝመጸና ዜና ይሕብር።

Add a comment

ባይቶ? ናይ መን? ብመን ዝተመረቐ ባይቶ?

 ምስ ዝብኢ እናተዋጋእና...  ውኻርያ ከይተዘንግዓና ንጠንቀቕ ብሂል ቻይናዊ ማኦ-ዚዶንግ ኣብዚ ንዓና እውን ምስ እክብካብ ሸፋቱ እንምክተሉ ዘለና እዋን... ብኢደ ዋኒኖም ካብ ስርዓት ኢትዮጵያ ተመዊሎም ተቐላቦ ኮይኖም ዘለዉ ሓታቲ ወይ ወካሊ ዘይብሎም.. ሓንሳብ ኪዳን.. ዕጥራን ሓንሳብ ባይቶ... ሎዃዂቶ ተጸዊዖም ብስም ወጽዓ ህዝቢ ተመኽንዮም ዝኮሓሐሉ ዘለዉ ጎሓሉታት... ከምቲ ቀዳሞ ኣንድነታውያን ን ኣቦታትና ዘገርህዎም እዚኦም ከኣ ንዓና ከየገርሁና ዝትደራረበ ጥንቃቐ ክንገብር ናይ ግድን እዩ።

Add a comment

ናይ ካልእ ሃገር ዜግነት ብምግዛእ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት

እሙናት   ውሃበቲሓበሬታግሃድኤ-ሕድሪ ካብዝተፈላለየቦታታትኤርታራከምዘረጋገጹልና ካብእቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያትካብኤርትራናብስደትክወጹዘይከኣሉዜጋታትናግንከኣሩኡይጽልኣትኣብምሕደራ ስርዓትህግደፍዘለዎምብፍላይደቂተባዕትዮመንእሰያት፤ ናይዝተፈላለዩኣብኤርትራዝርከቡናይተቓዉሞ ሓይልታትኣባልነትመንቀሳቐሲወረቐትብኣዝዩኩቡርዋጋማለትካብ15,000ናቕፋ ክሳብ20,000ናቕፋ ብምኽፋልናይኣባልነትካርዲሒዞም ዝንቀሳቐሱምህላዎምተርጋጊጹ፡፡

Add a comment

ተጋዳላይ መምህር ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ .....................

ተጋዳላይ መምህር ሙሓመድ ኑር ኣሕመድ ፡ ተሳንኻ ምንባር ካብቲ ኤርትራውያን ዝልለየሉ ባህርያት ሓደ  እዩ፣ ኣብነታቱ ድማ እኖሆ፦ኣብ መዳ ሃገረ ኤርትራ ፣ ነቲ ርብዒ ክፍሊ ዘመን ዝወሰደ ፣ ገታኢ ዕንቅፋታት መዋጽኦ ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ጽዑቅ ምምይያጥ ይካየድ ኣሎ ። ነቲ ኣብዚ እዋን ተረኺቡ ዘሎ መራኸቢ ሕብረተሰብኣዊ መስኖታት ድማ፣ ኤርትራዊያን ኣብ ገደብ ኣልቦ ፖለቲካዊ መስኖታት ቀይሮም ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብደምን ራሃጽን ንብዓትን ዝነደቆ ሓድነት ህዝብን  መሬትን ፣ ዘተኣማምን ፍታሓት ንምንዳይ ዝጥቀሙሉ ናይ ምምይያጥ መራኸቢ ሞስኖታት ገሮምዎ ኣሎዉ ።

Add a comment

ባሕቲ መስከረም - ትእምርቲ ርችት ሓርነት’ያ

ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእታዊ ኣርዑት ተሓሪሙ ኣብ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ባሕቲ መስከረም 1961 ፍሉይ ታሪኻዊ ተዘክሮ ኣለዋ። ህዝቢ  ኤርትራ  መጻኢ  ዕድሉ  ባዕሉ  ናይ  ምውሳን  መሰሉ  ንዝኾለፉ  ባዕዳውያን  ገዛእትን  ኢድ  ምትእትታው  ዓንገልቶምን  ኣረብሪቡ ንክስዕሮም፡  ፈላሚት  ርችት  ዕጥቃዊ  ቃልሱ  ዝተኮሰላ  ክብርቲ  ዕለት  ስለዝኾነት።  ነቶም  ሰላምን  ሰለማዊ  ፍታሕን  ዕጭ-ሓንፊፎም፡  ሓውን
ዓረርን  ዝቋንቆኦም  ገዛእቲ፡  በቲ  ብሕታዊ  ዝመረጽዎን  ዝስቆሮምን  ቋንቋ  ንከወግዶም፡  ናይ  ዕጥቃዊ  ቃልሱ  ንቕሎ(ንሓርነት)  ዝተበሰረትላ ዕለት  ስለዝኾነት።  ህዝቢ  ኤርትራ፡  ካብ’ቲ  ዝነበሮ  መሪር  ናይ  ቃልሲ  ቁጥዐ  ተበጊሱ  ከኣ፡  እቲ  ነዊሕን  መሪርን  ቃልሱ  ዝሓተቶ  ኩሉ  ዋጋ ብምክፋል ከይተሓለለ ተቓሊሱ፤ ንባዕዳዊ መግዝእታዊ ኣርዑት ሰባቢሩን  ልእላውነት ኤርትራ ክውን ገይሩን = ብ24 ግንቦት 1991።

Add a comment

ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘይተገርሐ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ዕንቅፋት ናይ ሓቀኛ ለውጢ’ዩ።

ፖለቲካዊ  ውደባ፡  ቅድሚ  ኣካላዊ  ግዝፉ  ናይ  ሓሳብ  ብልሑ’ዩ  ክረአን  ክምዘንን  ዘለዎ።  ምኽንያቱ  ፖለቲካ፡ ብብዝሒ  ሰባት፣  ብዝሕን  ዓይነትን  ኣጽዋር  ኲናት፣  ዝተደለበ  ሃብቲ፣  ኣካዳሚያውን  ሞያን  ጸብለልታ፣ ብድሌት  ወይ  ግዝያዊ  ስምዒት  ጥራሕ  ኣይዕቀንን።  ኣይግባእን  ድማ።

Add a comment

ብምኽንያት መበል 55 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደ.ግ.ሓ.ኤ)፡

 ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፣ ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ምውላዕ ሽግ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ንመበል 55 ዓመት ክንዝክር እንከለና፡ ምዕራፍ ህዝባዊ ቃልስና ከመይ ጀሚሩ ከመይከ ተጓዒዙ፡ እንታይ ውጽኢት’ከ ኣምጺኡ፡ ብሕጽር ዝበለ ክንርእን፡ ካብኡ ናይ ጅግንነትን ሓርበኝነትን ኣወንታዊ ተመክሮ ክንወርስ፣ እቲ ኣብ ድሕረት ተሸኺልካ ንድሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕማማት እናሳወርካ፡ ነንሕድሕድካ ኣብ ምንጽጻግን ምውድዳራትን፡ ሜዳ ኤርትራ መን በሓተ ቅንጻላታትን ኲናት ሕድሕድን፡ ብትምክሕትን ጽበትን ዝተላዕጠጠ ጸረ-ደሞክራስን ሓድነትን ዝኾነ ኣካይዳን ኣሉታዊ ተመክሮታቱ ኣብ ምወጋድ  ክንሕይል ከም ዘለና እናዛኻኸርና ኢና እዛ ታሪኻዊት መዓልቲ እዚኣ ከነብዕላ  ዝህልወና።

Add a comment

ናይ ህግደፍ ዲፕሎማሲ ኣብ ማዕርነት፡ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዘይኮነስ፡ ኣብ ዓመጽን ፖለቲካዊ ምንዝርናን ዝተሰረተ’ዩ።

ዝኾነት  ሃገር  ኣብ  ውሽጣዊ  ጉዳያታ  ቅኑዕ  መርሆ  እትኽተል  ምስ  እትኸውን  ምስ  ናይ  ቀረባ  ጎረቤት፡  ዞባውን ዓለማውን   ደረጃታት  ዝርከቡ፡  ህዝብታትን  መንግስታትን  እትኽተሎ  ናይ  ወጻኢ  ቅዋም፡  ሃገራዊ  ረብሓኣ
ማእከል ገይራ፡ ኣብ ማዕርነት፡ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታውን መሰረት  ዝገበረ  ክኸውን  ውሁብ  ነገር’ዩ።

Add a comment

ዳግመ ርእይቶ ዘድልዮ ስጉምቲ

ኣብ  ሓደ  ካባቢ  ዝነብሩ  ህዝብታት፡  ትውልዳዊ፣  ታሪኻዊ፣  ባህላዊ፣  ሃይማኖታዊ፣ዝምድናታቶም  ከይሃሰሰ፡  ከይተበትከ ጎረባብቲ  ኮይኖም  ክቕጽሉ  ዝኾነ  ፍቓድ  ዘይድልዮ  ባህሪያዊ  ትዕድል’ቲ’ዩ።  እዚ  ሓቂ’ዚ  ኣብ’ተን  ሃገራት  ዘለው
መንግስታት  ይድለይዎ  ኣይድለይዎ  ቀጻሊ  ምዃኑ  ኣየካራኽርን።  መንግስታት  ዝምድናኦም  እንከመውቕ፡   ናይ ሚድያን ስነ-ጥበብን ምቖት ብምሃብ ዝያዳ ከረሳስንዎ ይኽእሉ።

Add a comment

ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣምለኽቲ ህግደፍን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ከም ዝተጋጨው ተገሊጹ።

ሓሎት  ተባሂሉ  ኣብ  ዝጽዋዕ  ጃማላዊ  መዳጎኒ  ማእከል  ተታሒዞም  ዝርከቡ  ኤርትራውያን  ስደተኛታት፡  ኣብ መንጎ  ኣምለኽቲ  ህግደፍን  ደለይቲ  ደሞክራስያዊ  ለውጥን  ብዝተፈጥረ  ምስሕሓብ  ኣበገስትን  ኣለዓዓልትን ዝተባህሉ  ኣርባዕተ  ሰባት  ብፖሊስ  እስራኤል  ከም  ዝተወስዱ  ቤት  ጽሕፈት  ዜናን  ባህልን  ግንባር  ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ2 መስከርም 2016 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

Add a comment

መሰረት ምዕባለ ሓንቲ ሃገር፡ ዝነቕሐ ሓፋሽ’ሞ

ንቑሕ ሓፋሽ ንምፍጣር ሓያል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ነካይድ። መግለጺ ንቑሕ ሓፋሽ ብዙሕ’ኳ እንተኾነ ብወሳኒ መልክዑ ግን፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ኣለልዩ ዝፈልጥ፡ ብግቡእ መሰሉን ግቡእን ዝተረደአ፡ ግቡኡ እናፈጸመ ንመሰሉ ዝቃለስ፡ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ዘጥረየ፡ ንሕግን ሕጋውነት ተጋዛኢ ዝኾነ፡ ልኡላውነት  ፖለቲካዊ  ስልጣን  ናይ  ገዛእ  ርእሱ  ምዃኑ  ዝተረደአ፡    ምዕቡል  ናይ  ስራሕ  ባህሊ  ዘለዎ፡    ንድሑራት ባህልታትን ልምድታትን ዝጽየፍ፡ ነገራት ብንቕሓት ገምጊሙ ኣብ መድረኽ ብዘተ ንምፍታሕ ዝጽዕር’ዩ።

Add a comment

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዙላ ዝርከቡ ዜጋታትና፡ብሰንኪ ሕማቕ ኣታሓሕዛ፡ ሞትን ምንጽልላው ሓዯጋ ሞትን የጋጥሞም ኣሎ።

ካብ ዕለት 13/04/2016 ኣትሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዙላ፡ ዝመጹ ሚኢትን ሓሰርተ ክልተን(112) መንእሰያት ዜጋታትና ፡ብሕማቕን ሰብኣውነት ዝጎዯሎ ኣታሓሕዛን፡ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ንስቓዮም መሊሱ ዘጋድድ፡ ብሰንኪ  እኹል
ሕክምና ዘይምርካብ፡ናብቲ  ቤት ማእሰርቲ ብዝኣተወ ተላባዒ ሕማም ውጽኣት፡ ዝኸበዯ ስቓይን  ምንጽልላው ሓዯጋ ሞትን ኣጋጢምዎም ኣሎ። እዚ ተላባዒ ሕማም ውጽኣት፡ ኣብ ውሽጢ፡ዓሰርተ(10) ማዓልታት ናብ ኩሎም እሱራት ብምልባዕ
ዒስራን ሸውዓተን (27) ሰባት በዚ ሕማም እዚ ተዳኺሞም ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከም ዝርከቡን፡ክልተ (2) ካልኦት ኣስማቶም ዘይበጽሓና ድማ፡ በቲ ሕማም ተሰኒፎም ከም ዝሞቱን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ።

Add a comment

ስርዓት ኢሳያስ ብስዑዲ ዓረቢያ..............

ስርዓት ኢሳያስ ብስዑዲ ዓረቢያ ንዝምራሕ ልፍንቲ፡ ወደብ ዓሰብ  ንወተሃደራዊ መዋፈሪ ክጥቀማሉ ምፍቃዱ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን የመንን ቂምን ቅርሕንትን ዝፈጥር ምዃኑ ተገሊጹ።
ፋሽሽታዊ  ስርዓት  ኢሳያስ፡  ብስዑዲ  ዓረቢያ  ዝምራሓ  ሃገራት  ኣዕራብ  ንየመናዊ  ምንቅስቓስ  ሑቲ  ንምዕጋት  ወደብ ዓሰብ  ንወተሃደራዊ  መዋፈሪ  ክጥቀማሉ  ምፍቃዱ፡  በቲ  ሓደ  መዳይ  ተጋላባጢ  ባህሪኡ  ዘርኢ  በቲ  ካልእ  ገጽ  ከኣ፡  ኣብ
መንጎ  ህዝብታት  ኤርትራን  የመንን  ብቐሊል  ዘይሓዊ  ቂምን  ቅርሕንትን  ዝተክል’ዩ  ክብል፡  ማእከላይ  ሽማግለ  ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ሰ.ደ.ግ.ኤ) ኣብ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ሓቢሩ።

Add a comment

ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ህዝብታት ኤርትራን ንምድንጋርን ዝተኣልመ ውዲት፡ ብስዕረት ሃንደስቱ ህግደፋውያን ተዛዚሙ።

ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብእንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ክትምርምር ዝተመዘት መርማሪ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝሓለፈ 21 ሰነ 2016 ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ካብ
1991 ጀሚሩ ኩሉ ዓይነት ብደላት ማለት፡ ብዘይ ፍርዲ ምእሳር፣ ምስዋር ወይ ምጭዋይ፣ ምቕጥቃጥ፣ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ  ኣገልግሎት፡  ዓመጽ  ኣብ  ልዕሊ  ደቂ-ኣንስትዮ፣  ጃምላዊ  ቅትለትን  ካልኦትን   ክፍጽም  ከምዚ  ዝጸንሐን  ዘሎን
ኣረጋጊጻ። ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ጉቡእ ሕጋዊ ፍርዲ ክረኽቡን ዝጠልብ ጸብጻባን ለባዋኣን ንዝመዘዛ ኣካል ኣረኪባ።

Add a comment

ብልሽውና ሃገራዊ ዴሕነት፡ መንቀሳቐሲ ሰነዴ ብገንዘብ ይሸጡ።

እቲ ብስም ሃገራዊ ዴሕነት ዜጽዋዕ ናይ ውሽጥን ናይ ወጻእን ጸጥታዊ ትካል፡ ብጉቦን ብልሽውናን ተቖማጢዑ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ካብ ዜቃላዕ ዉሑዴ ግዛ ኣይገበረን። ይኹን'ምበር እዙ ሕጂ ዜፍጸም ዘሎ ጉቦን ብልሽውናን ግና፡ ነቲ ዜሓለፈ
ዘይሕጋዊ ተግባራት  ዘዴምቕ ብዜተፈላለዩ መልክዓቱ ዴማ ብመርትዖ ተሰንዩ ዜቐርብ ኣዕናዊ ፍጻሜታት እዩ።

Add a comment

ናብራኻ ዘይትገብር እንታይ ገደሰካ ኔው በሎ ፖለቲካ

እንታይ በልኩም? “እወ ናብራኻ ዘይትገብር እንታይ ገደሰካ ኔው በሎ ፖለቲካ። እዚ ህዝቢ’ዚ ኢሰያስ ከማን ክውሕዶ።” ይብሉኻ ወይ እቶም ንነገራት ከመዛዝኑ ዘይከኣሉ ናይ ልቢ ፈተውትኻ ወይ ድማ እቶም ኮሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ ከባኹሩኻ ዝደለዩ ሰብ ዕላማ። ኣየናይ ፖለቲካ’ዩ ምስ እትብሎም እዚ ንስለ ወጽዓን ምረትን ህዝብኻ ዓው ኢልካ ይአክል ባርነት ቅዋማዊ ስርዓት ይተኸል ኢልካ እተስምዖ ድምጺ ምዃኑ’ዩ እቲ ፖለቲካ። እቲ ግደፎ ፖለቲካ ናብራኻ ግበር እናበልካ ንደቂ ሰባት ካብ ቁኑዕ ሕልናዊ መስመር ዘልሓጥ ንኽብሉን ቃልሲ ውጹዓት ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ዞርሞ ዞርሞ ክተርፍ ምቅላስ ግና ዝገደደ መርዛም ናይ ዕንወት ፖለቲካ ምዃኑ ዝነግሮም ዝሰኣኑ እዮም ዝመስሉ እዞም ውዲት ኣዋዲዶም ቃላስን ተቓለስትን ከባትኹ ህርዲግ በሃልቲ።

Add a comment