መግለጺ “ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር” ኣብ መበል 27 ዓመት ጽምብል ናጽነት፡

ልክዕ ከም'ዚ ሎሚ ቅድሚ 27 ዓመት ኣብ ግንቦት 24 -1991 ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ተበራረይቲ ባዕዳዉያን ሓይልታት ዘካየዶ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ንናጽነትን ሃገራዊ ልዑላዉነትን ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብ'ዚ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነትን ልዑላዉነትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ደቒቕ ክሳብ ሊቕ ካብ ቆልዑ ክሳብ ሽማግለ፡ ሃገረይ ብዝብል ዘይጽዓድ ሃገራዊ ወኒ፡ ነቲ ርስቱ ክሓዝእ፡ መሬቱ ክግብት፡ ብሓይሊ ብረትን ዓርሞሽሽ ስራዊትን ኣሚኑ ተሃንዲዱ ዝመጸ ባዕዳዊ ሓይሊ መግዛእቲ፡ ብዘካየዶ ዘይሕለል ቃልስን፡ ዝኸፈሎ ናይ ሂወትን ኣካልን መስዋእቲ፡ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓይሊ ተባሪሩ፡ ኤርትራ ካብ ጎበጣ መግዛእቲ ነጻ ኮይና። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ብቓልስን መስዋእትን ዘዐወቶ ሃገራዊ ናጽነት፡ ሕጋዊ መዳዩ ንምትሓዝ ብመንገዲ ሪፍረንዱም ኣቢሉ ብ 99.8% ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም እወ ንናጽነት ብምባል ብድምጺ ዳግም ብምብሳር ኤርትራ፡ ከም ናጻን ልዑላዊትን ሃገር መበል184 ኣባል ሕቡራት ሃገራትን መበል 53ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃን ኮይና።

Add a comment

መንግስትን ሃይማኖትን፡ ማዕዶ ማዕዶ

ወድሰብ ብጥንቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምሕደራ ከየማዕበለ ኸሎ፡ ኣብ ነኣሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሉቀቢላዊ ንጥፈታቱ የካይድ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ፡ እቲ ከሕብሮን ኪጠምሮን ዚኽእል ዝነበረ እንኮ ሓይሊ፡ እቲ
ናይ እምነትን ማሪትን ሓይሊ እዩ ዝነበረ። ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዚፍጸም ዝነበረን ኪገልጾ ዘይክእል ዝነበረንተፈጥሮኣዊ ክስተታት (ከም ንኣብነት፡ በርቅን ነጎዳን ምንቅጥቃጥ ምድርን እሳተጎመራን፡ ከምኡውን ኣብህይወቱ ዚጓነፎ ዝነበረ ሕማምን ሞትን) ንኺግንዘቦ እኹል ሳይንሳውን ፍልስፍናውን ፍልጠት ሰለ ዘይነበሮ፡ነዞም ተርእዮታት እዚኣቶም ዚገልጹሉ ፍሉያት ሰባት ከም መራሕቱ ገይሩ ብምውሳድ፡ ኣብ ቀጻልነትማሕበራውን ማሪታውን ህይወቱ ውሕስነት ይረክብ ነይሩ።

Add a comment

ዜና ምስዮት ድራር ውጉኣት ሓርነት

ኣብ ከተማ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዝቅመጣ ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበር ኣካለት ጽጉማን  ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመንን ዝዳሎ ድራር ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ንዕለት 19-05-2018 ክግበር ተዓዲሙ ብዝነበረ መሰረት፣ ኣብ ዕለቱን ሰዓቱን ኣብ ምዱብ ቦትኡን ተገይሩስ ዕዉት ኰይኑ ምውጽኡ ንኩሎም ልግስን  ሓልዮትን ርህራሄን ተገዳስነትን ኣብ ጽጉማት ዜጋታቶምን ንዘርኣዩን ዘርኣያን ክንሕብር ንፈቱ።

Add a comment

ሰባት ዝመሰሎም ፖለቲካዊ ርእይቶ እንከንጸባርቑ፡ ብስምዒት ካብ ምኹናን ብትዕግስቲ ምምዝዛን

ደቂ-ሰባት ከም’ቲ ሓደ ዓይነት መልክዕን ምስልን፣ ተመሳሳሊ ቁመትን ክብደትን ዘይብልና፡ በበይኑ ማሕበራዊ ባህግን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን እንተንጸባረቕና ከም ባህሪያዊ ሕርያ ተቐቢልካ፡ ተናቢብካን ተኸባቢርካን ምስጓም ‘ምበር፡ ስለምታይ ከም’ዚ ዝበለ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ሒዙ ወይ ሒዛ ካብ ዝብል ኩርናዕ ተበጊስካ፡ ብስምዒት ኩነኔን መጥቃዕትን ምቕዳም፡ ቅኑዕን ብሱልን ፖለቲካዊ ኣተኣላልያ ኣይኮነን። ንህዝባውን ሃገራውን ሓድነት መሊሱ ካብ ምዝራግን ምብራዝን ሓሊፉ፡ ዘምጸኦ ኣወንታዊ ለውጢ ከምዘየለ ምግንዛብ የድሊ። ንፖለቲካዊ ዝንባለን ሕርያን ዜጋታት፡ ደስ ንዝብለናን ምስናትና ዝቀራረብ ኮይኑ ምስ<

Add a comment

ዕንወት ከም መደብ

ሰስኑ ሴፍን ዋልታን ኩኑ፡ ዝዓድና ከይኣትዎ ጓና፡ እትብል ጥንታዊትን ያታዊትን ከምኡውን ፍቕሪ ሃገር እትቕስቅስን ደርፊ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብተደጋጋሚ ክትድረፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ይኹንምበር፡ እቲ ቓላታ ተለዊጡ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚኸውን ኣብዚ ግዜናዚ ዝያዳ ኣድማዒት ምኾነት ነይራ፥ ማለት፡ ሰስኑ ንቑሓት ኩኑ፡ ኣእምሮና ከይኣትዎ ጓና። ኣብዛ ዓለምና፡ ብዙሕ ዘይተፈትሑን ዘይተገልጹን ምስጢራት ኣለዉ። ገሊኣቶም ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ገሊኣቶም ድማ ኣብ ርሑቕ ግዜ ምፍታሖም ኣይተርፍን። ካብዞም ምስጢራት

Add a comment

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ እገዳ ክለዓለሉ ዝድርኽ ብባህሪ ኮነ ብተግባር ዝኾነ ኣወንታ ኣየርኣየን ክትብል ኢትዮጵያ ገሊጻ።

ብኣምባሳደር ካዛኪስታን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቦ-መንበር ኮሚቴ እገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታን ሚስተር ካይራት ኡማሮቭ ዝተመርሐ ጉጅለ፡ ብ9 ግንቦት 2018 ኣብ ኢትዮጵያ በጺሑ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ፡ ንጥፈታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምህዋኽ ዞባዊ ጸጥታን ኣብ ልዕሊኡ ዝተመሓላለፈ እገዳን ኣመልኪቶም ኣብ ዝተመያየጥሉ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሚንስተር ዴኤታ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ቲ እገዳ ክገበረሉ ዘገደደ ኣዕናዊ ተግባሩ ዝኾነ ናይ ባህሪ ኮነ ተግባር

Add a comment

ኤርትራ፡ ሓንቲ ሃገር ክልተ መዓልቲ ናጽነት

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ህያብ ስውኣት ስለዝኾነት፡ ሓንቲ ካብተን ፍሉያትን ክቡራትን በዓላት ሃገርና ክትከውን ግቡእ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ን30 ዓመታት ዝበሃጋ ሓቀኛ ናጽነት ኣንተዝጭብጣ፡ ቅሰኑ ስዉኣትና፡ ሳላኹምም ጽሩይ ኣየር ናጽነት ከነተንፍስ፡ ኮሪዕና ክንነብርን ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታና ክንሕዝን በቂዕና” ኢሉ ልዑል ምስጋናኡን ኣኽብሮቱን ንስዉኣትን ንህሉዋትን ሰብ ውዕለት

Add a comment

ሁለት Aገሮች፣ Aንድ ማህበረ-ሰብ፤ የኮንፈደረሽን ጐዳና ለIትዮጵያና ለኤርትራ

በዚሁ የትዮጵያና ኤርትራ የወዳጅነት መድረክ የሁለቱ Aገሮች ዝምድና ምን ይሁን የሚለውን ጥያቄ ደጋግመን ጐብኝተነዋል፡፡ በ2009 Eና በ2010 በሳንሆዘ ከተማ Eኔና
ወንድሜ ፕሮፈሰር ዳንኤል ክንዴ የተሳተፍንባቸው ስብሰባዎች በዚህ ጉዳይ ላይ ተካሂደዋል፤ ውጤታቸውም Aመርቂ ነበር የሚል Eምነት Aለኝ፡

Add a comment

ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብኸመይ’ዩ ዝምደብ?

ኣነ ናይ ፖለቲካዊ ሳይንስ ምሁር ኣይኮንኩን። ዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካውን ኣፍልጦ ’ውን የብለይን። ፖለቲካዊ ተገዳስነት ዘርኣኹሉ ግዜ ንገዛእ ርእሱ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርኩሉ ብዛይካ ኤርትራ ሃገረይ ምዃና፡ ኣብ ትሕቲ መግዛቲ ጸኒሓ ብህዝባዊ ግንባር ነጻ ምውጻኣን ልኡላዊት ሃገር ምዃናን ካልእ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ኤርትራዊ ምዃነይ ኩርዓት ይስመዓኒ።

Add a comment

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ነቲ ብዘይሕለልን ነዊሕን መሪርን ጅግንነ ታዊብረታዊ ተጋድሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ተኸፊልዎ ኣብ መበል 30 ዓመት ብ24ግንቦት 1991 ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ተዓቂቡን ተኸቢሩን ንክነብር መላእ ኣባላትውድብና ብመትከል ኣሚኖም ሰጋእ ከይበሉ ዝቃለስሉ ዘለዉ ጉዳይ ኢዩ፡፡ በዚ መሰረት ከኣ ፍትሕንማዕርነትን ሰላምን ዘረጋገጸት ንኩሉ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ እትሓቁፍ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክሳብህያው ትኸውን ምስ ኩሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ኣብ ዘሰማምዑናኣገባባት ብምውህሃድ ቃልስና ቀጻሊ ኢዩ፡፡

Add a comment

ብምኽንያት 24 ግንቦት፡ መዓልቲ ሃገራዊ ነጻነትና፡ ብሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ ዝተዳለወ ውድባዊ መግለጺ፡

ሎሚ ግንቦት 24፡ ሃገራዊ ነጻነትና ንመበል 27 ዓመት እነብዕለላ ክብርቲ ዕለት እያ። እዛ ዕለት’ዚኣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ተሓግሒጉ ጩራ ነጻነት ኣብ መላእ ኤርትራ ደሚቑ ዝተራእየላ ታሪኻዊት በዓልና እያ። ኣብ ገዛእ ሃገርና ጓኖት ኮይና ብጎቦ ዓይኒ እንረኣየሉ ጸሊም ዘበን ተጠቐንጢጡ ወነንቲ መሬትና ባዕልና ምዃና ዝተበሰርናላ ወርቃዊት ዕለትና እያ። ሃገራዊ ነጻነትና ናይ ልዕሊ 100 ሺሕ ጀጋኑ መስዋእቲ፣ ልዕሊ’ዚ ኣካል ምጉዳል፣ ሰፍ ዘይብል ናይ ንብረትን ጥሪትን ብርሰት ….ወዘተ ውጽኢት እያ። መላእ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ ሓርበኛታትን ዲሞክራስያውያንን ተቓለስቲ ኤርትራ

Add a comment

ኣኼባ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፍራንክፍፎርት ጀርመን

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዝትፍላለየ ክተማታት ጀርመን ብዕለት     05/05/2018 ኣብ ፍራንክፈርት ኣኼባ ኣbካይደና። እዚ ኣኼባ እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ደንሃኽ ኣብ ነፍሲ ወከፊ ከተማ ኤወሮጳ ማሕበር ከቐውም ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ዝተዳልወ ኣኼባ እዩ። ኣኼባ ብመራሒት ኣካያዲት ሽማግለ እንቋዕ ብደሓን መጻእክን ኢለን ድሕሪ ምኽፋት እቲ ተዳልዩ ዘሎ ሰነዳት ሓደ ብሓደ እናተተርጎመ ክኸይድ ምዃኑ ሓቢራ። ብድሕሪ እዚ  ብክልቲኡ ሃይማኖት  ናይ ጽቡቕ መዓልቲ ትምኒት ዝገልጽ ጸሎት ተገብረ። ቀጺሉ ናይ ተሳተፍቲ ምልላይ መርሕ ተካይዱ። ካብዚ ቀጺሉ ብመሰረት እቲ ውዑል ናይ ደንሃኽ ዝተኻየደ  ልዝባት ንእኼበኛታት ብሩህ ንክኸውን  ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተዳለወ ጽሑፍ ተሓቲሙ ንነፍሲ ወከፍና ተዓድሉ ብቅድም-ተኸተል እናተነበ ንዝለዓል ሕቶታት ብገዛ ግቡእ መብርሂ ተዋሂቡሉ።

Add a comment

በዓል ነጻነት ኤርትራ

ኣብዝኽሪበዓልነጻነትኤርትራ ኣብፍራንክፈርት መደረዘቕርቡ  ገዲም ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግሽ  (ህግሓኤ), ገዳይም ተጋደልቲ ገብሩ ሓጎስ / ንጉሰ ጸጋይ (ተሓኤ), ድክተር ታዲዮስ ተስፉ (ምሁር) ኣርእስቲ : ነጻነት ፣ ሓርነትን  ሉዕልነትን

 

 

Add a comment

ንፖለቲካዊ ጭቆና ምጽማም ስለምንታይ? ክሳብ መዓስ’ከ

ሓሚምካ፡ ምኽንያት ሕማምካ ፈሊጥካን መድሓኒት እናወሰድካን ንዝስመዐካ ስቓይ፡ ንውሽጥኻ ጌርካ ክትጻወር ክትጽመም ዓቕሊ ይሃብካ ጥራሕ ዘድልዮ ጽቡቕ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሕማምካ ፈሊጥካ መድሓኒት እናወሰድካ እንከለኻ ንውሽጣዊ ስቓይካ ካብ ዓው ኢልካ ብኣዋያት ምግላጽ፡ ተጸሚምካ ንውሽጥኻ ጌርካ ጥዕና ምጽባይ ተመራጺ’ዩ። ባህልና’ውን ንኸምኡ’ዩ ዘተባብዕ። ብውሽጥኻ ሕማቕ እናተሰመዐካ ናብ ትካል ጥዕና ከይድካ ብበዓል ሞያ ከይተመርመርካ፡ ዓይነት ሕማምካ ጠንቁን መድሓኒቱን ከይፈለጥካ ምጽማም ግን፡ ስኒ ምንካስ ምጽዋር መንፈዓት ዘይኮነ፡ ክፍወስ ብዝኽእል ሕማም ዕለተ ሞትካ ዘቀላጥ

Add a comment

ስደት ብማእከላይ ባሕሪ ብኣስታት ፍርቂ ይጎድል፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ግና ይዛይድ

IOM Italy

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣውራሕ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዝወሓዙ ብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣስታት 26 ሽሕ ምንባሩ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት -IOM ኣብ ኣፍሊጡ። እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ማሕበር፣ ብ18 ግንቦት፣ ካብ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ 41% ናይቲ ብዝሒ ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ከኣ ናብ ግሪኽን ስጳኛን ዝሰገሩ'ዮም።

Add a comment

ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ብውህሉል ልቓሕ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ተገሊጹ

ኤርትራ ዝኾነ ሃገራዊ ልምዓታዊ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ዘይካየደላ፡ ህዝባ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝርከበላ ሃገር ክንስና፡ ሓንቲ ካብ’ተን ክኸፍላኦ ብዘይኽእላ ውህሉል ዕዳ ኣብ ጸገም ዝወድቃ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና፡ ደረጃ ዓመታዊ ቁጠባዊ ዕቤት ሃገራት ዝከታተል፡ ትካል ገንዘብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ8 ግንቦት 2018 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

Add a comment

ነብስ ወከፍ ዜጋ ምስ ምጽንባል ሃገራዊ ነጻነት፡ ኣብ ገዛእ ነብሱ ናይ ሓሳብ ሓርነት ክእውጅ ይግባእ፡

እንርከበሉ ሰሙን ቅኒያት ዕለተ ነጻነት’ዩ። መግዛእታዊ ሰራዊት ካብ ምድሪ ኤርትራ ዝተነቕለላ፡ ዓመጸኛ ብዝርደኦ ቋንቃ ስነ-መጎት ሓይሊ መልሲ ዝረኸበላን ጉዕዞ 30 ዓመት ቃልስን መስዋእትን ብድሙቕ ዓወት ጀጋኑ ኤርትራውያን መኸተምታ ዝተግብረላ መበል 27 ዓመት ነጻነት 24 ግንቦት እንጽንብለሉ ዓቢ ሃገራዊ በዓል’ዩ። ዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት እንክንዝክር፡ ቀዳሞት ወለድና ካብ ኣርበዓታት ዝጀመርዎ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መንነትን ሰብኣዊ ሓርነትን ዝጠለብ ሰላማዊ ቃልሲ፡ ኣብ መድረኹ ዝገጠሞም ባዕላዊ ሕጽረታትን ወድዓዊ

Add a comment

ዕድመ ንሰፊሕ ሰሚናር ብምኽንያት ዝኽሪ በዓል ነጻነት ኣብ ፍራንክፈርት

ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ንቀዳም ዕለት 02.06.2018 ኣብ ፍራንክፈርት በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሰዓትን ቦታን ሰፊሕ ሰሚናር መዲብና ከምዘለና ንሕብር።

 

Add a comment

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራትን መፍትሒኡን ዝምልከት ዝርርብ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ።

ኤርትራዊ ሽወደናዊ ባህላዊ ምሕዝነት ዝተባህለ ማሕበር፡ ምስ ከንቲቫ ከተማ ዮተቦርግ ኣን ሶፊ ሀርመንሶንን ፖለቲካዊ ሴክረተር ኣብ ስራሓት ትምህርቲ ንሓደስቲ ስደተኛታት እታ ከተማ ዮሴፍ ኣካርን ተራኺቡ፡ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝገጥሞም ዘሎ ዝተፈላለየ ዕንቅፋት ኣመልኪቱ ከም ዝተዘራረበ ኣብ መርበብ ንሓርነት ዝተዘርገሐ ዜና

Add a comment

PFDJ at a Cross Road

Time will judge and people will witness as to how far political parties have made a blunder up on their own citizens. Various political parties and forces, usually, put promises forward to get their targets. Better late than never sounds good for it produce something is better than nothing. Big nations those advocate for presidential or parliamentary democracy, is it for good or bad, regardless of the flaws and repercussions, swear and push forward to implement what they promise at their campaigns. It’s a blessing to be on words. The citizens of such countries use the outcome of the election campaigns or leadership qualities as a litmus test to project forthcoming elections to design their accurate fate.

Add a comment

ልዕሊ 1500 ኤርትራውያን ኣብ በርን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

demo bernኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ልዕሊ 1500 ኤርትራውያን ኣብ በርን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።ኣብቲ ብዕለት 18 ግንቦት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሰልፈኛታት ነቲ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝኽተሎ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ስደተኛታት ንምቅዋም ምንባሩ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።መንግስቲ ስዊዘርላንድ ካብ 9,400 ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ናይቶም 3,200 ዳግመ ምጽራይ ክግበረሉ ምእዛዙ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ። እቲ ዳግመ ምጽራይ ንሓያሎ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ መሰሎም ዝነፍግ ጥራይ ዘይኮነ ንገለ ካብኣቶም ናብ ኤርትራ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ’ውን ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።

Add a comment

ዘርኢ-ጣፍ ኣብ ኣሜሪካ ማዕረ ክንደይ ይፍለጥ? ቃለ-መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ሓረስታይ ኣቶ ተስፋ ድራር

ኣቶ ተስፋ ድራር

ኣቶ ተስፋ ድራር ይበሃል። ኣብ ኣሜሪካ ዕዉት ሓረስታይ ጣፍ`ዩ። ኣብ ጋዴን ከባቢ ዓላ ተወሊዱ- ዘርኢ ጣፍ ቅድሚ 37 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዘላለየ ፈላማይ ሰብ ምዃኑ ይገልጽ። ኣቶ ተስፋ ድራር ኣብ 1981 ዓ.ም ናብ ኣሜሪካ መጺኡ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚኖሶታ ኣብ ዝምሃረሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ዓዲ 10 ኪሎ ጣፍ ኣምጺኡ ከምዝዘረአን ሓደ ኩንታል ከም ዘእተወን ይገልጽ። ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ግን ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ክሳብ ሓሙሽተ ሺሕ ሄክታር መሬት ከምዝሓርስን ንልዕሊ 250 ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝኸፈተን ገሊጹ`ሎ።

Add a comment

መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡

24 ግንቦት፡ ዓመት መጽአ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይትሃስስ እንዳተዘከረት ከም ሕላገት መለለዪመንነት ናጻ ሃገር ኮይና ዝተደኮነትሉ ዕለት ብምኳና ኣብ ምሉእ ቀጻሊ ወለዶታት ኤርትራውያን’ውንብዘይኣፈላላይ ብሓባርን ብድምቀትን፡ እንዳተዘከረትን እንዳተኾለዐትን እትነብር ክብርቲ ዕለት’ያ፡፡ከመይሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብተባራረይቲ ገዛእቲ ይበጽሖ ካብ ዝነበረ ግፍዕን ኣደራዕን ሓራብምውጻእ፡ ሃገራዊ ናጽነቱን ልዕላውነቱን ንምርግጋጽ ዝተናውሐን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዱ ኢዩተዓዊቱ፡፡ እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ኢዩ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ኣኽሊልናጽነቱ ከ

Add a comment

ስነ-ልቦናዊ ኵናት (PsyWar)

ኣደይ ማኑ፡ ኣብ ውሽጢ ካንቸሎ በይነን ይቕመጣ ስለ ዝነበራ፡ ነቲ ዝርካቡ ንብረተን ከይስረቐን ብማለት ፡ከልቢ ኣጥርየን ነይረን። ይኹን ‘ምበር፡ ነታ ኸልበን ጣይታ ጥራይ ይድርብያላ ብምንባረን፡ ዕባራን ውሕ ንኽትብል ድማ እኹል ሓይሊ ዘይነበራን ፍጥረት እያ ነይራ። ስለዚ፡ ኣደይ ማኑ እቲ ናይታ ከልበን ዝና ኣብልዕሊ ሰረቕትን ወጣማት ቆልዑን ፍጹም ራዕዲ ንኺፈጥር ብማለት፡ ስነ-ልቦናዊ ኵናት ኪጥቀማ ተገዲደን።ብመጀመርታ፡ ነታ ከልበን ዋዕሮ ዚብል ስም እየን ዘጠመቓኣ። ሽሕኳ ዋዕሮ ጌና ዘይተበኮረት እንተ ነበረት፡ኣደይ ማኑ ግን ሰብ ንምድሃል ኣብቲ ናይቲ ካንቸሎአን ማዕጾ፡ ካብ ሓራስ ከልቢ ተጠንቀቑ፡ ዚብል ጽሑፍእየን ኣቐሚጠን ዝነበራ። ኣብ ርእስዚ፡ ሰብ ምስ ዚዅሕኵሐን፡ ምስጢረን ንኸይቅላዕ ብማለት፡ ነቲ ማዕጾ
ፍንቅቕ ከም ዚብል እምበር፡ ጋህ ኣቢልካ ምኽፋት ኣመለን ኣይነበረን። ዋዕሮ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብቲመደቀሲኣ ዝኾነ እተጋደመ በርሚል እያ ተዓምጺጻ ትድቅስ ዝነበረት።

Add a comment

ካብ መበቆላዊ መሬት ኩናማ ኤርትራ ዝመጸና ሃገራዊ ዜና

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ዘካይዶ ዘሎ ግፍዒታት ብምቅጻል፡ ካብ መጨረሻ ወርሒ 3/2018 ጀሚሩ ክሳብ መጨረሻ ወርሒ 4/2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ንግዳዊ ሕጊታት ወጻኢ ከይድኩም ብዝብል ጉልባብ ኣብ ተሰነይ 92 ናይ ነጋዶ መካይን ከም ዝሓበሰ ተፈሊጡ፡፡ ነዞም ነጋዶ ኣብ ከተማ ተሰነይ 4000.00 ናቕፋ ቀጺዑ ከብቅዕ መሊሱ ኣብ ከተማ ባረንቱውን ብተመሳሳሊ መንገዲ 4000.00 ናቕፋ ቀጺዑ ንኣስመራ ከም ዘመሓላለፎም ተፈሊጡ፡፡

Add a comment

ካብ ሃብቲ ሎሚ ድኽነት ትማሊ

ሃብትን ድኽነትን ተጻረርቲ’ዮም። ከም ጸላምን ቀትርን፣ሓጋይን ክረምትን፣ ሕቖን ከብድን፣ ጓልን ወድን፣ ሰማይን መሬትን፣ ሓጺርን ነዊሕን፣ ቀይሕን ጸሊምን፣ …ወዘተ ፈጺሞም ዘይራኸቡ ተጻረርቲ’ዮም። ሃብትን ድኽነትን ተጻረርቲ ይኹን ‘ምበር ስራሓት ተፈጥሮ ግን ኣይኮኑን። ውጽኢት ስራሓት ሰብን ዘይቅኑዕ ስሱዕ በይናዊ ተጠቃምነትን ’ዮም። ተፈጥሮ ለጋስ’ዩ። ንኣብነት መሬትና መሬት ኤርትራ ንኹሎም ዓይነት ህይወታውያን፣ ሰባት፡ ኣዝርእትን እንስሳታትን ዝሰማማዕ’ዩ። ህዝብና ኸኣ ጻዕራም’ዩ። ብረሃጽካ ምንባር ደኣምበር ተጸባይነት ባህሉ ኣይኮነን። ሚዛኑ ዘይሓለወ ናይ ወሃብን ተቐባልን ባህሊ ዝውቱር ኣይጸንሐን።

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ጨንፈር ስዊስ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ጨንፈር ስዊስ ብዕለት 5 መጋቢት 2018፣ ካብ ዝተፈላለየ ካንቶናት ስዊዘርላንድ ዝመጹ ኣባላት ጨንፈርን ክልተ ኣባላት መሪሕነት ውድብን ከምኡ’ውን ኣባል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳን ዝተሳተፍዎ ጨፈራዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ሉዛን ኣሰላሲሉ።

Add a comment

ኤርትራ፡ ምግንፋልን ምዝሕታልን ሃገራውነት

ዓደይ ዓደይ፡ ሽባኻይ ሽባኻይ፡ ገዲፈክን ከይደ ንበረኻይ…..። ዓደየ ሸዊት ለምለም፡….ንሳዶ ትጥለም…ይብሃል ነይሩ። ከምኡውን፡ ሰስኑ፡ ሴፍን ዋልታን ኩኑ፡ ዝዓድና ከይኣትዎ ጓና….። ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ በዓል መንዮም ዝጠለሙ…..። ከምዚኣቶም ዝመሰሉን ካልኦት ሃገራዊ ፍቕሪ ዚቕስቕሱን ደርፍታትን መዝሙራትን ጭርሖታትን፡ ድሕሪ ነዊሕን ስቓይ ዝመልኦን ዘመን፡ ኣብ ሜዳ፡ ዓወት ንሓፋሽ! ብዚብል ብድሆ ተዛዚሞም
እዮም። ስምዒት ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ በቲ ብ 1988 እተኻየደን ኣብ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ዘይብሉን ምድምሳስ ናደው ዘኸተለን ኵናት ኣፍዓበት እዩ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሐ። ኣብቲ ግዜቲ መን ከም ኤርትራዊ! ኩሉ
ይከኣሎ! እንተ ተባህለስ ምግናን ኣይከውንን። ህዝቢ ኤርትራ ንዘበናት ብባዕዳውያን ገዛእቲ ኪርገጽ ምስ ጸንሐ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ዚምካሕ ዝነበረ ጸላኢ ኪድምስሶ ኸሎ፡ ናይ ዘበናት
ቁስሉ ሓውዩሉ ማለት እዩ።

 

Add a comment

ንልዕሊ 11 ዓመታት ዝተኣስሩ ኣላዩ ቤተ ክርስትያን ቃለ-ህይወት፣ ፓስተር ዑቅባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ተፈቲሖም

Pastor Okbamicheal

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ፣ ኣላዩ ቤት-ኤል፣ ቃለ-ህይወት ቤተክርስትያን ኤርትራ ፓስተር ዑቅባሚካኤል ተኽለሃይማኖት ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲሖም።

ፓስተር ዑቕባሚካኤል፣ ኣላዩ ቤት ኤል ቤተ ክርስትያን ቃለ-ህይወት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ዳይረክተርን መምህርን ናይታ በታ ቤተ ክርስትያን እትመሓደር፣ ኣብ ደቀምሓረ ዝነበረት፣ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ እተምህር ኣሕዳሪት ኮሌጅ SIM'ውን'ዮም ኔሮም።

Add a comment

ውሽጣዊ ጭንቀት ዝደፍኦ ሕሱር መግለጺ

ኣብ ስልጣን ዝመጽኣሉ፡ ብሕጋዊ ድዩ ብዘይሕጋዊ፡ ባህሪኡ ህዝባዊ ድዩ ጸረ-ህዝቢ ዝብል ፖለቲካዊ መምዘኒ ንጎኒ ገዲፍካ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጡ ካብ ቅድሚኡ ዝነበሮም ኣካይዳ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ’ዮም ዝኸተሉ። እንታይ ክብሉን ክገብሩን ከምዘለዎም ብመጠኑ’ውን ይኹን ስኽፍታ የንጸባርቑ ይሓስቡ’ዮም። መንግስቲ ኮይነ፡ ብስም ህዝብን ሃገርን ከም’ዚ እንተኢለ እንታይ ትርጉም ይወሃቦ ይኸውን ካብ ዝብል ኣብ ኣቀራርባኦም ይውርዝው’ዮም። ስለምንታይ’ሲ ንስለቲ ህዝብን ሃገርን ኢሎም ጥራሕ

Add a comment

ሃቀነ ስርዓት ህግደፍ፡ ፍርያም ሓመድ ጉሒፍካ ኣብ ከውሒ ፈልሲ ምትካል’

ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንህዝባዊ ግንባር ክነቅፍ እንከለኹ፡ ነቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ ዘዳኽር ዘሎ ውሑድ ክፋል’ቲ ስርዓት እምበር፡ ነቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ፡ ግዳይ ግፍዕታት ህግደፍ ኮይኑ ዘሎን ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበን ዝምልከት ኤርትራዊ ከምዘይኮነ፡ ኣቀዲመ ኣንበብትን ሰማዕትን ክግንዘቡለይ እላቦ። ኣብ 1978፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት፡ ካብተን ብህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ሓራ ዝወጻ ከተማታት ምንስሓብን ንሳሕል ምምላስን ምስኮነ፡ ስርዓት ደርግ፡ ብቀበሌ ዝፍለጣ ምምሕ

Add a comment

ኣባላት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ካብ ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ህግደፍ ብንቕሓት ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

ጉጅለ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ ካብ ግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ዝጸረየ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምትከል ስለዘይብሉን፡ ሕሉፍ ስሰዐ ስልጣንን ነዋትን ስለ ዘለዎን ወትሩ ህዝቢ ኣንጻሩ ከይለዓል ኣንፈቱ ዘስሕት ዘየመሰረታዊ ነገራት ፈብሪኹ፡ ዕሱባት ኣዋፊሩ ፖለቲካዊ ደሮና ናይ ምፍጣር ልምዲ ስለዘለዎ፡ ኣንጻር መልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝተወደበን ዘይተወደበን መልከዓት ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ወገናት፡ ብናቶም ፖለቲካዊ መስመርን

Add a comment

ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ናብ ኒጀር ግዒዞም

eritreans in libaኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝጸንሑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 132 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ፣ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽኝ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - UNHCR ኣፍሊጡ።እቶም ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ ከተማ ጣራብሎስ ናብ ኒያመይ ናይ ኒጀር ዝገዓዚ ስደተኛታት፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድል ክሳብ ዝረኽቡ፣ ኣብ ግዜያዊ መዓስከር ክጸንሑ'ዮም።UNHCR ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም 1951 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከውጽእ እንከሎ፣ እቶም 1152 ናብ ኒጀር ዝገዓዙ'ዮም።

Add a comment

ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብነታዊ ኣፈታትሓ ፖለቲካዊ ግርጭትን መትከላዊ ጽንዓትን

ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን መንግስታትን ርእይቶ ወይ ኣተሓሳስባ ማእከል ዝገበረ ፍልልይ እንከጋጥም፡ ውሽጡቅንዕና መልክዕ ኣቀራርባኡ ድማ ሰላማዊ እንተደኣ ኮይኑ፡ ከም ክኸውን ዘለዎ ባህሪያዊ ነገር ተወሲዱ፡ ምንጪ ሓሳባት
ኮይኑ ከገልግል ዝያዳ ከቀራርብ ደኣምበር፡ ዘሰንብድ፡ ዘነውር፡ ብዓይኒ ጸላእነት ዘጠማምት ዘቃትል ክኸውንኣይግባእን። ብርግጽ ኩሎም ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ካብ ቅኑዕ ሕልና ዝብገሱ፡ ንሓቢርካ ምንባርን ሓቢርካ
ምጥቃምን ዝዕድሙ ’ዮም ማለት ኣይኮነን። ሓላፍነታዊ ብምዃን፣ ብምቕርራብ፣ ብግልጽነት እሂን ምሂን ብምብህሃልብምድምማጽ ክፍትሑ ዝኽእሉ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ኣለው። ኣነ ልዕለኻ’የ ዝበልኩኻ ስምዓን ፈጽምን፣ ኣነ ክበልዕ
ንስኻ ጾምካ ሕደር ዝዓይነቱ ብስስዐ ኣእምሮኦም ዝተደፍኑ፡ ብትምክሕታዊ ኣረኣእያ ዝሰኸሩ መሰረታዊ ፍልልያትድማ ኣለው። ስለዚ እቲ ፍልልይ መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ምንጻር የድሊ። ርእይቶታት ሓሳባት መሰረታውያን
ድዮም ዘይመሰረታውያን ክትፈሊ ድማ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብቕዓት ምሕደራን ልባዊ ቅንዕናን ክትውንን ይግባእ።

Add a comment

ተጽዕኖ ዝፈጥር መኻርን ምኽሪ ዝሰምዕ ወለዶን ዘይብሉ መድረኽ፡

ከም ሎም ከይኮነ እቲ ቀደም ቀደም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክብሪ ነይርዎም። ብዕድመ ዓበይቲ ስለዝኾኑ ጥራሕ ዘይኮነፈሪሓ እግዝኣብሄር ነይርዎም። ቅኑዓትን ሓላፍነታውያንን ነይሮም። ናይ ጽቡቕ ደኣምበር ናይ ሕማቕ ኣብነት ከይኾኑ ይጥንቀቑ ነይሮም። ንደቆም ደቂ ደቆም ጽልእን ደምን ከይገድፉሎም ሓላፍነታዊ ፍርሒ ይፈርሑ ምንባሮም፡ ድሕሪ ድራር ብፍላይ ወርሒ ኣብ ትወጽኣሉ እዋን ኣብ ገበላና ተኣኪብና፡ ካባና ብዕድመ ዝሰጎሙ ከዘንትውልና ንሕናጽን ኢልና ክንከታተል ይዝከረኒ። ድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ ከኣ ይናፍቕ። እቲ ብሓውሲ ዕላል ጸወታዝንገረና ዝነበረ ዛንታ ንቐጻሊ ህይወትና ስንቂ ዝኾነና ትምህርቲ’ዩ ነይሩ። ንሕና እቶም ኣብ’ቲ ግዜ’ዚ ዝነበርና ቆልዑ ታሪኽ ወለድና ክንፈልጥ እሞ፡ ካብ ሓሶት ስርቂ ጭካነ ገበን ክሕደት ነ

Add a comment

ቃለ መጠይቅ ምስ ተመራማሪ ጉዳያት ሃይማኖት ዓብዱረዛቅ ጣሃ

ተመራማሪ ጉዳያት ሃይማኖት ዓብዱረዛቅ ጣሃ

ጾም-ሮሞዳን ሎሚ ይኣቱ`ሎ። ኣብ ዙርያ -ዓለም ዘለዉ ኣመንቲ እስልምና ከከም ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጥኦም ንወርሒ ኣብዝርኣይሉ ካብ ሎሚ ወይ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሮም ን 30 መዓልታት ክጾሙ`ዮም። ኣብ ትርጉምን ትግባረን ሮመዳን ኣመልኪትና ንሓደ ተመራማሪ ጉዳያት ሃይማኖት ዓብዱረዛቅ ጣሃ ዝተኻየደ ለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Add a comment

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣትላንታ 2018

ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ሓድነት ህዝብና ዝጠመትና: ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን ሰፊሕ ህዝባዊ ፈስቲቫል ንመጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ (August 3, 4, and 5) 2018 ንምክያድ ዘድሊ ምድላዋት ኣፋሪቕና ምህላውና ነበስረካ ኣለና። ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ካብ ዝተፈላለያ ውድባት: በርጌሳዊ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዝሳተፍዎ ኤርትራዊ ቅነ: ድሮ ቦታ ተታሒዙ ናይ ስራሕ ሽማግለታትንተመስሪተን

Add a comment

ኤርትራ፣ ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ናብ ኣስመራ ንምብጻሕ ዘቕረቦ ሕቶ ነጺጋ

Kairat Umarov

ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ካይራት ኢማሮቭ፣ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነጸጎ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ሓቢሮም።እቲ ካዛኪስታናዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣቐዲሙ ናብ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ከምዘካየደ ዝጠቀሱ እቶም ምንጭታት፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብ ዘቕረቦ ሕቶ ከምዝተነጽገን ናብ ኤርትራ ዘእቱ ቪዛ ከምዝተኸልከለን ኣፍሊጦም።

Add a comment

ደምዳሚ ኣዋጅ መስራትን ሓድነታውን ጉባኤ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ

መስራትን ሓድነታውን ጉባኤና፣ ጉባኤ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ “ ንጉዕዞ ሓርነት ብሓድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፣ንኣ ርባዕተ መዓልታት ማለት ካብ ዕለት 27 - 30 ሚያዝያ 2018 ብ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ወከልቲ ሓድነት ኤርትራውያን
ንፍትሒ። ከምኡ’ውን ክመጹ ዘይከኣሉ ወከልቲ ኣባላት ብሓገዝ ቴክኖሎጂ ብምስታፍ፣ ዓሚቕ ዘተ ብምክያድ ዕላማ’ኡኣነጺሩ ይ ርከብ። ጉባኤና ጸኒሕ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምቕያር፣ ኣዝዩ ልዑል ተጻዋርነትን ምክብባርን ናጽነትን ዝመልኦ፣ ጽቡቕ
ኣብነት ነቲ ጽባሕ ኣብ ሃገርና እንተኽሎ ባይቶ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ። ጉባኤና ንሕና ኤርትራውያን ኣብትሕቲ ናጽ ነት፣ ብዘይናይ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ምስልና ዝረኣናሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢዩ። ጉባኤና ኩሎም መለለይታትና፣ማለት ፍቕሪ፣
ምጽውዋር፣ ዓቕሊ፣ ቅንዕና፣ ህርኩትነት፣ ተሳታፍነት ኮታ ኩሎም ክብርታትና  ዝተመልስሉን ኩሉም ተጋባእቲዝተሓቓቖፍሉን ሓጎስ ዝጎስዕሉን ናይ እምነት እምነ-መሰረት ኣንቢሩ ይርከብ።

Add a comment

ሕማም ደሓር

ድሕሪት ተመሊስና ቅድሚት ተዘይጠሚትና ምኽሪ ቀዳሞት ተዘይሰሚዕና ታሪኽ ተዘይፈሊጥና ካብ ሕማቕን ጽቡቕን ትማሊ ተዘይተማሂርና ንቕሓት ፍትሓውነት ድልዱል መሰረት ተዘይኣንጺፍና

Add a comment

ኣብ ከተማ ጎቲንገን ሃገረ ጀርመን ዝተቓንዐ ኣኼባ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)፡

ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ መወዳእታ 2017 2ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ምስ ኣጠናቐቐ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለማትማለት ኣብ ኣወስትራልያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኣውሮጳ፡ ኣብ ኣፍሪቓ ድማ ኣብ ኢትዮጵያንሱዳንን ንዝርከቡ ኣባላቱ ቀጻሊ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ከካይድ ጸኒሑን የካይድ ኣሎን፡፡ እዚ ዝተዋደደንጥፈታትን መደብን ውድብ ኣብ ኩሉ ቦታታት ብዝርከቡ ኣባላት መሪሕነት ግሃድኤ-ሕድሪ ተማእኪሉ ኣብኣገደስትን እዋናውን ዛዕባታት ኮምኡውን ውሽጣዊ ውድባዊ ኣካይዳን ግልጽነትን ተሓታትነትን ጽፉፍኣሰራርሓን ማእከል ዝገበረ ከምዝኾነ፡ ኮምኡውን ምስኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ብምርድዳእ ኩሉዓቕምታት ብምውዳድ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክውዕል ምግባር ዋዓል-ሕደር ዘድልዮ ጉዳይ ከምዘይኮነ፡ እዚ
ከኣ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኣብ ምልክት ሕቶ ወዲቑ ከምዘሎ ንኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ዜጋ ብጭብጥታትዝተደገፈ መርትዖታት ብምቕራብ ቀጻሊ ዝርዝራዊ መብርህታት ይወሃብ ከምዘሎ ካብቶም ዝተጠቐሱ ከባብታትዝበጽሓና ዘሎ ጸብጻባት ይሕብር፡፡

Add a comment

جبهة الإنقاذ تعقد ندوة سياسية في مدينة "أوكلاند" بكالفورنيا

رئيس التنظيم يؤكد في الندوة على:·عملية إحداث التغيير الديمقراطي في إرتريا ليست مسؤولية تنظيم سياسي أو تنظيمات سياسية بعينها، بل هي مسؤولية كافة القوى الحية والقادرة على تحمل مسؤولياتها الوطنية.· جهود جادة لإخراج المعارضة الوطنية من حالة الضعف التي تمر بها في الوقت الراهن. استغلال النظام الديكتاتوري صراعات المنطقة في إطالة أمد حكمه.

Add a comment

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ሓረስታይ ጣፍ ኣቶ ተስፋ ድራር

ኣቶ ተስፋ ድራር ይበሃል። ኣብ ኣሜሪካ ዕዉት ሓረስታይ`ዩ። ኣብ ጋዴን ከባቢ ዓላ ተወሊዱ- ዘርኢ ጣፍ ቅድሚ 37 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዘላለየ ፈላማይ ሰብ ምዃኑ ይገልጽ።ኣቶ ተስፋ ድራር ኣብ 1981 ዓ.ም ናብ ኣሜሪካ መጺኡ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚኖሶታ ኣብ ዝምሃረሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ዓዲ 10 ኪሎ ጣፍ ኣምጺኡ ከምዝዘረአን ሓደ ኩንታል ከም ዘእተወን ይገልጽ።ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ግን ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ሄክታር መሬት ከምዝሓርስን ንልዕሊ 250 ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝኸፈተን ገሊጹ`ሎ።“ጣፍ ካብ`ቲ `ግሉትን ` ዝብሃል ኣብ ስርናይ ዝርከብ ንጥዕና ዘይሰማማዕ ንጥረ-ነገር ናጻ ስለዝኾነ፡ ኣሜሪካውያን ከይተረፈ እናፈተውዎ ይኸዱ`ለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሓዋሩ ንስርናይ ሓሊፉ ቀንዲ እኽሊ ኣሜሪካ ክኸውን`ዩ” ይብል።

ካልኣይ ክፋል ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Add a comment

ጽላሎትነት ፍትሒ (The Illusion of Justice)

ዝኾነ ትርጉመንኣስታት 20 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ገዛይ ኣብ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ተሰቒሉ ዝነበረ ታቤላ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዚብል ጽሑፍ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብልበይ ድማ፡ እዛ ፍትሒ እትብል ቃልሲ ክሳዕ ክንደይ እያ ተናዒቓ ዘላ፡ ክሳዕ መኣስከ እያ ተናዒቓ ክትነብር ተመዲቡላ ዘሎ፡ ብምባል ደጋጊመ እሓስብ ነይረ። ናይ ደሞክራሲ ጉዳይውን ከምኡ። ኣብ ኤርትራ እዘን ክልተ ኣምራት እዚኣተን፡ ባዕላተን እውን ናይ ትርጉምን ናይ ትግበራን ፍትሒ ዝረኸባ ኣይመስላን። ከምቲ ህግደፋውያን ዚብሉዎ ግን፡ ናይ ሓቂ ትርጉመን ዚትግበረሉ፡ ማለት ከምቲ ህዝቢ ዚግምቶን ኣብ ዓለምና ድማ ዝውቱር

Add a comment

ዝኽርኺ ንዘልዓለም ብልጽቲ ሓብተይ ተኽኣ ጸጋይ መኮነን

ካብ እንነብረላ ዓለም ምፍላይኪ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ምስ ኣንበብኩ ክገልጾ ዘይክእል ስምባደ ሓዲሩኒ እንተበልኩ ኣጋንኖ ኣይኮነን፡ ካብቲ ከኹኖ ዝኸኣለ ኸኣ መዘከር ሕውነት መታዓብይተይ ምንባርኪ ናትኪ ሞት ኮም መሰንገለይ ዝተቖጸየኒ ቃንዛ ስለ ዝገበረለይ ኮይኑ፡ እዚ መርድእ እዚ ንመቕርብ ስድራ ቤትኪ ጥራሕ ዘይኮነ ንካብ ብንእስነትና መታዓብይትኺ ምረት ከምዘሕደረልና ክገልጾ እደሊ።

Add a comment