ብምኽንያት 08 መጋቢት፡ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዝተዳለወ መግለጺ፡

እነሆ እታ በብዓመቱ እነኽብራ ታሪኻዊት ዕለት 08 መጋቢት፡ ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሎሚ ንመበል 107 ጊዜ ብዓለም ደረጃ ትዝከር ኣላ። እዛ ዕለት'ዚኣ ንቃልስን መስዋእትን ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ንምዝካር ዝተሰየመት ክብርቲ ዕለት እያ። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣካል ኣምሳል ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ብምዃነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ን20 ዓመታት ሰላማዊ ፖሎቲካዊ ቃልሲ፡ ን30 መሪርን ነዊሕን  ዓመታት ድማ፡ ምዑት ብረታዊ ተጋድሎ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ኣካይደን፡ ብስንክልነአንን መስዋእተንን ኣብ ዘረጋገጻኣ ነጻ ኤርትራ፡  ዳግማይ ጊሎትን ከደምትን ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍን ወታደራውያን ሓለፍቱን ኮይነን፡ ሓሳረ መከርአን ኣብ ዝርእያሉ፡ ዳግማይ ዲሞክራያዊ ቃልሲ ከካይዳ ኣብ ዝተገደዳሉ እዋን ብምዃኑ'ውን እዩ።  

Add a comment

ወደባትና ቃዲሩ ዕዳጋና ጾሙ ሓዲሩ።

ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ህዝቢ ምስ ትሕዝቶኡ እንክጠሚ፡ ናይ ካልኦት ጽግዕተኛ ክኸውን ዘደንጹ’ዩ። ስለምንታይ ከ ብምንታይ ምኽንያት ከ? ንዘለካ ጸጋታት ከተመሓድር ዓቕሚ ብምስኣን ድዩ ወይስ ካልእ ተንኮል ካልእ ስውር ዕላማ ኣለዎ? ዜጋታት ብሓደ ድምጺ ክሓትሉ ዘለዎም ሓባራዊ ሃገራዊ ዛዕባ’ዩ። ምስ ወጻኢ ዘራኽበካ ክልተ ፍሉጥ ወደባት ወኒንካ፡ መንግስቲ ሱዳን ዶቡ ስለዝዓጸወ ሸቐጣት ካብ ደገ ሸሚትና ናብ ኤርትራ ነእትወሉ መንገዲ ስኢና፡ ስለዚ ከኣ ዕደጋታት ኤርትራ ገረውረው ኢሉ ህዝቢ ተሸጊሩ ምባል ስለምንታይ? እቲ

Add a comment

ስነስርዓት ቀብሪ !! ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ኑር!!

06.03.2018 ንሕና ኤርትራውያን ኣብዚ መድረኽ እዚ: ኣብ ትሕቲ ፍጹም ጨና ሰላም ዘይብሉ፣ ደሞክራስን ዘይብሉ: በጋሚዶኣዊ ፖለቲካዊ ሰርዓት ወዲቅና ከም ዘላና፣ ካብና ካብቶም ሰብ ቤት ሓሊፉስ፣ ደላይ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝፈልጦን ንምዕጋቱ ዝነጥፈሉ ዘሎን ምኻኑ ሰውር ኣይኮነንል።

Add a comment

ህወሓትን ምምሕዳር ክልልን ቑጽሪ 39 ዓንቐጽን ጠንቂ ናይናይ ዘይምርግጋእ ህዝብታት ኢትዮጵያን ቐርኒ ኣፍርቓን ድ’ዮምዮም?

ንኢትዮጳያ ዝምልከት ንኢትዮጳዉያንዩ ዝምልከት ኢልካ ሱቕ ምባል ምተኻእለ እንተኾነ ፍትሒ ክጎድል እሞ ኣብ ጎርቤትካ ብዓሌት ኣሳቢብካ ሰላማዊ ሰብ ክጠፍእ ከሎ ሱቕ ምባል ዳርጋ ንዝቀትል ካራ ምቅባልዩ። ስለ ዝኾነ ሱቕ ኣይመረጽኩን። ኣፍንጫ ክትህረም ዓይኒ ትነብዕ ከም ዝበሃል’ውን ህዝቢ ትግራይ ሓዉናን ጎረቤትናን ይትረፍ ኣብ ሩሑቕ ቦታ’ውን "ብዓሌቱ" ክህረምን ክጽልኣን ክመዉትን ዝኾነ ፍትሓዊ ክኹንኖኖ
ዝግባእ'ውን'

Add a comment

ምእካብ ድዩ ምምዳብ? ርጡብ መልሲ ይወሃብ

ብዕለት 25/02/2018 ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን ነበርቲ ኣብ ኣትላንታ (Atlanta) ሰሜን ኣሜሪካ ንዓለመለኻዊ ዋዕላ ኤርትራውያን ዘተንብህ ዕድመ ብምምባበይ ከምኡ ኸኣ ኣብቲ ትሕዝቶ መደብ ሰፊሩ ዘሎ ነጥብታት ወይ ክወዓለሉ ተባሂሉ ዘሎ ትሕዝቶታት ብወገነይ ኣድማዒ ውጽኢት ክህልዎ ዝድለን እንተድኣ ኾይኑ፡ ካብ ሕጂ ብሩህ ኮይኑ ክግለጽ ዝብሎ ርእይቶ ክህብ ኣፍቅዱለይ።

Add a comment

ለካቲት 26, 2018; ጋዜዊ መግለጺ ደሞክራሲያዊ ውድብ ብሄረ ብለን ፡ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ግምባር ብዝምልከት

ደሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብለን ንዕዉት ዋዕላ ኣርባዕተ ውድባት፡ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ስምረት ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማኤርትራ ዲምሓኩኤ ሰውራዊ ግንባር ኤርትራ ሰደግኤ ን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ግሃድኤ ሕድሪ ልባዊ ደገፍና ንገልጽ።

Add a comment

ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ ኤውሮጳ፣ ብምኽንያት 8 መጋቢት ዋዕላ ከካይዳ'የን

Women for Justice

ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ዝኾና፣ ኣብ ዞባ ኤውሪጳ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ፣ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ኣብ ኔዘርላንስ ከተማ ዘ ሄግ ዋዕላ ከካይዳ'የን።

እቲ ን9ን 10ን መጋቢት ዝካየድ ዋዕላ፣ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ንዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ዘለውኦ ኩነታትን ኣብ መዳይ ምቅላስ ምእንቲ መሰልን ፍትሕን ክህልወና ዝግባእ እጃምን ኣመልኪቱ ክዝቲ ምዃና ኣባላት ወዳቢት ኮሚተ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጸን።

Add a comment

ካብ ዉሽጡ ሑሩር,ነዚ ይመስል,ተግባራት ናይ ዞም ሰለስተ

ህዝቢ ኤርትራ ንወረርቱ ወትሩ ምስ መከተ,ግርህና ዶ ክንብሎ ዕሽነተ, ምስቲ ዋሕድና,ምስ ምልዮናት ገጢምና, ን30 ዓመታት ደሚና, ቁንጣሮ ይብላ በዓል ኣደይ, ረዚን ዋጋ ተኸፊሉዋ ንኤረይ,ከም ጡብ ኣደኹም ቅበጽዋ ኦሮማይ, ኢድና ኣይዓሞኸን ማይ, ወሲና ንበገስ ጥራይ, ነዊሕ ኣይኮነን ዕምሮም እኒ ካሕዳይ፡፡

Add a comment

ኣኼባ ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን፡

ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ብዕለት 03 መጋቢት 2018 ኣኼባ ከምዘካየዱ ካብቲ ቦታ ዝተላእከልና ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ኣባላት ከምዝተሳተፉን፡ እንኮላይ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ (ኣባላት ኣመራርሓ ግሃድኤ-ሕድሪ) ዝተሳተፍዎ ከምዝነበረውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡

Add a comment

ሓሙሻይ ዞባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ

ሓሙሻይ ዞባዊ ጉባኤና ሎሚ እውን ከም ትማሊ ንምዕዋት ሓርነት ህዝብና በርቲዕና ንቃለስ ! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ ዕለት 17-18 የካቲት 2018 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ብድምቀት ተሰላሲሉ።

Add a comment

ወዲ 94 ዓመት ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ዓሪፎም

ልዑል ሃይማኖታዊ እምነትን ኣኽብሮት ህዝብን ፍቕሪ ሃገርን ከም ዝነበሮም ዝዝረበሎም ወዲ 94 ዓመት ክቡር ሓርበኛ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ልጓም ኣልቦ ሃላሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስርዓተ ሃይማኖቶም ንዝገበሮ ቅሉዕ ኢድ ምትእትታው ፊት ንፊት ብምቅዋሞም፡ ኣብ ደገፍን ክብርን ክረኽብሉ ዝግባእ ዕድመ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2 መጋቢት 2018 ከም ዝዓረፉ ክፍሊ ዜና ሰልፊ

Add a comment

ቃል ሓዘን

ደሓን ኩን ጽኑዕ ! ብጻይ ብርሃነ መንነት ሰብ መርገጽ`ዩ ፤ንመርገጽ ዝኽፈል ዋጋ ኸኣ ኣሎ ። እቲ ዝዓበየ መርገጽ ከኣ  ንናይ ሓባር ረብሓ ትወስዶ መርገጽ`ዩ፤  መኻይዱ ኸኣ ዓበይቲ ዝኸፍልዎ ዋጋ ኣሎ ። ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዋጋ። ሓደ ካብኦም ነርካ። ዓቢ ሰብ ።

Add a comment

ካብ ጸጊቦም ዝዕንድሩስ፡ ይዕንድሩ ኣለው ኢሎም ዝዕንድሩ ይበዝሑ”

ዘይምፍላጥ: ተፈጥሮኣዊ ውህብቶን ማዕርነት ሰብን ክሳብ ትዝንግዕ ይገብረካ። ወዲ-ሰብ ብዓይኒ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ምስ ማሕበራዊ እንስሳ ዝምደብ ኮይኑ፡ ግን ከኣ፡ ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝለዓለ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ። ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኡ ንገዛእ ርእሱ ሰብ ምዃኑ፡ ሰብ ብኣፈጣጥራኡ ካብ ሰብ ከምዘይበልጽ፡ ከም እንስሳ ተፈጥሮ ዝለገሰሉ ማእሪሩ ዝነብር ዘይኮነ፡ ንተፈጥሮ ናብ ረብሓኡ ናይ ምቕያር

Add a comment

18 ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡

ናብ ተባዕ ተቓላሳይ ህዝብና! ናብ ኩሎም ተቓለስቲ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ! ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ናይ ዝበዝሑ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ጽላል ኮይኑ ምስ ተመስረተ፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዝኡ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠምዎ ዝፍለጥ እዩ። እዞም ዕንቅፋታት እዚኣቶም ንሓባራዊ ጽላልና ናብ ደውታ ዘእተውዎ ኮይኖም፡ ናይዚ ጠንቂ ከኣ ብቀንዱ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትና ድኽመት ምዃኑ ከም ዝተገምገመ ዝዝከር እዩ።

Add a comment

ባሕርና ኣብ ቀረባ ርሑቕና

እምቢ ንመግዛእቲ፡ እወ ንነጻነት ኢልና እንክንጋደል ብመን ሕራይ ነብስና ፈሪድና ክንቅበል መስገደል ናብ ዝሓሸ ጽባሕ እናማዕደና ዝወፈርና ብዘይ ኣባል ንኽብርን መሰልን ‘ምበር መዓስ ነይሩና ናይ ምትኳስ ኣማል።

Add a comment

ናይ ኤርትራ ኣካለ -ጽጉማን ማሕበር

ዘሔጉስ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ ነበርቲ ዝኾኑ ግዱሳት ኢርትራውያን ብምድግጋም ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ብርኩት ሓገዝ ክገብሩ ምጽንሖም ኣብ መርበብ ሓቤሬታ ክዝርጋሕ ምስጽንሑ ዝዝከር ኢዩ።

Add a comment

ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ ዝተቓወሙን መሰል ኣመንቲ ምስልምና ክሕሎ ዝሓተቱን፣ ሓጂ ሙሳ ዓሪፎም

Dia Al Islamia

ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ብግሁድ ዝተቓወሙን መሰል ኣመንቲ ምስልምና ኣብታ ቤት ትምህርቲ ክሕሎ ዝጸውዑን ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም። እዞም ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣቦ፣ ብሕማም ኣብ ዝተሰነፍሉ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወሲዶም ክእለዩ ድሕሪ ምቕና'ዮም ብቀዳም 03 መጋቢት ዓሪፎም።

Add a comment

ሕብረት ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ

ጅግና ስውእ ኣብራሃም ነጋሲ ካብ መጀመርታ 70ታት ኣብ ውሽጣዊ ስርርዕ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብተቃለስቲ ተጋድሎ ሓርነት ተውዲቡ ንጡፍ ኣበርክቶ ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1974 መጀመርታ ንሜዳ ብምውጻእ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ፈዳይን ኮይኑ ምስ ጸላእን፡ ምስ (ህዝባዊ ሓይልታት/ህዝባዊ ግንባር) ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጎንጺ የጋጥሞ ነይሩ። ብፍላይ ህግ ንመደባቶም ዝፈልጥን ፡ ሓቀኛ ስራሓት ዝፍጽም ጸላኢኦም ስለ ዝኾነ፡ እንተኪኢሎም የጥፍእዎ፡ እንተ ዘይኪኢሎም ድማ የጸልምዎ። እዚ ዕጫ'ዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ስውእ ጅግና ኣብረሃም ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ከባቢ ኣስመራን ደቀምሓረን ኣርባዕተ ቃጻ ህግ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ካብ ከበሳ ንጸጥታዊ ኮርስ ምስ ኣውረዶ ፡ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ ምምሕዳር ጋሽ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ብምምዳብ ክሳብ ተ.ሓ.ኤ ብውግእ ሕድሕድ ተደፊኣ ኣብ ሱዳን ትኣቱ 1981 ብቆራጽነት ንውድባዊ መደባት ከገልግል ጸኒሑ።
Add a comment

ከተማ ኣስመራ ኣብነታዊ ሓርበኛ ብዓቢ ስነ ስርዓት ኣፋኒያ።

 

 

 

ሎሚ ዕለት 3 መጋቢት 2018 ኣብ ከተማ ኣስመራ መቓብር ሸኽ ኣልኣሚን (ዕዳጋ ሓሙስ) ጅግና ሓርበኛ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣቦ መንበር ባይቶ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያእ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ተፋኒዮም። ኣቦና ሓርበኛ ሓጅ ሙሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ኢዮም ተሰዊኦም። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ በዚ መሪር ኣጋጣሚ’ዚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽትና ነመሓላልፍ።

Add a comment

እንታይ ዘፍርሕን ዘሕንኽን ኣለዎም?

እንታይ ዘፍርሕን ዘሕንኽን ኣለዎም ዋናታት ኮይኖም እንዳጻፉ ተበራበር ሕሹኽሹኽ ግዱስ ኤርትራዊ ኢልካ ስምካ ምሕባእ እንታይ ኣድለዮም

Add a comment

ብምኽንያት መስዋእቲ ኣቦና ሐጂ ሙሳ መሐመድ ኑር መግለጺ መሪር ሐዘን

ንሐርበኛ ኣቦና ሐጂ ሙሳ መሐመድ ኑር ጀና,ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽዩ ነባሪ, ካብ ምኒስተራትን ጀነራላትን ጃንዳ ህግደፍ, ብህዝቢ ዝያዳ ዝረኸቡ ክብሪ፡፡

Add a comment

ኣብ ህልው ፖለቲካ ኤርትራ ፍትሓውን መትከላውን መርገጽ ዘይብሎም ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሚዛናዊ ርእይቶ ክህቡ ትጽቢት ኣይግበርን።

ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ንዘሎ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ፋሽሽታዊ ተግባርን ዘይኹንኑ፡ ብኣንጻሩ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝድግፉ ዘተባብዑ ወገናት ፖለቲካዊ ሚዛን ዘይብሎም’ዮም። ህዝብታት ኤርትራ ንዘልዕልዎ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ከይዕወት ዝዕንቅፉ ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ዝጭፍልቑ ድማ’ዮም።

Add a comment

ቃል ሓዘን

ደሓን ኩን መራሒ ! ዘገርም`ዩ !ሓርበኛነትና  (ንናይ ሓባርን ንኻለኦት ኢልካ ምስዋእን)ተዳኺሙ ፤መስሓቅ ሸራፋት ኣብ ዝኾናሉ እዋን ፤ ብኣዚ`ዩ ዘደንቅ ድፍረት፤ ነቲ ነበረ`ያ ነበረ ክበሃሎ ዝቀረበ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣበራቢርካ ክትከይድ ምምራጽካ ዓቢ ነገር`ዩ።

Add a comment

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ሓሙሻይ ዞባዊ ጉባኤ ኣካይዱ

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ኣብ ዕለታት 17 ን 18 ለካቲት 2018 ሓሙሻይ ጉባኤ ከም ዘሰላሰለ፡ ዞባዊ ጉባኤ ብዝኽሪ ሰማእታት ተኸፊቱ፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ስራሕ ብኣቦ-መንበር እቲ ዞባ ብጽሑፍ ተዳልዩ ከም ዝተነበን ጉባኤኛ ከም ዝተኻተዓሉን ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

Add a comment

መግለጺ ሓዘን ካብ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ፡

ኣብ ዓመተ 2017 ንተግባራት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብትብዓት ዝተቓወሙን ኣብ ቀይዲ የእቲይዎም ዝጸንሑን ጅግና ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድኑር ሎሚ ዕለት 03 መጋቢት 2018 ናይ ንጉሆ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፉን ሬስኦም ንስድራ ቤቶም ከምዝተዋህበን ተሓቢሩ ኣሎ፡፡

 

Add a comment

ብቀሊል ኣይንጠበር ደቂ ኤረ

ውሽጡ ሑሩር,ደቂ ኤረ ብቀሊል ኣይንጠበር, በዞም ጭፍራ ክሳብ ማዓስ ወየ,ንሕና ብማዕዶ ኣቦየ ኣደየ, ህግደፋዊያን ንበረለየ,በይነይ ኣይኮንኩን ዉሽጡ ሑሩር,ብዙሕ ኣሎ ንፍትሒ ዝምድር,ከምቶም ዝሐለፉ ቅያ ክንገብር, ስለምታይ ደኣሞ ዘይንሐብር,ኤርትራዊያን ጀጋኑ ከምዘይ ንነበሩ, በዞም ጉጅለ ዕድልና ተሰሩ,ኣብ ዓለም ሽምና ሐሲሩ,,

Add a comment

ሰናይ ተብግሶ 18 ውድባት

ዉሽጡ ሑሩር,እዛ ርጊቢት ምስ ዕንበባ ቀዳዊትና ይግበራ,ብተመን ዝሰንበደ ብልሕጺ ተዳህለ,ተሐጒሰ, ግን ካብ ተመኩሮ ተበጊሰ, ሰናይ ተበግሶ ናይ 18 ውድባት ኣሞጒሰ, ህዝብና ክጋላገል ካብ ጋሃንም ጸላም,ቀልጢፍኩም ግበሩ ገምጋም፡፡

Add a comment

ነጻ ኤርትራ ናይ መንኦም ህያብ ናይ ስውኣት’ዶ ናይ’ዞም ሸፋቱ?

ኣብ ናይ ኤርትራ ማሕበረ ፖለቲካዊ ዲስኩርስ ወይ ምብህሃል፡ ገና ዘይተነጸሩ ማለት በቦታኦም ዘይሓዙ ክልተ ኣዕኑድ ዘለው ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ቀዳማይ ነጻነት ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ሓርነት ዝብል’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብተራ ቃላት ምልውዋጥ ኣቢሉ ዝዝረበሉን ዝምዘን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ወይ መሳርሒታት ኣቢሉ’ውን ዝግለጽ’ዩ። እቲ ናይ ነጻነት ሕቶ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ኣእምሮ ናይ’ቶም ነቲ ቃልሲ ዘበገሱ ሓርበኛታት ተቐሪጹ ዝነበረ ቀንዲ ቁም ነገር፡ ካብ መግዛእትን ንሱ ዘተኣታተዎ ድሑርን ኣዕናውን ኣተሓሳስባታት ነጻ ዝኾነት፡ ህዝባ ብሓርነት ዝነብረላ ሃገረ ኤርትራ ክውን ምግባር ዝብል’ዩ ነይሩ።
 

Add a comment

ሎሚ ኣመት ዜጋታቱ ዘይገብር ኤርትራዊ ዳርጋ ዘየለ

ትማሊ ማለት ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ ንሃገራዊ ነጻነት፡ ስርዓት ደርግ ብልዕለ ሓያል ሶቬት ሕብረት ተደጊፉ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምቕሃም ምድልዋት ወዲኡ፡ በቲ ኣብ ሓሳቡ ዝሰኣሎ ፍጹም ዓወት ተኣማሚኑ ኣብ ዝተሃንደደሉ መድረኽ፡ ሎሚ ዘይከተተ ብደው ከም ዝሞተ” ዝብል ነቲ ዝነበረ ኩናታት ዝገልጽን ዝገጥምን መድረኻዊ ጭርሖ ነይሩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ነቶም ኣብ ቅድመ

Add a comment

ፖለቲካዊ ኣንፈት ዝጠፍኦ፡ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ውድቀት ካልኦት ይምነ፡

ዝኾነ ሰብ ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ ጥዕናኡ’ዩ ክሓስብን ክግደስን ዘለዎ። እዚ ናይ ሕርያ ጉዳይ ዘይኮነ ተፈጥሮኣዊግዴታ’ዩ። ምኽንያቱ ንነገራት ብልክዕ ዘንብብ ሰብ ብዛዕባ ጥዕናኡ ከይተገደሰን ካብ ሕማሙ ድማ ከይተፈወሰን፡ ኣብ ምሕጋዝ ካልኦት ኣወንታዊ ተራ ከበርክት ኣይክእልን። ብኣንጻሩ፡ ኣነ ካብ ሕጂ ንድሓር ብህይወት ናይ ምቕጻል ዕድል የብለይን። ስለዚ እከለ ብድሕረይ ተሪፉ ብሰላም ካብ  ነብር ተለኻኺምና ብሓደ ክንጠፍእ ኣለና ዝብል ርኹስ ሕልምን ተስፋ ዝቖረጸ ሕልና ዘለዎ ሰብ እንተዘይኮይኑ ድማ፡ ሓምድ ድበ ጥራሕ ዝተረፎ ብደው እንከሎ ዝሞተ ሰብ ማለት’ዩ። ኣብ ገዛኡ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኣብ ክንዲ ምጥፋእ፡ ኣብ ጎሬቤት ናብ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ትኹረት ዝገብር፡ ንብረትን

Add a comment

ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ፡

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ ዝርከብ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ ኮሚቴን ጠርነፍቲ ኣሃዱታትን ተማእኪሉ ንክልተ መዓልቲ ሰፊሕ ሰሚናር ከምዝተካየደ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራውን
ጸጥታውን ግሃድኤ-ሕድሪ ሓቢሩ፡፡

Add a comment

ብዓል ሰሚርና. . . ተፈንጢሕና እንታይ ዕላማኹም. . . ሰላም ዘይትህቡና?

ኣነ ሓጺሩዋ እብል. . . . ንሳ ኸኣ ተደቢራ ትስዕስዕ ከምዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘጽሞሞ ሓሶት ከይኣኽሎ መን ወክሉኒ ዝበለኩም ዘይብልኩም. . . .ካብ ነዊሕ ዓመታት ሓንሳብ ስምረት ጌርና. . ሓንሳብ ከኣ ተፈንጢሕና ክትብሉ ምውሽላኽኩም ወዮ ድኣ ክበልዕ ዝህንጠ ገደል ኣፉ ከም ዝበሃል ነታ ንመሸፈኒት ውዲት ትግራይ ትግርኝ ክትጠቅም ዝስረፈልኩም ቀለብ እናተቐለብኩም ንባዕልኹም ዋናታት ውራይ ሃገር ኽትኮኑ ዘይኮነ ካብ ሃንቀውታ ምወላ ኢትዮጵያ. . ነጻ ዘይወጻእኩም ክኒኡ ኸኣ ካብ ቁጽጽሮም ዘይተላቐቕኹም. . ንዓና ካብ ኣፍ ሓርገጽ ሽፍትነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከተድሕኑ ከክንዳና ክትትርጉሙ

Add a comment

ዑደት ንረድኤት ብማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባሌን ኤርትራ (ማረምኤ) ከም ግብረሰናይ ማሕበር መጠን፡ነጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ናይ ረድኤት ማሕበር ኢዩ። ካብ ሃገርና ኤርትራ ንዝተፈናቐሉን በብግዜኡ ዝስደዱን ስደተኛታት ኤርትራውያን ብንኡስ ዓቕሙን ብናይ ደገፍቱ ሓደ ሓደ ግብረ-ሰናያት ንኡሳን ማሕበራትን ኣዝዮም ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን እናተሓገዘ ክረድእ ዝጸንሐን ዘሎን ማሕበር ኢዩ። ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ከም ናይ ወጻኢ ናይ ረድኤት ትካል ኮይኑ ዝተመዝገበ እውን ኢዩ።

Add a comment

ፖሊስ ሱዳን፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዋ ኣብ 9 መካይን ዝተጻዕና ልዕሊ 300 ኣባጊዕ ከምዝሓዘ ይገልጽ

Sheep Kassala

ፖሊስ ሱዳን፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዋ 373 ኣባጊዕ ከምዝሓዘ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (SUNA) ገሊጹ። እተን ኣብ ትሽዓተ ዓበይቲ መካይን ተጻዒነን፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ዝተታሕዛ ኣባጊዕ፣ ሕጋዊ ቅጥዒ ናይ ሕክምና ዘየማልኣ ኣብ ርእሲ ምዃነን፣ ንሕርሻ እንስሳ ሱዳን ሓደገኛ ክኾና ይኽእላ'የን ክብል ምምሕዳር እቲ ዞባ ገሊጹ።

ነተን ኣባጊዕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ከሰጋግሩ ዝተታሕዙ ክልተ ሱዳናውያንን ቁጽሮም ዘይተገልጸ ኤርትራውያን ከምዘለዉ'ውን እቲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ ኣሎ።

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራዉያን ንድሕነት ሃገር

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ስምረት ኣብ'ቲ ዝካየዶ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኬባ ብዙሓት ዓበይቲ ዛዕባታት ኣልዒሉ ተዛትዩ። ካብ'ቲ ቀንዲ ዘተኮረሎም ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዓለማዉን ዞባዉን ከባብያዉን ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝረኣዮ፡ በቲ ኣብ መንጎ ሓያላት ሃገራት ዝግበር ዘሎ ናይ ፖለቲካዉን ቁጠባዉን ወተሃደራዉን ናይ ሓይሊ ሚዛን ዉድድር ዓለም ናብ ክልተ ገጻት ዝመልክዑ ናይ

Add a comment

ኣብ ዶብ ፈረንሳን ኢጣልያን ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓጊቶም ምህላዎም ተሓቢሩ

Vigntmilleፈረንሳን ኢጣልያን፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 ስደተኛታት ተዓጊቶም ከምዘለዉ ተገሊጹ። ፖሊስ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ንእሽቶ ከተማ ቫንትሚልያ ናይ ኢጣልያ ተዓጊቶም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ናብ ፈረንሳ ከይሰግሩ ኣብ ርእሲ ምኽልካል፣ ናይ ምስጋር ዕድል እንተረኺቦም'ውን ናብ ኢጣልያ ብምምላስ፣ ዑቕባ ክሓቱ የገድድዎም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ብዘይኣላዩ ዝመጹ10ታት ቆልዑ፣ ኣዴታትን ነፍሰ ጾራትን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኢጣልያ ሓደስቲ ስደተኛታት እትገብሮ ማሕበራዊ ሓገዛት ስለዘየለ፣ ናብ ፈረንሳ ወይ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ከምዝደልዩ'ዮም ዝገልጹ።

Add a comment

እቶም ናይ በሓቂ ክርስቲያናት ዝኾኑ፡ ነቲ ዝኸበደ ፍርሒ ሞት ብምስዓሮም፥ ስለቲ ዘፍቅርዎ ኣምላኾም ክብሉ ብሓጎስ ሙማት ይኽእሉ እዮም።

መብዝሕቶኦም ከም ዝብልዎ፡ እቲ ስርዓት ኣጋጊዩና ዝብል መልሲ ልሙድ ተርእዮ እኳ እንተኾነ፡ ብ/ጀኔራል ኣብርሃ  ካሳ በቲ ትገብሮ ዘሎኻ፡ ካብ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራን ስዋኣትናን ዝጠለመ፡  ብደም ተሓታቲ ዝኾነ ስርዓት ኤርትራ ምኻንካ፡ ካብ መዛግብ ልባትና ዘይሕከኽ በሰላ ኮይኑ ኣሎ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ንጎይታና ኢየሱስ ብምሻጥ፡ ግራት ከም ዝዓደገ እሞ፡ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣከልደማ ማለት (ግራት ደም) ትባሃል ኣላ ከም ዝበላ። (ግብ 1፡ 19፤ ማቴ 27፡ 8) ንቅዱስ እንጠንዮስን ንቤተ-ክርስቲያንን ብምሻጥኩምን ምድፋርኩምን፡ ኣብታ ንፈትዋን ነፍቅራን ሃገርና ግራት ደም ከም ዝዓደኩም ባዕልኻትኩም ትስሕትዎ ኣይመስለንን።

Add a comment

ውድብ ወይ ግንባር ምምስራት ቀሊል

እቲ ፈታኒስ፡ ኣብ መኣዝን መትከላቱ፡ ቀጻልነቱን ተዓዋተይን’ዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝኽሰት ጨፍላቒ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ ካብ ግዳም ዝመጽአ ድዩ ዘቤታዊ፣ መሰረቱ ደርባዊ ድዩ ብሄራዊ፣ ሃማኖታዊ ድዩ ጾታዊ፣ ካብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ናተይ ኢሉ ዝሓቑ`ፎን ኣይናተይን ኣይመኻይደይን ኢሉ ዘግልሎን ኣለዎ። እቶም ብዝተፈላለዩ ጉልባባት ኣብ ዙርያቲ ሽግርን ኣፈታትሓኡን ሓሳቦም ከየካፍሉ፡ ከይሰርሑን ብውጽኢት ስራሖም ተጠቀምቲ ኮይኖም ሰላማዊ ማሕበራዊ ህይወት ከይመርሑ ዝተገለሉን ወገናት ድማ፡ ነዚ ኣግላሊ ኣድላዊ

Add a comment

እቲ ቁም-ነገር ተስፋ ምቑራጽ ዘይኮነ፡ ንዝበደልካዮ ህዝቢ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲትካ ምኽሓስ’ዩ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋት ካብ ኩሉ ዝዓብን ዝቕድም ናይ ፈጣሪ ሰላምታዩ’ሞ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ቀጺለ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣባላት መንግስቲ ኢሳያስ ዝነበሩ በብግዜኡ ካብ’ቲ ብገበን ዝተኣሳሰረ ሰንሰላታዊ መርበብ ቀስ ብቐስ ነብሶም ሓራ ዘውጽኡ ዜጋታት ዝተዓዘብክዎን ካብ ትዕዝብተይ ተበጊሰ ከመሓላልፎ ዝደለኹ ምኽርን ዝሓዘት መልእኸተይ እሰደልኩም ኣለኹ’ሞ፡ በቲ ልሙድ ትጥቀመሉ መንገዲ ናብ ህዝቢ

Add a comment

ኣብ ሃገረ ሊብያ ብሓደጋ መኪና 19 ስደተኛታት መይቶም ልዕሊ 100 ድማ ብከቢድን ፈኲስን ቆሲሎም

ኣብ ሊብያ ብመኪና ካብን ናብን ካም ዝጎዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት፡ እታ መኪና ብዘጋጠማ ናይ ምግምጣል ሓደጋ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም 19 ሰባት ከምዝመቱ
ልዕሊ 100 ድማ ብከቢድን ፈኲስን ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ጠራብሎስ ሕክምናዊ ረድአት ይገበረሎም ከም ዘሎን ንፖሊስን ሓካይም እቲ ሆስፒታልን ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን። እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ 14 ለካቲት 2018 ኣብ ከባቢ ከተማ ባኒ ወሊድ ዝተባህለ ካብ ጠራቡሎስ ኣስታት 170 ኪ/ሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ማለት ኣብ’ቲ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንምእታው ዘዕርፉሉ ቦታ ከም ዘጋጠመን ሓቢረን።

Add a comment

ባሕርና ኣብ ቀረባ ርሑቕና

እምቢ ንመግዛእቲ፡ እወ ንነጻነት ኢልና እንክንጋደል ብመን ሕራይ ነብስና ፈሪድና ክንቅበል መስገደል ናብ ዝሓሸ ጽባሕ እናማዕደና ዝወፈርና ብዘይ ኣባል ንኽብርን መሰልን ‘ምበር መዓስ ነይሩና ናይ ምትኳስ ኣማል።

Add a comment

“ክ ቡር የ ኽ ብረ ካ ማዕ ረ ነ ብሱ፡ ሕሱር ’ውን ከ ምኡ ”

ዝ ኾ ነ ሰ ብ ብዛ ዕ ባ ና ይ ገ ዛ እ ር እ ሱ ኩለ ን ተ ና ኡ ኮ ነ ብዛ ዕ ባ ካ ል እ ክ ዛ ረ በ ሉ ዝ ደ ሊ ዛ ዕ ባ ሓ ሳ ቡ ና ይ ምግ ላ ጽ መሰ ል ኣ ለ ዎ ። እ ዚ መሰ ል ዚ ሃ ና ጽ ን ቅ ቡል ን ዝ ኸ ውን ግ ና ና ይ ካ ለ ኦ ት ተ መሳ ሳ ሊ መሰ ል ዘ ይ ጉ ን ጽ ክ ኸ ውን እ ን ከ ሎ ጥራ ይ እ ዩ ። እ ቲ ሓ ሳ ብካ ና ይ ምግ ላ ጽ ሜዳ ከ ም ና ት ካ ብሕታዊ ን ብረ ት ወሲድካ ን ካ ለ ኦ ት ክ ት ነ ድሕ ን ኣ ፎ ም ከ ተ ት ሕ ዝ ን ምፍ ታን ግ ና ብኹሉ መዕ ቀ ኒ ቅ ቡል ኣ ይ ኮ ነ ን ።

Add a comment

በዓል ሰራዊት ሓርነት (ቶጎሩባ) ኣብ ፍራንክፈርት

ንቀዳም ዕለት 17.03.2018 ኣብ ፍራንክፈርት በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሰዓትን ቦታን ብምኽንያት መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ቶጎሩባ)፣ ብምትሕብባር ኣብዚ ከባቢ ዘለው ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ (ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቕስቃሳትን ነጻ ኣካላትን) በዓል ከነካይድ ምዃና ንሕብር።

Add a comment

ሰብኣዊ ክብሪ ዘይብሉ፡ ሓቀኛ ሃገራዊ ስምዒት ክውንን ኣይክእልን።

ሰብ ንሰብ ይኽብር’ዩ። ከምኡውን ዜጋታት ሃገሮም ይፈትው’ዮም። ሰብ ንሰብ ክፈቱ ወይ ከኽብር እንከሎ፡ ወላዲ፡ ውላድ፡ ሓው፡ ሓፍቲ ፡ እሙን ዓርኪ መሓዛ ስለዝኾነ/ዝኾነት ዝሓድረካ ፍቕርን ትህቦ ኣኽብሮትን ሓደ ነገር’ዩ። ብግዳማዊ ተኽለ-ሰብነት ብግዝያዊ ጾታዊ ስምዒት ተደፋፊእካ ምምራኽ’ውን የጋጥም’ዩ። ካብ ልሳኑ/ልሳና ብዝወጽእ ረዚን ሓሳብ/ርእይቶ ተበጊስካ ምፍታው፡ ምድናቕን ምኽባርን’ውን ኣሎ። እዚ ካብ ሃናጺ ሓሳብ ተበጊስካ ምፍታው፡ ምድናቕ፡ ምኽባር፡ ሚዛን ዘለዎን ኩሉ ሰብ ድማ ክኸተሎ ዝግባእን’ዩ። ካብ’ዚ ዝበለጸ ናይ ግድን ኣኽብሮት ክትህበሉን ክትረኽበሉን ዝግባእ ድማ ኣሎ። ማ

Add a comment

በዓል ሰራዊት ሓርነት (ቶጎሩባ) ኣብ ፍራንክፈርት

ንቀዳም ዕለት 17.03.2018 ኣብ ፍራንክፈርት በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሰዓትን ቦታን ብምኽንያት መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ቶጎሩባ)፣ ብምትሕብባር ኣብዚ ከባቢ ዘለው ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ (ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቕስቃሳትን ነጻ ኣካላትን) በዓል ከነካይድ ምዃና ንሕብር።

Add a comment

ሕሱር ግን ከኣ ማንታ ተልእኾ ዘለዎ ጽንብል መበል 181 ዓመት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ኣብ ኣስመራ፡

ታሪኽ ህዝብታት ኤርትራ ታሪኽ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ፡ እምቢ ኣይግዛእን ሕረና መስዋእትን ዓወትን’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ከባቢ 100 ዓመት ቃልስን ዓወትን መስርሕ ብቑጽሮም ብዙሓት፡ ብመስተክራዊ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ውዕለኦም ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ኣወዳዲርካ ብልጫ ንምሃብ ዘጸግሙ፡ ሓድሽ ወለዶ ኣብነታዊ ተመክሮ ዝወስደሉ ዝመሃረሉ፡ ዘሕብን ሃገራዊ
ጀግንነት ፈጽሚሞ’ዮም። ኤርትራውያን ዝተዓወትሉ ዓውድታት ግን ኣብ ወተሃደራዊ ግንባራት ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ስለያን ፈዳይንን ታሪኽ ሰርሖም’ዮም። ምስጢር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕቃብ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህይወት ከፊሎም’ዮም። ኣብ ኣካዳሚያውን ምርምራውን ትምህርቲ ተሳቲፎም ዘሕብን ውጽኢት ዘምጽኡ ነይሮም ኣለውን’ዮም። ካብ ዘመናዊ ሕጊ ዝሃብተመ ያታዊ ሕጊ ወይ ሕጊ እንዳባ” ዝነደፉ ሰፊሕ

Add a comment

8መጋቢት ማሕበር ደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብኤውሮጳ ደረጃ ኣብ ደንሃግ ሆላንድ።

ኣብ ታርኽ ዓለምና ደቀ-ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ብ8 መጋቢ 1857 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንማዕረ መሰልን ማዕረ ዶዝን ኣብ ዝገበረኦ ሰላማዊ ሰልፊ በሓይሊ ፖሊስ ፈሪሰን ብዙሓት ድማ ትጎዲኤን።

Add a comment

እንታይዩ ሐሸሽ ዝብል ዘሎ

ውሽጡ ሑሩር ዓርከይ ኢሂ፡ እንታይ ዩ ሐሸሽ ዝብል፡ ትም ኢልካ ተሐባእ ስለያ ህግደፍዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ክንዲ ብሐባር ያዕ ንበሎ፡ገለ ዓገብ ኢሉ ኣብ ማእሰርቲ ክልሎ, ውሽጡ ሑሩር ገሪሙኒሎ,ክንዲ ዝኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ተዳሂኹ..እንዳ ሞተ ብፍርሒ ተዋሒጡ፡ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ሕልንኡ ሸይጡ፡ መውጺኢኡ ሲሒቱ, ተገምጢሉ ንመንደዓት ህዝቢ ገንዘቡ የመጡ,,

Add a comment

ነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን 2010፣ ጨንፈር ጀርመን ጉባኤ ኣካይዱ

ነጻ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን 2010፣ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብዕለት 24 ለካቲት 2018 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብሕግታት ማሕበራት ዝርከቦ ሃገር ዝቆመ፡ መኽሰብ ኣልቦ ትካል ስለዝኮነ፡ ብቕዋማት ነጻ ማሕበራት ዝቕየድን ዝምእከልን ማሕበር እዩ።

Add a comment